Tuesday, July 31, 2012

ናይ ዘመንና “ቢጽ ሓሳውያን”ን - ፍሽለቶምን ኣብ ግብጺ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቢጽ ሓሳውያን ዘመንናን - እዋናዊ መደባቶምን
ብክቡር ደም ክርስቶስ ዝተመሥረት ሓዋርያዊትን ጥንታዊትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፤ ኣብ በበይኑ ዘመናትን ሃገራትን ብዘይ ምቍራጽ ምስ ዝተፈላለዩ ኣንጻራ ዝተዓጥቑ ልኡኻት ጸልማት፤ ረዚንን ክቡርን ተጋድሎ ኣካይዳ እያ። ዓወት ዝማእከሉ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣምሊኡን ኣስፊሑን ዝምስክሮ ሓቂ ከኣ ንሱ እዩ። እንተ ብዛዕባ ዕላማታት ተጻባእታ ግና ሓደ ይኹን እምበር መልክዑን መንገዱንሲ ወትሩ መመስ ኵነታቱ እናተቀያየረ እዩ ዝነብር። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም እንርድኦ፤ ሓደ ካብቶም ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፤ ሓዋርያት መሲሎም ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ካብ ዘዕንቅፉ፤ ብጐይታ “ጸራዊ/ጸላኢ” ዝተሰምዩ፤ ብሓዋርያት ኣገላልጻ ድማ “ቢጽ ሓሳውያን/ሓሰውቲ ኣኅዋት” ከምኡውን ብናይ ሊቃውንቲ ትምህርቲ “መናፍቃን” ዝብሃሉ ከምዝነበሩን ከምዘለዉን እዩ። (ማቴ ፲፫፥፳፰/13፥28 ገላ ፪፥፬/ 2፥4 ካልኣይ ቆሮ ፲፩፥፲፫/11፥13) እዚኣቶም ከኣ ነቲ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንገሊኡ ተቐቢሎም፤ ንገለ ክፋሉ ዝነጽግዎ ወይውን ባዕላዊ ትርጉም ዝፈጥሩሉ እዮም። ዘይከም ግዳማውያን ተጻባእቲ፤ ቢጽ ሓሳውያን፤ ኣብ ውሽጢ ምእመናንን ኣገልገልትን ተሰግሲጎም፤ ኣመንቲ መሲሎም፤ ንርእሶም’ውን ሓዋርያት ክርስቶስን መምህራንን ኣምሲሎም ስለዝዓዩ፤ ንብዙኃን ከደናግሩ ዝርከቡሉ ጊዜ እምብዛ ብዙኅ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጐይታ፤ ነቶም ኣብቲ ግራት ጽሩይ ስርናይ፤ ስርናይ መሲሎም ንዝበቝሉ ክርዳዳት፤ ክዘርኡ ንዝወፈሩ “ጸላእቲ” ክብል ዝሰመዮም። ግደ ሓቂ ካብቶም ናይ ደገ ተጻባእቲ ኸኣ እቶም ናይ ውሽጢ መምሰልቲ ጸላእቲ ዝጥቐሙሉ ሜላን ኣገባብን ኣደናጋሪ እዩ። ልዕሊ እቲ ሓቀኛ፤ ሓቀኛታት መሲሎም፤ ሓቂ ከምስሉን፤ ንሓቂ ክኽውሉን ስለዝፍትኑ መመስ ኵነታት ስለዝቀያየሩን ብርግጽ መጋገይቲ እዮም። 

Monday, July 30, 2012

አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

  ኩቡራት ተኽታተልቲ ጦማረ ማዕዶት፥ ታሪኽ ቅዱስ ኣቦና አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቅድሚ ሕጂ ወጺኡ ዝነበረ ደጊምና ነውጽኣልኩም ኣሎና፥ ሰናይ ምክትታል፥ በረኸት ናይ ቅዱስ ኣቦና ምስ ኩላትና ደቀ ቤተክርስትያን ይኹን ኣሜን።



