Sunday, July 31, 2011

አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን 
ክርስትና ናብ ሃገርና 
ሃገርና ኤርትራ ኢየሩሳሌም ንእትርከበሉ ማእከላይ ምብራቕ ኣዝያ ዝቐረበትን፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣፍደገን ማእከልን ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ሥርሓትን ሥልጣነታትን ብምንባራን፡ ካብን ናብን ብዝግበር ዝነበረ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓሳት ሕዝብታት ካብ ኦሪት ኣትሒዙ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ይፍጸመላ ምንባሩ ምዃኑ እሙንን ጭቡጥ መርትዖ ዘለዎን ነገር እዩ። 

እቲ ኣብ ብሉይ ዝተነግረ ትንቢት ብክርስቶስ ክውን ምስ ኮነን፡ ሓዲሽ ኪዳን ብወንጌል ምስተበሰረን ነዚ ነገር ንምስማዑን ንምእማኑ’ውን ዝደንጐየት ኣይኮነትን። ኣብ ከባቢ ፴፬ ዓ.ም. እቲ ብትምህርቲ ፊልጶስ ሓዋርያ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ስሉብ ብዓል ሥልጣን ኸኣ ከም ቀንዲ ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። (ግብ ሓዋ. ፰) ንሱ ኸኣ ንወገናቱ ሓዋርያ ኮይኑ ነቲ ወንጌል ከምዘበሰሮም ዝተኣምነ ነገር እዩ። ካብቶም ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ሃገርናን ከባቢና’ውን ምሂሩ ዝብል ታሪኻዊ ትውፊት’ውን ይጥቐስ እዩ። ምስቲ ዝነበረ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት’ውን ኣብታ ሥልጥንቲ ዝነበረት ወደብ ኣዱሊስ’ውን ስብከታትን ዜናታትን ክርስትና ብቕልጡፍ ይበጽሕ ከምዝነበረን፡ ኣብያተ ጸሎት ኸኣ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ተሠሪቱ ከምዝነበረን ካብኡ ተበጊሱ ድማ ናብቲ ካልእ ክፋል ሕዝብና እቲ ትምህርቲ ይበጽሕ ከምዝነበረ ታሪኻዊን ሥነ ጥንታዊን መረዳእታታት ዝቐርበሉ ሓቂ እዩ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ወደብ ኣዱሊስ ናብ ውሽጢ ምድሪ ዝኣትዉ ጋያሾ’ውን እግረ መገዶም ነቲ ዝረኣይዎን ዝኣመንዎን አብያተ ጸሎት ብምትካል ይገልጽዎ ምንባሮም ይጥቐስ እዩ። ንኣብነት’ውን ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስ’ውን ገና ብንእስነቶም ኣብ ቤተ መንግሥቲ አኵሱም ምስተዓቝቡ ኣብያተ ጸሎት (መጽለሊ) ሠሪሖም ነቶም ኣብቲ ከባቢ ንዝረኸብዎም ቆልዑት ኣኪቦም መዝሙራትን ዜማን ይምህርዎም ከምዝነበሩ ይንገር። 

Tuesday, July 26, 2011

ቅዱስ ዑራኤል መልኣኽ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ብተራዳኢነቱ ዝተፈልጠን ዝኸበረን ቅዱስ ዑራኤል፡ ሎሚ ዓመት መጸ ቤተ ክርስቲያን ብድሙቕ ኣገባብን ብዝግባእ ሥርዓትን ካብ እትኽብረሉን እትዝክረሉን መዓልቲ እቲ ሓደ እዩ፡ ፳፩ ሓምለ። ምኽንያት በዓል ከኣ ብፍላይ እዚ ቅዱስ መልኣኽ’ዚ ንናይ እግዚአብሔር ሰብ ዕዝራ ጽዋዕ እሳት (ልቦና) ዘስተየሉ መዓልቲ ብምዃኑ እዩ። 

