Friday, October 21, 2011

ኡ…ይ ነፍሲ ጠፍአት ስንቅኹም ቋጽሩ፡ ፈቓድ ሥጋኹም ጥራይ ኣይትግበሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ...
ኣንቱም እተንብቡ ኵልኹም ኣኅዋትና
ክንህበኩም ደሞ ምኽሪ ትሰምዑና
እስኪ ስንቂ ንቍጸረላ ንነፍስና
ከይጻወተላ ‘ቲሰይጣን ጸላኢና
ጽግዕ እናበለ ምስ ገዛእ ሥጋና
ምስ ደመ ነፍስ’ውን እታ ሃዋኺትና
ክንበልዕ ክንሰቲ ጥራይ እተገድደና
ኣፍርስዎ እናበለት ንሕጊ ንቐኖና
ዘይክንጸድቕ ኢና ጽባሕ ተነሢሕና
መንደ’ሎ እዩ ርእዩ ዝመጸና
ክሉ ግዳ ንብላዕ ንስተ ጊዜ ከይኃልፈና
እዚ ዅሉ ንመን ተፈጢሩ ዘይንዓና
እምበኣር እዝስ ከንቱ እዩ ሥራሕ ዕብድና
ተሎ ቢልና ንርድኣያ ንነፍስና
ብገዛእ ነፍስናስ ኣምሲልናያ ጓና
ፈቓድ ሥጋ ምምላእ እንታይ ይዓብሰልና
ረሲዓቶ እያ ዘላ ረኺባ ጥዕና
ኣዋህሊሉ ምስ ዝኅዛ ግና
ድኅሪ ብዙኅ ጊዜ ምፍራሳ ቀኖና
ብጻዕረ ሞት ምስ እትፍለ ካብ ሥጋና
ብየማን ጸጋም ምስ ከበብዋ ሠራዊተ-ሳጥና
ኣጋንንቲ ናይ ዲያብሎስ ዱጓና
ትፈልጠሎም ዘይብላ ጥራይ ጋውና
ምስቲ ክፉእ መልክዖም ምስቲ ክፉእ ጨና
ሽዑ ይርዳእ ‘ቲናይ ቀደም ዕብዳና
ፍጹም ብኽያት ይኸውን ዛሕዛሕ ይብል ዓይና
ጥቕሚ ዘይብሉ ብኽያት ጸላኢና
ሽዑ እዩ ዚዝከር ቃል ካህናትና
እኒ ድንጋጽ ኣልቦ ምስ ኃዙና
ኣብዚ ዓለም ምኽሮም ዝኣበና
ኣብ ሰማይ ዝጸንሑ ከም ደመና
በጃኻትኩም ‘ባ ነዳሉ ሰስንቅና
ኣንቱም ኣኅዋትና ተሰምዑ’ዶ ኣሎኹም
ቶሎ ተላለዩ ምስ ፈጣሪኹም
ብሕይወት ከሎኹም ቋጽሩ ስንቅኹም
ብኸንቱ ኣይተኅልፉ ዘይምለስ ዕድሜኹም
ዓዲ ሕፀ እዩ እዚ ዘሎ ምሳኹም
ዝቕመጦ የልቦን ብድኅሬኹም
ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ እቲ ቀንዲ ዓድኹም
ኣምላኽ ዘዳለዎ ምእንታኹም (ማቴ ፳፭)
ኣብኡ ንምእታው የብቅዓና የብቅዕኹም
አሜን ወአሜን በሉ ብኵልኹም።
ኣንቲ ነፍሲ ለብሚ ኣእምሮ ግበሪ
ብናይ ሥጋ ተግባር ጥራይ ኣይትጠበሪ
ባኖታት ገይረ ቢልኪ ኣይትጀሃሪ
ብኪዳንኪ ግዳ ጽንዒ ዝሙት ኣይተፍቅሪ
በርገደሊ ኣለዉ ኣጋፈርቲ በሪ
ምስ ዚኹሪ ዚልእኮም ፈጣሪ
ብሓንሳእ ዜዕርብዋ ንምድሪ
ኣብ ልዕሊ ቀዳሞት ዝተገብረ መርምሪ
እንሆ ብዛዕባኣቶም ነቢይ ምስካሪ (ኢሳ ፴፯)
ምሕረት የብሎምን ብቓል ኮነ ብግብሪ
ኣዒንቶም ዚመስል ሓቂ ጓህሪ
ጭካኔ እዩ ናታቶም መሣረሪ
ዕረፍቲ የብሎምን ንኽፍኣት ግብሪ
ርኅሩኅ የብሎምን ወይከዓ መሓሪ
ነፍሲ የጨንቑ ኣብቲ ጸቢብ በሪ
ነፍሲ ግደፊ ንዒ ተማኸሪ
ሓለቓ ምግባራት ኃዚ ፍቕሪ
ንሱ እዩ ናይ ጽድቂ መሣረሪ
ንሱ እዩ ናይ ሰማይ ኣጋፋሪ
ናይ ምግባራት ኵሎም ተሓዚ ጠማሪ
፲ ናይ ኦሪት ፮ ናይ ወንጌል’ዮም ትእዛዛት ፈጣሪ
እሞ ኵሎም ፈጺምኪ ፍቕሪ ምስ ዚቐሪ
ብቱን ማእዶ እዩ ዘይብሉ መእሠሪ
ፍቕሪ ድኣ ኃዚ ፍቕሪ እዩ ጠማሪ
ፍቕሪ እንድኅሪ ተታኂዙ መን ከይቐሪ
                                                                                ይቕጽል...

