Thursday, September 29, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ሣልሳይን ክፋል)

5.6 ካብ ዝፈጸምዎ ተኣምራት 

ኣቦና በብዝተዘዋወርዎን ኣብ ኵሉ መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን እግዚአብሔር ብዝሃቦም ጸጋ ዝፈጸምዎም ገቢረ ተኣምራት ፍቕዲ የብሉን። ንሎሚ ግና ሓደ ካብኣቶም እሞ ብትውፊት ክሳብ ሕጂ ንዝነገረላ ታሪኽ ጐዳይፍ ክንዝክር። 

ኣቦና ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ስብከተ ወንጌል ይህቡ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ መወጽ ናይ ኣፎም ኣብ ከባቢ ሎሚ ጐዳይፍ ዝብሃል ቦታ ተረሲኣ ገዲፎማ ከዱ። ዳኅራይ ተምሃራዮም ዝነበሩ ተመሊሶም ከምጽእዋ እንተበሉ “ግደፋ” ኢሎሞ። ብድኅሪኡ እቲ ናቶም ብቕዓት ቅድስና መመስክሪ ክትኸውን ምእንቲ እታ መወጾም ጠጢዓ ዓባይ ገረብ ኮይና ኣብዛ ሎሚ ብስሞም ኣብ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ብወገን ምበራቕ ትርከብ ኣላ። ኣቡነ ኣብሳዲ ዝተባህሉ ቅዱስ ወዶም’ውን ብድኅሪኦም ንሓደ ዓመት ኣብታ ቦታ ከምዝተቐመጡን ይምህሩላ ከምዝነበሩ ታሪኾም ይገልጽ። 

ኣብ ከባቢ ማይምነ (ቆሓይን) ሰባት ብምኽሪ ሰይጣን ተጋግዮም ብሕይወቶም ከቃጽሎም እኳ እንተፈተኑ ብተኣምራት ከምቶም ሠለስቱ ደቂቅ እቲ ሓዊ ዋላ ሓደ ክትንክፎም ኣይከኣለን። እቲ ሕዝቢ’ውን ጌግኡ ኣሚኑ ተነሥሐ። 

Wednesday, September 28, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ካልኣይ ክፋል)

5.0 ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተልእኾን ኣብ ሃገርና

ድኅሪ ማዕርገ ክህነት ምቕባሎም ድማ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ ቅዱስ ሚካኤል “ቃል እግዚአብሔር ዝራእ፤ ሕገ እግዚአብሔር ንገር” በሎም። በቲ ብልኡኽ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም ትእዛዝ ብሓደ ወገን እናፈጸሙ ከለዉ፤ ገለ ክፋል ትምህርቶምን ተግሣጾምን ነቶም ንጉሥን መኳንንትን ከምኡውን ጳጳሳት ግብጺ ስለዘየሐጐሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙኅ ከይጸንሑ ካብቲ እቲ ንጉሥ ዝቖጻጻሮ ክልል ግዝኣት ርሒቖም ብምውጻእ ከምቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ናብ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ኣትዮም ክምህሩን ስብከተ ወንጌል ከስፋሕፍሑን ጀሚሮም። ብዙኅ ከይደንጐየ ድማ ትምህርቶምን ሰናይ ግብሮምን ትሩፋቶምን ኣብ ሕዝቢ ይኹን ኣብቶም ሹመኛታትን ገዛኢ ዝነበረ ባሕረ ነጋሢን ጽቡቕ ተቐባልነት ረኸበ። ካብ ትግራይ ናብ ሃገርና ኣብ ዝኣተዉሉ’ውን ምስ ውሱናት መነኮሳት ተምሃሮኦምን ኣርድእቶምን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ጸኒሑውን ብዙኃን መነኮሳትን ተምሃሮን ድማ ትምህርቶምን ብቕዓቶምን ገቢረ ተኣምራቶምን ርእዮም ክስዕብዎም ጀመሩ።

Tuesday, September 27, 2011

ጽንዒ

ጸንዐ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ እዩ። ትርጉሙ ኸኣ ምጽናዕ፡ ምኅያል፡ ምጽንካር፡ ምብርታዕ፡ ምትራር፡ ምጥንካር ወዘተ ዝብል ኮይኑ ከከም እቲ ኣተኣታትውኡን ኣጠቃቕምኡን ዝተፈላለየ ግና ተወራራሲ ትርጉም ይህብ። ብባህላዊ ኣገባብ’ውን ጽንዒ ብዘይካ እቲ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ትርጉም፡ ፍሉይ ዓይነት ሳዕሪ ንዝርከበሉ ስፍራ መጸውዒ ኮይኑ የገልግል እዩ። ሓሓንሳብ’ውን ነቲ ኣብዚ እዋን መስቀል ኣብ ርእሲ ንዝግበር ዝተጠምረ ሳዕሪ፡ ጽንዒ ኢልና ክንጽውዖ ንርከብ።

Saturday, September 24, 2011

ካብ ዝፈጥራ አትኂዙ ብዝኾነ ይኹን ኣይረኸሰትን

ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ (ሃይማኖተ አበው ዘቴዎዶጦስ ፶፫፥፳፪/5322)

ካብ ዝፈጥራ አትኂዙ ብዝኾነ ይኹን ኣይረሰትን

ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ምሥጢር ነገረ ድኅነት ተገሊጹሉ፡ ዝኃለፈን ዘሎን ዝመጽእን አገናዚቡ ኪናገር ከሎ ''ወሶበ አኮ እግዚአብሔር ዘአትረፈ ለነ ዘርአ ከመ ሶዶም እምኮነ: ወከመ ገሞራ እመሰልነ'' (ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልና ነይሩ፡ ከም ሰዶም ምኾንና፡ ከም ገሞራ'ውን ምመሰልና ነይርና) (ኢሳ፩፥፱/1፥፥9) ኢሉ ነይሩ። እዚ ድማ ፍጻሜኡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነግረ ትንቢት እዩ። ከምኡውን ብዘየሻሙ ቃል ደረቕ ትንቢት ኪናገር ከሎ ''ስለዚ ይታ ባዕሉ ምልክት ኪህበኩም፡ እንሆ ድንግል ክትፀንስ ወዲ'ውን ክትወልድ ስሙ'ውን አማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ እያ።'' በለ (ኢሳ ፯፥፲፬/714)ለዚ እኒ ኢሳይያስብታ ጥንተ ኣብሶ ፈጺሙ ዘይበጽሓ ቅድስት ድንግል ማርያም ተስፋ ይገብሩ ነበሩ። ነዚ ከኣ እዩ ''እግዚአብሔር ዘር እንተዘየትርፈልና ነይሩ....'' ዝበልዎ፡ እግዚእትነ ማርያም ካብ አዳማዊ ርስሓት ገና ብንግሆኡ ንጽሕቲ ኮይና ዝተዳለወት ጥንተ መድኃኒት እያ።

Friday, September 23, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

1.0 መእተዊ
ብቅድስናኦምን በቲ ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ገድልን ተኣምራትን፡ ብዝሠረትዎ ሓረገ ምንኵስና፡ ከምኡውን ስለ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ብዝገብርዎ ተጋድሎ ብቀንዱ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብኡ ሓሊፎምን ኣብ እስክንድርያን ኣርመንያን ካብ ዝፍለጡ እቶም ብቀዳምነት ዝጥቐሱ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጻድቕ እዮም።

