Sunday, March 10, 2013

መኽፈቲ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት ምስቲ ሒዝናዮ ዘሎና ዓቢይ ጾም፤ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰሞን ንዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ ብዝምልከት ቀዲሙ ንዝተዘርገሐ ትምህርታዊ ጽሑፋት ብቀሊሉ ምእንቲ ክትረኽብዎ ብምሕሳብ፡ ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ኣርእስቲ ሰናብቲ ብምጥዋቕ ከተንብቡ ከምእትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ።
              ·                  ቀዳመይቲ ሰንበት - ዘወረደ
              ·                  ካልኣይቲ ሰንበት - ቅድስት 
              ·                  ሣልሰይቲ ሰንበት - ምኵራብ 
              ·                  ራብዓይቲ ሰንበት - መጻጉዕ 
              ·                  ሓሙሸይቲ ሰንበት - ደብረ ዘይቲ
              ·                  ሻዱሸይቲ ሰንበት - ገብር ኄር 
              ·                  ሻብዓይቲ ሰንበት - ኒቆዲሞስ
              ·                  ሻሙነይቲ ሰንበት - ሆሳዕና

አምላከ ሕያዋን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልናን ይቐድሰልናን።

Sunday, February 10, 2013

ጥንተ አብሶን ንጽሕት ድንግል ማርያምን (ሣልሳይ ክፋል)

ክቡራንን ክቡራትን አንበብቲ ማዕዶት፣ ኣብ ዝኃለፈ ኅታማት መጽሔትና፣ ሓፈሻዊ ርድኢትን ግንዛበን ጥንተ አብሶ ብምሃብ ዝጀመርናዮ ኣርእስትና፣ ብዛዕባ ነዚ፣ (ሰአሊ ለነ ቅድስት) “ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ኃሊፉዋ ነይሩ እዩ” ዝብል ጊጉይ ትምህርቲ ምንጪ ዚኾኑ ግብጻውያን ኣኅዋትናን ጉዳያት ትምህርቶምን ኣልዒልና ንእሽቶ ተዛሪብና ነይርና። ሓደ ሓደ እዚ ርቱዕ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያንና እዚ ዘይተዋሕጠሎም ሰባት ግና ኅልፍ ኅልፍ ኢሎም ነቲ ኣርእስቲ ከነቋርጾ ብተዘዋዋሪ ዘረባታት ክሰዱልና ጸኒሖም እዮም። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋንውን ብደብዳቤ ኣስፊሖም ጽሒፎሙልና። ንሕና ግና፣ “ጽድቃ ከም ብርሃን ፀሓይ ክሳዕ ዝደምቕ፣ ስለ ጽዮን (ድንግል ማርያም) ስቕ ኣይክንብልን ኢና” ኢልና ምስ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ ብምኅባር፣ ነቲ ዝጀመርናዮ ኣርእስቲ ቀጺልናዮ ኣሎና። በዚ ኾነ በቲ፣ ዋላ’ኳ ብእግዚአብሔር ኣምላኽና ንዝተዋህብዋ ዝተፈላለዩ ክብርታትን ጸጋታትን ክንገልጽ ዘይንበቅዕ ድኹማን እንተኾንና፣ ቅዱሳን ሊቃውንት ዝኾኑ ኣቦታትና፣ “ቡሩክት ወንጽሕት” እናበሉ ንዝወደሱዋ ንጽሕት ኣዴና ኣብ ክንዲ ኣቦታታ ዝተወለድናላ ውሉድ ስለዝኾንና፣ እንሆ ሣልሳይ ክፋል ትምህርትና። ሠናይ ንባብ።

ንጽሕት ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ (ኃጢኣት ኣዳም) ፈጺሙ ኣይኃለፋን። ነዚ ከኣ ኣዝዮም ብዙኃን መረጋገጺታት ኣለዉና። ኣብ’ዚ መጽሔት እዚ ግና ንመረጋገጺታትና ኣብ ኣርባዕተ ከፊልና ክንርእዮም ኢና። ንቅዱሳን ኣቦታትና ምሥጢሩ ዝገለጸ ከሣቴ ምሥጢር እግዚአብሔር ኣምላኽና ምስትውዓል ሂቡ ምሥጢሩ ይግለጸልና፤ ዘስተውዕል ልቡና ድማ የዓድለና።

