Monday, August 29, 2011

ጳጒሜን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

1.0 ስያመን ትርጉምን

ጳጒሜን ከምቲ ኵልና እንፈልጦ ድኅሪ መጨረስታ ወርሒ ነሓሰን ቅድሚ ምእታው ሓድሽ ዓመት መስከረምን ዝርከብ ዕለታት እዩ። ከም ልምዲ ኸኣ መበል ፲፫ ወርሒ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ፤ ምስቲ ኣብ ፍረ ዝበጽሕ ዘሎ እዋን ኣእካልን ጽልዋን ጕድኣት ተወሳኺ ማይ ክራማትን ብምትሕሓዝ ጸያቕ ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝቕጸለሉ ጊዜውን ኣሎ። ምስቲ ምውሓድ ናይቲ መዓልትታውን ደቂቅ ወርኅ ዝብልዎውን ኣለዉ።

እቲ ቃል ጥንቱን ሥርወ ቃሉን ካብ ጽርኢ ምዃኑ ይንገር፡ ሄፖጎሜኔ (epagomene) ድማ ይብልዎ። ትርጉሙ ድማ ወሰኽ ማለት እዩ። ተረፍ ዝብል ትርጉምውን ዝህበሉ ጊዜ ኣሎ። ሰባት ኸኣ ነዚ ወርሒ ንምጥቓስ ዝተፈላለየ ኣጸሓሕፋ ስያመ ይጥቐሙ፤ ጳጒመ(ን)፡ ጳጉመ(ን)፡ ጳጉሜ(ን)፡ ጳግሜ(ን) ገለ ካብኣቶም ኮይኖም ብሂል ምስ ባህሊ ዘዛመደ ብናይ ትግርኛ ውርሻዊ ኣበሃህላ ኸኣ ቋግመ (ቋግሜ) ወይውን ጓቝመ (ቋግሜ) ይበሃል። ቅብጣውያን Pi Kogi Enavot ወይውን El Nasii ኢሎም ይጽውዕዎ።

2.0 ቀመረ ጳጒሜን

ቤተ ክርስቲያንና ፍሉይ ካብ ዝገብራን ጥንታዊን መንፈሳዊን ሥርዓት ከም ዘለዋ ካብ ዝምስክሩ ነገራት እቲ ሓደ ባዕላ እትውንኖን ንኵሉ ሥርዓተ ኣምልኾታን ኣገልግሎታን እትጥቀመሉ ጥንታዊ ኀሳበ ዘመን (ካላንደር) ዘለዋ ምዃኑ እዩ። ምስ ናይ ካልኦት ባሕረ ሓሳብ ድማ ዝዛመደሉን ዝፈላለዪሉን ባህርያትን ኣገባብን እኳ እንተለዎ፡ መበቖላዊን ብገዛእ ርእሱ ንበይኑ ዝግለጸሉን ዝውንኖን ባህርያት ቀመር ዘለዎ ምዃኑ ኣብዚ ሞያ እዚ ሰፊሕ ፍልጠት ዘለዎም ሊቃውንቲ ዝገልጽዎ እዮም።

ካልኦት ብፍላይ ምዕራባውያን ብስም ‘ምትእርራይ’ በብእዋኑ መጽናዕቲ እናካየዱ ኣብ ሰብኣዊ ትንታነ ዝመርኮስ ቀመር ክኽተሉን፡ ካልእ ይትረፍ ንዕለተ ልደት ጐይታ እኳ ብግምት እምበር ብንጹር ክዛረቡሉ ኣብ ዘይከኣሉሉ ደረጃ ክበጽሑ ከለዉ፡ ቤተ ክርስቲያንና ግና ብሉያትን ሓዲሳትን ዘዛምድ ካብ ምፍጣር ዓለም ኣትሒዙ እግዚአብሔር ንዝገበሮ ዓበይቲ ግብርታት ዓመቱን ዕለቱን ሰዓቱን ኣርጊጹ ዝትንትን ባሕረ ሓሳብ ትውንን እያ። ስለዚ ኸኣ መዓልትን ዓመትን ከየዋቕዐት ዓመት መጸ በዓላት ኣጽዋማትን ብስሙር ንሕዝቢ ከተፍስስ ትነብር ኣላ። ዳርጋ ኵሉ ኣብዚ ኣቖጻጽራ ዘመን ዝርከቡ ስያመታት ዕለት፤ ኣዋርሕ ወቦ ዘተርፈ ኵሎም ሰማያዊን ምድራዊን ሥርዓት ዘዛምዱ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዘለዎም ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ኸኣ ኵሉ ሥርዓታ እንተላይ ባሕረ ሓሳባን ንሱ ዝጥቕልሎም ነገራትን ነንሕድሕዶም ሥሙራትን ኣብ ቅዱስ ቃል ዝተመሥረቱን ስለዝኾኑ ቤተ ክርስቲያንና ኣፍ ደገ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ምዃና ካብ ዘርእዩ ሳምዓት እቲ ሓደ ባሕረ ሓሳባታ ምዃኑ ክንፈልጥ ዘጸግም ኣይኮነን።

