Monday, August 22, 2011

ሓጺር ታሪኽ ቅዱስ አቡነ አብራንዮስን ገዳሞም ደብረ ጥሉልን (ቀዳማይ ክፋል)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
 

1. ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ
1.1 ስያመ ገዳም

ምሉእ ስም እዚ ገዳም እዚ ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ ይብሃል። ብስም አቡነ አብራንዮስ ዘይኮነሲ፡ ኣብ ከርሲ ኣዲኦም ከለዉ ብዝፈጸምዎ ተኣምር “እንዳቦና” ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ጊዜ’ውን ይበዝኅ።


1.2 መልክዓ ምድሪ
እዚ ገዳም’ዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መገዲ ኣሥመራ መንደፈራ ካብ ተራእምኒ ንኣስታት ፭ ኪሜ ምስ ተጓዓዝካ ንጸጋም ካብቲ ቀንዲ ጸርግያ ተኣሊኻ ኣስታት ፪ ኪሜ ምስ ከድካ ዝርከብ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም እዚ ዋላ እኳ ሓውሲ ጐላጉልን ብዙርይኡ ውጥም ኢሎም ብዝረኣዩ ጸፋሕቲ ጎቦታት ዝተገደመ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ገዳም ብርኽ ኣብ ዝበለ ዝባን ደብሪ እዩ ተደኲኑ።


ዳርጋ ብኵሉ ዙርያታቱ ኸኣ ንሕርሻ ብዝሰማማዕ ኣብ ሞንጎ’ዞም ጸፋሕቲ ጎቦታት ብዝተሸንጠሩ ሓውሲ ጐላጉል ዝተኸበን ካብ ዝተፈላላዩ እምባታት ብዝውሕዙ ወሓይዛት ዝተቐነተን፡ ብሓምላይ ኣግራብ ወትሩ ዝተሸፈነን እዩ። እዚ ከም ስሙ ጠሊ ዘይፍለዮ ደብረ ጥሉል ገዳም ብኣዕጽምቲ ብዙኃን ቅዱሳን ዝለምለመ ብፍቓድ እግዚአብሔር ብጻድቕ ኣቦ አቡነ አብራንዮስ ዝተገደመ ገዳም እዩ።

1.3 ዘመን ምምሥራት
እዚ ገዳም’ዚ ኣብ መወዳእታ ናይ ፲፯ ክፍለ ዘመን ወይውን መጀመርታ ፲፰ ክፍለዘመን ከም ዝተመሥረተ መዛግብቲ ይገልጹ። እቲ ዘመን እቲ ሲሳይ ምድሪ በዚኁ ሰባት ንሕጊ ኣምላኽ ሸለል ዝበልሉን ብፍላይ ኸኣ መኳንንትን መሳፍንትን ናይቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ዘኅዘኑሉ ጊዜ እዩ ነይሩ። ነገሥታትን መኳንንትን መራሕትን ንእግዚአብሔር ምስ ዝብድሉን ዝዳፈሩን ነቢያትን መምህራንን ክፉእ እናረኣዩ ምስ ዘይግሥጹ ድማ ብመቅጻዕቲ ዝተሰነየ መከራን ሓዘንን ምምጽኡ ዘይተርፍ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኸኣ አሕመድ ግራኝ ዝተባህለ ሰብ ሠራዊት ኣኽቲቱ ኣንጻር እቶም ገዛእቲ ዝነበሩ ዝተላዕለሉን፡ ንኵሎም እናሰዓረን ኣብያተ ክርስቲያናትን ንዋያተ ቅዱሳትን እናቃጸለን፤ ብዙኅ ታሪኽ ሓቚፎም ዝነበሩ መዛግብትን መጻሕፍተ ብርናታትን እናንደደ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ዝተንቀሳቐሰሉ ዘመን ነበረ። ሃገርና’ውን እዚ ዕንወት ኣርኪቡላ ብዙኃን ጥንታውያን ገዳማትን ቅዱሳት መካናትን ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቶምን ንዋየተ ቅዱሳቶምን ናብ ሓሙኽሽቲ ከምዝተለወጡ ዝተፈልጠ እዩ። ከም ኣብነት’ውን ጥንታዊት ገዳም ደብረ ቍስቋም ድባርዋ ክትጥቀስ ትኽእል። ገሊኦም ድማ ከም ብዓል ደብረ ቢዘን ዝኣመሰሉ ገዳማት ኸኣ ብኃይልን ተኣምራትን እግዚአብሔር ካብቲ ቍጥዓ ክስወሩ ክኢሎም ኣለዉ።

