Sunday, February 10, 2013

ጥንተ አብሶን ንጽሕት ድንግል ማርያምን (ሣልሳይ ክፋል)

ክቡራንን ክቡራትን አንበብቲ ማዕዶት፣ ኣብ ዝኃለፈ ኅታማት መጽሔትና፣ ሓፈሻዊ ርድኢትን ግንዛበን ጥንተ አብሶ ብምሃብ ዝጀመርናዮ ኣርእስትና፣ ብዛዕባ ነዚ፣ (ሰአሊ ለነ ቅድስት) “ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ኃሊፉዋ ነይሩ እዩ” ዝብል ጊጉይ ትምህርቲ ምንጪ ዚኾኑ ግብጻውያን ኣኅዋትናን ጉዳያት ትምህርቶምን ኣልዒልና ንእሽቶ ተዛሪብና ነይርና። ሓደ ሓደ እዚ ርቱዕ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያንና እዚ ዘይተዋሕጠሎም ሰባት ግና ኅልፍ ኅልፍ ኢሎም ነቲ ኣርእስቲ ከነቋርጾ ብተዘዋዋሪ ዘረባታት ክሰዱልና ጸኒሖም እዮም። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋንውን ብደብዳቤ ኣስፊሖም ጽሒፎሙልና። ንሕና ግና፣ “ጽድቃ ከም ብርሃን ፀሓይ ክሳዕ ዝደምቕ፣ ስለ ጽዮን (ድንግል ማርያም) ስቕ ኣይክንብልን ኢና” ኢልና ምስ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ ብምኅባር፣ ነቲ ዝጀመርናዮ ኣርእስቲ ቀጺልናዮ ኣሎና። በዚ ኾነ በቲ፣ ዋላ’ኳ ብእግዚአብሔር ኣምላኽና ንዝተዋህብዋ ዝተፈላለዩ ክብርታትን ጸጋታትን ክንገልጽ ዘይንበቅዕ ድኹማን እንተኾንና፣ ቅዱሳን ሊቃውንት ዝኾኑ ኣቦታትና፣ “ቡሩክት ወንጽሕት” እናበሉ ንዝወደሱዋ ንጽሕት ኣዴና ኣብ ክንዲ ኣቦታታ ዝተወለድናላ ውሉድ ስለዝኾንና፣ እንሆ ሣልሳይ ክፋል ትምህርትና። ሠናይ ንባብ።

ንጽሕት ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ (ኃጢኣት ኣዳም) ፈጺሙ ኣይኃለፋን። ነዚ ከኣ ኣዝዮም ብዙኃን መረጋገጺታት ኣለዉና። ኣብ’ዚ መጽሔት እዚ ግና ንመረጋገጺታትና ኣብ ኣርባዕተ ከፊልና ክንርእዮም ኢና። ንቅዱሳን ኣቦታትና ምሥጢሩ ዝገለጸ ከሣቴ ምሥጢር እግዚአብሔር ኣምላኽና ምስትውዓል ሂቡ ምሥጢሩ ይግለጸልና፤ ዘስተውዕል ልቡና ድማ የዓድለና።

፩. ቃል ቅዱሳን ነቢያት
ኣቐዲሞም ቅዱሳን ነቢያት ጥንተ አብሶ ከም ዘይብላ ኣረጋጊጾም ነጊሮምና እዮም። ካብኣቶም ውኁዳን ንኣብነት ክንወስድ።

