Thursday, January 24, 2013

ክብረቶም ኣብ ነውሮም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤
ካብ’ቲ ባሕሪ ጉድ ብጭልፋ!
ተዘክሮ ኣቦታትና ካህናት ብውኁድ ቃላት
ኣብ ልዕሊ ደም ክርስቶስ ዝተሠረተት፤ ብኣዕጽምቲ ቅዱሳን ዝተነድቀት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና፤ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን፤ ታሪኻዊትን ባህላዊትን ምዃና፤ እቲ ነቓዕ ዘይርከቦ ርቱዕ ትምህርተ ሃይማኖታን፤ መንቅብ ዘይብሉ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓታን፤ እትውንኖ ጽጉው ታሪኻን ዝምስክሮ ድሙቕ ሓቂ እዩ።

ንብዙኅ ኣካላታን ካልእ ተዛመድቲ ኣበርክቶኣን ንጊዜኡ ገዲፍና፤ እዛ ሓንሳእ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ሃይማኖት ክሳዕ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ ወለዶ ክትበጽሕ ዝኸኣለት፤ ልዕሊ ዅሉ ፍቓድን ኃይልን እግዚአብሔር ይኹን እምበር፤ ካብ ጐይታና ትእዛዝን ሕድርን ካብ ዝተቐበሉ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ መነኮሳትን ስሙያት ኣገልገልቲ ካህናትን ብዝነበሮምን ብዘለዎምን ሕያው ኣገልግሎትን ውፉይ ኣበርክቶን ምዃኑ ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። ጥርጥር ብዘይብሉ ጽኑዕ መንገዲ፤ ነቲ ዝተጸውዑሉ ሰማያዊ ኣገልግሎት ኣኽቢሮም፤ ብዝተዋህቦም ጸጋን ሥልጣንን ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኾም፤ ከም መላእኽቲ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ብምግልጋሎምን፤ እሙናትን ሓቀይናታትን ጓሶት ኮይኖም ሕድሮም ብምፍጻሞም እዩ። ውልቃዊ ክብሮምን ረብሓ ዓለምን ገዲፎም፤ ስለ ክብሪ እግዚአብሔርን ማኅደሩን ክሳዕ መወዳእታ ስለዝተጋደሉ ድማ ሎሚ ቅድስትን ርትዕትን ሃይማኖትና ከይተቖርመመትን ከይተሸራረፈትን ኣባና በጺሓ ኣላ። ብጥበባዊን ምሉእን ትምህርቶምን ሠናይ ሥነ ምግባሮምን ንሕዝቦም ኣብነታውያን መራሕቲ ኮይኖም መዋዕሎም ይፍጽሙ ብምንባሮምን ብምህላዎምን ድማ ክሳዕ ሎሚ ስሞም ብኽብሪ ክንጽውዖምን ክንዝክሮምን ንነብር ኣሎና። በቲ ዘይመውትን ነባሪን ናይ ሓቂ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ቅድሚ ሕዝቦም ሕፉራንን ክቡራንን ኮይኖም ንመዋዕል እናተዘከሩ ክነብሩ እዮም።
ስለ ሓቂ ንምዝራብ ድማ ኣቦታትና ሰብ ክህነት መነኮሳትን ቀሳውስትን፤ ቀለም ዝጸገቡ ተሓተትቲ ሊቃውንት፤ ጸገማት ደቆምን ሕዝቦምን ዝፈትሑ ሰብ ትዕድልቲ መንፈሳዊ ጥበብ፤ ብጸሎቶምን ኣስተብቍዖቶምን ምስ እግዚአብሔር ሥሙራት፤ ቀትሪ ንጕስነት፤ ለይቲ ንቁመተ ማኅሌት፤ ወግሐ ንኪዳን መስየ ንሰርክ ዘይበዅሩ ትጉሃን፤ . . . ጸጋ ሞገሶም ካብ ገጾም ዝንበብ ሓዋርያት ዘመኖም ምንባሮም መን እዩ እሞ ክኽሕዶ፧