ናብቲ ዕምቘትን ርቀትን ዘለዎ ባሕረ ሓሳብ ከየጥሕለና ብዛዕባ ዝጀመርናዮ ጳጒሜን ክንምለስ። ኣብ ሓደ ዓመት ነፍስ ወከፎም ማዕረ ፴ ዕለታት ዝሓዙ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ነሓሰ ዝተዘርገሑ ፲፪ ኣዋርሕ ከም ዘለዉ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። እዚኦም ኣዋርሕ ኸኣ ብድምር ፫፻፷ መዓልትታት ይሕዙ። ይኹን እምበር ሓደ ዓመት ፲፪ ኣዋርሕ ወይውን ፫፻፷፭ን ርብዒ መዓልትን እዩ ክንብል ከሎና፡ ጳጒመ (፭ተ መዓልትን ርብዕን) ንበይና ከም ምሉእ ወርሒ ስለዘይትጽብጸብ ምስ ነሓሰ ለጊባ ብምቝጸር ምዃኑ ከም ርዱእ ሕሳብ ክንወስዶ ኣሎና። እዚ ልማድ ማለት ሕጹጽ ገዲፍካን ሕጹጽ መሊእኻን ምቍጻር ካብ እግዚአብሔርን ሰብን ዝተረኽበ ልማደ መጻሕፍቲ እዩ ይብሉ ሊቃውንቲ። (እስመ ልማደ መጽሐፍ ይነግር ኊልቈ ፍጹመ ወምሉዓ ወየኃድግ ዘተርፈ ወይዌስክ ዲበ ሕፀፅ) (ዘፍ ፲፭፥፲፫ ዘፀ ፲፪፥፵ ጥበ ፯፥፪) ነዚ ልማድ መጻሕፍቲ ተኸቲሎም ብሰንኪ ሕጸጽ፡ ጳጒመ ስለዝነኣሰት ንዓመት ብወርሒ ክፍቕድዎ ከለዉ ፲፪ እምበር ፲፫ ኣዋርሕ ኣይብሉን እዮም። ከም ኣብነት ቅዱስ ኤፍሬም ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ ነዚ ኣካይዳ ተኸቲሎም ካብ ዝጠቐስዎ “ተጸውረ በከርሣ ተስዐተ አውራኀ” ንዝበሎ እንተርኢናዮ ነተን ፭ተ መዓልቲ ገዲፉ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

ጥንታዊ ብዝኾነን ቤተ ክርስቲያን ብእትጥቀመሉን ግእዛዊ ቀመር ፴ ዕለታት ፩ ወርሒ፡ ፲፪ ኣዋርሕን ፭ ዕለታትን ርብዕን ኸኣ ፩ ዓመት ይኸውን። ፭ ዕለታትን ርብዕን ድማ ጳጒሜን ይበሃል። ወሰኽ ተረፍ ማለት እዩ። እቲ ዓመት’ውን ኣብ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ጳጒሜን የብቕዕ። በዚ መሠረት ኸኣ ፬ ዓመታት ፩ ዓውደ ዘመን ይኾኑ። እዚ ኸኣ ነፍስ ወከፍ ዓመት ፫፻፷፭ን ርብዕን ዕለታት ( ወይውን ፮ ሰዓታት ወይውን ፲፭ ኬክሮስ) ዘለዎ ኮይኑ ዘመነ ማቴዎስ ዘመን ማርቆስ ዘመነ ሉቃስ ዘመነ ዮሓንስ እናተባህለ በኣርባዕተ ወንጌላውያን ተሰይሙ ይርከብ። ናይዚኦም ፬ተ ዓመታት ጳጒሜናት ሰዓታቶም ክድመር ከሎ ኸኣ ፩ ምሉእ ዕለት ይኾኑ። ኣብቲ ራብዓይ ዓመት (ዘመነ ዮሓንስ) መእተዊ ኸኣ ፮ ዕለታት ብምዃን ናይቲ ባሕረ ሓሳብ ቅመራ ይኽተት (ይጠናቀቕ)። እቲ ናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ዓውዲውን ከምኡ በብኣርባዕተ ዓመት ይዕጾ።

