Friday, August 31, 2012

ጳጒሜን


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ክቡራትን/ንን ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት ን ጳጒሜን ዝምልከት ጽሑፍ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ ደጊምና ንክንጥቀመሉ ብክብሪ ንዕድም። ሰናይ ምክትታል።


Tuesday, August 28, 2012

“እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ” ካልኣይ ጢሞ ፪፥፱


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኅትመትን ዝርገሐን ርቱዓት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ትንሣኤን ዕብየትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ግደ ልዑል ምዃኑ ካብ ዝኾነ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዝተሰወረ ኣይኮነን። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ርእሳን መሠረታን ካብ ዝኾነ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተቐበለቶ ሓዋርያዊ ሕድርን: ዕዮ ስብከተ ወንጌልን ምእንቲ ብዝግባእ ክትፍጽም ክትክእል ከኣ ህላዌን ሰፊሕ ዝርገሐን ጥንታውያንን ከምኡውን መምስቲ ዘመንን ዝመጽእ ሓዲሽ ትውልድን እናተዋደዱ ዝጸሓፉ መንፈሳዊያን መጻሕፍቲ እንበለ መጠን ኣገዳሲ እዩ። ኮይኑ ግና ኣይ ከምቲ ኣብ ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት እንርእዮ: ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን: ጕዳይ ኅትመት መንፈሳውያን መጻሕፍቲ “ክድስክል”: እቲ ቃለ እግዚአብሔር’ውን ክእሰር ዝተፈርዶ ክቡር ሞያ ኮይኑ ካብ ዝርከብ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። ኣብ ስብከተ ወንጌልን ኵሉ መደያዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ብዘለዎ ኣገዳስነት: ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዓቢ ዕዮን ጸጋን ኣነጺሮም: ብሰፈሐ ኣገባብ ምትብባዕ እናገበሩሉ ዝሠርሑሉ ኅትመት መንፈሳውያን መጻሕፍቲ: ኣብ ናይ ሃገርና ቤተ ክርስቲያን ብሸለልትነት ክረአ ምኽኣሉ ዲግዲጊት ተዓጢቕካ ብዓውታ ዝብከየሉ ጕዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዝምስክርዎ ግሁድ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።

Friday, August 24, 2012

ዜና ኅትመት መጽሓፍ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኣብ ትንሣኤ ጥንታዊ ልሳነ ግእዝ ኣበርክቶ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ: ብኣቀራርብኡን ትሕዝቶኡን ፍሉይን በዅሪ ተባሂሉ ክጥቐስ ዝከኣል መጽሓፍ “ጥንታዊ ግእዝ ብዘመናዊ ኣቀራርባ” ብዝብል ርእሲ ተኃቲሙ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢድና ኣትዩ ዘሎ ቅዳሕ ናይዚ መጽሓፍ’ውን: ነቲ ኣቐዲምና ሰሚዕናዮ ዝጸናሕና ሓበሬታ ዘረጋግጽን: ጥቕሚ ናይዚ መጽሓፍ ንዝኾነ ግዱስ ኣንባቢ ልዕሊ እቲ ዝተባህለ ንኡድ ኮይኑ ዝርከብን: ሞሳ ንጸሓፊኡ ዘውህብን እዩ።