ንበረኸት ክኾነና ብዛዕባ ቅዱስ ዑራኤል ቅሩብ ካብቲ ድርሳኑ እናጠቐስና ክንመሃር። በረኸቱን ረድኤቱን ኣብ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። 

ስም መልኣኽ 
ዑራኤል ማለት ‘እግዚአብሔር ብርሃነይ እዩ’ ማለት እዩ። ኣብ ገለ ጽሑፋት ኸኣ ሱርያል ብዝብል ስም ዝፍለጥ መልኣኽ’ውን ባዕሉ ቅዱስ ዑራኤል ምዃኑ ይገልጹ። ሱርያል ማለት ኸኣ ‘ትእዛዝ እግዚአብሔር’ ማለት እዩ። ስም ቅዱስ ዑራኤል ብብዝኂ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከበሉ ስፍራ ኣብ መጽሓፈ ዕዝራ ሱቱኤል ክኸውን ከሎ ቀጺሉ ኸኣ ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ እዩ። እዚ መልኣኽ እዚ መጋቤ ብርሃናት፡ መልአከ ፈውስ (ምሕረት)፡ መልኣከ ሰላም፡ መልአከ ድኅነት፡ መልአከ ሰዳዴ አጋንንት ወቦ ዘተርፈ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ። 

Monday, July 25, 2011

ገዳም ደብረ ሳላ

መእተዊ 
ሎሚ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ካብቶም ህልዋን ዘይኮነስ ጠፊኦም ካብ ዝበሃሉ ገዳማት ንሓደ፡ ንገድለ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል መሠረት ብምግባር ክንርኢ ኢና። ሓደ ካብቶም ዕላማታት ጦማርና ማዕዶት ድማ ነኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰፈርን መካንን ቅዱሳን ኣቦታትና ንዝነበሩ እሞ እዚ ወለዶ እዚ ፈጺሙ ንዘይፈልጦም ምልላይን ኣብኦም ዘሎና ባህጊ ትንሣኤ ምግላጽን እዩ። 

ምስቲ ኵሉ ዘሎና ሕጽረታት (መወከሲን ተሓታትን ብቀሊሉ ዘይምርካብ፡ ካብ ዓዲ ምርሓቕ ወዘተ) እቲ ካብ እንፈልጦን እንረኽቦን መወከሲ ኣዳሊና ንገሊኡ ናባኹም ከነብሎ ከሎና፡ ብዘይካ በረኸት ኣቦታት ምቝዳስና ካልኦት ብዝያዳ ዝፈልጡ ዓቕሞም ከበርክቱ ንምትብባዕን፡ ብሓባር ኮይንና ነዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ወለዶ ብዝበለጸ ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታቱ ፈሊጡ ክዓይይ ንምግባር ምዃኑ ከምእትርድእዎ ተስፋና ልዑል እዩ። 

Saturday, July 23, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ካልኣይ ክፋል)
፭.፪ ኣብ ሥነ ጽሑፍ 
ሓዋርያት ትምህርትን ትእዛዝን ተቐቢሎም ስብከተ ወንጌል ካብ ዘስፍሑሉ ሓደ ጽሑፋዊ መልእኽትን መጻሕፍቲ ምጽሓፍን እዩ ነይሩ። በዚ መሠረት ኸኣ እቲ ብቃል ዝተነግረ ብጽሑፍ ስለዝተመሓላለፈ ዘመናት ሰጊሩ ንወለዶታት ክሳብ ፍጻሜ ዓለም ክምህርን ክግስጽን፡ ከለብምን መምርሒ ኮይኑ ከገልግልን ይርከብ ኣሎ። እቲ ቃለ እግዚአብሔር ብጽሑፍ እንተዘይበጽሓና ነይሩ እንታይ ምኾንና ነይርና? እግዚአብሔር ይፈልጥ። 