Saturday, February 2, 2013

ካብ’ቲ ባሕሪ ጉድ ብጭልፋ! (ካልኣይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 
ቀሺ በረከት ኪዳነን ግብርታቱን
ስሙ ቀሺ በረኸት ኪዳነ ይብሃል። ትውልዱን ዕብየቱን ኣብ ከባቢ ሰበኻ ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ኣሥመራ ኮይኑ፤ ብዲቁና ኣብ’ዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ከገልግል ድኅሪ ምጽናሕ፣ ቅድሚ ፲ ዓመት ከም ታራ ሠራሕተኛ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ።

ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፤ ከም ርእሲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና መጠን ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት ክምደቡን፤ ክቝጸሩን ናይ ዘለዎም ኣገልገልቲ ብቝዕ መምዘንን ቕጥዕን ዘይብሉን ኣብ ፍታውን ውልቃዊ ሚዛንን ኣመሓደርቱ ዝተምርኮሰን ብምዃኑ፤ ንኻልእ ዘየድሊ ምትእትታዋት ቅሉዕ ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ፤ ንኸምዚኦም ዓይነት ክፉእ ዝግብሮም ሰባት ጥጡሕ ባይታ ከፊቱ ይርከብ። ከምኡ እንተዘይከውን፤ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ከም መጠን ወካሊን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኤርትራ፤ ይትረፍ ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ክሰርሑ፤ ጥቕኡ እኳ ክቐርቡ ዘይግብኦም ሰባት ከም ቀንዲን ተዋሳእትን ኮይኖም ክዋስኡሉ ኣይምተረኽቡን ነይሮም። ብዙኃን ምኩራትን ቅንኣት ሃይማኖት ዘለዎምን ሊቃውንቲ ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ልቦም ኣብ ልቦም ገይሮም ርእሶም ኣድኒኖም ብዘይ ሥራሕ ኣብ ዝመላለሱሉ ጊዜ፣ እዚ ዓቢዪ ቤት ጽሕፈት’ዚ፤ እቶም ከም ሠመረ ኣብ ዝኣመሰሉ ብመናፍቅነቶም ዝፍለጡ፤ ከም ቀሺ በረከት ዝኣመሰሉ ብኻልእ ብልሹውን ኣዝዩ ኣጸያፍን ተግባራቶም ዝልለዩ ሰባት ርእሶም ኣቕኒዖምን ምርኡያት ዋናታት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ክረኣዩ ኣይምተረኽቡን ነይሮም።

ስቕታ ተመሪጹ እምበር፤ ጸሓፊት ተሳኢና’ሲ፤ ካቶሊካዊት እመቤት ኣብ’ቲ ከም “መቅደስ” ዝቝጸር ቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ከም ዋና ጸሓፊት ኮይና ልዕሊ ፴/30 ዓመት ክትጸንሕ ኣይምኸኣለትን። እርኑብን ውርዙይን ኣከዳድና ዘይውንና ጎራዙ ኣዋልድ ኣብዚ መንፈሳዊ ቤት ጽሕፈት’ዚ ንየው ነጀው፤ ላዕልን ታሕትን ክብላ ኣይምተራእያን። ባሕታውያን ዝርከብዎም ኣቦታት ኣብ ኣፍ ደገ ደው ክሳዕ ዝብሉ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክኣቱ ዝፍቀደሉን ዘይፍቐደሉን ያኢ ኣርኣያ ክህነት ተሳኢኑስ ኣብ ኢድ “ገጽ ኣንስቲ” እምበይወደቑን ነይሮም። ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሰራሕተኛ እቲ ቤት ጽሕፈት ዘየለዉ ሰባት፤ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይምለከት ሥራሕ ብስም ኮንትራት ወርኃዊ ደሞዞም መመጺኦም ክወስዱ ክሳብ ዝግበር ኣይምተረኽበን ነይሩ። . . . ዝርዝሩ ብዙኅ እዩ።!

Thursday, January 31, 2013

ዕዉት ጉባኤ ንትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን!