Sunday, October 16, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ራብዓይን መወዳእታን ክፋል)
ምዕቃብ ባህሊን ፊደላትን 
ኣቦና ኣብ ዝበዝኁ ጽሑፋቶም ብመልእኽቶም ይኹን ብትሕዝቶኦም ግእዛዊ መሠረት ዘለዎ ባህሊ ጽሑፍን ጥንታዊ ፊደልን ይትበሃሉን ተዓቂቡ ክኸይድ ዝምዕዱን ንኸምኡ ድማ ዝጸዓቱን እዮም። 

እቲ ቅዱስ እንብሎ ባህልና ጥንቱ መሠረቱ ቅዱስ መጽሓፍ ስለዝኾነ፤ ምስ ኵሉ ጨናፍሩን ይትበሃሉን ማለት ቋንቋኡ ፊደላቱ ክዕቀብን ከይብረዘን ዝጸዓሩ ኣቦ እዮም። ባህልኻ ምብራዝ መንነትካ ኣጥፊኡ ግዙእን ባርያን ባዕድ ክገብረካ ስለዝኽእልን፡ ናተይ እትብሎ ነገር ከምትስእንን፡ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ከይትኸይድ ዝገብር ብምዃኑ እግዚአብሔር ዝዓደለናን ኣቦታትና ዘጽንሑልና ሃብታም ታሪኽ ስለዘሎና ካብ ፊደላትና ጀሚርና ብዝግባእ ባህልና ክንዕቅብ ከምዘሎና እዮም ዝመኽሩን ብጽሑፋቶም’ውን ዘለብሙ ነይሮም። 

