Saturday, January 28, 2012

አስተርእዮ - ግልጸት ኣምላኽ


ብመንጽር ቀመርን ግጻዌን ቤተ ክርስቲያን እዚ ዘሎናዮ እዋን ዘመን አስተርእዮ ተባሂሉ ይፍለጥ። መሠረቱ ድማ አስተርአየ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ እዩ። ኣርኣየ ኣግሃደ ከሠተ ከም ማለት እዩ። ብቋንቋ ጽርዒ’ውን ኤጲፋንያ ይብልዎ። ትርጉሙ ድማ ብተመሳሳሊ ምግላጽ ምግሃድ ማለት እዩ። ስያሜኡ ከኣ እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣብዚ እዋን እዚ ንደቂ ሰባት ካብ ዝፈጸሞምን ዘግሃዶምን ዕጹብ ነገራት ዝተበገሰ እዩ። አስተርእዮ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዋን ድማ ካብ ልደት ጐይታ ዝጅምር ኮይኑ ክሳብ ምእታው ዓቢይ ጾም ዝቕጽል እዩ። እቲ ስያመ ዘመንን ትርጉሙን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብስያመ ዕለት ግና ብፍሉይ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ንዝወለደት ክብርት ወላዲተ አምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕለተ ዕረፍታ ንዝኾነ ፳፩ ጥሪ ሂቦም ይሰምይዎ። እዚ ኸኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እቲ ዓቢ ምግላጽ ማለት እቲ ዘይረአ ኣምላኽ ክረአ፤ እቲ ዘይውሰን ክውሰን፡ እቲ ዘይድህሰስ ረቂቕ ኣምላኽ ክድህሰስ፡ እቲ ዘመን ዘይውስኖ ኣምላኽ ዘመን ክቝጸረሉ ዝኸኣለ፡ ባህርዩ ከይገደፈ ብተዋሕዶ ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ናይ ዝኾነሉ ምሥጢር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዃኑ እዩ። እምበኣር ብምድራውያንን ብሰማያውያንን ፍጡራት እትምስገን ወላዲት ኣምላኽ ንኣምላኽ ብዝወለደትሉን አስተርእዮ ብዝተፈጸመሉ ወርኃት ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘይኃልፍ ዓለም ዝተሳገረትሉን ስለዝኾነ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ማለት ዕረፍቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝምልከት ቅድሚ ሕጂ አስተርእዮ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝወጸ ትምህርታዊ ጽሑፍ ንመልከት።

እቲ ቀንዲ አስተርእዮ ምባሉ ግና ኣምላኽ ኣብዚ ወርኃት’ዚ ንደቂ ሰባት ዝፈጸሞ ርእሱ ናይ ምግሃድ ሥራሕ ምዃኑ ነስተውዕል። እቲ ብምልኣት ዘሎ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ምግሃዱ’ውን ቅዱስ ዳዊት ክንበ ከሎ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ” ኢሉ ነይሩ (መዝ ፻፲፯፥፳፯/118፥27)። ኣብዚ ወርኃት እዚ ግና ነየናይ ፍጻሜ ጐይታ ኢና ብፍሉይ አስተርእዮ እንብሎ? ነባብና ንቐጽል።

Friday, January 27, 2012

ቀርነ መድኃኒት - ቀርነ ሕይወት

ትርጉም ቀርኒ

ጽኑዕ ተሪር ደረቕ ከም ዓጽቅ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እንስሳት ዝወጽእ፡ ዝበቝል፡ ዝዓቢ፡ ዝነውሕ፡ ብዝበዘኀ ጠዋይ ኣጽማዊ ዝኾነ ኣካል እዩ። (አለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ) ቀርኒ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለም ተመሳሳሊን ተወራራሲን ስያመ ሒዙ ይርከብ። ቀርን፡ (ቀረነ) ቀንድ፡ ቄሬን፡ ቀርን፡ ቃርና፡ cornu፡ horn፡ corne ድማ ይብል።