ከምቲ ኵልና እንፈልጦ ቋንቋ ግእዝ ኣዝዩ ጥንታዊ ልሳን ቤተ ክርስቲያንና እዩ። ዝበዝኁ ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን ብልሳነ ግእዝ ዝተጻሕፉን ዝቐርቡን ምዃኖም ከኣ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ብፍላይ ኣብዚ ዘመን’ዚ: ምስ ምምጻእን ምዕብላልን ዘመናዊ ትምህርቲ ኣስኳላ ኣፍልጦ ልሳነ ግእዝ ኣብዚ ሓዲስ ወለዶ ፈጺሙ ደኺሙ እዩ ክብሃል ይከኣል። እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ልሳነ ግእዝን ሰዋስውኡን ከኣ ንዝተወሰኑ ኣብ ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝሳተፉ ጥራይ ተደሪቱ ምጽንሑ ዝተፈልጠ እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኣገልገልቲ ካብ ምቍጽር ፊደል ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንዝርከቡ ዓይነታት ትምህርትን ሞያን: ብቋንቋ ግእዝ ይወሃብ ደኣ እምበር: ኵሉ እቲ ዝመሃር ንልሳነ ግእዝ ይመልኮን ብዝግባእ ይጥቐመሉን እዩ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። ይትረፍ ቅርብ ኢሉ ካብ መምህራን ቤተ ክርስቲያን ዘይተማህረ: ነቲ ዝተማህረ’ውን ንምምላኹ ቀሊል ዘይኮነ ልሳነ ግእዝ እምበኣር ሎሚ ንዅሉ ብዘገልግል ኣገባብ ንምምሃሩ እዚ መጽሓፍ’ዚ ቀዳማይ ተበግሶ ዝወሰደ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ምእመናን ብፍላይ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ይኹን ኣብ ካልእ ሥርዓት ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዝበዘኀ ክፋሉ ብልሳነ ግእዝ ብምዃኑ ተሳትፍነቶምን ተቐባልነቶምን ድሩት ኮይኑ ክሽገሩ ምርኣይ ልሙድ ነገር እዩ። ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ኣይኹን እምበር: መንእሰያት ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ከይቀርቡ ዝገብሮም ተባሂሉ ከም መመሳመሲ ዝቐርብ’ውን ትሑት ኣፍልጦ ልሳነ ግእዝ ምዃኑ ይጥቐስ እዩ። ኮይኑ ድማ ብዙኃት ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዎም ርእይቶ: ሓደው ንኵሉ ኣገልግሎት ናብቲ ዝሰምዖን መዓልታዊ ዝጥቀመሉን ቋንቋ ምልዋጥ: ሓደው ከኣ እቲ ሓፋሽ ሕዝቢ ልሳነ ግእዝ ዝመሃረሉ ኣገባብ ምትእትታው ዝብል እዩ ነይሩ። እምበኣር ብብዙኅን ርዱእን ምኽንያት እቲ ቀዳማይ ሓሳብ ዘይከኣልን ዘይቅቡልን ካብ ኮነ: እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኸብ እምበር ብግብርሲ ተበግሶ ዝወስድ ኣካል ክርከብ ኣይተኻእለን ነይሩ። እምበኣር ሎሚ ብኣዳላዊ ናይዚ መጽሓፍ ዝኾኑ መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል ዝተወስደ ፈላሚ ስጉምቲ ኣዝዩ ዘሕጉስን: ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ንዝነበረ ጸመ ልጓም ዝፈትሕን: ነቲ ጐልቢብዎ ዝነበረ ጸልማት ዝቕንጥጥን እዩ።

Thursday, August 23, 2012

ጥንተ አብሶን ቅድስት ድንግል ማርያምን (ካልኣይ ክፋል)