Friday, July 27, 2012

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” (ነህ ፲፥፴፱/10፥39)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን: ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር ኣቦታቶምን ዝሕነፅ ሓኒፆም: ዝሕደስ ኣሐዲሶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ቤተ መቕደስ: ኣብ ኢየሩሳሌም ቃሉ እናሰምዑን ፍቓዱ እናፈጸሙን ንኽነብሩ ቃል ኪዳን ዝኾኖም፦ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ (ነህ ፲፥፴፱/10፥39) ምኽንያቱ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዝተግህን ኣብኣ ንክነብር ዝብህግን ኃይሊ ረኺቡ ንጸላእቱ ከምዝስዕር ብግህዶ ስለዝተዓዘቡ እዩ። ግዳማዊ ጸላእቲ ዘይኮኑስ ካብ ውሽጦም ዝነዝዑ ተፃረርቲ ብዙኅ ተፃቢኦሞም ነይሮም እዮም። ካብ መንጎኦም ብምንባሮም ከቢድ ፈተነ ነበረ። “እቲ ዝጸርፈኒ ዘሎ ጸላእየይ እንተ ዝኸውን ምተዓገስክዎ: እቲ ዚዕበየለይ ዘሎ ጸላእየይ እንተዚኸውን ካብኡ ምተሓባእኩ ሕጂ ግና እዚ እትገብር ዘሎኻ ንስኻ መሰታይ ዓርከይ: ፈታውየይ ዝነበርካ ሰብኣይ ኢኻ። ኣነን ንስኻን መማኸርቲ ነበርና: ኣብ ቤት ኣምላኽ’ውን ብሓደ ዄንና ነምልኽ ነበርና። (መዝ ፶፬፥፲፪-፲፬/55፥12-14)

Tuesday, July 24, 2012

ንጽሕና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅድሚ ዓለም ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብማዕረ ዝምስገን ብሓድነት ንዓለም ዝፈጠረን ዝገዝእን ቃል፤ እግዚአብሔር ወልድ እዩ። ድኅሪ ዓለም ነቲ ዝጠፈአ በጊዕ (ኣዳም) ንኽደሊ ንገዛእ ርእሱ ትሕት ኣቢሉ፤ ብናይ ሰብ ባህርይ ምግላጹን ፍጹም ኣምላኽ ክንሱ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ኣብ እነስተንክረሉ እዋን ወትሩ ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ምፍጻም ንዝኾኖ፤ ጐይታ ዝተዋሓደ ሥጋ ምርሳዕ ፈጺሙ ኣይክኣልን።

በዚ መሠረት እቲ ብባህርይኡ ንጹሕን ቅዱስን ዝኾነ ጐይታ፤ ንሱ ዝተዋሕዶ ሰብነት ንጹሕ ኪኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ናብ እግዚአብሔር ዝቐርብ መተዓረቒ መሥዋእቲ ተቐባልነት መታን ክህልዎ፤ ንጹሕን ቅዱስን ኪኸውን ኣለዎ። ብዘመነ ኦሪት ዝነበረ መሥዋዕቲ እንስሳ ጉድለት ዘለዎ ፍጹም ድኅነት ከምጽእ ዘይክእል፤ እቲ መሥዋዕቲ ዘቕርብ ሊቀ ካህናት ንገዛእ ርእሱ ካብ ኣዳማዊ ኃጢኣት ናጻ ብዘይ ምዃኑ ካልእ ሊቀ ካህናት ክትንሥእ ኣድለየ (ዕብ ፲፥፪/10፥2)። ንሱ ድማ “ንስኻ ከም መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ዝተመስከረሉ ሱባኤ ዝተቘጽረሉ ኣማናዊ ሥልጣነ ክህነት ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝሠርዐ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ዕብ ፯፥፲፮/7፥16)።

