Monday, August 22, 2011

“ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ፤ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” (መዝ ፻፴፩፥፰/መዝ 132፥8)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።


እዚ ቃል እዚ ቅዱስ ዳዊት ዳኅራይ ንዝፍጸም ነገር ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብዝገለጸሉ፡ ዝተዛረቦ ትንቢት ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ስፍሕ ዝበለ ምሥጢር ሓቚፉ ይርከብ። ሓደ ካብኡ ኸኣ ከመ ትንሣኤ ወልዳ (ከም ትንሣኤ ወዳ) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ንዕኡ ኣብነት ገይራ ከምዝትንሥእ ዘመልክት እዩ። ንባባዊ ትርጒሙ ከኣ “ኦ ጐይታ ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኻ ተንሥእ፤ ንስኻን ታቦት መቕደስካን” ዝብል እዩ። ብመስርዕ ግዜ’ውን እንተረኣናዮ ቅዱስ ዳዊት ኣቐዲሙ ጐይታ ከምዝትንሥእ፤ ንዕኡ ኣብነት ዝገበረት ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ድማ ብድኅሪኡ (ድኅሪ ዓመታት) ከምዝትንሥእ ክገልጽ ከሎ እዩ ‘ንስኻን - ታቦት መቕደስካን’ እዩ ዝበለ።

ኦ ጐይታ - ተንሥእ
‘ኦ ጐይታ’ ዝብል ቃል ነቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደን ኣብ የማን ኣቦ ንዝተቐመጠን ክርስቶስ ኣምላኽና ዘመልክት እዩ። (ማቴ ፳፪፥፵፩-፵፮ መዝ ፻፱፥፩/ማቴ 22፥41-46 መዝ 110፥1)። ከምኡውን ነቢይ ዳዊት ‘ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኻ ተንሥእ’ ማለቱ ምእመናን ናብ እተዕርፈሉን እተእትወሉን መንግሥተ ሰማያት ነዓ፡ ተንሥእ ማለቱ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ኣምላኽና ናይ ምእመናን መከራን ስደትን ናቱ መከራን ስደትን ገይሩ ስለዝቖጽሮ፡ ምእመናን ገድሎም ፈጺሞም ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምርካቦምን ምእታዎምን ከኣ ናቱ ዕረፍቲ ስለዝኾነ’ዩ ነቢይ ዳዊት ናይ ምእመናን ዕረፍቲ ከም ናይ ክርስቶስ ዕረፍቲ ገይሩ ዝገለጾ። (ሓዋ ፱፥፬-፭/ሓዋ 9፥4-5) እዚ ኸኣ ንምእመናን ወሃቢ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲን ዋና መንግሥተ ሰማያትን ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። ኣብ መንግሥተ ሰማያት ፍጹም ዕረፍቲ ስለዘሎ መካነ ዕረፍቲ ዝተባህለ መንግሥተ ሰማያት ምዃኑ ኣብ ዝገለጸሉ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣበሃህላ ብዝያዳ ከነጽሮ ከሎ ከምዚ ይብለና “ንሕና እንኣምን’ሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና”። (ዕብ ፬፥፫/ዕብ 4፥3) ጐይታና’ውን ንንስሓ ኣብ ዝጽውዓሉ ከምዚ ኢሉና ኣሎ። “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ” (ማቴ ፲፩፥፳፰/ማቴ 11፥28)

ስለዚ ተንሥእ ዝተባህለ ፈጣሬ ዓለማት ክርስቶስ ምዃኑ ርዱእ ካብ ኮነ “ታቦት መቕደስካ ትትንሥእ ዝተባህለላ ደኣ መን እያ? እንታይ ማለት ኸኣ እዩ? ዝብል ሕቶ ምልዓል ዝግባእ እዩ።

