Wednesday, August 17, 2011

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ቡሩክን ገዳሞም ደብረ ኮልን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ገዳም አቡነ ብሩክ
1.1 መልክዓ ምድሪ


ገዳም አቡነ ብሩክ ካብ ኣሥመራ ኣስታት ብወገን ደብባዊ ምዕራብ ፸፫ ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፤ ካብቶም ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ መራጒዝ ዝርከቡ ገዳማት ሓደ እዩ። ኣንፈት መገዱ ኸኣ ኣብ መንደፈራ ምስ በጻሕካ ናብ እምኒ ኃይሊ - መራጒዝ ኣቕኒዕኻ ዝርከብ ገዳም እዩ። ብእግሪ ኸኣ ካብ መንደፈራ መገዲ ኵዶአብዑር ምስ ሓዝካ ማርያም ማኖ ምስ በጻሕካ ወሪድካ ናብቲ ገዳም ተንቈልቁል። ካብቲ ቀንዲ መንገዲ ድማ መገዲ ሰዓትን ፈረቓን እንተኾነ እምበር ብዙኅ ስለዘየለግስ ሓውሲ ጎልጎል ስለዝኾነውን ንኽትበጽሖ ዘየጸግም ጥንታዊ ገዳም እዩ። ንሕርሻን ምርባሕ ጥሪትን ዝሰማማዕ ምቹእ ቦታ ኸኣ ኣለዎ። እቲ ከባቢ ገዳም'ውን ብዱር ዝተሸፈነ እዩ።



1.2 ስያመ ገዳም
ምሉእ ስም ገዳም ደብረ ኮል ገዳም አቡነ ብሩክ ይበሃል። ኮል ማለት ኸኣ ምልዖ ማለት እዩ። ሙራደ ቃል ደብረ ኮል ተባሂሉ’ውን ዝጽውዓሉ ጊዜ ኣሎ።

1.3 ምምሥራት ገዳም
እዚ ገዳም እዚ ብአቡነ ቡሩክ ዝተገደመ ኮይኑ፤ ኣቦና ኣብ እግሪ ኣቡነ አብሳዲ (ዘደብረ ማርያም) ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ክመሃሩን ከገልግሉን ድኅሪ ምጽናሕ ብፍቓድ እግዚአብሔር ኣብ መፋርቕ ፲፬ ክፍለ ዘመን ናብ መራጒዝ ብምምጻእ ነዚ ገዳም ገደምዎ።

1.4 ኩነታት ገዳም
እዚ ገዳም’ዚ ሊቃውንትን መምህራንን ብብዝሒ ዝርከቦ ገዳም እዩ ነይሩ። ብትሕዝቶኡ’ውን ምስቲ ዘለዎ ምቹእ ክሊማን መሬትን ብጽቡቕ ዝካየድ ገዳም እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሎሚ ከም ቀደሙ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ንኵሉ እቲ ዘለዎ ማሕንቖታት ሰጊሩ ነቲ ዘለዎ ውሁብ ጸጋታት ብዝግባእ ተጠቒሙ፡ ናብቲ ዝቐደመ ክብሩ ክምለስ ዘለዎ ተኽእሎ ብዙኅ እዩ።

እዚ ገዳም’ዚ ኣብ ከባቢኡ ብዙኅ ተኣምራት ዝተፈጸመሎም ስፍራ ቅዱሳን ከምዘለዉ ኸኣ ዝተረጋገጸ እዩ። ባሕታውያን’ውን ዝቕመጡሉ መካናት’ውን ከምነበረ ይፍለጥ። ስለዚ ምፍላጥን ምዕቃብን ታሪኽ በቲ ሓደ ፤ ንዕብየቱን ምስፋሕ ሕያው ኣገልግሎቱን በቲ ካልእ ክስርሓሉ ዘለዎ ጕዳይ እዩ።

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብሩክ
2.1 ትውልዲ አቡነ ብሩክ

አቡነ ብሩክ ብእግዚአብሔር ብሩክ ተባሂሎም ዝተጸውዑ፡ ቅድስናኦም’ውን ብሰብ ዝተኣምነሎምን ዝተመስከረሎምን፡ ካብቶም ጻድቃናትን ቅዱሳንን ሃገርና ሓደ እዮም።

