Monday, February 27, 2012

መልሲ ነቲ ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ (ካልኣይ ክፋል)

ቡርክት አንቲ እምአንስት - ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ 

እምበኣር እግዚአብሔር ማኅደሩን፡ ኣብ ምድሪ ከኣ ዙፋኑ ክትከውን ዝኃረያ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ንኣምላኽ ምውላዳ ጥራይ ዘይኮነስ ብኵሉንተናኣ ቅድስቲ ንጽሕቲ ካብ ኵለን ኣንስቲ ተፈልያ ብርኽቲ ብምዃና ብምድራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ብሰማያውያን ከይተረፈ ተመስኪሩላ እዩ። ዓቢዪ ዜና ብስራት ዝጾረ ቅዱስ ገብርኤል ድማ እቲ ቀዳማይ ምስክርና እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ቅዱስ ገብርኤል ኣብሳሬ ትስብእት ኮይኑ ናብታ ቅድስት ድንግል ኣብ ዝተለኣኸሉ እዋን፡ ካብቲ ዘቕረበላ ሰላምታን ዘቕረቦ ውዳሴን ከኣ ብእግዚአብሔር ንዝተዋህባ ክብሪ ክንርዳእ ንኽእል። ካብቲ ብዙኅ እቲ ሓደ ኸኣ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ” ዝብል ይርከቦ። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ ምባሉ ኸኣ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብልኪ፤ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ዘሎኪ (እተውህቢ)፤ ካብ ልማደ ኣንስት ፈጺምኪ ዝረሓቕኺ፤ ካብ ኣንስቲ ኵሉ ዝተፈለኺ ዝተባረክኺ ማለቱ እዩ። እታ ንቅድስት ድንግል ከተመስግና መንፈስ እግዚአብሔር ንዝገለጸላ ምሥጢር ኤልሳቤጥ’ውን ብዓቢይ ቃል ዝበለቶ ምስ ቅዱስ ገብርኤል ዝመሳሰል እዩ። “ወመልአ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ኤልሳቤጥ ወከልሐት በዐቢይ ቃል ወትቤ፡ ቡርክት አንቲ እምአንስት” (ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልአ፤ ብዓቢይ ድምፂውን ዓው ኢላ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ) በለታ። (ሉቃ ፪፥፵፪/2፥42) 

Thursday, February 23, 2012

መልሲ ነቲ ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
መእተዊ

ኣብ ዝኃለፈ እዋን ብሓደ ዲያቆን ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ ብመሠረት ኣቦታትና ዘጽንሑልና ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ፡ መልሲ ከም እንህብ ብዝኣተናዮ ቃል፤ ሊቃውንቲ ሓቲትና መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ተመልኪትና ንዝረኸብናዮ እንሆ ናባኹም ነብሎ ኣሎና።

ንመእተዊ ክኾነናን ብሕ­ጂ ክለዓል ንዝኽእልን ባዕላዊ ትርጉምን ፍልስፍናን ተግሣጽ ዝኸውን፡ ቅዱስ ጳውሎስ “ካብቲ ዝተጻሕፈልና ኣይንኅለፍ” ንዝበሎ ኃይለ ቃል መሠረት ብምግባር አትናቴዎስ ሐዋርያ ንዝሃቦ መለበሚ ቃል ከነቕድም ኢና።

ነጽሩ ዘከመ እፎ ወድቁ ውስተ ዕበደ ስሕተት ከመዝ ወእሙንቱ ይሔልዩ ከመ ጠቢባን እሙንቱ ርእዩ ዕበየ ዝንቱ ኃጢአ ልቡና ወዕበድ ዘወድቁ ውስቴቱ እስከ ፈጠሩ ሎሙ ዘኢሀሎ ውስተ መጻሕፍት ወዘኢይትረከብ። (ኢሳ ፭፥፲፱-፳፩ ዮሐ ፰፥፵፬-፵፭) (ብኸመይ ዝኣመሰለ ድንቍርና ከምዝተተሓዙ ፍለጡ፤ ንገዛእ ርእሶም ፈላጣት ከምዝኾኑ ይሓስቡ። ንዝወደቑሉ ምስኣን ኣእምሮን ብዝኂ ስንፍናን ርኣዩ። ኣብ መጻሕፍቲ ንዘየለን ኣብ መጻሕፍቲ ንዘይርከብን ካብ ልቦናኦም ኣንቂዖም ክሳብ ምዝራብ በጺሖም።) (አትናቴዎስ ምዕራፍ ፳፬፥ ክፍሊ ፫ ቍ. ፬)