Wednesday, October 12, 2011

ኡ…ይ ነፍሲ ጠፍአት ስንቅኹም ቋጽሩ፡ ፈቓድ ሥጋኹም ጥራይ ኣይትግበሩ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 
እስኪ ግጥሚ ክንገብረሉ ንኣቶ ከብዲ
ኣንታ መብረስ እኽሊ ርኂብ ዓዲ
ሙጥካ ጠጥዕሙ ተናዲ
ምእንታኻ ይሕረሱ ክንደይ ጽምዲ
ምእንታኻ ይምልስ (ይነግድ) ነጋዲ
ብሰንክኻ ይፍለ ውሉድ ካብ ወላዲ
ድኻ’ውን ይዘውር ዓውድ ዓውዲ
ከምኡ’ውን ይኣውድ ዓዲ ንዓዲ
ግዲ ከይገበረ ናይ ዝርማ ቁሪ ናይ ነጐዲ
ምንም’ኳ እንተ ዓበየ ብትውልዲ
ካብ መኳንንቲ ካብ ዓበይቲ ዓዲ
ዘይስእኑ ዝነበሩ ብግዳም ብዓዲ
መን ዘይልምን ምስ ኣዘዝካ ከብዲ
ብሰርኻ ዓድታት ይባዲ
ፈንጠር እንተ በሉ ዘይትገብር ግዲ
ኣንታ ገፈጥ ኣንታ መዕበድበዲ
ዝነገደ ዝሓረሰስ በለ ድኣ ንኸብዲ
ዝፈገረ ዝኸተረስ በለ ድኣ ንኸብዲ
ኣንታ ንጉሥ ኣካላት ኢኻ ግዲ
እዚ ናይ ኣዳም ትውልዲ
ንዓኻ ኪመልእረሲዕዋ ሰማያዊት ዓዲ
ሕጊ እናጠዓሰ ብዘይ ቀይዲ
ሃባ! እናበልካዮ ከይወረደ ካብ ንእዲ
ንነፍስ’ውን ሕራይ ኣበልካያ ብግዲ
ሃወኽካያ ብግዳም ብዓዲ
ስማዕ’ሞ ኣንታ ዓሻ ከብዲ
ይመስለካ’ዶ ዘይትመውት ብግዲ
ኣሎካ’እምበር መቃብር ዘይሰዳዲ
ማኅቡስ’ምበር ኣሎ ዘይብሉ ኣባዲ
ኣንታ ዘይተመስግን ግናይ ከብዲ
ንኵሉ ዝእክብ ጐድፍ ዓዲ
ስሌኻ ዝጠፍአ ክንደይ ሶልዲ
ሎሚ ሂብካዮ ጽባሕ ዜናዲ
ንግሆ ጸጊቡ ምሸት ሃባ ግዲ
ኣብ ዘይናትካ ኣእትዩ ዜእስር ዜዕዲ።
መምህር ዝተፈጥረ ኪምዕድ ኪጓሲ
ንኽልቲኣቶም ንሥጋ ምስ ነፍሲ
ሰይጣን ከይወስዶም መጥፍእ ነፍሲ
ከይድርብዮም ኣብ ዘይውጻእ ጋህሲ (ሉቃ ፲፯፥፲፱-፳)
እኳ ዘይምሕር እኳ ዘየናሕሲ
ኣይብቐደሙ እንድዩ ቐታል ነፍሲ (ዮሐ ፰፥፴፬)
ኣንታ ሥጋ እንተዝለብስ እዚ ሰይጣንሲ
በጥ ምበልና ዘይብልና ከሳሲ
ወቓሲድላያ’ውን ምገበረት ‘ዛተካሊት ነፍሲ
ምተረፈ’ውን እዚ ዅሉ ቂም ባእሲ
ረቒቑ’ምበር ኣላጊጹ እዚ ርጉም ከይሲ
ውራዩ የስልጥ ኣሎ ዋይ’ዚ መባእሲ
ግዙፍ እንተ ዚኸውን ሥጋ እንተ ዚለብስሲ
ዚብላዕ ስኢኑ ኪዕሰብ ኪጓሲ
የማን ጸጋም ክብል ምእንቲ ኸርሢ
እንታይሞ! ኣላጊጹላ’ምበር ረቂቑ ንነፍሲ
የዕዝራ’ሎ ናብቲ ዓብይ ቤት ሓብሲ
እዛ ሥጋ’ዚኣ ድማ ምስኡ ሻራ ጌራ
ለከመታ ግዲ ንነፍሲ ቓቒራ
ከይትፍጽም መጽሓፍ ዝመሃራ
                                                                               ይቕጽል...          

Sunday, October 9, 2011

ደብረ ክሳሄ አቡነ ኣብሳዲ (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

ሕይወት ምንኵስና መንፈሳዊ ተጋድሎን
ኣቦና አቡነ አብሳዲ ካብ ኣኮኦም መንፈሳዊ ትምህርቲ ድኅሪ ምቕሳሞም፡ ደብረ ሽማና ኣብ ዝብሃል፡ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ናብ ዝርከቡሉ ቦታ ሰደድዎም። ካብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ ፹፩ዱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተምሃሩ። ኣብ ፳፰/28 ዓመቶም ድማ አስኬማ ዘመላእክት ተቐበሉ (መንኰሱ)። ብአቡነ አዎስጣቴዎስ ድማ አብሳዲ ዝብል ስም ምንኵስና ተዋህቦም። አብሳዲ ማለት አበ ብዙኃን ከም ማለት እዩ።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ልዕሊ አቡነ አብሳዲ ሓዲሩ ዘሎ ጸጋ ብምስትውዓል፤ ኣጸቢቖም ባረኽዎም። ሰዓምዎምን ከኣ። ኣብቲ ዝሰዓምዎም ኣካሎም ድማ ጠለት ተሰምዖም። ጻዕዳ ጸጒሪ ከኣ አብቖለት።

