Wednesday, August 24, 2011

ሓጺር ታሪኽ ቅዱስ አቡነ አብራንዮስን ገዳሞም ደብረ ጥሉልን (ካልኣይ ክፋል)

2. ታሪኽ አቡነ አብራንዮስ (ኣቦና)

2.1 ትውልዲ አቡነ አብራንዮስ

አቦና ፈሪሃ እግዚአብሔርን ኣብ ጸሎት ቅዱሳን ትውክልቶም ካብ ዝገበሩን፡ ብሃይማኖቶም ጽኑዓት ካብ ዝነበሩን ስድራ እዮም ተረኺቦም። ኣቦኦም ወልደ ክርስቶስ ኣዴኦም ኸኣ ወለተ ትንሣኤን ዝተባህሉ ኮይኖም ናብራ ቅድስና ዝነበሮም ብኣርዑት ሕጊ ዝተጸምዱ ጻድቃናት እዮም ነይሮም። ኣዴኦም ወለተ ትንሣኤ ብትውልዲ ካብ ኤርትራ ምዃነን ኸኣ ብቃል ይንገር። እዞም ስድራ ገለ ካብቲ ሰናይ ግብርታቶም ኸኣ ንዝጠመዩ ምብላዕ፡ ንዝዓረቑ ምኽዳን ንድኻታት ምምጽዋት ምንባሩ ብፍሉይ ይግለጽ።

ትውልዶም ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ምብራቕ ጎጃም ከባቢ እነብሴ (ካናት) ኣብ ዝተባህለ ዓዲ እዩ። “ወሀሎ አሐዱ ብእሲ ውስተ ሃገረ ጐጃም እምአድያመ ‘እነብሴ’ እንተ ይብልዎ ካናት ዘስሙ ወልደ ክርስቶስ፡ ወስሙ ብእሲቱ ወለተ ትንሣኤ” ከምዝብል እቲ ገድሎም።

ወለዲ ኣቦና ዋላ እኳ ብፍቕርን ብሃብትን ዝተጸገዉን፡ እግዚአብሔር ክልተ ኣዋልድ ባሪኹ ዝሃቦምን እኳ እንተነበረ፡ ምስቲ ኵሉ ሃብቶም’ውን ካብኡ ንላዕሊ ክወልዱ ይብህጉ እንተነበሩ ውላድ ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ስለዚ ኸኣ ነተን ክልተ ኣዋልድ ደቆም ኃው ዝኾነን ፈቓድ እግዚአብሔር ዝፍጽም ውላድ ክህቦም ናብ ፈቖዶ ገዳማት ብምኻድ ናብ እግዚአብሔር ይጽልዩን ንነዳያን ከኣ ይምጽውቱን ነበሩ።


ብዝያዳ ኸኣ ኣዲኦም ወለተ ትንሣኤ ናብ ገዳማትን ኣረጋውያን መነኮሳትን እናኸዳ ጸሎቶም ይምኅፀና ነበራ እሞ፤ ብቝዓት ባሕታውያን ወዲ ከምዝወልዳ ይነግርወን ነበሩ። እቲ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ ናይ ኃያላን ኃይል እግዚአብሔር ከምቲ ጸሎት ሐና ሰሚዑ ንሳሙኤል ውላድ ዝሃባ፤ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ንብዙኃን ኣሕዛብ ብርሃን ዝኸውን ከም ነቢይ ኤርሚያስ ገና ኣብ ማኅፀን ወላዲቱ ከሎ ዝተኃርየ፡ ከም መጥምቀ መለኮት ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ከሎ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቓነየ፡ ከም አቤል መሥዋዕቱ ንጹሕ፡ ከም መልከጼዴቅን አሮን’ውን ክህነቱ ውኩፍ ዝኾነ ንልቦም ዘሕጒስ ወዲ ከም ዝወልዱ ንመጋቤ ብሉይ ቅዱስ ሚካኤል ሲዲዱ ፍርቂ ለይቲ ኣበሰረን።