፩.፩ ነቢይ ዳዊት
ወትቀውም ንግሥት በየማንከ፤ በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት። ስምዒ ወለትየ ወርእዪ ወአፅምኢ እዝነኪ፤ ርስዒ ሕዝብኪ ወቤተ አቡኪ። እስመ ፈተወ ንጉሥ ሥነኪ። እታ ንግሥቲ ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ። ጓለየ፣ ስምዒ፤ ረኣዪውን፤ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ። ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። ምኽንያቱ ንጉሥ ንጽባቐኺ ፈትዩዎ እዩ።” (መዝ. ፵፬፥፱-፲፩/45፥9-11)። እዚ ትንቢት እዚ ንቅድስት ድንግል ማርያም እዩ ብልክዕ ዝገልጽ። ወርቂ ምልክት ንጽሕና እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልዕሊ ንጽሐ ሥጋ፣ ንጽሐ ነፍስ፤ ኣብ ልዕሊ ንጽሐ ነፍሲ ድማ ንጽሐ ልቡና ደራሪባ ዚኃዘት ስለዝኾነት፣ “ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ” ኢሉዋ። “ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ” ዝበላ ድማ ንሳ ካብ ሕዝባን ኣዝማዳን ተፈልያ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብላ ንጽሕቲ ኮይና ጥንተ አብሶ ከይኃለፋ ስለዝተወልደት እዩ። ዘማራይ ዳዊት፣ “ጓለይ” ዝበላ ድማ ካብ ዘርኡ ስለዝተወልደት እዩ። ንሳ ጥራይ ዘይኮነትስ፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ካብኣ ስለዝተወልደ፣ “ወዲ ዳዊት” ተባሂሉ እዩ። (ማቴ. ፩፥፩/1፥1)። “ንጉሥ” ዝተባህለ ክርስቶስ ኪኸውን ከሎ፤ “ንጽባቐኺ ፈትዩዎ” ዝተባህለ ድማ ጽባቐ ንጽሕናኺ ኪወሐሐድ እዩ ማለቱ እዩ።

፩.፪ ጥበበኛ ሰሎሞን
“ኣቲ ፍትውተየ፣ ኵለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፤ ሕፍቲ የብልክን።” (መኀ. መኃ. ፬፥፯/4፥7)። ጥበበኛ ሰሎሞን ብመንፈሰ ትንቢት ተቓንዩ፣ ‘ኣቲ ፍትውተይ፣ መርገመ ሥጋ፣ መርገመ ነፍስ ዘይብልኪ፣ ምልእቲ፣ ጽብቕቲ ኢኺ’ ኢሉ ኣመስጊኑዋ። እዚ ድማ ሕፍቲ ዘይብላ ብዅለንትናኣ ንጽሕት ምዃና እዩ ዘረጋግጽ።

፩.፫ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ
“እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ገለ ኂደት ትርፊ እንተዘይኃድገልናስ፣ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራ ምመሰልና” (ኢሳ. ፩፥፱/1፥9)። ነቢይ ኢሳይያስ፣ “ዘርኢ” ዝበላ ኣደ እግዚአብሔር ዝኾነት፣ ዓለም ዝደኃነላ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።  ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ብንጽሐ ሥጋ፣ ብንጽሐ ነፍስ፣ ብንጽሐ ልቡና ዓቂቡ፣ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፣ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ (ተወሐሒዱ) ንዓለም ከድኅን ምኽንያት ገይሩዋ እዩ። ምኽንያቱ ንሳ እንተዘይትህሉ፣ ድኅነት ኣይምረኸብናን። ስለዚ ድማ እዩ ነቢይ ኢሳይያስ፣ “እንተዘይኃድገልና ኢሉ ዝገለጻ።

፪. ቃል ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ
ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ፣ እግዚአብሔር ምስሌኪ፤ ቡርክት አንቲ እምአንስት፦ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፣ ባህ ይበልኪ (ፍጹም ተሓጐሲ)፤ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ።” (ሉቃ. ፩፥፳፰/1፥28)
ካብ’ዚ ዘደንቕ ሰላምታ አብሣሬ ትስብእት ቅዱስ ገብርኤል፣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጥንተ አብሶ ናጻ ምዃና ዘረድኡ ክልተ ነጥብታት ጥራይ ክንጠቅስ።

