Thursday, March 31, 2011

ጾም

ሻዱሻይ ክፋል
ጾምን ቀኖናኡን 
ቀኖና ማለት መበቆሉ ካኖን ካብ ዝብል ናይ ጽርዕ (ግሪኽ) ቃል ኮይኑ መዐቀኒ፡ መለክዒ፡ መስፈሪ ከም ማለት እዩ። ብመንጽር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ቕልል ብዝበለ ኣገላልጻ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ። ቀኖና ጾም ክንብል ከሎና ብዝኂ ኣጽዋማት፥ ዕለታትን ሰዓታትን ጾም፥ ጾም ብኸመይ መዓስ ይጽወም ወዘተ ብቤተ ክርስቲያን ዝውሰን ሥርዓት ማለት እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣዝያ ጥንታዊት ከም ምዃና ቃል እግዚአብሔርን ቅዱስ መጽሓፍን ዝሠረቱ ብትምህርትን ትውፊትን ሓዋርያትን ቅዱሳን ኣበውን ከምኡውን ጉባኤታቶም ዝተነድቀ ሕግን ሥርዓትን ጾም ኣለዋ። 

ብመሠረቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝጽወም ጾም ኣብ ክልተ ይኽፈል። ንሳቶም ድማ ናይ ኣዋጅን ናይ ፈቓድን ተባሂሎም ይፍለጡ። 

Wednesday, March 30, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ሻዱሻይ ክፋል
ገብርኄር 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻዱሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሞንን ገብርሔር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ ክብርቲ ዕለት ከምቲ ቃሉ እሙናት ኮይና ከነኽብራን ክንነብራን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ዝዝመር መዝሙር ብዛዕባ ቅኑዓት ኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ድማ “ገብርኄር” እናበለ ዓስቦም ከም ዝህብ ተዘኻኽር ስለዝኾነት እያ። እቲ ዝዝመር መዝሙር’ውን “መን ውእቱ ገብርኄር?” (መን እዩ እቲ እሙን ኣገልጋሊ?) እናበለ ዝቕጽል እዩ። እቲ መበገሲ ታሪኽ ድማ ጐይታ ንኵሉ ብምስላ ይምህር ከምዝነበረን ካብቶም ትምህርቱ ሓደ ድማ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ፳፭፥፲፬-፴ ዘሎ ታሪኽ እዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ወንጌለ ሉቃስ ምዕራፍ ፲፱፥፲፪-፳፯ ብካልእ ኣገላልጻ ግና ብስሙር መልእኽቲ ነዚ ምስላ ይደግመልና። 

ጐይታ በዚ ምሳሌያዊ ትምህርቱ ሕድሪ ወንጌል ንኣገልገልቱን ምእመናንን ከምዝሃበን ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ድማ ብዛዕባ ዝሃቦ መኽሊት ወንጌል ድማ ንኵሉ ከምዝጸባጸብን ከም እቲ ቃሉ ሓልዮም ዘጽንሑሉ እሙናት ኣገልገልቱ ዓስቢ ከምዝህብን ነቶም ዘይሓለዉ ድማ ፍዳ ከምዝጸበዮም ዘመልክት እዩ። እዚ ትምህርቲ ድማ ኵሉ ሰብ ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ኮይኑ ተዳልዩን ግብኡ ፈጺሙ ክጸንሕ ዘተሓሳስብ እዩ። ብዛዕባ መጻእያት ዝተባህለ ይበሃል ወትሩ ግና ሓደ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ከኣ ጐይታ ዳግም ክመጽእ እዩ፤ ንኵልና ክጸባጸበና’ውን እዩ። ንኵልና ድማ ከከም ግብርና ክፈድየና ዓስቡ ምስኡ ኣሎ። 