2.2 ኣብ ከርሲ ኣዴኦም

ወላዲት ኣቦና ዝኾና ወለተትንሣኤ’ውን ከምቲ ዝተበሰረኦ ንኣቦና ጸኒሰን። ይኹን ደኣ እምበር ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ንሰማዒኡ ይኹን ንነጋሪኡ ዕፁብ ዝኾነ ሓደ ፍሉይ ተኣምራት ክፍጸም ጀመረ። እዚ ኸኣ እቲ ልሙድ ወርሓት ጥንሲ እኳ እንተሓለፈ ኣቦና ካብ ማኅፀን ኣዲኦም ክወጹ(ክውለዱ) ፈቓዶም ስለዘይነበረ ካብቲ ንቡር ጊዜ ኣዝዮም ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ደንጒዮም። ሓደ  ክልተ ሠለስተ … ዓመት እናበለ ኸኣ እቲ መዋዕል ጥንሶም ዓመታት ክፍቐድ ጀመረ።

ኣብቲ ዘመን እቲ ሓፀይ ሱስንዮስ ዝተባህለ ንጉሥ ኣብ ዘመን ወራር መሓመድ ግራኝ ንኣቦኡ ክሕግዙ ንዝመጹ ወተሃደራት ፓርቱጋል ተጸጊኦም ምስ ዝኣተዉ ‘ሰበኽቲ’ ካቶሊካውያን ተመሓዝዩ ስለ ብዙኅ ‘ረብሓታት’ ሃይማኖቱ ናብ ካቶሊኽ ዝቐየረሉን ንሕዝብ’ውን እምነቱን ሥርዓቱን ክቕይር የግድድ ዝነበረሉ ዘመን ኸኣ ነበረ። ነዚ ከተግብር ኸኣ ግዱድ ኣዋጃት ኣወጀ። ብዙኃን በብወገኖም ብፍላይ ከኣ ብካህናትን መነኮሳትን ዝተመርሑ ገባራት ሓረስቶስ ወልድ ዋሕድ እትብል ጥንታዊ ሃይማኖት ኣቦታትና ኣይንልውጥን ብምባል ትእዛዙ ስለዝነጸግዎ መከራ ኣጽኒዑሎም። ምኽሪ ዓበይቲ ምስማዕ ኣብዩ ኸኣ ብዙኃን ስለ ሃይማኖቶም ዝተሰዱሉን ሰማእትነት ዝተቐበሉሉን እዩ ነይሩ።

እዚ ንስጥሮስ ዝዘርኦ፡ ሊዮን ዘብቖሎ ብናይ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ ውግዘት ሰይፊ ዶብ ዝተገብረሉ ፍልልይ ኣብ ዘይቦትኡ ኣብ ሱስንዮስ ክፍሪ እኳ ጀሚሩ እንተነበረ ብመርገም አበው፤ ብናይ እግዚአብሔር መቓጻዕቲ ቅድሚ ምምላሱ ብዙኅ ዕንወት እዩ ኣኸቲሉ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ እዩ እምበኣር “ኣብ ዘመን እዚ ከሓዲ ንጉሥ ኣይውለድን” ብምባል እቶም ካብ ማኅፀን ኣዲኦም ጀሚሮም ዝተኃርዩ ኣቦና፡ ፯ ዓመትን ፮ ወርሕን ክሳብ ስሱንዮስ ሞይቱ ወዱ ፋሲል ተንሢኡ ኣዋጅ ብኣዋጅ ዝምልስን ሃይማኖት ዘጽንዕን እዩ ምውላድ ዝኣበዩ። ዘመን ክሕደት ኣየርእየኒ ብምባል እዮም ኸኣ ኣብ ማኅፀን ወላዲቶም ጸኒሖም። እዚ ኸኣ ከምቶም ባሮክን አቤሜሌክን ‘ኢታርእየነ ሙስናሃ ለኢየሩሳሌም’ (ጥፍኣት ኢየሩሳሌም ኣይተርእየና) ኢሎም ንኣምላኽ ብዝለመንዎ፤ ናቡከደናጾር መጺኡ ንኢየሩሳሌም ደምሲሱ ንሕዝቢ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ኣብ ዘግዓዘሉ እዋን እቶም ክልተ አርድእት ነቢይ ኤርሚያስ ግና እግዚአብሔር ብጥበቡ ነቲ ዘመን ከይርእዩ ከምቲ ልማኖኦም ከምዘሕለፈሎም ዝኣመሰለ ታሪኽ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ንባሮክ መቃብር አበው ክሕሉ ሰዲዱ ካብዚ ነገር ክኽውሎ ከሎ፡ ንአቤሜሌክ ከኣ ንፈውሲ ዝኸውን ቆጽሊ ክቖርጽ ምስ ሰደዶ ተታኺሱ ን፷፮ ዓመት ነቲ ክፉእ ዘመን ብድቃስ ከምዘሕለፎ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝነግረና እዩ።

