Sunday, June 24, 2012

ርክበ ካህናት (፮ይ ክፋል)


ርክበ ካህናት ኣብ ሃገርና

ሓፈሻዊ ታሪኽን ጽልዋን

ሃገርና ኤርትራ ብዓል ብዙኅ ፀጋ እትውንን፤ ድብቱርን ዘይድብቱርን ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ፤ ብኪደተ ኣእላፍ ቅዱሳን ዝተረግጸትን ዝተባረኸትን እያ። ሕዝባ’ውን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነበረን፤ ብሕግን ብሥርዓት ምንባርን ምንብባርን ክፋል ሕይወቱ ገይሩ ክጥቐመሉ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ኸኣ ይትረፍ ብዋናታቱ በቶም ባዕዳውያን እኳ ዝተመስከረሉ እዩ። ገዛኢ ጥልያን እኳ ከም ኣካል መግዛእታዊ ሜላታቱ: ብሊቃውንቱ ኣቢሉ ነዚ ካብቲ ዝነኣሰ ባእታ ማኅበረ ሰብ ማለት ሓደ ሓንቲ ህድሞ (ስድራ) ጀሚሩ በብዓዱን በብኣውራጅኡን .. ንዘሎ ቅውም ምሕደራ ኣጽኒዑን መርሚሩን ምስ ኣብቕዐ: ብምስትንካር “ኣማን ብኣማን እዞም ሕዝቢ’ዞም ኣዝዮም ሥልጡን ሕግን ጥንታውን ኣገባብ ምሕደራን ኣነባብራን ኣለዎም። ክንምህሮም ይትረፍሲ ንሕና ካብኦም እንመሃሮ ብዙኅ ነገር ኣሎ…” ኢሉ ከምዝመስከረ ብቃልን ብመጽሓፍን ታሪኽ ዘዘትንወሉ እዩ። ነዚ ኵሉ ዘድንቕ ተሞክሮን ቅዱስ ባህልን ግና ዋናኡን ኣለይቱን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን: ኣገልገልታ ካህናትን ምዃኖም ክንዝንግዖ የብልናን። ዓለም ክትገልጾ ዘይትደሊ እንተኾነ’ውን: እቲ ሓቂ ግና ንሱ እዩ። ስለዚ ተላዚብካን ተማኺርካን ምውሳን፤ ብሓባር ምዕያይ፤ ተሓጋጊዝካን ተደጋጊፍካን ብስኒት ምንባር፤ … ኣብ ሃገርና ኤርትራ ነዊሕን ዱልዱልን ሡር ዘለዎ እዩ። ካብ ክልል ሰበኻ ቤተ ክርስቲያን (ዓድታት) ጀሚሩ በብደረጅኡ ዝርከብ ጉባኤ ካህናት ከኣ ማእከል እዚ ጥንታዊ ሠረት እዩ። ንርእሱ ተማእኪሉ ነቲ ዝጓስዮ ሕዝብን ዓድታትን የማእክል ስለዝነበረ። ሕመረት ማኅበራዊ ሕይወትን መንብሮን እቲ ኣማኒ ኅብረተሰብ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃና ዘይከሓድ ግሁድ ነገር እዩ። ከምዚ ሎሚ ከይተባሕጐጐ ከሎ ካህናት ዘይኣትውዎን ዘይኣልይዎን ሕይወት ኅብረተሰብ ነይሩ ኪብሃል ኣይከኣልን እዩ። እምበኣር ነዚ ኵሉ ሕጊ እግዚአብሔር ዝሠረቱ ኣካይዳ: መሠረቱ ናይ ካህናት ጉባኤን ሓድነትን ምዃኑ ርዱእ ነገር እዩ።

Wednesday, June 20, 2012

ጉዳም ዜና "ውሳነ ምርጫ" (፪ይ ክፋል)


