Thursday, August 25, 2011

ሓጺር ታሪኽ ቅዱስ አቡነ አብራንዮስን ገዳሞም ደብረ ጥሉልን (ሣልሳይን መወዳእታን ክፋል)

2.4 ስብከተ ወንጌልን ገድሎምን ኣብ ኤርትራ

ካብ ትግራይ ኸኣ ናብ ኤርትራ ሰገሩ። ብመጀመርታ ኸኣ ኣብ ጥቓ መረብ ኣብ ዓይላ ጕንደት ኣብ ዘሎ ገዳም በጽሑ። (ሥዕሊ ተመልከት) ኣብኡ ኸኣ ብጸሎትን ጾምን ክጋደሉ ጀመሩ። ክሳብ ሠለስተ ሱባኤ ኸኣ ዝኾነ ከይለከፉ ጸንሑ። ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ድማ እዚ እውን ቦታኻ ኣይኮነን በሎም። ካብኡ ኸኣ ምድረ በዳ (ምናልባሽውን ጋሽ ገጾም) ኣቢሎም ምስ ከዱ ብዙኃት ሓራምዝ ረኸቡ። ገድልን መከራን ምስ በዝኆም ኣብቲ ሓርማዝ ዝሓልፋሉ ሩባ ምእንቲ ክርገጹ እሞ ክሞቱን ከዕርፉን ኣብ መገዶም ስጥሕ ኢሎም ወደቑ። እቲ መልኣኽ ግና ክትንሥኡ ገንሖምን ካብቶም ሓራምዝ ከኣ ኣናገፎምን። ቅዱስ ሚካኤል ድማ ዕረፍቶም ገና ምዃኑን ብጸሎቶም ዝድኅኑ ከምዘለዉ ሓበሮም። ንሶም ግና ካብቲ ዘለኽዎ መከራሲ ዕረፍቲ ይሕሸኒ ኢሎም ብምምላሶም እቲ መልኣኽ “ተንሥእ መሬታዊ” ብምባል ኣብ የማናይ እግሮም ተንከፎም እሞ ቖሰለት። በታ ኣብ እግሮም ንዝነበረት ቍስሊ ሕጻብ፡ ዝሕጸባን ዝሰትያን መካናት ከኣ ይወልዳ ነበራ። ኣቦና ኸኣ ፈቓዱ ይኹን ኢሎም ድማ ተንሥኡ።


ኣብ ኵሉ እናተዘዋወሩ ኸኣ ትምህርቲ እናሃቡ ተኣምራት ይፍጽሙ ነበሩ። ካብኡ ኸኣ ተላዒሎም ናብ ገዳም አቡነ ብፁዕ አምላክ ጽልማ ከዱ። ብኽብሪ ድማ ተቐበልዎም። ኣብኡ ኸኣ ቍሩብ ድኅሪ ምጽናሕ ኸኣ ናብ ደብረ ቢዘን ክነቕሉ ተኣዘዙ። ብዙኅ ተኣምራት እናገበሩን ወንጌል እናመሃሩን ደብረ ኮዳዱ እንዳ ኣቡነ ብፁዕ ኣምላኽ ገዲፎም ኣብ ደመና ተጻዒኖም ደብረ ቢዘን ኣተዉ። ኣብዚ ገዳም ከለዉ ድማ ብጾምን ብጸሎትን ብተጋድሎ ጸንሑ። ኣብኡ ከለዉ ካብ ዝፈጸምዎ ኸኣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጸሎት ከለዉ፡ ሰማንያ ኣግማል ኣብ ነፍስ ወከፈን ሰማንያ ኣጋንንቲ ዝጸዓና ንቅዱሳን ክጻብኣ ክመጻ ከለዋ ርእዮም ገጾም ብትእምርተ መስቀል ብምምዕታብ “ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ፆሩ ይጒየዩ ጸላእቱ እም ቅድመ ገጹ” ኢሎም ምስ ጸለዩ ካብ ቅድሚ ዓይኖም ተሰዊረን ነፊጸን ናብ ሓደ ጸድፊ ኣተዋ። ከምቲ ጐይታ ነቶም ኣጋንንትን ሓሳማታትን ጌርጌሴኖን ዝገበሮም ማለት እዩ።