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤

እቲ ብዕለት ፳፭ ታኅሣሥ ፳፻፭ ዓ.ም ንዕቤት ቤተ ክርስቲያን ኣገደስቲ ውሳኔታት ዘኅለፈ ሥሙር ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስን ገዳማትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና፣ ረቡዕ ዕለት ፲፭ ጥሪ ፳፻፭ ዓ.ም (23/01/2013 ዓ.ም.ፈ) ንሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፣ ሰበኽቲ ወንጌልን መንእሰያት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ወሲኹ ዕዉት ጉባኤ ከም ዘካየደ ምንጭታትና ሓቢሮም። እዚ ኣቐዲሙ ንዕለት ፲፬ ተቘጺሩ ዝነበረ እሞ፣ ብሰንኪ ሓደ ሓደ ጸገማት ሓደ መዓልቲ ዝተሰጋገረ ብዓይነቱ ፍሉይን ዓቢይን ጉባኤ ከም ዝኾን ብዙኃን ሰባት ይዛረቡ።

እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተሰግሲጎም ኣትዮም እኩይ ውጥን ለኣኽቶም ንዘተግብሩ ዘለዉ መናፍቃን ዘመንና (ተሓድሶ) ኣጽኒዓ እተጽሪ ካብ ኵሉ ኣካላት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ማለት ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ካብ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፣ ካብ ካህናትን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ዝተዋፅአት ፲፫ ዝኣባላታ ኮሚቴ ከም ዘቖመ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣባላት እዛ ኮሚቴ እዚኣ ብትምህርተ ሃይማኖት ዝበሰሉ፣ መንፈሳዊ ቅንኣት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎምን ብዛዕባ ጉዳይ መናፍቓን ዓሚቝ ኣፍልጦን ናይ ነዊኅ ተመኵሮን ዘለዎምን ምዃኖም ድማ ይስማዕ ኣሎ።

ብሓቂ ከም’ቲ ሓደ ሰባኺ ወንጌል ኣብ’ቲ ጉባኤ፣ “ማርታ ኃውቲ ኣልኣዛር ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ‘ንስኻ ኣብ’ዚ እንተትነብር ነይርካ፣ ኃወይ ኣይምሞተን ነይሩ!’ ዝበለቶ፣ እዚ ናይ ኃባር ጉባኤ እዚ እንተዝነብር ነይሩ፣ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ከም’ዚ ደረጃ ኣይምበጽሐትን ነይራ” ኢሎም ዝተባህለ፣ ናይ ሎሚ “ኣመሓደርቲ” ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ተኣኪብካ ብሓደ ናይ ምምካርን ምዝታይን ባህሊ ስለዘጥፍእዎ፣ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጉባኤ እነሆ ኣብ ዓሠርተ ዓመቱ ርእዩ።

እዚ ንብዙኃን ሓቀኛታት ኣገልገልትን ቡሩካን ምእመናንን ቤተ ክርስቲያን ዘሕጐሰ፣ ንምስሉያት “ኣገልገልት”ን ተረፈ መናፍቃንን ግና ዓቢይ ራዕዲ ዝፈጠረ ሥሙር ጉባኤ እዚ፣ ነታ ኮሚቴ ንጉዳይ መናፍቕ ጥራይ ዘይኮነትስ፣ ንጉዳይ መናፍቓን ብሰፊሑ ኣብ ኵለን አጉረ ስብከታት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከተጻሪ ሥልጣን ከም ዝሃባ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ዝተፈላለዩ ምንጭታትና ከም ዝሓበሩና ኣብ’ዛ ኮሚቴ እዚኣ ከም እኒ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዝኣመሰሉ ቅድሚ ዓሠርተ ሓደ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ምጽራይ መናፍቕነት መምህራንን ኣባላትን ቤት ትምህርቲ ሰንበት መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ሆስፒታል ብትግሃት ዕዉት ሥራሕ ዝሠርሑ፤ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ርእሰ ምንቅስቓስ ተሐድሶ ምዃኑ ዝእመነሉ ሠመረአብ መርትዖታት ኣኪቦም ድኅሪ ብዙኅ ማዕዳ ዘውገዙ አበ ምኔት ገዳም ደብረ ቢዘን ዝርከቡዎም ተባዓት መነኮሳት፣ ከም እኒ መምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ ዝኣመሰሉ ስሙያትን ርቱዓትን ኦርቶዶክሳውያን መምህራን ቅዱሳት መጻሕፍት ዝበሉ ሊቃውንትን ትጉሃትን ተባዓትን ካህናትን መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ብኣባልነት ከም ዝርከቡ ፈሊጥና ኣሎና።