እዚ ኣቀመምራ ኸኣ ካብቲ ዳኅራይ ዝተለወጠ ምዕራባዊ ቀመር ፈጺሙ ዝተፈለየ እዩ። ኣዋርሕ ብፀሓያዊ ዕለት ተቀሚሮም በብ ፴ እናኾኑ ፲፪ ኣዋርሕ ገይርካ ምሕሳብ ኣዝዩ ጥንታውን ዓመተ ኣዳም ዓመተ ኖኅ እናተባህለ ክንገረሉ ምስ ዝጸንሐ ታሪኽ ዝዛመድ ኸኣ እዩ። (ዘፍጥ ፯፥፲፩-፳፬ ዘፍጥ ፰፥፫-፭)

ጳጒሜ፡  ብመንጽር ቀመር ድማ ኣብ ልዕሊ ፲፪ ኣዋርሕ ናይ ዓመት ወሰኽ ዝብል ትርጉም ምሃቡ መወሰኽትኡ ፭ተ መዓልትን ርብዕን ስለዝሓዘ እዩ፤ ብካልኣይ ትርጉሙ ከኣ ካብ ዓውደ ወርሕ ስለዝተረፈን ኣብ መወዳእታ ዓመት ስለዝተረኸበን ተረፍ ይብሃል። እቲ ርብዒ ድማ ኣብ ፬ ዓመት ይመልእ እሞ ፭ተ ዝነበረ ፮ተ ይኸውን። እዚ ከኣ እቲ ሻዱሻይ ጳጉሜ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ብሰዓትን ብኬክሮስን ኣብ ኣርባዕተ ኸፊሎም ስለዝተማቐልዎ ከምቲ ኃሙሻይ ኣብ አበቅቴ ኣትዩ ኣይቝጸርን  እዚ ማለት ኸኣ ከም ፭ይ ጳጒሜን ንነፍስ ወከፎም ወንጌላውያን ስለ ዘይበጽሖም ምስ ዓውደ ዓበቅቴ ኣትዩ ኣይቝጸርን እዩ።

ናብቲ ቀንዲ መወከሲ ባሕረ ሓሳብ ዝኾነ ኣቡሻኽር ክንምለስ ከሎና’ውን ናይ ጳጒሜን ነገር ካብ ጥንቲ ብወገን ኣይሁድ’ውን ይኹን ብድኅሪኡ በዓለ ትንሣኤ ንምውጻእ ኣብ ዝተገብረ ሕሳብ ነገረ ጳጒሜን ብካልእ ኣገላልጻ ይሕሰብ ከምዝነበረ የመልክት።  “በከመ ይትፌጽም በኀቤሆሙ እምነ ክፍለ መዋዕል ዘማዕከለ ዓመት ፀሐያዊት ወወርኃዊት ወውእቱ ፲ወ፩ ዕለት ወይሰምይዎ ለወርኃ ሠግር ጳጒሜን ዘውእቱ ተረስኦ” (ኣብ ሞንጎ ዓመተ ፀሓይን ወርኅን ካብ ዘለዎ መዓልትታት ኣብኣቶም ከምዝፍጸም እዚ ከኣ ፲፩ መዓልቲ እዩ። ነቲ ወርሒ ሠግር ድማ ጳጒሜን ይብልዎ፤ ዝተረስዐ ማለት እዩ) ይብል።

እግዚአብሔር ንዝሰርዖ ረቂቕ ሥርዓተ ምድር ይኹን ሰማይ ዝተገልጸሉ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ሄኖክ ብዛዕባ መገብቲ ከዋክብቲ ኣብ ዝገለጹሉ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ ኵሉ ፍጥረታትን ኵሎም ከዋክብትን ዝተሾሙ ኣሕሉቕ ዝመርሕዎም መገብቲ ወርሒ፡ ዝመርሑ ናይ ፺፩ መገብቲ ይኣትዉ ይወጹ። ምስ ዝውሰኽዎም ናይ ዘመን ቍጽሪ ጸኒዑ ምእንቲ ክነብር ካብ ሰፈሮም ካብ ዘይፈለዩ ምስ ፬ ከዋክብቲ ኮይኖም ይኣትዉ ይወጹ። ምስቲ ቍጽሪ ዘመን ዘይቍጸሩ እዚኦም ከዋክብቲ ነቶም ኣርባዕተ ጳጒሜን ይምግቡ።…” (ሄኖ ፳፬፥፩-፮) ኣስዒቡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ጳጒሜን ዝተሾመ ድማ ቅዱስ ዑራኤል መልኣኽ ምዃኑ ይገልጽ።

