Sunday, February 27, 2011

ዓቢይ ጾም

ቀዳማይ ክፋል
መእተዊ 

ሎቱ ስብሐት ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ መጥምቅ ድኅሪ ምጥማቝ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ብምኻድ ፵ መዓልትን ለይትን ጾይሙን ጸልዩን እዩ። (ማቴ ፬፥፩-፪) 

ንወልድ ዋሕድ ክርስቶስ ኣብነት ብምግባር ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ንዝወለደቶም ደቃ ብጾም ምስ ኣምላኾም ክራኸቡን ጸጋ ክረኽቡን ምእንቲ ብኣዋጅ ካብ ዝሓገግትሎም ፯ተ ኣጽዋማት ሓደን እቲ ቀዳማይን ዓቢይ ጾም እዩ። በቲ ንዋሓት መዓልትታት ኣጽዋም ዘይኮነስ ዋንኡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞን፡ ጾይሙ ድማ ዝባረኾን ኣብነት ዝገደፈልናን ጾም ስለዝኾነ ዓቢይ ተባህለ። ዓቢይ ጾም ኣይከም ገሊኦም ኣጽዋማት ዘይውስኽን ዘይንክይን ፶፭ መዓልትታት ዝጽወም ጾም እዩ። እዚ ድማ ናቱ መበገሲ ምኽንያት ዘለዎ እዩ። 

ብፍሉይ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጾም እዚ ንዘለዋ ፰ ሰናብቲ ነናተን ስያመ ብምሃብ ምስቲ ዕለት ብዝሰማማዕ መገዲ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምምራጽ ተንብብን ሰማያዊ ውህብቶ ብዝኾነ ኣዝዩ ጥዑም ያሬዳዊ ዜማ ብሰዓታታን ማኅሌታን ክትጽልይን ስብሐተ እግዚአብሔር ከተብጽሕን ትሓድር።

Saturday, February 26, 2011

ጾም

ቀዳማይ ክፋል
ሰዋስዋዊ ትርጉም ጾም 

ጾም ጸወመ (ጾመ) ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ ቀጥታዊ ትርጉሙ ድማ ተኸልከለ፡ ተዓቀበ፡ ተቘጠበ ዝብል እዩ። ብዘይቤ ክፍታሕ ከሎውን ሰብ ንዝተወሰነ ግዜ ነፍሱ ካብ ምግብን መስተን ምኽልካሉ ምቝጣቡ የመልክት፣ ናብ ሥርዓታዊ ትናታንኡ ክንኣቱ ከሎና ድማ ብሕጊ ብሥርዓት ኣብ ዝተሓገገን ኣብ ዝተሠርዐን እዋን እኽልን ማይን ምግዳፍ ማለት እዩ። ኣብቲ ሕጉግ እዋን ድማ ጥሉላት ካብ ዘሎዎ መባልዕ ፈጺምካ ምርሓቕን ዘይምብላዕን ዘይምስታይን ማለት የመልክት። ኣብ ፍትሓ ነገሥት’ውን “ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በግዜ ዕውቅ፣ በውስተ ሕግ” (ጾምሲ ብሕጊ ኣብ ዝተፍልጠ እዋን ወይውን ግዜ ናይ ሰብ ካብ ምግቢ ምኽልካል እዩ) ይብል። ፍት መን. ኣንቀጽ ፲፭ 


ሃይማኖታዊ ትርጉም ጾም 

ጾም ማለት ሥጋና ካብ ዝደልዮም ነገራት ኵሉ ምኽልካል ኮይኑ ብሓፈሻ ድማ ንሰብነትካ ካብ ዝጸበቐን ዝጠዓመን ነገር ብምሕሳም ንሕግታትን ፈቓዳትን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። (ፍት. መን ኣንቀጽ ፲፭፤ ማቴ ፮፥፲፮) 