ብሓቂ እዛ ኮሚቴ እዚኣ እተን ብጉቦን ዓሌትን ዝተቐማጥዓ ነዋሕቲ ኣእዳው ኣካላት “ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን” እንተዘይዓናቒጸናኣስ፣ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ዝእውጅ ዓበይቲ ሥራሓት ክትሠርሕ ትኽእል እያ። እንተኾነ ግና ኣብ’ዘን ተንኮል ካብ ምሥራሕ ዘየዕርፋ ኣእዳው እዚኣተን ዓቢይ ስኽፍታ ኣሎና። ምኽንያቱ ንብዙኅ ዓመታት ነዚኣ ዝመስላ ኮሚቴታት ኣብ ምፍራስን ምድስካልን ዓቢይ ተመኵሮ ዝደለባ ኣእዳው ስለዝኾና።

በዚ ኮነ በቲ ግና ተወፋይነትን ትብዓትን እቶም ተመሪጾም ዘለዉ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፣ እቲ ዕዮ ሥሙርን ዕዉትክ ክኸውን ግና ናይ ዝተረፍና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ጸሎትን ሞራልን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ለበዋናን ምሕፅንታናን ንኣቦታትና ጳጳሳት ኣባላ ቅዱስ ሲኖዶስን ገዳማውያንን
ክቡራን ኣቦታትና ትወስዱዎ ዘለኹም ሥሙር ስጉምታት ንዓና ድኹማት ደቅኹም ዓቢይ ፍናንን ተስፋን እዩ እሞ፣ ቀጽልዎ ንብል። ብተወሳኺ ድማ ነዛ ኮሚቴ እዚኣ ዘድልያ ኵሉ እናኣማላእኩምን ብዅሉ ነገር እናደገፍኩምን ከተሥርሑዋ እንተኽኢልኩም ንቤተ ክርስቲያን ዘዕብ ዘስፍሕን፤ ንዓኻትኩምውን ዓቢይ ስምን ክብርን ዘውህብ ሥራሕ ክትሠርሕ እያ ዝብል እምነት ኣሎና። ብፍላይ ድማ ሎሚ ኣብ ኣሥመራ ጥራይ ዘይኮነት’ሲ ኣብ መላእ ሃገር እናተዘዋወረት ግቡእ ሥርሓ እንተተካይድ፤ ካብኡ ኃሊፋ’ውን ኣብ’ዚ ንሕና ዘሎናዮ ተሓድሶ ኣስናኖም ገይጾም ተሃንዲዶም ዝጓየዩሉ ዘለዉ ዓዲ ወፃኢ መጺኣ መጽናዕትታታን መርመራኣን እንተተካይድ ክንደይ ዝበለጸ ምኾነ ነይሩ።! ነዚ ንኽገብሩ ኸኣ ኵሎም ኣባላታ ከካብ ሥራሓቶም (ዋላውን ኣብ መንግሥታዊ ሥራሓት ዘለዉ) ነዚ ዓቢይን ፍሉይን ሥራሕ ተባሂሉ ፍቓድ እንተዝሕተተሎምን ብዅሉ ዘድልዮም ነገራት ቤተ ክርስቲያን እንተትኅግዞምን ዝያዳ ኣድማዒ ሥራሕ ምሠርሑ ነይሮም። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዘሸግር ከም ዘይኮነ ንዅልና ርዱእ እዩ።

ብዝተረፈ፣ ነዛ ኮሚቴ ዓወትን ኣሳልጦ ሥራሕን ንምነየላ። ልዑል እግዚአብሔር ቤቱ ክትጸሪ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

Saturday, January 26, 2013

ንፈለማ ግዜ አብ ኣውሮጳ ክካየድ ዝቐነየ መንፈሳዊ ኮርስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!

