Sunday, May 29, 2011

ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ

ዳግም ምጽአት (ሣልሳይ ክፋል)
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ዝተመላለሰላን ዘዕረፈላን ቢታንያ፤ ካብ እምባ ደብረ ዘይት ከምዝዓረገ ዳግማይ ምምጽኡ ድማ ናብኣ ክኸውን እዩ። ኣብ እዋን ዕርገት ጐይታ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገርዎም ጐይታ ዳግም ከምዝመጽእ እዩ። “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።” (ሓዋ ፩፡፲፩) 

ኮይኑ ግና ዳግማይ ክመጽእ ከሎ ከም ዝሓዘነ ወይውን ከምቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተወልዶ ብትሕትና ዝግለጽ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ብኽብሩ ብቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ እናተመስገነ ክፈርድ እዩ ዝመጽእ። ሽዑ መዝሙር ምስጋና ዝኾነ ሃሌ ሉያ ምስ መዝሙር ሆሳዕና ክዝምረሉ እዩ። ቅዱሳን’ውን ብልዑል ድምጺ ምስ ነገደ መላእኽቲ ስብሓት ውዳሴ ከቕርቡሉ እዮም። ሽዑ ብዙኅ ከንቱ ዝኾነ ዋይ ዋይታ ክስማዕ እዩ። ከምቲ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ዝገለጸልና’ውን “ኣዕይንቲ እቶም ዝወግእዎ እናረኣይዎ ድማ ክመጽእ እዩ።” (ራእ ፩፥፯ ቀዳማይ ተሰ ፬፥፲፮ ማቴ ፳፭፥፴፩)። 

ጐይታና ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ብሥጋ ማርያም ክግለጽ እዩ። ሽዑ ኵሉ ከከም ግብሩ ክፍደ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምሕረቱ ምስቶም ብየማኑ ዝቖሙ ይግበረና። 

Saturday, May 28, 2011

ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ

ዕርገት ጐይታ ካብ ዕርገት ቅዱሳን ዝተፈለየ እዩ! (ካልኣይ ክፋል)

ቅድሚ ዕርገት ጐይታ ይኹን ድኅሪኡ ናብ ሰማይ ዝዓረጉ፡ ዝተነጥቑ ወይውን ዝተሰወሩ ብዙኃን ቅዱሳን ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። ይኹን ደኣ ከነስተውዕሎ ዝግባእና ዕርገት ጐይታ ካብ ዕርገት ቅዱሳን ሰባት ፈጺሙ ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ዕርገት ጐይታ ብዕላማ፡ ብሥልጣን፡ ብመብጽሒ መካነ ዕርገት፡ ኣፈጻጽምኡ ወዘተ ምስ ዕርገት ቅዱሳን ዘይራኸብ ብምዃኑ እዩ። ዕርገት ፈጣርን ፍጡርን ሓደ እዩ ክብል ዝደፍር’ውን ኅሊና ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ብምዃኑ’ውን ዕርገት ጐይታ ከም ሄኖክ ብምስዋር (ሰረገላ ሓዊ) ወይውን ከም ኤልያስ ብሰረገላ ሓዊ ዝተፈጸመ ዕርገት ኣይኮነን። (ካልኣይ ነገ ፪፥፲፩ ሄኖ ፭፥፳፬) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ክሳብ ሣልሳይ ሰማይ ተነጢቑ ድንቂ ሰማያዊ ነገራት ርእዩ ነበረ (ካልኣይ ቆሮ ፲፪፥፬)። ነዚኦም ከም ኣብነት ጠቐስና እምበር ዝተሰወሩ፡ ዝተነጥቁ፡ ዝዓረጉ ከም ዕዝራ ሱቱኤል ዝኣመሰሉ ካልኦት ብዙኃን ኣቦታት ከምዘለዉ ዝሰሓት ኣይኮነን። 