ዛንታ ፲ተ መናብርት

ልዕሊ ኵሉ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣዝያ ወሳኒ መድረኽ ታሪኽ ትርከብ ኣላ። ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘንጸላሉ ዘሎ ሕብረ ብዙኅ ደበናታት ፈተና፤ ነዚ ፈታኒ ዘመን’ዚ ዝብድህ፤ ሓቀኛን እሙንን ኣቦ፤ ትጉህ ጓሳ፤ ጥበብን ጸጋን ዝመልኦ ፓትርያርክ ከምዘድልያ ዝስሕቶ ሰብ የልቦን። እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ከምቶም ዝቐደሙ ብሃይማኖት ጽኑዓት፤ ሰብ ገድሊ ዝኾኑ ኣቦታት ክህቦም ከኣ ናይ ኵልና ጸሎትን ምንዮትን እዩ። ኣብዚ ዘየመክሕ ምርጫ እምበኣር፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣቦ ክመርጸሎም ትስፉዋት ኢና። እቲ ናቶም ዓወት ከኣ ናትና’ውን እዩ። እቲ ናቶም መከራ፤ መከራና እዩ። እቲ ናቶም ምጽንናዕ ናትና’ውን እዩ። ኣዝዮም ውሑዳት ዝገብርዎ ጠንቀምቀም ገዲፍና፤ ብዘይ ቀለዓለም ብሃይማኖትን ብታሪኽን ሓደ ስድራ ኢና።

እምበኣር እዞም ሰብ “ብስራት” ዝኾኑ ጉጅለ፤ ንዓታቶም ኣብቲ ምርጫ ንኤርትራ ወኪሎም ክሳተፉ ፲ተ መናብርት ከምዝተዋህቦምን ነዚ ንምትግባር ከኣ ኣብ ምውዳድ ከምዝርከቡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢሎም ነጊሮምና ኣለዉ። “እዚ ውሳኔ’ዚ ድማ ታሪኻዊ ስለዝኾነ ብምሉኡ ሕዝቢ ተዋሕዶ፤ ከም ሓደ ዓቢይ ሃይማኖታዊ ዓወት ገይሩ ኪርእዮን ነቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽ ጸሎተ ምስጋና ከቕርብን ግዴታ ኣለዎ” ብምባል መልእኽቶም ነየናይ “ሕዝቢ ተዋሕዶ” ዝቀንዐ ምዃኑ እንተዘይተረደኣና’ውን “ግዴታ” ምዃኑ ግና ኣትሪሮም ኣጠንቂቖምና ኣለዉ።

ብመሠረቱ ጒዳይ ውክልና ፲ተ መንበር ኣብ እዋን መስርሕ ምርጫ፤ ብቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚኦም ጕጅለ’ዚኦም ከም ገጸ በረኸት ዝተዋህበ ህያብ ኣይኮነን። ብመሠረት ዓንቀጽ ፯/7 ውዕል (1998) እዘን ክልተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት፤ እታ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሓዲሽ ፓትርያርክ ኣብ እትሽመሉ እዋን፤ እታ ካልኣይቲ ብ፲ ልኡኻት ኣቢላ ክትውከል ከም ዝፍቀደላ ዝተነጸረ እዩ። እኳ ደኣ ከምቲ ንሶም ሕጂ ዝቕይርዎ ወይውን ከም ዝጥዕሞም ዝገማጥልዎ ዘለዉ ዘይኮነስ፤ እቶም ዝውከልዉን ብዓል መን ክኾኑ ከምዝግባእ እቲ ውዕል ብንጹር የቐምጦ እዩ። ክልተ ናይ ሃገረ ስብከት ጳጳሳት፤ ክልተ ናይ ገዳም ኣበምኔታት፤ ሽዱሽተ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ክኾኑ ከምዝግባእ ይእዝዝ። እቲ ምሉእ ዓንቀጽ ከኣ ከምዚ ይብል። (ዓንቀጽ 7)