Wednesday, July 18, 2012

“በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ” ዕብ ፲፫፥፱/13፥9


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን: ዓለም ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ማዕቢላ ነቲ ዝነበራ ገዲፋ ናብ ካልእ ሓዲሽ ምዕራፍ ትግስግስ ኣላ። ጐኒ ጐኒ ድማ ዝተፈላለየ ናይ እምነት ትካላት: ሃይማኖት ብምጥዋይ ምስኣ ይውንጨፋ ኣለዋ። ዲያብሎስ እቲ መጻረርትና ተመሊሱ ንክኸሰና ጽቡቕ ናይ ፈተነታት ሥራሕ ረኺቡ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። እቲ ሓቂ ግና ብጊዜን ኵነታትን ንዅሉ ዝፈጠረ: ኵሉ’ውን ብእኡን ንዕኡን ዝኾነ: እቲ ዝነበረን ዘሎን ንዘለዓለም ዝነብር ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያንና ትምስክር። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ትምህርቲ ሃይማኖት መጺኡ ነዚ ከረድኣና ከሎ “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ንሱ እዩ። በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ” ኢሉ ይገልጽ። ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ድማ “ግናኸ ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ ነቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዚጻረር ካልእ ወንጌል እንተደኣ ሰቢኽናልኩም ውጉዝ ይኹን” (ገላ ፩፥፰/1፥8)። ኣስዕብ ኣቢሉ “ሕጂ’ውን ሓደ ነቲ ዝተቐበልክምዎ ዚጻረር ካልእ ወንጌል እንተደኣ ሰቢኹልኩም ደጊመ ውጉዝ ይኹን እብል ኣሎኹ” (ገላ ፩፥፱/1፥9) ብምባል የጠንቅቐና። ኵሉ ሕዝቢ ምእንቲ ክፈልጥ ናብ ሰብ ኤፌሶን’ውን “ደጊም ከም ሕፃናት ብናይ ሰብ ምጥባርን ምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኮልን ዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ንፋስ ንየው ነጀው ኣይክንድፋእን: ኣይንክንኰብን ኢና” ኢሉ ይምዕደና (ኤፌ ፬፥፲፬/4፥14)። ኣብ ዳኅረዋይ ዘመን ሓሰውቲ መሲሓንን መስሓትያንን ከም ዝመጹ ክንጥንቀቐሎም ከምዝግባኣናን ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሂሩና እዩ (ማቴ ፳፬፥፳፬/24፥24)። ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ባህርይ ብትዕቢትን ብትምክሕትን ስለዝተዓብለለ ኑፋቄ (ጥርጥር) ኣብ ልቦም ብምብቋል: ንናይ መጻሕፍቲ ቃል ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ከምዝጠውይዎ ቅዱሳን ሓዋርያት ገሊጾም ኣለዉ። (ካልኣይ ጢሞ ፫፥፩-፱/3፥1-9 ካልኣይ ጴጥ ፪፥፩-፳፪/2፥1-22 ፫፥፲፮/3፥16) ፍቁር ጐይታ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ’ውን “ኣቱም ፍቁራተይ ብዙኃት ሓሰውቲ ነቢያት ናብ ዓለም ተዋፊሮም ኣለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ እንተኾይኖም መርምሩ እምበር ንመንፈስ ዘበለ ኵሉ ኣይትእመንዎ ብምባል ኣብ እምነትና ጸኒዕና ክንነብር ይምዕደና (ቀዳማይ ዮሐንስ ፬፥፩/4፥1) ።

Saturday, July 14, 2012

ሐይመተ አብርሃም

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
 
ክቡራት ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት ነዚ ክብረ በዓል ብዝምልከት ኣቐዲሙ ንዝወጸ ጽሑፍ መሊስና ክንጥቀሙሉ ንኣንበብታ ብትሕትና ትዕድም።


ሐይመተ አብርሃም

Friday, July 13, 2012

ርክበ ካህናት (፰ይ መወዳእታን ክፋል)


ለበዋ

ስለዚ ብዛዕባ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ብዙኅ ጐድናዊ ሽግራትን ድኽመትን ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ናይቲ ሽግር ተዋሳእቲ ኸኣ ምምሕዳር ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነሲ ኣዝዮም ብዙኃት ኣካላት ምዃኖም እሙን ነገር እዩ። ምስኡ ኸኣ ከም ዕላማ ንምድኻምን ምኽፍፋልን ቤተ ክርስቲያን ተዓጢቖም ናይ ዝሰርሑ ኣካላትን: ምትእትታው ባዕዳዊን መናፍቃዊን ኣካይዳ’ውን ክዝንጋዕ የብሉን። ሓድሽ ሽግር’ውን ዘይኮነ ሡር ዝሰደደ ምዃኑ ከኣ ፍሉጥ እዩ። ካብ ኮነ ኸኣ ንመፍትሒታቱ ኣጠቓላሊ ዝኾነ፤ ንኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዘሳትፍ ዓውድን መድረኽን ብምፍጣር ብቅንዕና ብምምኽኻርን፤ ብምልዛብን እሂን ምሂን ብምባል ጥራይ እዩ ቀዳማይ ተበግሶ ክውሰድ ዝግብኦ። ንሱ ከኣ እዩ ኣገዳስነት ህላዌ ሓቀኛ ርክበ ካህናት! ኣይኮነን ግና ልብን (ርእስን) እቲ ካልእ ኣካልን በበይኑ ክነብር ክግደድ እዩ ማለት እዩ።