Tuesday, March 29, 2011

ዓቢይ ጾም

ሻዱሻይ ክፋል
ኣርእስተ ኃጣውእ 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መዋዕለ ጾሙ ምስ ፈጸመ ዲያብሎስ ቅርብ ኢሉ ብሠለስተ ነገር ኣብ ሠለስተ ዝተፈላለየ ቦታታት ፈቲንዎ እዩ። እዘን ብዲያብሎስ ዝቐረባን ጐይታ ዝተፈተነለን ፈተናታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ ተባሂለን ይፍለጣ። ዲያብሎስ ብኸመይ ዝኣመሰለ ጥበብ ከምዝፈተኖን፡ ጐይታ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጥራይ ብምጥቃስ ነቲ ተንኰሉ ከምዝቀልዖን ክፍኣቱ ከምዘግሃዶን ከምዝሠዓሮን ምስትውዓል ንዓና ዓቢይ ትምህርቲ ይህበና እዩ። እቶም ቀዳሞት ሠለስተ ወንጌላውያን ጐይታ ብዲያብሎስ ከምዝተፈተነ ሠሚሮም ክገልጹ ከለዉ ቅዱስ ማቴዎስን ሉቃስን ኣስፊሖም ነቶም ፈተናታትን ብጐይታ ዝረኸብዎ መልስታቶም ገሊጾሞ ኣለዉ። ቅዱስ ዮሓንስ ግና ነቲ ታሪኽ ከይጠቐሰ ብምስጋር ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ (ጐይታ ጾሙ ድኅሪ ምፍጻሙ) ካልኦት ንዘይጠቐስዎ ታሪኽ ቃና ዘገሊላ ክገልጽ ይጅምር። ኣስዒብና ነዚአን ወንጌላውያን ዝጠቐስዎም ኣርእስተ ኃጣውእ ምስ ታሪኸን ኣሕጽር ኣቢልና ክንርኢ ኢና። ኣምላከ ሕያዋን ምሥጢሩ ይግለጸልና። 

Sunday, March 27, 2011

ጾም

ሓሙሻይ ክፋል
ጾም ንመን ይምልከት፧ 

ንመን እሞ ዘይምልከት፧! እወ ንኵሉ ይምልከት! መጽሓፍ’ውን “ወዘተአዘዘሃ ላዕለ ኵሎሙ ክርስቲያን” እዩ ዝብል። (ቀዳማይ ቀሌምንጦስ ኣንቀጽ ፴፰ ኣብ ትእዛዝ ፵ ፍት መን ፲፭) 

ሃይማኖት ዘለዎ ጾም ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ጾም ሕጊ ስለዝኾነ ድማ ኵሉ ከኽብሮ ዝግባእ እዩ። ይኹን እምበር ምእመናን ብፍላይ መንእሰያት ብዘይካ ንውሱናት ኣጽዋማት እንተዘይኮይኑ ከምቲ ዝግባእ ክጾሙ ኣይረኣዩን እዮም፤ ብምዃኑ ድማ ካብቲ ብጾም ዝርከብ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ እግዚአብሔር ተፈልዮም ይርከቡ። ረብሓን ዕላማን ጾም ዝተረድአ ሰብ ንምጻም ክብገስን ክቐዳደምን ይግባእ። ገለ ሰባት ንጾም ከም ከቢድ ጾር ክርእይዎ ንዕዘብ ኢና። እዚ ግና ነቲ ብሥጋ ዝህልዎ ድኻም ወይውን ጥሜት ስለዝርእዩ እምበር ብድኅሪኡ ዘሎ ጸጋ እንተዘስተብህልዎ ንጾም መዓስ ይመጽእ ይኸውን ኢሎም ኣብ ምናፈቕ ምኣተዉ ነይሮም። 

Saturday, March 26, 2011

ታሪኽን ትውፊትን ሕርቃል ብሓጺሩ

ብዙኃት ሰባት ንቀዳማይ ሰሙን ናይ ዓቢይ ጾም ብልምዲ ጥራይ “ጾመ ንጉሥ” ኢሎም ይጽውዕዎ። ገለ ሰባት ድማ እዚ “ንጉሥ” መን ምዃኑ ስለዘይፈልጡ፡ መእተዊ ዓቢይ ጾም ኮይኑ ኣብ ቀረባ ዓመታት ማለት ብዘመነ ኃይለሥላሴ (ኢትዮጵያ) ዝተኣታተወን፡ ነቲ ንጉሥ መዘከርታ ወይውን ስለ እቲ ንጉሥ ተባሂሉ ክጽወም ዝተኣወጀ ገይሮም ንዘይፈልጥዎ ታሪኽ ከዝንብዕዎ ይስማዕ እዩ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። 

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዘረድኣና ሕርቃል ኣብ ፯ይ ክፍለዘመነ ዝነበረ ንጉሥ ቢዛንታይ እዩ። ኮይኑ ድማ ብምኅጽንታ ምእመናን ኢየሩሳሌም ነቶም ብእምነት ዘይመስልዎም ጨካናት ፋርሳውያን ስዒሩ ንምእመናን ናጻ ዘውጽአን፡ መስቀል ክርስቶስ ድማ ካብ ዝማረኽዎ ፋርሳውያን ናብ ዝቐደመ ቦትኡ ኢየሩሳሌም ብኽብሪ ዘምለሰ ንጉሥ ምንባሩን እዩ። ምስ ዓቢይ ጾም ዝተተሓዘ ታሪኹ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። 