Sunday, July 17, 2011

ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ሰይፈሚካኤልን ገዳሞም ጻዕዳ እምባ ሥላሴን

(ካልኣይ ክፋል)
3. ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ሰይፈ ሚካኤል 
3.1 ትውልዲ 
ኣቦና ሰይፈ ሚካኤል መሠረተ ትውልዶም ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ዝርከብ ዓንሰባ ደርሰነይ (ዘርእሰናይ) ዝተባህለ ዓዲ ኮይኑ ካብ ኣቦኦም ዓምደሚካኤል ኣዴኦም ኂሩተማርያም ብ፲፭፻፺፯ ዓ.ም. (፲፮፻፳፮ ዓ.ም. ዝብሉ’ውን ኣለዉ) ተወልዱ። ካብ ምቁር ወይኒ ጥዑም ወይኒ ይርከብ ከም ዝበሃል ወለዲ እዞም ጻድቕ ድማ ሕያዎት ንእግዚአብሔር ዝፈርሁ ጾምን ጸሎትን ዘዝውትሩ ዝነበሩ እዮም። ብዙኅ ጊዜ ቅዱሳን ካብቶም ዝተቐደሰ ስድራ ከምዝርከቡ ዝተረጋገጸ ነገር እዩ። 

Saturday, July 16, 2011

ታሪኽን ገድልን ኣቡነ ኪሮስ ብሓጺሩ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን 

“ሥርናይ ክሠምረልካ፡ ክርዳድ ከምሓወልካ እዩ” 

አቡነ ኪሮስ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ” (መዘከርታጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር) ዝበሎ፡ መዘከርታ አቡነ ኪሮስ ድማ ንዘለዓለም እናበርሀ ዚነብር እዩ። 

አቡነ ኪሮስ ወዲ ሓደ ንጉሥ ዮናኒ ግብጻዊ እዮም። ኣቦኦም ኣብያ ኣዲኦም ከኣ ኔናስራ ይበሃሉ። ወለዶም 40 ዓመት መኺኖም ምስ ነበሩ ኔናስራ መንታ ኣወዳት ወለደት። ነቲ ዓቢይ ቴዎድስዮስ ነቲ ንእሽቶ ድማ ዲላሶር ኢላ ሰመየቶም። ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ኸኣ ኣዕበይዎም። 

Friday, July 15, 2011

ሐይመተ አብርሃም

ዓመት መጸ ይኹን ወርሒ መጸ ከምኡውን ሰሙናዊ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝበዓሉ ናይ ፈጣሪ ይኹን ናይ ቅዱሳን በዓላት ኣለዉ። በዓል ምኽባር ኸኣ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተሠርዐን ዝተኣዘዘን ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ኣስፊሑ ዘረድኣና እዩ። 

ካብቶም ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ክቡራት በዓላት፡ እቶም ክልተ ኸኣ ዓለም ፈጢሩ ንዝገዝእ ንቅድስት ሥላሴ ዝተወፈዩ ዓበይቲ በዓላት እዮም። ክልቲኦም በዓላት ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ፡ ኣብቲ ዘመነ ኵነኔ ተኣምራት ንዝፈጸምዎ ዘዘኻኽሩ ኸኣ እዮም። ምኽንያት በዓል ኸኣ እቲ ቀዳማይ ፯ ጥሪ ንጥቅመ ሰናዖር ‘ንዑ ንረድ” ኢሎም ዘፍረሱሉ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኸኣ ኣብ ዳስ እቲ ፈታዊኦም ጻድቕ ኣብርሃም ዝተኣንገዱሉን ኣብ ዘመን እርጋኑ ውላድ ከምዝረክብ ብስራት ዝነገሩሉን ፯ ሓምለ እዩ። 

