በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ርእሰን ብርእሰን ዝመኃደራ፤ ነናተን ፓትርያርክ ዘለዎን ኣኃት ኦሪየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት (ተዋሕዶ) ፮ተ እየን። ንሳተን ድማ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ግብጺ፤ ሶርያ፤ ኣርመን፤ ህንዲ ምዃነን ድማ ይፍለጥ። እዚአን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ብዶግማዊ ትምህርተን ዝዛመዳን፤ ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝመሳሰላን፤ ንጉባኤ ኬልቄዶን ብምቕዋምን ብምንጻግን ከምኡ ድማ ወልድ ዋሕድ ብምባለን ሥሙራትን ብምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ሓድነታዊ ኣካይዳ ዘለዎን እየን። ዝምድናን ስድራ ቤታዊ ኣካይዳ እዘን ኣብያተ ክርስቲያናትን፤ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ተበግሶአን ከምቲ ዝድለ እኳ እንተዘይኮነ፤ ኣብ ዓበይቲ ጕዳያት ዘለዎም ሓባራዊ ተበግሶን ጽልዋን ግና ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮናን። እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት፤ ነቲ ሓዋርያዊ ትምህርቲ ኣጥቢቐን ብምሓዘንን ብምስዓበንን፤ እተን ካልኦት ብዝነበረን ኃይሊ ሥጋን ጸግዒ ዓለምን ዓቢለለን ክደፍንዖ ንዝፈተና ሓቂ ብምቕልሐንን፤ ንምድኻመንን ንምብትታነን ዝዓለመ ግዳይ ዝተፈላለየ መሠሪ ተንኮላትን፤ ውዲታት ዓለማዊ ጸግዒ ዘለዎም እምነታት ከምዝነበራን ከምዘለዋን ታሪኽ ዝዛረበሉ እዩ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ናይዘን ሃገራት፤ ኣብ ውሽጠን መናፍቃዊ ትምህርቲ ንምዝራእን፤ ብስም “ተሃድሶኣዊ” ምንቅስቓስ ጥንታዊነተን ንምብራዝን፤ ጐጃጂልካ ንምድኻመንን ንምሕቓቐን ዝተገብረ ኵሉ መደያዊ ምትእትታው ታሪኽ ዝምስክሮ ምዝጉብ ሓቂ እዩ።