ሎሚ ዝበቝል ዘሎ’ኸ፧
እንተ ሎሚ ግና ብሰንኪ ውኁዳት ኵሉ እናተለከመ በቲ እንርእዮ ዘሎና ኣይግድን ክንብል ቅሱባት ንኸውን ኣሎና! ሓቂ ድማ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ መዋዕልን ትውልድን፤ ትማልን ቅድሚ ትማልን ዘይነበረ፤ መፈጸምታ ትንቢት ኮይኑ ዝረአ ዘሎ ዘመን ዝጫጭሖ ጕዳም ዝኾነ ትውልዲ ቤተ ክህነት ከም ቃንጥሻ ኣብ’ዝን ኣብ’ትን ይበቍል ምህላዉ ዘየሰክፎ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ሞገስን ኣብነትን ኣቦታቱ ዘይወረሰ፤ ቅድሚ ኣገልግሎት፣ ሽመትን ገንዘብን ዝብህግ፤ ንግሆ እተዛረቦ ምሸት ዘይደግሞ ክልተ ዝቓሉ፤ ስለ ረብሕኡ እምበር ስለ ሃይማኖቱ ግዲ ዘይገብር “ኣገልጋሊ” ይረአ ምህላዉ ንዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ኣሻቒልዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ሎሚ ብእንርእዮ ዘሎና ጉድ’ሲ፤ ኣዕጽምቲ ሰብ ግርማን ጸጋን ቀዳሞት ኣቦታትና እሾኽ ኮይኑ ከይወግኣና ዘየፍርህ ኣይኮነን።

ብቐጻሊ ክንጠቕሶ ከምዝጸናሕና፤ ኣብ ምድኻም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፤ ኣብ ምድዋን ምስሊ እታ ዓንድን መሠረትን ሓቂ ዝኾነት ቤተ እግዚአብሔርን እሙናት ኣገልገልታን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣሉታዊ ኢድ ካብ ዝጸንሖም፤ እቶም ኣንበሳዊ ብጽሒት ካብ ዘበርከቱን የበርክቱ ካብ ዘለዉን ኣዝዮም ውኁዳት ግና ተጠመትቲ ኣባላት ቤተ ክህነት ምዃኖም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ነቲ ኣብ ኣዕይንትና እንርእዮ ዘሎና ጉድ’ውን ዘርዚርና ክንፍጽሞ ኣይንኽእልን ኢና። ብስም “ካህናት” እናተጸውዑ፤ ንኣርኣያ ክህነቶም ፈጺሞም ደምሲሶም፤ ዝርእዮም ዘበለ “እምበር’ዶ ካህናት እዮም፧!” ክሳዕ ዝብሎም፣ ዓለማውያን ንዘይፍጽምዎ ተግባር ከዘውትርዎ ምርኣይ ልሙድ ነገር ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ይበዝኅ ኣሎ። እቲ ክቡርን ነቕ ዘይብልን ሥልጣነ ክህነት ኣብ ቅድሚ እቲ መስተውዓሊ ሕዝብና ፈታኒ ኮይኑ ክሳዕ ዝርከብ፤ “ካህናት” ክነሶም፣ ካብ’ቲ ዓለምን ጭዋን ብዘይፍለ ተግባሮም ንሕዝቢ የቕሕርዎ ከምዘለዉ ዝከሓድ ኣይኮነን።