Friday, March 25, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ሓሙሻይ ክፋል
ደብረ ዘይት 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሓሙሸይትን ኣብ ፍርቂ እዚ ጾም እትርከብን ሰንበትን ምስኡ ዘሎ ሰሞንን ደብረ ዘይት ተባሂላ ትፍለጥ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝግባእ ከነኽብራን ካብ በረኸታ ሱታፌ ክህልወናን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ምሥጢረ ምጽኣቱን፡ ነገረ ሕልፈተ ዓለም ከምዝመሃረን ንዝስዕብዎ ኵሎም ድማ ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ክጥንቀቑ ዘዘኻኽርን ስለዝኾነ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ከምዚ ይብል፦ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ … እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር … ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ” (ጐይታናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ .. ምጽኣት ከምዝቀረበ ምሳሌኡ(ምልክቱ) ካብ በለስ ተምሃሩ … ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።) 

Thursday, March 24, 2011

ዓቢይ ጾም

ሓሙሻይ ክፋል
ኣምላክ ክነሱ ብኸመይ “ጠመየ” ተባህለ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ድኅሪ ምጻሙ ቅዱስ መጽሓፍ “ጠመየ” ይብል። ጐይታ አምላክ ወልደ አምላክ ክነሱ፤ ኣምላኽነቱ ድማ ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ከመይ ገይሩ ደኣ “ጠመየ” ተባህለሉ? እንታይ ትምህርቲ ከ ኣለዎ 

ካብ ሠለስቱ ኣካላት ማለት አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እቲ ሓደ ወልደ እግዚአብሔር፡ ዓለም ድኅሪ ምፍጣሩ ድኅሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን (፭ሺሕ፭፻ ዓመታት) ብዝተፈለየ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ተወሓሒዱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮነ፤ ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብክልተ ልደት ተዋሕዶ ከበረ። እዚ ድማ ንቤዛ ዓለምን ኣርኣያ ንምዃንን እዩ። ብተዋሕዶ ምንታዌ (ክልተነት) ጠፊኡ እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ተዋሕዶ በበይኖም ዝነበሩ መለኮታዊ ባህርይን ሥጋዊ ባህርይን፤ ከምኡውን መለኮታዊ ኣካልን ሥጋዊ ኣካልን ብተዋሕዶ ሓደ ኮይኖም እዮም። እዚ ማለት ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ፤ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ኮነ ማለት እዩ። ብምዃኑ ድማ ክርስቶስ ኣምላኽና ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። ድኅሪ ተዋሕዶ እዚ ናይ መለኮት ግብሪ እዩ፡ እዚ ድማ ናይ ትስብእት ግብሪ እናተባህለ ኣይምቀልን ኣይከፋፈልን። ኵሉ እቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ናይ ሓደ ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ግብሪ እዩ። 

Friday, March 18, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ራብዓይ ክፋል
መጻጕዕ


ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ራብዓይቲ መጻጕዕ ተባሂላ ትፍለጥ። ነዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓናን ካብ በረኸታ ክንሳተፍ ዘፍቐደልናን እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ንሕሙማትን ድኑሳትን ጐይታ ብተኣምራቱ ከምዘሕወዮም ዝገልጽ ብምዃኑ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ነቲ ፴፰ ዓመት ለሚሱ ዝነበረ መጻጉዕ ከምዘድኃነ ንዝገልጽ “አሕየዎ ኢየሱስ ለመጻጕዕ ለ፴ወ፰ ክረምተ ሐመ” (፴፰ ዓመት ተደኒሱ ንዝነበረ መጻጕዕ ኢየሱስ ኣሕወዮ) ብዝብል መዝሙር ዝተማእከለን “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ገበረ” ብዝብል መዝሙር ርእሲ ዝከፍትን ኮይኑ፡ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዝፈተላለየ ሕማማትን ሽግራትን ንዝተጠቕዑ ሰባት ማለት ንለምጻማት፡ ድኑሳት፡ ዕዉራት፡ ሓንካሳት፡ ጎባጣት፡ ሓንካሳት፡ ብኣጋንንት ንዝተተሓዙ ወዘተ እናጠቓቐሰ ከምዘሕወዮምን ኣብ ሰንበት ንሕሙማት ዕረፍቲ ከምዝሃበን ዘዘኻኽር እዩ። ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ንሕሙማት ዝገበሮ ድንጋፀን ምሕረትን ንምዝካር ዝተወፈየት ዕለት እያ። 

በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘክርትኡን ክንርዳእ ንኽእል። ማቴ ፬፥፳፬ ፳፮ ማቴ ፰፥፪-፴፬ ማቴ ፲፬፥፲፬-፴፮ ማቴ ፲፥፵፮-፶፪ ማቴ ፳፥፳፱-፴፬ ማር ፫፥፩-፮ ማር ፪፥፫-፲፪ ሉቃ ፮፥፮-፲፱ ሉቃ ፲፩፥፲፬-፳፫ ሉቃ ፲፫፥፲-፲፪ ሉቃ ፲፰፥፴፭-፵፫ ዮሐ ፭፥፭-፲፰ ዮሐ ፱፥፩-፴፫ 

Thursday, March 17, 2011

ዓቢይ ጾም

ራብዓይ ክፋል
ስለምንታይ'ከ ጐይታ ጾመ

ሎቱ ስብሐት! ጐይታ ከም ደቂ ሰባት ምጻም ዘድልዮን ጸጋ ዘውህቦን ስለዝኾነ ኣይኮነን ዝጾመ። ከምዚ ኢሉ ዝሓስብ እንተሎ ካብታ ቅንዕቲ መገዲ ሃይማኖት ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ጾመ ንዝብል ሕቶ ኣዝዩ ብብዙኅ ምሥጢራት ዝሓዘለ ኣገባብ ክትንተን ዝከኣል እንተኾነ’ውን ብሓጺሩ ግና ሕጊ ክሠርዓልናን ኣብነት ክኾነናን እዩ ኢልና ክንጥቕልሎ ንኽእል። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሠራዔን ሓጋጌን ሕጊ ክነሱ ብቃሉ ጥራይ ጽሙን ጸልዩን ክብል ዝከኣሎ እኳ እንተኾነ ባዕሉ ብግብሪ ጾይሙን ጸልዩን እዩ። ቤዛ ዓለም ኮይኑ ንዓለም ክብጆ ኣብ ዘመጸሉ ባዕሉ ነቲ ጽቡቕ ግብርን ሕግን ኣርኣየና። ካብ ልደቱ ኣትሒዙ ክሳብ ስቕለቱ ዝገደፈልና ኣብነት ተቆጺሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። “ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኣርኣያ ኃዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ይብል ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ (፪፥፳፩)። ብትሕትና ድንን ኢሉ እግሪ ሓዋርያቱ ምስ ሓጸበ’ውን “ኣርኣያ እኃድገልኩም ኣሎኹ እሞ ሓድሓድኩም ተሓጻጸቡ” ኢሉና እዩ። (ዮሓ ፲፫፥፲፬-፲፭) ስለዚ ድማ ጐይታ ኣብነት ክኾነናን ንኽደሉ ዝግባእ መገዲ ከርእየናን ሥርሑ ብጾም ጀመረ። ከመይሲ ብልዒ ናይ ተግባር ኃጢኣት መሠረት ከምዝኾነ ጾም ድማ ናይ ሠናይ ተግባርን ትሩፋትን መሠረት እዩ። 

Wednesday, March 16, 2011

ጾም

ራብዓይ ክፋል
ሥርዓትን ቀኖንና ጾም 

ሥርዓትን ቀኖንን ጾም ክንብል ከሎና ጾም ብኸመይ ይጽወም፧ ካብ ምንታይ ከ ይጽወም፧ ኣፈጻጽምኡ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ኣለዎ፧ ጾም ንመን ይምልከት፧ ክንደይ ዓይነት ጾም ኣሎ፧ መዓስን ኣበየናይ ሰዓትን ዕለትን ይጽወም፧ ኣበየናይ’ከ ኣይጽወምን፧ ኣብ እዋን ጾም ክግበሩን ከይግበሩን ዝግብኦም ነገራት ኣየኖት እዮም፧ መካየድቲ ጾም ኣየኖት እዮም፧ ወዘተ ዝምልከትን ምስዚኦም ዝተሓሓዙን ሕቶታት ዝምልስ ይኸውን። ነዚ ነገራት ምፍላጥ ድማ ርቱዕን ሥሩዕን ጾም ኣብ ምጻም ይሕግዘና እዩ። 

ንኵሉ እኳ እንተዘይተባህለ ንገለ ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ሕቶታት ንምምላስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ተበጊስና ኣሎና እሞ ምሥጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና። 

