Friday, March 23, 2012

ገዳም ደብረ መስቀል ጕና ጕናን ጥንተ በዓል መስቀልን (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

2.6 መዕረፊ ፍንጫል (ግማደ) መስቀለ ክርስቶስ
እዚ ገዳም’ዚ ካብ ካልኦት ገዳማት ሃገርና ፍልይ ካብ ዘብሎ ነገር፡ ግማደ መስቀል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐሚጡሉ ዝጸንሐ ቅዱስ መካን ምዃኑ እዩ። ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዝንገር ቅዱስ መስቀል ጐይታ ብእሌኒ ንግሥታ ድኅሪ ምርካቡ እቶም ዝቐደሙ ኣቦታት ናይቲ ዘመን’ቲ ንበረኸት በብመናብሮም ተኻፊሎሞ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ሓደ ካብኡ ከኣ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ማርቆስ እያ። ገለ ትውፊት’ውን ኣብቲ ካልኦት መንበራት ዝነበረ ኣብ ብዙኅ ንኣሽቱ በብጊዜኡ ከምዝተማቃቐለን በብጊዜኡ ይጠፍእን መሊሱ ከኣ ይርከብን ምንባሩ ይንገር።

ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ፲፬ ክፍለ ዘመን ብዘመን ሃጸይ ዳዊት አቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን ዝርከብዎ ቅዱሳንን ጻድቃንን ነቲ ግማደ መስቀል  ካብ ግብጺ ከምዝተረከብዎ ዝግለጽ ታሪኽ ኣሎ። ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ እኳ እንተኾነ፡ ናብ ሃገርና ድኅሪ ምእታዉ ንውሕ ንዝበለ ጊዜ ኣብዚ ብስሙ ኣብ ዝጽዋዕ ገዳም ደብረ መስቀል ጕና ጕና ኣዕሪፉ ዘደንቑ ተኣምራት ይገብር ከምዝነበረ ይእመን። ኣኻውሕ ከምዝጨደደን እቲ ቀንዲ ክፋሉ ናብ ምድረ ኢትዮጲያ (ደብረ ግሸን) ክቕጸል ከሎ፤ ሓደ ክፋሉ ግና ኣብዚ ገዳም’ዚ (ጕና ጕና) ከምዝተሰወረ ይንገር። ብሓቂ እዚ ገዳም’ዚ ነገረ መስቀሉ ብሰፊሑ ዝንገረሉን፤ በቲ ቅዱስ መስቀል ዝተባረኸ ምዃኑ እሙን ነገር እዩ።

Monday, March 19, 2012

ዜና ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቦና ፖፕ ሼኑዳ ሣልሳይን መልእኽትናን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ - መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር። (መዝ ፻፲፩፥፮/111፥6)


ሞት ጻድቅሲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡር እዩ ከምዝተባህለ ሎሚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይን ክቡርን ዓንዲ ተፈልዪዋ ኣሎ። ኣቦን ፈታውን ሕዝበ ኤርትራ ዝነበሩ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ አቡነ ሺኖዳ ሣልሳይ፤ ኣብ ዝኃለፉ ውሑዳት ዓመታት ብዝተፈላለየ ሥጋዊ ሕማማት ክሳቐዩን ቀጻሊ ሕክምናዊ ምክትታል ክግብረሎምን ድኅሪ ምጽናሕ ኣብ መበል ፹፰ ዓመት ዕድሜኦም ብዕለት ፰ መጋቢት ፳፻ወ፬ ዓ.ም. ካብዚ ድኻምን ጻዕርን ዝበዝኆ ዓለም ኣዕሪፎም። ዜና ዕረፍቶም ብዝተፈላለዩ ማእከናት ዜና ዓለምን ብመንገዲ መራኸቢታትን ኣብ ዝተቓልሓሉ እዋን፤ ኣብ ኵሉ ዓለም ዝርከብ ሕዝቢ ስንባደ ዝፈጠረ እኳ እንተኾነ ምናዳ ኣብ ኵሉ ኵርናዕ ዓለም ንዝርከብ እሞ ኣዕዚዙ ንዘኽብሮምን ንዝፈትዎምን ኣማኒ ሕዝቢ ኤርትራ ግና ዘይጽወር ከቢድ ሓዘን ኮይንዎ ከምዘሎ ግሁድ ነገር እዩ።