በቲ ሓደ ምስ’ቲ ዕላማ ጦማር ማዕዶትና ከይጋጮ ብምፍራህ፤ በቲ ኻልእ ድማ ውሽጣዊ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ንደገ ዛሕ ኣቢልና ከየነሕስሮን መስሓቕ ሸራፋት ከይንገብሮን እናተሰቀቕና፤ ከምኡ’ውን ንንስሓ ዝኸውን ጊዜ ተግሣፅ ነቶም ገበርቱ ንዘይምኽላእ ብምሕሳብ እምበር፣ እቲ ኣብ ዓይንና ዘሎ ጕድን ኣብ ኢድና ዘሎ ጭቡጥ ሓበሬታታትን ምቕልዑ ጠፊኡና ኣይኮነን። ሕዝበ ክርስቲያን ንብዓቱ ዝደርዘሉ ስኢኑ ኣምሪሩ ዝበኽየሉ ዘሎ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን፤ በዚኦምን ንእኦም ብዝመስሉን ውኁዳት “ከብዶም ብዝኣምላኾም፤ ነውሮም ብዝኽብሮም” “ካህናት ዘለስም” ቤተ ክርስቲያን ትጽረፍ ምህላዋ እዩ። ምስጋና ንዘይረኸቡ ካልኦት ኣሽሓትን ብጥሙይ ከብዶም ንዘገልግሉ ውፉያትን ተረከብቲ ኣቦታቶምን ዝኾኑ ካህናት መጽረፊ ኮይኖምዎ ዘለዉ፤ ሕሱራት ዝግብሮም “ካህናት”፤ እቲ ናትና ስቕታ’ውን እናሻደኖም ኣብ ልዕሊ ክፍኣት፤ ካልእ ክፍኣት እናወሰኹ ንቤተ ክርስቲያንና የዋርድዋን ክብረታን ክብረት እሙናት ኣገልገልታን ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ይቕንጥጥዎን ከምዘለዉ ኣይጠፍኣናን።

ነቲ ከም ሓዊ ዝባላዕ ሰማያዊ አምልኮተ እግዚአብሔር ረጊጾም፤ ክህነቶም ኣዋሪዶም፤ ስለ ሃብቲ ዓለምን ክብሪ ሥጋኦምን ክብሉ ኣብ ጥንቍልናን ባዕድ ኣምልኾን ዝተዋፈሩ፤ ስም ቅዱስን ንጹሕን ኣገልግሎት ቤተ ክህነትና ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ዘፈንፈኑ፤ ካህናት ኣቦታትና ክንዲ ዝፍቀሩን ዝድለዩን፤ ዘባህርሩን ዘህደሙን ኮይኖም ኣብ ሕሊና ምእመናን ከምዝሠኣሉ ዝገበሩ፤ ቤተ ክህነትና ብዘይወዓሎ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ከምዝሽቝረር ዝገበሩ፤ ምስሊ ቤተ ክህነትና ዝደወኑን ዝለከሙን “ፈወስቲ” ኢና በሃልቲ ውኁዳት ኣምለኽቲ ኣጋንንቲ ኣብ ገለ ዓድታትን ከተማታትን ከምዘለዉ መን ይጠፍኦ፧ ምስ’ዚኦም ዝተኃባበሩን ጽላል ዝኾንዎምን ኣባላት መንበረ ፓትርያርክ ከምዝነበሩን ከምዘለዉን’ከ መን እዩ ዝጠፍኦ፧ ካህናት ክርከብዎ ኣብ ዘይግባእ ቦታ ዝውዕሉ፤ ክሠርሕዎ ዘይግብእ ሥራሕ ዝሠርሑ’ኸ ንመን እዮም ዘሕስሩን ዘጽርፉን ዘለዉ፧ ኣብ ስርቅን ምትላልን ተዋፊሮም ሕዝቢ ምስ ዘሳቕዩ ሰብ ካልእ ግብሪ ብምትኅብባሮም ሥእሎም ኣብ ገበር መጽሔት “ሕዝብን ፖሊስን” ዝወፅኡ ካህናት ከምዘለዉ ክንሰምዕ ከሎና፣ ነፍስና ክሳዕ ክንደይ ዘይስከፍ፧ ኣቦታትና ብውግዘት ምስ ዝፈለይዎም “እምነታት” ውልቃዊ ሥምረት ዝፈጥሩ፤ ብገንዘብ ተዓዲጎም ምሥጢር ቤተ ክርስቲያናን ሃይማኖታዊ ጽንዓትናን ዘነኣእሱ፤ “ሓደ እንዲና” ብምባል ንሕዝቢ ሕማቕ ኣብነት ዝኾኑ እንታይ ኢና ክንብሎም፧ መንእሰያትና ኣብ በረኻ ሲና ኵሊቶምን ካልእ ንዋያተ ኣካላቶምን ከም ማቼላ እናተጐዛዘየን እናተጠብሐን ኣብ ዝሽየጠሉ ኣብ’ዚ “ዘመነ ምጾት”፤ ምስ’ዞም ጨካናት ኣራዊት ኣብ ምትኅልላፍ ገንዘብ ዝተኃባበሩ “ካህናት” ከምዘለዉ ዝሰምዕ ሰብ እንታይ እዩ ክብል፧ . . . እቲ ብውኁዳት ዝዕየ ጉድ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ።