እቶም መራሕቲ ናይቲ ጊዜ እቲ ኃይልን ናህርን ግራኝ መሓመድ ክዓግትዎ ስለዘይከኣሉ ሓገዝ ናብ መንግሥቲ ፖርቱጋል ከምዝሓተቱን ኣምሳይኡ ኸኣ ብዋጋ ሃይማኖቶምን ክብርታቶምን ከምዝተዋጋዩ ታሪኽ ሰኒድዎ ይርከብ። መቸስ እዚ ሎሚ ዘሎ ምዕራባዊ ምስፍሕፋሕን ዕብለላን ብዋጋ ክብርታትን ሃብትን ካልኦት ሕዝብታት ምዃኑ ታሪኽ ትማልን ቅድሚ ትማልን ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን እምበር ኣብ ዓለምሲ ብዘይ ስውርን ካልእን ረብሓ ስለ ‘ጽድቂ’ ተባሂሉ ናይ ጥርሑ ‘ሓገዝ’ ኣሎ ክብሃል ስለዘይከኣል።

እቲ ዝተባህለ ‘ሓገዝ’ መጺኡ አሕመድ ግራኝ እኳ እንተተሳዕረ፤ ምስቶም ወተሃደራት ተጐዝጒዞም ዝመጹ ‘ልኡኻት ወንጌል’ ዘሳወርዎ ሓዊ ግና ቀልጢፉ ክሰዓር ኣይተኻእለን፤ መመሊሱ ደኣ ጓህረን ሕዝቢ ኣንደደን። እቲ ዝተፈጥረ ሃይማኖታዊ ቅልውላው’ውን ኣብ ሞንጎ ገዛእትን እቶም ሕዝብን ካህናትን ክሳዕ ሃይማኖት ተዋሕዶ ናብቲ ዝቐደመ ወግዓዊ ክብሩ ዝምለስ ዝምለስ ቀጺሉ ነበረ። እምበኣር ኣብ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘመን እዮም ኣቦና ተወሊዶም።

1.4 ኣመሠራርታ ገዳም
ከምቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ነዚ ገዳም ዝመሥረቱ አቡነ አብራንዮስ ይብሃሉ። ኣቡነ ኣብራንዮስ ዝተወልዱሉን ዝዓበዩሉን ከባቢታት ኣብ ጐጃም ይኹን ደኣ እምበር ብፍቓድን ትእዛዝን ኣምላኽ ናብ ኤርትራ ክመጹን ሓዋርያዊ ስራሕ ከበርክቱን ክኢሎም እዮም። ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊን ማእከላዊን ዞባታት እናተንቀሳቐሱ ስብከተ ወንጌል ኣካይዶምን ኣስፊሖምን እዮም።

ድኅሪ ነዊሕ ጊዜ ማለት ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ምብጻሕን ዝተፈላለየ ተኣምራት ምፍጻምን ብትእዛዝ ኣምላኽ ናብ ዓዲ ሰልዳይት መጺኦም ተቐሚጦም ነይሮም። ኣብኡ እንከለዉ ኸኣ “ቦታይ ኣርእየኒ” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ምስ ጸለዩ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገልጸትሎም እሞ ኣብ ደብረ ጥሉል ዓምደ ብርሃን ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ተተኺሉ ረኣዩ። ኣዴና ኸኣ በል እዛ እትርእያ ዘለኻ እያ ቦታኻ በለቶም። ከም ገዳመ አስቄጥስ ከም ገዳመ ቆሮንቶስ ከም ገዳም ዋሊ ገይረ ባሪኸያ ቀዲሰያ ኣሎኹ በለቶም።