እዞም ኣቦ’ዚኦም ብስሞም ዝጽዋዕ ገዳም ኣብ ኤርትራ እኳ እንተዘይብሎም፡ ዳርጋ ንመብዛኅትኦም ሓዋርያ ተልእኾኦም ብምፍጻምን መንፈሳዊ ገድሊ ብምግዳልን፡ ሎሚ ህልዋን ኮይኖም ብቀዋምነት ንዝርከቡ ገዳማት ኤርትራ መሥሪቶም ዝሓለፉ ቅዱሳን አበው መምህርን ኣቦን እዮም። ኣብ ብዙኅ ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ኸኣ ሎሚ ብዘሎ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዞባ ደቡብን ማእከልን ብምዝውዋር ኸኣ ስብከተ ወንጌል ዘስፍሑን ብተባሕትዎ ዝተጋደሉን ኣቦ እዮም። ናብ እስክንድርያን ኢየሩሳሌምን ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ናብ አርመንያ ቅድሚ ምኻዶም ንከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዞባ ዓንሰባ ከምኡውን ጋሽ ባርካ እግረ መገዶም ቃለ እግዚአብሔር እናሰበኹ ተኣምራት እናፈጸሙ ከምዝባረኽዎ ታሪኾም ይገልጽ። በዚ ኸኣ ዳርጋ ዘይረገጽዎን ዘይባረኽዎን ክፋል ሃገርና የሎን ክበሃል ይከኣል። 

Thursday, September 22, 2011

መስቀል (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

ክብሪ ቅዱስ መስቀል 
ብዛዕባ ክብሪ ቅዱስ መስቀል ኣብ መጻሕፍቲ ብዝግባእ ተጻሒፉ ይርከብ። ቤተ ክርስቲያን’ውን መሠረታ መስቀል ቀራንዮ፤ ጉዕዞኣ መስቀል፡ ዕላምኣ መስቀል እዩ። ስለዚ ኸኣ ንኵሉ ንዋያታ ብመስቀል ተኽብሮምን ትባርኾምን፤ ምልክት መስቀል ድማ ትገብረሎምን። በዚ መሠረት ኸኣ ንሕና ምእመናን ንመስቀለ ክርስቶስ ፍሉይ ክብሪ ንህቦ። ምኽንያቱ መስቀል፦ 
  • ኣምላኽና ክንደየናይ ከምዘፍቅረና ንዝክረሉን ነስተንትነሉን እዩ። “ንሱ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለዘሕለፈ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጦ ኣሎና” (ቀዳማይ ዮሐ ፫፥፲፮/3፥16) ነቲ ፍጹም ፍቕሩ ክገልጸልና ዝመረጾ ስፍራ ክቡር መስቀሉ ስለዝኾነ፤ ንጐይታናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነፍቅር ኵልና፡ መስቀሉ ከነፍቅር ናይ ግድን እዩ። ጐይታ በጃ ኣባጊዑ ብሥልጣኑ ንርእሱ ንናይ መስቀል ሞት ኣኅሊፉ ምሃቡ ሓቀኛ ጓሳና ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ብወርቅን ብሩርን ዘይኮነሲ ብክቡር ደሙ እዩ ዓዲጉናን፡ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ኣውጺኡናን። ስለዚ ማኅተም ፍቕሩ ኣብ መስቀሉ ንረኽቦ ኢና እሞ ናብ መስቀሉን ፍቕሩን ነቕልብ። 
  • ቅዱስ ሥግኡ ዝተቖረሰሉ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉ ዙፋኑ እዩ። አምላከ ሰማይ ወምድር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ዙፋኑ ክኸውን ዝመረጾ ቅዱስ መስቀሉ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ክንክብር ምእንቲ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ቅዱስ ሥግኡ ቆሪሱ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ እንኩ ብልዑ እንኩ ስተዩ ኢሉ ንዓለም ሕይወት ዝሃበሉ ስለዝኾነ። እቶም ናቱ ዝኾኑ ኸኣ ክቕመጠሉ ንመረጾ መንበሩ ይፈትዉ (ሉቃ ፳፪፥፲፮-፲፱/22፥16-19)። 

Wednesday, September 21, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ሣልሳይን ክፋል)
፭.፪.፫ ምድላውን ምእራምን መጻሕፍቲ 
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣቦና ኣብ ምድላው ንምእመናንን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዝጥቕሙ ሓደሽቲ መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ንሶም ብዝመርሕዎ ጉባኤ መጻሕፍቲ እናተማእከሉ እናኣረሙን እናዳለዉን ዘኅተምዎም መጻሕፍቲ ኣዝዮም ብዙኃን እዮም ነይሮም። ሓቂ እዩ ኣብ ምድላውን ምእራምን መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነሲ ብኡ መጠን’ውን ብቀጻሊ ይኅተማ ኣብ ዝነበራ ጋዜጣታትን ሓጸርቲ ጽሑፋትን ተመሳሳሊ ስራሕ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። ገለ ካብተን መጻሕፍቲ ንምጥቓስ ኸኣ ብሉይ ኪዳን (በብክፋል መጻሕፍቱ)፡ ሓዲስ ኪዳን፡ ፍትሓ ነገሥት መንፈሳዊ ወሥጋዊ (ብግእዝ) ወቦዘተ ምጥቓስ ይከኣል። 

እዞም መጻሕፍቲ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታ ጠቒስናዮ ዘሎና’ውን ኣዝዮም ብዙኅ ጊዜን ጉልበትን ኣእምሮን ዝፈሰሰሎም እዮም ነይሮም። ብጽቡቕ ስለዝተኣረሙ ኸኣ መወከሲ ኮይኖም ክሳብ ሕጂ የገልግሉ ኣለዉ። ብኸምዚ መገዲ ኣቦና ዝጀመርወንን ክፍጽምዎም ድማ ልዑል ባህግን ጸሎትን ዝነበሮም መጻሕፍቲ ዝርከብዎም ከኣ እዮም። እዚ’ውን ጥራይ ዘይኮነሲ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብቀሊሉን ብጥርኑፍን ክርከባ ዘይክእላ መጻሕፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራንን ሊቃውንትን ገዳማትን ብምእካብ፡ ብጽፉፍ መገዲ ናይ ምኅተም መደብ ከምዝነበሮም ዝዝከር እዩ። ንኸምዚ ዓቢይ ናይ ምእካብ ሥራሕ ድማ ንቡረ እድ ቀሺ ድሜጥሮስ ኣብ ቤተ ክህነት ኣዲስ ኣበባ (ብሓፈሻ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ) ንዝነበሮም መዝነትን ተሰማዕነትን ብዝግባእ ይምዝምዝዎን ይጥቀሙሉን ነይሮም። 

Tuesday, September 20, 2011

መስቀል (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

እንቋዕ ንብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና፡ ኣብጽሓኩም። 
“ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፤ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት፤ ወይድኀኑ ፍቁራኒከ” መዝ ፶፱፥፬ 
(“ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም ፈተውትኻ ምእንቲ ክናገፉ” መዝ 60፥4) 