እዞም ብኣጻብዕት ዝቝጸሩ “ካህናት” እናተባህሉ፤ ሥራሕ ኣጋንንቲ ዝሠርሑ እኩያት ሰብ ገንዘብ ዘይሮም ዘይሮም፤ ምስሊ እቲ ብዘይጠቅም ደሞዝን፤ ብናጻን ኣብ ኣገልግሎት ቤተ እግዚአብሔር ለይትን መዓልትን ብንጽሕና ዘገልግል ዘሎ ትጉህ ቤተ ክህነት እናደወኑ፤ ስሙ ንኽብለል፤ ክብረቱን ተሰማዕነቱን ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ክስእን ልኡኻት ሰይጣን ኮይኖም ዘገልግሉ ምዃኖም ክንስሕቶ የብልናን። እግዚአብሔር ይቕረ ይበሎም! እምበር ብኸም’ዚ ልኡኻት ሰይጣን ዝኾኑ “ኣገልገልቲ”፣ ቤተ ክርስቲያንና ብርሃና ኣይጽልምትን እዩ፤ ኣትሮንሳ’ውን ኣይዕጸፍን’ዩ። እቲ እኩይ ክንዲ’ቲ ዝከኣሎ ይሰይጥን፤ እቶም ኪዳንን ጠልን ኣቦታቶም ዘይጋደፎም ብሩኻት ኣገልገልታ’ውን ቀንዴል ብርሃን ኮይኖም ኪቕጽሉ እዮም።