ቀርኒ ነቶም ኣብ ርእሶም ዝርከብ እንስሳታት ንዝተፈላለየ ነገር ከምዝጠቕሞም ርዱእ ኮይኑ ብቀንዱ ግና ነቶም ዝጻብእዎም ጸላእቲ ንምውጋእን ንምርሓቕን ዘገልግሎም እዩ። ደቂ ሰባት’ውን ካብቶም ቀዳሞት ኣበው ኣትሒዞም፤ ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ቀርኒ ንዝተፈላለየ ዕላማ ይጥቀሙሉ ምንባሮም ዝተፈልጠ እዩ፦ ንምሳሌ ቀርነ መለከት።  ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ቀርኒ ዝብል ቃል ካብ መጽሓፍተ ኦሪት ክሳብ ራእየ ዮሐንስ ዝተጠቕሰ ኮይኑ ከከም ኣገባቡ ብዝተፈላለየ ትርጉም ዝትርጐምን ምሳሌ ዝህብን እዩ። ቀርኒ ኣብ ዝተፈላለየ ንባብ ናይ ኃይሊ፡ ጽንዓት፡ ሥልጣን፡ ልዕልና፡ ኽብሪ፡ ንጉሥ፡ መስፍን ወቦ ዘተርፈ ምሳሌ ኮይኑ ይጥቐስ። ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾተ እግዚአብሔር’ውን ከም ሓደ ንዋይ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ነበረ። ንምሳሌ ቀርነ ቅብዕ። ምሳሌን መልእኽቲ ብዘለዎን ኣገባብ ድማ ኣብ መርዓ ዲያቆናት፤ ቀርኒ ከም መዐጀቢ ኮይኑ የገልግል። ካብኡ ብዝተፈለየን ብዝዓበየን ትርጉሙ ድማ ብቀርነ መድኃኒት ናይ ዝተመሰለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ ኮይኑ ትንቢት ተነጊሩሉ ዝነበረ እዩ።  እምበኣር ንሎሚ ካብ ነገረ ቀርን ንቀርነ መድኃኒ ማእከል ብምግባር ንገለ ውሑድ ምሳሌታት ቀርን ክንርኢ ኢና።

እግዚአብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይዓድለና።

Tuesday, January 24, 2012

ቅዱሳት መጻሕፍትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሰብአ ሰገል እንታይ ይብሉ፧ (ሣልሳይን መወዳእታን ክፋል)

እቲ ኮኸብን ትንቢታዊ ትርጉሙን

ኣዳምን ደቁን ብትንቢትን ብተስፋን ክርእይዎ ዝጽበዩ ዝነበረ ኮኾብ ክርስቶስ ነበረ። ብዛዕባ’ዚ ኮኾብ ድማ ካብ ወገን ዘርኢ ያዕቆብ ከምዝርከብ ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ንዝዛረቦ ጥራይ ጠቒሱ ዝዛረብ ዝነበረ በለዓም እዩ። በለዓም ነቲ ካብ ምድሪ ግብጺ ብ፲ ድንቂ ድንቂ ተኣምራት ኣብ መወዳእታ ድማ ባሕሪ ከፊሉ ንፈርኦን ምስ ሠራዊቱ ኣስጢሙ፤ ነገሥታት ሥዒሩ ንዝመጸ እግዚአብሔር ዝኣምላኹ ሕዝቢ ክረግሞ ብባላቅ ተዓሲቡ እኳ እንተነበረ መልኣኽ እግዚአብሔር ብዝኣዘዞ መሠረት እግዚአብሔር ንዝገልጸሉ ትንቢትን ቡራኬን ጥራይ ይዛረብ ነበረ። 