 ፪.፩ “ኦ ምልእተ ጸጋ፦ ኦ ጸጋ ዝመልኣኪ፤”
 ቅድስት ድንግል ማርያም፣ “ጸጋ ዝመልኣኪ” ተባሂላ ምምስጋና፣ ንሳ ካብ’ቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመኃላለፍ ዝነበረ ጥንተ አብሶ ናጻ ምዃና የረድኣና። እዚ ምስጋና እዚ ንጐይታና ቅድሚ ምጽናሳ ምቕራቡ ድማ ኣዴና ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ጀሚራ መንፈስ ቅዱስ ዝኸለላ፣ ጥንተ አብሶ ዘይኃለፋ ምዃና የርእየና። ንጽሕናኣ ቅድሚ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ምዃኑውን፣ “ጸጋ ዝመልኣኪ” ኢሉ ብኅሉፍ ዓንቀጽ ብምዝራቡ የለብመና። ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል፣ ቅድሚ ንጐይታና ምጽናሳ፣ ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ጀሚራ ንጽሕት፣ ቅድስት፣ ጥንተ አብሶ (ኃጢኣት ኣዳም) ዘይኃለፋ፣ እግዚአብሔር ንፍሉይ ሥራሕ (ንተዋሕዶ) መሪጹ፣ ዓቂቡ፣ ሓሊዉ ዘጽንሓ እያ።

ካብ ኵሉ ወዲ ሰብ ጸጋ ኣብ ዝረኃቐሉ ጊዜ፣ “ጸጋ ዝመልኣኪ” ተባሂሉ ፍሉይ ምስጋና ዝቐረበላ ቅድስት ድንግል ማርያም ጥራይ እያ። ሓፈሻዊ ብዛዕባ ደቂ ሰባት ግና፣ “ኵሎም ኃጢኦም፤ ክብሪ እግዚአብሔርውን ስኢኖም” (ሮሜ ፫፥፳፫/3፥23) እዩ ተባሂሉ ነይሩ። እዚ ከኣ ጥንተ አብሶ (ዕዳ ኣዳም) ኣብ ኵሎም ስለዝበጽሐ ደኣ እምበር፣ ኵሎም ብግብሪ ኃጢኣት ፈጺሞም ማለት ከምዘይኮነ፣ “ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ኣብ’ቶም ከም’ቲ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ዘይገበሩውን ሠልጠነ።” (ሮሜ ፭፥፲፬/5፥14) ተባሂሉ ተነጺሩ እዩ። እምበኣር ኵሉ ሰብ ብሰንኪ ኃጢኣት ኣዳም ጸጋ ጐዲሉዎ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፣ ኣዴና ማርያም ጥንተ አብሶ ከምዘይኃለፋ፣ “ጸጋ ዝመልኣኪ” ብምባል፣ የረድእ ኣሎ።

፪.፪ “ቡርክት አንቲ እምአንስት፦ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ (ዝተፈለኺ) ኢኺ።
እዚ ቃል ምስጋና እዚ፣ “በዚ ሌላን ጉሌላን የልቦን እሞ፣ ኵሎም ኃጢኦም . . .” (ሮሜ ፫፥፳፪-፳፫/3፥22-23) ካብ ዝተባህሉ ሰባት ፍልይቲ ምዃና የነጽር። እዚ ከኣ ንሳቶም ብዘይ ሌላን ጉሌላን ጥንተ አብሶ ኃሊፉዎም፤ ንሳ ግና ወላዲት ኣምላኽ ክትከውን ተሓፅያ፣ ካብ’ቲ መርገምን ፍዳን ናጻ ምውፅኣ እዩ። ስለዚ ክብርን ምስጋናን ንኣኣ ይኹን እሞ፣ ‘ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ኃሊፉዋ ነይሩ እዩ’ እንተተባሂሉ ደኣ እሞ፣ ካብ ኣንስቲ ዓለም ፍሉይነታ እንታይ እዩ፧ ወይስ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ምስጋና ጌጋ ኣለዎ፧ ኣይፋሉን። ንሳ ካብ ኵሉ ነገር ንጽሕት ኮይና እያ ተፈጢራ። ስለዚ ድማ እያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፣ “ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ፦ ካብ ዝፈጥራ ኣትኂዛ ብዝኾነ ይኹን ኣይረኸሰትን” ኢላ ትምህርን ትምስክርን። ምስኡ ኣተኃኂዙ እዚ ቅዱስ መልአከ እግዚአብሔር እዚ፣ “ንስኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ፣ ፍረ ከርሥኺውን ቡሩኽ እዩ” ብምባል ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ተመሳሳሊ ምስጋና ኣቕሪቡሎም። እዚ ከኣ ክልቲኦም ጥንተ አብሶ ዘይኃለፎም ምዃኑ እዩ ዘረድኣና። ምኽንያቱ ጐይታ ዝተወሐሐዶ ሥጋ ናይ ድንግል ማርያም ንጹሕ ሥጋ እዩ። ፍልልዩ ግና ነስተውዕሎ፦ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ “ዝተባረኽኪ ኢኺ” ክትብሃል ከላ፣ እግዚአብሔር ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ጀሚሩ ብንጽሕና ስለዝዓቀባ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ዝተባረኸ እዩ” ክብሃል ከሎ ግና፣ ብባህርይኡ መርገም ዘይሰማምዖ፣ መርገም ዘርኅቕ እዩ ማለት እዩ።