ቅድት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብትንቢት ነቢያት: ብስብከተ ሓዋርያት: ብምሥጢረ ሊቃውንት ዝተነድቀ ናይ ዶግማ: ሥርዓት ትውፊትን ታሪኽን ትምህርቲ እትውንንን እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታን ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን እያ። ኵሉ ትምህርታ መንፈስ እግዚአብሔር ዘለዎ: ኵሉ ሥርዓታ ድማ ብሰማያት ሥርዓት ዝተሠርዐ እዩ። በዚ ድማ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ምሳሌ እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኮይና ዝተቐደሰ ትምህርታ: ሥርዓታ: ትውፊታን ታሪኻን ከይከለሰትን ከይበረዘትን ቅኑዕ ፍኖተ አበው እናሰዓበትን ካብኣ መንፈሳዊ ጸባ ኪሰትዩ ንዝመጽኡ ኵሎም ዓንጊላን ኣጽጊባን ብመንገዲ ጽድቂ ናብ እግዚአብሔር ተብጽሖም። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሉያትን ሓዲሳትን ኣናቢባ: ትንቢትን ፍጻሜን ኣላጊባ: ምሳሌን ክውንነትን: ንባብን ምሥጢርን ኣሰማሚዓ: ትውፊትን መጻሕፍትን ኣወሓሒዳ ብኣፍ ኮነ ብመጽሓፍ እናመሃረት: ሰባት ምስ ፈጣሪኦም ተዓሪቖም: ሃይማኖትን ግብርን ኣጣሚሮም: ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ብጻይን ኂዞም ወረስቲ መንግሥተ ሰማያት ኪኾኑ ወትሩ ትጽዕር።
እዚ ትምህርቲ እዚ ሓደ ጳጳስ ወይ ካህን ወይ ዲያቆን ወይ ሰባኺ ወንጌል ወይ ምእመን ዚልውጦ ወይ ዚገላብጦ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ዶግማዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ፈጺሙ ዘይመሓየሽ: ዘይክለስ ትምህርቲ እዩ። ቀኖናዊ ትምህርቲ’ውን እንተኾነ ብሓደ ወይ ብኽልተ ሰባት ወይ ጉባኤታት ዚመሓየሽ ዘይኮነስ: ቅዱስ ሲኖዶስ መጻሕፍት መርሚሩ: ኣበው ዘኪሩ: ሱባኤ ቈጺሩ: ምስ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ተማኺሩ ኣድላይን ግቡእን ምኽንያታውን ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ እዩ ዘመሓይሾ። 

Monday, August 20, 2012

ፍረ ሓድነት ሕብረት ትምህርቲ ሰንበት ሕ.ሃ.ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ክሰዓብን ክቕጽልን ዘለዎ ፍረ ሓድነት

እቲ ሕያው ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ኣብ መጻሕፍተ ብሉያትን ሓዲሳትን: ሕብረትን ሓድነትን ኣብ ሞንጎ ምእመናን ኣገልግልቱን ክህሉ ይእዝዝ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ንሓድነት ደቁ ይደልዮን ይፈትዎን እዩ። ሰብ ኣብዚ ዓለም’ዚ ስለዝተፈላለየ ነገርን ዕላማን ይሓብርን ይሠምርን እዩ። ካብ ኵሉ እቲ ዝበለጸን: ምድራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዘይሓልፍ ዘለዓለማዊ ጸጋ ዝርከቦን ግና ስለታ ቅድስት ቤተ እግዚአብሔር ዝግበር ኣብ ቃሉን ሕጉን ዝሥረት ሕብረትን ሓድነትን እዩ። ኣብቲ ሓድነት እግዚአብሔር ኣሎ። ኣብቲ ሕብረት በረኸት ኣሎ። ቅዱስ ዳዊት’ውን ብዛዕባ እዚ ሕይወትን በረኸትን እተኣዘዘሉ ሰናይን ጥዑምን ሥምረት ኣኅዋት ዘሚሩ ነበረ። “ናሁ ሠናይ ወናሁ አዳም: ሶበ ይሄልዉ አኃው ኅቡረ …. እስመ ህየ አዘዘ እግዚአብሔር በረከቶ ወሕይወተ እምይእዜ ወእስከ ለዓለም” (እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ: … እግዚአብሔር ኣብ በረኸትን ሕይወትን ንዘለኣለም ኣዚዙ እዩ እሞ) (መዝ ፻፴፪/133) እምበኣር ኣብ ሞንጎ እቲ ቅኑዕን ሓቀኛን ሓድነት እግዚአብሔር ካብ ሃለወ: እቲ ናይ እግዚአብሔር ዘበለ ኵሉ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ከኣ ኵሉ ነዚ በረኸት ኣምላኽ ዝደሊ ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን ስለታ ሓቀኛ መንፈሳዊ ሓድነት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ክሓስብን ክጋደልን ይግባእ።