ሓደ ካብኡ ድማ ነቲ ኣብ ጐልጐል ተሰጢሑ ንዝነበረ ሕዝቢ እሥራኤል ኣማዕድዩ እናጠመተ “እርእዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኮነን፤ እጥምቶ ኣሎኹ ግናኸ ቀረባ ኣይኮነን። ካብ ያዕቆብ ኮኾብ ኪወጽእ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግሥቲ ኪትንሥእ እያ።” (ዘኁ ፳፬፥፲፯/24፥17) ዝብል ድንቂ ትንቢት ብዛዕባ ካብ ዘርኢ ያዕቆብ ካብ ወገን ዳዊት ንዝውለድ ኣማናዊ ኮኾብ - ክርስቶስ ምዝራቡ እዩ። እቲ ንኵሉ ዝገዝእ በትሪ መንግሥቲ ዘለዎ ድማ ንሱ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። በለዓም “ኣታ ያዕቆብ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ ማኅደርካ ክንደይ ይጽብቕ” ብምባል ብዛዕባ መኅደሪኡ ዝኾነት ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝረኣዮ ኣድኒቑ ዝተነበዮ ትንቢት’ውን ምስ ትንቢት ቅዱስ ዳዊት ዝሰማማዕ እዩ። “ንሱ ንእግዚአብሔር ከም ዝመሐለ፡ ቦታ እግዚአብሔር፡ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፡ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፡ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፡ ነዒንተይ ድቃስ፡ ንዀበሮ ዓይነይውን ሰለምታ ኣይህብን፡ ኢሉ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዐ፡ ዘክረሉ። እንሆ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕናዮ፡ ኣብ ዱር ረኸብናዮ። … እግዚአብሔር ንዳዊት፡ ካብ ፍረ ኽርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፡ …ብሓቂ መሐለሉ፡ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ። እግዚአብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ እሞ፡ መኅደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።” (መዝ ፻፴፪/132 መዝ ፵፬/45) 

Thursday, January 19, 2012

ቃና መስክሪ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቃና፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብጋህዲ እቲ ቀዳማይ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ እያ። ነዚ ድንቂ ተኣምራት ጐይታ ክትርእይን ክትምስክርን ዝተመርጸት ዓዲ ብምዃና ድማ ስማ ወትሩ ክዝከር ይነብር። እዚ ተኣምር እትፈጸመላ ዓዲ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ስለእትርከብ ድማ ቃና ዘገሊላ እናበልና ንጽውዓ። ጐይታ ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ቀዳማይ ተኣምሩ ዝፈጸመሉ ስፍራ ኣብዚኣ ዓዲ - ኣብ ቤት መርዓ ናይ ዶኪማስ ነበረ። ጐይታ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ ዝፈጸሞ ቀዳማይ ተኣምር ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ተኣምር ብዙኅ ትምህርትን መልእኽትን ስለዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ካብቶም ፱ ንኡሳን በዓላት ጐይታ ሰሪዓ ብዝደመቐ ኣገባብ ከተኽብሮ ትነብር ኣላ። “እንዘ ሥውር እምኔነ፡ ይእዜሰ ክሡተ ኮነ” “ማየ ረሰየ ወይነ” እናበለት ድማ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ብተኣምራቱ ምልዋጡ እናዘከረት ደስ ብዘብል ሰማያዊ ዜማ ከኣ ነዚ ንዝገበረ ጐይታ ከተመስግኖ ትነብር። እምበኣርከስ ጐይታ ነዚ ድንቂ ተኣምራት ዝፈጸመሉ ዕለት ፳፫/23 የካቲት እንተኾነ’ውን፡ ማይ ምስ በዓለ ማይ ንምግጣሙ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጽባሕ በዓለ ጥምቀት ፲፪/12 ጥሪ ከምዝኽበር ሥርዓት ሠሪዓትልና ኣላ። በዓለ ጥምቀት ዝማእከሎም ሠለስተ በዓላት ማይ ድማ ኣብ ሠለስተ መዓልቲ ብተኸታታሊ ይኽበሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢልና፡ ሰማያዊ ኣምላኽ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝተወልደ ቤተ ልሔም ንዝረኣየቶ መስኪራትልና ነበረት። ኣብቲ ቦታ ምስክር ክኾኑ ድማ ዝተዓደሙ ሰማያውያን መላእኽትን ምድራውያን ጓሶትን ነገሥታትን እንሰሳትን ነበሩ። ሎሚ ድማ ቃና እትምስክሮ ኣለዋ እሞ ንስምዓያ። ከምቶም ኣብቲ መርዓ ዝተዓደሙ ደቂ ዓዲ ንሕና’ውን ግብሪ ኣምላኽ ክንርኢ፤ ኽብርን ኣማላድነት ወላዲቱ ክንሰምዕ፤ ክብሪ ንጹሕ መርዓ ከነኽብር ተዓድሚና ኣሎና እሞ ነቲ ዝወሃብ ምስክርነት ጽን ምባል የድሊ። ቃና ድማ ነቲ ኣብ ከርስኺ ዝተፈጸመ እሙን ነገር፡ ወይኑ ወዲኡ መቐረት ኣልባ ኮይኑ ንዘሎ ዓለም፡ ብጥርጥር ማእበል ተደፊኡ ኣብ ናይ ክሕደት ባሕሪ ንዝጥሕል ዘሎ ወዲ ኣዳም ዓው ኢልኪ መስክርሉ።