እቲ ቀንዲ ጸገም ግና ካበይ እዩ ዝነቅል ዘሎ፧
እምበኣር እቲ ጕድ ኣዝዩ ብዙኅ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ርእሲ እንተዘይጥዕዩ ኵሉ ኣካላት ክጥዒ ስለዘይክእል፤ ነዚ ኵሉ ጕድ ኣብ’ታ መሠረትን ማኅደርን ቅድስና ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ክንርኢ ሕማቕ ኣብነት ኮይኖም ዝርከቡ፤ ከም’ዚ ዓይነት ጕድ’ውን ክተባባዕ ብተዘዋዋሪ ባብ ዘርኅዉ ኣብ’ቲ ርእሲ ዝተባህለ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዘለዉ፣ ኣብ ዓንኬል “ምምሕዳር” ተሓቝፎም ዝነበሩን ዘለዉን ኣካላት “ምምሕዳር” ምዃኖም ሥዉር ነገር ኣይኮነን። ዝረአ ጌጋታት ይትረፍ ክእረም፤ ባዕሎም’ውን ኢዶም ጽሩይ ስለዘይኮነ፤ እቲ ጌጋታት እናሰፍሐ እምበር እናጸበበ ክመጽእ ኣይተራእየን። ንዘለዎም ሥልጣን ተጐዝጒዞም ንቤተ ክርስቲያንን ኣካላታን ብምድኻም፤ ይትረፍ መኣረምታ ክገብሩ፤ ንርእሶም ተዋሣእቲ ኮይኖም ዝርከቡ፤ እቲ ሓፋሽ ቤተ ክህነት’ውን እጃሙ ከየበርክት፤ ‘እንታይ ገደሰኒ’ ብዝብል እኩይ መንፈስ ክሳዕ ዝእሰር ተስፍኡ ዘጸልምቱን ዝደቝሱን፤ ንዕንወት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝዓጠቑ ኣካላት ሠሚሮም ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝዘርጉ፤ ነንዝተቓወሞምን ይቃወመና ንዝብልዎን ካልእ ስም ብምጥማቕን ብምፍርራህን፤ ወቦ ዘተርፈ ጸሊም ታሪኽ ዝገድፉ ዘለዉ እዞም ኣብ ዓንኬል “ምምሕዳር” ተተመዚዞም ዝወፅኡ ኣባላት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምንባሮምን ምዃኖምን ካብ ዝኾነ ዘስተውዕል ኣካል ዝተሠወረ ኣይኮነን። ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲ መንፈሳዊ፣ ዓለማዊን “ፓለቲካዊ ቅዲ” ዝዓይነቱን መሪሕነትን ምሕደራን ዘተኣታተዉ፤ ብጉቦን ብልሽውናን ዝተጨማለቑ፤ ገንዘብን ሃብትን ቤተ ክርስቲያን ከም ድሌቶም ዝጻወቱሉ፤ ክርስትናን ኣገልግሎትን ናብራ መስቀል ዘይኮነስ ናብራ ስርቅን ምጥፍፋእን ዝገበርዎ ውኁዳት ኣባላት እቲ “ምምሕዳር” ከምዝኾኑ እሙን ነገር እዩ።

እምበኣር ነቶም ገበርቱን ኣሳሰዪቱን ንተግሣፅ ምእንቲ ክኾኖም፤ ነቶም ካልኦት’ውን መለበሚ ክኸውን፤ ብምባል ንሓደ ኣብ መሓውራት “ምምሕዳራዊ ዓንኬል” ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፤ ኣገዳሲ ታራ ዝጻወት ዘሎ፣ ኣብ’ዚ እነልዕሎ ዘሎና ጕድ ድማ ወክልን ምሳሌን ዝኾነና ንሓደ “ካህን” ከነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና። እዚ ማለት ግና ስለ ክብሪ ቤተ ክርስቲያን ክንብል፣ ነቲ ኵሉ እንፈልጠሉ ኣዝዩ ኣጸያፊ ተግባራት ክንገልጾ ኢና ማለት ከምዘይኮነ ኣቐዲምና ክንገልጽ ንፈቱ። ንኻልኦት’ውን ምእንቲ ከይንልክም ነቲ ቅድም እንፈልጦ ክዉን ነገርን ሕጂ ብምንጪታትና ኣቢልና ንዘረጋግጽናዮ ሓቅታትን ጥራይ ብውሱንን ብሓፈሻዊ መልክዕን ክንገልጾ ከም እንፍትን ንሕብር።
. . . ይቕጽል
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

4 comments:

  1. Emo hji entay ygeber??? Biete krstiyan bPapas tmehader ember ato emo kea wala hade aflto biete krstiyan zeyblu seb enaamahadera dea entay knxbe.

    Kahnat dma gbu'e memzeni wexiuwom mearg yqebelu.

    Nezi kulu ftah kab semay ymxaana.