፫. ቅዱስ ምስክርነት ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን
ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብሉይን ሓድሽን ኣገናዚቦም፣ ኣበየ ድርሳናቶምን መልእኽታቶምን ቅድስት ድንግል ማርያም ንጽሕት ምዃና መስኪሮም እዮም። ንቅዱሳን ሐዋርያት ተኪኦም ሓደራ ክርስቶስ ተቐቢሎም፣ መርሒነት ቤተ ክርስቲያን ዝተረከቡ ሐዋርያውያን አበው ኮኑ ንኣኣቶም መጓሰ ክርስቶስ ዝተቐበሉ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፣ እመ ብርሃን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕዳ በደል ኣዳም (ጥንተ አብሶ) ፈጺሙ ከምዘይኃለፋ ብዙኅ ጊዜ መስኪሮምን ኣረዲኦምን እዮም። ካብኣቶም ውኁዳን ክንጠቅስ፦

፫.፩ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ መንክራት
“ስለዚ ኣንቱም ኣኅዋት፣ እሞ ንዑ እስከ ሓቢርና፣ ‘ኦ ምልእተ ጸጋ፣ ምልእተ ክብር፣ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፣ ባህ ይበልኪ’ ዝብል ምስጋና መልኣኽ ንዘምረላ፤ ‘ኦ ንጽሐ ሥጋ፣ ንጽሐ ነፍስ፣ ንጽሐ ልቡና ዝወነንኪ፣ እግዚአብሔር መኅደሪ ወዱ ክትኮኒ መሪጹኪ’ እናበልና ነመስግና። ኦ ብእኡ ንዚኣምኑ ብርሃን ሕይወት ዚህብ ጐይታ ዝወለድክልና ምልእተ ጸጋ፣ ክብርን ምስጋናን ንኣኺ ይኹን። ኦ ፀሓይ ቅድስና፣ ነውሪ ዘይለኸፎ ዕንባባ ሕይወት ዝኾንኪ ምልእተ ጸጋ፣ ክብርን ምስጋናን ንኣኺ ይኹን። . . .” እናበለ ኣመስጊኑዋ ኣሎ። (ድርሳነ ጎርጎርዮስ ክፍል ፪)

፫.፪ አባ ዮሐንስ ዘአንጾኪያ
ባ ዮሐንስ ብዛዕባ ሥጋዌ ክዛረብ ድኅሪ ምጽንሑ፣ “. . . ወዝንቱ ኮነ እምንጽሕት ወጽሪት ወኅሪት ወቡርክት ወቅድስት ማርያም ድንግል በኵሉ ጊዜ፦ እዚ ድማ ኵሉ ጊዜ ድንግል ካብ ዝኾነት ካብ ንጽሕት፣ ጽርይቲ፣ ኅርይቲ፣ ፍልይትን ቅድስትን ካብ ዝኾነት ማርያም እዩ ኮይኑ” (ሃይ. አበ. ፻፫፥፲፭/103፥15) ይብል። እዚ ከኣ ድንግል ማርያም መርገመ ነፍስ መርገመ ሥጋ ዘይብላ ፍጹም ንጽሕት ከምዝኾነት እዩ ዘረድኣና።