Tuesday, March 15, 2011

ዓቢይ ጾም

ሣልሳይ ክፋል
ጾም ጐይታ 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እዚ ጾም’ዚ ካብ ካልኦት ብዝፍለ ክብሪ ምስጋና ይብጽሓዮ እሞ ሓጋጌ ሕግ ዝኾነ ክርስቶስ ኣምላኽና ባዕሉ ዝጾሞ ጾም እዩ። ጐይታ ብኸመይን ኣበይን እዩ ጾይምዎ? እንታይ ትምህርቲ ከ ንረኽበሉ? ወዘተ ብመሠረት መተርጉማን መጻሕፍቲ ዘጽንሑልናን ኣቦታትና ንዝምህሩዎ ርቱዕ ትምህርቲ ብመጠኑ ክንድህስሶ ኢና እሞ ምስትውዓሉ ይዓድለና። 

ስለምንታይ ጐይታ ጾሙ ኣብ ገዳም ገበረ? 
ጐይታናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብሮ ብዛዕባ ዝግብኡና ነገራት ባዕሉ ኣብነት ከምዝኾነናን ትምህርቲ ከምዝሃብናን ደጋጊምና ገሊጽና ኣሎና። በዚ መሠረት ድማ ጐይታና ንጾሙ ዝኸውን ስፍራ ንገዳም ምምራጹን ናብኡ ምኻዱን ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ገዳም ማለት ገደመ ዱር ጫካ በረኻ ኾነ ካብ ዝብል መሠረታዊ ቃልን ትርጉምን ዝብገስ ኮይኑ ብዘይካ ድምፂ ኣራዊትን ኣዕዋፍን መልክዕ ኣግራብን በረኻን ካልእ ዘይርከበሉ፡ ካብ ዝኾነ ዓለማዊ ሰብኣዊ ግብርታትን ፍቓዳትን ተነጺሉ ንጸጥታን ጽምዋን ብፍሉይ ዘመልክት መካን እዩ። 

ብምዃኑ ድማ ጐይታና ኣብነት ምእንቲ ክኾነና ምስ እግዚአብሔር ከራኽበና ንዝኽእል ጾምን ሱባኤን ከምኡ’ውን ዓቢይ መንፈሳዊ ግብሪ ኣበይ ዝኣመሰለ መካን ክንገብሮ ከምዝግባእና ብግብሪ ኣርኣየና። ምስ ሰብን ምድራዊን ሥጋዊ ሓሳባቱን ዘይኮነስ ምስ እግዚአብሔር ክትራኸበሉ እቲ ዝበለጸ ሕዙእ ስፍራ ገዳም እዩ። እግዚአብሔር ብባህርይኡ ምሉእ፡ ስፉሕ፡ ረቂቕ ከም ምዃኑ ዘይርከበሉ ስፍራ የልቦን። ብቦታን ግዜ’ውን ኣይውሰንን እዩ። እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ዝርከብ ይኹን ደኣ እምበር ንሱ ብዝያዳ ንደቁ ጸሎቶም ክሰምዕ መባኦም ክቕበል ዝመረጻን ዝቐደሳን ቅዱስቲ መካን ቤተ መቅደስ/ቤተ ክርስቲያን ከምዘላውን ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና እዩ። (ዘፀ ፳፭ ፤ ቀዳማይ ነገ ፱፥፫) ካብኡ ናብኡ ድማ ንኵሉ ዓለማዊን ሥጋዊን ፍቓዳት ንድኅሪት ገዲፎም፡ ብምሉእ ሓሳቦምን ሕይወቶምን መስቀሉ ኣልዒሎም ዝስዕቡ መናንያን ዝርከበሉን፡ ብተጋድሎኦም ንእግዚአብሔር ዘሥምሩሉን ምድራውያን መላእኽቲ ኮይኖም ዝነብሩሉን፡ እግዚአብሔር ባዕሉ ከሊሉ ዝህቦም ቅዱስ ስፍራ ድማ ገዳም እዩ። ስለዚ ገዳም ንሱባኤ ዝሰማማዕ ፍሉይ መካን ምዃኑ ጐይታ ኣብነት ኮይኑና እዩ። ገይሩ ክንገብር ድማ ይእዝዘና ኣሎ። ይኹን ደኣ እምበር ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብለና እዚ ዓቢይ መንፈሳዊ ጸጋ (ምንኵስና) ነቶም ዝተዋህቦም እንተዘይኮይኑ ኵሉ ዝቕበሎ ከምዘይኮነን፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ክብሉ ንርእሶም ስሉባት ገይሮም ዝነብሩ ኅሩያት መናንያን ከምዘለዉ እዩ። (ማቴ ፲፱፥፫-፲፪) ንኣታቶም ድማ ኣብ ቤቱ ዘይጠፍእ ዘልኣለማዊ ስም ክህልዎም ቃል ኪዳን ኣትዩሎም እዩ። (ኢሳ ፶፮፥፪-፮) 