መስቀል ኣብ ዘመነ ብሉይ 
መስቀል ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት በበይኑ ትርጉምን ዕላማን ከምዝነበሮ ይንገር እዩ። ኣብ ፈሪሳውያን፡ ፋርሳውያን፡ ከለዳውያን፡ ሮማውያንን ከም መቕጽዒ ገበነኛ፤ ኣብ ኣይሁድ ከም ምልክት መርገም ወቦ ዘተርፈ ይውሰድን ይጥቐሙሉን ነበሩ። (ዘዳ ፳፩፥፳፪/21፥22) ብኸምኡ ኸኣ ብዙኃት ገበነኛ ምዃኖም ዝተበየነሎም ሰባት፡ ብመስቀል ተቐጺዖምን ጽዋዕ ሞት ኣልዒሎምን እዮም። 

ዋላ ሓደ በደል ንዘይተረኽቦ ጐይታ፤ እኩያን ሰባት ንሞት ክፈርድዎ ከለዉ ነቲ ንሳቶም ዝኸፈአ መቕጽዒ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ናይ መስቀል ሞት መሪጾም ነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሰባት ብኽፍኣቶም ብኸምኡ ይሕሰቡ ደኣ እምበር፡ እግዚአብሔር ንኵሉ ብመደብ ስለዝገብሮ፤ ጐይታ ብፍቓዱ ኣብ መስቀል ክስቀል ምምራጹ፡ ኣቐዲሙ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ትንቢት ዝተነግረሉ ምንባሩ ደቂ ሰባት ኣየስተውዕልዎን ነበሩ። ነቲ ትንቢት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ኣይርድኦምን ነበረ። ብሓቂ ድማ መድኃኒታ ኣብ ቅድሚኣ ተሰቒሉ ከሎ እስራኤል ኣይፈለጠቶን ነበረት። ስለዚ ኸኣ ነገረ መስቀል ጐይታ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነሲ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ ሱባኤ ዝተቖጽረሉ ምዃኑ መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። 

Friday, September 16, 2011

ጼዴንያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ኣብ ሃገር ጼዴንያ ሓንቲ ኅርይትን ሃብታምን ማርታ እትብሃል ሰበይቲ ነበረት። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ከም ኵሉ ዓለም ገንዘባ ከንቱን ጠፋእን ምዃኑ ሓሰበት’ሞ ንነፍሰይከ እንታይ ይጠቕመኒ፧ ! ከምቲ ወንጌል “ንሰብከ ኵሉ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ አጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ። ሰብ’ከ በጃ ነብሱ እንታይ ዘይምሃበ” (ማር ፰፥፴፮/8፥36) ድማ በለት። እዚ ነገር እዚ ሓሲባ ብገንዘባ ሰናይ ግብሪ ክትገብር ድማ ካብ ኵሉ ሰናይ ዝኾነ ነገር እንታይ ከም ዘሎ ተመልከተት፤ በታ ሰዓት እቲኣ ንአብርሃም ዓርኪ እግዚአብሔር፡ ጋሻ ንምቕባል ድልው ከምዝነበረን ንሥሉስ ቅዱስ ክቕበል ከም ዝበቕዐን፡ ሎጥ’ውን ብፍቕሩ ክልተ ሊቃነ መላእክት ኣብ ገዝኡ ከም ዝኃደሩ ዘከረት። (ዘፍ ፲፰፥፩-፭/18፥1-5 ፲፱፥፩/19፥1) ኃውቲ አልኣዛር ማርታ ነዳያን ከም ትቕበልን፡ ፍረ ናይዚ ድማ ንጐይታናን መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ኣብ ዝመላለሱሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ቤታ ክትቕበሎ ከም ዝበቐዐት ዘከረት። (ሉቃ ፲፥፴፰/10፥38)

Thursday, September 15, 2011

ይነብብ ኃጥእ በዘያስሕት ርእሶ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ይነብብ ኃጥእ በዘያስሕት ርእሶ

ኦ ሕዝበ ክርስቲያን ተዋሕዶ ሃይማኖቱ
ሃየ አይትፍዘዝ ኣይትቓሕቱ
ድምጾም ኣይትስማዕ ንልኡኻት ከንቱ
ንኣማኒ ሕዝቢ ጠዋውዮም ዘስሕቱ
ሃገርናስ ያኢ ኣይፍሉጥን እዩ ኣምልኮቱ
ነዮ ኣብ ጽሑፋት ዝርከብ ታሪኻቱ (ግብ ሓዋ ፰፥፳፯-፴፱)
ሥጋእ ዘይብሉ ሊቃውንቱ
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝበጽሑ ደቃቱ (መዝ ፷፯፥፴፪)
ዝምብል ዘይበለ ካብ ጥንቱ
ብቐደሙ ድልዱል እዩ ሃይማኖቱ
ምፍራስ ዘየፍርሖ መሠረቱ
እዝስ ቀደም ተተሪኹ እዩ ተመጒቱ
በዓል ኣርዮስ እሞ ተንሥኡ ክስሕቱ
ሰፈሮም ጸየቑ ንምሸቱ
ሎሚ ድማ ከምኡ ከይትስሕቱ
እዝስ ቀደም ተተሪኹ እዩ ተመጒቱ
ኣብ ጉባኤ ኒቂያ ዘጽረይዎ ኣቦታቱ
ቅዱሳን ሰ፫ቱ ምእት ወ፲ወ፰ቱ
ኦ ውሉደ ክህነት ንሕዝቢ መራሕቱ
ኃደራ መጽሓፍ ተመልከቱ (፪ ጢሞ ፪፥፲፬)
ንሓዳርካዶ ትሕዞ ብኹሊቱ
ንመርምሮ ደኣ ቍጽሩ ምስ ምዕራፋቱ
መጽሓፍ እዩ ንወድ ሰብ መዛርብቱ
ኣብኡ ክጸንሕ እዩ ኵነታቱ
እምበኣር ኦርቶዶክስ ጽኑዕ እዩ ሃይማኖቱ
ኣይምንዛዕን እዩ ብርጉማን ጸላእቱ
ንሥጋኦም ከግዝፉ ዝሸፈቱ (ሮሜ ፲፬፥፲፯-፳፩)
ንርእሶም ጠፊኦም ንኣማኒ ከስሕቱ
ጽሑፋት ከይርእዩ እንተሎ ምዕራፋቱ (፩ ጢሞ ፮፥፬-፭)
ኣልዕል ኣቢሎም ተዛሪቦም ከንቱ
ኦ ክርስቲያን ፩ደ ዝእምነቱ
ዑቅ ኢትሑር በፍኖቱ
ለዘየሐውር በፍና ክልኤቱ
ፍለጡ ናብ ክልተ ዝጥምት ኣዒንቱ (ምሳ ፮፥፲፭)
ንሱ እይ ናይ ፍሉጥ ጥፍኣቱ
ንኣምላኽ ሓልዉ ትእዛዛቱ (ምሳ ፫፥፩)
እንሆ ጾም ዝሃበና መሥሪቱ (ማቴ ፬፥፬ ዕብ ፪፥፲፭ ዘፀ ፴፬፥፳፰)
ሕጉ ንሓሉ ክንወርስ ገነቱ።

(ምንጪ፦ቀሺ ሉቃስ ገብረሚካኤል ቀናእ ብሃይማኖ፡ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዝተወስደ)