''ንሕናስ ብዘይምውልዋል እምነትን ሥርዓትን አቦታትና ክንክተል ኢና!'' ቅዱስ ቄርሎስ

እቲ ንፈለማ ግዜ አብ ኣውሮጳ ክካየድ ዝቐነየ መንፈሳዊ ኮርስ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን አብ ከተማ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ብሰላም ተዛዚሙ። እቲ  ልዕሊ 13 ቤተ ክርስቲያናት ስዊዘርላንድ፣ ካብ ጀርመንን ጥልያንን ልዕሊ 65 ዲያቆናት፣ መማህራንን አገልገልቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝተሳተፍዎ ኮርስ ኣዝዩ ዘዕግብን ጽቡቕን ነይሩ።

እቲ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ን80 ሰዓታት ካብ ዕለት 24.12.2012 ክሳብ ዕለት 05.01.2013  እዚ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣርእስታት ዝሓዘ ኮርስ ማለት
  1. ትምህርተ ሃይማኖት
  2. ትምህርተ ኣበው
  3.  መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  4.  ሓዋርያዊ ተልእኾን ሜላ ስብከትን

ትምህርተ ኣርእስታት ዝሓዝ እዩ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኮርስ ኣቦና ኣባ ሃብተውልድ ካብ ከተማ ሚላኖ ዝተሳተፍዎ ንተመረቒ ምስክር ወረቐት ተዋሂቡ።

እዚ ኮርስ ብመምህር ዲያቆን ኣስመላሽ ገብሪሂወት ዝተዋህበ እዩ ኔሩ። ንሓውናን መምህርናን ዲያቆን ኣስመላሽ ገብሪሂወት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ጸግኡ የብዘሓሉ። ነዚ ኩሉ ኮርስ ክካየድ ብኹሉ ንዝሓገዙ ብፍላይ ከኣ ቤ\ት\ሰ\ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን አብ ከተማ ዙሪክ ስዊዘርላንድ  እግዚኣብሔር ኣምላኽ ጻማኦም ይኽፈሎም። ከምዚ ዓይነት ኮርሳት ክካየድ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ እሞ ኩልና ከም ሓዋርያዊ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ነቲ ከገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ ከም እሙን ቆጺሩ ከአ ናብዚ አገልግሎት እዚ ዝመደበኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና፡ አመስግኖ አለኹ። (1ይጢሞ ፳፫)’ እናበልና መስቀል ጎይታ ንሰከም።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!!!
ወለወላዲቱ ድንግል!!!
ወለመስቀሉ ክቡር!!!


Thursday, January 24, 2013

ክብረቶም ኣብ ነውሮም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤
ካብ’ቲ ባሕሪ ጉድ ብጭልፋ!
ተዘክሮ ኣቦታትና ካህናት ብውኁድ ቃላት
ኣብ ልዕሊ ደም ክርስቶስ ዝተሠረተት፤ ብኣዕጽምቲ ቅዱሳን ዝተነድቀት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና፤ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን፤ ታሪኻዊትን ባህላዊትን ምዃና፤ እቲ ነቓዕ ዘይርከቦ ርቱዕ ትምህርተ ሃይማኖታን፤ መንቅብ ዘይብሉ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓታን፤ እትውንኖ ጽጉው ታሪኻን ዝምስክሮ ድሙቕ ሓቂ እዩ።