Friday, May 27, 2011

ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ

ዕርገት መኣስ፡ ኣበይ፡ (ቀዳማይ ክፋል)
መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ንዕለቱ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። ብሥዕላዊ ኣገላልጽኡን ኣጸሓሕፋ ታሪኹን ዝልለ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ቦታን ፍጻሜኡን ብንጹር ኣቐሚጡልና ኣሎ። ዕርገት ካብ ትንሣኤ ኣብ ፵ መዓልቲ፤ ደብረ ዕርገቱ ድማ ቢታንያ ምዃኑን ብዛዕባ ፍጻሜኡ ድማ መላእኽትን ሰባትን እናረኣይዎ፤ ክብል ገሊጽዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ጽሑፋት’ውን ብንጹር ዝተገልጸ ኣርብዓ መዓልቲ ንሓዋርያት ብሥጋ እናተገልጸን እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግሥተ እግዚአብሔር እናመሃሮም ጸንሐ። ኣብዘን መዓልትታት ድማ ንሓዋርያት ኣኪቡ ብዙኅ ምሥጢርን ሥርዓትን ሓዲሳዊት ቤተ ክርስቲያን መሃሮም፤ ብኣምሳል ብሉያዊ ሕጊ ድማ ፵ መዓልቲ ነቲ ሕገ ሓዲስ ኪዳን ኣጽንዐ፤ ዝተመሃርዎ ኵሉ ክሕልዉን፡ ንዓለም ድማ ክምህሩን ወንጌሉ ክሰብኩን ትእዛዝን መምርሒን ሃቦም። ይኹን ደኣ እምበር ኃይሊ ዝኾኖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝልኸሎምን ዝለብሱን ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑን ካብኣውን ከይወጹን ኣዚዝዎም ብምስጋና ዓረገ። ዕርገቱ ድማ ኵሉ ዝመጸሉ ግብሪ ፈጺሙ ናይ ዓወት እዩ ነይሩ። (ሉቃ ፳፬ ፤ ግብ ሓዋ ፩) 

Thursday, May 26, 2011

ደብረ ምጥማቅ

ደብረ ምጥማቅ - ሎሚ (ካልኣይ ክፋል)
ገዳማትን ጥንታውያን መካናት ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን በብዘመኑ ብዝተፈጸመሎም ወራራትን ዝወርዶም ዝነበረ መከራን ኣብ ዕንወትን ምንዳድን ከምኡውን ኣብ ክንደይ ሽግርን ሰማእትነትን ከምዝበጽሑ ኵልና ነስተውዕሎ ነገር እዩ። እዚ ናይ ትማሊን ቅድሚ ትማሊን ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነሲ ሎሚ’ውን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝፍጸም ዘሎ ሕያው ታሪኽ ሰማእትነት እዩ። 

ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙኅ ናይ ቅዱሳን ታሪኽ ተደቢዩ ዝተረፈሉን፤ ጥንታውያን መጻሕፍቲ ዝጠፍኡሉን ኵነት እዩ ኣጋጢሙ። በዝን ካልእን እስክንድርያዊት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ መስቀል ዝተሠረተት፡ ቀራንዮ ዝሰፈራ ኣማናዊት ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ምዃና ተመስክር እምበር፡ ብዝወረዳ ተጻብኦ ግና ብዙኅ ቅርስን ትውፊትን ሓዋርያነ ኣበው ክትስእንን ሥርዓታ በብቝሩብ ካብቲ ዝቐደመ ብዝተፈልየ ክትልውጥ ዝተገደደትሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። 

ደብረ ምጥማቅ’ውን ብዙኅ ተኣምራት ዝፍጸመላ መካን ትንበር ደኣ እምበር ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝጸንሐ ሽግር ክትሞልቕ ኣይከኣለትን። እዛ ተኣምራዊት ገዳምን ከባቢኣን ኣብ ከባቢ ፲፭ ክፍለ ዘመን ፈጺማ ከምዝዓነወት ይንገር። ይኹን ደኣ እምበር ጥንታውነታ ዝምስክር ድንቂ ኣሰር ገዲፋ እያ። ኣሰር ጐይታ! 