፫.፫ አባ ክርስቶዶሎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ
እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚውን ብዛዕባ ምሥጢረ ተዋሕዶ ኪዛረብ ከሎ፣ “ወኀደረ ውስተ ከርሠ ድንግል ንጽሕት በኵሉ ጊዜ ማርያም በብሥራተ ገብርኤል ሊቀ መላእክት፦ ኣብ ከርሢ እታ ወትሩ ንጽሕት ዝኾነት ማርያም ብብሥራት ሊቀ መላእክት ገብርኤል ኃደረ።” (ሃይ. አበ. ፻፲፪፥፱/112፥9) ኢሉ ጽሒፉልና።

፫.፬ ቅዱስ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ
ቅዱስ ቄርሎስ፣ “ወበደኃሪ መዋዕል ሶበ ተፈነወ ገብርኤል መልአክ ኀበ ማርያም ድንግል ንጽሕት፣ . . . ኣብ ዳኅራይ ዘመን  ገብርኤል መልኣኽ ናብ ንጽሕት ድንግል ማርያም ምስ ተላእከ፣ . . .” (ሃይ. አበ. ፸፩፥፫/71፥3) ብምባል፣ ቅዱስ ገብርኤል ዝተላእከ ናብ እታ ኣቐዲማ ንጽሕት ዝኾነት ድንግል ማርያም እዩ። ስለዝኾነ ድማ እዩ፣ “ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ (ዝተፈለኺ) ኢኺ” ዝበላ። (ሉቃ. ፩፥፳፰፣ ፵፪/ 1፥28, 42)።

፫.፭ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
ዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ በብዕለቱ ዝንበብ ናይ ሰሙን ምሉእ ውዳሴ ማርያምን ካልእ ብዙኅ ድርሳናትን ዝደረሰ ሊቅ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንሱ፣ “ተፈሥሒ ኦ ድንግል ንጽሕት ኣንተ አልባቲ ርኵስ ዘመጽአ ቃለ አብ ወተሰብአ እምኔሃ፦ ኦ ቃለ አብ (እግዚአብሔር ወልድ) ናባኺ መጺኡ ሰብ ዝኾነልኪ ርኽሰት (ርስሓት) ዘይብልኪ ንጽሕት ድንግል ባህ ይበልኪ” (ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ)ብምባል ድንግል ማርያም ንጽሕት ርኽሰት (ኃጢኣት) ዝብሃል ዘይተንከፋ ምዃና የብርህ። ብተወሳኺውን፣ “ተፈሥሒ ኦ ምልእተ ጸጋ ድንግል ዘእንበለ ርኵስ ልኅኵት ንጽሕት፣ ክብረ ኵሉ ዓለም ብርሃን ዘኢትጠፍእ፣ መቅደስ ዘኢትትነሠት፣ በትረ ሃይማኖት ዘኢትጸንን ምስማኮሙ ለቅዱሳን፦ ኦ መጸግዒት ቅዱሳን ዘይትቐንን በትረ ሃይማኖት፣ ዘይትፈርስ ቤተ መቅደስ፣ ዘይትጠፍእ ብርሃን፣ ክብሪ ኵሉ ዓለም፣ ርስሓት ዘይብልኪ ንጽሕት ኵስኵስት ዝኾንኪ ጸጋ ዝመልኣኪ ድንግል ባህ ይበልኪ።” (ውዳሴ ማርያም ዘቀዳሚት ሰንበት) እናበለ ንጽሕናኣን ቅድስናኣን የድንቕን ይምጕስን።