Saturday, August 18, 2012

ደብረ ታቦር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ክቡራት ተኽታተልቲ ጦማረ ማዕዶት ንክብረ በዓል ደብረ ታቦር ዝምልከት ኣቐዲሙ ወጺኡ ንዝነበረ ጽሑፍ ደጊምና ንኽንጥቀመሉ ነውጽኦ ኣሎና። ሰናይ ምክትታል።



Friday, August 17, 2012

ዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስን መልእኽትናን


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ተዘክሮተ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ

ካብ ፲፮ መስከረም ፲፱፻፷፫/1963 ዓ.ም. ኣትሒዞም ብማዕርገ ጵጵስና: ካብ ፭ ሓምለ ፲፱፻፹፬/1984 ዓ.ም ድማ ፭ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ካብ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ ዝበዘኀ ቍጽሪ ምእመናን ንዘለዋ ሃገረ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ፳ ዓመታት ክመርሑ ዝጸንሑ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ: ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ: ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብዕለት ፲ ነሓሰ ፳፻ወ፬ ዓ.ም. ኣብ መበል ፸፮ ዓመት ዕድሜኦም ከም ዝዓረፉ ኣብ ማዕከናት ዜና ይስማዕ ኣሎ።

ቅድሚ ኵሉ ነቲ ከቢድ ሓዘን ዝወደቓ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን: ኣገልገልትን ምእመናንን ኢትዮጵያ ጽንዓት ይሃብኩም: ንጻድቕ ኢዮብ ዝደበሰ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይደብስኩም ክንብሎም ንፈቱ። እዚ ሓዘን’ዚ ንጐረቤትናን ብብዙኅ መገዲ ንእትዛመደናን ንናይ ኢትዮጲያ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ: ንኵለን ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዝምልከት እዩ። ኣብ ሞንጎ ሃገርና ኤርትራን: ኢትዮጲያን ዘሎ ህልዊ ፓለቲካዊን ሃገራዊን ሃዋሁ ብዘየገድስ: ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ልዕሊ እተን ካልኦት ዝያዳ ዘመሳስለንን ዘዛምደንን ሓባራዊ ረቋሒታት ስለዘለወን: እቲ ሓዘን ከምተን ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ንቤተ ክርስቲያን ሃገርና’ውን ይምልከታ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዘን ዝኃለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ: ካብዘን ኣብ ዓለም ዝርከባ ሽዱሽተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት: ክልቲኦም መራሕቲ በብተራ ምዕራፎም ዘየገርም ኣይኮነን። መተካእታ ምርጫ ክሳዕ ዝግበር እምበኣር ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዓቀቤ መንበር እናተመርሓ ክጸንሓ እየን ማለት እዩ። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሼኑዳ ኣብ ሞንጎ ዓቢይ ጾም ድኅሪ ፵ ዘመን ኣገልግሎት ፓትርያርክነት: ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ከኣ ኣብ ሞንጎ ጾመ ፍልሰታ ድኅሪ ፳ ዘመን ኣገልግሎት ፓትርያርክነት ምዕራፎም ተመሳሳልነቱ ዕፁብ ነገር እዩ። 

Thursday, August 16, 2012

ጥንተ አብሶ (ቀዳማይ ክፋል)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ማዕዶት፥
፩. ጥንተ ኣብሶ እንታይ ማለት እዩ፧
፪. ጥንተ ኣብሶ ብኸመይ መጺኡ፧
፫. ብኸመይ’ከ ይመኃላለፍ ነይሩ፧
፬. ምምኅልላፍ ጥንተ ኣብሶ ክሳዕ መዓስ፧
፭. ጥንተ ኣብሶን ንጽሕት ድንግል ማርያምን ዚብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ክንርኢ ኢና። ንኣቦታትና ምሥጢሩ ዝገለጸን ምስትውዓሉ ዝሃበን እግዚአብሔር ይግለጸልና። ሠናይ ንባብ፦
፩. ጥንተ ኣብሶ እንታይ ማለት እዩ፧ ምልኣተ ኃጢኣት ማለት’ከ፧
ጥንተ ኣብሶ ማለት ናይ ጥንቲ ወይ ከኣ ናይ መጀመርታ በደል ማለት እዩ። እዚ ኸኣ በቲ ቀዳማይ ሰብ (ኣዳም) ዝተፈጸመን ናይ መጀመርታ ኃጢኣትን ብምዃኑ እዩ።