Tuesday, January 17, 2012

ቅዱሳት መጻሕፍትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሰብአ ሰገል እንታይ ይብሉ፧ (ካልኣይ ክፋል)

መሠረት 

ቅዱስ ማቴዎስ፡ ሰብአ ሰገል ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ፡ ምስ ሄሮድስ ንዝነበሮም ዝርርብን፡ ኣብ ቤተ ልሔም ድማ ንዝገበርዎ ናይ መወዳእታ ስራሕን ፈልዩ ገለጸልና እምበር ምሉእ ታሪኾም ኣይሃበናን። ግና እቲ ቅዱስ ማቴዎስ ዝጸሓፈልና ታሪኽ ካብ ኣጸሓሕፍኡ ገለ ብድኅሪት ዝገደፎ ነገር ከምዘሎ ይእንፈተልና እዩ። ሓቂ ድማ ነቲ ንናይ ቅዱስ ማቴዎስ ታሪኽ ሰብአ ሰገል ምሉእነት ዘልብሶ ቅድሚኡ ካልእ ዓቢይ መሠረትን መበገስን ታሪኽ ከምዘለዎ እሙን ነገር እዩ። እዚ ኸኣ ንሰብአ ሰገል ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዠረደሽት ዝብሃል መሠረት ታሪኽ ዝኾኖም ኣቦ ምንባሩ መጻሕፍት ቤተ ክርስቲያን ይገልጹ እዮም። 

ዠረደሸት ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ተቐሚጡ ጥበብ ኪመራመር ከሎ፡ ሕፃን ዝሓቖፈት ድንግል ኣብ ሰሌዳ ኮኸብ ተሳኢላ ረኣየ እሞ ተቐላጢፉ ነቲ ዝተገልጸሉ ምስሊ ኣብ ሰሌዳ ብርት ቀሪጹ ኣንበሮ። ኣብ ኣጋ ምማቱ ከኣ ነቶም ደቁ ኣኪቡ “ከምዚ ዚኣመሰለ ኮኾብ ክረአ ከሎ፡ ሰማያዊ ንጉሥ ኪውለድ እዩ እሞ ኬድኩም ነዚ ገጸ በረከት ወፍዩሉ፡ ስገድሉ” ዝብል ለበዋ ብቃልን ብጽሑፍን ገዲፉ ነበረ። (ትርጓሜ ቅዱስ ወንጌል) 

Monday, January 16, 2012

ትምህርቲ በዓለ ጥምቀት ብነፍስሔር መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

አንቋዕ ብሰላም ናብ ብርሃነ ጥምቀቱ ኣብጸሓኩም። ማዕዶት ንሎሚ ሕጽር ዝበለ ንበዓለ ጥምቀት ዝምልከት ትምህርቲ ብነፍስሔር መጋቤ ምስጢር መብራህቱ ሞባእ ዝተዳለወ ሒዛትልኩም ቀሪባ ኣላ። ሰናይ ምክትታል። በረኸት ናይ በዓለ ጥምቀት ይኽፈለና።



Saturday, January 14, 2012

በዓለ ግዝረት

ሎቱ ስብሐት (ንስሙ ስብሐት ይኹኖ እሞ)፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈልያ እተኽብረሉ ፱ተ ዓበይትን ፱ተ ንኡሳን በዓላት ኣለዋ። ሓደ ካብቶም ንኡሳን በዓላት ድማ ኣብ ሻሙናይ ዕለተ ልደት ዝኽበር በዓለ ግዝረት ጐይታ እዩ። ሠራዔ ሕግ እግዚአብሔር፡ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ብምዃን ነቲ ደቂ ሰባት ንክሕልዉዎ ካብ ዝሠርዖ  ሕግታት ነቲ ሓደ ባዕሉ ዝፈጸመሉ ዕለት እዩ።