“ዘእምንእሱ ውስተ ቤተ እግዚአሔር” ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምሉእ ታሪኽ ሕይወቶም ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝሓለፉ ፵ ዓመታት መዋዕል ሲመቶም ከኣ ብፍላይ፡ ብሰፊሑ ይግለጽ ከምዝነበረን ከምዘሎን፤ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ሥራሕ ተጋድሎን ካብ ናብ ተባሂሉ ተጸብጺቡ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ኣሰር እቶም ዝቐደሙ ኣቦታቶም ዘጽንዑ፡ ንትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ዝተቓለሱ ሓርበኛ፡ ብታሪኽ ንእንፈልጦም ቅዱሳን አበው ዘዘካኽሩ ኦርቶዶክሳዊ ሓዋርያን ሥዕሊ ኦርቶዶክሳዊነትን ነይሮም ክንብል ዝከኣል እዩ። ክርስትናን ጕስነትን ዝዛረቡሉ እምበር ዝነብረሉ ኣብ ዝተሰኣነሉ እዚ ዘመን’ዚ ከምኦም ዝኣመሰለ ህያው አቦ ምርካብን ምርኣይን መግለጺ’ውን ዘይርከቦ ዕጹብ ነገር እዩ።

Thursday, March 15, 2012

ገዳም ደብረ መስቀል ጕና ጕናን ጥንተ በዓል መስቀልን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

1.     ጥንተ በዓለ መስቀል
መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምድኃን ሥራሑ ዝፈጸመሉ ሥፍራ ኣብ ማእከለ ምድር ቀራንዮ ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሰቒሉ ብዝኸፈሎ መሥዋዕትነት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ መስቀለ ክርስቶስ ንኵሎም ክርስቲያናት ናይ ምድኃን፡ ናይ ዕርቂ፡ ናይ ሰላም፡ ናይ ሓድነት፡ ናይ ተስፋ፡ ናይ ኃይሊ ወዘይመስሎ ምልክት እዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ቅዱስ መስቀል ናይ እግዚአብሔር ናይ ፍቕሩ መግለጺ እዩ።  ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሐ ፫፥፲፮/3፥16)።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከኣ ነቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ መግለጺ ዘይርከቦ ፍቕሪ ኣምላኽ፤ ከተኽብሮን ከተመስግኖን ትነብር። ዓንዲ ማእከል እምነታን ኣምልኾታን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝፈጸሞ ድንቂ ግብሪ ብምግባር፡ ነቲ ክቡር መስቀሉ ኣብ ዝኾነ ኣገልግሎታን ንዋያታን ትጥቀመሉ ኣላ። ብዘይ መስቀል ዝፍጸም ኣገልግሎትን ምሥጢርን የብላን። ንዋያተ ቅዱሳታ ብመስቀል ዝኸበሩን ብመስቀል ዝወቀቡን እዮም። ካህናታ መስቀል ካብ ኢዶም ኣይፈልዩን፤ በቲ ዝተዋህቦም ሥልጣን ከኣ ይባርኽሉን ይቕድሱሉን። ወትሩ ከኣ “ለመስቀልከ ንሰግድ…” “አድኀነ ሕዝቦ በመስቀሉ” እናበለት ትዝምር። ነቲ ቅዱስ መስቀል ልዕል ኣቢላ ናብ ኵሉ መኣዝን ሕዝባ ትባርኸሉ። ንሕዝባ ኣብ ዓውደ መስቀል ኣኪባ ነገረ መስቀሉ ትምህርን ተኽብሮን። ንደቃ ብስም መስቀል ትሰምዮም። ምእመና’ውን ‘መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ” ብምባል ምልክት እምነቶም ምዃኑ ንምግላጽ ኣብ ክሳዶም ምስ ማዕተብ ይኣስርዎን ብኢዶም ኣመሳቒሎም ከኣ ስም እግዚአብሔር ይጽውዑሉን። ኮታስ ብዘይ መስቀል ዝግበር ክርስቲያናዊ እምነት ቤተ ክርስቲያን የብላን።  

Tuesday, March 13, 2012

ቅዱስ ማትያስ ሓዋርያን ዝህበና ትምህርትን


ትርጉም ስም ማትያስ ፀሐይ ከም ማለት ዘስምዕ እዩ። ብጻውዒቱ ከኣ መተካእታ ዝብል ስያመ ትርጉም ተዋሂብዎ። ማትያስ ኣቐዲሙ ንሓዋርያነት (ካብቶም ፲፪ተ) ኣይተጸውዐን። ድኅሪ ዕርገት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኣብ ክንዲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ናብ ሓዋርያት ዝተጸንበረ ሓዋርያ እዩ። ድኅሪ ጸሎት ሓዋርያት ከኣ ብዕጭ ውድቕ እዩ ድማ ተመሪጹ።