ብኵሉ ንዕለታት ፈሊና ብስም ቅዱሳን እነኽብሮም በዓላት ዘይሮም ዘይሮም ግብሪ ሥላሴ ዝገልጹን፤ ሥላሴ ኣብ ቅዱሳን ኃዲሮም ንዝፈጸምዎ ዕፁብ ነገርን ዝኣተዉዎ ቃል ኪዳንን ዘዘኻኽሩ ስለዝኾነ፡ ሥላሴ ዝዝከሩሉ በዓላት እዚኣቶም ክልተ ጥራይ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብቀጥታ ካብ ኵለን መዓልትታት፡ ንሥላሴ ዝተወፈዩ መዓልትታት ፈልያ እተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ዕለታት ብዝግባእ ክዝከራን ብዝደመቐ ክኸበራን ክንመሃረለን ኸኣ ሠሪዓትልና ትርከብ። ነቲ ዕለት ብዝሰማማዕ ንባባትን መዛሙርን ተኽብሮን ተሰንዮን ኸኣ እያ። 

Thursday, July 14, 2011

ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ


አመ ሐምሱ ለሐምሌ ኮነ በዓለ ዕረፍቶሙ ለጴጥሮስ ወለጳውሎስ ሐዋርያት ብርሃናተ ዓለም ጸሎቶሙ ወሀብተ ረድኤቶሙ የሀሉ ምስለ ኵልነ ሰማዕያን ወአንባብያን አሜን። 

፭ ሓምለ፡ ብርሃናተ ዓለም - ኣዕማድ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዩ ክልተ ሓዋርያት ማለት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ብኢድ እቲ ጨካን ኣረማዊ ኔሮን ብሞት ዝተራኸቡላን፤ ካብቲ ድኻምን ጻዕርን ዝበዝኆ ዓለም ናብታ ዝናፍቕዋን ዝተጋደሉላን፡ ዘለዓለማዊት ርስቶም ዝተሰጋገሩላን ሰማያዊ ኣኽሊል ዝጨበጡላን ዕለት እያ። 

ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵላትና ይኹን። 

Wednesday, July 13, 2011

ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ሰይፈሚካኤልን ገዳሞም ጻዕዳ እምባ ሥላሴን

(ቀዳማይ ክፋል)
መእተዊ  

ሃገርና ኤርትራ ጥንታዊነታን ሃብታም ታሪኻን ካብ ዝገልጹ መልክዓ ምድራዊ ይኹን ታሪኻዊ ሰነዳት፡ ገዳማትና ነቲ ቀዳማይ ቦታ ይሕዝዎ። ገዳማት ኤርትራ ኣብ ከርሰን ሓቚፈንኦ ዘለዋ ዕቝር ሃብቲ ገና ዘይተዳህሰሰን ብዝግባእ ዘይተጸንዐን ይኹን እምበር በቲ ብርኡይን ብሓፈሻዊ ገምጋማትን ውሑዳት መጽናዕትን ጥራይ ክሳብ ክንደይ እግዚአብሔር ዝባረኻ ምድሪ ምዃና ዝምስክር እዩ። ዝኾነ ሃገር ናተይ ዝብሎን ዝዛረበሉን ታሪኽ ከም ዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ዘሎ ታሪኽ ተጸላላውን ዝተኣሳሰርን እኳ እንተኾነ ታሪኽ ምድርና ግና ንዓና ዝኸውን ናትና እንብሎን ምስ ካልኦት ኣዛሚድና ይኹን ርእሱ ክኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ፍሉይነት ዘለዎ እዩ። ገሊኦም ተመራመርቲ ኤርትራ ምድራን ከርሳን ብዝረአን ብዘይረአን (ዝተቐብረ) መዛግብትን ሰነዳትን እተምልአት ዓባይ ቤተ መዘክር እያ ክሳብ ምባል ዘብጽሖም ኣብ ጥንታውነታ ቍሩብ ተገዲሶም ንምፍታሽ ኣብ ዝተበገሱሉ ብውሑጅ ድንቂ ታሪኻት ከዕለቕሉቑ ምስ ጀመሩ እዩ። 