ኣብዚ ናይ ወጻኢ ሃገረ ስብከታትት ዘሎ ሽግር ኣብያተ ክርስቲያናትና’ውን ምንጩን ሡርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፍልፍል ዘሎ ሽግር እዩ። ኣብዚ እንርእዮ ዘሎና ጉዳም ዝኾነ ህልኽላኻት ብደቂቑ እንተረኣናዮ: ጨንፈርን መቐጸልታን ናይቲ ኣብ ኣሥመራ መንበረ ፓትርያርክ ዝጥጃእ ሽግር እዩ። ኣብዚ መምስቲ እንነብሮ ዘሎና ኸባቢ: እቲ ሽግር ናቱ ጠባያትን መልክዕን ዘለዎ ይምሰል ደኣ እምበር: ብቀንዱስ እቲ ሽግር’ውን ብቃል ይኹን ብጽሑፍ: ብፊደል ይኹን ብመንፈስ:  ብልኡኹ ይኹን ብኣካል ተጻዒኑ ካብ ውሽጢ ሃገርና እዩ ዝመጸና ዘሎ። እቶም ኣብዚ ኮይኖም ዝህንክርዎ ዘለዉዉን: ኣብ ኣሥመራ ከለዉ ብኸምኡ ዝተሞከሩን፤ ሕዝቦም ክጓስዩን ክህነታዊ ኃላፍነቶም ብቀዳምነት ከልዕሉን ዘይኮነሲ: ገንዘብን ንዋይ ክእክቡ ብኮሚሽንን ብብላዕን ናይ ዝለኣኹ መሳርሕቶም እዮም።

Thursday, July 12, 2012

ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
አመ ሐምሱ ለሐምሌ ኮነ በዓለ ዕረፍቶሙ ለጴጥሮስ ወለጳውሎስ ሐዋርያት ብርሃናተ ዓለም ጸሎቶሙ ወሀብተ ረድኤቶሙ የሀሉ ምስለ ኵልነ ሰማዕያን ወአንባብያን አሜን። 

ክቡራት ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት ነዚ ክብረ በዓል ብዝምልከት ኣቐዲሙ ንዝወጸ ጽሑፍ መሊስና ክንጥቀሙሉ ንኣንበብታ ብትሕትና ትዕድም።

Tuesday, July 10, 2012

እግዚኣብሔር ሰላምና እዩ


ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን (ክርስቶስ ካብ ምዉታን ተንሲኡ) ---- በዐቢይ ሓይል ወስልጣን (ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን)
ኣሰሮ ለሰይጣን (ንሰይጣን ኣሰሮ) --- ኣግዓዞ ለኣዳም (ንኣዳም ኣግዓዞ)
 ሰላም (ሰላም) --- እምይእዜሰ (ደጊም ካብ ሎሚ ንድሓር)
ኮነ (ኮነ) --- ፍስሓ ወሰላም (ፍስሓን ሰላምን)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