እዚ ኸኣ ጐይታ ኣብ ጊዜ ስደቱ እግሩ ዘንበረላ መሠረተ እብን ክሳብ ሕጂ ኣሰሩ ገዲፉ ይርከብ ኣሎ። ስም እዛ ቦታ’ውን ሕጂ ሣክሓ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ከባቢ ምዃና ይእመን። ካልኦት ከኣ ኣብ ካልእ ሎሚ ከምቲ ዝግባእ ክብረ በዓላ ኣብ ዘይፍጸመሉ ቦታ እትርከብ እያ ኢሎም ይጠቕሱ። ብኣጸዋውዓ ቅብጣውያን “ፔካ የሱስ” (Bikhâ Isûs) ይብሉዋ። ትርጉሙ ድማ እግረ (ኣሰረ) ኢየሱስ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ጐይታ ኣብታ እምኒ ንዝገደፎ ኣሰር ተኸቲሉ ዝወጸሉ ስም ምዃኑ ይንገር።  ኣዴና ቅድስት ድንግል ኣብዛ መሠረት እብን ደው ክብል ኣብ ዝገበረቶ እዋን ጐይታ ብተኣምራቱ ነታ እምኒ ብኣጻብዕቲ ኣእጋሩ ኣጎድጒዱ ነዛ ኣሰር ከምዝገደፋ ይእመን። ካብቲ ዘመን ኣትሒዞም ድማ ምእመናን ነታ ኣሰር ጐይታ ዘለዋ እምኒ ዘይቲ እናለኸዩ ሕጻባ ናብ ኣድታቶምን ኣባይቶምን እናወሰዱ መፈወሲ ሕማማቶምን ንቡራኬን ይጥቀሙላ ነይሮም። ድኅሪ ወራር ኣዕራብ ግና እቶም ምእመናን ነቶም ወረርቲ ስለዝፈርሑ ነዛ ተኣምራዊት እምኒ ሓብእዋ፤ ከይተፈልጠት ድማ ተሠዊራ ንመዋእል ትነብር ነይራ። ግና እዛ ጥንታዊት መካን ዳግማይ ኣብ ትሕደሰሉ እዋን (1987) ተረኺባ ብግሁዶ ክትረአን ብኽብሪ ክትዕቀብን ክኢላ ኣላ። 

Wednesday, May 25, 2011

ደብረ ምጥማቅ

ትንቢትን ፍጻመን(ቀዳማይ ክፋል)

አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ድኅሪ ዘመናት ነቲ ብኣቦታት ነቢያት ኣቢሉ ዘዛረቦ ትንቢት ክፍጽም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ። በዚ ኸኣ ተስፋ ኣዳምን ደቁን ፍጻመ ረኸበ። ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝተመላለሰሉ እዋን ንቤዛ ዓለም ካብ ዝፈጸሞም ድንቂ ተግባራቱ ድማ ገና ኣብ ጊዜ ህጻንነቱ ካብ እስራኤል ናብ ምድረ ግብጺ ምስዳዱ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ስደት ኣድልይዎ ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ትንቢት ክፍጸምን ምስ ነገረ ድኅነት ኣዳምን ደቁን ብዝተተሓሓዘ ምሥጢራዊ መልእኽትን ዝነበሮ ብምዃኑ እዩ። (ኢሳ ፲፱፥፩) ከምቲ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዩ “ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንሥእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ” (ማቴ ፪፥፲፫) ዝበሎ ድማ ጐይታ ናብ ግብጺ ተሰደ። ከምቲ ብሆሴዕ ኣቢሉ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ።” (ሆሴ ፲፩፥፩) ብምባል ዘዛረቦ ትንቢት ድማ ክፍጸም ምኽንያት ኾነ። እዚ ትንቢት ከምዝተፈጸመ ድማ ወንጌላዊ ማቴዎስ ኣርጊጹ ጽሒፉልና እዩ። “ተንሢኡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። እቲ እግዚአብሔር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ጸንሔ።” (ማቴ ፪፥፲፭) እቲ ዘመን ትንቢት ምስ ኣኸለ ድማ “እቶም ሕይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ።” ይብል(ማቴ ፪፥፳)


በዚ መሠረት ከኣ ፳፬ ግንቦት ናብ ግብጺ ዝኣተዉላን፡ ስደቶም ድማ ኣብቒዑ ክምለሱ ከለዉ መወዳእታ ዘዕረፉላ ደብረ ቍስቋም ፮ ኅዳር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዝከር። 