ታቦት - መቕደስካ
ታቦት ማለት ናይ ጽላተ ሕጉ ማኅደር፡ መኅደሪት እግዚአብሔርን ናይ ክብሩን ጐይትነቱን መግለጽን መፍለጥን እያ። መቅደስ ከኣ እግዚአብሔር ዝምስገነላ መንበሪ ታቦቱ እያ። (ዕብ ፱፥፫-፬/ዕብ 9፥3-4) ኣብ ምድሪ ዘላ ቤት መቅደስን ታቦቱን፡ ምሳሌን ሥርዓትን ናይታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤት መቅደስን ታቦትን እያ። “ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማኅደርን ምስሊ ኵሉ ኣቝሑቱን ከምኡ ግበርዎ” (ዘፀ ፳፭፥፲፱/ዘፀ 25፥19) ከምኡ ኸኣ ኣብ ራእየ ዮሓንስ “እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቅደስ ከኣ ተኸፍተት፤ ኣብታ መቅደስ’ውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ” ይብል (ራእ ፲፩፥፲፱/ራእ 11፥19)።

በዚ መሠረት ታቦት መቅደስካ ተባሂሉ ዝተነግረላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ንሱ መለኮት፡ ንሳ ኸኣ ማኅደረ መለኮት እያ። ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ንማኅፀና ዙፋኑ ከተማ ገይሩ ዝተቐመጠላን ደኃር’ውን ብኢዳ ዝተሓቝፈን ካብ ኣጥባዋ ዝሰተየን ኣብ ዝባና ዝተሓዝለን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቃልን ሥጋን ዝተወሓሓደ ንሱ ሓደ እዩ። ብሓድነት ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮይኑ ዝተገልጸ (ሥግው ቃል) ናይ ክርስቶስ ሰብነት ብቤት መቅደስ ተመሲሉ እዩ። ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብታቦት ተመሲላ እያ። “ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቅደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ” (ዮሐ ፪፥፲፱-፳፩/ዮሐ 2፥19-21) ብምባል ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ዝጸሓፎን ዝተርጐሞን ከኣ እዩ። እዚ ኸኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ነዚ ቤተ መቅደስ’ዚ ኣፍርስዎ ኣነ ከኣ ብሣልሳይ መዓልቲ ከልዕሎ እየ ኢሉ’ ንኣይሁድ ምስ ተዛረቦም፤ ኣይሁድ ግና “እዚ ቤተ መቅደስ’ዚ ብ፵፮/46 ዓመት እዩ ዝተሓንጸ፤ ንስኻ’ዶ ብሠለስተ መዓልቲ ከተልዕሎ ኢኻ” ምስ በሉ ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሥጋኡ እዩ ዝተዛረበ ክብል ዘብርሆ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ቤተ መቅደስ ዝተባህለ ሰብነተይ ክትቐትሉኒ ኢኹም፤ ብሞት’ውን ነፍሰይ ኣብ ሥጋይ ከም እትፍለ ክተገብሩ ኢኹም። ኣብ ሣልስቲ ግና ነፍሰይ ምስ ሥጋይ ኣወሃሂደ ብሥልጣነይ ክትንሥእ እየ ማለቱ እዩ።

ናይ መቅደስካ ታቦት ትተንሥእ ማለቱ እምበኣር መኅደሪትካ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ንዓኻ በዅሪ ትንሣኤ ገይራ ትተንሥእ ማለቱ’ዩ። ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ካልኦት ጻድቃን ትንሣኤ ኣይትጽበን እያ። ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ እያ። ሎሚ ኣብ የማን ወዳ ትርከብ ኣላ። ‘ወትቀውም ንግሥት በየማንከ’ ከም ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት ማለት እዩ (መዝ ፵፬/መዝ 45) ።

ሰአሊ ለነ ቅድስት
ኦ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ለምንልና ንዝብላ ኵሉ በቲ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ከተማልድን ከተታዓርቕን ትነብር ኣላ። ብሓቂ ድማ ንጽሙእ ከልቢ ብሳእና ማይ ዘስተየት ንታውፋንያ ኣእዳዉ ዝመለሰት ብሕፍኒ ማይ ንበላዒ ሰብ ዘማለደት ርኅርኅተ ኅሊና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብንጽሕና ብዘይ ምጥርጣር ኣብ ጸሎታ ንዝምዕቘብ ኣይተኅፍርን እያ።