አቡነ ብሩክ ካብ ነገደ ሴም ኮይኖም ትውልዲ ሃገሮም ድማ ሮም እዩ። ኣዴኦም ኸኣ ኬልቄዴናዊት (ግሪኻዊት) እየን። ኣቦኦም ቴዮቅሪጦስ ኣዲኦም ድማ ሚሊዳማ ይበሃሉ። ኣቦና ሓረገ ትውልዶም ካብ ቤት ነገሥታት እዩ። እዞም ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን ልክዕ ከም ናይ ኣቦና አብርሃምን ሳራን መፍቀርቲ ኣምላኽ ነበሩ። ምስቲ ኵሉ ዝነበሮም ሃብቲ ግና ውላድ ብምስኣኖም ኣዝዮም ይኃዝኑን ይጽልዩን ነበሩ። ሩኅሩኅ ዝኾነ ጐይታ ነቲ ጸሎቶም ሰሚዑ ንቅዱስ ሚካኤል ንቅድስት ሚሊዳማ ውላድ ከምእትረክብ ንኸብስራ ለኣኾ። ቅድስት ሚሊዳማ እርጋን ኣጥቕዒዋ ስለዝነበረት ነቲ መልኣኽ እዝስ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፤ ምኽንያቱ ልማድ ኣንስቲ ካብ ዝሓድገኒ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ በለቶ። ንሱ ኸኣ ንእግዚአብሔር እንታይ ይሰኣኖ ኰይኑ ምስ በላ ግና ሕራይ ይኹነለይ በለት።

ኣቦና አቡነ ብሩክ ብፍቓድ እግዚአብሔር፡ ልክዕ ከም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዕለተ ጽንሰታ ፯ ነሓሰ ተፀኒሶም ኣብ ዕለተ ልደታ ማለት ባሕቲ ግንቦት ተወልዱ። እቲ ዝተወልዱሉ ዓመተ ምሕረት ኸኣ ብ፲፪፻፺ ዓ.ም. እዩ። ናይዞም ኣቦ ፍሉይ ዝገብሮ ኸኣ ጽንሰቶምን ልደቶምን ምስ ጽንሰትን ልደትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምግጣሙ ጥራይ ዘይኮነሲ ዕለተ ዕረፍቶም’ውን እንተኾነ ምስ ዕለተ ቐብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ሓደ ምዃኑ እዩ።

ብርግጽ ብዙኃን ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን ምስ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘለዎም ልዑል ፍቕሪ ዕረፍቶም ኣብቲ መዓልቲ ዕረፍታ ወይውን ዘሎናዮ እዋን ቀብራን ፍልሰትኣን ክኾነሎም ይጽልዩን፤ ይልምኑን እዮም፤ ክኾነሎም ድማ ንርኢ ኢና። ናይ ኣቦና ግና ብፍሉይ ኣብ ኵሉ ምስቲ ዕለታት በዓል ቅድስት ድንግል ሠሚሩ ንረኽቦ ኢና።