ሽዑ ዘርአብሩክ ዝተባህለ መኰንን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሰሪሑ ምስ ፈጸመ አቡነ አብራንዮስ ነቶም ደቆም መነኮሳትን መነኮሳይያትን በቦትኦም ፈላልዮም ሥርዓት ገበሩሎም። ክሳብ ሕጂ’ውን ንጸሎትን ቅዳሴን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንተዘይኮይኑ ናይ መነኮሳትን መነኮሳይያት ሰፈር በበይኑ እዩ።

ናብዚ ገዳም ድማ ብዙኃን እናመጹ ከም ከዋክብቲ ሰማይ ከሠርግዉዎ ጀመሩ። ወረ ኣቦና ኸኣ ኣብ ኵሉ ይስማዕ ስለዝነበረ ናብኦም እናመጹ ዝምንኵሱ በዚኆም። እቲ ገዳም’ውን ደልደለ።

1.5 ሓዋርያዊ አበርክቶ

እዛ ኣብ ዞባ ደቡብ እትርከብ ገዳም ካብ ብዙኅ ዘመናት ኣትሒዛ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብምፍጻም ዝተፈልጠት ኮይና ብዙኃን መንፈሳውያን ኣቦታት ዘፍረየት ገዳም እያ። በብዘመኑ’ውን ብዙኃን ሊቃውንቲ ከምዝነበርዋን ኣማይት ዝኾኑ ኣርድእትን ተምሃሮን ከም ኣናህብ ዝወፍሩላን ትምህርቲ ዝቐስሙላን እንጌራ መዓር ፍልጠት ዝሰርሑላን ገዳም እያ ነይራ።

እቲ ዝበዘኀ ታሪኽ እዚ ገዳም ብጹሑፍ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ዓበይቲ ጥራይ እናተነግረ ስለዝጸንሐ ኸኣ እዞም ብዙኅ ድንቂ ተግባራትን ሓዋርያዊ ሥራሕ ዝፈጸሙ ኣቦታት ታሪኾም ብቀሊሉ ክረኸብ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ነገር እዩ።

ገሊኦም ገዳማትና ታሪኾም ናይ ምዕቃብ ኃያል ባህሊ ክህልዎም ከሎ ገሊኦም ግና ድንቂ ታሪኽ ዘኅለፉ ክነሶም እቲ ዝበዘኀ ታሪኾም ብቃል ጥራይ ዝተሓጽረን ኣብ ልቢ እቶም ዝኃለፉ ኣቦታት ጥራይ ከምዝነበረ ይዝንቶ። ከምቲ ቤተ መጻሕፍቲ ክቓጸል ከሎ ምስኡ ብዙኅ ታሪኽ ከምዝወድም፤ ታሪኽን ሊቅነትን መዝገቦም ዝኾኑ ኣቦታትና ክሓልፉ ከለዉ ድማ ከምኡ እዩ። ምኽንያቱ ብቃል ዘሎ ይበረስ፤ ብጽሑፍ ዘሎ ግና ይውረስ ዝብል ብሂል ብተግባር ኣብ ኵሉ ክፍጸም ስለዘይንርእዮ። ሕጂ ዘሎ ወለዶ’ውን ብፍላይ ተተካእቲ መንእሰያትን ውሉደ ክህነትን ኣብዚ ነቓዕ ታሪኽ እዚ ዝያዳ ኣተኲሮም ከሰርሑ ይግባእ። ታሪኽ ሰንሰለት እዩ። ወለዶታትን ዘመንን ኸኣ የላግብ። ምብታኽ ገለ ክፋል ሰንሰለት ኸኣ ነቓዕን ምትእስሳር ዝምድናን ይበትኽ። ሓጓፋት ታሪኽ ድማ ን’ቤላ ቤለው’ መገዲ የኸፍት። ገለ ሰባት ነቲ ኣቦታትና ብኃይሊ ኣምላኽ ንዝፈጸምዎን ዝውዓልዎን ተጋድሎን ተኣምራትን ከም ‘ጽንጽዋይ’ ክሳብ ምሕስብ ዘብጽሖም ዘሎ ብሓደ ወገን ኑፋቄያዊ እምነቶም ክኸውን ከሎ በቲ ካልእ ድማ ታሪኽ ኣቦታትና ብዝግባእ ሰኒድናን ኣጽኒዕናን ብተዛማዲ ምሉእነት ናይ ምግላጹን ምዝርግሑን ስራሕ ብዝግባእ ስለዘይሰራሕናሉ እዩ።