ንሸውዓተ ወርሒ ዝኣክል ብዓቢይ ተጋድሎ ከኣ ኣብኡ ተቐመጡ። ብድኅሪኡ’ውን እግዚአብሔር ንሃገርና ክዞርዋን ወንጌል እናመሃሩ ኸኣ ክባርኽዋን ስለ ዝኣዘዞም ናብ ጽልማ ሰልዳይት (ሰለ ዳዊት) ብምኻድ ገዳም መሥሪቶም ሥርዓት ሠሪዖም ማኅበር ኣቚሞም መንፈሳዊ ገድሊ ክጋደሉ ጀመሩ። ብዙኃንን ብዙኃትን ሰዓብትን ኣርድእትን ኸኣ ክገብሩ ጀመሩ። በቲ ኣብ ኣቡነ ብፁዕ አምላክ ዝረኣይዎ ሰብ ዝጀመረ ምትእኽኻብ ብዙኃን ናብኦም ክመጹን ማኅበር ክኣትዉን ጀመሩ። ኣቦና ኸኣ ሥርዓተ ምንኵስና እናመሃሩ ብሃይማኖትን ሰናይ ግብረ ምናኔን ጸኒዖም ክጓዓዙ ነቶም ኣርድእቶም ይላበዉዎም ነበሩ። ብዙኅ መንፈሳዊ ምኽሪ ብቀጻሊ ይመኽርዎም ነበሩ።

ከምዚ እናገበሩ ካብ ዝተቐመጡለንን ብዙኅ ተኣምራት ካብ ዝፈጸሙለንን ዓድታት ኸኣ እታ ሓንቲ ዓዲ ሰልዳይት እያ። ኣብኡ ካብቲ ዝገበርዎ ተኣምራት ኸኣ ንሓደ ካብ ኣባርዳእ ዝመጽእ ሰብኣይ ገና ከይተቐለቀለ ከምዚ ዓይነት ሰብ ይመጽእ ኣሎ ብምባል ድኅሪ ምዝራቦም ልክዕ ከምቲ ዝበልዎ እቲ ሰብኣይ መጺኡ ኣብኦም መንኰሰ። ሓንቲ ንእሽቶይ ጓል’ውን ካብ ማዕዶ መረብ መጺኣ ብኢዶም መንኲሳ። ይኹን እምበር ስድርኣ መጺኦም ብኃይሊ ወሰድዋ። ኣቦና በዚ ነገር ጸሎት ምስ ገበሩ ሩባታት ዓዲ ነጸፉ፤ እቶም ስድራ’ውን ብሕማም ብድብድን ተላገብን ተጠቕዑ። ሽዑ እቶም ስድራ ከይፈተዉ በቲ ግብሮም ተጣዒሶም ነታ መነኮሳይት መለስዋ። ብጸሎቶም ድማ ነቲ ዝተኣዘዘ ቍጥዐ ኣህድእዎ። ኵሉ ድማ ከም ቀደሙ ኮነ።

ኣብ ሓደ እዋን’ውን ኣቦና እናጸልዩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቖይሞም ከለዉ ብዙኃት ኣንስቲ ከበሮ እናወቕዓን እናሳዕሳዓን መጽአ። ኣቦና ኸኣ ብዙኃት ኣጋንንቲ ብየማንን ብጸጋምን ብቕድሚትን ብድኅሪትን ኪኽብክብወንን ምስኣተን ክጻወቱን ረኣዩ። ካብኣቶም ኣጋንንቲ ከኣ ኣብ ኽሳደን ዚሓቕፉወንን ኣፈን ዝስዕምወንን ኣብ እዝነን ሕሹኽ ዝብልወንን ነበሩ። እቲ ናይ ሳዕሳዒቶም ድምፂውን ርኹስ ነበረ። ኣብ ኅሊንአንን ኣካላተንን ናይ ዝሙትን ፍትወትን ሓዊ የንድዱ ነበሩ። እተን ኣንስቲ ክስዕስዓ እቶም ኣጋንንቲ ከኣ ባህ እናበሎም ክሳለቑ ኣቦና ብመንፈስ ተገሊጹሎም ይርእይዎም ነበሩ። ኣቦና ኸኣ ሰይፈ ሥላሴ ዝተዓጥቑ ስለዝነበሩ ብኵሉ መኣዝናት ብትእምርተ መስቀል ባሪኾም ስም ሥላሴ እናጸውዑ ጸለዩ። ኵሎም ኣጋንንት ከም ትኪ በነኑ። ገሊኦም’ውን ኣብ ቀላይ ኣተዉ። ነቶም ሕዝብውን ጸዊዖም “ንምንታይ ፍቓድ ኣጋንንቲ እናገበርኩም ንእግዚአብሔር ተኅዝንዎ?” ብምባል ገሰጽዎም።