Tuesday, July 12, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ቀዳማይ ክፋል)

፩. ትውልዲ 

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ ካብ ኣቦኦም ዑቁባጊዮርጊስ ወልደኢየሱስን ኣዴኦም ወ/ሮ ወለተትንሣኤ ኃይለሚካኤል ኣብ ዞባ ማእከል ሎጎ ጭዋ ኣብ ዓዶም ክትሞውሊዕ ባሕቲ (፩) መስከረም ፲፱፻፯ ዓ.ም. (1914) እዮም ተወሊዶም። 

፪. ኣተዓባብያን ዝቐስምዎ ትምህርትን 

ከም ዝኾነ ሕጻን፡ ከም ኣተዓባብያ ዓዲ ድኅሪ ምዕባዮም ኸኣ ኣብ ፲፪ተ ዓመት ዕድሚኦም የኔታ ዕቁበ እንድርያስ ዓስቡ ዘእምባ ደርሆ ኣብ እምኒ ጸሊም ሓዲሮም ስለዝነበሩ፤ ካብኦም ካብ ፊደል ክሳብ ንባብን ቃል ትምህርትን ቁም ጽሕፈትን ተማህሩ። ወለዶም ድማ ውላዶም ክመሃረሎም ባህጊ ስለዝነበሮም ብኵሉ ዘድልዮም ዘበለ ይሕግዝዎምን የተባብዕዎምን ነይሮም። ድኅሪኡ ናብ ዝሰፈሐን ዝዓመቖን ትምህርቲ ንምእታውን፡ ኣብ ባሕሪ ፍልጠት ንምሕንባስን ናብ ኢትዮጵያ ሰገሩ። 

ትግራይ (ኢትዮጵያ) ኣውራጃ እንድርታ ፍሉይ ስሙ ደብረ ኃይል(ላ) ዝተባህለ ገዳም ከይዶም ካብቶም ውሩይ መምህር ገብረ ሕይወት (ጎሞሎ) ናይ ቅኔ ትምህርትን ኣገባቡን ብዝግባእ ተማሂሮም ብመምህርነት ተመረቑ። ኣብ ዓሚቝ ትምህርቲ ቅኔ ዝነበሮም ኣፍልጦን ርቀትን ኸኣ ኣዝዩ ልዑል ምንባሩ ይጥቐስ፤ እዚ ሃብታም ፍልጠትን ኣብቲ ትምህርቲ ዝነበሮም ተገዳስነትን ኸኣ ነቲ ዝሰዓበ ከቢድ ትምህርቲ ብዝግባእ ንኽቐስምዎ ሓጊዝዎም እዩ። እዚ ረቂቕ ናይ ቅኔ ፍልጠት ኸኣ ድኂሩ ኣብ ሥነ ጽሑፍ ንዝነበሮም ኣበርክቶ መሠረት ከምዝኾኖም ብቐረባ ዝፈልጥዎም ይዛረቡ። ኣቦና በዚ ደው ከይበሉ ኸኣ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ደብሪ ካብ መምህር ፈለቀ ኣቋቋም ተማህሩ። ካብዚ ብምቕጻል ናብ ጐንደር፡ ኣውራጃ ደብረ ታቦርን ከባቢኡን ከይዶም ኣቋቋምን ይትበሃሉን ምስ ኣወራርዳ ጸናጽልን ብዝግባእ ኣጠናቐቑ። 