ኣቦና’ውን ነቲ ክፉእ ዘመን ክርእዩ ስለዘይደለዩ ብኸምዚ መገዲ ኣብ ማኅፀን ወላዲቶም ኮይኖም ከኅልፍዎ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ኮነ ማለት እዩ። ንኖኅ ኣቦና ነቲ ዘመን ጥፍኣት ኣብ ሐመር ተዓቚቡ ከምዝድኅን ከምዝገበሮ፤ ኣቦና’ውን ነቲ ክፉእ ዘመን ኣብ ማኅፀን ኣዲኦም ኮይኖም ከምዘኅልፍዎ ገበሮም።

ኣቦኦም ወልደ ክርስቶስ ግና እዚ ጒዳይ ስለዘተሓሳሰቦም’ውን፡ ንበዓልቲ ቃል ኪዳኖም ወለተ ትንሣኤ “እዚ ነገር’ዚ እንታይ እዩ ነገሩ” በልወን። ንሰን ግና “እግዚአብሔር ዝፈቐዶ ይግበር፡ ኵሉ ዝከኣሎ ንሱ እዩ ግና ባዕሉ ዝገብሮ ጥበብ ክሳዕ እንርኢ ብእምነት ልብና ነጽንዕ” በለቶም። ንሶም’ውን “እቲ ኣሚንክዮ ዘሎኺ ንሱ ኣየሕፍርኪ ዋጋኺውን ኣየጥፍኣልኪ” ድኅሪ ምባል ነቲ ዝገብርኦ ዝነበራ ምጽዋት ከይጕድላ ተላበውወን።

እዚ ተኣምር’ዚ መዛረቢ ጐረባብትን ዓድን ምዃኑ ኸኣ ኣይተረፈን። ክሳብ መዓስ እዩ እዚ ሕጻን ዘይውለድ ብምባል ኸኣ ንኵሉ ኣስተንኪርዎ ነበረ። ጽንሲ ድዩ ሕማም ዝብል ዘረባ’ውን ኣብ ኵሉ ይስማዕ ነበረ። በዚ ነገር ዝተገረማ ሓዊ ክልምና ዝመጻ ጐረቤት “እግዝእትየ ዐቢይ ወግሩም ወልድ ሀሎ ውስተ ከርስኪ” (እምበይተይ ግሩምን ዓቢይን ወዲ ኣብ ከርሥኺ ኣሎ) ብምባል ብምፀት ኣግሂደን ኣብ ኣፈን ክሳብ ምዝራብውን በጺሐን ነይረን። ኣቦና ኸኣ ኣብ ከርሲ ኣዲኦም ከለዉ ነዚ ነገር ብዝሰምዑ ዘረባ እታ ጐረቤት ሰበይቲ ባህ ኣየበሎምን፤ ኣፍ ኣውጺኦም ከኣ “ምንት ብየ ምስሌኪ ኦ ብእሲቶ መፍትው ለኪ ትንሥኢ እሳተኪ ወትሑሪ ኀበ ግብርኪ” (ኣቲ ሰበይቲ ምሳይ እንታይ ኣሎኺ? ሓውኺ ለሚንኪ ናብ ሥራሕኪ ዘይትኸዲ) ብምባል ነታ ሰበይቲ ዘምጽኣ ጌራ ክትኸይድ እምበር ነቲ እግዚአብሔር ዝገበሮ መንክራት ከይትምርምር ገሰጽዋ። እታ ሰበይቲ በቲ ዝኾነ ነገር እናተገረመት “ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ከሎስ ክንድ’ዚ ይዛረብ፡ እዚኦምስ ኣብኡ ከሎ ዓሪጉ እዩ” ብምባል እዚኦምሲ “አቦና” እዮም በለቶም። እዚ ስም ኸኣ ካልኣይ መጸውዒ ገዳም አብራንዮስ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ዝበዘኀ ሕዝቢ’ውን ብዝያዳ ‘እንዳቦና’ ብዝብል ስም እዩ ነቲ ገዳም ዝፈልጦ።