ክፍለ ዘመን ብመንጽር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

፭. ክፍለ ዓመት ክረምቲ

ካብ ፳፮ ሰነ ክሳዕ ፳፭ መስከረም ዘሎ ጊዜ ክረምቲ ይብሃል። ክረምቲ ሸውዓተ ንኡሳን ክፍልታት ኣለዉዎ።

፭.፩፦ ዘመነ ዘርእ ደመና ምሳሌ ዘርእ፡ ጊሜ፡ ክረምት (፳፮ ሰነ ክሳዕ ፲፰ ሓምለ (ድሮ ቂርቆስ))፦ ናይ ዝናምን ደመናን ዘርእን በቝልን ግዜ እዩ። እግዚአብሔር ንዝናም ኣብ ዝደለዩሉ ቦታ ስለ ዘዝነመን፤ ንዝተዘርአ ዘርኢ ስለዘብቖለን፤ ንምድሪ ብማይ ስለዘጽገባን ዘስተያን ነቲ ሓረስታይ ድማ ስለዘሐጐሰን ምስጋና ይቐርበሉ።

፭.፪ ዘመነ መብረቅ፡ ባሕር፡ አፍላግ፡ ጠል (፲፱ ሓምለ ቂርቆስ ክሳዕ ፱ ነሓሰ)፦ ብዛዕባ መባርቕን ነጐዳን፤ ቀላያትን ኣፍላጋትን ምስጋና ንእግዚአብሔር ይቐርበሉ።-
(ካብ ባሕቲ ነሓሰ ክሳብ ፲፭ ጾመ ፍልሰታ)


Wednesday, September 14, 2011

አቡነ አንበስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብዙኅ መንፈሳዊ ገድሊ ካብ ዝፈጸሙ ቅዱሳን እቶም ሓደ፡ ሎሚ ፫ መስከረም ዕረፍቶም እዩ። አቡነ አንበስ ኸኣ ይብሃሉ። ጥንታዊ ገዳም ዝነበረ ሎሚ ግና ናብ ደብሪ ተቐይሩ ዘሎ ብስሞም ዝጽዋዕ ቅዱስ ስፍራ ኸኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ይርከብ። እቲ ቦታ ኸኣ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ብወገን ደቡብ ኣብ ፲፭ ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ እቲ ከባቢ ኸኣ ሰጣሕ ጐልጐል ዝዓብለሎ እዮ። 

ክብረ በዓሎም ኸኣ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገር ዝመጹ ምእመናን ዝሳተፍዎ ኮይኑ ክብ ብዝበለ መንፈሳዊን ባህላዊን ኣገባብ ብድምቀት ይኽበር። 

እዚ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ብዙኅ ጥንታዊን ታሪኻዊን ቅዱሳት መካናት ሓቝፉ ዝርከብ ከም ምዃኑ፡ ብዙኅ ክጽንዓን ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ዝግባእ እዩ። ናታትኩም ምትሕብባር እንተደኣ ረኺብና ድማ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር መዛግብት ታሪኽ እናፈተሽና በብእዋኑ ናባኹም ከነቕርብ ተስፋ ንገብር። 

ንሎሚ ግና ምስ ሕጽረት ጊዜ ታሪኽ እዞም ሎሚ ዕረፍቶም ዝኾነ ቅዱስ ኣቦ ብሰፊሑ ከነቕርቦ እኳ እንተዘይከኣልና፡ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር ካልእ ጊዜ ክንምለሶ ተስፋ ንገብር። 

ሰላም ለአንበስ በፍኖተ ፃማ ወሥራሕ 
ዘይፄዓን ዘልፈ ዲበ አንበሳ መፍርህ 
ለዘይጸድቅ ብእሲ እስከ ይገብእ ፍትሕ 
ማይ ኢያጥፍኦ ወርደተ ዝናም ብዙኅ 
ለአሰረ ደሙ ቀይሕ ዘሀሎ በኰኵሕ። 

በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

Tuesday, September 13, 2011

“ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ” (ሐዋ ፱፥፭/9፥5)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አሜን። 

መሠረት እዚ ቃል’ዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። መልእኽቲ እዚ ቃል ድማ ነቲ ኣብ ምስጓግን ምክልባትን ምእመናን ከምኡውን ኣብ ምዕናው እታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብትግሃት ዝወናጨፍ ናብ ዝነበረ ሳውል ብቀጥታ ዝቀንዐ እዩ ነይሩ። ሎሚ’ውን ንገለ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንና ብገለ ዲያቆናት ዝርከብዎም ሰባት ንዝተፈጸመ ዘሕዝን ተግባር መሠረት ብምግባር፡ እቲ ንሳውል ዝተነግረ ቃል መጠንቀቕታ ከም መሪሕ ቃል ምዕዶ መሪጽናዮ ኣሎና። ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ንዅልና ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና። 

Monday, September 12, 2011

"ምስ መባእስትኻ ተዓረቕ"


ዘመንን ፍኖተ ሕይወትን


ወትሩ ምስጋናን ውዳሴን ዝግብኦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዕድመ ንንስሓ፡ ዘመን ንፍስሓ እናሃበ ኣብዚ ኣብጺሑና ኣሎ። ካልኢታት ንደቃይቕ፡ ደቃይቕ ንሰዓታት፡ ሰዓታት ንመዓልትታት፡ መዓልትታት ንሰሙናት፡ ሰሙናት ንኣዋርኃት፡ ኣዋርኃት ድማ ንዓመታት እናወለዱን እናተዋለዱን ካብ ዘመን ናብ ዘመን የሰጋግሩና ኣለዉ። ትማሊ ወይውን ቅድሚ ዝተወሰነ ሰዓታት ወይውን ደቃይቕ ከምቲ ስሩዕ ናብቲ ድኅሪኡ ዝቕጽል ክሰግር ከሎ ምምልላእን ምውሕላልን ፈጢሩ ሓደ ዑደት ምስ ፈጸመ ኣብ ዝተወሰነ እዋን “ሓድሽ ዘመን” ንብል ኣሎና እምበር ካብ ዘመን ናብ ዘመን ክቕየር ከሎ ዝፍጠር ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፍሉይ ዝላ ጊዜ ወይውን ፍሉይ ተርእዮ የልቦን። ግና እግዚአብሔር ንኵሉ ገጊዜኡ ስለዝሃቦን በብጊዜኡ ስለዝፈጸሞን ስለዝፍጽሞን ዘመን በብዝተመደበሉ ክቀያየር ግድነት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ነዚ ለውጢ ዘመን ኸኣ ምእንቲ ከነስተውዕሎ ኣብ ሕይወትናን ከባቢናን፡ ኣብ ሰማይን ምድርን ኣብ ኵሉ ፍጡር ብዘሎ ዑደትን ለውጥን ክንርእዮ ገበረና። ነቲ ድንቂ ፍጥረቱ ክፈጥር ከሎ’ውን በብዕለቱ ገበሮ። ንዕለት ድማ መዐቀኒ ጊዜ ገበረሉ። ነቲ ዝዕውድ ጊዜያት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብኡ ንዝፍጸም ነገራት ምስ ሕይወትና ብምዝማድ ምእንቲ ከነስተውዕል ጐይታ ኵሉ ፍጥረት ከምዚ በለና። “መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። ምስ ወግሔ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን?” (ማቴ ፲፮፥፪-፫/16፥2-3)።

Sunday, September 11, 2011

ውልቃዊ መሕትት


ውሑድ መሕትት ንሓድሽ ዘመን - ንሕሉፍ መገምገሚ፥ ንመጻኢ መለበሚ

እንቋዕ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ብሰላም አሰጋገረና!