ጾም ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ተኸልኪልካ ኃይልን ፍትወትን ሥጋኻ ብምድኻም፤ ፍቓድ ሥጋኻ ንፍቓድ ነፍስኻ ከም እትግዛእ ምግባርን እዩ፤ ከመይሲ ጾም ንሥጋኻ ብምሕሳም ሰማያዊን ዘለኣለማዊን ሕይወት ምዝካር ስለዝኾነ። 

Friday, February 25, 2011

"ንጹም ጾመ"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። አሜን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተኸታተልቲ መርሓ ግብርታት ማዕዶት፦ 
እንቋዕ ብዙኅ መንፈሳዊ ጸጋን ኃይልን ናብ ዝርከበሉ ዘመነ ጾም (ዓቢይ ጾም) ብሰላም ኣብጸሓና። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብዚ ጾም’ዚ ንሃገርናን ቤተ ክርስቲያናን በረኸትን ረድኤትን ዘዝነበሉ፤ ፍቕርን ሰላምን ዝዕድለሉ፤ ኃይልን ጸጋን ዝህበሉ ዘመን ክገብረልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን ኢልና ንምሕጸን። 

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ኣንጠጥዩ ዘሎ ደመና መዓት ክቕንጥጠልና፤ ገበርቲ እከይን ዓለምቲ ውድቀትን ኵሎም ርሒቖም፤ ቤተ ክርስቲያንና ከይተከፋፈለት ብሓደ ልቢ እንመኽረሉን ከም ሓደ ቃል እንዛረበሉን ዘመን ከምጽኣልና፤ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ከርእየና ኣብዚ ናይ ሱባኤ እዋን ሰማዒ ንዝኾነ ኣምላኽና ንለምኖ። 

ምስኡ ድማ ድኻም ሥጋ ከየሰንፈና፡ ዓለምን ኃጢኣትን ከይስዕረና፡ ኑፋቄ መናፍቓን ከይከፋፍለና፡ ተንኮል ዲያብሎስ ከየዕንቅፈና፡ ንሕይወትና ብቅድስናን ንጽሕናን ከንመርሓ ይግባእ። ሕይወት ዝህብ፡ ክርዳድ ዘይብሉ ቃለ እግዚአብሔር እናተመገብና፤ ሕይወትና ብመምህረ ንስሓና እናጓሰናያ፤ ሃይማኖት ኣቦታትና ኣጽኒዕና ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያንና ኣኽቢርና ክንጉዓዝ ጊዚኡ ሕጂ እዩ። ዝደቀስና ንበራበር፤ “ዝሞትና'ውን” ንንቃሕ። 

ፍቓድ እዚ ዓለምን ግብሪ ሰይጣንን ክንስዕር፤ ትእዛዝ ኣምላኽና ኣኽቢርና ክንነብር ድማ ነዚ ሱባኤ ብዝተኻእለና መጠን ከከም ዘሎናዮ ሃገርን ከባብን ከምኡውን ዓይነት ናብራን ሕይወትን ጸኒዕና ክንፍጽሞ መንፈሳዊ ቃልሲ የድልየና እዩ። ብፍላይ ኣብ ዘይጥዕም ስደት ዘሎና ደቂ ተዋሕዶ ንገሌና ብስሩዕ መንፈሳዊ ነገራት ምክያድ ክንደይናይ ከቢድን ፈታኒን ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተኾነ እግዚአብሔር ንዝደልይዎን ዝስዕብዎን ቀረባ ስለዝኾነ ተጊህና ንለምኖ።  ጐይታ ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር ባዕሉ ገይሩ ካብ ዘርኣየናሓደ ጾም እዩ። ብቃል ዘይኮነስ ብግብሪ እዩ ኣዚዙና። ብጾም ድማ ፈተና ዲያብሎስ ከምንስእር ብግብሪ መሃረና።  ቅድሚ ዝኾነ ስራሕውን ክንጸውም ከምዝግባእ ኣብነት ኮይኑና። ጸይምና ምስ ንፍጽም ድማ በረኸትን ረድኤትን ከምዝህበና ኣርኣየና።  ንሱ ዝጾመ ንሕና ክንጸው ም እዩ እሞ ኣቦታትናውን በኸምዚ መገዲ ኣብ መንፈሳዊ ዓወትን ጸጋን ስለዝበጽሑ ንሕናውን ከምቲ ቤተ ክርስቲያን እትእዘዘና ንጹም።