ግዝረት ብዘመነ አብርሃም ዝተተኽለ ሕጊ እዩ። ትርጉሙ ድማ ዕልቦ ሥጋ ካብ ኣካላትካ ምውጋድ፡ ምቑራጽ ማለት እዩ። እዚ ከኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስ ኣቦና አብርሃም ናይ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ምልክት ነበረ። ግዝረት ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ጥምቀት ምሳሌ ኮይኑ ከኣ መፍለዪ ኣብ ሞንጎ ብእግዚአብሔር ዝኣመኑን ዘይኣመኑን ሕዝብታት ኮይኑ የገልግል ነበረ። ግዝረት ሕዝብን አሕዛብን ዝፈላለዩሉ ሥርዓተ ሕጊ ከምዝነበረን፤ ጥምቀት ከኣ ኣብ ሞንጎ እሥራኤል ዘሥጋን እሥራኤል ዘነፍስን ዝፈልዪ ምሥጢር ኮነ።

ግዝረተ አብርሃም

አብርሃም ካብ ኣቡኡ ታራ ዝወረሶ ልማድ ጦዖት ነበሮ። ኣቦኡ ድማ ሸያጢ ጣዖት ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ሓደ እዋን ንወዱ አብርሃም ጣዖት ክሸጠሉ ናብ ዕዳጋ ለኣኾ። አብርሃም ግና ነቲ ተሸኪምዎ ንዝነበረ ብኢድ ሰብ ጽሩብ ዝኾነ “ኣምላኽ” (ጣዖት) ከዛርቦ እንተፈተነ’ውን መልሲ ክረኽበሉ ኣይከኣለን። ጥሜቱ ከዐንግለሉ እንተለመኖውን ዝሰምዕ ኮይኑ ኣይረኸቦን እሞ ኣብ ዕዳጋ ወሲዱ ከቃልሎ ተራእየ። ኣብ ምምላሱ ድማ ንዕኡ ደርቢዩ ሓቀኛ ኣምላኹ ንምርካብ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚሩ ሃልዎተ እግዚአብሔር ምስ ፈለጠን፤ ብፍጹም እምነቱን ብግብሩን ንእግዚአብሔር ባህ ብምባሉን ዓርከ እግዚአብሔር - ፍቁረ እግዚአብሔር ተባህለ።

Friday, January 13, 2012

ሃይማኖተ አበው

 ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ - ድርሳነ ልደት (ምዕራፍ ፷፮፥ ክፍሊ ፫-፲ ቍ.፩-፭, ፲፬-፴፬) 

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዝኸበረ ልደት ጐይታ ኣብ ዝገለጸሉ ድርሳኑ ከምዚ በለ። 

ቀዳማዊ አምላኽ ሎሚ ተወሊዱ። ጥንቲ ገንዘቡ ብዘይኮነ ባህርይ ተረኽበ። ንሱ ቀዳማዊ ኣምላኽ እዩ። ሰብ ብምዃኑ’ውን ካብ ባህርይኡ ኣይተለወጠን። ጥንተ መለኮቱ’ውን (ናይ መለኮቱ ምጥንታውን) ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድኅሪ ምውላዱ ኣይኮነን፤ ምስ አብ ምስ መንፈስ ቅዱስ ዓለም ከይተፈጥረ ዝነበረ ጥበብ እዩ እምበር። ዘይሓምም ንሱ ካብ ባህርየ መለኮቱ ከይተለወጠ፡ ሕማም ንዝሰማምዖ ሥጋ ተዋሒዱ። (ዮሐ ፩፥፩-፲፬/1፥1-14 ቀዳማይ ቆሮ ፪፥፮-፲፪/2፥6-12) 