ንሎሚ ከም መእተዊ ሓድሽ ዓመት ንርእስና ባዕልና እንፍትሸሉ፤ ሓድሽ ዘመንን ተዛማዲ መደባትናን ንድህስሰሉ ውልቃዊ መሕትት ኣቕሪብና ኣሎና። ንነፍስ ወከፍ ሕቶ ብምምላስ ኸኣ ጠቕላላ ነጥብና ደሚርና ባዕላዊ ገምጋም ምውሳድ ይከኣል። እቲ ገምጋም ተዛማዲ ከም ምዃኑ መጠን ርእስና ከነመራምርን ንምዝክኻርን ይሕግዘና ንማለት ደኣ እምበር፤ ነፍስ ወከፍ ሕቶ ርእሱ ዝኸኣለ ፍጹም መልሲ ብግብሪ ክንህበሉ ከምዝግባእና ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ እዩ። ጽቡቕ ነጥቢ ኣሎና ኢልና ርእስና ንጥብረሉ፤ ሓሚቕና ኢልና ተስፋ ንቖርጸሉ ዘይኮነስ፤ ልዕሊ እቲ ገምጋማዊ ነጥቢ፤ እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ ሕቶን ንሕና ክህልወና ዝግብኦ ግብራዊ መልስን ክውንነታዊ ሕይወትን ምዃኑ ንኣንበብትና ከነዘካኽር ንፈቱ።

ሰናይ መሕትት
1. ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከምቲ ዝግባእኒ ንምንባቡን ብቀጻሊ ሲሳየ ዕለት ንምምጋቡን ጽዒረ ዶ?
    እወ ከም ፈቓዱ
    ልማድን ፍቕርን ንባብ የብለይን ስሕት ኢለ ግና ቅዱሳት መጻሕፍቲ የንብብ እየ። 
    ጊዜ ኣይነበረንን፤ ጊዜ ኣይሃብክዎን ግና እሓስብ
    ኣይተገደስኩሉን
2. ቃለ እግዚአብሔር ኣብ ዝንገረሉ ጉባኤታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብስሩዕ ብምስታፍ ኣፍልጦ ሃይማኖተይን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ከምኡውን መንፈሳዊ ሕይወተይ የዕበየ ዶ?
        እወ ከም ፈቓዱ 

    ስሕት ኢለ 
    ኣይጥዓመንን እምበር እሓስብ 
    ኣይተገደስኩሉን፤ ኣይወዓልክዎን
3. መንፈሳዊ ሥነ ምግባራት (ጾም፡ ጸሎት፡ ምጽዋት፡ ስግደት ወቦ ዘተርፈ) ብስሩዕ እፍጽሞም ዶ?
      እወ ከም ፈቓዱ
    ስሕት ኢለ፤ ንገሊኡ ኣብ ገለ ገለ እዋናት  
    ኣይጥዓመንን እምበር እሓስብ 
    ኣይተገደስኩሉን፤ ኣይወዓልክዎን
4. ትርጉም ንስሓ ፈሊጠ፤ ምስ ኣበ ነፍሰይ ጽቡቕ ናይ ኣቦን ውሉድን ዝምድና ፈጢረ ብቀጻሊ ስለ ኃጢኣተይን በደለይን እንሳሕ ዶ?
        እወ ከም ፈቓዱ ወትሩ ቀዳምነት ዝህቦ እየ።
    ስሕት ኢለ፤ ሓሓንሳብ ድማ ብቐጻሊ። 
    ዝዕንቅፈኒ ምኽንያት እናበዝኀ ኣይጥዓመንን እምበር እሓስብ
    ኣይተገደስኩሉን፤ ኣይወዓልክዎን
5. ኣብ ጸሎተ ቅዳሴን ካልኦት ጸሎታትን ስብሓታትን ቤተ ክርስቲያን ብስሩዕ እናተሳተፍኩ ብምኽሪ መምህረ ንስሓይ ተመሪሐ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን እቕበል ዶ?
    እወ ከም ፈቓዱን ምሕረቱን። 
    ብዘይ ስሩዕን ስሕት እናበልኩን 
    እሓስብ ግና ኣይኮነለይን፤ ቀደም ምስ ተቐበልኩ እየ። 
    ዝኽእል ኮይኑ ኣይስምዓንን፤ ብዙኅን ኣይሓሰብኩሉ
6. ሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል (ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፤ ጸሚዐ ኣስተኹምኒ፤ ዐሪቐ ከደንኩምኒ፤ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፤… ማቴ ፳፭ ) ብመደብ እፍጽሞም ዶ?
    እወ ከም ፈቓዱ ተጊሀ እፍጽሞም እየ። 
    ብዘይ ስሩዕ ብኣጋጣሚታትን ስሕት እናበልኩን 
    ክፍጽሞ እደሊ፤ እሓስብ ግና ኣይትግብሮን 
    ሓሲበሉ ኣይፈልጥን
7. ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ኣብ ሞንጎ ስድራ ቤተይ፡ ጐራባብተይ፡ የዕሩኽት መሓዙተይ፡ መማህርተይ መሳርሕተይ፡ መተዓቢተይ፡ ወቦ ዘተርፈ ብዘሎኒ መንፈሳዊ ኣካይዳን፡ ጠባያትን፡ ሥነ ምግባርን፡ ትምህርቲ ብምዝራእን ኣብነታዊ ኮይነ ሰባት ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምዝቐርቡ ብምግባር ኣበርክቶ ገይረ ዶ?
        ብኃይሊ ኣምላኽ እወ ሱታፌ ኣሎኒ።
    ዓቕመይ እኳ ኣየበርከትኩን ግና እፍትን። 
    ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎኒ ኣካይዳን ኣበርክቶን ኣብ ግዳም ኣየንጸባርቖን እየ። 
    ናይ ርእሰይ እየ ዝሓስብ እምበር ናይ ካልእ ኣይግድሰንን እዩ
8. ትርጉም ክብሪ ቅዱሳን ብምፍላጥ፡ በረኸት ቅዱሳን ኣቦታትን ገዳማትን ንምርካብ ኣብ ገዳማት በጺሐ ዶ? ገድሎምን ስንክሳሮምን ተጊሀ ብፍቕሪ የንብቦ ዶ? ኣብ ጊዜ ጸሎት ኣማላድነቶም እምኅፀን ዶ?
       እወ፤ ብዝግባእ እጥቀመሉ።
    ብስሩዕ ኣይኹን ደኣ እምበር ስሕት ኢለ 
    እሓስቦ ግና ተጊሀ ኣይፈጸምክዎን 
    ኣፍልጦይ ድሩት እዩ፤ ብዙኅ’ውን ኣይተገደስኩን

9. አስራት ቀዳምያት በኵራት ትርጕሞም ፈሊጠ ንቤተ ክርስቲያን ዕሽር ብስሩዕ እህብ ዶ? ቤተ ክርስቲያነይን ካህናትን ንምሕጋዝ ሞባእ እውፊ ዶ? ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ይጥቀም ዝብሎ ሓሳባት ንኣቦታትን ኣገልገልቲ ኣኅዋትን አቐርብ ዶ?
       ይመልኣለይ እምበር ከም ፈቓዱ እወ።
    ብስሩዕ ኣይኹን ደኣ እምበር ክዝክሮ ከሎኹ ክፍጽሞ እፍትን እየ
    ኣፍልጦ የብለይን እምበር ሱታፌ ክህልወኒ እሓስብ
    ኣይመልከተንን ኢለ ስለዝሓስብ ኣይግደስን እየ

10. መንፈሳዊ ሕይወተይን መደባተይን ከመይ ይመስል?
        ትግሃት ዝተመልኦ ስሩዕን ምዱብን መንፈሳዊ ኣካይዳ ይኽተል።
    ሓሓንሳብ ብመደብን ብስሩዕን ሓሓንሳብ ድማ ብዘጓንፈኒ ነገራት ተጸልየ ብዘይ መደብ ይኸይድ
    ብመደብ ስሩዕ መንፈሳዊ ሕይወት ክህልወኒ እደሊ፤ ግና ሰሪሐሉ ኣይፈልጥን
    ሓሲበሉ ኣይፈልጥን
እምበኣርከስ ንሕና ምስ ኣየኖት ኢና? 