ብዝተረፈ ንሕና ኣኅዋትኩምን ልኡኻትኩምን (ኣገልገልትኹምን) ብውሑድ ዓቕምና ኣብዚ እዋን ሱባኤ ብዛዕባ እዚ ጾም ዝምልከቱን ካልኦት ተዛመድቲ ጽሑፋት ክንፍኑ ንቀራረብ ኣሎና እሞ ምክትታልኩም እናዓደምና ሓሳባትኩም ከኣ ከተካፍሉና ብትሕትና ንሓትት። 

ነዚ ዓውዲ ጦማር ዕላምኡ ተረዲእኹም ብውሱን መጠን ሓሳብኩም ብምሃብ ትሕግዙ ንዘሎኹም እናመስገንና ኵላትኩም ተኸታተልቲ ማዕዶት ክኣ ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክሩና ሓደራ ንብል። 

አምላከ ሕያዋን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኽን ይቐድስን።

Thursday, February 24, 2011

ኪዳነ ምሕረት

ካልኣይ ክፋል

ኪዳነ ምሕረት - ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን 

ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ እግሪ መስቀል ጐይታ ተረኺቡ ንእመ ብርሃን “ነያ እምከ” ተባሂሉ ሕድሪ ካብ ጐይታ ምቕባሉ ናብ ቤቱ ወሲድዋ እዩ። ሓዋርያት’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ኃይልን ጸጋን መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዝለብሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ ብዝኣዘዞም መሠረት ኣብቲ ዝተባህልዎ ጸኒዖም ከለዉ ኣዴናውን ካብኦም ኣይተፈለየትን። ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድኅሪ ምቕባሎም ወንጌል ንምስትማሃር ኣብ ዝወፈሩሉ፡ ንሳ ግና ዕለት ዕለት ኣብ ጎልጎታ መካነ መቃብሩ ብምኻድ ነገረ መስቀሉ ብምዝካር ጸሎት ተብጽሕ ነበረት። ምእንቲ ምሕረት ደቂ ሰባት ከኣ ኣብ ጸሎታ ንወዳ ተዘክር ነበረት። መላእኽትውን ንሲኦል ገነትን ኣርእዮማ ስለዝነበሩ ምእንቲ እቶም ኃጥኣን ኣብዚኃ ትልምን ነበረት። 

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ፲፮ የካቲት መድኃኒትና ክርስቶስ ከምቲ ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱ ዝገለጸ ንኣዴናውን ተገልጸላ። ምግላጽ መድኅን ዓለም ኣዝዩ ዘደንቕ ድማ ነበረ። ከመይሲ ከምቲ ኣብ ግዜ ሞቱን ትንሣኤኡ ዝተራእየ፡ ምድሪ ተናወጸት፤ መቃብራት ተኸፍቱ፤ ኣካውሕ ተጨዱ፤ ፺፱ ግሩማን ነገደ መላእኽቲ ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጐናጺፎም ኣብ የማንን ጸጋምን ጐይታ ደው በሉ። እዚ ብቃላት ንምትንታኑ ዘይከኣል ምግላጽ ጐይታ፡ ኣዴና ምስ ረኣየት ብምግራም ነቲ ድንቂ ሥራሕ ጐይታ ተስተውዕሎ ነበረት። ወላዲተ ኣምላኽ ነቲ ድንቂ ግብሪ ኣምላኽ ኣድኒቓ ትም ትብል ነይራ እምበር ትዛረብ ኣይነበረትን። ንሱ ጌና ኣብ ማኅፀና ከሎ ኣዕይንታ ዝረኣይኦ ድንቂ ስራሕ ኣምላኽ እንተዝግለጽ ነይሩ ክንደይ ዘይተሰምዐ ዕፁብ ነገር ምሰማዕና ነይርና። ዘሎና ሕይወት ከ ክጾሮ ዶ ምኽኣለ፧ ኣዴና ግና ኣደ ኣርምሞ እያ ነይራ። ናይ ምሥጢር መዝገቡ ከም ምዃና ቅዱስ ሉቃስ'ውን መስኪሩላ እዩ። “ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” (ሉቃ ፪፥፶፩) 