ምስክርነት ቅዱስ መጽሓፍ

ስም እዚ ቅዱስ ሐዋርያ ኣብ ግብረ ሓዋርያት (፩፥፲፭-፳፮/1፥15-26) ብዘይካ ምጥቓሱ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ካብ ካልእ ስፍራ ኣይተጠቕሰን። ጐይታ ካብ ምውታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ንሓዋርያት ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን ንማትያስ ተገሊጹሉ ከምዝነበረ ዝኾነ ምስክር ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣይንረክብን ኢና። ኣብ መወዳእታ’ውን “ሑሩ መሐሩ” ዝብል ትእዛዝ ንደቀ መዛሙርቱ ክእዝዝ ከሎ ማትያስ ኣብ ሞንጎ ሓዋርያት ምንባሩ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍሉይ ዝተጠቕሰ ነገር የልቦን። ይኹን ደኣ እምበር ቅዱስ ማትያስ ካብ ሞንጎ ሓዋርያት ከይተፈልየ ግብሪ ኣምላኽና ዝረኣየ ምዃኑ ካብ ዘረባ ቅዱስ ጴጥሮስ ክንርዳእ ንኽእል። ንሓዋርያነት ንክምረጽ’ውን ዮስጦስ በርስያ ምስ ዝተባህለ ዮሴፍ ዕንጨይቲ ከውድቐሉ ሓሳብ ዘቕረበ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ሓዋርያት ነበረ። ሱታፌኡ ክገልጽ ኣብ ሞንጎ ሚእትን ዕስራን ቤተሰብ ተንሢኡ ብዛዕብኡ ክዛረብ ከሎ ከኣ፡ ካብ ጥምቀት ዮሐንስ ጀሚሩ ክሳዕ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ኣብ ሞንጎ ሓዋርያት ኣብ ኵሉ ምእታዉን ምውጽኡን ካብ ሓዋርያት ዘይተፈለየ ምዃኑ መስኪሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ነቲ ንሳቶም ዝተላእኹሉ ምስክርነት ትንሣኤ ጐይታ ከምቲ ትንቢት ዝተነግረሉ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብድሌቱ ንዝሓደጋ ሓዋርያነት ተኪኡን ተቐቢሉን ምስክር ክኸውን ከምዝግባእ እተዛረበ። (ግብ ሐዋ ፩፥፳፩-፳፪/1፥21-22)

Tuesday, March 6, 2012

ቅዱስ አባ ገብረ ክርስቶስ ዘሊባን ወገሪቆ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ጽኑዕ እምነቶም፡ መንነቶም ክሳዕ ዝሥወር ዝገበረ ናይ እምነት ሓርበኛ እዮም። “ዘይፍለጥ ክኸውን እየ ዝፈቱ፥ ከምዝኾነ ታራ ሰብ ክቝጸር ከኣ እደሊ” ዝብሉ ዝነበሩ አባ ገብረ ክርስቶስ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዓሠርተው ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ብ ፲፰፻፺፰(1898) ዓ.ም. ኣብ ኤርትራ ኣብ ሊባን ወገሪቆ ተወልዱ። አባ ገብረ ክርስቶስ ስም ወላዲኦም ናይዝጊ ብሂል ጻድቅ፤ ስም ወላዲቶም ድማ ምልእቱ ከም ዝብሃል ካብ ብሕይወት ዘለዉ ቤተ ሰቦም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። 

እዞም ብንእሽቶኦም ልሳኖም ብትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኸፈቱ ኣቦ፤ ጊዜ ቍልዕነቶም ኣብ መጓሰን ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሃርን እዮም ኣኅሊፎምዎ። ኣበይ ዲቁና ወሲዶም፧ መን ነይሩ መምህሮም፧ እኳ ክንፈልጦ እንተዘይከኣልና፡ ፍቕሪ እግዚአብሔር ብንእሽቶኦም ቀለም ኮይኑ ኣብ ልቦም ስለ ዝተጻሕፈ፡ ንዝያዳ መንፈሳዊ ትምህርትን መንፈሳዊ ሕይወት ንምዕባይን ምስ ሥድራን መቕርብን ስለዘይከኣል፡ ናብ ገዳም ፃዕዳ እምባ እንዳ ሥላሴ ብምኻድ መንፈሳዊ ትምህርቶም እናቐጸሉ፡ ብርድእና የገልግሉ ምንባሮም ይፍለጥ። ተወሳኺ ካልእ ምንጪ ከም ዝሕብሮ ናብ ደብረ ዳሞ (ኢትዮጵያ) ብምኻድ ዜማን ቅኔን ከም ዝተማህሩ ይሕብር። አባ ገብረ ክርስቶስ ነጋዲ (በጻሒ) ቅዱሳት መካናትን ገዳማትን ብምንባሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ኣብ ቀላይ ጣና ንዝርከባ ገዳማት ከምኡውን ኣብያተ ክርስቲያን ላሊበላ በጺሖም ምንባሮም ይንገር። 

