Thursday, April 26, 2012

ምዕዶ አበው ዘደብረ ቢዘን

ምዕዳን ንዅሉ ዝኸውን።

ኣንቱም ኣቦታትና ካህናት ኣዕይንተ እግዚአብሔር እተባሃላትኩም! ብዕዝነ ልቦና ስምዑና ንእሽቶ ምኽሪ ክንመኽረኩም፡ ነገር ግን ንሕና ንኣኻትኩም ክንመክር ኣይከኣለናን፡ ምንጽርጻር ጓህን ደኣ የዛርበና ኣሎ እምበር፤ መጀመርያ ካህን ዝኸውን ፴ ዓመት ዕድመ ምስ መልኤ፡ ዓዲ ዝመረጽዎ። ዲያቆን ድማ ፳፭ ዓመት ዝኾኖ ዘመን ምምላኦም ሀገር ዝመስከረሎም ዕጉሣን፡ ህዱኣን፡ ምዃኖም ርእዮም ይሽሙ ግብ ሓዋ ፮፥፫-፮። “ቀለልቲ፡ ሰረቕቲ፡ ሓሰውቲ፡ ግን ኣይሽሙ” ኢሉ ኣሎ ፍትሐ ነገሥት ኣብ ፮ይ አንቀጸ ቀሳውስት። ኣብ ፭ይ ኣንቀጸ ዲያቆናት ኣብ ሲኖዶስ ኣብ ዲድስቅልያ ተመልከቱ።

ካህናት ንርእሶም ብሥርዓት ፀኒዖም ብሥርዓት ፅንዑ ኢሎም ዜስተምህሩ ዋጋኦም ብዙኅ ከም ዝኾነ፡ ማቴ ፲፱፥፳፯-፳፱። ቲቶ ፩፥፯-፱። ብምድሪ ግን መከራኦም ብዙኅ ከም ዝኾነ ግብ ሓዋ ፯፥፶፱ ተመልከቱ። ክፉእ ዚገብሩ ካህናት ግን ንርእሶም ጠፊኦም ሕዝቢ ከም ዘጥፍኡ። ፩ ሳሙ ፪፥፲፪-፴፬። ብኃጢኣት ካህናት ፴ ሽሕ እግረኛ ከም ዝሞቱ፡ ማቴ ፳፭፥፳ ተመልከቱ። ስለዚ ነገር ንምእመናን ተጊሀትኩም መሀሩ። ሕገ እግዚአብሔር ከየፍርሱ ነጊራትኩምዎም እንተ ገበሩ ኵልኹም ትድኅኑ፡ ነጊራትኩምዎም እንተ ኣበዩኹም ንርእስኹም ትድኅኑ ፩ ጢሞ ፬፥፲፮። ቲቶ ፪፥፲፭። “ኢታፁርዎሙ ፆረ ክቡደ” ማለት ጽኑዕ ዕዳ ኣይተሸክምዎም ማለት እዩ እምበር፡ ሕገ እግዚአብሔር ኣይተኣዝዝዎም ማለት ኣይኮነን። ካብ ክርስቶስ ዚበልጽ ርኅሩኅ መን ኣሎ! መንግሥተ ሰማያት ዚኣክል ብጭልፋ ማይ ዚህብ።

ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ኣእምሮ ግበሩ። ካህናት ዝኣዘዝኹም ግበሩ፤ ክፉኣት እዮም ከመይ ኢልና ክንሰምዖም እንተ በልኩም፡ ጽቡቕ እንተዘይገበረ ጽቡቕ ግበሩ ዘይብል ካህን የልቦን፡ “ዲበ መንበረ ሙሴ ነበሩ ለክሙ ጸሐፍት ወፈሪሳውያን ኵሎ ዘይቤለክሙ ግበሩ፡ ወዘመሀሩክሙ ዕቀቡ፡ ወዘከመ ምግባሮሙሰ ኢትግበሩ” ዝበሎ እዩ። ማቴ ፳፫፥፪-፫።

(ካብ መጽሓፍ መዝገበ ሃይማኖት - ፀአታኒ እምደብረ ቢዘን፡ ካብ ፯ይ ክፍሊ ዝተወስደ)

Monday, April 23, 2012

ሰብ ትንሣኤ ንኹን!