ንብዙኅ ኣካላታን ካልእ ተዛመድቲ ኣበርክቶኣን ንጊዜኡ ገዲፍና፤ እዛ ሓንሳእ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ሃይማኖት ክሳዕ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ ወለዶ ክትበጽሕ ዝኸኣለት፤ ልዕሊ ዅሉ ፍቓድን ኃይልን እግዚአብሔር ይኹን እምበር፤ ካብ ጐይታና ትእዛዝን ሕድርን ካብ ዝተቐበሉ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ መነኮሳትን ስሙያት ኣገልገልቲ ካህናትን ብዝነበሮምን ብዘለዎምን ሕያው ኣገልግሎትን ውፉይ ኣበርክቶን ምዃኑ ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። ጥርጥር ብዘይብሉ ጽኑዕ መንገዲ፤ ነቲ ዝተጸውዑሉ ሰማያዊ ኣገልግሎት ኣኽቢሮም፤ ብዝተዋህቦም ጸጋን ሥልጣንን ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኾም፤ ከም መላእኽቲ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ብምግልጋሎምን፤ እሙናትን ሓቀይናታትን ጓሶት ኮይኖም ሕድሮም ብምፍጻሞም እዩ። ውልቃዊ ክብሮምን ረብሓ ዓለምን ገዲፎም፤ ስለ ክብሪ እግዚአብሔርን ማኅደሩን ክሳዕ መወዳእታ ስለዝተጋደሉ ድማ ሎሚ ቅድስትን ርትዕትን ሃይማኖትና ከይተቖርመመትን ከይተሸራረፈትን ኣባና በጺሓ ኣላ። ብጥበባዊን ምሉእን ትምህርቶምን ሠናይ ሥነ ምግባሮምን ንሕዝቦም ኣብነታውያን መራሕቲ ኮይኖም መዋዕሎም ይፍጽሙ ብምንባሮምን ብምህላዎምን ድማ ክሳዕ ሎሚ ስሞም ብኽብሪ ክንጽውዖምን ክንዝክሮምን ንነብር ኣሎና። በቲ ዘይመውትን ነባሪን ናይ ሓቂ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ቅድሚ ሕዝቦም ሕፉራንን ክቡራንን ኮይኖም ንመዋዕል እናተዘከሩ ክነብሩ እዮም።

Monday, January 14, 2013

ጥቅመ ሰናኦር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ምስጋና ወአኰቴት ይብጽሓዮም እሞ ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ፤ እም ኀበ አልቦ ኀበ ቦ (ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር) ኣምጺኦም ንዓለም ካብ ዝፈጠሩሉ ኣትሒዞም ኣብዚ ዓለም’ዚ ተዘርዚሮምን ተገሊጾምን ዘይውድኡ ድንቂ ድንቂ ዝኾኑ ግብርታትን ተኣምራትን ፈጺሞም እዮም። ገሊኦም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ዘይጠፍኡ ኣሰር ስለዝገደፉ መዘከርታኦም ነባሪ ኮይኑ ይጥቐስ ኣሎ። እምበኣር ሓደ ካብቲ ኣብቲ ዝቀደመ ዘመን ኣቦታትና፤ ዝፈጸምዎ ተኣምራት ድማ ኣብ ምድረ ባቢሎን ዝፈጸምዎ ዕፁብ ተኣምር እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያና’ውን ነዚ ፈጣሬ ዓለማት ብሓድነቶምን ሠለስትነቶም ንዝፈጸምዎ ተኣምር ዓመት መጸ ፯ ጥሪ ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ሥርዓት ከተኽብሮ ትነብር ኣላ። መሠረቱ ድማ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተጻሒፉ እንረኽቦ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ እዩ። (ዘፍ ፲፩፥፩-፱)

ባቢሎን ሎሚ ዒራቕ ኣብ ዝተባህለት ሃገር እትርከብ ስፍራ ጥንታዊት ታሪኽ እያ። ትውፊት ቤተ ክርስቲያንና ከምዘረድኦ፤ ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ኣብ ኵላ ምድሪ ሥልጡናት ዝነበሩ ዓለውትን ከሓድትን ዝኾኑ ሠለስተ ነገሥታት ኣብ ከባቢ እቲ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ። ኣስማቶም ድማ ሳሮግ (ብወገን ደቡብ)፤ ናምሩድ (ብወገን ዓረብ) ሣልሳዮም ድማ ሰናኦር (ብወገን ኣዜብ) ይብሃል ነበረ። ንኵሎም ጸላእቶም’ውን ሥዒሮም ዝጻብኦም ኃያል ኣብ ዘይርከበሉ ዘመን በጺሖም ነይሮም። ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ረሲዖም ድማ ዝተፈላለየ ባዕድ ኣማልኽት የምልኹን፤ ነንጣኦታቶም ድማ ይሰግዱን ነበሩ። ጠንቈልቶም ድማ ገዓርቲ ነበሩ።