Thursday, September 1, 2011

ጳጒሜን (ካልኣይ ክፋል)

4.1 ጾም

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዉ ናይ ፍቓድ ኣጽዋማት እቲ ሓደ ኣብ ወርሒ ጳጒሜ ዝጽወም እዩ። እዚ ጾም’ዚ ጾመ ዮዲት ተባሂሉ’ውን ዝፍለጠሉ ጊዜ ኣሎ፤ ይኹን ደኣ እምበር ብልምዲ እምበር ክንዲ እቲ ካልኣይ ናይ ፍቓድ ጾም ማለት ጾመ ጽጌ ብዙኅ ፍሉጥ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን። 

ጾመ ዮዲት መሠረቱ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን እተፈጸመ ኮይኑ ካብቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን እተሰርዑ ፱ ኣጽዋማትን በዓላትን (መጥቅዕ፡ በድር፡ መጸለት፡ ጾመ ኣይሁድ፡ ፍሥሕ፡ ልበ ምድር፡ በዓለ ሠዊት፡ ጾመ አስቴር፡ ጾመ ዮዲት) ኸኣ ሓደ እዩ። መጥቅዕ እዚ ጾም ኸኣ ኣብ ነሓሰን ጳጒሜን ኮይኑ ብፍሉይ ኸኣ ብ፰ ብ፲ ብ፲፪ ብ፲፫ መጥቅዕ ጊዜ ኣብ መስከረም ፬ ጊዜ ዝኾነሉ ኣሎ። ተውሳክ ጾመ ዮዲት ፳፰፡ ፳፰ን ፲፭ ፵፫ ይኸውን። ነቲ ፴ ገዲፍካ ፲፩ ይተሓዝ። ስለዚ ኸኣ ጾመ ዮዲት ካብ ፯ መስከረም ንላዕሊ ኣይድይብን። ካብ ፲፰ ነሓሰ ካብ ፭ ጳጒሜን ፮ መስከረም ክመላለስ ይነብር።    

ጾመ ዮዲት ተባሂሉ ምፍላጡ’ውን ንሳ (ዮዲት) ስለዝጾመቶ እዩ። ምሉእ ታሪኹ ኣብ መጽሓፈ ዮዲት ከም እንረኽቦ ንጉሠ ፋርስ ናቡከደነጾር ብዝነበሮ ሠራዊት ተመኪሑ ኣብ ጐረባብቱን ርሑቓት ሃገራትን እናወረረ ግዝኣቱ የስፍሕ ሃብቱ ድማ የደላድል ነበረ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላምኡ ኸኣ ኣዛዚ ሠራዊቱ ዝነበረ ሆሎፎርኒስ ቀንዲ ትእዛዝ ተቐባሊን ኣተግባሪን ነበረ። (ዮዲ ፪፥፪-፯) ኢየሩሳሌም’ውን ከም ኣካል ናይቲ ዞባ ግዳይ ናይዚ ወራር ኮይና ብዙኅ ዕንወት ወሪድዋ ነበረ። ደቂ እስራኤል ኸኣ ኣዝዮም ሓዚኖም ኣብ መሪር ብኽያትን ቍዘማን ወዲቖም ዝነበሩሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ግና ሰብኣያ ዝሞታን ንጽሕ ሓልያ ብጾምን ብቀኖናን ተወሲና ትነብር ዝነበረት ኣይሁዳዊት ዮዲት፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝበ እስራኤል ብዝወረደ ጥፍኣትን ብዝመጸ መከራን ማቕ ተኸዲና ኣብ ርእሳ ሓሙዅሽቲ ነስኒሳ ናብ እግዚአብሔር ትበኪ ነበረት። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኸኣ ሕዝቢ ዝድኅነሉ መገዲ እግዚአብሔር ከመልክታ ሱባኤ ኣተወት። ንዝልምንዎ ቀረባ ዝኾነ ፈጣሪ ኸኣ ጸሎታ ሰሚዑ ኣብ ሣልስት ምላሽ ሃባ። በቲ ምኽሪ ተመሪሓ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሠራዊት ፋርስ ዓወት ተጐናጺፎም እዮም።

ዮዲት ንጸላእቲ እስራኤል ከተጥፍኦም ዝኸኣለት ብጾምን ብጸሎትን ካብ ኣምላኽ ኃይልን ጥበብን ስለዝረኸበት እዩ። ምእመናን ድማ ንዮዲት ኣብነት ገይሮም ፈቓደ ሥግኦም ንምሥዓርን ኣብ ልዕሊ ዝጻብኦም ጸላኢ ሰናይ ዘበለ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይሊ ንምርካብን ጳጒመ ብፍቓዶም ይጾምዋ።