ብድኅሪ’ዚ ማለት እቲ ከሓዲ ንጉሥ ድኅሪ ናይ ፯ ዓመትን ፮ ወርሕን ጽንሰቶም ምስ ሞተ ኣቦና ተወልዱ። ወለዶምን ኣዝማዶምን ከኣ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ድኅሪ ፵ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ወሲዶም ኣጠመቕዎም። አብራንዮስ ዝብል ስም ከኣ ሃብዎ። ትርጉሙ ከኣ ‘አብራ’ ማለት ኣብርሃ ‘ዮስ’ ከኣ ፀሓይ ማለት እዩ። ስለዚ ትርጉም ስሞም ብርሃን ፀሓይ - ብርሃን ዓለም ማለት እዩ።

ታሪኽን መዛግብትን ከምዘመልክትዎ ኣቦና ዝተወልዱሉን ዝነበሩሉን ዘመን ፩ሽሕ፮፻፳፬ (1624)- ፩ሽሕን፯፲፫ (1713) ዓ.ም. ከምዝነበረ ይግለጽ። ገለ ወጻእተኛ ጸሓፍቲ ታሪኽ ድማ ነዚ ዘመን ኣዝዩ ብዝቀራረብ ጊዜ የቕምጡዎ እዮም፤ 1633-1718 ዓ.ም.ፈ። ኣብቲ መቕድም ናይዚ ሓድሽ ተኃቲሙ ዘሎ ገድሎም ግና ፩ሺ፯፻፴(1730) - ፩ሺሕን፯፷፫ (1763) (፴፫ ዓመት) ኢሉ ይገልጾ። ገለ ናይ ኅትመት ወይውን ኣጸሓሕፋ ጌጋ ዝተፈጸመ ይመስል። ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይዚ ገድሊ ኸኣ “ወዜና ፅንሰቱሰ ከመዝ ውእቱ አመ ፲ወ፰ ዓመት መንግሥቱ ለሱስንዮስ ንጉሥ ኢትዮጵያ” (ናይ ፅንሰቱ ነገር ግና ብዘመነ መንግሥቲ ሱስንዮስ ንጉሥ ኢትዮጵያ ኣብ መበል ፲፰ ዓመት እዩ ዝነበረ) ይብል። ነዚ መሠረት ጌርና ኸኣ ኣብቲ ላዕሊ ዝተገልጸ ዓመተ ምሕረት (፩ሽሕ፮፻፳፬ ዓ.ም.) ከም ቅኑዕ ክንወስዶ ንኽእል።

2.3 ምንኵስናን መንፈሳዊ ተጋድሎን

ንወለዶም ብትሕትናን ብሥነ ሥርዓትን እናተኣዘዙ ኸኣ ዓበዩ። ኣቦኦም ከኣ መጽሓፍ ክመሃሩሎም ወዲ ፯ ዓመት ምስ ኮኑ ናብ መምህር ወሰድዎም። ኵሉ ጥበብን ተግሣፅን ንባብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ትርጓሜኦምን ኸኣ ተምሃሩ። ገና ተምሃራይ እንከለዉ ድማ  ነቲ መግቦም ንካልኦት ተምሃሮ እናሃቡ ብኅቡእ ይጾሙ ነበሩ።

ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ‘ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ኣኅዋት፡ ኣኃት፡ ኣቦ፡ ኣደ፡ ሰበይቲ፡ ውሉድ፡ ግርሁ ዝሓደገ ኵሉ ሚእቲ ዕጽፊ ክረክብ እዩ፤ ናይ ዘለዓለም ሕይወት’ውን ክወርስ እዩ” ንዝበሎ መሪሕ ቃል ብምውሳድ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም (፲፪ ዓመቶም) ንዓለም ገዲፎም ናብ አበምኔት ደብረ ሳን ዝነበሩ አባ ገብረኢየሱስ ከዱ። ቦታ ጽድቂ ዝኾነ ገዳም ጥንታዊ ገዳም መርጡለ ማርያም ብምኻድ ድማ ብርድእና ብትግሃት ኣገልገሉ። መርጡለ ማርያም ኣብ ምብራቕ ጐጃም ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ነዚ ትግሃት ዝረኣዩ ኣቦታት ኣብ መበል ፲፪ ዓመቶም ኣስኬማ ምንኩስና ኣልበስዎም። ዘመንኰስዎን ከኣ አባ ገብረ ኢየሱስ እዮም። ብትግሃት ኸኣ የገልግሉ ነበሩ። ካብቲ ዝመንኮሱሉ ሰዓት ኣትሒዞም ገጽ ኣዝማዶም ከይረኣዩ ካብ ናብ ገዳም እናኸዱ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። ንሥጋኦም ኸኣ ብጾምን ብጸሎትን ኣድከምዎ። ብፍጹም ትሕትናን ፍቕርን ምስ ዓበይቲ ኣረጋውያንን ንኣሽቱ ሕጻናትን ይነብሩ ኸኣ ነበሩ።