ኣብ ካልእ ጊዜ’ውን ንተዋሕዶ ሃይማኖት ምስ ዝጻረሩ መናፍቓንውን ተጋዲሎም እዮም። ነቶም ምምላስ ዝዓበዩን ልቦም ዘተርሩን ድማ ኣውገዝዎም።

ኣቦና ኣብ ዝኸድዎ ስለዛ ርትዕቲ ሃይማኖት ይምህሩን ብዙኅ ተኣምራት’ውን ይፍጽሙ ነበሩ። ከም ኣብነት ሓደ መዓልቲ ኣብ ሃገር ቡር ኮይኖም እናጸለዩ ከለዉ ኣብ ኣፀድ ቤተ ክርስቲያን ንእትርከብ ዕፅ ድርስ ሓደ ሰብ ክቖርጻ ብመንፈስ ምስ ረኣይዎ ንኣርድእቶም እታ ኣብ ጊዜ ጸሎቶም ንጽላሎም እትኸውን ዕንጨይቲ ኣብ ኣፀድ ቤተ ክርስቲያን ዘላ ትቝረጽ ከምዘላ ነገርዎም። እቲ ሰብኣይ ኸኣ ብኢድ መልኣኽ ተቐዚፉ ሞይቱ ኢዩ ኢሎም ነገርዎም። ከምቲ ዝበልዎ ከኣ ኮነ። ኣብ ምድረ ቡር ኸኣ ንክልተ ዓመት ተቐሚጦም ሓዋርያዊ ስራሕ ሰሪሖም እዮም።

ብሓፈሻ ኣቦና ኣብ ዞባ ደቡብን ማእከልን (ምድረ ሠራየ፡ ምድረ ኣኵለ ጉዛይ፡ ምድረ ሓማሴን) ዑደት ብምግባር ሓዋርያዊ ስራሕ ሰሪሖም እዮም። ብኸምዚ ኣገባብ ኸኣ ኣቦና እናተመላለሱ ናይ ሓዋርያት ትምህርቲ ናይ ጻድቃን ገድሊ ናይ ሰማእታት ጽንዓት ብምኽታልን ቤተ ክርስቲያን ብምኅናጽን ተጋድሎኦም ብዓወት ፈጺሞም።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ዓዲ ሰልዳይት ኮይኖም ብዝጸለይዎ ጸሎት፡ እዛ ሕጂ ዘላ ገዳም ዓንደ ብርሃን ተተኺላ ምስ ረኣዩ ንሳ ንዘለዓለም መዕረፊቶም ከም እትኸውን እግዚአብሔር ገለጸሎም።

2.5 ማእሰርቲ አቡነ አብራንዮስ

ኣብ ስብከተ ወንጌልን ገድሊ ምንኵስናን ከለዉ ኣቦና ብዙኅ ፈተናን ተጻብኦን ይገጥሞም ነበረ። ይኹን ደኣ እምበር ንኵሉ በቲ ስሙር ጸሎቶምን መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን ብዝገብርዎ ተኣምራታዊ ስርሖምን ይሰግርዎ ነበሩ። ኣቦና ስለታ ርትዕቲ ተዋሕዶ ሃይማኖቶም ካብ ዝተፈተንዎ፡ ክሳብ ማእሰርቲ ዘብጽሖም እዋን ከምዝነበረ ገድሎምን ታሪኻዊ ጽሑፋትን ዝገልጽዎ እዩ።