2.2 ኣተዓብባያን ምእታው ናብ ሃገርናን
ኣቦና ካብ ቤት ነገሥታት እኳ እንተኾኑ ምርጭኦም ወዲ ንጉሥ ተባሂሎም ኣብ ምድሪ ክኸብሩ ዘይኮነሲ፡ ገና ካብ ሕፃንነቶም ብምናኔ ነቲ ሰማያዊ ንጉሥ እግዚአብሔር ምግልጋል እዩ ነይሩ። ኣቦና ብብስራት ሊቀ መልአክ ምውላዶም ጥራይ ዘይኮነሲ ኵሉ እቲ ኣተዓባብይኦም ብቅድስናን ተኣምራትን ዝተመልአ እዩ። ኣቦና ምስ ተወልዱ ኣብ መበል ኃሙሻይ መዓልቶም ምስጋና ንአብ ምስጋና ንወልድ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ፡ ምስጋና ንቅድስት ድንግል ማርያም ንግሥት፡ ከምኡውን ምስጋና ንዕፀ መድኃኒት ዝኾነ መስቀለ ክርስቶስ፡ ካብ ከርሢ ኣደይ ንዘውጽኣንን ብርሃን ንዘርኣየንን ኢሎም ኣመስገኑ። ሥርዓተ ጥምቀት ክፍጽመሎም ከሎ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ኣሜን እናበሉ ነቲ ድጋም ይቕበልዎ ነበሩ። ዓምደ ሚካኤል ዝብል ስም ጥምቀት ከኣ ተዋህቦም። ድኅሪ ጥምቀቶም ድማ ዓረበ ረቡዕ ጡብ ኣዴኦም ኣይጠብዉን ነበሩ። ወትሩ ኸኣ ምስጋና እግዚአብሔር ካብ ኣፎም ኣይፍለዮምን ነበረ።

ኣብ መበል ፫ ዓመቶም ኸኣ ትምህርቲ ክመሃሩን ምሥጢረ መጻሕፍቲ ቅዱሳት ክፈልጡን ስድርኦም ናብ መምህር ወሰድዎም። እግዚአብሔር ስለ ዝገለጸሎም ድማ ቐልጢፎም መጻሕፍቲ ብዝግባእ ተማህሩ። ንኵሉ ካብ ስድራ ዝረኽብዎ ዝነበሩ መግቦምን ክዳኖምን ኸኣ ንነዳያን እናመጽወቱ፡ ንሶም ግና ካብ መምህሮም ከይተፈልዩ እናተመሃሩ ብጾምን ብጸሎት ተጊሆም ይነብሩ ነበሩ።

ገና ወዲ ፭ ዓመት ከለዉ ስድርኦም መርዓ ወዶም ክርእዩ ተሓንጥዮም ሓንቲ ጓል ክቡራት ካብ ወገን ነገሥታት ዝዀነት ገና ናጽላ ከላ ኣሕጸይዎም። ምስ ጐበዙ ድኅሪ ፲፪ ዓመት ኸኣ ከነመርዕዎም ኢሎም ድማ ሓሰቡ። እንተኾነ ግና ፍቓዶም ስለ ዘይኮነ ካብ’ዚ ነገር እዚ ከውጸኣንስ ብጸሎት ሓግዙኒ ኢሎም ንመምህሮም ተላበዉዎም። ንሶም’ውን ብትግሃት ይጽልዩ ነበሩ።

ሽዑ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ኣምላኽ ተኣዚዙ ብምምጻእ “ካብዚ ሃገር እዚ ተንሢእካ ናብ ምድረ ኣግዓዚ ናብ አብሳዲን ናብ ኤዎስጣቴዎስን ንዓናይ። ኣብኡ ናይ ብዙኃን ኣቦ ክትከውን ኢኻ። ብኣኻ ዝድኅና ነፍሳት ፍቕዲ የብለንን” በሎም። ንሶም’ውን ንሰብ ከይነገሩ ፍርቂ ለይቲ ዋላ ሓደ ከይረኣዮም፤ ካብቲ ኵሉ ክብሪ መንግሥቲ ዋላ ሓንቲ ንብረት ከየልዓሉ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ወጹ። ክንደይ ባሕርን ምድርን ሰጊሮም ድማ ናብ ኤርትራ ደብረ ማርያም (ዞባ ደቡብ) መጽኡ።