    ReplyDelete
  2. ሓደ ካብ ዲያቆናትJanuary 27, 2013 at 7:32 AM

    ብመጀመርታ ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኩም ምስ ኣዳለውቲ ማዕዶት ይኩን። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጉድ ኩሉ ይፈልጦ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ንኣካል'ውን ዘጋጠመኒ ጉዳይ እዩ። ኣነ ንባእለይ ዲያቆን እየ ሰበኻ ጉባኤ ኮይነ ኣብቲ ዝነበርኩሉ ቤተክርስቲያን ኣገልጊለ እየ። ኣዝዩ ዝሐዝን፥ ፈታኒ ናይ ስራሕ ግዜ የሕሊፈ፥ ግዜ ምስ ኣከለ ግን ን ኣምላከይ ብሰላም ስለዘፈጸመኒ ኣመስግኒ ንብሕጂ ኣብ ናይ ቤተክርስቲያን ምሕደራ ብዝኮነ መንገዲ ንከይሰርሕ ንነፍሰይ ኣረዲአ ተኣልየ። እቲ ሕይወት ዝስካሕክሕ አዩ መንበረ ጵጵስና ዲዩ ኣማሕዳሪ ቤተክርስቲኣያን ዋላ ሰበኻ ጉባኤ ዘደንጹ እዩ። ዳርጋ ኣተግበርቲ ትእዛዝን መምርሕን መንበረ ጵጵስና እምበር ናይ ሕዝቢ ከምዘይወከልና አዩ በሪሁለይ።ስለዚ እየ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓቂ እዩ ዝበልኩ። ሓደ ነገር ኪብሎ ደሊየ ዘለኩ ግን፥ ኩሉ ዋላ ምእመናን ካብ ሕቂ ስለዝረሓቀ ኣምላክ የሕሊፉ ሂቡና ዘሎ፡ ሕዝቢ ሃቀኛ መንገዲ እንተዝሕዝ ኣምላክ ከኣ መፍትሒ ምሃበና ኔሩ ነገር ግን ኣምላክ'ውን በዚ አዩ ዝቀጽዓና ዘሎ። ብዝኮነ እብዚ ስም ጠቂስካ ዝርዝራዊ ግብርታቱ ምዝርጋሕ ኣነ ክሪኦ እንከለኹ ጽቡቅ ኮይኑ ኣይስምዓኒን። ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ ካብ ኣማንን፡ ኣገልገልትን ዝተኸወለ ኣይኮነን ኩሉ ሰብ ይፈልጦ አዩ፡ ግን በቶም ዘይኣምኑ ቤተክርስቲያን ንኽትጽረፍ ቀዳድ ምኽፋት ከይከውን ስግኣት ኣለኒ። እንተ ነዞም ሰባት ግን ዘይክሰት ሕቡእ ዘይቅላዕ ስዉር የለን አሞ ኣምለክ ናይ ኢዶም ኪህቦም አዩ። ሓደ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ግን ኣሎ፥ ንሕና መንእሰያት ኣገልገልቲ ከኣ ብፍላይ ካብዚ ነገር አዚ ርሕቕና ብንጽህና ክነገልግል ኣለና። ዲያቆናት ናይ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ሊቀ ዲያቆናት ኣብነት፡ ካህናት ከኣ ኣዕይንተ እግዚኣብሔር፥ ናይ ሊቀ ሓዋርያት ጴጥሮስ ኣብነት ሒዝና ኣገልግሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ዘየሕፍረና ምዃኑ ክነረጋግጽ ኣሎና። ዕላማና ዘለኣለማዊ ሕይወት፡ ሃሳብና ድማ ሰማያዊ ነገር ኪከውን ኣለዎ። እቲ ዝኽፍአ ነገር እዚ ዝስዕብ ዘሎ ሓድሽ ወለዶ፡ መጋበሪያ ኮይኑ ከይልከም አሞ ቤተክርስቲያን እናሓደረ ንስርዓታን መንገዳን ዘጽርፍ ኣገልጋሊ ከይፈሪ እዩ። ግድን ክነቃልዖ ክነውጽኦ ኣለና ዚብል ሓሳብ እንተኣሎኩም ግን ኣብ ኣጸሓሕፋን ኣጠቓቕማ ቃላትን ጥኑቁቃት ንኩን ይብል። ብዝተረፈ ኣምላከ ቅዱሳን፡ ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር ኣምላኽና ሰላሙን ፍቕሩን ይህበና። ብሩህ መጻኢ ዘለዎ ኣገልግሎት ይዓድለና።እዴና ቅድስት ድንግል ማሪያም ብኣማላድነታ፡ ኩላም ቅዱሳን ብተራዳእነቶም ይሓልዉና።
    ካብ ሓውኹም ዲያቆን P.w.