Sunday, February 19, 2012

ኣብቲ ዝተቐደሰ ስፍራ፡ ኑፋቄ ዝእውጃ ዘለዋ ልሳናት መፍትሒ የድልየን ኣሎ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ዕዝኒ ዘይስምዖ፡ ዓይኒ’ውን ዘይርእዮ የብሉን። ኣብዚ ዝሓለፈ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ንዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ጽቡቕ ይኹን ክፉእ፡ ዘገርም ይኹን ዘደንጹ ነገራት ንጸሓፍቲ ታሪኽን መዝገብቱን ገዲፍና፤ ኣብታ ሎሚ ዝግብኣ ማርሳ ስኢና ብነፋሳትን ማዕበላትን እናተደፈአት ኣብ ባሕሪ ትናወጽ ዘላ ዘይትጥሕል መርከብ ቤተ ክርስቲያንና ሓደ ካብቲ ብዙኅ እነስተውዕሎ ዘገርም ነገራት ግና ኣሎ። እዚ’ውን ብመጽሓፍ ወይውን ብታሪኽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስሞም እምበር ተልእኾኦም ግዳማዊ ምዃኑ ብዝፍለጡ ልኡኻት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን፡ ትምህርቲ ዝቐደሙ መናፍቓን ብዘሕፍር ኣገባብ ዝሰብኩሉ ዘመን ምብጻሕና እዩ። “እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡” ዝበለና ጽን ክንብሎ ዘገድድ ገጻት ታሪኽ ኣንቢብናን ሕጂውን ኣብ ምንባብ ኣሎና። (ማቴ ፳፬፥፲፭/24፥15)

Thursday, February 16, 2012

መዘክር ጾም


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

አምላከ ሕያዋን እግዚአብሔር እንቋዕ ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናሳገረ፤ ናብቲ ባሪኹን ቀዲሱን ዝሃበና ዓቢይ ጾም ብምሕረቱ ኣብጸሓና።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብነት ኮይኑ ንዝሰርዓልና መገዲ ሕይወትን ጸጋን ንዝኾነ ጾም ብዝግባእ ክንጥቀመሉን፤ ብንስሓን ብጸሎትን ብኵሉ ኣምላኽ ዝሠምሮ ሰናይ ተግባራትን ተሰኒና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ  ክነቐርብ ድማ ወርትግ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዘካኽረና እያ። ናይ ሎም ዘመን ዓቢዪ ጾም ከኣ ፲፪/12 ለካቲት (20/02/2012) ከምዝጅምር’ውን ዝተፈልጠ እዩ።

ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑ ዘሎ ሱባኤ ከምቲ ፍቓዱን ሕጉን ጾይምና፡ ካብቲ ኵሉ ዝኽእል እግዚአብሔር ንነፍስ ወከፍና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሃገርናን ንሕዝብና ምሕረቱን ረድኤቱን ኣብዚኅና እንረኽበሉ ክኸውን ናብቲ ቅዱስ ኣምላኽ ምምኅጻን ከኣ ዝግባእ እዩ። እቲ ዘሎናዮ ጊዜን መዋዕል’ውን ምኽፋት ዘየድልዮ ቅሉዕን ተነባብን መጽሓፍ ኮይኑና ስለዘሎ፡ ስለቲ ኵሉ ኣብ ዓለምና ዘሎ ክፉእ ነገራት ናብ ሰናይ ክልውጠልና በብዘሎናዮ ነቲ ፈታዊ ምሕረት ዝኾነ ፈቓር ኣምላኽ እግዚአብሔር ክንልምኖ ይግባእ።