አቡነ አብሳዲ ብሕትውና ኣጥቢቖም ዝፈትውዉ፤ ኣብዚኆምን ጾምን ጸሎት ሰጊድን ዘዘውትሩ ነበሩ። ሓደ እዋን ካብ ብዝኂ ትሕርምቲ ድማ ኣካላቶም ደኺሙ ክፈላለ ቀሪቡ ነበረ። ነዚ ዝረኣዩ ሓደ ባሕታዊ መጺኦም ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ክርስቶስ ኣቐቢሎሞም። በዚ ድማ ሰብነቶም ተሓዲሱ። ነቲ ናይ ቀደም ተጋድሎኦም ድማ ብዝኃየለ መገዲ ቀጸልዎ።

አቡነ አብሳዲ ካብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብዙኅ ከይተፈለዩ ስብከተ ወንጌል ምስፋሕ፡ ጐኒ ጐኒ ብሕትውናዊ ናብርኦም ጀመርዎ። ብኸምዚ መገዲ ኸኣ ብብሕትውና ተጸሚዶም ድኅሪ ምጽናሕ ካብ መቐለ ክሳብ ደብረ በርበረ ማይ ወንጌል መሃሩ።

Friday, October 7, 2011

ደብረ ክሳሄ አቡነ ኣብሳዲ (ቀዳማይ ክፋል)

 ሓጺር ታሪኽ ገዳም ደብረ ማርያም 
 ስያመ ገዳም 
 ምሉእ ስም እዚ ገዳም እዚ ገዳም ደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ ይብሃል። ብናይ ጥንቲ ስሙ ድማ ገዳም ደብረ ክሳሄ አቡነ አብሳዲ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ። ደብረ ክሳሄ ዝብል ስያምኡ ኸኣ ካብቲ እቲ ገዳም ካብ ዝተገደመሉ እምባ (ወግረ ክሳሄ) ዝመጸ ምዃኑ ይንገር። እቲ ከባቢ ናይቲ እምባ ኣብዚ እዋን እዚ ደብረ ማርያም ብዝብል ስም እዩ ዝፍለጥ። ክሳሄ ማለት ምኡዝ ዝጨንኡ ሮዛ ዕንባባ ማለት እዩ።


Thursday, October 6, 2011

ማኅሌተ ጽጌ (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

አከባብራ ዘመነ ጽጌ 
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት ብፍሉይ ማኅሌት ንእትጥቀመሉ ማኅሌተ ጽጌ ጠቐስና እምበር፤ ብሓፈሻ ብሠለስተ ኣገባብ ነዚ እዋን ከምእተኽብሮ ምስትውዓል የድሊ። ንሳቶም ኸኣ ብማኅሌት፥ ብቅዳሴ፥ ብዝክር እዮም።

እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዳሴ ድማ የቕድሱ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ። 

Wednesday, October 5, 2011

ማኅሌተ ጽጌ (ቀዳማይ ክፋል)

አዘክሪ ድንግል...

መእተዊ
ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝጽወም ጾም ጾመ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን ይዝከር።


