Thursday, August 18, 2011

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ቡሩክን ገዳሞም ደብረ ኮልን (ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

2.4 ዕረፍትን ቃል ኪዳንን
ሃፀይ ዳዊት ንጉሥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሩሉ፡ እኩያን ሰባት ኣቡነ ቡሩክ ናብ ዘለዉዎ “ደብረ ኮል” ከምዝመጹ ስለዝተገልጸሎም ናብ ኣምላኾም ጸሎቶም የብጽሑ ነበሩ። እቶም ሓራዶ’ውን ከም ዝቕረቡ ብመንፈስ ምስ ረኣይዎም ካብቲ ዝነበርዎ ስዉር መካነ ጸሎት ወጺኦም እቶም ቀተልቶም ኣብ ዝርእይዎምን ዝጥዕሞምን ተቐሪቦም ጸንሕዎም። እቶም ኣኅዋቶም እንተኾኑ’ውን ኣኽሊል ሕይወት ይርኣዮም ስለ ዝነበረ ‘ኣነ እየ ዝቕድም’ ‘ኣነ’ባ’ ብምብህሃል ኣብዛ ዕለቲ እዚኣ ማለት ፲፬ ነሓሰ ብሰማእትነት ዓረፉ። ናይ ኣቦና ብፍሉይ ንዛረብ ኣሎና እምበር ኣብቲ ዕለት ኣኽሊል ሰማእትነት ዝደፍዑን ክንደይ ተኣምራት ዝገበሩን እንተላይ ብሥጋ ኣሕዋቶም ይርከብዎም። ብሥጋ ኣሕዋቶም ካብ ዓዶም ክበጽሕዎም ምስ መጹ በቲ ኣብኡ ዝረኣይዎ መንፈሳውነት ተመሲጦም ኣብቲ ገዳም ዝተረፉን ንኽብሪ ሰማእትነት ዝበቕዑን አቡነ ዕዝራ፡ አቡነ ሄኖክ፡ ጸበለ ማርያም፡ ይኄይሰነ እግዚእ (መተዓቢቶም) ይብሃሉ። በረኸቶም ኣይፈለየና።
ንአቡነ ቡሩከ አምላክ ብኲናት ጐድኖም ምስ ወግእዎም ጽሩይ ማይ ወጽአ፤ ነቲ ማይ’ቲ ከኣ ክሳዕ ሎሚ ማለት ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ሕሙማት እናፈወሰ ኣጋንንቲ እናወጽአ፡ ለምጻማት እናንጸሐ ዝተፈላለዩ ተኣምራት እናገበረ ይርከብ ኣሎ። ቦትኡ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሙራደ ቃል “ደብረ ኮል” ይርከብ። ብኽረምቲ ኣይውስኽ፤ ብሓጋይ እንተኾነ’ው ፍጹም ኣይንክን እዩ። ክሳዕ ምጽኣት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝጸንሕ ከኣ እቲ መጽሓፍ ገድሎም ይሕብር።

አቡነ ቡሩከ አምላክ ብሕይወቶም ከለዉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጻዕዳ ፈረስ ሃቦም። ቅድሚ ምዕራፎም ድማ ዝክርኻ ዝገበረ ስምካ ዝጽውዐ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዘጽሓፈን ዝጽሕፍን፡ ብስምካ ንጥሙይ ዘብልዕ ጽሙእ ዘስቲ ንዕሩቕ ዝኸደን፡ ዕጣን ሽምዓ ጥዋፍ ስርናይ ወይኒ ዝህብ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንካ ብትግሃት ዘገልግል ዝሳለም፡ ንማየ ጸሎትካ ብእምነት ዝሕጸብ በዚ ጻዕዳ ፈረስ ካብ’ቲ ናይ ሓዊ ባሕሪ ከሳግሮ ቃል እኣትወልካ ኣሎኹ ዝብል ምሉእ ቃል ኪዳን ሃቦም።

“ኦ አዳም መሬት አንተ ወትገብእ ውስተ መሬት” (ኣዳም መሬት ኢኻ’ሞ ናብ መሬት ድማ ክትምለስ ኢኻ) ከም ዝተባህለ ኣቦና ኣቡነ ብሩክ ፷፫ ዓመት ኣብ ደብረ ኮል፡ ፷፪ ዓመት ድማ ኣብ ደብረ ማርያምን ቅድሚኡን ብጠቕላላ ኣብ ፻፳፭ ዓመት ዕድሚኦም ብ፲፬ ነሓሰ ብ፲፬፻፲፭ ዓ.ም. ብክፉኣት ሰባት ተቐቲሎም ካብዛ መከራን ጸበባን ዝመልኣ ዓለም ናብታ ዘይትኃልፍ መንግሥተ ሰማያት ተሰጋገሩ።

ኣብታ ዝተቐብሩላ ቦታ ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ተሓኒጹ ታቦት ተቐርጸሎም። ካብ ውሽጢ መቃብሮም ማይ እናፈልፈለ ንዝተፈላለየ ሕማም ዘለዎም ሕሙማት ፈውሲ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ብዙኃን ምእመናን’ውን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ነቲ ዝዓረፉሉ መቓብር ክሳለሙን ካብቲ ጸበሎም ክሰትዩን ካብ ርሑቕ ከባቢታት ከይተረፈ ናብዚ ገዳም ይውሕዙ እዮም።