እዚ ኸኣ ሓደ እዋን ንጉሥ ተክለሃይማኖት ዝተባህለ ንጉሠ ኢትዮጵያ፡ በቲ ጊዜ እቲ ሩባ ሰጊሩ ንገዛኢ ሠራየ ንዝነበረ ዮሓንስ (አቤቶ ማሞ) ንኣቦናን ንመምህራነ ሕጊ መነኮሳት ደብረ መርቆሬዎስን (ደብረ ድማኅ) ዝኾኑ አባ ላእከ ወልድን አባ መሥዋዕተ ጽዮንን አባ መፍቀሬ ክርስቶስን ከምኡውን ኃረየ ሰባኪን ኣሲሩ ክሰደሉ ኣዘዞ።

በዚ ትእዛዝ እዚ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሞቕሑ። ኣብኡ ኮይኖም ድማ ብትግሃት ናብ ኣምላኾም ይጽልዩ ነበሩ። ቅዱስ መልኣኽ እናተገልጸ ድማ የጸናንዖም ነበረ። ክፉእ’ውን ከምዘይቀርቦምን ከምቲ ጸላእቶም ዝሓሰብዎ ዘይኮነሲ መረብ’ውን ከምዘይሰግሩ ገለጸሎም። እቲ ማእሰርቲውን ንጽቡቖም (ንደቆም ምስክር ክኸውን) ምዃኑ ነገሮም።

ኮይኑ ድማ ኣቦና በቲ ከባቢ ሕዝቢ ፍቱው ስለዝነበሩ እቶም ሕዝቢ ብፍላይ ሕዝቢ መራጒዝ ኣቦና ኣኅሊፍና ኣይንህብን፤ መረብ’ውን ኣይነስግሮምን ብምባል ተቓውሞ ኣለዓዓሉ። ኣቦና ስለ ተዋሕዶ ሃይማኖት በቶም ዓለውቲ ሃይማኖትን ፈተውቲ ሥልጣኖምን መከራ ይበጽሖም ከምዘሎ ብዝተረድኡ ስሌኦም ክሳብ ሞት ክብጸሑ ነሕድሕዶም ማሕላ ገበሩ፤ ዝናገፉሉ ሜላ ድማ ሓሰቡን፡ ምኽሪ ድማ ገበሩን። ነቲ ምኽሪ ድማ ነቲ ገዛኢ ኣካፊሎሞ እኳ እንተነበሩን ነቲ ምኽሪ’ውን ሠሚርዎ እንተነበረ፤ ጸኒሑ ምኽሪ ጸላእቶም ሰሚዑን ንንጉሥ ፈሪሁን  ሓሳቡ ስለዝቐየረሎም ዓቢ ባእስን ውግን ኣንጻር ገዛኢ ገበሩ። ፴ ዝኾኑ ካብኣቶም ከኣ ኣብቲ ባዕሲ ተቐትሉ።

ኣቦና እዚ ነገር ብዝሰምዑ ሓዚኖም ትሕርምቲ ብምግባር ምብላዕን ምስታይን ኣበዩ። ኣርባዕተ ሱባኤ ምስ ወድኡ ኸኣ እቲ ክእሰሩ ዝኣዘዘ ንጉሥ ተክለሃይማኖት ተቐዝፈ። ብኽብሪ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጹ። ቅድሚ ናብ ገዳሞም ምምላሶም ድማ ብዙኃን ቦታታት እናባረኹ ምስ ቅዱሳን እናተራኸቡ እግረ መገዶም ዑደት ኣካየዱ።