ኣባ ገብረኢየሱስ ንኵሉ እቲ መንፈሳዊ ግብሮም ምስ ረኣዩ ዲቁና ክቕበሉ ነገርዎም። ንሶም ግና ኣይግባእንን በሉ። ኵሎም ማኅበር ከኣ ግድን በልዎም፤ ጸሎት ድማ ገበሩሎምን መረቕዎምን። መዓርገ ዲቁና ኸኣ ካብ ኣቡነ ሚካኤል ዝተባህሉ ጳጳስ ተቐበሉ።

ቅድስናኦም ልዑል ስለዝነበረ ክቕድሱ ከለዉ ነቲ ሕብስቲ ብ ‘ከዊነ ሕጻን’ ክሳብ ምርኣይ በጺሖም ነበሩ። ትሩፋቶምን ቅድስንኦምን ርእዮም እቶም ኣበውን ካልኦት መነኮሳትን የኽብርዎንም የፍቕርዎምን ነበሩ። ብትሕትናኦምን ርድእንኦምን ኣዝዮም ይሕጐሱሎም ነበሩ። እቶም ኣቦ’ውን ንዘለዎም ጸጋ ርእዮም ንስኻ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ኣገልግል ናብ ካልእ ስራሕ ከም ምውራድ ማይ ዕንጨይቲ … ወቦ ዘተርፈ ኣይትኺድ ከኣ በልዎም። ሽዑ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣኅዋት ብቅንኣት ንምንታይ ከማና ማይን ዕንጨይትን ዘየምጽእ ኢሎም ኣዕዘምዘሙ። ንሶም ኸኣ ደሓን ኣቦይ ከምኣታቶም እናተለኣኽኩ ቤተ ክርስቲያን ከገልግል እየ ኢሎም ንክልቲኡ ተልእኾ ይፍጽሙ ነበረ። ዕንጨይቲ ተሰኪሞም ክኸዱ ከለዉ እቲ ዕንጨይቲ ሽዱሽተ እመትን ስድርን (ዳርጋ ፫ ሜትሮ ዝኣክል) ልዕሊ ርእሶም ክብ ኢሉ ማዕሪኦም ይኸይድ ነበረ። ንሶም’ውን ክልተ እመት ካብ መሬት ይለዓሉ ነበሩ። ማይ’ውን እንተኾነ ንብዙኅ መዓልትታት ከም ሰለል እናበለ ካብ ምድሪ ተላዒሉ ይኸይድ ነበረ፤ ማለት መሬት ከይተንከፈ ይኸይድ ነበረ። ንሶም ኸኣ እቲ ጾር ፈጺሙ ከይተሰምዖም ብኢዶም እናጣቕዑ ብእግሮም’ውን እናስረገጹ ብኣፎም መዝመረ ዳዊት እናዘመሩ ይኸዱ ነበሩ።

ብድኅሪኡ እቶም ብማኅበር ሓድነት ዝናበሩ አባ ተጠምቀ መድኅን ዜና ኣቦና ምስ ሰምዑ፡ ረኸብዎምን ተሓጒሶም ኣብ ገዳም ቱፋላ ብፍቕርን ብሰላምን ክነብሩ ኸኣ ተረዳድኡ። ድኅሪ ነዊሕ ጊዜ ኵሎም እቶም ኣኅዋት ንኣባ ተጠምቀ መድኅን እዚ ዘሎናዮ ቦታ ጥቃ ዓድታት ስለ ዝኾነ ከምቲ ሕጊ ምንኵስና ካብ ኣዝማድና ርሒቕና ገጽ ኣንስቲ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ከይድና ገዳም ንገድም በሉዎም፤ ከምኡ ድማ ገበሩ። ኣቦና አቡነ አብራንዮስ ኸኣ ኣብታ ገዳም ብርድእናን ብመጋቢነትን ብትግሃት የገልግሉ ነበሩ። ከም ኣብነት ዝስተ ማይ ዘመጽኡሉ ቦታ ግና ኣዝዩ ርሑቕን ዓቐበን ስለዝነበረ እቶም ካልኦት ኣኅዋት ክልተ ጊዜ ጥራይ ከምጽኡ ከለዉ ኣቡነ ኣብራንዮስ ግን ሸውዓተ ጊዜ የምጽኡ ነበሩ።

ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎ ድማ ብፍቓድ ኣምላኽ ክህነት ካብ ኣቡነ ክርስቶዶሉ ተቐበሉ። ንኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኣተዉሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ልብሰ ተክህኖ ዘአሮን ተልብሶም እሞ ናብ ከዊነ እሳት ይልወጡ ነበሩ። ኣብ ሞንጎ ቅዳሴኦም’ውን ሰማይ ተኸፊቱ መንበረ ሥላሴ ይረኣዮም ነበሩ። ሕብስት ናብ ፍጹም ሥጋ መለኮት ወይኒ’ውን ናብ ፍጹም ደም ወልደ እግዚአብሔር ክልወጥ ይርእዩ ነበረ። ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን ብኣምሳለ በጊዕ ብኣምሳለ ሕጻን ይረኣዮም ነበረ። ብጀካ እተን ክልተ መዓልትታት (ሰናብቲ) ኵሉ ጊዜ ይጾሙ ነበሩ። ኣብተን ክልተ መዓልትታት እንተኾነውን ብኢዶ ዓቂኖም ንእሽቶይ ብመጠን ይበልዑ ነበሩ። ማይ’ውን ብመጠን ዘየርውይ ገይሮም ይሰትዩ ነበሩ።

ከም ዓንዲ ተተኺሎም ይጽልዩ፡ ስግደት ከም መላእኽቲ ክቑጸር ብዘይከኣል ይሰግዱ፡ ረሃጽ ከም ፈልፋሊ ማይ ይውሕዝ ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ክዳኖም’ውን ብሓጺን ዝተሰርሐ ዝባላዕ ጨጓር ማቕ  ይኽደኑ እሞ ኣይድቅሱን ነበሩ። ብደበና ተጻዒኖም ክሳብ ፯ይ ሰማይ ይበጽሑ (ጽርሐ አርያም) እሞ ኣብ ቅድሚ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከኣ ይሰግዱ፡ ምስቶም ፳፬ ካህናተ ሰማይ ኮይኖም ሓቢሮም ማዕጠንት ሒዞም ክሳብ ምዕጣን በቒዖም ነይሮም።


ምስቲ ኵሉ ብቕዓቶም ኸኣ ምንኵስናኦም ብዝያዳ እናጽንዑን እናበትርዑን ብገድልን ብትሩፋትን ኸኣ እናዓበዩ መጹ። ኣብ ልዕሊ ገድሊ ገድሊ፡ ኣብ ልዕሊ ትግሃት ትግሃት እናወሰኹ ንሸውዓተ ዓመት ብጀካ ኣባ ኤዎስጣቴዎስ ዝተባህለ ረድኢ ካልእ ከይረኣዮም ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ፀሓይን ወርኅን ከይረኣዩ ድኅሪ ምጽናሕ ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ግና ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ብምምጻእ ናብ ትግራይ ክኸዱ ስለዝነገሮም ብሰረገላ ተጻዒኖም ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከብ መደባይ ወይውን በአተ ሐሞ እግዚእ መጽኡ። ምስቶም ኣረጋውያን መነኮሳት ኸኣ ብፍቕርን ብርድእናን ክቕመጡ ጀመሩ። እንደገና እግዚአብሔር ባዕሉ “እዚኣ ሃገር ክፍልኻ ኣይኮነትን” ብምባል ተንሢኦም ናብ ኤርትራ ማለት ምድረ ሠራየን ሓማሴንን ቡርን ክሰግሩ ነገሮም። ኣብኡ ኸኣ ምስ ዓበይቲ ሽማግሌታት ምስ ዝኾኑ መነኮሳት ንቝሩብ ጊዜ ድኅሪ ምጽናሕ ናብ ኤርትራ ነቐሉ። እቶም መነኮሳት ኣኅዋት ከም ሰብ ዘይኮነ ከም መልኣኽ ገይሮም የፍቕርዎም ስለዝነበሩ ብብኽያት ተፋነዉዎም።

No comments:

Post a Comment