Saturday, March 12, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ሣልሳይ ክፋል

ምኵራብ 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሣልሰይቲ ምኵራብ ተባሂላ ትፍለጥ። ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ሰላም ኣብ ዕለት ሰንበት “ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ” (ኢየሱስ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተወ) እናበለ ጐይታ ኣብ ምኵራብን ቤተ መቅደስን ኣትዩ ምምሃሩ ስለዝጠቅስን ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ስለ ዝዝመረን እዩ። 

እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ምኵራብ እናኣተወ ወንጌል የስተምህር፡ ተኣምራት ድማ ይፍጽም ምንባሩ ንምዝኽኻር ዝተወፈየት ዕለት እያ። በዚ መሠረት ድማ ጐይታ ድውያነ ሥጋ ንዝኾኑ ብትምህርቱ፡ ድውያነ ነፍስ ንዝኾኑ ድማ ብተኣምራቱ እናፈወሰ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ (ምኵራብ) ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ዝነበረ ተኣምራት ብኅሊናና ክንዝክርን መልእኽቱ ድማ ኣብ ልብና ከነሕድርን ዝጽውዕ ዕለት እዩ። ጐይታ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ንእሱራትን ግዙኣትን ናጽነት፤ ንዝሞቱ ሕይወት፤ ንድኻታት መንፈስ ወንጌል፤ ንዝተገፍዑ ፍትሒ ክሰበኽ ከምዝመጸ ኣበሲሩን ምሂሩን እዩ። ምስኡ ድማ ጐይታ ነታ ቤት ጸሎት ዝተሰምየት ቤት መቅደሱ፡ ኣይሁድ ቤተ ፈያት ስለዝገበርዋን ዝልውጡን ዝሻየጡን ነጋዶ ስለዝመልእዋን፡ ጐይታ ነዚኦም ኵሎም ሰጒጉ ቤተ መቕደሱ ከምዘኽበረ ዘዘካኽር እዩ። (ማቴ ፳፩፥፲፪-፲፫) 

Friday, March 11, 2011

ጾም

ሣልሳይ ክፋል
ጾም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 

ካብ ኣዳም ኣቦና ጀሚርና ዘመናት ጸብጺብና ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ምስ ጾም ብዝተሓሓዘ ዝተፈጸሙ ታሪኻት ገድላት ድንቂ ተኣምራት ወዘተ እልፍ ኣእላፍ እዮም። ኣብ ውሽጢ እዚ ነዊሕ ዘመን ድማ ብጾም ዝተጠቕሙ ማለት ንኣምላኽ ዘሥመሩ፤ ካብ ኣምላኾም ጸጋን ኃይልን ዝረኸቡ፤ ወዘተ ኣቦታት ኣዴታት ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ታሪኾም ብዝግባእ ተመዝጊቡ ይርከብ። ስለዚው’ን ጾም ከም መንፈሳዊ ግብሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ግደን ረብሓን ዘለዎ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። 

ጾም ምስ መሠረታዊ ትምህርተ ሃይማኖትን ጕዕዞን ታሪኽን ወዲ ሰብ ዝምድና ዘለዎ እዩ። ካብ ኣዳም ኣትሒዙ ድማ በብዘመኑ ደቂ ሰባት ስለዝተፈላለየ ምኽንያት ግና ንሓደ ዕላማ ማለት ንኣምላኾም ከሥምሩ ይጾሙን ይጽልዩን ነበሩ። በዚ መሠረት ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ብዙኅ ኣብነታት ንረክብ ኢና። 

ኣብ ብሉይ ኪዳን ነቢያትን እስራኤላውያንን ብዙኅ ጊዜ ክጾሙን ንኣምልኾም ድማ ክልምኑን ይነብሩ ነይሮም። ብዝበዘኀ ድማ እቲ ኣብ ብሉይ ዝጽወም ዝነበረ ጾም ካብ እግዚአብሔር ምሕረትን ኃይልን ንምርካብ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ሥጋዊ ጕዳይን ሕይወትን ጥራይ ዝተወሰነ ነበረ። ነቢያት’ውን ብተወሳኺ ምስ እግዚአብሔር ስለ ዝነበሮም ርክብን ተልእኾን ከምኡውን ስለ እቲ ተስፋ ዝገበሩሉ ድኅነት ደቂ ሰባት ወትሩ ብሱባኤ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይቖሙ ነበሩ። ኣብቲ ወርሓት ጾም እቲ ድማ እኽለ ማይ ኣብ ኣፎም ኣይኣትውን ነበረ። (ዘፀ ፴፬፥፳፰) 

Sunday, March 6, 2011

ዓቢይ ጾም

ካልኣይ ክፋል
ካልኦት መጸውዒ ስያመታት ዓቢይ ጾም

ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጾመን ዝተመሥረትን ስለዝኾነ እዚ ጾም’ዚ ዓቢይ ከምዝተሰምየ፤ ነቲ መሠረታዊ ታሪኽን ግብርን እዚ ጾም’ዚ ዝገልጽን ዝሰማማዕን ካልኦት ስያመታት ከምዘለዉ ምፍላጥ የድሊ። 

ጾመ ኣርብዓ 

ጐይታ ድኅሪ ብኢድ ዮሓንስ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ምጥማቑ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ንዝጾሞ ብመጠን እቲ ብዝኂ መዓልትን ለይትን ዝተዋህቦ ስም እዩ። እዚ ስም ብልምዲ ንዓቢይ ጾም ብምሉኡ ዝምልከት ይኹን እምበር ጾም ጐይታሲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓብይ ጾም ንዝረከባ 40 መዓልቲ ኣጽዋማት ይምልከት። እዚ ኸኣ ነታ ቀዳመይቲ መዳለዊ ወይውን መቀራረቢ ተባሂላ እትፍለጥን መሠረታ ሓዋርያት ዝኾኑ ግና ብስም “ጾመ ሕርቃል” እትጽዋዕ ሰሙንን፤ ነታ ድሕሪ ዓርቢ ኒቆዲሞስ ዘላ ሰሙን (ሰሙነ ሕማማት) ከይወሰኽካ ዝምልከት ይኸውን። ። ጐይታ ዝጾመን ኣርብዓ መዓልትታት ኣብ ውሽጢ እቲ ዓቢይ ጾም ዝርከባ ካብ ሰኑይ ቅድስት ክሳብ ዓርቢ ኒቆዲሞስ ዘሎዋ መዓልትታት እየን። “ዘይከውን ፍጻሜሃ በዓርበ ፍሥሓ ብዝበሎ” (ፍጻሜኡ ቅድሚ ፍሥሓ ኣብ ዘሎ ዓርቢ ኒቆዲሞስ ዝኸውን እዩ) (ፍት መንፈ ኣንቀ ፲፭) 

Saturday, March 5, 2011

ጾም

ካልኣይ ክፋል
ዕላማን ረብሓን ጾም 

ብልምዲ ጥራይ ምጻም ዘይኮነስ ብኣፍልጦን ብእምነትን ከምቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ገይርካ ምጻም ብዙኅ ረብሓን ጸጋን ዘለዎ ምዃኑ ሓደ ኣብ ሃይማኖት ኣሎኹ ዝብል ሰብ ክስሕቶ ዘይግባእ ሓቂ እዩ። ኣማን ብኣማን ጾም ምስ ፈጣሬ ዓለማት እግዚአብሔር ዘራኽብ ርቱዕ ሕገ ወሥርዓት ሃይማኖትና እዩ። ኣብ ሃይማኖትን መንፈሳዊ ሕይወትን ጾም ንዘለዎ ረብሓ ዘስተናዕቕ ወይውን ዘይቕበል ሰብ ኅብረቱን ዝምድንኡን ምስ እግዚአብሔር ከምዘይኮነ ይፍለጥ፡ ይረዳእ። እናፈለጠ ንዘይገብሮ ድማ ካብ በረኸት እግዚአብሔር ኣዝዩ ከምዝርሓቐ የስተውዕል። 

ብሓፈሻ ጾም ትምኒት ሥጋን ኃጢኣትን ዘጥፍእ፡ ኣቝሳል ነፍሲ ዘሕዊ፡ ንወራዙት (ኣጕባዝን ጐራዙን) ውሽጣዊ ጸጥታን ህድኣትን ዘስተምህር፡ ካብ እንሰሳዊ ግብርን ጠባያትን ዝኽልክልን ዝዕቅብን፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ንመላእኽቲ መሲሉ ዝነብረሉ ቅኑዕ ሥርዓት እዩ። ኣስዒብና ድማ ብመጠኑ ካብ ዕላማታትን ረብሓን ጾም ንገሊኦም ከነብርህ ክንፍትን ኢና እሞ ምስትውዓሉ ይዓድለና።

Friday, March 4, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ካልኣይ ክፋል
፪. ቅድስት