2.6 ቃል ኪዳንን ዕረፍትን

ንዕረፍቶም ክልተ ዓመት ክተርፎ ከሎ ነቲ ቅድም ኣብ ጊዜ ህጻንነቱ ካብ ምድሪ ደምቢያ ኣትሒዙ ዝተኸተሎም አካለ ክርስቶስ ንዝተባህለ ተመሃራዮም “ቀዳማይ ወደይ መስቀለይን መንበረይን ሂበካ ኣሎኹ” በልዎ። አባ አካለ ክርስቶስ ኣሽንኳይ ዶ ብሕይወትኩም እንከሎኹም ብድኅሬኹም እንተኾነ’ውን ኣብ መንበርኩም ክቕመጥ ኣይደፍርን እየ በሎም። ትሕትና እዞም ኣቦታት ክንደይ ደስ ዘብል እዩ። ንሶም ግና “እዚ ብናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ ብናይ ጐይታ ቃል እዩ ዝብለካ ዘሎኹ” ምስ በልዎ ሕራይ በለ።

ሽዑ ኣቡነ አብራንዮስ ንምሉኣት ማኅበር ኣኪቦም ብድኅሪኦም ንኣባ አካለ ክርስቶስ ከም ዝሾሙሎም ገለጹሎም። ደጊም እቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ዕድመ ከም ዝኣኸለ ኣፍለጥዎም።

ኣብ መወዳእታ ጐይታ ምስ ቅድስት ኣዲኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲን ተዓጂቡ ብምምጻእ ከምቲ ንዅሎም ቅዱሳን ዝሃቦም ቃል ኪዳን ንኣቡነ ኣብራናዮስ’ውን ቃል ኪዳን ሃቦም። “ኦ ፍቁረይ ኣብራናዮስ ዝኽርካ ዝገበረ፡ ቤተ ክርስቲያንካ ዝሃነጸ፡ ኣብ ገዳምካ ዝመንኮሰን፡ መጽሓፈ ገድልኻ ዝጸሓፈን ዘንበበን ኃጢኣቱ ክሥረየሉ ኣብቲ ዘይሓልፍ መንግሥተይ’ውን ንዘለዓለም ከንብሮ እየ።” ዝብል ቃል ኪዳን ተዋህቦም(መዝ ፹፱፥፫-፬)።

ጐይታ ባዕሉ’ውን ስለቲ ሓዋርያዊ ትግሃቶምን ሰማእትነቶምን ድንግልንኦምን ብቃሉ ሠለስተ ኽብሪ ሃቦም። ንእሽቶ ሕማም ኸኣ ሓሚሞም ብ፳፩ ነሓሰ ነፍሶም ካብ ሥግኦም ተፈልየት። ነፍሶም ከኣ ብኢድ መላእኽቲ ብኽብሪ ናብቲ ናይ ዘለዓለም መኅደሪኣ ከደት። መቓብሮም ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን (እንዳ ኣቦና) ንበይኑ ቤተ ክርስቲያን (ቅድስት ማርያም) ተሰሪሑሉ ብኽብሪ ተዓቂቡ ይርከብ፤ ጥቓ እቲ መቓብሮም ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣቦና ደው ኢሎም ዝጽልዩሉ ከምዝነበሩ ዝፍለጥ፤ ክልተ ኣእባን ኣለዋ። (ሥዕሊ ተመልከት፤ ነታ ብምቑራጹ ዝተቐዝፈላ ገረብ’ውን ተመልከት) ነዘን ኣእባን ድማ ግብጻውያን ጳጳሳት ስለ ክብሪ ኣቦና ክብሉ ይሳለምወን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እዚ ኸኣ ዜና ገድሊ ኣቦና ካብ ሃገርናን ካብ ኢትዮጵያን ሓሊፉ ግብጺ በጺሑ ከምዝነበረ ዘመሳኽር እዩ።

ሰላም ለከ አብራንዮስ ፍጹም፡
ዘድብረ ልምላሜ ሥዩም፡
በረከተ ሰማይ ወምድር እስመ ተውህበከ ዮም፡
ባርከነ ለደቂቅከ በቡራኬ ብዙኅ ሰላም፡
ከመ ባረኮሙ ኖኅ ለያፌት ወሴም።

ናይ አቡነ ኣብርናዮስ በረኸቶም፡ ጥርጥር ዘይብላ ተዋሕዶ ንጽሕቲ እምነቶም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ጸኒዓ ትንበር።

No comments:

Post a Comment