Thursday, July 7, 2011

ትምህርቲ ‘ጥንተ አብሶ’ን ጐስጐስቱን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና

(ካልኣይ ክፋል)
ሓንቲ ካብ ብዙኅ ክውል ሓሳባቶም 
እዞም ጕጅለታት ድኅሪ ካብ ቤተ ክርስቲያን ምውጽኦም (ኣብ ውሽጢ ሃገር) ‘ድኅረይ ሳዕሪ ኣይብቖል’ ዝዓይነቱ፡ ንሳቶም ናብቲ ንዓመታት ሰባት ከጋግይሉ ዝጸንሑ መድረኻት ዳግማይ ዝምለሱሉ ዘመንን ባይታን ክሳብ ዝፍጠረሎም፡ ንዕቤት ዉልዶን ዳግማይ ዝተስተኻኸለን ትምህርቲ ሰንበት ዝኾልፉን ዘዳኽሙን ዓበይትን ንኣሽቱን መደባት ሓንጺጾም ብወከልቶም ኣቢሎም ይሰርሕሉ ከምዝነበሩን ከምዘለዉን ዘለዉና ሓበሬታታት የመልክቱ እዮም። እዚ ኸኣ እቲ ዕላማታቶምን ኣካይድኦምን ዘይተቐበለን፡ ኣንጻሮም ዝቖመ ምዃኑ ዝኣምኑሉን ንመንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክጥርንፍ ዝቖመ ኣካል (ትምህርቲ ሰንበት) እንተተኻኢሉ ናብቲ ናቶም ዕላማታት በብቝሩብ ዝኣትወሉ ወይውን ናይ ሓሶት ጠቐነን ምድንጋርን ብምፍጣር ዝዕጸወሉ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ዕብየቱ ተቘጽዩ ዝዳኸመሉን ዝከፋፈለሉን ሓሳባት ንዝሓለፉ ፲ ዓመታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ነዚኦም ዕላማታትን ኣካይድኦምን ዝምልከት ድማ እግዚአብሔር ብዝፈቐዶ መለበሚን መንቕሕን ክኸውን ምእንቲ ድማ በብቝሩብ ኣብ ጊዜኡ ከነቃልሖ ኢና። 

ሓደ ካብቲ ከም መዳኸሚ ኣገባብ ከተኣታትዉዎ መዲቦም ይሰርሕሉ ካብ ዘለዉ ድማ ግብራዊ ዕላማ ትምህርቲ ሰንበት ኣንፈቱ ከምዝስሕት ምግባር እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ትምህርተ ሃይማኖት ይኹን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ካልእን ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ውሽጣዊ ‘ክትዕ’ የልዕሉ እዮም ወይውን ‘ይኸፋፍሉ’ ንዝብልዎም ትምህርትታት ይነዝሑ፤ ተምሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ክንዲ ናብ ሊቃውንት ከይዶም ዝሓተቱን ዝምልሱሎም ድማ ዘጽንዑን፡ ውሳኔ ክህቡሉ ደረጅኦም ኣብ ዘየፍቕደሉ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ብክትዕ ከምዝጽመዱ ብምግባር ካብ ቀንዲ መስመሮም ምዝንባል እዩ። ኣብ ሞንጎ ሊቃውንቲ ፍልልይ ከምዘሎ ንምምሳል ድማ ሓደ ካብ ካልእ ‘ፀጉሪ ንምስንጣቕ’ን ፍልልያት ንምፍጣር ምጽዓር እዩ። እቲ ተምሃራይ ትምህርቲ ሰንበት ድማ ናይቲ ሓደ ዝቕበል ነቲ ኻልእ ዝነጽግ ገይሩ ኣብ ሊቃውንትና ዘሎ ኣረኣእያ ከምዝሃስስን፡ ኣብ ውልቃዊ ርድኢቱ ከምዝምርኮስን፤ ናይ ካልኦት ትምህርትን ጊዜ ዘምጽኦ ምርምርን ከምዝኣምን ንምግባር መሠረት ምንጻፍ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ ድማ ካብ ኣትላንታ ንዝዝርግሑ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንዝተዳለዉ ትምህርታትት ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ብዝወደብዎም ኣባላት ኣቢሎም ይዝርግሑ። 