፫.፮ አባ ሕርያቆስ ኤጲስ ቆጶስ ዘሀገረ ብሕንሳ
አባ ሕርያቆስ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ቅዳሴ ማርያም ዝደረሰ ኣቦ እዩ። ካብ’ቲ ኣዝዩ ዓሚቝ ምሥጢር ዘለዎ ንባባቱ ሓንቲ ጥራይ ምስ እንርኢ ድማ ዘደንቕ ኣገላልጻ ንረክብ። “በአማን ነጸረ እግዚአብሔር አብ እምሰማይ ምሥራቀ ወምዕራበ፣ ሰሜነ ወደቡበ ወውስተ ኵሉ ኣጽናፍ፤ አስተንፈሰ ወአፄነወ ወኢረከበ ዘከማኪ፤ ወሠምረ መዓዛ ዚአኪ፤ ወአፍቀረ ሥነኪ፤ ወፈነወ ኀቤኪ ወልዶ ዘያፈቅር፦ ብሓቂ እግዚአብሔር አብ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ናብ ምብራቅን ምዕራብን፣ ሰሜንን ደቡብን ናብ ኵሉ መኣዝናት ዓለም ጠመተ። ኣስተንፈሰ፣ ኣሸተተ፤ ከማኺ ዝበለ ግና ኣይረኸበን፤ ንመኣዛኺ ፈተዎ፤ ንጽባቐኺውን ኣፍቀሮ፤ ነቲ ዝፈትዎ ወዱ ድማ ናባኺ ለኣኾ።” (ቅዳሴ ማርያም፤ መዝ. ፵፬፥፲-፲፪/45፥10-11)። ኵሉ ብኣርባዕተ መኣዝናት ዓለም ዘሎ ሰብ ብጥንተ አብሶ ረኺሱ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብኡ ተፈልያ ንጽሕት ኮይና ስለዝተረኽበት እዩ፣ “ከማኺ ዝበለ ኣይረኸበን” ዝበለ’ምበር፣ ፈልዩ ኣይምተዛረበን።

፫.፯ ቅዱስ ያሬድ
ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ መጻሕፍትን መሠረተ ዜማን ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድጓ ዝተባህለ ድርሰቱ፣ “ማርያምሰ ተኀቱ እምትካት ውስተ ከርሡ ለአዳም ከመ ባሕርይ ፀዐዳ፦ ማርያምስ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ውሽጢ ባህርይ ኣዳም ከም ፃዕዳ ዕንቊ ተብርህ ነበረት” ይብል። እዚ ድማ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ’ቲ ብምኽንያት በደል ዝመጽአ ጥንተ አብሶ ብኣምላኻዊ ምሥጢር ተሓሊዋ ካብ ኣዳም ናብ ሴት፣ ካብ ሴት ናብ ኖኅ፣ ካብ ኖኅ ናብ ሴም፣ ካብ ሴም ናብ ኣብርሃም እናሰገረት ዚመጽአት ንጽሕት ዘርኢ እያ።

፬. ‘ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ኃሊፉዋ ነይሩ እዩ’ ዝብል ትምህርቲ ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘስዕቦ ሓደገኛ ተፋልሶ፤
እዚ ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ እዚ ብስምዒት ዘይኮነስ፣ ኣብ ነገረ ክርስቶስን ኣብ ነገረ ድኅነትን ብዙኅ ተፋልሶ ስለዘምጽእ እዩ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ንዓለም ከድኅን ኣብ ዝመጽኣሉ ጊዜ ሥጋን ነፍስን ካብ ሰብ ደኣ ወሰደ እምበር፣ ካብ ሰማይ ኂዙ ኣይመጽአን። ነዚ ከረድእ ብርሃን ዓለም ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፣ “እስመ አኮ እመላእክት ዘነሥኦ ለዘነሥኦ ዘእንበለ ዳዕሙ እምዘርአ አብርሃም፦ ነቲ ዝወሰዶ (ዝተወሐሐዶ ሥጋ) ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ደኣ እምበር፣ ካብ መላእክት ኣይወሰዶን” (ዕብ. ፪፥፲፮/2፥16) ይብል። እሞ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ነፍስን ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ወሲዱ እናበልና፣ ‘ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ኣለዋ’ ንብል እንተኾይንና፣ (ሎቱ ስብሐት) ‘ጐይታና ኃጢኣት ዘለዎ ሥጋ ተወሐሒዱ’ ንብል ኣሎና ማለት እዩ። ከም’ዚ እንተኢልና ኸኣ ካብ ኣይሁድ ዝፈልየና እንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ኣይሁድ እዮም፣ “እዚ ሰብ እዚ ኃጢኣተኛ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና” (ዮሐ. ፱፥፳፬/9፥24) ዝበሉ ንሳቶም እዮም። መቸም ኣብ’ዚ በሃልትን ኣስፋሕትን ናይ’ዚ ትምህርቲ እዚ ዘምጽእዎ መመኽነይታ፣ “ብብሥራት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ (ቅድሚ ሥጋዌ) እያ ነጺሓ” ዝብል ትምህርቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሥራት መልኣኽ ካብ ጥንተ አብሶ ከንጽሕ ዘይክእል ምዃኑ ግና ክልሰ ሓሳብን ታሪኽን የረድኡና እዮም። ምኽንያቱ ብክልሰ ሓሳብ ብሥራት መልኣኽ ንጥንተ አብሶ ኪድምስስ ዚኽእል እንተኾይኑ፣ ጐይታና ንምንታይ ሥጋ ለቢሱ፧ (ብሓፈሻ ብዛዕባ እዚ ኣብ ቀዳማይ ኅታም መጽሔትና “ነገረ ሥጋዌ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ረኣዩ)። ካልኣይ ድማ ታሪኽ ምስክርና እዩ። መልአከ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቅድሚ ድንግል ማርያም ንሰበይቲ ማኑሄ (ኣደ ሶምሶን)ን ንካህን ዘካርያስ (ኣቦ ዮሐንስ መጥምቅ)ን ኣብሢሩ እዩ። (መሳ. ፲፫፥፫-፭/13፥3-5፣ ሉቃ.፩፥፲፫-፲፯/1፥13-17)። እዚኣቶም በዚ ብሥራት እዚ ካብ ጥንተ አብሶ ከምዝነጽሑ ዝገልጽ ዘረባ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣይተሰምዐን።