“እግዚኣብሔር ሰላምና እዩ” መ.መሳ 6፡24 (ኤፌ 2፡14)
ምናልባት ደቂ ሰባት ብዛዕባ “ሰላም” ብዙሕ ትንታነ ክንህብ ንኽእል ንኸውን። ሰላም ማለት ግን ህድኣት፡ ቅሳነት፡ ዕረፍቲ፡ ነጻነት ዝሰፈኖ ኩነት ማለት ኢዩ። እቲ መሰረታዊ ኩነት ናይ’ዛ ሎሚ ንነብረላ ዘለና ዓለም “ሰላም” ኢዩ ኔሩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ውን ቅድሚ ስርሑ ምጅማሩ ብፍጹም ሰላም ብባህሪኡ እናተወደሰን እናተመስገነን፡ ንበይኑ ንዘይቁጸር ዘመናት  ይነብር ነበረ። ነቲ መጀመርታ ስርሑ ዝኾነ ፍጥረታት’ውን ብሰላም ኢዩ ክፈጥሮ ጀሚሩ። ብፍጹም ሰላም “ይኹን” እናበለ ንኹሉ ፍጥረታት ፈጢርዎ። እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ዕግርግር፡ ራብሻን፡ ኩናትን ምስቲ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ ንዘልዓለም’ውን ዝነብር ፍጹም ሰላም ክወዳደር ኣይክእልን ኢዩ። ልክዕ ከምዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ወይ ከኣ ሓንቲ ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ ኢዩ። ምናልባት ንኽልቲኡ ኩነት ዝተዓዘበ ፍጡር ብምግራምን ምድናቕን ናብዚ ናይ ሎሚ ኩነት ይጥምት ይኸውን። 

Thursday, July 5, 2012

እግዚአብሔር ዘይልውጦ ዘመን የልቦን!


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።


ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና፦ ከምቶም ዝቐደሙ ዘመናት ኣቦታትና፤ ሎሚ’ውን ብዝተፈላለዩ ፈታኒ መድረኻት ታሪኽ ትሓልፍ ኣላ። መድብል ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ገጻቱ ዘይውዳእ፤ ምዕራፋቱ ድማ እምብዛ ብዙኅ እዩ። ብዝግባእ ምንባብን ምስትውዓልን ድማ ይሓትት። ሓሓንሳብ ብምምስሳል ዝደጋገመሉን ዝመላለሰሉን ኵነት ይሃልዎ ደኣ እምበር፤ በብዘመኑ ነናቱ ኣገላልጻን ክውንነታዊ ፍጻሜን ኣለዎ። ዝኾነ ዘመን ናቱ ናይ ርእሱ መልክዕ ኣለዎ። ኵሉ ዘመን ከም ሓረገ ትውልዲ ስለዝተሰናሰለ፤ ውጽኢት ናይቲ ቅድሚኡ ዘሎ ዘመን ኮይኑ ካብቲ ዝቐደመ ዝወርሶ፤ ናብቲ ዝቕጽል’ውን ዘውርሶ ነገር ክህሉ ከኣ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፤ ትማልን ቅድም ትማልን ፈተና ነይሩ፤ ሎሚ’ውን ኣሎ። ትማሊ ካብቲ በብዘመኑ ዘጋጥም ዝነበረ ምዕንቃፍን ምድካምን ጊዜኡ ምስ ኣኸለ፤ ምትንሣእን ምብርባርን ነይሩ፤ ወዲቕካን ደቂስካን ምትራፍ ንሓዋሩ ስለዘየሎ ከኣ፤ ሎሚ’ውን ካብ ዘሎ ኵሉ ምውዳቕን ድኽመትን ከኣ ትንሣኤ ክህሉ ባህርያዊ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣምላኽ ዝተነገረን፤ ዘይበርስ ኪዳን ዝተዋህቦን እዩ። ኣብቲ ዘመን ምትንሣእ ግና ዝደቀሰ ኵሉ ክበራበር ከድልዮ እዩ እምበር፤ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ዘይተርፍ ምዃኑ ግሁድን እሙንን ነገር እዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ዘይልውጦ ዘመን ስለዘየልቦ፤ እዚ ሎሚ ዘሎ ኵሉ ምድንጋርን ሕንፍሽፍሽን ጽባሕ ብርግጽ ብኃይሊ ኣምላኽ ክልወጥ እዩ።

Tuesday, July 3, 2012

ርክበ ካህናት (፯ይ ክፋል)