ኣብ ልዕሊ ልዑል ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ንሱ ኣብ መብልዕ ማል ተደርበየ። ቅድሚ ሥጋ ምዃኑ ዘይድህሰስ ዝነበረ፡ ወልድ ዋሕድ ሎሚ ሥጋ ብምውሓዱ ተዳህሲሱ። ኃጢኣት ዘስተሥርዪ ንሱ ብኣጭርቕቲ ተጠቕለለ። (ሉቃ ፪፥፮-፲፱/2፥6-19) ደጊሙ’ውን ከምዚ በለ፡ ዘይውሰን እግዚአብሔር ኣብ ማኅፀን ድንግል ከም ዝተወሰነ መን ረኣየ መን ሰምዐ ሰማያት ዘይውስንዎ ንሱ፡ ማኅፀነ ድንግል ኣይጸበቦን። ባህርይኡ ከይተለወጠ ተወሊዱ እምበር፡ ካብ መለኮቱ ዝተፈልየ ዕሩቅ ብእሲ ኣይኮነን። 

ደጊሙ’ውን እዚ ፍጹም መምህር ዮሐንስ አፈወርቅ’ዚ ነገረ ልደት ኣብ ዝተዛረበሉ መጽሓፍ ከምዚ በለ። ጥበበኛ ሰራሒ መሬት ንዝሰርሓሉ ጽቡቕ ጽቡር መሬት ምስ ረኸበ፡ ካብኡ ሰናይ ኣቕሓ ከምዝሠርሕ፤ ከምኡ ድማ ጐይታና ናይ ድንግል ንጹሕ ሥጋኣን ንጹሕ ነፍሳን ምስ ረኸበ፡ ነፍስ ንዘላቶ ሥጋ ክወሓድ ፈጠረ። (ሉቃ ፩፥፳፮-፴፱) ከምቲ ዝፈቐዶ ንሰብ ፈጠሮ፡ ካብ ድንግል ካብ ዝፈጠሮ ነፍስን ሥጋን ለበሰ። ንእኡውን ተዋሒዱ ሎሚ ተወሊዱ። ሕፀፅ ዘለዎ እዩ ኢሉ ባህርይና ኣይገደፎን። ሥጋ ኣብ ዝተወሓደሉ ጊዜ ቃል ካብ ምልኣቱ ኣይተወሰነን፤ ሥጋ ናይ ፈጣሪ ኣካል ባህርይ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ፍጹም ኣምላኽነት ረኸበ እምበር። (ሉቃ ፪፥፲-፲፬/2፥10-14 ዮሐ ፩፥፲፬/1፥14) 

Thursday, January 12, 2012

አፅመ ቅዱሳን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሎሚ ዕለት ፫ ጥሪ ዕረፍቲ ናይ ቅድስ ኣቦና አቡነ ሊባኖስ እዩ። ኣብ ገዳሞም ደብረ ሊባኖስ ድማ ክብ ብዝበለ ሥርዓት በዓሎም ይበዓል። ገዳም ደብረ ሊባኖስ ካብ ኣሥመራ ፻፶/150 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡብ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ልዕሊ ሓደ ታቦት ዝሓቘፈ ገዳም እዩ። ገለ ካብ ታቦታቱ ድማ ደብረ ኢየሱስ፡ ደብረ ሐዋርያት፡ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ይርከብዎ። ብዛዕባ እዚ ጥንታዊን ኣብ ፭ይ ክፍለ ዘመን ዝተመሥረተን፡ እዚ ገዳም’ዚን መሥራቲኡ ዝኾኑ አቡነ ሊባኖስን ዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ አቡነ ሊባኖስን ገዳሞምን ክንምልከት ከኣ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ንሎሚ ግና ከም ፍቓድ እግዚአብሔር፡ ብዛዕባ ኣብቲ ገዳም ንዝርከቡ ኣካላተ ቅዱሳንን ኣዕፅምቶምን መበገሲ ብምግባርን ብምዝካርን ተዛማዲ ጽሑፍ ነቕርብ ኣሎና።

በረኸትን ረድኤትን ናይ አቡነ ሊባኖስን ኵሎም ቅዱሳንን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ኽብሪ ኣዕጽምቲ ቅዱሳን

Tuesday, January 10, 2012

ቅዱሳት መጻሕፍትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሰብአ ሰገል እንታይ ይብሉ፧ (ቀዳማይ ክፋል)