ብተወሳኺውን፣ ‘ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥንተ አብሶ ዝኃለፎ ሥጋ እዩ ለቢሱ’ እንተተባሂሉ ንነገረ ድኅነት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ የእትዎ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቀዳማይ ኅታም መጽሔትና ብሰፊሑ ከም ዝረኣናዮ፣ ኃጢኣት ዘለዎ ስለኃጢኣት በጃ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ በደለኛ ኪኽሕስ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ (ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን) ክርስቶስ ኃጢኣተኛ ሥጋ ተወሐሒዱ ክንብል እንተኮይንና፣ ንሕናውን ኣይደኃንናን ናብ ዝብል ክሕደት ዝመርሕ እዩ።

ንሕና ግና ምስ ቅዱሳን ኣቦታትና፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኃጢኣት ዘይሰማምዖ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ስለዝኾነ፣ “ኦ ድንግል አኮ ዘተአምሪ ርስሐተ ከመአንስት እለ እምቅድሜኪ ወእምድኅሬኪ፤ አላ በቅድስና ወበንጽሕና ሥርጉት አንቲ፦ ኦ ድንግል፣ ብቅድስናን ብንጽሕናን ዝማዕረግኪ ደኣ እምበር፣ ቅድሜኺ ከም ዝነበራ ወይውን ብድኅሬኺ ከም ዚመጽኣ ኣንስቲ ርስሓት ኣይትፈልጥን ኢኺ።” (ቅዳ. ማር. ፭፥፵፪) ካብ ዝተባህለላ ንጽሕት ድንግል ንጹሕ ሥጋን ነፍስን ከምዝተወሐሐደ ኢና እንኣምንን እንምስክርን። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነገረ ማርያም ብጥንቃቐ እትምህር ድማ ብዛዕባ ድንግል ማርያም እንኣምኖ ነገር፣ ምስ መንነት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ እዩ።

፭. መደምደምታ
“ማርያምሰ ዘተበሥረት ብሥራተ ፍሥሓ እምአፈ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ኵሎ ጊዜ ንጽሕት ይእቲ ወኵሎ ጊዜ ቅድስት ይእቲ። ወኢይትከሀል ይበሉ በእንቲአሃ ቦ ጊዜ ዘረስሓት ወቦ ጊዜ ዘነጽሐት አልቦ አመ ረስሓት ግሙራ። እታ ብኣፍ ሊቀ መላእክት ገብርኤል ብሥራት ሓጐስ ዝተበሠረት ማርያምስ ኵሉ ጊዜ ንጽሕትን ቅድስትን እያ ነይራ። ፈጺማ ረሲሓ (ረኺሳ) ስለዘይተፈልጥ ከኣ በዚ ጊዜ እዚ ረኺሳ (ረሲሓ)፣ በቲ ጊዜ ኣቲ ከኣ ነጺሓ ክብሉዋ ኣይከኣልን እዩ።” (ድርሳነ ገብርኤል ዘታኅሣሥ)።

ኣብ ዝመጽእ ኅታም፦
Þ ተቓወምቲ እዚ ርቱዕ ትምህርቲ እዚ ዝኾኑ ወገናት ዘቕርብዎ ሥነ መጐት ካብ ጽሑፋቶምን ዘረባኦምን ምስ ኦርቶዶክሳዊ መልስታቱ፤
Þ ካብ ኣንበብቲ መጽሔትና ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝመጽኣና ሕቶታት ምስ መልስታቱ፤ ከነቕርብ ኢና።
Þ እነቕርቦም መልስታት ካብ መጻሕፍትን ካብ ልሳን ሊቃውንተ ተዋሕዶን ኪኸውን እዩ። ስለዚ ዘሎና ሕቶታት ብኣድራሻና ክትልእኩልና ክሳዕ መወዳእታ ወርኂ የካቲት ፳፻ወ፭ ዓ.ም. ክንጽበ ኢና።

ምሉእ ትምህርቲ ናይ’ዛ ሐዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ከም’ቲ ኣቦታትና ዘኅለፉልና ገይርና ናብ ተካእቲ ወለዶ ከነኅልፍ፣ ልዑል እግዚአብሔር ብምሕረቱ፣ ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያምን ኵሎም ቅዱሳንን ድማ ብጸሎቶምን ብኣማላድነቶምን ይደግፉና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፤
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፤
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል።

ምንጪብቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብር ግዕዛን ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ገዛ ባንዳ ኣሥመራ ዝተዳለወት ሻዱሻይ ኅታም መጽሔት ማዕዶት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ፬ ዓመት ቍ. ፩ (ታኅሣሥ ፳፻ወ፭ ዓ. ም.)



6 comments:

  1. kebren mesganana AMELKUN NLEL AMELAK SEMSY WMEDER YKUN. NWELADITO NSHT NSHAN DENGEL MARYAM KBRI YKUN AMEN. NAKUM NMAEDOTAWYAN DMA AGLGLOTKUM EGZIABHER ASBI YHABKUM KAL HIWET YSMAKUM AMEN.

    ReplyDelete
  2. where can i find part 1 and part 2 can u please post it

    ReplyDelete
  3. Bsim Ab WELDE WEMWNFESKIDUS AHADU AMLAK AMEN.(1). TINTI ABSO KEMZI ENTE KOYNUS Gibtsawyan nay abotatom emnet sle zigedefu hiji ab gizena mis gibtsi zelena rikib kemay eyu kikewun ? malet kurban ab natom kinwesid entay saeben alewo? menafikan mikanom diyom Gibtsi ke? nezi bekemay nearko? menafikan ente koynom ke kemay gerna emnetina kabiom eyu metsiena enda belina nimkah alena? Metsahftom wun nitikem emo hiji ab 21 kifle zemen bkemay ena nezi kinridio ? batekirstian Eritrea entay tibl bzaeba zimdnana mis Gibtsi?thank you . God bless u.

    ReplyDelete
  4. Kulu gize kiketatela si eta websate ente titsihfuley tsibuk nru, ab kulu tigebriwo amlak ysmakum weladite amlak dingil mariyam dima misakum tikun ab tselotkum zekuruna. Futsum (Newcastle)

    ReplyDelete
  5. Amlak ybarkum .Mliga nay emebetachin ayfeleyena nkulstna. Ane tgermeni intehalewet ezom tinte abso alewa zblu sebatsi emnet egziabher dyu zezarbom zelo ways Science eyu ? Why bla....... For a big think in a creature and Grace of God he can do what he need. Did they think the blessing of our mother st.Marry in their hand. They are becoming terror in our church .not go blame Egypt .....think that who are you to judge our mothers Gig Grace .

    ReplyDelete
  6. yikreta ahwat part 2 kirekba aykalkun, bejakum eba post giberuwa. egziabher tsegu yebzihalkum.... yekeneley

    ReplyDelete