ምልኣተ ኃጢኣት ድማ ዘርኢ ኣዳም ኣኣብ ጊዜኦም ዚፍጽምዎ ኃጢኣት እዩ። ኣብ’ዚ ጽሑፍ እዚ ኣዳም ዚብል ቃል ንኣዳምን ንሔዋንን ንኽልቲኦም ዚውክል ኃባራዊ ስመ ተጸውዖ እዩ። እዚ ኸኣ ባህሊ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (ዘፍጥ ፭፥፩/5፥1 ሮሜ ፮፥፲፪/6፥12)

Sunday, August 12, 2012

አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ (ሣልሳይ ክፋል)


ወተአምርየኒ ይበዝኅ እምድኅረ ሞትየ እምሕይወትየ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓቢይ መዓርገ ቅድስና በጺሖም ስለዝነበሩ፤ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ብዙኅ ድንቂ ድንቂ ተኣምራት ይገብሩ ነይሮም እዮም። ኣብቲ መጽሓፈ ገድሎም ዝተጠቕሱ ውሑዳት ተኣምራት ናይ ኣቦና ይሃልዉ እምበር፤ ኣቦና ኣብ መዋዕል ታሪኾም ዝፈጸምዎም እሞ ዘይተጻሕፉ ብታሪኽ ጥራይ ግና እናተነግሩ ዝነብሩ ፍቕዲ የብሎምን። ንሶም ብኣካል ዝተሳተፉሉ ተኣምራት ገዲፍና፤ ንሶም ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ኣርድእቶም ብምልኣኽ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝገለጸሎም ነገር ካብ ርሑቕ ብምዝራብ ዝፈጸምዎ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ድኅሪ ዕረፍቶምውን እቶም ኣብ ዘመኖም ይኹን ብድኅሪኦም ዝነበሩ መነኮሳት፤ ከምኡውን ክሳብ ሕጂ ብስሞምን ቃል ኪዳኖምን እናተማኅፀኑ ብዙኃንን ብዙኃትን ዓበይቲ ተኣምራት ክፍጸመሎም ይነብር ኣሎ።

Friday, August 10, 2012

አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ (ካልኣይ ክፋል)


ተጋድሎ ምንኵስና
ጽድቅሰ ኢትትረከብ ዘእንበለ በዕፁብ ግብር
ቅዱስ ኣቦና ድኅሪ ምምንኳሶም፤ ነቲ ገዳም ብዝግባእ እናገልገሉ፤ ኣበው ኣረጋውያን እናተራድኡ፤ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብዘይ ዕረፍቲ መዓልትን ለይትን ይጋደሉ ነበሩ። ሥጋኦም ፈጺሙ ክሳብ ዝደኽም ከኣ ብትግሃት ብመንፈሳዊ ዕዮ ጽሙድ ነበሩ። ካብቲ ገዳም ወጺኦምውን ኣብ ከባቢ ኣድያቦ (ትግራይ) ብብሕትውና ምስ ቅዱሳን ኣበው እናተራኸቡ ሱባኤ የዘውትሩ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ኣፍጋሕጋሕ ዝተራኸብዎም ከኣ አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ እዮም። ካብኡ ብምቕጻል ናብ ካልእ በረኻ ብምኻድ ወግር ዓቢይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ይጋደሉ ነበሩ። ኣብቲ በረኻ ድማ ኣራዊት መሮር ተገዝኡሎም። ኣብ ልዕሊ ዓጋዜን ተወጢሖም ከኣ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ኣናብስት ከይተረፈ ኣብ ኵሉ ሥርሖም ይሕግዝዎም ነበሩ። ንምሳሌ ኣብ ገዳም ትኹል መኅደሪኦም ንዝነኾት ጐድጓድ ኣንበሳ እዩ እናተኣዘዘ ኲዒትሎም። ኣብ በረኻ ዱበኔውን ፍሉያትን ኣዝዮም ዘፍርሁን ኣራዊት እኳ እንተነበሩ፤ ግርማ ኣቦና ርእዮም ኣብ ቅድሚኦም ኣይቖሙን ነበሩ። ሓራምዝውን መጺኦም ይሰግዱሎምን፤ ይጾርዎምን ነበሩ።  