Tuesday, February 22, 2011

ኪዳነ ምሕረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ቀዳማይ ክፋል 

“ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩንያነ” (መዝ ፹፰ (፹፱))፥ ፫ (ምስቶም ኅሩያተይ ኪዳን ኣተኹ) 

እግዚአብሔር አምላኽ ነቶም ሰናይ ገድሊ ዝተጋደሉን፡ ጕያኦም ብዝግባእ ፈጺሞም ስሞም ኣብ መጽሓፈ ሕይወት ብዓምደ ወርቂ ንዝተጻሕፉ ቅዱሳን ዘይጠፍእ ስምን ቃል ኪዳንን ይህቦም እዩ። ኣሽንኳይ ዶ ነቶም ብኵሉ ኣካይድኦም ምስ እግዚአብሔር ዝገበሩ ቅዱሳን፡ ፈጣሬ ዓለማት እግዚአብሔር ብሓፈሻ ምስ ፍጥረቱ ዘለዎ ሕያው ርክብ እኳ ካብ ዝግለጸሉ መገዲ እቲ ሓደ ዘይናወጽ ቃል ኪዳኑ እዩ። ንምድሪ ብዘይ መሠረት ንሰማይ ብዘይ ዓንዲ ዘቖመሉን፤ ዝረአን ዘይረአን ፍጥረታቱ ፈጢሩ ዝምግበሉ ሥርዓት ኣቐዲሙ ብዝሃቦን ብዘይልወጥን ቃል ኪዳኑ ጸኒዑ ዝርከብ ምዃኑ ምዝካር የድሊ። ፀሓይሲ ንኃጥኣን ጻድቃን ከይበለ ምብራቑ፡ ዝናብ ከ ንኵሉ ከይፈለየ ምዝናብ ናቱ ናይ ምሕረት ኪዳን እዩ። ካብዚ ብዝተፈለየ ግና ንቅዱሳን ፍሉይን በብዓይነቱ ዝኾነ ቃል ኪዳን ይኣትወሎም እዩ። ቃል ኪዳን ድማ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ብዝያዳ ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎን እዩ።


ቃል ኪዳን ማለት ግና እንታይ ማለት እዩ፧ 

ኪዳን ዝብል ቃል ተካየደ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ ኮይኑ ምምሕሓል፡ ምስምማዕ፡ ውዕል ምእታው ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ቃል ኪዳን ከከም ኣገባቡ ዝተፈላለየ ትርጉም ዘስምዕ እኳ እንተኾነ ሕጂ ንዛረበሉ ዘሎና ቃል ኪዳን ግና ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ንዝእቶ ውዕል ወይውን ስምምዕ ማለትና ምዃኑ ክንጸር ይግባእ። ብካልእ ኣገላልጻ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንፍቁራት ቅዱሳኑ ስለ ብዙኅ ምኽንያት ዝኣትወሎም ቃል ኪዳን ዝምልከት ይኸውን። ደቂ ሰባት በብእዋኑ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም ሕግን ትእዛዝን እናፍረሱን እናጠሓሱን ኣብ ዝርከቡሉ እዚ ዘመን’ዚ፤ ቅዱሳን ግና ብዝተፈለየ ሓንሳብ ካብ እግዚአብሔር ዝወሃቦም ቃል ኣጽኒዖም ስለዝተረኽቡን ስለ ዝርከቡን ብቃሉ ዘለዓለም እሙንን ዘይልወጥን እግዚአብሔር ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰግር ቃል ኪዳን ሂብዎምን ይህቦም’ውን እዩ። ነቲ ዘይገብሮ ዘይዛረብ፡ እተዛረቦ ድማ ዘየትርፍ ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ምስቶም ኅሩያኑ ዝኣተዎ ዘይሃስስ ቃል ኪዳን ድማ ነዚ ምስክር እዩ። 

