Sunday, February 10, 2013

ጥንተ አብሶን ንጽሕት ድንግል ማርያምን (ሣልሳይ ክፋል)

ክቡራንን ክቡራትን አንበብቲ ማዕዶት፣ ኣብ ዝኃለፈ ኅታማት መጽሔትና፣ ሓፈሻዊ ርድኢትን ግንዛበን ጥንተ አብሶ ብምሃብ ዝጀመርናዮ ኣርእስትና፣ ብዛዕባ ነዚ፣ (ሰአሊ ለነ ቅድስት) “ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ኃሊፉዋ ነይሩ እዩ” ዝብል ጊጉይ ትምህርቲ ምንጪ ዚኾኑ ግብጻውያን ኣኅዋትናን ጉዳያት ትምህርቶምን ኣልዒልና ንእሽቶ ተዛሪብና ነይርና። ሓደ ሓደ እዚ ርቱዕ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያንና እዚ ዘይተዋሕጠሎም ሰባት ግና ኅልፍ ኅልፍ ኢሎም ነቲ ኣርእስቲ ከነቋርጾ ብተዘዋዋሪ ዘረባታት ክሰዱልና ጸኒሖም እዮም። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋንውን ብደብዳቤ ኣስፊሖም ጽሒፎሙልና። ንሕና ግና፣ “ጽድቃ ከም ብርሃን ፀሓይ ክሳዕ ዝደምቕ፣ ስለ ጽዮን (ድንግል ማርያም) ስቕ ኣይክንብልን ኢና” ኢልና ምስ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ ብምኅባር፣ ነቲ ዝጀመርናዮ ኣርእስቲ ቀጺልናዮ ኣሎና። በዚ ኾነ በቲ፣ ዋላ’ኳ ብእግዚአብሔር ኣምላኽና ንዝተዋህብዋ ዝተፈላለዩ ክብርታትን ጸጋታትን ክንገልጽ ዘይንበቅዕ ድኹማን እንተኾንና፣ ቅዱሳን ሊቃውንት ዝኾኑ ኣቦታትና፣ “ቡሩክት ወንጽሕት” እናበሉ ንዝወደሱዋ ንጽሕት ኣዴና ኣብ ክንዲ ኣቦታታ ዝተወለድናላ ውሉድ ስለዝኾንና፣ እንሆ ሣልሳይ ክፋል ትምህርትና። ሠናይ ንባብ።

ንጽሕት ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ (ኃጢኣት ኣዳም) ፈጺሙ ኣይኃለፋን። ነዚ ከኣ ኣዝዮም ብዙኃን መረጋገጺታት ኣለዉና። ኣብ’ዚ መጽሔት እዚ ግና ንመረጋገጺታትና ኣብ ኣርባዕተ ከፊልና ክንርእዮም ኢና። ንቅዱሳን ኣቦታትና ምሥጢሩ ዝገለጸ ከሣቴ ምሥጢር እግዚአብሔር ኣምላኽና ምስትውዓል ሂቡ ምሥጢሩ ይግለጸልና፤ ዘስተውዕል ልቡና ድማ የዓድለና።

Saturday, February 2, 2013

ካብ’ቲ ባሕሪ ጉድ ብጭልፋ! (ካልኣይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 
ቀሺ በረከት ኪዳነን ግብርታቱን
ስሙ ቀሺ በረኸት ኪዳነ ይብሃል። ትውልዱን ዕብየቱን ኣብ ከባቢ ሰበኻ ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ኣሥመራ ኮይኑ፤ ብዲቁና ኣብ’ዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ከገልግል ድኅሪ ምጽናሕ፣ ቅድሚ ፲ ዓመት ከም ታራ ሠራሕተኛ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ።

ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፤ ከም ርእሲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና መጠን ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት ክምደቡን፤ ክቝጸሩን ናይ ዘለዎም ኣገልገልቲ ብቝዕ መምዘንን ቕጥዕን ዘይብሉን ኣብ ፍታውን ውልቃዊ ሚዛንን ኣመሓደርቱ ዝተምርኮሰን ብምዃኑ፤ ንኻልእ ዘየድሊ ምትእትታዋት ቅሉዕ ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ፤ ንኸምዚኦም ዓይነት ክፉእ ዝግብሮም ሰባት ጥጡሕ ባይታ ከፊቱ ይርከብ። ከምኡ እንተዘይከውን፤ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ከም መጠን ወካሊን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኤርትራ፤ ይትረፍ ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ክሰርሑ፤ ጥቕኡ እኳ ክቐርቡ ዘይግብኦም ሰባት ከም ቀንዲን ተዋሳእትን ኮይኖም ክዋስኡሉ ኣይምተረኽቡን ነይሮም። ብዙኃን ምኩራትን ቅንኣት ሃይማኖት ዘለዎምን ሊቃውንቲ ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ልቦም ኣብ ልቦም ገይሮም ርእሶም ኣድኒኖም ብዘይ ሥራሕ ኣብ ዝመላለሱሉ ጊዜ፣ እዚ ዓቢዪ ቤት ጽሕፈት’ዚ፤ እቶም ከም ሠመረ ኣብ ዝኣመሰሉ ብመናፍቅነቶም ዝፍለጡ፤ ከም ቀሺ በረከት ዝኣመሰሉ ብኻልእ ብልሹውን ኣዝዩ ኣጸያፍን ተግባራቶም ዝልለዩ ሰባት ርእሶም ኣቕኒዖምን ምርኡያት ዋናታት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ክረኣዩ ኣይምተረኽቡን ነይሮም።

ስቕታ ተመሪጹ እምበር፤ ጸሓፊት ተሳኢና’ሲ፤ ካቶሊካዊት እመቤት ኣብ’ቲ ከም “መቅደስ” ዝቝጸር ቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ከም ዋና ጸሓፊት ኮይና ልዕሊ ፴/30 ዓመት ክትጸንሕ ኣይምኸኣለትን። እርኑብን ውርዙይን ኣከዳድና ዘይውንና ጎራዙ ኣዋልድ ኣብዚ መንፈሳዊ ቤት ጽሕፈት’ዚ ንየው ነጀው፤ ላዕልን ታሕትን ክብላ ኣይምተራእያን። ባሕታውያን ዝርከብዎም ኣቦታት ኣብ ኣፍ ደገ ደው ክሳዕ ዝብሉ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክኣቱ ዝፍቀደሉን ዘይፍቐደሉን ያኢ ኣርኣያ ክህነት ተሳኢኑስ ኣብ ኢድ “ገጽ ኣንስቲ” እምበይወደቑን ነይሮም። ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሰራሕተኛ እቲ ቤት ጽሕፈት ዘየለዉ ሰባት፤ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይምለከት ሥራሕ ብስም ኮንትራት ወርኃዊ ደሞዞም መመጺኦም ክወስዱ ክሳብ ዝግበር ኣይምተረኽበን ነይሩ። . . . ዝርዝሩ ብዙኅ እዩ።!