2.5 ክብረ በዓል

ናይ’ዞም ኣቦና ክብረ በዓሎም ፲፰ መስከረም ምስ ናይ መንፈስ ኣቦኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ድማ ባሕቲ ግንቦት ዕለተ ልደቶምን ፲፬ ነሓሰ ድማ ዕረፍቶም ብፍሉይ ይኽበር።

ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ጸኒዑ ይንበር።

ለቡ፦
እዞም ጻድቕ ኣቦ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ብሃይማኖታዊ ገድሎም ስሙያት ካብ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት ተማሂሮም፡ መዓርጋት ለቢሶም ስለ ተዋሕዶ ሃይማኖቶም መንፈሳዊ ገድሊ ተጋዲሎም ብኽብሪ ዝዓረፉ ኣቦ ምዃኖም ገድሎምን ታሪኽ ሕይወቶምን ዝምስክሮ እዩ። ኣብዚ ነዊሕ መዋዕል ዘሕለፈ ታሪኽ ገድሎም ኸኣ ዝኾነ መንቅብ ታሪኽ ክንዲ ሕፍቲ እኳ ዘይርከቦ እዩ።

ይኹን ደኣ እምበር ገለ ለወጥቲ ታሪኽ ‘ዓመል ምስ መግነዝ’ ከምዝበሃል ወትሩ ነቲ ከም ፀሓይ ዝደመቐ ናይ ተዋሕዶ ገድሎም ክብርዙዎ ዝፈተኑሉ ጊዜ ኣይተሳእነን፤ ሕጂ’ውን ‘ኮን ዶ ኾን’ ብምባል ዘየለ ኣእማን ካብ ምፍንቃልን፡ ታሪኽ ካብ ምኽታርን ሓቂ ካብ ምጭዋይን ኣየዕረፉን።

እዞም ቅዱስ ኣቦ፡ ልደቶም ኣብ ሮማ ስለዝኾነ ጥራይ ካቶሊካዊ ነይሮም ንምባል ከም ልማዶም ‘ብዕራይ ወለደ’ ዛንታ ክደርሱ ይፍትኑ እዮም። እዚ ከምዚ ኣብ ዘይታሪኾም ዋናታት ክኾኑ ዝፍትኑ ሰባት፤ ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ኣቦታትን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንናን ክልዋውጡ ዝፍትኑ እዮም። ኣብተን ገዳማት’ውን ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታትና ንዝገልጹ ገድልታት ተመሳሲሎምን ከም ተምን ለስሊሶምን ብምእታው ክግምጥሉን ክወስዱን ተራእዮም እዮም። ገለ ዝጠፍኡ ገድልታት’ውን ካብ ሃገርና ንምውጻእ ዝፈተኑሉ ጊዜ’ውን ኣሎ።

ነቲ ክንዲ እምባ ዝገዘፈ ንጹር ታሪኽ ገዳማትናን ኣቦታትናን ብልበ ወለዳዊ ምቕንባር ሓድሽ ዛንታ ብምድራስ ታሪኽ ከፋልሱ ኣብ ዝሓሰቡሉን ዝፈተኑሉን ገለ ሊቃውንትና ‘ኣብ ዘይመንጠቢትክ ኣይትምለሳ ኢድክን’ ብዝኣመሰሉ መጻሕፍቶም ምላሽ ከምዝሃብዎም ዝዝከር እዩ። ስለዚ ደቂስና ከሎና ክርዳድ ክዘርኡ ዘንቀሉን ተጊሆም ዝመራመሩን ከምዘለዉ ፈሊጥና፤ ንሕና ደቂ ተዋሕዶ ታሪኽ ኣቦታትናን ገዳማትና ብዝግባእ ምፍላጥን ምዕቃብን፤ ንምትእትታው መሠርያን ኸኣ ምንቓሕን ምቕላሕን ይግባእ።

ብወገንና ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ሓደ ነገር ክንብሎም ንደሊ፤ ዝበሉ እንተበሉ፤ ዝደረሱ እንተደረሱ ኣብ ልዕሊ ሓቂ ዋላ ሓደ ክገብሩ ከምዘይክእሉ እዩ።

ሃገርናን ማኅደርናን ይባርኸልና።

2 comments:

  1. ብመጀመርያ ቃለ ሕይወት የስምዓልና። እግዚአብሔር ከኣ ጸግኡ የብዝሓልኩም፣
    ኣብ ኩሉ ጽሑፋትኩም ኣብ ቁጽርታት ናይ ግእዝ ምስኡ ከኣ ኣብ ሓጹር ጌርኩም ብጎኑ ብትግርኛ ቁጽርታት እንተትገብሩሉ ጽቡቕ ነይሩ። ዝያዳ ከኣ ምስ ተረደኣና፣ የቐንየልና፣

    ReplyDelete
  2. Btami des zebil, amlak segu yebzahalkum yehwat

    ReplyDelete