Saturday, June 16, 2012

ጉዳም ዜና “ውሳነ ምርጫ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
መእተዊ

እዚ ዘሎናዮ እዋን፤ ቅዱስ ማርቆስ ዝመንበራ ቅብጣዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መበል ፻፲፰ (118) ፖፕ ዘእስክንድርያ ንምምራጽ ኣብ ሰፊሕ ምድላዋት ትርከበሉ ኣገዳሲን ታሪኻዊን እዋን እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና’ውን፤ ከም መጠን ሓደ ስድራን ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎአን ንዘሎ ህልዊ ኵነታት ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታውን እዚ ምርጫ’ዚ ብቀጥታ ዝምልከታን ዘገድሳን እዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ስድራ ዝኾኑ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት፤ ብሓደ ሓሳብን ምኽርን ተደጋጊፎም ክጓዓዙ ንቡርን ዝግባእን እኳ እንተኾነ፤ “ዘራጊ ኣብ ዘለወሉ፤ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ከምዝብሃል ሳሕቲ ከኣ ኣብ ሞንጎአን ዘየሰማምዕ ነገር ክኽሰት ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ከም መጠን ሓደ ስድራ ግና ነቲ ዝዓበየ ሓድነት ሕዝቦምን ዕላማ ወንጌልን ክብሉ ድማ ነቲ ዝተፈጥረ ሽግር ይዕበ ይንኣስ እሂን ምሂን ኢሎም ክፈትሑን፤ ካብቲ ዝቐስምዎ ተሞክሮ ከኣ እናተመሃሩ ብሓንሳብ ክዓብዩን፤ ነቲ ሓቀኛ መንፈሳዊ ገድሊ ክጋደሉን ትጽቢትን ድሌትን ኵሉ ኣማኒ ሕዝቢ ተዋሕዶ እዩ። ወልድ ዋሕድ ኣብ ዝብል ጽኑዕን ርቱዕን ሃይማኖት ዝተሠረተ ሓድነትን ኅውነትን እዘን ክልተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ከም መርዓት ዓይኒ ምሕላውን፤ ምክንኻንን ብቀዳምነት ናይቶም ክጓስዩ ብኣምላኽ ሕድሪ ዝተቐበሉ ብፁዓን ኣቦታት ይኹን ደኣ እምበር ሓላፍነት ኵሉ ኣማኒ ምዃኑ ዚስሓት’ውን ኣይኮነን። ስለምንታይ እንተተባህለ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵሉ ስለዝኾነት። ብኻልእ’ውን ወንጌል ተሰኪሞም፤ ብስም “ኦርቶዶክስ” እናተመላለሱ ኣንጻር ዕላማ ወንጌልን፤ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ዝተዓጥቁን፤ ንፍልልይን ዝርገትን ዝሰርሑ ስለዘለዉ፤ ኣቦታት ጥራይ ዘይኮኑስ፤ ኵሉ በብዓቕሙ ኣብ ዘዘለዎ ብቃል ይኹን ብግብሪ፤ ብጸሎት ይኹን ብምኽሪ ሃናጺ ኣበርክቶ ክህልዎ ይግባእ።   

Thursday, June 14, 2012

አቡነ በኵረ ድንግል ዘደብረ ምዕዋን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅዱስ ኣቦና አቡነ በኵረ ድንግል ኣብ ምድረ ኤርትራ ብሕገ ምንኵስናን ተባሕትዎን ጸኒዖም: ንዓቢይ ሰማያዊ ክብሪ ካብ ዝበቕዑን ኣብ መወዳእታ ፲፭/15ተን መጀመርታ ፲፮/16ተ ክፍለ ዘመን ንኣቡነ ብፁዐ አምላክ ዘደብረ ምዕዋን (ምድሪ እገላ - ጎደይቲ) ተኪኦም ብኣበ ምኔትነት ንገዳም አቡነ ብፁዐ አምላክ ብትግሃት ዘገልገሉን ዝመርሑን ቅዱስ ኣቦ እዮም። እዚኦም ቅዱስ ኣቦ: ገና ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ዝተኃርዩ: ካብ ንእስትነቶም ኣትሒዞም ብመንፈሳዊ ተጋድሎ ጽሙድ ዝነበሩ: ብዙኅ ዘድንቕ ተኣምራት ዘይተፈለዮምን ካብ ኣምላኽ’ውን ጽኑዕ ቃል ኪዳን ዝተቐበሉ ንጽሑን ኅሩይን ኣቦ እዮም። እምበኣር ፱/9 ሰነ ንዝኾነ ዕረፍቶምን ዝኽሪ ክብረ በዓሎምን ምኽንያት ብምግባር ካብ መጽሔት “ልሳነ ተዋሕዶ” (ትምህርቲ ሰንበት መድኅኃኔ ዓለም ደቀ መሓረ ቍ. ፭፥፩)ን ገድሊ ኣቡነ ብፁዕ ኣምላኽን ንዝረኽብናዮ ጽሑፍ ንበረኸት ክኾነና ነቕርቦ ኣሎና። በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ አቡነ በኵረ ድንግል ምስ ኵላትና ይኹን።