ኣብዚ ዝቐነየ ሱባኤ ኸኣ ውዳሴኣ ምስ ትርጓሜኣ በብዕለቱ ክንበብን ክስማዕን በረኸታ ዝደልዩ ምእመናንን ኵሎም ፈተውታን ኸኣ ‘ሰኣሊ ለነ ቅድስት’ (ኦ ቅድስት ለምንልና) እናበሉ ካብ ፍቁር ወዳ ንኸተተዓርቖምን ክምኅጸኑ ቀንዮም እዮም። ሕጂ ድማ ስለቲ ኵሉ ኣብዚ ዘብጽሓናን ጸሎትና ዝተቐበለን በረኸታ’ውን ዘሳተፈናን ኣምላኽ እናመስገንና፤ ንዓዓ ድማ እናወደስና ካብቲ እንቕየሉ ትምህርቲ ኸኣ ሓደ ምስክርነት ፍልሰታኣ እዩ። ፍልሰታኣ ብዕለት ፲፮/16 ይፈጸም ደኣ እምበር፤ ክሳብ ዕለት ፳፩/21 ነሓሰ ‘ከመ ትንሣኤ ወልዳ’ እናበልና ነገረ ትንሣኤኣ እናመስከርና ክንጸንሕ ከምዝግባእና ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘመልክቶ እዩ። እምብርሃን ቅድስት ድንግል ልመና ደቃ ሰሚዓ በረኸት ወዳ ከተውህበና፤ ጸሎትናን ምህለላናን ወትሩ ኣጽኒዕና ክንሕዝ ይግባእና እዩ። ወትሩ ‘ሰአሊ ለነ ቅድስት’ እንተበልና፤ እቲ ፍቁር ወዳ ካብ በረኸታ ከሳትፈና እዩ።

ኣሸንዳን ፍልሰታን
ምእመናን ብዘይካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ሥርዓተ ጾምን ካልእ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ካልእ ነዚ ክቡር ጾምን በዓል ፍልሰታን ዝገልጸሉ ባህላዊ ኣገባብ ኣለዎም። ሓደ ካብኡ ኣዋልድ ኣብዚ ክቡር በዓል ኣዴና ዝፍጽምዎ በዓል ኣሸንዳ እዩ። መሠረት ናይዚ በዓል ኸኣ ካብ ብሉይ ዘመነ መሳፍንቲ ዝጅምር ምዃኑ ሊቃውንቲ ይጠቕሱ እዮም። (መሳ. ፩/መሳ. 11) እዚ ኸኣ ካብቶም ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሓደ ዮፍታሔ ንሕዝበ እስራኤል ጸላእቲ ምስ ዝነበሩ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ ኣብ ዝወፈረሉ፤ እግዚአብሔር ብዓወት ብደሓን ናብ ቤቱ እንተመለሶ ካብ ደጌታት ቤቱ ቀዲሙ ዚወጽእን ዝቕበሎን ንእግዚአብሔር መስዋዕቲ ክቕርቦ እየ ኢሉ መብጽዓ ኣትዩ ነበረ። ንሱ ኸኣ ከም ልምዲ ካብቲ ዝወፈረሉ ኣብ ዝምለሰሉ ካብ ርሑቕ ዝቕበሎ ድዑል ስለዝነበሮ ንዕኡ ትጽቢት ብምግባር እዩ ነቲ መብጽዓ ዝኣተወ። ኣብታ መዓልቲ’ውን ከምኡ ዝቕበሎ መሲልዎ ነቲ ዝፈትዎ በጊዕ ከምዝስውኦ እናሓሰበ ናብ ቤቱ ኣምርሐ። ይኹን ደኣ እምበር ብኣንጻር እቲ ትጽቢቱ እታ እንኮ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቕበሎ ምስ ወጸት ነቲ መብጽዓ ዘኪሩ ኣዝዩ ሰምበደን ኣብ ሓዘን ድማ ወደቐን።