Wednesday, July 6, 2011

መጽሓፍ “አንጋረ ፈላስፋ” ተኃቲሙ ንኣንበብቲ ይዝርጋሕ።


ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ብዝነበሩ ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ ተሰናድዩ ልክዕ ቅድሚ ፶ ዓመት (፲፱፻፶፫ ዓ.ም.) ብቋንቋ ኣምሓርኛ ተኃቲሙ ዝነበረ “አንጋረ ፈላስፋ” ዳግማይ ናብ ትግርኛ ተተርጒሙን ተኃቲሙን ቅድሚ ቅሩብ እዋን ይዝርጋሕ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ ኣሎ። 

እዚ መጽሓፍ’ዚ እዞም ሊቅ ኣዳልዮም ካብ ዘኅተምዎም ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ሓደ ኮይኑ፡ ሕመረቱን ዕላምኡን ኸኣ ብፍልስፍናዊ (ጥበባዊን ማዕዳዊን) ኣዘራርባ መንፈሳዊ ምኽሪን መምርሕን ከምኡውን ሥጋዊ ጥበብ ንኵሉ ወዲ ሰብ ምልጋስ እዩ። ሎሚ ተበጺሑ ንዘሎ ምዕባለ ዓለም መሠረቱ እቶም ዝቐደሙ ሰብ ጥበብ ምዃኖም ኣነጺሩ ዘርእይ መጽሓፍ ከኣ እዩ። ስለዚ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ኩነተ ኣቓውማን ባህርያትን ረቐቕትን ግዙፋንን ሥነ ፍጥረታት ብመልእኽታዊ መገዱ ተተንቲኖም ኣለዉ። 

እዚ መጽሓኣፍ እዚ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ በብዘመኖም ናይ ዝተላዕሉ ናይ ግሪኽን ናይ ካልኦት ሃገራት ቀዳሞት ፈላስፋታትን ከምኡውን ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዝተላዕሉ ፈላስፋታትን መንፈሳውያን ሊቃውንት ካብ ዝተዛረብዎ ምሩጽ ዝኾነ ቃላት ተዋጺኡ፡ ብትግሃት ቀዳሞት ሊቃውንቲ ካብ ጽርዕን ካብ ዓረብኛን ናብ ግእዝ ዝተተርጐመን ብብራናዊ ጽሑፍ ኣብ ውሱናት ገዳማት ጥራይ ተዓቂቡ ዝጸንሐ እዩ ነይሩ። እዚ ጠቓሚ ዝኾነ መጽሓፍ እዚ ምንም እኳ ብናይ ኣድባራትን ገዳማትን ጸዓት ተዓቝሩ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እናተመኃለፈ ክሳዕ ጊዜና ክጸንሕ እንተኸኣለ ጊዜኡ ብዝፈጠሮ ናይ ጥበብ ስጒምቲ ብኃታሚት ማኪና ብዘይ ምርባሑን ብዘይ ምትርጓሙን ጠቕሙ ንውሑዳት ሊቃውንት ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ ነበረ። 