Saturday, February 12, 2011

“ትግሁ ወቁሙ በሃይማኖት ተዐገሡ ወአጥብዑ ወኵሎ በተፋቅሮ ግበሩ” ፩ይ ቆሮ ፲፮፥፲፫

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

“ትግሁ ወቁሙ በሃይማኖት ተዐገሡ ወአጥብዑ ወኵሎ በተፋቅሮ ግበሩ” ፩ይ ቆሮ ፲፮፥፲፫ 
(ንቕሑ ኣብ ሃይማኖት ጽንዑ በርትዑ ንኵሉ ድማ ብፍቕሪ ግበርዎ) 

እዚ ዓቢይ ምዕዶ ዝሓዘ ቃል ናይቲ ኅሩይ ንዋይ ተባሂሉ ዝተጸወዐን: ብሃይማኖቱ ናይ ዝተጋደለን ብሰማእትነት ጽዋዕ ኣኽሊል ዘልዓለን: ዕንቍ ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ እዩ። እቲ ቃል ድማ ብቀጥታ ነዚ ምኽሪ ንዘድልዮም ሰብዓ ቆሮንቶስ ዝተጻሕፈ እዩ። ሰብዓ ቆሮንቶስ ብዓል መን እዮም፧ 

ታሪኽ 

ቆሮንቶስ ብዙኅ ታሪኽ እተፈጸመላ ኣብ ደቡባዊ ግሪኽ እትደኰነት ጥንታዊትን ዋና ከተማን ዞባ ኣካያይ እይ ነይራ። ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና ድማ ብዘይካ እቲ ንቡር ሕይወት ዝመርሕ ዝነበረ ተራ ሕዝቢ: ብዙኃት ዓበይቲ መኳንንትን መሳፍንትን ዝቕመጥዋ ከተማ እያ ነይራ። ተወላዶ ግሪኽ፥ ሮማውያን፥ ኣይሁድ ድማ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ብብዝኂ ተሃናፊጾም ዝቕመጡላ ከተማ ድማ እያ ነይራ። እዛ ከተማ ብዝገነነ ኣምልኮተ ጣዖትን ጽዩፍ ተግባራት ኣሕዛብን: ብሃብቶም ዝምክሑ ሰባት ብዝገብርዎ ዓቐኑ ዝሓለፈ ናይ ምቾት ናብራ እትልለይ ድማ እያ ነይራ። ስለዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ኣካል ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደቱ ኣብዛ ከተማ ኣትዩ: ጐይታ ካብ ጽንሲ ኣትሒዙ ክሳብ ዕርገቱ ንዝገበሮ ተኣምራት: ዝሰርሖ ትሩፋት: ዝመሃሮ ትምህርቲ ምስ ነገሮም: ብዙኃት ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፤ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ተመልሱ። ኣሚኖም ድም ተጠምቁ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ቀዳማይ ትምህርቱ ኣብዛ ከተማ ምስ ፈጸመ ናብቲ ካልእ ወንጌል ዘይበጽሖም ኣሕዛብ ከስተምህር ካብ ቆሮንቶስ ወጺኡ ናብ ኤፊሶን ከደ። 