እታ ንኵሎና ኣብ ዘዘሎናዮ እትእክበናን፡ ምንጪ ሕይወት ብዛዕባ ዝኾነት ቅድስት ቤቱ ከኣ ሰላማን ሓድነታን ክህበልና፤ ዘመን ሃይማኖት እቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣቦታትና ክደግመልና፤ ጭንቃን ብኽያታን ዘይኮነስ ትንሣኤኣ ክንርእይ ከብቕዓና ካብ ልብና ነፍስና ኣሕሲእና ክንልምኖ ዝግባእሉ እዋን ከምዝኾነ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ ዘስተውዕሎ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ኸኣ ንሕና'ውን ነቲ ዝመጸን ዝመጽእ ዘሎን ሽግራትን ፈተናን ብጾምን ብጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ብምቕራብ ክነፍትሖ ከምዝግባእ ምስትውዓል የድሊ። 

ማዕዶት፡ ዓሚ ኣብ ኸምዚ እዋን እዚ ብተኸታታሊ ብዛዕባ ጾምዓቢይ ጾም ከምኡውን ሰናብቲ ጾም ንሸሞንተ ሰሞናት ብተኸታታሊ ትምህርታዊ ጽሑፋት ፈንያ ብምንባራ፤ ሕጂ’ውን ንክቡራት ተኸታተልታ ነቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ጽሑፋት ደጊሞም ክውከሱ ከምዝኽእሉ መዘክር ተቕርብ ኣላ።

ጾምና ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ እንራኸበሉ፤ ንሱ’ውን ጾምናን ጸሎትናን ተቐቢሉ ናባና ገጹ መሊሱ በረኸቱን ረድኤቱን ዘፍስሰሉ ይግበረልና። ኣጀሚሩ ከፈጽምና ከኣ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ንኵሎም ፈተውትን ተኸታተልትን ጦማረ ማዕዶት ከኣ ስለ ዕብየት እዛ መጽሔትኩም እዚኣ ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክሩና ንምኅፀነኩም።

ስብሐተ ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።



Saturday, February 11, 2012

ተጋድሎ እትሓትት ሃይማኖተ ቅዱሳን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

  “በታ ሓንሳእ ንቅዱሳን እተዋህበት ሃይማኖት ክትጋደሉላ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ስሉዅ ኢሎም ኣትዮምኹም ኣለዉ።፡ ንሳቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጻጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉሥ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ እዮም።” (ይሁዳ ፫-፬/3-4)

ሃይማኖት ብእግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝተዋህበ ብዋጋ ዘይሽነን ክቡርን ረቂቕን መንፈሳዊ ዕንቊ እዩ። ሰባት ምስ ፈጣሪኦም ዝራኸቡሉን ዝዛመዱሉን እንኮ መገዲ ከኣ እዩ። ብዘይ ሃይማኖት ንእግዚአብሔር ምሥማርን፤ ንሱ ንዘዳለዎ ጸጋ ምርካብን መንግሥቱ ድማ ምውራስን ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ እግዚአብሔር ብዝተቐበለቶ ኅድሪ፡ ኣብ መዋዕል ታሪኻ ስለ ምስፋሕን ምዕቃብን ርቱዕ ሃይማኖት ኣንጻር ገዛእቲ ጸልማት ዘይተጋደለትሉ ዘመን፡ ዘይሰገረቶ መስገድል ኣይነበረን፤ የሎን’ውን። ብኸምኡ ድማ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ክትጋደልን ኣንጻር ጸልማት ዘበለ ኵሉ ብርሃና ክትፍንውን ንደቃ ክጋደሉ ክትመክርን ክትኣልይን ክትነብር እያ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ስለታ ድኅነት ዝርከበላ ሃይማኖት ተጊሁ ኣብ ዝጸሓፈሉ መልእኽቱ፤ ሰሊኾም ብዛዕባ ዝኣተዉዋ እሞ መገዲ እዛ ሃይማኖት ብምርካስ ንዝመላለሱ ብምንቓፍ፤ ሓንሳእ ስለታ ንቅዱሳን እተዋህበት ሃይማኖት ምግዳል ከምዝግባእ ኣጽኒዑ ዝመዓደ።

Wednesday, February 8, 2012

አቡነ እንድርያስ ዘደብረ ጽጌ

በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ናብ ክብረ በዓለ አቡነ እንድርያስ ሰፍአ ብሰላም ኣብጽሓና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ናይዞም ዝቐደሙ ቅዱሳን ሃገርና ጠሊ በረኸቶምን ረድኤቶምን ከየርሓቐ፤ ንሃገርናን ቤተ ክርስቲያናን ሰላሙን ፍቕሩን ሓድነቱን የጽንዓልና።