ትውልድን ዕብየትን

አቡነ በኵረ ድንግል ካብ ኣቡኦም ማርቆስ ካብ ኣዲኦም እግዚእክብራ ብናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ተጠኒሶም: ገና ኣብ ማህጸን ኣዲኦም ከለዉ እግዚአብሔር ስለዝኃረዮም ብዙኅ ተኣምራት ይገብሩ ነበሩ። ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቑር ወዳ ከኣ ኣብ ኣፍ ልቦም ተሣዒላ ነበረት።

Monday, June 11, 2012

“ሃዋርያ ዶ መጋበርያ”


ወእምፍሬሆሙ ተአምርዎሙ (ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም)

ኣብዚ ናይ ሎሚ “ንቕሑ” ዓምድና: ምክንያተ ጽሑፍ ዝኾነና ጒዳይ: ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ወይውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝረኸብናዮ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ካብ ልሳን ፖሊሲ ኤርትራ ዝኾነት መጽሔት ‘ህዝብን ፖሊስን’ ኅታም ጥሪ - ለካቲት ቍ.38 2012 ዝተወስደ እዩ። ርእሲ እቲ ዝያዳ ዘገደሰና ኣብታ መጽሔት ዝሰፈረ ጽሑፍ ከኣ “ሃዋርያ ዶ መጋበርያ” ዝብል እዩ። ምናልባት ገሌና ኣብዚ ደገ ነዛ መጽሔት’ዚኣ ኣቐዲምና ናይ ምንባብ ዕድል ረኺብና ብኣግራሞት ተዋሒጥና ንኸውን፤ ዘየገርም ድማ ኣይኮነን። በቲ ብስም ‘እምነት’ ብዝግበር ኣሽካዕላልን: ኣማኒ መሲልካ ብዝፍጸም ዘሎ ምድንጋርን: ኣብ ውሽጢ ሃገር ነዛ መጽሔት ዘንበቡ ብዙኃን ሰባት: ኣዝዩ ከምዝደንጸዎም፤ ንዝተወሰነ እዋን’ውን ኣብ ከተማታት መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝቐነየ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። ኮይኑ ድማ ብኸምዚኦም ዚኣመሰሉ ተዃሉ ሓራጥቃውያን ዘይሩ ዘይሩ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ እቲ በጊዕ ምእመን እዩ'ሞ ንቤተ ክርስቲያን ብቀንዱ ዝምልከታ ኣርእስቲ ስለዝኾነ ክንግደሰሉ እምበር "እዚስ ምጾት እዩ" ጥራይ ኢልና ክንሓልፍ ኣይመረጽናን።

በዚ መሠረት'ዚ ከኣ ኣብዛ ዝጠቐስናያ መጽሔት ዝሰፈረ ውጽኢት ገበናዊ መርመራ ዝኾነ ጽሑፍ ብመንጽር ሃይማኖታዊ መልእኽቱ ምስ ገለ ውሑድ ዕቃቤታትና ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተራእየናን: ምስቲ ብቀጻሊ ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት: ዕላማ መናፍቓን እናጠቐስና ክነቕሕሉ ከነተሓሳስቦ ምስ ዝጸናሕና ጽሑፋትና: ብፊደል ይኹን ብመንፈስ ዝሰማማዕ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮን ብቀጥታ ከምቲ ዘለዎ ናባኹም ከነቕርቦ ወሰንና።

Saturday, June 2, 2012

በዓለ ጰራቅሊጦስን ጾመ ሐዋርያትን


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ናብ ክብረ በዓል ጰራቅሊጦስን (በዓለ ኃምሳ) ምጅማር ጾመ ሐዋርያትን (ሰነ) ብሰላም ኣብጽሓና እናበልና፤ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ'ዚ በዓልን ምጅማር ጾመ ሓዋርያትን ንዝወጹ ጽሑፋት (በዓለ ኃምሳ ፤ ጾመ ሐዋርያት) ክንምልከትን ናይቲ በረኸት ተሳተፍቲ ክንከውንን ብትሕትና ንዕድም።

እግዚአብሔር ኣምላኽ በረኸትን ረድኤትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይዓድለና።