ጦማረ ማዕዶት


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ አሜን።

ማዕዶት
ማዕዶት ዝብል ቃል ጥንተ መሠረቱ “ዐደወ ተሳገረ” ካብ ዝብል ልሳነ ግእዝ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ መሳጋገሪ ማለት እዩ። እዚ መጽሔተ ጦማር እዚ ኣብ ናይ ምስግጋር እዋንን ትውልድን ንእትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ሥርዓትን፤ ሓዋርያዊ ተልእኾን ዜናን፤ ትውፊትን ታሪኽን፤ ወዘተ ዝገልጽ ስለዝኾነ ማዕዶት ተባሂሉ ተሰይሙ።
እዚ ዓውዲ መርበብ እዚ ፦
  • ርትዕትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖት ኣቦታትና ንምሃረሉን ነጽንዓሉን
  • ምልእተ ጸጋ ናይ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ሥርዓት ኣዕሚቕና ንፈልጠሉ
  • ኣሠረ ፍኖት አበው ዝስዕብ ኣርቶዶክሳዊ መንፈሳዊ ሕይወትና ንሃንጸሉ
  • ሃብታም ዝኾነ ታሪኽን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንናን ቅዱሳት መካናት ሃገርናን ንድህስሰሉ
  • ዜና መዋዕል ቅዱሳን ኣቦታትናን ሊቃውንትናን ንዝክረሉን በረኸቶም ንሳተፈሉን
  • ግእዛዊ ፊደላትናን ቋንቋታትናን ቅዱሳት መጻሕፍትናን ብግቡእ ንላለየሉ ነዛመደሉን
  • እዋናዊን ኵለንተናዊ ሓዊረ ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ክኾኑዎ ዝግባእ ንፍትሸሉ
  • ኣብ ልዕሊ ኣሓቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዕለሙን ዝትግበሩን ተጻብኦታት ነቃልዓሉን ነንቅሓሉን
  • ብዛዕባ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንናን ሓዋርያዊ ተልእኾኣን ዘሎና ሓሳባት ንለዋወጠሉ ግዴና ነልዕለሉን
  • ውሉደ ተዋሕዶ ከም ሓደ ልቢ መኸርቲ ከም ሓደ ቃል ተዛረብቲ ኮይንና ክንዓዪ ስሙር ልሳን ንፈጥረሉን
ወዘተ
ብዝብል ነዝን ነዚ ዝኣመሰለን ቅዱስን መንፈሳዊን ዕላማን ብዝሠረቱ ልቦና ንጅምር ኣሎና እሞ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ንርከብ ዘሎና ደቂ ተዋሕዶ ንቤተ ክርስቲያንን ደቃን ይጠቅም እንብሎ ኵሉ ብምስዳድ ክንተሓባበርን ከነህብትሞን ክነመሃሃርን ክነለባበምን ብኽብሪ ንዕድም ኣሎና። እዚ ዓውዲ እዚ ንኵሉ ክፉት ኮይኑ ብፍላይ ግና ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ትሳተፉ ዘሎኹም መምህራን ሊቃውንቲ፥ ኣበው ካህናት፥ ኣኃው ዲያቆናት፥ ኣገልገልትን ተምሃሮ ሰንበት መንእስያትን ዝያዳ ሱታፌ ክህልወኩም ምኅጽንታና ነቕርብ።
ይትባረክ እግዚአብሔር ኣምላከ አበዊነ።