ብወገንና ብመሠረት ድምር ውጽኢት ኣብ ፬ መቒልናን ገምጊምናን፤ ነኸምዚ ዝስዕብ ተዛማዲ ምዕዶ ንውፊ ኣሎና። ንስኻትኩም ድማ ኣበይናይ ክፋል ከምዝዓለብኩም ብምጽባጻብ ከከም ገምጋምኩም፤ ርእስኹም ክትፍትሹ ናባኹም ነብሎ።


እምበኣር ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መሕትት መሊእና ኮይንና፤ ነዚ ዝስዕብ ሳንዱቕ ጠቕላላ ድምር (ውጽኢት) ዝብል ጠዊቕና ድምር ገምጋምና ንፍለጥ።





፩. (፸፭-፻)፦ ክርስቲያን ብዝገበሮ ዘይኮነስ ትምክሕቱ ኣምላኹ እዩ እሞ ስለቲ ግብርና ዘይኮነስ ብምሕረቱ ነዚ ክንፍጽም ንዘብቕዓና ኣምላኽ ከነመስግኖ ይግባእ። ዋላ እኳ ሕጂ ደው ዝበሎ ዝመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ ስለዝብል እቲ ቅዱስ ቃል ነቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ግብሪ ኣብ ልዕሊ ትግሃት ትግሃት እናወሰኽናሉ ንዝበለጸ ጸጋ ክንዓዪ ይግባእና። ወትሩ እቲ ዝጐድለና ብዙኅ እዩ ነቲ ዘሎና ኣጽኒዕና ነቲ ዝተርፈና እናመልኣና ክንከይድ ኣካይዳና ምስትውዓል ዝመልኦ ካብ ትዕቢት ዝረሓቐ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተስፋ ብምጥማት ጒያና ክሳብ እታ ሕንጻጽ ፍጻሜ ንቕድሚት ከነኅይሎ ይግባእ።


፪. (፶-፸፬)፦ ዋላ እንፍጽሞም ብዙኅ ሰናይ ነገራት እኳ እንተሎና፡ ጕድለታትና ብግልጺ ክረአ ስለዝከኣል ከነመሓይሾ ንዝግባእና ጻዕሪን ቃልስን ግድን ክህልወና እዩ። ኣብዚ ቕድሜና ክንከደሉ ተነጺፉልና ዘሎ ሓድሽ ዘመን ነፍስና ንመንፈሳዊ ዕብየት ከተቋምትን፤ ድኽመታት ንምእላይ ድማ ዝያዳ ጾምን ጸሎትን ከድለየና እዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ተሞክሮን ሕይወትን ነቲ ጽቡቕ ኣስተውዒልና ኣብ ዕብየት ሕይወትና ዕንቅፋት ኮይኖም ንዝርከቡ ጒድለታት ከይገደዱና ከለዉ ክንእርሞምን ከነጥፍኦምን ይግባእ።


፫. (፴፭-፵፱)፦ ሃይማኖት ወለድና ኣሎና ንብል ኣሎና ደኣ እምበር፤ ገና ብግብሪ ነቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ሰናይ ግብሪን መንፈሳዊ ገድልን ብዝግባእ ኣይኣተናዮን። ከምቲ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ ዝበሎ ዝሑል ወይስ ምውቕ ዘይምዃንና ካብ ኣፉ ከይተፍኣና ከሎ ብዕቱብ ከተሓሳስበና ኣለዎ። ነቲ ክንከዶ ዝግባና መገዲ ነግ ፈረግ ስለእነብዝኃሉ ኣጽኒዕና ንሕዞ የሎናን። ብዛዕባ ሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ምፍላጡን ምሕሳብን ጥራይ ዝጠቕመና ኣይኮነን። ፍሊጥና ክንገብሮን ክንነብሮን ከሎና እዩ ጸጋ ዘውህበና እሞ ነቲ እንፈልጦ ክንገብሮ ተጊህና መንፈሳዊ ቃልሲ ክንቃለስ ዕጥቕና ከነድልድል ኣሎና። (ኤፌ ፮) ኣብቲ ዝደኸመናሉ ሕይወት ኸኣ ኃይል ክንረክብ፤ ካብቲ ዘናውጸናን ነየው ነጀው ዘብለና ፈቓዳት ዓለም ክንወጽእ እንተደኣ ኮይንና ኸኣ “ኣቱም ጾር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነ ከዕርፈኩም እየ..” (ማቴ ፲፩) ዝብል ቃል ጐይታ ኣስተውዒልና ብጾምን ብጸሎትን ብስግደትን ትሩፋትን ምእዙዛት ክንከውን ይግባእ። ስለዚ ኣብዚ ሓድሽ ዘመን ርግእ ኢልና ስለታ እግዚአብሔር ኣኽቢሩን ዘለኣለማዊ ገይሩ ዝፈጠራን ነፍስና ክንሓስብን ናብ ዕረፍታ ክንመርሓን ይግባእ። መርሓ ግብርታት ሓንጺጽና ዝያዳ ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ።


፬. (ካብ ፴፭ ንታሕቲ)፦ ኣብ ሃይማኖት እንተሎና ንርእስና ንመርምር። ብደውና ሞይትና ከምዘሎና ንርእስና ባዕልና ንመስክረላ። ንቓሕ መዋቲ ዝብል ቃል ኣስተውዒልና ቅድሚ እቲ ጣዕሳ ፍረ ኣብ ዘየምጽኣሉ እዋን ምብጻሕና ሎሚ ንመለስ። ከም ዓያሱ ዘይኮነስ ከም ለባማት ክንነብርን፤ ኣብዚ ምድሪ ንዘለዓለም ዝነብር ከምዘየልቦ ፈሊጥና ሎሚ ናብ ቤቱ ብንስሓ ንመለስ። ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ቀሪብና እንታይ ገበርኩም ኣበይ ኸ ነበርኩም ንዝብል ሕቶ ምላሽ ከይንስእን ሎሚ ንንቓሕ። ንጽባሕ ጒዕዞና ዝኸውን ስንቂ ሎሚ ንቋጽር።


እግዚአብሔር አምላከ ቅዱሳን ነዚ ሓድሽ ዘመን ሰናይ ግብሪ ንገብረሉ፤ ሰላም ኣብ ኵሉ ዝወርደሉ፤ ዝተጸገመ ኵሉ ዝርኅወሉ፤ ዝራሓቐ ዝቐርበሉ፤ ዝጠፍአ ዝምለሰሉ ዘመን ክገብረልና ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና።