4.2 ማየ ጸሎት

ኣብዚ ቅንያት ብፍቓድ ካብ ዝፍጸም እቲ ካልእ ኸኣ ናብ ማየ ጸሎት ወይውን ኣንጊህካ ሩባ ብምውራድ ዝፍጸም ምሕጻብ ማየ ጸሎት እዩ። ሰባት እግዚአብሔር ብዝባረኾ ማየ ጸሎት እናተሓጽቡ ብዙኅ በረኸትን ካብ ዝተፈላለየ ሕማማት ይፍወሱ ከምዝነበሩ ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብሰፊሑ ዝተፈልጠን ዝተመስከረሉን እዩ። ዋላ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ’ውን ብፍላይ ኣብ ዕለተ ፫ ጳጒሜን መዓልቲ ሩፋኤል ዝዘንብ ማይ እኳ ከይተረፈ፡ ከም ማየ ጸሎት ስለዝሕሰብ ሰባት ካብቲ ዝዝነብ ማይ ብፍቓዶም ኣብ ልዕሊኦም ክጽሒ እምበር ከዕቅሉ ኣይረኣዩን እዮም።

ኣብ ወርኃ ጳጒሜን ብፍሉይ ከምዚ ዓይነት ነገር ናይ ምፍጻሙ ኣብነት ወይውን መሠረት ኸኣ ጻድቕ ኢዮብ እዩ። ኢዮብ ኣብ ከባቢ ዘመነ ኣብርሃም ዝነብር ዝነበረ ብእግዚአብሔር እተመስከረሉ ጻድቕ ሰብ ነበረ። ምቕማጡ ኣብ ምድሪ ዑፅ ዝነበረ ኮይኑ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብ ከም ዝነበረ ኣብቲ ብስሙ እተሰየመ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ንሱ ኸኣ ሾብዓተ ኣወዳትን ሠለስተ ኣዋልድን ዝነበርዎን ብጥሪትን መጓሰን ኣዝዩ ሃብታም ከምዝነበረ ይፍለጥ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከሳሲ (ዲያብሎስ) ስለዝረኸበ እምነቱን ትእግስቱን ከምዝተፈተነን፡ ኣብ ኵሉ ድማ ጸኒዑ ስለዝተረኽበ እግዚአብሔር መሊሱ ብዙኅ ጸጋ ዝሃቦ ኣቦ እዩ።

ኵሉ ኣብቲ ሰብነቱ ዝወረደ ሕማምን መከራን ከምኡውን ኣብ ስድራኡ ዝበጸሐ ሞት ከኣ ብትእግስቲ ተቐቢሉ ድኅሪ ምንባር እቲ ጊዜ ፈተና ኣብ ዝተወድኣሉ እግዚአብሔር ብዘመልከቶ ናብ ፈለገ ዮርዳኖስ ወሪዱ ከምዚ እዋን እዚ ከምዝተሓጽበን ካብ ኵሉ ሕማሙን ኣቝሳሉን ከምዝሓወየን ሓድሽ ቍርበት ከምዝተዋህቦን ከምዝተሓደሰን ነቲ ዝሰኣኖ ዘበለ ድማ ካብ ቀዳማዩ ብዝበዘኀ ባሪኹ ከምዝሃቦን ታሪኽ ሕይወቱ ይገልጽ።

በዚ መሠረት ኸኣ ሎሚ’ውን እዚ ትውፊታዊ ሥርዓት ተዓቂቡ ሰባት ነፍሶም ብንሥሓ ከምዝሕጸቡ፤ ብናቱ ተምሳል ኸኣ ናይ ጽርየትን ንጽሕናን ተሓድሶን ሰብነት ምልክት ኮይኑ ወትሩ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ማየ ጸሎት ክንሕጸብ ንረአ። በዚ መገዲ ኸኣ ነቲ ብማየ ጸሎት ክርከብ ዝከኣል በረኸትን ፈውስን ድማ ካብ እግዚአብሔር ይርከብ።

4.3 ስብከተ ምጽኣትን ንስሓን

‘ወርሒ’ ጳጒመ ዕለተ ምጽኣት ብፍሉይ ዝዝከረሉ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ደጋጊሙ ንሓዋርያት ዝነገሮምን፡ ብድኅሪኡውን ቅዱሳን መላእኽትን ሓዋርያትን ዝመስከርዎ፡ ጐይታ ካልኣይ ጊዜ ክምለስን ንኵሉ ድማ ከከም ግብሩ ከምዝፈድዮን እዩ። እወ ጐይታ ክመጽእ እዩ። እዚ ስብከት ከኣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዓንድታት ትምህርትን ምሥጢራትን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ ወትሩ በብኣጋጣሚታቱ ዝንገርን ዝስበክን ስብከት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ነገረ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ብፍሉይን ብስሩዕን ኣብ ዓመት ካብ ዝንገረሎም ሠለስተ እዋናት እቲ ሓደ ቅንያት ጳጒሜን እዩ።