ሕግታት ቤተ ክርስቲያንና ብመንጽር ዕላማ ርክበ ካህናት

“ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር” ከምዝብሃል እቲ ብሊቃውንቲ ኣቦታትናን ጊዜያዊ መንበረ ጵጵስናን ጸዲቑ በብእዋኑ እናተመሓየሸ ዝወጸ መምርሒ ሕግታት (ቃለ ዓዋዲ): ነቲ ካብ ቅድም ዝጸንሐ ጉባኤ ካህናትን ኣገዳስነቱን ኣብ ግምት ብዘእተወን፤ ዝጸንሐ ሕግታት ቤተ ክርስቲያንን ተሞክሮን በቲ ሓደ: ኣካይዳን ኣኃት ኦርየንትል ኣብያተ ክርስቲያናት ከኣ በቲ ካልእ መርሚሩን ኣገናዚቡን: ብሓድሽ ኣወዳድባ ካብ ሰበኻ ቤተ ክርስቲያን ኣትሒዙ ክሳዕ መንበረ ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን ክህሉ ንዝግባእ መንፈሳዊ ጉባኤያት ብዝርዝር ዘቐመጠ እዩ። (ኣንቀጽ ፶፫-፶፰/53-58) ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ክዝርዘሩ ከለዉ፦ ናይ ክልል ሰበኻ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፤ ንናይ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፤ ናይ ሃገረ ስብከት (መንበረ ጵጵስና) ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፤ ናይ መንበረ ፓትርያክ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ እዮም። ነፍስ ወከፍ ጉባኤታት ከኣ ዘለዎም መዝነትን ተግባርን: ዝህልዎም ውክልናን ኣቃውማን: ዝጋብኡሉ ጊዜ: ወቦ ዘተርፈ ኣዝዩ ዝርዝራዊን ዝተማለአን እኳ እንተዘይተባህለ’ውን: እቲ ቀቀንዱን ከስርሕ ዝኽእልንሲ ብሕጊ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣንቀጻቱ ተቐሚጡ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ እዞም ጉባኤታት’ዚኦም ተሓቚፎሞ ክትግበሩን በብደረጅኡ ከሰላሰሉን ዝተወሃቦም መዝነትን ዕላማን ከኣ እቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ይስርሓሉ ንዝነበረ ዕላማ ርክበ ካህናት ዘንጽርን ምስ ምምሥራትን ኣሠራርሓን ሰባኻ ጉባኤያት ዝተዛመደን እዩ።

ኮይኑ ግና እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘተሓሳስብን እምበኣር፤ እዚ ኣብ ፍኖተ ሕይወት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንበለ መጠን ዓቢይ ዕላማን ተግባርን ዘለዎ ጉባኤያታት ስም እምበር ግብሪ ከሰንዮ ዝረኣየሉ ጊዜ ውሑድን ሳሕትን ምዃኑ እዩ። ክልል ሰበኻ ጉባኤያት ካብ ጊዜ ደርጊ ኣትሒዞም ብትግሃት ኣቦታት በብሃገረ ስብከቱ ዝቖሙን ክካየዱ ዝጸንሑን እዮም። ድኅሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ ካብቲ ዕለታዊ ኣገልግሎትን ተግባራትን ናይ ክልል ሰበኻ ጉባኤያት ወጻኢ ኣድማዒ ነገራት በብሰበኻኦም ይሥርሑ ኣለዉ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። እኳ ደኣ ዝበዘኀ ጊዜኣቶም ኣብ ምስማዕ ክስን ተኻሰስትን ዘኅልፍዎ ምዃኖም ኣይከሓድን እዩ።  ኣረ በገሊኡስ ቤት ፍርዲ ተቐይሮም ኣለዉ ማለት ይቐልል። ንኵሉ እቲ ዝገጥሞም ዕንቅፋት ሰጊሮም: ቀዋምን ነባርን ከምኡውን ንመጻኢ ኣብ ግምት ዘእተወ ሥራሕ ዝሠርሑ ክልል ኣብያተ ክርስቲያናት ብደረጃ ሃገር ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ብፍላይ ከኣ ንርእሱን ንቤት ጽሕፈቱን ከማእከል ዘይከኣለ እሞ “ምእኩል” ምሕደራ ገንዘብ ከተኣታቱ ዝፍትን ናይ ሕጂ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያክ፤ ሕሳባት ባንክን ካሳታትን ክልል ኣብያተ ክርስቲያናት ልኵቶ ካብ ዝገበረሎም ኣትሒዙ ከኣ ዝገደደ ሕመቕን ዘይተገዳስነትን ኣብ ምሕደራ ክልል ሰበኻ ጉባኤታት ከምዝተኣታተወ ዝፍለጥ ነገር እዩ።