Monday, October 3, 2011

ዘአፍቀረ ብእሲቶ ርእሶ አፍቀረ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

       ዘአፍቀረ ብእሲቶ ርእሶ አፍቀረ

እስከ ክንጅምር ናይ ኪዳን ምሥጢሩ (ኤፌ ፭)
ዘየስተውዕል ኣሎ ብዙኅ ቁም ነገሩ
ከም ሕጉ ዘይከይድ ዘይክተል ኣሰሩ
ሕጊ መጻሕፍቲ ቅድሚ ምጅማሩ
ሥላሴ ብምስሎም ንኣዳም ክፈጥሩ
ረዳኢት ብጸይት’ውን ንሔዋን ክገብሩ
ሕጊ ልቢ ሃቦም ብኡ ክዛወሩ
ነገር ግን ክፍኣት ምስ በዝኀ ምስ ተኸለ ሡሩ
ሕጊ መጽሓፍ ሃቦም ነቢሩ ነቢሩ
                          ፲ቱ ትእዛዛት ሓልዮም ክነብሩ
ሳድሰይቲ ሕጊ ንምስማዕ ጠንክሩ
ነዚኣ ዝሓሎ ክብ ዝበለ’ዩ ክብሩ
ኣይብተኽን’ዩ ውሽጣዊ ፍቕሩ
ብኺዳን ሓድነት ተጠመሩ
ጠባይ ዘይምኃዝ እዩ ንኺዳን ዝዘሩ
ጒድለት ናይ ሓድሕድኩም ተጻወሩ
ናይ ንብረት ፈተና ብዙኅ እዩ ጾሩ
ቅድሚ ጽንብሎትኩም ጽሑፋት መርምሩ
ድኅሪት ምምላስ የለን ምዱብ’ዩ ሓጹሩ
ርሑሳት መርዓውቲ ዕድልኩም ሠሚሩ
ኣብ “መዝገበ ሕግ” ስምኩም ተደብቲሩ
ወለቕ ዘለቕ የለን ደጊም ንሓዋሩ
ምስ ቅዱስ ኪዳንኩም ንጽሕና ጨምሩ
ንብረት ዓለም ሓፂር እዩ ዕምሩ
ኣይክተርፎን እዩ ኵሉ ከከም ግብሩ
ንዝመጽእ ክብሩ ብኅልፊ ጸዓሩ።
               ክቡራት መንእሰይ ኣብ ዓለም ትነብሩ
               ካብ ፲ቱ ቃላት ክንጠቅስ ጨንፈሩ
ስዩማን ካህናት’ውን ሕዝብኹም መሃሩ
ብዙኃት ኣለዉ ማሕላ ዝሠዓሩ
ብናይ ዝሙት ጋህሚ ኣዒንቶም ዝዖሩ
ደሞም ካባኹም እዩ ዝደልዮ መምህሩ (ጐይታ)
መዝነትኩም ብወንጌል ንገሩ
መታን ከተምልጡ ካብ ዳኅረዋይ ጻዕሩ
ምእመንኩም ከይጠልቕ ኣብዘይ ቀላይ ባሕሩ
ባህልታት በዚኁ ፈቐዶ ሃገሩ
ወልታ ሃይማኖትኩም ጠንኪርኩም ገትሩ
ሳዕቤንኩም ክምዕርግ ኣብ ቅድሚ መንበሩ
በኣኹም ምኽንያት ብእሳት ከይሓሩ
               ኣስትይዎም ጸባ ወንጌል ምስ መዓሩ።

       ኣባኹም ክምለስ ኪዳን እትኣስሩ      
      ጽን ኢልኩም ስምዕዎም ንክርስቶስ ገብሩ
      መንፈስ ቅዱስ እንድኅሪ በሪሩ
      ብመሳልል ዘይርከብ ኣሠሩ
      ኣካልኩም ኣፍቅሩ ክትኮኑ ማኅደሩ 
      ንመጻምርትኹም ጓና ኣይትቍጸሩ
      ሰብዶ ይጸልእ ኣካሉ ኢደ እግሩ
     እምበኣር ኃደራ ንፍቕሪ ክትጽዕሩ።

አሐዱ እምካህናት (ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን)

Saturday, October 1, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ራብዓይን መወዳእታን ክፋል)

8. ከፋሌ ባሕር ኤዎስጣቴዎስን ናይ መወዳእታ ጒዕዞኦምን

ቅዱስ አቦና ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ምስ ገለ ደቀ መዛሙርቶም መቃብር ጐይታ ንምስላም ቅድም ሕጂ ክልተ ጊዜ ነጊዶም ነበሩ። ሣልሳይ ድኅሪ እቲ ብዓወቶም ዝተዛዘመ ጉባኤ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ግና ናይ መወዳእታ ነበረ። እቲ ምኽንያት ኸኣ ከምቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ንሕዝበ አርመንያ ሐዋርያ ምእንቲ ክኾኑን እዩ። እግረ መገዶም ድማ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ምስ ኣቦታት ግብጺ ንምዝርራብ ነበረ። እቲ እዋን እውን ኣብ ፲፫፻፯ (1327)ዓ.ም. ከባቢ ከምዝነበረ ይእመን። 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኸኣ ድኅሪ ምስ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ምዝርራቦም ድማ ነጀው ከይተመልሱ እግዚአብሔር ብዘመልከቶም ጒዕዞኦም ናብ ኢየሩሳሌም ቀጸሉ። ቅዱሳት መካናት ኢየሩሳሌም ድማ ተሳለሙ። ብድኅሪኡ ድማ ናብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብምውራድ ድማ ካብቲ ማየ ጸሎት ድኅሪ ምሕጻብ ናብ ኣርመንያ ክሰግሩ ሓሳብ ገበሩ እሞ ኣብ ባሕረ ገሊላ በጽሑ።