አባ ገብረ ክርስቶስ ዋላ’ኳ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ገዳማት ይመሃሩ፡ ምንኵስናኦም ግና ኣብ ፃዕዳ እምባ እንዳ ሥላሴ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ፃዕዳ እምባ እንዳ ሥላሴ ኣቐድም ኣቢሎም ዝነበሩ ብዕድመ ነዊኅ እዋን ዝገበሩ ኣረጋውያን አባ ገብረ ኤዎስጣቴዎስ ተባሂሎም ይጽውዑ ከም ዝነበሩ ይሕብሩ። አባ ገብረክርስቶስ፡ ኣብ’ቲ ገዳም ከለዉ፡ ኣዲኦም ምልእቱ ኣብኡ ምህላዎም ስለዝተሓበራ፡ ክበጽሓኦም ኣብ ዝኸዳሉ እዋን፡ “ፈላሲ ካብ በዓቱ፤ ዓሣ ካብ ባሕሩ ኣይወፅእን እዩ” ብምባል፡ ገጽ ወላዲቶም ንኸይርእዩ ብትሪ ተቓወሙ። ኣዲኦም ምልእቱውን ንፍቓዶም ብምቕባል፡ “ደኃን፤ መንግሥተ ሰማያት ቤትና’ዩ፥ ኣብኡ ክንራኸብ ኢና” ብምባል ልቢ ማኅበር ዘረስርስ ቃል ሂበን ንዓደን ተመልሳ። 

Friday, March 2, 2012

መልሲ ነቲ ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ (ሣልሳይን መወዳእታን ክፋል)

ምስክርነት ቅዱሳን አበው

 ቅዱስ አትናቴዎስ ሐዋርያ

“ወለደት ድንግል ዘፀንሰቶ እንዘ ኢተአምር ብእሴ በሥጋ ዘፈጠሮ ለርእሱ ወወለደቶ ዘእንበለ ደነስ ወሕማም ወኢረስሐት በሐሪስ ሐፀነቶ ዘእንበለ ፃማ ወድካም ወአጥበወቶ ዘእንበለ ድካም ወልአሐቀቶ በሕግ ዘሥጋ ዘእንበለ ትካዝ።”

ድንግል ሰብኣይ ከይፈለጠት ክወሓዶ ብዝፈጠሮ ሥጋ ንዝጸነሰቶ ወለደት፤ ብዘይ ኃጢኣት ብዘይ ሕማም ሕርሲ ወለደቶ፤ ናይ ሓራስ ግብሪ ኣይረኸባን። ብዘይ ድኻም ብዘይ ምስልካይ ኣዕበየቶ። ብዘይ ድኻም ኣጥበወቶ። ንሥጋ ብዝግባእ ሕጊ እንታይ ከብልዖ፡ እንታይ’ከ ከልብሶ ከይበለት ኣዕበየቶ። ( ሃይማኖተ አበው፦ አትናቴዎስ ምዕራፍ ፳፰፥ ክፍሊ ፲፬ ቍ. ፲፱) 

ቅዱስ ቄርሎስ 
“ወተአዘዘ ለአዝማዲሁ እንተ ይእቲ እሙ እንተ ወለደቶ በሥጋ እንበለ ዘርዐ ብእሲ ወልደቱሂ እምኔሃ በሥጋ አኮ ከመ ልማደ ፅንሰ ሥርዓቶን ለአንስት ሐሰ አላ ፍሉጥ እምልማደ ፅንሶን ለአንስት ወወለደቶ ድንግል ለቃል በሥጋ እንበለ ዘርዐ ብእሲ።” (ሉቃ ፩፥፳፮-፴፯ ፪፥፶፩) 

ንኣዝማዱ እዙዝ ኮነ። ንሳ ኸኣ እንበለ ዘርዐ ብእሲ ዝወለደቶ ኣዲኡ እያ። ብሥጋ ካብኣ ምውላዱ፤ ከም ልማድ ሥርዓት ምጽናስ ኣንስቲ ኣይኮነን። ካብ ልማድ ሥርዓት ምጽናስ ኣንስቲ ዝተፈለየ እዩ። ድንግል ንቃል ብሥጋ ብዘይ ዘርዓ ብእሲ ወለደቶ። (ሃይማኖተ አበው፦ ቄርሎስ ምዕራፍ ፸፥ ክፍሊ ፪ ቍ.፳፭)