ስለዚ ከኣ ብፍላይ ተተካእቲ ውሉደ ክህነትን መንእሰያትን ገዳማት ኣብ ክብረ በዓላቶም ምስላምን ምንጋድን ከምኡውን ሥዕልታት ተሣዒልካ ጥራይ ምምላስ ዘይኮነስ፡ እቶም ታሪኽ ዝፈልጡ ኣቦታት ብሕይወት እንከለዉ ቅርብ ኢሎም ጊዜ’ውን ሂቦም ከም መዓር ዝጥዕም ታሪኽ ዝቐደሙ ቅዱሳን አበው ክፈልጡን ክስንዱን ይግባእ። ኣብዚ ገዳም’ውን እቶም ዝቐደሙ ኣቦታት ዝፈጸምዎ ገድልን ሓዋርያዊ ኣበርክቶን ብቐሊሉ ምርካብ ዝከኣል ኣይመስልን እዩ እሞ እቶም ናብዚ ገዳም እትነግዱ ክትሓስቡሉ ይግባእ።

1.6. ርስተ ጒልቲ
እዚ ገዳም’ዚ ካብ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ በብዘመኑ ዝረኸቦ ሃብታም ዝኾነ ርስተ ጒልቲ ከምዝነበሮ ይግለጽ። ይኹን ደኣ እምበር ካብ ጊዜ ደርጊ ኣትሒዙ በብቕሩብ ርስቱ እናተመንጠለ፤ ብከባቢ ዓድታት እናተደፈአን እናተጸቕጠን ንዝበዘኀ ርስቱ ስኢንዎ ይርከብ።

እዚ ምሽርማም መሬት ኣብ ብዙኅ ገዳማት ዘጋጥም ኮይኑ ምስ ምስፋሕ ዓድታትን ካልእ ዘየድሊ ምትእትታው ምምሕዳር ከባቢታት ዘጋጥም ኸኣ እዩ። ገዳማት ኣብ ሃገር ዘለዎም ታሪኻዊ ውርሻን ሃብትን ጥራይ ዘይኮነስ ጸሎቶምን ኣስተብቍዖቶምን ንሃገርን ሕዝብን ካብቲ ዝረአን ዘይረአን፡ ግሁድን ስዉርን ጸብአ ኣጋንንትን ሰባትን ዝብጀዉ፤ ንሃገር ብመንፈስ ክልልቲ ብግርማ ሕጽርቲ ዝገብሩዋ እዮም። ነዚ ብዘይምስትውዓል ዝግበር ኣሉታዊ ስራሕ ግና ውዒሉ ሓዲሩ ካብ ቍጥዓን ውግዘትን እቶም ጻድቃናት ዝሓልፍ ኣይኮነን። ስለዚ ኸኣ እቲ ዝምልከቶ ኣካል ንዕብየተንን ንክብረተንን ክዓዪይ ይግብኦ እዩ።

No comments:

Post a Comment