Friday, September 9, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሓንስን

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ዝዕረፈሉ ዕለት ፪ መስከረም ይኹን ደኣ እምበር ባሕቲ መስከረም ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተባሂሉ ክኽበር ንረኽቦ። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ነቢያት (ብሉይ ኪዳን)  መወዳእታ ናይ ሓዋርያት (ሓዲስ ኪዳን) መጀመርታ ብምዃኑ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓበይቲ ዘመናት ስለዝርከብ፡ ብተምሳሉ ዘመን መቐየሪ ተባሂሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ኣቦታት ብመደብ ዝገብርዎ እዩ። ርእሰ ዓወደ ዓመት ተባሂሉ ኸኣ ዝደመቐ ኣገባብ ይኽበር። በዚ መሠረት ኸኣ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ወንጌላውያን ግና በብዓመቱ እናተቐያየሩን እንዖዱን ንዓለም ክምግብዋ ይነብሩ። ማቴዎስ ማርቆስ ዮሐንስ ፫፻፷፭ ዕለታት ክኸውን ከሎ ሉቃስ ግና ፫፻፷፮ ዕለታት ይኸውን። በብዓመቱ ባሕቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ልዑል ፍልጠት ዘለዎም ሊቃውንቲ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን ዕለታት ንምእመናን ዘፍስሱሉ (ዘስምዑሉ) ዕለት ብምዃኑ “ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ” (ዮሐንስ ናይ ዓመት መጀመርታ ወይውን ርእሲ ናይ መጥቅዕን አበቅቴን መርከቢ) ብማለት ይግለጽ። መጥቅዕ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን መውጽኢ ክኸውን ከሎ፡ አበቅቴ ድማ ምስ ሠርቀ መዓልትን ሕፀፅን ተደሚሩ ናይ ሠርቀ ሌሊት መውጽኢ እዩ። ቅዱስ ያሬድ'ውን "ውስተ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተጽሕፈ ተዝካርከ፤ ባርከኒ እንሣእ በረከተከ" ብምባል ነዚ ዕለት ገሊጽዎ ኣሎ።

Thursday, September 8, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ካልኣይ ክፋል)

መጥምቀ መለኮት

ዝኾነ ኣብ ምድሪ ዝተፈጥረ ሰብ ዘይተዓደሎ ፍሉይ ጸጋ ንቅዱስ ዮሓንስ ተዋሂብዎ እዩ። መሬታዊ ክነሱ ንኣምላኹ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ከጥምቕ ዝተኃርየ ኣቦ እዩ። ድኅሪ ጥምቀቱ ሰማያት ክኸፈቱ ምሥጢረ ሥላሴን ነገረ ተዋሕዶን ብጋህዲ ክርእይ ቅዱስ ዮሓንስ ካብቶም ቀዳሞት እዩ። በዚ መሠረት ኸኣ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት እናበልና ብፍሉይ ንጽውዖን ንውድሶን። ባዕሉ ጐይታ ናብኡ ከይዱ ከጥምቖ ምስ ነገሮ፡ እዚ ግብሪ ዘድንቕ ብምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ከመይ ገይሩ ይኸውን ብምባል ንጐይታ ሓቲትዎ ነበረ። “ኣነ ደኣ ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻዶ ብኣይ ክትጥመቕ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ከምዝበዮን ጐይታ ከኣ “ኵሉ ጽድቂ ማለት ትንቢትን ነቢያትን ተሰብኦን ክንፍጽም ስለዝግብኣና እዚ ንኣና ተድላ ሓጐስ እዩ እሞ፣ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ” ኢልዎ ነበረእዚ ማለት ንአኻ መጥምቀ መለኮት ተባሂሉ ክብርኻ ኪንገረልካ እዩ። ንይ ድማ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ተጠሚቑ ተባሂሉ ትሕትናይ ኪንገረለይ እዩ። ጐይታ ንገዛእ ርእሱ ምስ ምእመናን ቈጺሩ እዚ ንኣና ሓጐስ እዩ ከምዝበሎ ንርዳእ። ብኻልኣይ ከኣ ንርእሱ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ቈጺሩ እዚ ንኣና ተድላ እዩ ማለት እግዚአብሔር ኣብ “ብእኡ ዝሠመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ብል፥ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ከሎ ሓድነትን ሠለስትነትን ስለግለጽ እዩ


Wednesday, September 7, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅዱስ ዮሐንስ

ካብቶም ኣብ መወዳእታ ዘመነ ብሉይ፥ ምእታው ዘመነ ሓዲስ ብቅድስናኦም ካብ ዝተፈልጡን እግዚአብሔር ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከሎ ካብ ዝኃረዮምን ብፍሉይ ዝጥቀስ እግዚአብሔር ነቲ ዓቢ ዕላምኡ ዝመደቦ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደ ዘካርያስ ካህን እዩ።

ቅዱስ ዝብል ቃል ፍሉይ ኅሩይ ክቡር ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ። ሰብ ወይውን ዝኾነ ካልእ ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ክፍለ ከሎ ቅዱስ ይብሃል። ብናይ ጸልማት ዘመን ዝፍለጥ ዘመነ ፍዳ ወይውን ዘመነ ኵነኔ ኣብ ምፍጻሙ፡ ደቂ ኣዳም ኵሎም ብዓቢ ሓንቀውታ ብጾምን ጸሎትን ዝጽበይዎ ዝነበሩ፡ ነቢያት ዝትነበዩሉ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘቛጸሮ ዘመን ድኅነት ምስ ቀረበ መገዲ ክጽረግ ብእግዚአብሔር ዝተላእኸ ቅዱስ ሰብ ዮሐንስ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ናይ ነቢያት መፈጸምታ ናይ ሓዋርያት መጀመርታ፤ ናይ ዘመነ ብሉይ ፈጻሚ ናይ ዘመነ ሓዲስ ተላሚ እዩ።

Tuesday, September 6, 2011

ክፍለ ዘመን ብመንጽር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (ካልኣይ ክፋል)

፫. ክፍለ ዓመት ሓጋይ


ሓጋይ ማለት ድሩቕ ወይውን ንቑጽ ኣዋርሕ ማለት እዩ። እዚ ክፍለ ዓመት ካብ ፳፮ ታሕሳስ ክሳዕ ፳፭ መጋቢት ዘሎ ኾይኑ ኣብ ውሽጡ ሠለስተ ንኡሳን ክፍልታት (ዘመናት) ኣለዎ። ንሳቶም ኸኣ ዘመነ ልደት፡ ዘመነ አስተርእዮ፡ ዘመነ መርዓዊ እዮም።

Monday, September 5, 2011

ክፍለ ዘመን ብመንጽር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

፩. መእተዊ

አብ ቤተ ክርስቲያን በብዕለቱ ክንበቡን ክዝመሩን ዝተመደቡ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን መዛሙርን ከምኡውን ዝቅደስ ቅዳሴን ዝወሃብ ትምህርትን፡ ኵሉ ብሥርዓት ዝተሠርዐን ኣብ ውሽጢ እቲ ዓመት ንዘለዉ እዋናትን (ዘመናትን) በዓላትን ኣጽዋማትን ዘዛምድን ዘመልክትን እዩ። እዚ ማለት ኸኣ ኣብ  ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ናይ በዓላት፡ ሰናብቲ፡ ዘመናት፡ ኣጽዋማት፡ ስብሓታት፡ መዝሙርን ማኅሌትን፡ ቅዳሴ፡ ኣወጻጽኣ ምንባባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኵሉ ኣብ ባሕረ ሓሳብ ዝተሠረተ ስለዝኾነ እዩ።