ትንሣኤ ጐይታ

ንዓለም ኵሉ ፍስሓን ሓጐስን ዝኸውን ትንሣኤ ጐይታ፡ ነቢያተ እግዚአብሔር ኣቐዲሞም ትንቢት ዝተነበዪሉ፡ ምሳሌ መሲሎም ዝተዛረቡሉ እዩ። ብኣፍ ነቢያት ንዘዛረቦን ንዘመሰሎን ከኣ ባዕሉ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ጊዜኡ ፈጸሞ። (መዝ ፸፯፥፷፮/78፥66 ሆሴ ፮፥፪/6፥2 ማቴ ፲፪፥፵/12፥40) ኣማን ብኣማን! ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ቃሉ ንሞትና ብሞቱ ደምሲሱ ካብ ምውታን ተፈልዩ በኵሪ ትንሣኤ ኮይኑ ብሥልጣኑ ተንሢኡ እዩ። ትንሣኤ፡ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሥጋና ተዋሒዱ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ካብ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት ሓደ ብምዃኑ፡ ካብቶም ዓበይቲን ቀንድን በዓላት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዝሥራዕን ከምኡውን ሕመረት መሠረታዊ ትምህርትን ስብከት ክርስትናን እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭/15) ምኽንያቱ ሞት ክርስቶስ ንዓለም ሕይወት፤ ሕማሙ (ስቓዩ) ከኣ ንዓለም ሰላም ምዃኑ ዝተረጋገጸ ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ስለዝኾነ እዩ። ትንሣኤ እንተዘይህሉ ነይሩ እምነትና’ውን ከንቱ ምኾነ! ደቂ ሰባት ሞይቶም በስቢሶም ከምዘይተርፉ በቶም ምሳሌኡ ዝገበሮምን፡ ኣቐዲሞም ንሱ ብዝሃቦም ጸጋን ኃይልን ብብዓል ሄኖክን ኤልያስን ዝኣመስሉ ቅዱሳን ዝተራእየ እኳ እንተነበረ፤ ፍጻሜኡን ዳግም ሞት ዘይብሉን ትንሣኤ ግና ብጐይታ ዝተገብረ እዩ። እዚ ኸኣ ንደቂ ሰባት ድኅሪ እቲ ቀዳማይ ሞት (ዕረፍቲ)፡ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘብስርን ኣርጊጹ ዘፍልጥን ስለዝኾነ ክብሩ ክብ ዝብለ እዩ። ሓዋርያት’ውን ብዘይጥርጥር ብትብዓት ካብ ጐይታ ንዝተመሃርዎ ናብ ዓለም ከባጽሑ ዝኸኣሉ ትንሣኤኡ ስለዝረጋገጹ እዩ። (ሉቃ ፳፬፥፴፮/24፥36 ዮሐ ፳፥፲፱/20፥19)

Saturday, April 14, 2012

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን!

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሥኤኡ ብሰላም ኣብጽሓና።


Friday, April 13, 2012

ትንሣኤ ብመልእኽቲ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

መጽሓፍ ከምዚ እናበለ ብተስፋ ትንሣኤ የጸናንዓና። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ እኳ ኸይሞተ ኣይበቝልን እዩ። እቲ ንስኻ እትዘርኦ ነቲ ዝበቘለ ጉንዲ ኣይኮነን። ንእሽቶይ ዘርኢ እምበር። ዘርኢ ስርናይ ኮነ፡ ዘርኢ ካልእ ዓይነት፡ እግዚአብሔር ከም ዝፈተወ ሕይወት ይህቦ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፴፯-፴፰/15፥37-38)

ብሩሃን ኮይኖም ንዝነብሩ ሰባት ነዚ ክብሪ’ዚ ተዛረበ። ብርሃን ለቢሳ ንእትትንሥእ እታ ዝኸበረት ሥጋ ከምዝኾነት ምእንቲ ከረድእ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ተዛረበ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፵፪-፵፬/15፥42-44)

ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ጐይታ ነገረ ትንሥኤኡ ተዛሪቡ ኣሎ። ዘርኢ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙኅ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። (ዮሐ ፲፪፥፳፬/12፥24)

እቲ ሓዋርያ’ውን ብዛዕባ እዛ ዘርኢ እዚኣ ተዛሪቡላ እዩ። መድኃኒና’ውን ዘርኢ ዝተባህለት ሥጋኡ ጥራይ ከምዝኾነት ኣረዲኡ ገሊጹልና እዩ። እንታይ ክትብሉ ኢኹም? እታ ዝተዘርአት ዘርኢ ሥጋኡ ኣይኮነትን ዶ

Thursday, April 12, 2012

፲፫ ሕማማተ መስቀል ጐይታ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

፲፫ ሕማማተ መስቀል ጐይታ ብዝምልከት ኣቐዲሙ ንዝወጸ ጽሑፍ ደጊምና ክንርእዮ ብትሕትና ዕድመና ነቕርብ።

1. ፲፫ ሕማማተ መስቀል (ቀዳማይ ክፋል)  http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_9494.html
2. ፲፫ ሕማማተ መስቀል (ካልኣይ ክፋል) http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_19.html
3. ፲፫ ሕማማተ መስቀል (ሣልሳይ ክፋል) http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_5088.html