ንሳ ድማ ሽግሩ ሓቲታ ብዝተረደአት ነቲ መብጽዕኡ ክትግብሮ እምበር ከይስዕሮን ምስ ኣምላኽ ከይበኣስን ብምልማን ስለ ድንግልናኣ ግና ምስ ብጾታ ክትበኪ ናብ ኣኽራናት ክትኸይድ ምዃና ነገረቶ። ንሱ’ውን ፈቐደላ። ከምቲ ዝበለቶ ድማ ገበረት። ድኅሪ ክልተ ወርሒ ድማ ናብ ኣቦኣ ምስ ተመልሰት እቲ መብጽዓ ኣቦኣ ኣብ ልዕሊኣ ተፈጸመ። እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤል ሥርዓት ኮይኑ ስለዝተሰርዐ፤ ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ዮፍታሔ ኣርባዕተ መዓልቲ እናወደሳ ይዝክርኣ ነበራ። እዚ ጥንታዊ ናይ ኣዋልድ ውዳሴ ብካልእ መልክዑ ኣብ ሃገርና’ውን ተተሓሒዙ ኣብዚ ሎሚ ከምዝብጸሐ ይግለጽ። እዚ ከኣ ጻዕዳ ቀሚሽ ወይውን ዘለወን ጽቡቕ ናይ ዓውደ ዓመት ክዳን ዝተኸድናን ዝተሸለማን ኣዋልድ ካብ ድሮ ወይውን ካብ በዓል ፍልሰታ ኣትሒዙ ብሓጐስን ዝተፈላለየ ግጥምታትን ገዛ ገዛ እናዞራ ብስራት ዕርገት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘበስራሉ እዩ። እቲ ዝገብርኦ መሳጢ ትርኢት ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ብምስላምን ብምብጻሕን ብካህናት ብምብራኽን እዩ ዝጅምር። ብድኅሪኡ ከኣ ገዛ ገዛ እናዞራን፡ ኣብ መገዲ ንዝሓልፍ ሰብ ገንዘብ ብምልማንን ገለ ውዳሴታት ብምግባርን ዝፍጸም እዩ። እዚ ብሓጺሩ ንገልጾ ኣሎና ደኣ እምበር ካብ ምድላው ጀሚሩ ክሳብ ኵሉ እቲ ሥርዓት ዝፍጸም ሰፊሕ ምምኽኻርን ምምራጽን ምድላውን ዝግበሮ ባህላዊ ኣገባብ ከምዝኽተል ምስትውዓል የድልይ እዩ።

ካብቲ እተን ኣዋልድ ዝብልኦ ኸኣ ‘ማርያመየ (ኣታ ጐይታየ) ፀሐየ መፂአያኮ እዛ መብፃዓየ’ ብዝብል ግጥሚን ዜማን ዝጅምር ኮይኑ ብዙኅ ዝተፈላለየ ግጥሚ ዝሓዘለ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ኸኣ ክሳዕ ሠለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ድሙቕ ባህላዊ ኣከባብራ ኣሎዎ። ሎሚ ሎሚ ግና ካብቲ መንፈሳውነቱ ናብቲ ባህላዊ ገጹ ዘዚዩ ዘሎ ኣገባብ ግጥሚ ይበዝኆ። ነቲ ዝኣከብኦ ገንዘብ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ዝጠቅም ንዋይ ገዚአን ወይውን ሞባዕ ኣውዲቐን መብፅዓዐን ይፍጽማ።

እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ባህላዊ ሥርዓት መንፈሳዊነቱ ተዓቂቡ ክቕጽል ዘለዎ ረብሓ ንኵሉ ብሩህ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ከኣ ንኵሉ እቲ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐን ኣብ ውሽጢ ምእመናን ብፍላይ ኣብ ህጻናትን ንኣሽቱ መንእሰያትን ሰሪጹ ዝጸንሐ ባህሊ ብዝግባእ ከተማእዝኖን ኣንፈቱ ናብ ዓለማዊ ገጻቱ ከይዘንብል ድማ ከተማእክሎን ኣለዋ ኢልና ንኣምን። ብፍላይ ድማ ተምሃሮ ሰንበት ዘለዎም ግደ ብቀሊል ዝረአ ኣይኮነን። ዘይከኣል’ውን ከምዘይኮነ ካብቲ ኣብ ድሮ ዳሜራን ካልኦት በዓላትን ዝግበርዎ ቅዱስ መንፈሳዊ ባህሊ ናይ ምዕቃብ ዕዉት ኣበርክቶ ክንርዳኦ ንኽእል።

ብሓፈሻ ሎምዘበን ነቲ ሱባኤና ብሰላም ዘፈጸመና እግዚአብሔር ንዓመታ ድማ ከምኡ ብሰላም ከብጽሓና፤ ተዘሪኡ ንዝበቖለ ንፍረ ከብጽሓልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።  


በረኸትን ረድኤትን ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ሃገርናን ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኅደር።  

No comments:

Post a Comment