እምበኣር ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና አቡነ እንድርያስን ገዳሞም ደብረ ጽጌን ዝምልከት ኣብ ቀዳማይ ክፋልንካልኣይን ክፋልን ቅድሚ ሕጂ ኣውጺእናዮ ንዝነበረ ጽሑፋት ክንምልከትን፤ ባሕቲ ለካቲት  ናይ ዝበዓል ክብረ በዓሎም ኣብ ዘዘሎናዮ ኮይንና በረኸቶም ክንሳተፍ ብትሕትና ንዕድመኩም ኣሎና።


ዝኽሪ ጻድቅ ዘለዓለም በረኸት ዘለዎ እዩ እሞ፤ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረኸት ቃል ኪዳኖም የሳትፈና።  

Monday, February 6, 2012

አቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ብዕለት ፳፱ ጥሪ ናብ ዝኽበር፡ ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ (ዕፉን) ብሰላም ኣብጸሓና። እዞም ጻድቕ እዚኦም ምስ ቅዱስ ኣቦና አቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ ካብ ዝነበሩ ተምሃሮን ኣርድእትን ሓደ ኮይኖም፤ ብቕዓቶም ተመስኪሩሎም ብባርኾት አቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ (ብወገን ሰሜን ሩባ ዑበል) ንዝርከብ ገዳም ወግረ ስሂን ዝመሥረቱ እዮም። ስሞም ምስ አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ዝመሳሰል ይኹን ደኣ እምበር ክልቲኦም በበይኖም ምዃኖም ምስትውዓል የድሊ። እምበኣር ኣብቲ ገዳም'ቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ካብ ዝተዘርገሐ ትምህርታዊ ጽሑፍ ንዝረኸብናዮ ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። በረኸትን ረድኤትን ናይዞም ጻድቕ ኣቦና ምስ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ልደትን ኣተዓባብያን

አቡነ እንድርያስ ዕፉን ትውልዶም ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ አኵለ ጒዛይ፡ ንኡስ ዞባ ደቀ መሓረ ኮርባርያ እዮም። ስም ኣቡኦም ቀሺ መንክር፡ ስም ኣዲኦም ከኣ ጸዳለ ብርሃን ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ወለዲ ሃብታማት ነበሩ። ውላድ ግና ንግዚኡ ኣይነበሮምን። ድኅሪ ነዊሕ እዋን እግዚአብሔር ውላድ ከምዝረኽቡን፡ ቡሩኽን ዓቢን ከምዝኸውንን ስሙ እውን እንድርያስ ከምዝበሃል ብሕልሚ ኣርኣዮም። በዚ መሠረት ከኣ ፳፱/29 ሚያዚያ ተጸኒሶም ብ፳፱ ጥሪ ብዘይጻዕሪ ተወልዱ። ምስ ተወልዱ ከኣ ቅድሚ ኵሉ ንምብራቕ ገጾም ሰጊዶም ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ኣብ ጥምቀቶም እውን እቲ ማይ ከም ጸባ ጻዕድዩ ተራእየ። 

ናይዞም ቅዱስ ኣቦ እዚኦም መንፈሳዊ ሕይወት ገና ኣብ ዕድመ ቁልዕነት ከለዉ እዩ ዝጅመር። ኣብ ዝወፈሩሉ ዘበለ ኸኣ ኵሉ ሥራሕ ብጸጋ እግዚአብሔር ይፍጸመሎም ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንአቡነ መርቆሬዎስ መልአክ እግዚአብሔር ኣብ ኮርባርያ ዝተባህለ ዓዲ ኪድ ንዓኻ ዝኸውን ውላድ ክትረክብ ኢኻ በሎም፤ ባርኮ ግና ኣይትማልኣዮ ስለዝበሎም ከይዶም ባረኽዎም። እቶም ስድርኦምውን ብጽቡቕ ተቐበልዎምን ኣአንገድዎምን። ብድኅሪኡ ወዲ ኃሙሽተ ዓመት ምስ ኮኑ፡ ብሕልሚ ንአቡነ መርቆሬዎስ ግሩምን ዘብህግን ፈላሲ ኮይኖም ርኣይዎም፤ መደብ ኣምላኽ ስለዝነበረ ድማ ኅልንኦም ተለዓዒሉ ናብ ደብረ ድማኅ ከዱ። ኣብ ቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ ትምህርቲ ሃይማኖት እናተማህሩ ድኅሪ ምዕባይ፡ መወዳእታ ድማ ዓለም ንድኅሪት ገዲፎም ንእግዚአብሔር ከገልግሉ ብዝወሰድዎ ምርጫን ውሳነን ማዕረገ ምንኵስና ካብ ቅዱስ ኣቦና አቡነ መርቆሬዎስ ተቐበሉ።