3.0 ሊቃውንትን ጳጒሜን

ወርሓ ጳጒሜን ንናይ ባሕረ ሓሳብ መምህራን ብፍላይ ንሊቃውንቲ ኸኣ ፍሉይ እዋን እዩ። ነቲ ኣብ ምእታው ሓዲሽ ዓመት ወጋሕታ ኣብ ምእመናን ንዝእከቡ ምእመናን ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝውዕሉ ኣጽዋማትን በዓላትን ብቃሎም (ብዘይ ወረቐትን ብዕርን) ብጥንቃቐ እናስተንተኑ ንምእዋጅ (ንምፍሳስ) ምድላዋት ዝገብሩሉ እዋናት እዩ።  ምስኡ ኸኣ ነቲ ቀመራትን ባሕረ ሓሳባት ዘመናትን ምዕዋዶምን ደጊሞም ዝሓስቡሉን ዝራቀቕሉን እዋን ከኣ እዩ።

ገለ ሊቃውንቲ ኸኣ ጳጒሜን ምስ ጥንተ ፍጥረት ኣዛሚዶም ዘመሥጥርዎ ኣበሃህላ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ጳጒሜን ናይ መበገሲ ዓመት እምበር መወዳእታ ኣይኮነን ዝብሉሉ መገዲ እዩ። ሰማይን ምድርን ካብ ዝተፈጥረሉ ቀዳማይ መዓልቲ ኣትሒዙ ክሳዕ ኃሙሻይ መዓልቲ ካልኦት ፍጥረታት እምበር ሰብ ኣይተፈጥረን። ኣዳም ዝተፈጥረ ኣብ ፮ይቲ መዓልቲ ብምዃኑ ቅድሚ ኣዳም ዝነበሩ መዓልትታት ከም ኃሙሽተ መዓልቲ ጳጒሜን ይወስድዎም። ከምዚ ኸኣ ይብሉ “ብዛዕባ ጳጒሜን ክተፈልጥ እንተደሊኻ ነታ ቀዳመይቲ ዕለት፡ ጽባሒታ፡ ሣልስታ፡ ራብዕታ፡ ኃምስታ እዚኦም እዮም ፭ ዕለታተ ጳጒሜን። እዚኦም ዕለታት ቅድሚ ፲፪ተ ኣዋርሕ ስለ ዝተፈጥሩ ክሳዕ ሎሚ ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምእታዉ ይቕድሙ ኣለዉ” ይብሉ። እዚ ግና ተምሳሌያዊ ኣገላልጻ ተባሂሉ ክረአ ይከኣል።

4.0 ትምህርትን መልእኽትን ጳጒመ

ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጳጒሜን ርእሱ ዝኽኣለ መንፈሳዊ ትምህርትን መልእኽትን ኣለዎ። በዚ መሠረት ድማ ኣብ ዕለታት ጳጒሜን (ብፍላይ ሰንበት ምስ ዝውዕል) ዝነበባ ንባባትን ትምህርትታትን ከኣ ነዚ መልእኽቲ ዘመላኽቱ እዮም። ነቲ መጽሓፋዊን ትውፊታዊን መሠረት ኸኣ ተኸቲሉ ኣብዚ እዋን እዚ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ይዝከር፤ ሰባት ድማ ነዚ እናዘከሩ ወትሩ ነፍሶም ክምርምሩን ክንስሑን፡ ተዳልዮምን ነቒሖም ክጸንሑ ትምህርታዊ ምዕዶን መጠንቀቕታን ይወሃቦም። ናይ ፍቓድ ጾም ይጾሙ። ምስ ኣምላኾም ብጾምን ብጸሎትን ይራኸቡ፤ ብተምሳል ምልክት ንጽሕና ዝኾነ ማየ ጸሎት ከኣ እናተሓጽቡ በረኸትን ፈውስን ይረኽቡ። ኣብ ጳጒሜን ካብ ዝግበሩ ንገሊኣቶም ንትምህርቲ ክኾነና ጠቐስና ደኣ እምበር ከም መዕጸዊ ኣረጊት ዓመትን፡ ምጅማር ሓድሽ ዓመትን ሰባት ንርእሶም ዝግምግሙሉን ንዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ድማ እግዚአብሔር ምሕረቱን ረድኤቱን ከብዝኃሎም እናለመኑ፡ ንዝበለጸ ሥራሕ ንርእሶም ዘዳልዉላ እዋን ተባሂላ’ውን ትፍለጥ እያ። ንገሊኣቶም ድማ ቊሩብ ኣስፍሕ ኣቢልና ክርእዮም ኢና። 

1 comment:

  1. Very interesting topic. I can't wait for the second part.
    God bless your services.

    ReplyDelete