Sunday, May 15, 2011

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብፁዕ አምላክን ገዳሞምን

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብፁዕ አምላክን ገዳሞምን (ካልኣይ ክፋል)
ምግላጽ ሥላሴ
ኣቦና ብኸምዚ ኣገባብ ብኣዝዩ መንፈሳዊ ጥብዓት ተጋድሎኦም እናፈጸሙን፤ በቲ ጥዑመ ልሳኖም ርቱዕ ትምህርትን ሃይማኖትን ቅኑዕ ሥነ ምግባርን ንሕዝቢ እናመሃሩ ኣብ ገዳም ደብረ ኮዳዱ ጸንሑ። ሕዝቢ’ውን ኣዝዩ የፍቅሮምን የኽብሮምን ነበረ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ብሕትው ጸሎቶም ከለዉ፡ ኣዝዩ ዘደንቕ ትርኢት ሰማያውያን መላእኽቲ ክርእዩ ጀመሩ። እቲ ዝርእይዎ ዝነበረ ተኣምር’ውን ኣዝዩ ዘፍርህን፡ ደፊርካ ክጥምትዎን ዘይከኣል ነበረ። እቲ ትርኢት መላእኽቲ ከኣ ብኣዝዩ ዘናውጽ ነጐድጓድን ማሕታ በርቅን ዝተሰነየ ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ድማ በዚ ፍሉይ ተኣምር ወዲቖም ንዝነበሩ ኣቦና ኣተንሥኦምን ኣበርትዖምን። ሥላሴ ከም አበ ብዙኃን ኣብርሃም ኣብ ኣድባር መምሬ ዝተገልጹሉ ብኣምሳል ሠለስተ ሰባት ተገሊጾም ሰላምታ ኣቕረቡሎም። ኣቦና ግና ግርምኦም ርእዮም መኳንንቲ ሃገር መሲሎሞም ነበሩ። ሥላሴ ግና ብመጠን ሕያውነቶም ዝተገልጹሎም ምዃኑ ነጊሮም፡ መንነቶም ንኣቦና ነገርዎም። ከምዚ ድማ ኢሎም ኣዘዝዎም። “ኦ ብፁዓ አምላክ አገልጋሊና ነዚ እመን፡ ከምዚ ኢልካ ከኣ ስበኽ፡ ቃልካ ዓው ኣቢልካ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ልቢ ዘለዎ የስተውዕል፤ ንዝኽሪ ሥላሴ ብዕለት ፳፮ በዓል ኮይኑ ክብዕል አዝዝን መሃርን። እዛ ዕለት እዚአ ዓባይን ክብርትን እያ፡ በዛ ዕለት እዚአ ሓደ ካባና ሥጋ ለቢሱ ፍሥሐ ኦሪት በሊዑ፡ ሥርዓተ ቁርባን ዘርኣየላ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ዝሐጸበላ እያ።” ኢሎም ነገርዎም። ደቂ ሰባት ከብዕልዎ ድማ ንኵሎም ሕዝቢ ኣዝዞም በልዎ። በዚ መሠረት ድማ አብ ከባቢ ገዳም ኮዳዱ ዝርከቡ ዓድታት ክሳብ ሎሚ ብትምህርቲ አቡነ ብፁዓ አምላክ ተማእዚዞም ፳፮ አብ ወወርሑ የብዕሉዎ አለዉ።

Saturday, May 14, 2011

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብፁዕ አምላክን ገዳሞምን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብፁዕ አምላክን ገዳሞምን (ቀዳማይ ክፋል)
ቅዱስ ኣቦና ብፅዕ አምላክ ብሕይወቱ ከለዉ ዝመሥረትዎም ክልተ ገዳማት ኣብ ዞባ ደቡብ ይርከቡ። ነዚኦም ገዳማት ዝመሥረትዎ ኣቦና ምንኵስንኦም ደብረ ቢዘን እዩ። እዚኣቶም ከኣ ደብረ ኮዶዱን ደብረ ምዕዋንን እዮም። እግዚአብሔር ፈቒድዎ ኣስፊሕና ብዛዕባ እዘን ገዳማት ክሳብ እንጽሕፍ ንሎሚ ኣዝዩ ውሑድ መላለዩ ጥራይ ክንገብር።

ገዳም ደብረ ምዕዋን አቡነ ብፁዕ አምላክ
እዚ ገዳም እዚ አብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣብ ከባቢ ጐደይቲ (እገላ ምድሪ ሮብራ) ይርከብ። መንገዱ’ውን ካብ ከተማ ደቀ መሓረ ንደቡባዊ ምዕራብ ገጽ ፳ ኪሎሜትር ጎልጐል ማይ ዕዳጋ ሰንጢቕካ ምስ ከድካ ኣብቲ ብርኽ ዝበለ ጎቦ ምስ በጻሕካን ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ፲፱፻፸ ሜትሮ ብራኸ ተገዲሙ ኣሎ።

እዚ ገዳም’ዚ ኣቦና ባዕሎም ብ፲፬፻፷፯ ዓ.ም. እዮም ኣገዲሞሞ። ብዘይካ ናይቶም መነኮሳት፡ ኣብዚ ገዳም በይነን ዝቕመጣሉ ናይ መነኮሳይያትን ደናግላን ቦታ ኣሎ። ኣብዚ ገዳም መሰታ ዕድመ ገዳም ዝኾኑ ጥንታውያን ብራናታትን ንዋየት ቅዱሳትን ኣለዉ።