Thursday, February 2, 2012

ንነነዌ ንዘክራ

ርሑቀ መዓት ብዙኃ ምሕረት እግዚአብሔር ቅኑዕ ፈራዲነቱ ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብ ዝተራእየሉ እቲ ሓደ መዋዕል ታሪኽ ነነዌን ሕዝባን እዩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ትንቢተ ዮናስ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ኣብዚ ታሪኽ’ዚ ነቢየ እግዚአብሔር ዮናስ ናብታ ዓባይ ከተማ ነነዌ እግዚአብሔር ከምዝለኣኾን፤ ኃጢኣት ነበርታ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከምዝብጸሐን ጥፍኣታ’ውን ከምዝቐረበን ክንገር ድማ ተኣዚዙ እኳ እንተነበረ፤ ካብ ገጽ ኣምላኽ ክኽውል ከምዝፈተነ ይገልጽ። ብጥበብ እግዚአብሔር ድማ ካብቲ ክሃድመላ ዝፈተነ መርከብ ናብ ባሕሪ ከምዝተደርበየን፤ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድማ ኣብ ከብዲ እቲ ዝተቐበሎ ዓሣ ነብሪ ከምዝጸንሐን ናብ ገምጋም ባሕሪ ናይቲ ክኸዶ ዝግባእ ዓዲ ድማ ከምዝትፈኦ ይነግር። ኣብታ ዓዲ ምስቀረበ ድማ ቃል ተግሣጽ ከምዘስምዐ፤ እቲ ሕዝቢ ድማ ካብ ንጉሥ ኣትሒዙ ኵሎም መኳንንትን ዓበይትን ንኣሽቱን እንስሳታት ከይተረፈ ምሕረት እግዚአብሔር ብጾምን ብጸሎትን ሠለስተ መዓልቲ ከምዝለመኑ እሞ እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ጣዕሳኦምን ምምላሶምን ርእዩ ምሕረት ከምዝኣወጀሎም የረድኣና። ነቢየ ነነዌ ዮናስ ግና ኣብ ልዕሊ እቲ ሕዝቢ ንዝወርድ ጥፍኣት ክርኢ ብሕት ኢሉ ኣብ ወሰን ናይቲ ዓዲ ናብ ዝርከብ በሪኽ ቦታ ወጺኡ ይጽበ ከምዝነበረ እሞ እግዚአብሔር ግና ርኅራኄኡ ብሓንቲ ከተጽልሎ ዘብቖላ ሰፊሕ ቖጽሊ ዘለዋ ጒልዒ ገይሩ ከምዝመሃሮ ይነግረና። 

እምበኣር በዚ ጽማቝ ዝቐረበ ትንቢተ ዮናስን ታሪኽ ነነዌን፡ ክንዲ ባሕሪ ዝሰፈሐ ትምህርትን መልእኽትን ነቶም ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሕዝቢ ዝህበናን ዝምህረናን እዩ። ጐይታ’ውን ብዛዕባ ዮናስ ደጋጊሙ ምጥቓሱ ነዚ ኣብ ሓደ ምጽናዕ ዘይተኣኸኣሎ እሞ ትእምርቲ ዝደሊ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ዝህቦ ዓቢ ትምህርቲ ስለዘሎ እዩ። እግዚአብሔር ምሥጢሩን ምስትውዓሉን ይዓድለና እሞ ንጾመ ነነዌ ምኽንያት ብምግባር ካብቲ እዚ ታሪኽ’ዚ ካብ ዝምህረና ትምህርቲ ንውሑድ መልእኽቱ ስዒብና ክንጠቕስ ኢና።