Saturday, July 2, 2011

በዓተ ክረምት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ንፍጥረቱ ይፍለጥ!
ፈጣሬ ፍጥረታት፡ ገዛኤ ዓለማት እግዚአብሔር ካብቲ ዝፍለጠሉ መገዲ ሓደ እቶም ብኪነ ጥበቡ ዝፈጠሮ ድንቂ ፍጥረትን ዝናበረሉ ሥርዓትን እዩ። ነዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ እቲ ዘይረአ እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ንፍጥረቱ ይፍለጥ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ ፩፥፳)። ምንም’ኳ እግዚአብሔር ባህርዩ፡ ብባህርይኡ ሠዊሩ እንተዘይተራእየን እንተዘይተፈልጠን፤ ሠራዒን መጋቢን ምዃኑስ ብሥነ ፍጥረት ይፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ኸኣ እምኀበ አልቦ ኀበ ቦ (ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው) ኣምጺኡ ንወዲ ሰብ ካብ ፬ተ ባህርያተ ሥጋ ፈጢሩ ነፍስ ኣወሃሂዱ፤ ንብርሃን ኣመላሊሱ ንዝናም ኣፍሲሱ፡ መዓልትን ለይትን፡ ሓጋይን ክረምትን ኣፈራሪቑ ን፬ተ ባህርያት ሰብ ብምምጋብ ጽቡቕ ሥራሕ ብምሥራሕ ርእሱ ብዘይ ምስክር ስለ ዘይኃደገ እዩ። ነታ ፭ቲ ባህርየ ነፍስውን እትምገቦ ቃለ እግዚአብሔር መደበላ። ነቲ ምድራዊ ግብሪ እግዚአብሔር እናስተንከርና ሓሳብና ጥራይ ኣብ ምድሪ ክተርፍ ዘይኮነሲ፡ ሰማያዊን መንፈሳዊን ነገር ድማ ክንምገብን ዘለዓለማዊ ርስቲ ክንወርስን እዩ ብኣምሳሉን ኣርኣይኡን ዝፈጠረና። ስለዚ እዩ ድማ ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ሞንጎና ተረኺቡ ሰማያዊ ምሥጢርን መግቦቱን ዘግሃደልናን ከምኡውን ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፤ ብቃለ እግዚአብሔር እምበር’ ዝበለናን። (ዮሐ ፩፥፲፰ ማቴ ፬፥፭)

Friday, July 1, 2011

ጸዓተ ጽድያ

እዘን ዝሓለፈ ሠለስተ ኣዋርሕ (ሚያዚያ - ሰነ) መጸውዒአን ‘ጽድያ’ ወይውን ‘ጸደይ’ ክፍለ ዓመት (ወቕታትት) ኮይኑ ኣብ ሕብረተሰብና ናቱ ዝኾነ ባህላዊ መግለጽታትትን ማኅበራዊ ምንቅስቓሳትን ኣለዎ። 

ጽድያ ኣባጽሕ ዝምርዓዉሉ፤ ቅድሚኡ ዝተመርዓዉ ኸኣ ኣብ ዓዲ እንዳሕማኦም ዝቅንይሉ (እትዋት)፤ ምስ ደቂ ዓዲ በበይንኑ ጸወታታት ዝወዳደሩሉ፤ ዓበይቲ ኣብ ትዝሕቶ መሬት ብዘተ ዝነባበርሉን ምድላዋት ዝገብሩሉን፤ ኣኸዛ (ኣዝመራ) ምስ ፈሰሰ፡ ኣየት (ተወን) ምስ ለገሰ ኸኣ፤ እንስሳታት ካብ ዝጠጠዐ ሳዕሪ ዝጨብጨበ ቈጽሊ ዓጊበን ሓሬት ጸጊበን ዝሓድራሉ፤ ጸባ ጸገብ ኣብታይ መሓስእን ዕያውትን ዝዕንድራሉ ወርሓተ ፍስሓ እዩ። 

ሓረስታይ መሳርዑ ኣዋዲዱ ኣብዑሩ ጸሚዱ ኣብ ጽድያ ዝዝርኡ ዘራእቲ ዘፍስሰሉን ንክራማት ዝዝራእ መሬት ዘላሳልሰሉን ወቕቲ ብምዃኑ ድማ “እዋን ትኸል ንቐል” ይበሃል። ‘ንቐል’ ዝብል ቃል ኣብ መስርሕ ሕርሻ ክዝረብ ከሎ መሬት ንምልስላስ ቃዲሩ ንዝጸንሐ ወይ ቀሪሙ ንዝተወደአ ግራት ምንቃል ማለት ነቕሊ ምሕራስ ማለት እዩ። (ሰነ ዝሕረስ ባይታ ኣታ ዝበሃል ጐይታ ይሃበና)