Friday, February 11, 2011

ገድለ አቡነ ኣብራንዮስ ተኃቲሙ ይዝርጋሕ ኣሎ።


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

ነዊሕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐን ብዙኅ ድኻም ከምዝፈሰሰሉን ዝንገረሉ ገድሊ ኣቡነ ኣብራንዮስ ብትግርኛን ተተርጒሙ ቅድሚ ቅሩብ እዋን ከምዝተኃትመን ይዝርጋሕ ከምዘሎን ካብ ኣሥመራ ዝበጽሓና ዜና መጻሕፍት የመልክት። 

አቡነ ኣብራንዮስ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ቅዱሳን ሓደ ኮይኖም መሥራቲ ገዳም ደብረ ጥሉል ድማ እዮም። እዚ ገዳም እዚ ብወገን ዞባ ደቡብ ኣብ መንገዲ ኣሥመራ - መንደፈራ: ተራ እምኒ ሓሊፍካ ኣስታት ፭ ኪ.ሜ ምስተጓዓዝካ ካብቲ ቀንዲ ጽርግያ ንጸጋም 2 ኪ.ሜ ምስ ተኣለኻ ዝርከብ ቅዱስ መካን እዩ። ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ መፋርቕ ፲፰ ክፍለ ዘመን: ልዑል ተጋድሎን ምናኔን ካብ ዝወነኑን ኣብ ዓቢይ መንፈሳዊ ብቕዓት በጺሖም ካብ ዝነበሩን ኣቦታት ሓደ ምንባሮም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና የረድእ። 

ኣቡነ ኣብራንዮስ ብ “ኣቦና” ገዳሞምውን ብ “እንዳ ኣቦና” ብዝብል ስም ብዝያዳ ዝፍለጥን ካብ ዝበዝኁ ቅዱሳን ፍልይ ዘብሎ'ውን እግዚአብሔር ኣምላኽ ጌና ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ዝኃረዮምን፤ ኣወላልድኦም ድማ ፍልይ ዝበለ ሃይማኖታዊ ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ እዩ። እዚ'ውን ኣብቲ ንሶም ዝተጸንሱሉ ዘመን ሓድሽ ሃይማኖት ይተኣታቶ ብምንባሩን: ሓገዝ ምዕራባውያን ምእንቲ ክረክብ ክብል በቲ ዘመን ነጊሡ ዝነበረ ንጉሥ ነቲ ሓድሽ ሃይማኖት ንርእሱ ተቐቢሉ ነቲ ሕዝብ'ውን ጥንታዊ ተዋሕዶ ሃይማኖቱ ገዲፉ ናብ ካቶሊክ ክቕይር ብምእዋጁ እቲ ሕዝቢ ሰማዕትነት ዝሓተተ ተቓውሞ ዝገብረሉ ዘመን ነበረ። ኣቦና'ውን ጌና ኣብ ማኅፀን ከለዉ እዚ ነገር’ዚ ከይተለወጠን: ሃይማኖት ከይተመልሰን ኣዋጅ'ውን ከይተቀየረ: ካብ ከርሲ ኣደይ ፈጺመ ኣይወጽእን እየ “ኣይውለድን” ብማለት ፯ ዓመት ዚኣክል ኣብ ከርሢ ኣዲኦም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። 


Thursday, February 10, 2011

ታሪኽ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ

ካልኣይ ክፋል
3.1 ስያመ 

እዚ ገዳም እዚ ምሉእ ስሙ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ጺዳርዋ ተባሂሉ ይፍለጥ። ብልምዲ ግና በቲ እቲ ገዳም ተደኵኑሉ ዘሎ ኣድያማዊ ስም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ስያመ’ውን ካልእ ተመሳሳሊ ስም ብዘለዎም ጻድቕ ኣቦ ካብ ዝተገደመ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ብቀሊሉ ንመፍለዪ የገልግል። 

3.2 መልክዓ ምድሪ (ኣቀማምጣ) 