ኦዝ መንክር በዘዚአኪ አምሳል 
ኮከበ ትንቢት ዘቦቱ መልክዐ ሕፃን ሥዑል 
ሠረቀ ያርኢ ተአምረኪ ድንግል 
ወመርሖሙ ለሰብአ ሰገል እምርኁቅ ደወል 
ጽጌኪ ኀበ ሀሎ ይሰክብ በጎል።  (ማኅሌተ ጽጌ)



ኣብ ጊዜ ዜና ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገዳሲን ልዑል ስፍራን ብዛዕባ ዘለዎም ሰብአ ሰገል ዘሎና ኣፍልጦ ከመይ ይመስል፧ 

ብዛዕባኦም ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ካብ ፍቕዲ ሓደ ክሳዕ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣብ ዘሎ ታሪኽ ዝጠቐሶም እንተዘይኮይኑ ኣብ ዝኾነ ክፋል ቅዱስ መጽሓፍ ታሪኾም ኣይንረኽቦን ኢና። 

Monday, January 9, 2012

ጸሎተ ሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 
ጸሎተ ሃይማኖት - ግእዝ 
   ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኲሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። 
   ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም። ብርሃን ዘእምብርሃን አምላክ ዘእምአምላክ ዘበአማን። 
  ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ ዘዕሩይ ምስ አብ በመለኮቱ። ዘቦቱ ኲሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ። 
   ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት። ተሰብአ ወተሠገወ እመንፈስ ቅዱስ ወእማርያም እምቅድስት ድንግል። ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ በመዋዕለ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ሐመ ወሞተ ወተቀብረ ወተንሥአ እሙታን አመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻሕፍት። ዐርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኰንን ሕያዋነ ወሙታነ ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ። 
  ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረፀ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወብሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት። 
  ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላዕለ ኲሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት፡ ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየት ኃጢአት። ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም። 

ጸሎተ ሃይማኖት - ትግርኛ 
  ኵሉ ብዝኃዘ፡ ሰማይን ምድርን፡ ዚርአን ዘይርአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚአብሔር አብ ነኣምን። 
   ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብ ዋሕድ’ውን ነኣምን። 
   ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፡ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፡ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፡ ብመለኮቱ ምስ አብ ማዕረ ዝኾነ፡ ኲሉ ብኡኡ ዝተፈጥረ፡ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን፡ ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። 
   ምእንታና ምእንቲ ሰብ፡ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፡ ሓመመ፡ መከራ መስቀል ተቐበለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከምዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥአ። ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ። ኣብ የማን አቦኡ ተቐመጠ። ከም ብሓዲሽ ንሕያውንን ምዉታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ እዩ። ንመንግሥቱ’ውን መወዳእታ የብሉን። 
   ጐይታን መሕወዪን ብዝኾነ ካብ አብ ብዝሠረፀ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን። ምስ አብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን። ብነቢያት ዝተናገረ እዩ።
  ልዕሊ ኲሉ ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን። ኃጢኣት ንምስትሥራይ፡ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ንኣምን። ትንሣኤ ሙታን ንዘለዓለመ ዓለም ዚመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር። 

Wednesday, January 4, 2012

ኖሎት ናብ ሊቀ ኖሎት

ጓሶትን - እታ ዕፅብቲ ዕለትን 
ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ኣውራጃ ይሁዳ፡ ቤተ ልሔም (ዘኤፍራታ) ኣብ ዝተባህለት ከተማ ቅድሚ ፪ሺሕ፬ ዓመታት ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ፤ ብሕጂውን ክረአ ፈጺሙ ዘይከኣል ሓድሽን ድንቅን ነገር ብዙኃት ከይፈለጥዎን ከየስተውዓልዎን እንከለዉ ጋህዲ ኮነ። እዚ ከኣ ልደት ሰማያዊ ንጉሥ ነበረ። ግልጸት እዚ ሓድሽ ነገር’ውን ነገሥታትን ስድርኦምን ኣብ ዝሰፍርዎ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ወይውን ልዑላን ኣብ ዝርከቡሉ ዘጌጹን ምልኩዓትን ኣባይቲ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ሓታቲን ተገዳሲን ኣብ ዘይብሉ ኣብ መብልዒ ማል እምበር። 