በብዘመኑ ዝተፈላለየ ሽግርን መከራን የሕልፍ ደኣ እምበር ብኃይሊ እግዚአብሔርን፡ ቃል ኪዳን ቅዱስ ኣቦናን፡ ጸሎት መናንያን ፈላስያንን ፈለስትን ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎቱ ዘበርክት ዘሎ ሓደ ካብቶም ድንቂ ገዳማት ሃገርና እዩ።

Saturday, May 7, 2011

ልደታ ለማርያም

ዮም ፍስሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም (ካልኣይ ክፋል) 
መኣስን ኣበይን ተወልደት ስለምንታይ ከ ኣብኡ
ኣዴና ቅድስት ድንግል ቅድሚ ምውላዳ፤ ገና ኣብ ማኅጸን ኣዴኣ ከላ ብዙኅ ተኣምራት ከምዝገበረት ዝተፈልጠ እዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቓስ ግና ቅድስቲ ሃና ድኅሪ ነዊሕ ናይ ምኻንነት ዓመታትን፡ ትጽቢት ውላድን ብምጽናሳ ተሓጕሳ፡ ሓንቲ ዕውርቲ ዝነበረት ሓትንኣ ነቲ ጽንሲ ብኢዳ ዳህሲሳ ዓይና ስለዝተንከፈት ብርሃን ዓለም ረኣየት። ሳሚናስ ዝበሃል ጓል ኣኮኣ (ሃና) ሞይቱ ተገኒዙ ኣብ ዓራት እንከሎ፡ ሃና ኣዝያ ትፈትዎ ስለዝነበረት ነቲ ዓራቱ እናበኸየት ክትበኪ ከላ ጽላሎታ ነቲ ሬሳ ምስ ዓረፎ እቲ ምውት ዝነበረ ተንሥአ። ተንሢኡ ድማ “ሰላም ለኪ ኦ እምሔውቱ ለዘገብረ ሰማየ ወምድረ” (ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ ዓባዩ ንዓኺ ሰላምታ ይግባእ) ኢሉ ሽዑ ንሽዑ ተመሊሱ ዓሪፉ። ነዚ ዝረኣዩን ዝሰምዑን ብዙኃን ሕሙማት ከኣ ይመጹ’ሞ ይፍወሱ ነበሩ። 

Friday, May 6, 2011

ልደታ ለማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 
ዮም ፍስሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም (ቀዳማይ ክፋል)
ምሳሌን ትንቢትን 
ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ጋሻ ውሑድ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነሲ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ብሉያት ብትንቢትን ምሳሌን ብሰፊሑ ተጻሒፉ ዝርከብ እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ገና ዓለም ከይተፈጥረ ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ከምዝነበረት ኣብ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ብንጹር ዝተገልጸ እዩ። (መቅድመ ተኣምረ ማርያም) ስለዚ ብውድቀት ኣዳም ንዝኣተወ ሞት ክሥዕር፡ ባዕሉ እግዚአብሔር ሰብ ኮይኑ ንሰብ ከምዘድኅን ኣቐዲሙ ብብዙኅ ኅብረ ነገርን ምሳሌታትን ብኣፍ ነቢያት ኣቐዲሙ ገሊጽዎ ነይሩ። (ዕብ ፩፥፩) ሓደ ካብቲ ብዙኅ ድማ ብኸመይ መገዲ ሰብ ከምዝኸውን ክግለጽ ከሎ፡ ነዚ ዓቢ ዕላማ መኅደሪኡ ክትከውን ዝኃረያን ኣደን ድንግልን ከምዘላ ብግሁዶ ተዛሪቡ ነይሩ። (ኢሳ ፯፥፲፬) ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ጐይታ ተወልደ ክንብል ከሎና ካብ መን ዝብል ሕቶ ክስዕቦ ድማ ባህርያዊ እዩ። ነዚ ሕቶ ንምምላስ ከኣ ኣምላኽ ንክትወልድ ዝተኃርየት ኣደ ክብራን ቅድስንኣን ቅድሚ ምዝራብና፡ ናታ ናብዚ ምድሪ ምምጻእን ምውላዳን ኸመይ ከምዝነበረ ምግላጽ መሠረት ስለዝኾነ ብዛዕባ ልደታ ለማርያም ክንዛረብ ግድነት ይኸውን።