ኣብዚ ክቡርን ቅዱስን ዕለት'ዚ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላክ ዝተመስገነ ይኹን። ንብርሃነ ትንሣኤኡ ኸኣ ብሰላም የብጽሓና።

Sunday, April 8, 2012

ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ጐይታ


እንቋዕ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና ክብል ንእተቐበሎ ሕማምን ጸዋተወ መከራን እንዝክረሉ ሰሙነ ሕማማት ብሰላም ኣብጽሓና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ ዝሠርዓልና ቅዱስ ጾም ኣጀሚሩ ኣብዚ ኣብጺሑና ኣሎ እሞ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።

እዚ ሰሙን’ዚ መከራን ሕማምን ጐይታ እናዘከርና፤ ስሌና ዝፈጸሞ ድንቂ ፍቕሩ እናስተንተንና፤ ሕይወትና እንምርምረሉ፤ ኃጢኣትናን በደልናን እናሓሰብና ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ጸሎትን ስግደት እንፍጽመሉ ሰሙን ከኣ እዩ። እግዚአብሔር ነዚ ቅዱስ ሰሙን ከኣ ብሰላም ኣጀሚሩ ከፈጽመናን ኣብ ቅዱስ በዓለ ትንሣኤኡ ከብጽሓናን፤ እቲ እንቐርቦ ጾምን ጸሎትን ስግደት ከኣ ብምሕረቱ ክቕበለልናን ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና።

ማዕዶት ነዚ ሰሙነ ሕማማት ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘዳለወቶ ጽሑፋት መሊስና ክንጥቀሙሉ ንኣንበብታ ብትሕትና ትዕድም።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

Friday, April 6, 2012

ሆሣዕና በአርያም


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ ዑደተ ሆሣዕናኡ ኣብጽሓና።
እዚ “ሆሣዕና በአርያም” ዝብል ቃል ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ካብ ከባቢ ደብረ ዘይት ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ብኽብሪ ክኣቱ ከሎ ዝተባህለ እዩ። (ማቴ ፳፩፥፬-፭/21፥4-5) ዋላ’ኳ ሓደ ሓደ ፈሪሳውያን “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ ካብዚ ወጺእኻ ናብ ካልእ ስፍራ ኪድ” እንተበልዎ ነቢይ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ክመውት ስለዘይግብኦ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከም ዘለዎ ሽዑ’ውን እንተኾነ ክሳብ እቲ “ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ” ዝብልሉ መዓልቲ ከምዘይርእይዎ ኣረዲእዎም ነበረ። ሉቃ ፲፫፥፴፩-፴፭/13፥31-35 ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ከም እንረኽቦ ጐይታና ናብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ እቲ ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ዝተጻሕፈ ቃል ምእንቲ ክፍጸም ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ቅድሚኦም ኣብ ዘላ ዓዲ ከይዶም ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ካብቲ ተኣሲራትሉ ዘላ ፈቲሖም ከም ዘምጽኡሉ ገበረ። ንሳቶም’ውን ክዳውንቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ ምስ ጐዝጐዝሉ ጐይታና ኣብ ልዕሊኣ ተወጢሑ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ከሎ ብዙኅ ሕዝቢ ይኽተሎ ነበረ። ካብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ መብዛኅትኦም ክዳውንቶም ኣንጸፍሉ፤ እቶም ዝተረፉ’ውን ጨናፍር ኣእዋም እናሰልዑ ኣብ መሬት ብምንጻፍ ክብሩን ዝናኡን ንዅሎም ነቢያት ጐይታኦምን ኣምላኾምን ምዃኑ ይገልጹ ነይሮም። እቶም ኃቢሮም ምስኦም ዝጒዓዙ ዝነበሩ’ውን ደስ ስለዝበሎም ድምፆም ዓው ብምባል “ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሣዕና በአርያም” ይብሉ ነበሩ። ብፍላይ’ውን ኣልኣዛር ካብ ምውታን ምትንሥኡ ብምርኣዮም ደስ ኢልዎም ይምስክሩ ነበሩ። (ዮሐ ፲፪፥፲፯-፲፰/12፥17-18 ሉቃ ፲፱፥፴፯/19፥37።)

Thursday, April 5, 2012

“ወኢያረምም በእንተ ጽዮን” - ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን እየ (ኢሳ ፷፪፥፩/62፥1)