Wednesday, August 8, 2012

አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ


 መእተዊ
በመኑ ንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈጸምዎ ብርቱዕ ገድሊ፤ ዝመሥረትዎ ገዳም ብዘለዎ ኣገዳስን ተጠማትን ታሪኻዊን መልክዓ ምድራዊ ኣቐማምጣን ኣብ ሃገርናን ጐረባብትናን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝግደሱ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለምውን ከይተርፈ ብፍሉይ ዝጥቐሱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ኣብ ኵሉ ሕዝብና ብፍላይ ከኣ ንሶም ብሓዋርያዊ ተጋድሎ ኣብ ዝዖዱሉ ደቡባዊን ማእከላዊን ምብራቓዊን ክፋል ሃገርናን፤ ሎሚውን ክብረ በዓሎም ንምስታፍ ከም ውሑጅ ብዝውሕዝ ንእሽቶይ ይኹን ዓቢይፊልቆስ ኣቦይእናተባህሉዝመሓለሎምልቢ ሕዝቢ ዝሰፈሮም ንኡድን ክቡርን ኣቦ እዮም፦ አቡነ ፊልጶስ አንዳዴ ባሕር!

ኣብ መጀመርታ ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝተንሥኡ እዞም ሕያውነትን ትዕግሥትን፤ ጽሞናን  ንጽሕናን፤ ፍቕርን ጥብዓትን፤ ገድልን ጽንዓትን ዝመለለዪኦም ኣቦ፤ ኣብ ማእከላይ ዘመን ታሪኽ ሃገርና ብዙኅ ኣገዳሲ ሓዋርያዊ ሥራሓት ዝፈጸሙን፤ ኣሰር ቅዱሳን ዝዀልዑን፤ ንካልኦት ብዙኃን ቅዱሳን መገዲ ዝጸረጉ ብርሃን ኤርትራ እዮም። ንሕገ ሃይማኖትን ንቃለ እግዚአብሔር ዘይኮነስ፤ ፍቓድ ነገሥታት ጥራይ እናመልኡ ንዝነበሩ መራሕቲ ጳጳሳት ግብጺ (ኣብ ኢትዮጲያ) ዓበይቲ ተኣምራት ብምፍጻም፤ ቅኑዕ ንዘይኮነ ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘግሃዱ፤ ብትምህርቶምን ብተኣምራቶምን ነቶም ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ዘኅፈሩን፤ ነታ ርትዕት ሃይማኖት ኣቦታት ብተጋድሎኦም ዘጽንዑን ኣቦ እዮም ነይሮም። ልዕልና ሥልጣንን ኃይሊ ዓለምን ብዘየገድስ፤ ሎሚ ዓለም ንዝተሸገረትሉ ኣብ ሞንጎ ክርስቲያናትን ኣመንቲ ምስልምናን ተኸባቢርካን ተሳኒኻን ናይ ምንባር ክህሎት፤ ኣብነታዊ ኪዳን ዝፈጸሙ፤ ምድርን ባሕርን ኣሰማሚዖም ሕውነት ዘደልደሉ፤ በቲ ዝፈጸምዎ ተጋድሎን ዝነበሮም ግርማ ሞገስን ከኣ ሓወልቲ ስምዕ ኣብ ሃገርና ዘንበሩ እዮም። ኣብ ዝመሥረትዎ ገዳም ዝፈረዩ ደቆምውን ካብ ሃገርና ኃሊፎም ኣብ ጐራባብትና ጨናፍሮም ዝተዘርገሐን፤ ፍሬኦምን ሓዋርያዊ ተልእኾምን ብዝግባእ ዝፍለጥ ጕንዲ ምንኩስና እዮም።