Wednesday, May 4, 2011

ክብረ በዓል መድኅን ዓለም ክርስቶስ፡ ስለምንታይ ፳፯ ሚያዚያ ይኽበር፧


ካብ ሓደ ግዱስ ሓታታይ ዝረኸብናዮ ኣገዳሲ ሕቶ ስለዝበጽሓና፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዘሎኩም ኣፍልጦን ትዕዝብትን ከተካፍሉና ናባኹም መሊስና ንፍንዎ ኣሎና። ጽማቕ ትሕዝቶ ሓታቲና ከምዚ ይብል። 

ከምዝፍለጥ ፳፯ (27) መጋቢት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና ክብል ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝተሰቕለሉን ንዓለም ዘድኃነሉን ዕለት እዩ። ነዚ ዓቢይ በዓል መድኅን ዓለም ክርስቶስ ድማ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ከተኽብሮን ክትዝክሮን ትነብር ኣላ። እዚ ዕለት ብዝበዘኀ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዝውዕል እኳ እንተኾነ፤ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብስሙ ኣብ ዝተሰየሙ ኣብያተ ክርስቲያናት ታቦታት ካብ መንበሮም ተላዒሎም ዑደት ብምክያድ ብዓቢ ድምቀት ከተኽብሮን ንምእመናን ድማ በረኸቱ ከተሳተፍን ትነብር ኣላ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም (ኣሥመራ) ካብዚ ሥርዓት ብዝተፈልየ ኣብ ክንዲ ወርኃ መጋቢት፡ ፳፯ ሚያዚያ ክኽበር ኢና ንርኢ፤ ስለምንታይ፧ ወርኃዊ በዚ ዕለት መድኃኔ ዓለም ዝዝከር እኳ እንተኾነ ዓመታዊ በዓሉ ግና መጋቢት ክኸውን ከምዘለዎ እዮም ዝሓተትክዎም ኣቦታት ዝነገሩኒ። ንምንታይ ከምኡ ይግበር ከምዘሎ ክርድኣኒ ኣይከኣለን እሞ ትርጉም እንተለዎ ምላሽ ክትህቡኒ እሓትት ኣሎኹ። 

Sunday, May 1, 2011

ዳግም ህንጸት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዓዲ ቐይሕ


ጽባሕ ዕለት ፳፫ ሚያዚያ ፪ሺሕ፫ ዓ.ም. ብነፍርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ዓንያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዓዲ ቐይሕ ዳግም ብሓድሽ መልክዕ ተሃኒጻ ከምእትምረቕ ካብቲ ከባቢ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። 

እዚኣ ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን ብዕለት ፯ ሚያዚያ ፲፱፻፺፩ ዓ.ም. (15 ሚያዚያ 1999) ብነፈርቲ ኢትዮጵያ ቡንባ ዘኒቡላ ፈጺማ ፈሪሳ ከምዝነበረት ዝዝከር እዩ። በቲ ጊዜ እቲ መንግሥቲ ኢትዮጵያ “ወተሃደራዊ ዕላማታት ኢና ወቒዕና” ዝብል ምስምስን ምኽንያትን እኳ ኣቕሪቡ እንተነበረ፡ ብግህዶ ግና ነዛ ምእመናን ብኽብሪ ዝጥቀሙላ ቤተ ክርስቲያን ወቒዑ ከምዘፍረሰ ዝዝከር እዩ። በቲ ጊዜ እቲ’ውን ሊቀ ካህናት ደቡባዊ ሃገረ ስብከት ዝነበሩ መምህር ጽጌ (ሕጂ ኣቡነ ሉቃስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ) ድኅሪ ደብዳብን ዕንወትን ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም መሪር ብኽያት እናበኸዩ “ተመስገን” ዝብል ቃል የውስኡ ምንባሮም ንብዙኃት ዘገረመ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ተመስገን ምባሎም፡ ከምቲ ንሶም በቲ ጊዜ እቲ ዝገለጽዎ፡ ነቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓዊ (ቡምባ) ንሱ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብተኣምራቱ ንሕዝቡ ኣድኂኑ፡ ነቲ መዓት ባዕሉ ስለዝተሸከሞን፡ ስለዝተበጀወን ምዃኑ ገሊጾም ነይሮም። ሽዑ’ውን ነዚ ዝፈረሰ ህንጻ፡ ዳግማይ ሰብ ክሰርሖ እዩ፤ እቲ ዘይትካእ ሰብ ግና ብምድኃኑ ከም ተኣምራት ዝቑጸር እዩ ይብሉ ነይሮም። ብሓቂ ድማ እቲ ሓደ ቡምባ ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ብምውዳቑ ብዙኃት ሰባት ክድኅኑ ከምዝኸኣሉ ዝእሙን ነገር እዩ።