ደጊምካ ደጋጊምካ ክትዛረበሉውን ወትሩ ዘድንቕ እዚ ምግላጽ’ዚ፡ ንምድራውያንን ንሠራዊት ሰማይ ንቅዱሳን መላእኽቲ ዘሥመረ ፍሉይ ዕለት እዩ ነይሩ። ቅድሚ ዓለም ዝነበረ፡ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኵሉን ዝፈጠረ፡ ፈጢሩ’ውን ዝገዝእ፡ ኣኅሊፉ’ውን ዝነብር፡ ንቅድምንኡ መጀመርያ ንፍጻሜኡ መወዳእታ ዘይብሉ አልፋ ወዖ ዝኾነ ጐይታ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ! ነዚ ድንቂ ግብሪ ኣምላኽ’ዚ መን የስተውዕሎ መን’ከ ይምርምሮ ዘመን ዘይጽብጸበሉ ፈጣሪ ተወሊዱ ማለት ክንደይ ዘየደንቕ

Tuesday, January 3, 2012

ጾመ ገሃድ

ጾመ ገሃድ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። እዚ ጾም’ዚ ድማ ድሮ (ዋዜማ) በዓለ ልደትን በዓለ ጥምቀትን ኣብ ዘሎ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ። ብዛዕባ’ዚ ጾም ዝምልከት ዓመት መጸ ከም ሕቶ ስለዝለዓዓል ደጊምና ከነብርሆ ክንፍትን ኢና። ብዝኾነ ግና ኣቐዲሙ ንዝወጸ ጽሑፍ ጾመ ገሃድ ምምልካት ድማ ሓጋዚ እዩ።

መሠረት ጾመ ገሃድ

ታሪኻዊ መሠረት ጾመ ገሃድ ኣብ በዓላት ዘሎ ናይ ኣኸባብራ ሥርዓትን ትምህርትን እዩ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና በዓላት ካብቲ ዝበዓሉሉ ኣገባብ ወይውን ሥርዓት ገሊኣቶም ብጾም፣ ብሱባኤ፣ ብሓዘን ብስግደት ልማኖ ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኣቶም ድማ ብፍስሓ ብሓጐስ ብተድላ ዝኽበሩ እዮም። እምበኣር ብፍጹም ተድላን ፍስሓን ካብ ዝኸበሩ በዓላት ድማ ጥምቀት ልደት ትንሣኤ እቶም ቀንዲ ተጠቐስቲ እዮም። ምኽንያቱ ድማ ኣብዞም ዕለታት እግዚአብሔር ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ስሌና ንዝገበሮን ንዝሃበናን ዓቢ ጸጋታቱን ውዕለቱን እናዘከርና፡ ብምስጋና ብቅዳሴ ብሓጐስ ብፍስሓ ከነኽብሮ ግቡእ ምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስለትእዝዘና እዩ። ሓቂ ድማ ጐይታ ስለዝተወለደልና፤ ጐይታ ድኅነት እንረኽበሉ ጥምቀት ምሳሌ ስለዘርኣየናን ሥርዓት ስለዝሠርዓልናን ዓቢ ምሥጢር ስለዝተገለጸልናን፤ ካብ ምውታን ተፈልዩ ንሞት ሥዒሩ በኵረ ትንሣኤ ስለዝኾነልናን ንሕጐስ እምበር ኣይንሓዝንን። ስሌና ጸዋተወ መከራ ብኢድ ኃጥኣን ንዝተቐበለሉን ንዝተሰቕለሉን ድማ ፍቕሩ እናዘከርና ንበኪ፤ ንሓዝን። ኵሉ ገጊዜኡ ኣለዎ። ሥርዓት ድማ ብጊዜን ፍጻሜታቱን ዝተሠርዐ እዩ። ስለዚ ድማ ልደትን ጥምቀትን ኣብ ጾም ክውዕሉ ከለዉ (ረቡዕን ዓርብን) ኣብ ክንዲኡ ለውጢ ብምግባር ብድሮ ክንጾሞ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ሠሪዓትልና ኣላ።