ተምሳሉ ኸኣ ባዕሉ እቲ ዘመን እዩ። እዚ ኸኣ ጳጒመ ናይ ዓመት መሰጋገሪ፡ እቲ ጸልማት ወርሓ ክረምቲ እናብቐዐ ዝኸደሉ ናብቲ ሓድሽ ዘመንን ብርሃንን እናሰገረሉ ከምዝኾነ፤ ምጽኣት’ውን ካብ ጊዜያዊ ናብ ዘለዓለማዊ፤ ካብ ምድራዊ ናብ ሰማያዊ፤ ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም መሰጋገሪ እዩ። ጳጒሜን ሓደ ዘመን ኣበቒዑ ናብቲ ካልእ ሓድሽ መሰጋገሪ ስለዝኾነ ፍጻሜ ዓለም’ውን (ምጽኣት) ደቂ ሰባት ካብዚ ሓደ ምዕራፍ ናይዚ ዓለም ናብቲ ካልእ ገጽ ምዕራፍ ሓዲሽ ዓለም ዝሰጋገሩሉ እዩ። ስለዚ ተምሳሉ ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ዝተተሓሓዙን ነገረ ንስሓ ዘዘኻኽሩን ንባባት ይንበቡ፤ ደቂ ሰባት እምነቶም ኣጽኒዖም፤ ሰናይ ግብሪ እናገበሩን ስለቲ ዝበደልዎ ኸኣ ንስሓ እናኣተዉ ተዳልዮምን ነቒሖምን ከምቶም ለባማት ኮይኖም ንኣምላኾም ክጸንሕዎ ከምዝግባእ ዝመልእኽቶም ስብከታትውን ይስበኹ።

4.4 ምስጋናን ልማኖን

ደቂ ሰባት ብኣምሳልን ኣርኣያን ሥላሴ ምፍጣሮም፡ ንፈጣሪኦም እናመስገኑ ንኽነብሩን ንሱ ዘዳለወሎም ዘለዓለማዊ መንግሥቲ ንኽወርሱን እዩ። ሰባት’ውን ንቅዱሳን መላእኽቲ ካብ ዝመስልሉ እቲ ቀዳማይ ድማ ንኣምላኾም ከምስግኑ ምፍጣሮምም እዩ። ወትሩ ንእግዚአብሔር እናመስገንና ክንነብር ከምዝግባእና ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝእዝዙና እዮም።

ወርኃ ጳጒሜን ኸኣ ነቲ ዝሓልፍን ዝኽተትን ዘሎ ዘመን ዘኪርና፡ ኣብቲ ኵሉ ምውጻእናን ምእታውናን፡ ምውራድናን ምድያብናን እግዚአብሔር ንዝገበረልና ነገር ኣስተውዒልና ከነመስግኖ ከምዝግባእ ዘዘኻኽር እዩ። ስለቲ ኵሉ ዝገበረልና ነገር ንእግዚአብሔር ክንከፍሎን ውሬታ ክንመልሰሉን እንኽእል ነገር የልቦን፤ እታ ሓንቲን ቀንድን ክንገብራ ዝግባእና ነገር ምስጋና እያ። ዘየምስግን ወለዶ ምኵናኑ ዘይተርፎ ኸኣ እዩ። ብሓቂ ድማ ርግእን ህድእን ኢልና በቲ ዝሓለፈ ንእግዚአብሔር ዝበደልናዮ ነገር እናተነሳሕና፡ ስለቲ ኵሉ ዝገበረልና ድማ ተመስገን ክንብሎ ዝግብኦ ምዃኑ መዕጸዊ ዓመት ዝኾነት ጳጒሜን መንቕሒ ደወል እያ። ኣይኮነን ግና ከምቶም ተገይሩሎም ከብቕዕ ከየመስግንዎ ዝተረፉ እሞ እቲ ሓደ በይኑ ምስ ተመልሰ “እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ?” ከምቶም ዝተባህለሎም ከይንኸውን ርእስና ንመርምር።