እዚ ገዳም’ዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ይርከብ። ካብ ኣሥመራ ንዝብገስ ሰብ እዚ ገዳም ዝርከበሉ ቦታ: መጀመርታ ናብ ዞባ ደቡብ ከተማ ድባርዋ ብምቅናዕ ጐላጉል ጽልማ ወዲእካ ብዓዲ ናህባይ ኣቢልካ ቍልቍል ምስ ወረድካ: ዓዲ ፈለስቲ’ውን ንየማን ገዲፍካ ርሑቕ ምስ ከድካ ዝርከብ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም እዚ ካብ ድባርዋ ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ኣስታት ፵ ኪሜ ርሒቑ ይርከብ። ብሓፈሻ ካብ ኣሥመራ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት ፸፭ ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ። ክነግድን ክሳለምን ንዝሓስብ ድማ መዓልታዊ ክሳብ ዓዲ ፈለስቲ ምድብቲ ኣውቶብስ ትርከብ እያ፤ ካብኡ ድማ ብእግሪ ክሳብ እቲ ገዳም ፫-፬ ሰዓት ይወስድ። ብራኸ እዚ ገዳም ኣብ ኣስታት ፩ ሺሕ ፭፻ ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ይርከብ።

መልክዓ ምድሪ እዚ ገዳም እዚ ኣዝዩ ሰሓብን ካብ ማዕዶ ብቀሊሉ ክረአ ብዝኽእል ኣዝዩ በሪኽ ውጡሕ እምባ ዝልለ እዩ። ከምዚ ኣብ መንጎ ብዙኃት ሰንሰለታውያን ታባታት ተጸሪቡ ዝተሳሕለ በሪኽ እምኒ እዩ ድማ ዝመስል። እቲ ቤተ ክርስቲያንውን ኣብ ጸግኢ እዚ ጎቦ እዩ ዝርከብ። ደብረ ጽጌ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ልጉስ ቦታን ኣጻድፍን ዝተደኰነ እዩ። ዝበዝኀ መሬት ገዳም ኣብ ኣኻውሕ ዝዓልብ ዝለዝኾነ ኣብቲ ከባቢ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ክርከብ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ ስግሪ ዶብ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ኣድያቦ ማይ ጨው ከምኡውን ጅማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ: ኣብ ሃገርና ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከባቢ ባድመ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ነይሮም። 

ኣብዚ ከባቢ ገዳም ብብዝኂ እንስሳ ዘገዳም ነብሪ፥ ዝብኢ፥ ዓጋዜን፥ ሰሳሕ፥ ቆቛሕ… ከምዘለዉዎ ደቂ እቲ ከባቢ ዝምስክርዎ እዩ። 

Monday, February 7, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍአን) ገዳሞምን

ቀዳማይ ክፋል
መእተዊ 

ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ዝርከብን ኣብ ኣዝዩ ልጉስ ቦታ ዝተደኰነን ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ፲፫ ክፍለዘመን ዝተገደመ ጥንታዊ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም በቲ ካብ ርሑቕ ዝልለየሉ ጫፍ ጭማራ ዝቕርጹ በሊሕን ጸዳፍን እምባ ዝተማእከለ ኮይኑ እቲ ቤተ ክርስቲያንን ፈዋሲ ማየ ጸሎቱን ድማ ኣብ ውሽጢ በዓቲ እዚ ጎቦ ይርከብ። መሥራቲኡ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ እዮም። ክብረ በዓል ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ባሕቲ የካቲት ብድምቀት ይኽበር።
ኣሕጽር ኣቢልና ታሪኽ ሕይወትን ተጋድሎን ኣቡነ እንድርያስን ገዳሞምን ብዝምልከት ካብ ገድሎምን ካልኦት ጽሑፋትን ዘቀናበርናዮ ንበረኸትን ትምህርትን ክኾነና ኣስዒብና ከነቕርብ ከሎና ጸሎትን በረኸትን ኣቦና ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ክኸውን ብምምኅጻን እዩ።