Monday, August 6, 2012

መልእኽቲ ጥንተ ኣብሶ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ክቡራን ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት፦

ከምቲ ብተደጋጋሚ ክንገልጾ ዝጸናሕና፤ ኣብ ታሪኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓድሽ ትምህርቲ ብምትእትታው፤ ኣብ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዘርጊ ንምርጋእን፤ ዘየድሊ ክትዓት ኣብ ሞንጎ ኣመንትን ኣገልገልትን ብምፍጣር ከኣ ንድኽመት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ባይታ ከጣጥሑ ዝፍትኑ መደብሮም ኣብዚ ወጻኢ ብዝኾኑ ባእታታት ዝዝወሩ ወኪላቶም ዝከኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ ክንጠቕስን ከነቃልዕን ጸኒሕና ኢና። ገሊኦም ነቲ ዝተጻወደሎም መፈንጠራ ከየስተውዓሉ፤ ጠኒኖም ኣብ ዘይምልከቶም ሓዊ ክሕደት ተጠቢሶም ተሪፎም ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ንትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ልቦም ከይህቡ ኣብ መገዲ ኑፋቄ ጥሒሎም ይርከቡ። ብሰንኪ እዚ ጉጅለ’ውን ገሊኦም ፓለቲካን ሃይማኖትን ሓዋዊሶም ክርእይዎን ንካልእ ኣብ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ዘየድሊ ዓለማዊ ዛዕባ ከልዕሉ ዝተቐሰቡሉ ኩነት’ውን ከምዘሎ ይስትውዓል እዩ። በዚ ይኹን በቲ ጐስጐስትን መወልትን ናይ ከምዚ ዚኣመሰለ ዘይርቱዕ ድርብ ዕላማታት፤ ሓቀኛ መንነቶም እናተፈልጠ፤ ቀስ ብቀስ ኣካይዶኦም እናነጸረ፤ ኅብረቶም ከኣ ምስ መን ምዃኑ እናተጋሃደን ይመጽእ ኣሎ። ብኣንጻሩ ድማ ብዙኃን መንእሰያት፤ ተንኮል ናይ ከምዚኦም መሠርያን ብኣግኡ ተረዲኦም፤ ክጥንቀቑን ትምህርቲ ኣቦታቶም ብዝግባእ ከጽንዑን ክፈልጡን ጽቡቕ መለበሚ ምኽንያት ኮይንዎም ኣሎ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝዓበየ ሽግር ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ግና፤ ብደረጃ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ላዕለዋይ ኣካል፤ ንኸምዚ ዚኣመሰለ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ዝኾነ ተርእዮ ዘለዎ ትሑት ኣፍልጦን ኣሉታዊ ምትሕብባሩን ይቕጽል ምህላዉ እዩ።

Friday, August 3, 2012

ፍልሰታ ለማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 
ወበዛቲ ጾም ኮነ ተጋብኦተ ሐዋርያት በእንተ ፍልሰተ ሥጋሃ ለእግዝትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ጸሎታ ወበረከታ ወበረከቶሙ ለሐዋርያት ይሃሉ ምስሌነ ለዓለም ዓለም ኣሜን:: 



ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ኪያነኒ ይምሐረነ በትንብልናሃ ለእግዝትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎታ ውኩፍ ወሀብተ ረዲኤታ ትሩፍ ይሃሉ ምስለ ኩሉነ ሕዝበ ክርስትያን ለዓለም ዓለም ኣሜን::