ኣብ ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ካልኣይቲ “ቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። ከምቲ እቲ ዕለት ዝሕብሮ ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድሳና እግዚአብሔር፡ ክብርን ቅድስናን ዕለተ ሰንበት ስለዝዝረብ ቅድስት ተባሂላ ተሰምያ ኣላ።

ትርጉም ናይቲ ቃል ምስ ንርኢ ድማ ቅዱስ ማለት ፍሉይ፡ ክቡር፡ ዝተቐደሰ ማለት እዩ። ቅድስት ማለት ድማ ፍልይቲ፡ ክብርቲ፡ ዝተቐደሰት ማለት እዩ። እቲ ምሥጢሩ ግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ንዝጽሞ ጾመ ኣርብዓ እታ ፈላመይቲ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ስለዝኾነት ቅድስት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። (ማቴ ፬፥፪) ካብ ሰኑይ ናይ ቅድስት ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ጾመ ኣርብዓ ዘሎ ድማ ጾመ ኢየሱስ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ፤ ነተን ጐይታ ዝጾመን ኣርብዓ መዓልቲ ጥራይ ዝጠቅስ ማለት እዩ። ቅድስት ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይቲ ሰንበት እያ።

እዛ ሰንበት እዚኣ ነዚ ስያመ ካብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ዜማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ እያ ረኺባቶ። ናይዚ እዋን ኣርእስተ መዝሙርን መክፍሊ እቲ ድጓ ኮይኑ ስለዝጽውዓሉ ድማ ቅድስት ትበሃል። ካብ ዋዜማ ናይዚ ሰንበት ኣትሒዙ ድማ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመርን ይስበኽን። ቤተ ክርስቲያንውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ቅድስና ሰንበትን ምሕረት እግዚአብሔርን ኣስፊሓ ትምህርን ትነግርን። ኵሎም ኣብዚ ዕለት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፥ ምስባክ፥ ግብረ ሓዋርያት ይኹን ወንጌል ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔርን፡ ንሕናውን ንእግዚአብሔር ብቅድስና ክንግዛኦ ከምዝግባእ ዝምህሩን መልእኽቲ ዘመሓላልፉን እዮም።

Wednesday, March 2, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ቀዳማይ ክፋል

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብደም ጐይታ ዝተመሥረተት፡ ኣብ ትምህርቲ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝጸንዐት፡ ሥርዓታን ትውፊታን ድማ ቅዱሳት መጽሓፍት መሠረት ዝገበረ ናብ ቅድስና ዝመርሕ ሓዋርያዊን እዩ። ኣዝዩ ሰፊሕ መንፈሳዊ ሥርዓትን ትውፊትን ስለዘለዋን ዓቂባቶ ድማ ስለእትረከብን እንኳዕ ኣብ ውሽጣ ብእምነት ንዘሎ ካብቲ ጸጋኣ ንዝሳተፍ ይትረፍሲ ነቶም ካልኦት በጻሕቲ ዓለም እኳ ክንደየናይ ከምዝምስጥ ዝስሕቶ የልቦን። 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እተኽብሮም ሰናብቲ፡ እትጾሞም ኣጽዋማት፡ እትጽልዮ ጸሎት፡ እትቖሞ ማኅሌት፡ እትቕድሶ ቅዳሴ፡ እተብዕሎም በዓላት ወቦ ዘተርፈ መሠረትን መንፈሳዊን ታሪኽን ትውፊትን ከምዘለዎም ከነስተውዕለሉ ይግባእና። ነዚ ምፍላጥን ምስኡ ድማ ኣጸቢቕካ ምልላይን ምዝማድን ድማ ናይዚ ወለዶ ግደ ይኸውን። 

በዚ መሠረት ድማ ዘለናዮ ዓቢይ ጾም ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞን ዝመሥረቶን ከም ምዃኑ፡ ኣብዚ ወርሓት ጾም ዝርከቡ ሰናብቲ፡ ጐይታ ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንዝፈጸሞም ተኣምራትን ንዝሃቦም ትምህርትታትን መዘከርታ ምእንቲ ክኾኑ ነናተን ስም ተዋሂብወን ይበዓላ እየን። ብመንጽር ናይቲ ተዋሂብወን ዘሎ ስማት ድማ እቲ በዓል ምስቲ ስም ብዝሰማምዕ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍት ከምኡውን ስብሓት እግዚአብሔር ብምቕራብ፡ ብምዝማር፡ ብምጽላይ፡ ብምቕዳስ ተብዕሎ። በዚ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘሎዋ ዝምድና ክንደየናይ ልዑልን ዓሚቕን ምዃኑ ከንርዳእ ንኽእል ኢና።