2.3 ምንኵስናን ተጋድሎን

ኣቦና ቅድሚ ምምንኳሶም ይኹን ድኅሪ ምንኵስና ብኵሉ መንፈሳዊ ገድሊ ዝተፈልጡ ነበሩ። እዞም ጻድቕ ኣቦ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኦም ከለዉ ኣምላከ ቅዱሳን ስለዝኃረዮም፡ ወዲ ፯ ዓመት ምስ ኰኑ እዮም ማዕርገ ዲቁና ዝተቐበሉ። ድኅሪ ፭ ዓመት ኸኣ ክምንኵሱ ድሌቶም ስለዝነበረ ሽዑ ንአቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣመንኵሰኒ እንተበልዎም ከምቲ ቅዱስ ሚካኤል ዝኣዘዘካ ናብ ኣብሳዲ ወደይ ኪድ ደኣ ብኢዱ ኢኻ እምበር ብኢደይ ኣይኮንካን ትምንኵስ በልዎም። ብኃባር ኸኣ ሰብዓ ናብ እትብሃል ከባቢ ዓረዛ ቆላ ሠራየ ከዱ። ወዲ ፲፪ ዓመት ምስ ኰኑ ድማ ካብ አቡነ አብሳዲ ኣልባሰ ምንኵስና ተቐበሉ። ‘ብሩከ አምላከ’ ዝብል ስም ምንኵስና ተዋህቦም። ኣብ ፳፪ ዓመት ዕድሚኦም ኸኣ ማዕርገ ክህነት ተቐበሉ።

ኣብ ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ ዘደብረ ማርያም ፵ ዓመት ብርድእናን ገበዝነትን ምስ ኣገልገሉ ኣብ ፷፪ ዓመት ዕድሜኦም ብዘመን ሰይፈ አርእድ ናብዛ ብልምላሜ ጽብቕቲ ጻድቓን ካብ ርሑቕ ርእዮም ሰላም ዝብልዋን ማየ ሕይወት ዝርከባ ማኅደረ ንጹሓን ጻድቃን ዝኾነት ገዳም ደብረ ኮል (መራጒዝ) ኣተዉ። ብዘመነ ንጉሥ ዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሕኒጾም፤ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣእትዮም ማኅበር ሠርዑ። ብዘርአ ያዕቆብ ድማ ብጳጳስ ኣባ ሚካኤል ብኣዋጅ ተገደመ። ኣብዚ ገዳም ድማ ብጽኑዕ ብሕትውናን ተጋድሎም ን፷፫ ዓመት ከምዝጸንሑ ኸኣ ይፍለጥ።

መሥራቲ ገዳም ደብረ ኮል ዝኾኑ አቡነ ብሩክ ኣብዚ ቦታ ዘኅለፍዎ መንፈሳዊ ገድልን ዝፈጸምዎ ተኣምራትን ተቖጺሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ብዝሃቦም ጸጋ ዘፈልፈልዎ ማያት ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ማየ ጸሎት ኮይኑ ድማ ብደዌን ካልእን ዝተተሓዙ ምእመናን ክፈወሱሉ ይርከቡ ኣለዉ። ንምሳሌ ሽንድቡሉቕ፡ ሕምብርቲ፡ (ዞባ ማእከል) ክጥቀሱ ይከኣል።

ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን አቡነ አብሳዲ ዝሃብዎም ክልተ ናይ ኣውሊዕ መቖሚያ ነበረኦም። እታ ሓንቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝምርኮሱላ፡ እታ ሓንቲ ድማ ኣብ ሃገረ ሰብ ዝዛወሩላ ንሕሙማት’ውን ትፍውስ ዝነበረት እያ። ኣብ ዓዲ ሕምብርቲ ከይዶም ንሕዝቢ ወንጌል ሰቢኾም ምስ ወድኡ ክኸዱ ምስተበገሱ እታ ሒዞማ ዝነበሩ መቖሚያ ሱር ሰዲዳ ምምሓው ኣበየቶም። “ኦ ኣምላኸይ እንታይ እየ በዲለ?” ኢሎም ናብ ፈጣሪኦም ሓተቱ። መልአከ እግዚአብሔር መጺኡ “ነቶም ዓዲ ረድኤት ክትኮኖም ግደፋ” በሎም። እታ መቖሚያ ጠጢዓ ዓባይ ኦም ብምዃን ኣብ ትሕቲኣ ማይ እናውሓዘት ክሳዕ ሎሚ ንሕሙማት እናፈወሰት ትርከብ ኣላ።
                                                                                                          ይቅጽል...

No comments:

Post a Comment