ኣብ ልዕሊ ጽዮን ብዛዕባ ዝመጽእን ዝኸውንን ነገር ርእዩ፡ ስለ ጽዮን ትም ምባል ምርጭኡ ከምዘይኮነ ዝተዛረበ ነቢየ እግዚአብሔር  እዩ። እዚ ክቡር ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ፡ ብዛዕባ እሥራኤል ዘሥጋ ይኹን እሥራኤል ዘነፍስ ዘድንቑ ትንቢታትን ምሳሌታትን ዝተገልጸሉ፤ ሰማያዊን ምድራዊን ራእያት ዝረኣየ፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብግልጺ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ካብ ቅድስት ድንግል ምዃኑ ዝተዛረበ፤ ናይ ክርስቶስ አምላኽነትን ወልደ ኣምላኽነትን ከምኡውን ብዛዕባ ካልእ ትንቢታት ኣስፊሑ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ፯፻ ዓመት ኣቐዲሙ ዝነገረን፡ ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ሓደ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ እዩ።

ከም ኣካል ትንቢቱ ድማ ስለ ጽዮን ሕልፊ ካልኦት ደጋጊሙ ዝተነበየን ዝጸሓፈን ነቢየ እግዚአብሔር እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ድማ ልዕሊ ፵ ጊዜ ስም ጽዮን ዘልዓለ ብዘይክኡ ካልእ ነቢይ የልቦን። ቅዱስ ዳዊት ድማ ስም ጽዮን ብምልዓል ካልኣዩ እዩ። ዳርጋ ኣብ ፍርቂ  ጠቕላላ ምዕራፋት ናይቲ ብስሙ ዝጽዋዕ መጽሓፈ ትንቢቱ ስም ጽዮን ተላዒሉ ንረኽቦ።

Sunday, April 1, 2012

“እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ተመላለሱ” (ኢሳ ፴፥፳፩/30፥21)


“መንገዲ” ዝብል ቃል ካብ ‘ነገደ’ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ግእዛዊ ግሲ ዝተወርሰ ቃል እዩ። “መንገዲ” ዝብል ቃል ክትርጐም ከሎ ጽርጊያ፡ ጐደና፡ መኽየዲ፡ … ዝብል ትርጉም ይሕዝ (ማቴ ፳፥፴/20፥30)። “መንገዲ” ኣብ ብዙኅ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈላለየ ምሥጢራት ሒዙ ተጠቒሱ ይርከብ።

ነቢየ እግዚአብሔር ኤርሚያስ “እታ ጥንታዊት መገዲ ሕተቱ” ብምባል ብዛዕባ እዛ ጥንታዊት መንገዲ ይምህረና (ኤር ፮፥፲፮/6፥16)። ሊቀ ነቢያት ሙሴ’ው “ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብሕይወት ክትነብሩ፡ ምእንቲ ኪጽብቐልኩም ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኪነውሕ በታ እግዚአብሔር ኣምላክኹም ዝኣዘዘኩም ኵሉ መንገዲ ኪዱ” ብምባል ትእዛዝ እግዚአብሔር ይነግረና (ዘዳ ፭፥፴፫/5፥33)። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ’ውን “ጐደና እግዚአብሔር ጽረጉ፡ መንገዱ’ውን ኣቕንዑ” እናበለ ትምህርተ ንሥሓ ይሰብከልና። (ማቴ ፫፥፪-፫/3፥2-3)።

ልበ አምላክ ዝተባህለ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ምኽሪ ክፉኣት ሰባት ዘይሰምዕ ብመንገዲ ኃጥኣን ከኣ ዘይከይድ ኣብ ኣኼባ መላገጽቲ ድማ ዘይጽምበር፡ እኳ ደኣ ንሕጊ እግዚአብሔር ብምእዛዝ ዚሕጐስ፡ ነቲ ሕጉ’ው ለይትን መዓልትን ዘስተንትኖ ሰብ ብፁዕ እዩ። እግዚአብሔር ንመንገዲ ጻድቃ ይፈልጦ እዩ፡ መንገዲ ክፉኣት ሰባት ግና ክትጠፍእ እያ” (መዝ ፩፥፩-፪/1፥1-2) ብምባል ንመንገዲ “ፍኖተ ጻድቃን” “ፍኖተ ኃጥኣን” እናበለ ኪኸፍሎ እንከሎ ንፍኖተ ጻድቃ ጥንታዊት መንገዲ፡ መንገዲ ቅኑዓት፡ መንገዲ እግዚአብሔር፡ ዓመጸኛታት ንዚዕንቀፉላ … ፍኖተ ኃጥኣን ከኣ ብኣንጻሩ ባዕላዊ መንገዲ፡ መንገዲ ሞት ዘይቀንዕ ጽርጊያ እናበሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጠቒሶሞ ይርከቡ።