    ReplyDelete
    Replies
    1. ሓደ ካብ ዲያቆናትJanuary 27, 2013 at 6:24 PM

      ሰላም ዲያቆን P.w. ብጠዓሚ ጽቡቕ ናይ ለባማት ዘረባ ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ፣ በሓቒ እዛ ቅድስቲ እምነት ብኸምዚ መንገዲ ብጸርፍን፣ ምውንጃልን ኣይኮነትን ጸኒሓትና እዚ ኒየው ንበሎ ናይ ኦርቶዶክስ ኣይኮነን ንኹሉ ነፍቅር፣ ንስኻ'ውን እቲ ኣብቲ መጀመርታ ዝጸሓፍካዮ ኣድላይነት የብሉን ምክንያቱ ንካልኦት ኣብቲ ኣገልግሎት ኣትዮም ወላዲቶም ቤተክርስትያን ንከየገልግሉ ዝዕንቅጽ መልእኽቲ'ዩ ዘለዎ ኩሉ ሰበኻ ጉባኤ ሓደ ኣይኮነን።
      ሓዉካ ዲያቆን

      Delete
  3. በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን ።
    መጀምርያ ነቲ ሰማይን ምድርን ኩሉ ኣብኡ ዘሎን ዝፈጠረን ዝገዝእን ዝእዝዝን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹን ።
    ቀጺለ ድማ ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ እዚ ዘለናዮ ዘመን ትንቢት ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን ስለዝኾነ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንነብስና ካብ ቅኑዕ ብዝመስል ግጉይ መገዲ : ድፍረት : ክትዕ : ፍርዲ : ምስጢር ትሕትና ዘይብሉ ጉዕዞን ፍረዘይብሉ ኣገልግሎትን ይሰውረና ።
    ዝኽበርኩም ኣዳለውቲ ማአዶት መድባትኩም ብሓቂ ናይ ቀዳሞት ኣበው ሰረት ዝሓዘ እዩ እግዚኣብሄር ጸግኡ የብዝሓልኩም። ኣብዞም ዝላዓሉ እዋናውያን ጉዳያት ግን ቁሩብ ስክፍታታት ይስማዓኒ ኣሎ ከመይሲ ብተግባራት ገበርቲ እከይን ዓለውትን ክንዛረብ ግዜ ዘለና ኣይመስለንን ! እዚ ክብል ከለኹ ግን ናቶም ጉዳይ ከምዘለዎ ይቐጽል ማለተይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ቀዳማይ ዕዮና ነዚ ዝሎ ጸገም ብኸመይ ንፍታሓዮ ? 2) ብኸመይከ ብሕብረት ዘተ እንገብረሉ መኣዲ ንስራዕ : 3) እዚ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ ናይ ነፍሲ ወከፍና ድኻምን ሓጢኣትን ካብ ዝተዋህበና ስራሕ ስለ ዘብኮርናን ወቦ ዘተ…. እምበር ሕጂ ሃንደበት ዝነጠበና ከምዘይኮነ ክንግንዘቦ ዘለና ኮይኑ ይስማዓኒ . ካልእሲ ይትረፍ እዚ እንተ ፈለጥና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንኹፉእና ካባና ከም ዘርሕቐልና እሙን እዩ ።
    እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኹሉ ከከም ኣጋባቡ ክንፍጽሞ ጥበብን ምስትውዓልን ይዓድለና ኣሜን ።
    ወስብሃት ለእግዚኣብሄር

    ReplyDelete