ናይቲ ዝሓለፈ ምልስ ኢልና ዘኪርናን ኣስተውዒልናን ኸኣ ንመጻኢ ክንከዶ ዝግባእ ሕይወት ብመሠረት ቅዱስ ቃሉ ንክንቕይሶ ዝግባእና እዋን እዩ። ስለቲ ኵሉ ዝጐድለናን ዘድልየና እሞ ዘይረኸብናዮ ኸኣ ናብቲ ኣቦ ኢልኩም ጸዉዕኒ ዝበለ ጐይታና ክንልምንን ነቲ ዝመጽእ ዘመን ኸኣ ክባርኸልናን ክቕድሰልናን እንምኅፀነሉ እዋን እዩ። ኳሕኳሑ ክረኃወልኩም፤ ለምኑ ክትረኽቡ ኢኹም ዝበለ ጐይታ ደቁ ዝኾንና ክንልምኖ ፈቒዱልና እዩ። ዝለመናንዮ እሞ እቲ ዘድልየና ክህበና ቅዱስ ፈቓዱ እዩ እሞ እዚ እዋን ኸኣ ነቲ ዘሎናን ዘይብልናን ከነለሊ፡ ስለቲ መጻኢ ኸኣ ዘድልየና ክኸውን እንደልዮ ሰናይ ነገር ናብ ኣምላኽ እንልምነሉ እዩ።

4.5 ጸብጻብ

እዚ እዋን’ዚ ሓደ ዓመት ተፈጺሙ ናብቲ ካልእ ሓድሽ ዓመት እንሳገረሉ እዩ። ነቲ ሓድሽ ዘመን ብሓድሽ ኅሊናን ተበግሶን ንምቕባሉ ኸኣ ነቲ ዝሓለፈ ዘመን ምግምጋሙ ዝነበረን ዝጸንሐን ኣገዳሲ ክፋል ሕይወት እዩ። ጳጒሜ ኸኣ መዕጸዊ ዓውደ ዓመት እያ። ነቲ ብባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ዓውደ ዓመት ኣብዘን መዓልታት ንኸይምለስ ይሓልፍ። ዝኾነ ስራሕ ከምቲ እተወጠነሉ ጽቡቕ ዶ ክስራሕ ጸኒሑ ዶ ወይውን ኣሎ? ከመይ ከ ይገባገብ ኣሎ ኢልካ ምግምጋም ነቲ ስራሕ ኣዝዩ ሓጋዚ፤ ነቲ ዝመጽእን ዝተረፈን ኸኣ ኣመላኻቲ ከምዝኾነ ዘይከሓድ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ሓንሳብ ደው ኢልና ክንሓስብ ከምዝግባእና የዘኻኽረና እዩ።

ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብ ዝኾነ ስራሕ ጸብጻብ ምቕራብ ዘድልየ። ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ኣቐዲሙ ተቐሚጡ ዘይመክር፡ ብዛዕባ መደባቱ ርግእ ኢሉ ዘይሓስብን ጀሚሩ ኣብ ምውድኡ ከይጽገም ኸኣ ነቲ ዘለዎን ዘይብሉን ምጽብጻብን ምስራዕን ዘየግድሶ የልቦን። ወርኃ ጳጒሜን ኸኣ ናይቲ ዝዕውድ ዓመት መኽተቲት ከምዝኾነት ንሕና’ውን ስለ ነፍስናን ሕይወትናን ገምጋም እንገብረሉ ጸብጻባትና ነጻፍፈሉ ክኸውን ይግባእ። እቲ ዘይተርፍ ንሕተተሉ እዋን ከይመጸ ኣበይ ኣሎኹ? እንታይ ይገብር ኣሎኹ? ናበይ ከ እኸይድ ኣሎኹ? እንታይ ከ ኣፍርየ? ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ ሕቶታት ንርእስና ንሓተሉ ጊዜ እዩ። ኣይኮነን ግና “አይቴ ነበርከ፡ ምንተ ገበርከ” ምስተባሃልና ሕፈረትን ምድናን ርእስን ከይመጸ ንርእስና ጊዜ ፈሊና ካብ እንግምገመሉ እዋናት ሓደ ጳጒሜን እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግና ኵልሻዕ ርእስና ክንፍትሽ ከምዝግባእና ክሰሓት ዘይብሉ እኳ እንተኾነ ጳጒሜን ኸኣ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ኣብ ሕይወትና ኣገዳሲ ተራ ንዘለዎ ኣካይዳ ብቀዳማይ እትጥቀስ እዋን እያ።

4.6 ተሞቅሖቱ ለዮሐንስ

ካብ ባሕቲ ጳጒሜ ክሳዕ ባሕቲ መስከረም ዘለዉ መዓልትታት ‘ተሞቅሖቱ ለዮሐንስ’ ተባሂሎም’ውን ይፍለጡ። እዚኦም መዓልታት ኸኣ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ስለቲ ሓቀኛ ምስክርነቱን ተግሣፁን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝተሞቕሓሉ እዋናት ተባሂሎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዝከሩ። ፪ መስከረም ኸኣ ብኢድ ሄሮድስ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ሰማእትነት ዝረኸበሉ እዩ። 

1 comment:

  1. it is very nice script please keep it up.we are very happy by your what you are doing .

    ReplyDelete