Sunday, September 4, 2011

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

ገለ ካብ ትውፊትና


ርኅወ ሰማይ
ወርሐ ጳጒሜን ተዘክሮተ ምጽኣት ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ፫ተ ጳጒሜን ኸኣ ብፍሉይ ሰማያት ዝኽፈተሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ መዓልቲ እዩ። መቸስ ሰማያት ዝዕጸወሉን ዝኸፈትሉን ማዕጾ ኣለዎ ንማለት ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ምሥጢር ዝግለጸሉ ስለዝኾነ እዩ። ካልእ መዓልቲ’ውን ምሥጢር ኣይግለጽን ንማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጽለዩ ጸሎታት ከም መሥዋዕተ ሠርክ ኣብ ቅድመ እግዚአብሔር ከዕርግ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ስለዝተቐበለ እዩ። ብኸምዚ ኸኣ አበው ይኹን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጸሎት ተጊሆም ይርከቡ። ኣብዚ ዕለት ንዝዘንብ ዝናብ ኸኣ ከም ጸበል ስለዝውሰድን ዳርጋ በዚ ማይ ዘይጥልቅይ ወይውን በቲ ማይ ዘይሕጸብ ሰብ የልቦን። እቲ ዝዘንብ ማይ ኸኣ ንሰብ ይኹን ንእንሰሳ እንተላይ ንዘራእቲ ጽቡቕን ጥዕና ዝህብን እዩ ተባሂሉ ይእመን።

Saturday, September 3, 2011

ጳጒሜን (ሣልሳይን መወዳእታን ክፋል)

5.0 ጳጒመ ኣብ ባህልና
ጳጒሜን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ትርጓሜን መልእኽትን ብውሑድ መጠን ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እዩ። ዘመን ተኸቲሉ ምስቲ ሓረስታይ ሕዝብናን ምስ መሬትን ዘመናትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ጥንታዊ ኣነባብራናን ኸኣ ንጳጒሜን ናቱ ዝኾነ ባህላዊ ገጻት ኣልቢስዎ ይርከብ ኣሎ።

ባህልና ቅዱስ እዩ ክንብሎ ከሎና’ውን መሠረቱ ቅዱስ ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ። እቲ ብቃልን ብጽሑፍን እንፈልጦ ትእዛዛትን ፈቓዳትን እግዚአብሔር ኣብቲ ባህልና ብግብሪ ሰሪጹ ተዘሪኡ በቚሉ ተኮስኲሱ ፈርዩ ዝርከብን ዝረአይን ስለዝኾነ እዩ። ሎሚ ግና ኣይግድን!

ጳጒሜን ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ኅብረተሰብውን ዝልለየሉን ዝፍጸመሉን ናቱ ዝኾነ መግለጺ ኣለዎ። ገለ ካብኣቶም ኣኅጽር ኣቢልና ክንገልጾም ኢና።

Friday, September 2, 2011

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሓደ ካብ ሊቃነ መላእክት

ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ካብ ሓውን ነፋስን ብምዃኑ ንተልእኾ ቅልጡፋት፤ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ ዘይደልዩ፤ ኃይሎም ዘይደኽም፡ ተፈጥሮኦምውን ዘይዓርግ ረቂቓን ፍጥረት እዮም። ካብቲ ብዙኅ ዝኣገልግሎቶም ኸኣ እቲ ቀንዲ ንእግዚአብሔር ምምስጋን፤ ካብን ናብን እግዚአብሔርን ሰብን መልእኽቲ ምብጽጻሕ እዩ። ንእግዚአብሔር የገልግሉ፤ ንደቂ ሰባት ድማ ይራድኡ። ካብ እግዚአብሔር በብዝተዋህቦም ክፍሊ ዕዮን ሽመትን ኪዳንን ኸኣ ዝተፈላለየ ውህበታትን ኣገልግሎትን ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ ዝፍጽምዎም ተግባራትን፡ ዝገብርዎ ተኣምራትን ይፈላለ እዩ።

ብዝኂ መላእኽቲ ክንድ’ዚ እዩ ተባሂሉ ክንገር ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙኅ እኳ እንተኾነ፡ ነገደ መላእኽቲ ግና ብቍጽሪ ፺፱ (99) ምዃኖም ቅዱስ መጽሓፍ ይነገረና። (ማቴ ፲፰፥፲፪/18፥12) እዞም ነገዳት ኸኣ ሸውዓተ ሊቃነ መላእኽቲ ኣለዎም። (ራእ ፰፥፪/8፥፪) ቅዱስ ሩፋኤል ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ ብማዕረጉ ሣልሳይ ሊቀ መላእክት እዩ። ኣብ ጸሎትና’ውን ድኅሪ ሊቃነ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን  ቅዱስ ገብርኤልን ኣብ ሣልሳይ ደረጃ እንጽውዖ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል እግዚአብሔር ዝሃቦ ፍሉይ ሽመትን ኪዳንን ኣለዎ። ሩፋኤል ማለት ፈውሰ አምላክ፤ ፈዋሴ አምላክ፤ ዘሥዩም ዲበ ፈውስ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እግዚአብሔር መድኃኒት እዩ ማለት እዩ። ብኻልእ ትርጉም’ውን ንልቢ ባህ ዘብል ዘሕጒስ ናይ ኣምላኽ ሓጐስ ማለት’ውን እዩ።

Thursday, September 1, 2011

ጳጒሜን (ካልኣይ ክፋል)

4.1 ጾም

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዉ ናይ ፍቓድ ኣጽዋማት እቲ ሓደ ኣብ ወርሒ ጳጒሜ ዝጽወም እዩ። እዚ ጾም’ዚ ጾመ ዮዲት ተባሂሉ’ውን ዝፍለጠሉ ጊዜ ኣሎ፤ ይኹን ደኣ እምበር ብልምዲ እምበር ክንዲ እቲ ካልኣይ ናይ ፍቓድ ጾም ማለት ጾመ ጽጌ ብዙኅ ፍሉጥ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን። 

ጾመ ዮዲት መሠረቱ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን እተፈጸመ ኮይኑ ካብቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን እተሰርዑ ፱ ኣጽዋማትን በዓላትን (መጥቅዕ፡ በድር፡ መጸለት፡ ጾመ ኣይሁድ፡ ፍሥሕ፡ ልበ ምድር፡ በዓለ ሠዊት፡ ጾመ አስቴር፡ ጾመ ዮዲት) ኸኣ ሓደ እዩ። መጥቅዕ እዚ ጾም ኸኣ ኣብ ነሓሰን ጳጒሜን ኮይኑ ብፍሉይ ኸኣ ብ፰ ብ፲ ብ፲፪ ብ፲፫ መጥቅዕ ጊዜ ኣብ መስከረም ፬ ጊዜ ዝኾነሉ ኣሎ። ተውሳክ ጾመ ዮዲት ፳፰፡ ፳፰ን ፲፭ ፵፫ ይኸውን። ነቲ ፴ ገዲፍካ ፲፩ ይተሓዝ። ስለዚ ኸኣ ጾመ ዮዲት ካብ ፯ መስከረም ንላዕሊ ኣይድይብን። ካብ ፲፰ ነሓሰ ካብ ፭ ጳጒሜን ፮ መስከረም ክመላለስ ይነብር።