Saturday, February 2, 2013

ካብ’ቲ ባሕሪ ጉድ ብጭልፋ! (ካልኣይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 
ቀሺ በረከት ኪዳነን ግብርታቱን
ስሙ ቀሺ በረኸት ኪዳነ ይብሃል። ትውልዱን ዕብየቱን ኣብ ከባቢ ሰበኻ ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ኣሥመራ ኮይኑ፤ ብዲቁና ኣብ’ዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ከገልግል ድኅሪ ምጽናሕ፣ ቅድሚ ፲ ዓመት ከም ታራ ሠራሕተኛ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ።

ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፤ ከም ርእሲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና መጠን ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት ክምደቡን፤ ክቝጸሩን ናይ ዘለዎም ኣገልገልቲ ብቝዕ መምዘንን ቕጥዕን ዘይብሉን ኣብ ፍታውን ውልቃዊ ሚዛንን ኣመሓደርቱ ዝተምርኮሰን ብምዃኑ፤ ንኻልእ ዘየድሊ ምትእትታዋት ቅሉዕ ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ፤ ንኸምዚኦም ዓይነት ክፉእ ዝግብሮም ሰባት ጥጡሕ ባይታ ከፊቱ ይርከብ። ከምኡ እንተዘይከውን፤ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ከም መጠን ወካሊን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኤርትራ፤ ይትረፍ ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ክሰርሑ፤ ጥቕኡ እኳ ክቐርቡ ዘይግብኦም ሰባት ከም ቀንዲን ተዋሳእትን ኮይኖም ክዋስኡሉ ኣይምተረኽቡን ነይሮም። ብዙኃን ምኩራትን ቅንኣት ሃይማኖት ዘለዎምን ሊቃውንቲ ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ልቦም ኣብ ልቦም ገይሮም ርእሶም ኣድኒኖም ብዘይ ሥራሕ ኣብ ዝመላለሱሉ ጊዜ፣ እዚ ዓቢዪ ቤት ጽሕፈት’ዚ፤ እቶም ከም ሠመረ ኣብ ዝኣመሰሉ ብመናፍቅነቶም ዝፍለጡ፤ ከም ቀሺ በረከት ዝኣመሰሉ ብኻልእ ብልሹውን ኣዝዩ ኣጸያፍን ተግባራቶም ዝልለዩ ሰባት ርእሶም ኣቕኒዖምን ምርኡያት ዋናታት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ክረኣዩ ኣይምተረኽቡን ነይሮም።

ስቕታ ተመሪጹ እምበር፤ ጸሓፊት ተሳኢና’ሲ፤ ካቶሊካዊት እመቤት ኣብ’ቲ ከም “መቅደስ” ዝቝጸር ቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ከም ዋና ጸሓፊት ኮይና ልዕሊ ፴/30 ዓመት ክትጸንሕ ኣይምኸኣለትን። እርኑብን ውርዙይን ኣከዳድና ዘይውንና ጎራዙ ኣዋልድ ኣብዚ መንፈሳዊ ቤት ጽሕፈት’ዚ ንየው ነጀው፤ ላዕልን ታሕትን ክብላ ኣይምተራእያን። ባሕታውያን ዝርከብዎም ኣቦታት ኣብ ኣፍ ደገ ደው ክሳዕ ዝብሉ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክኣቱ ዝፍቀደሉን ዘይፍቐደሉን ያኢ ኣርኣያ ክህነት ተሳኢኑስ ኣብ ኢድ “ገጽ ኣንስቲ” እምበይወደቑን ነይሮም። ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሰራሕተኛ እቲ ቤት ጽሕፈት ዘየለዉ ሰባት፤ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይምለከት ሥራሕ ብስም ኮንትራት ወርኃዊ ደሞዞም መመጺኦም ክወስዱ ክሳብ ዝግበር ኣይምተረኽበን ነይሩ። . . . ዝርዝሩ ብዙኅ እዩ።!

ኣብዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ሓደ ሰብ ብቀንዱ ብመንጽር ዕላማን ረብሓን ቤተ ክርስቲያን ብዘለዎ ብቕዓትን ዓቕምን ዘይኮነስ፤ ምስቲ ዕላማታቶም ንዝኸይድ ሰብ እዮም ቀዳምነት ሂቦም ክቆጽሩ ዝረኣዩ። ኣብዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ምስ “መንፈስ ኣመሓደርቲ” ብዙኅ ዘይቃደዉን ሕብሪ ዓይኖም ዘይፍተዉን ውሉደ ክህነት፤ ከበርክቱ ዓቕሚ ዘለዎም ክነሶም ተደርብዮም ዝነበሩን ዝርከቡን፤ ካብ ሥራሕ “ተለኣኻኽቲ” ወይውን ተመጣጣኒ ሥራሕ ዘይሰገሩን ኣብኡ ጥራይ ተደሪቶም ኣጒሎምን መኺኖምን ዝተረፉ ውኁዳት ኣይኮኑን። ዘሥርሖም ስኢኖም ጋዜጣታት ከንብቡ፤ ጕጅም ኢሎም ከዕልሉ፤ መጻሕፍትን ዜማን ክደግሙ ዝውዕሉ ክንደይ ኣለዉ! ካብ ናብ ክፍልታት ምስጋግር’ውን ከም ልሙድ ተርእዮ እዩ። ነቶም ተሞክሮ ዘለዎም እሞ ምስጓግ ንዘሰክፎም ድማ “ዘደስክልሉ” ክፍልታት ከምዘለዉ መን እዩ ዝስሕቶ፧! ነቲ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ ከተሥርሖ ዘይከኣልካ’ሲ፤ ብጐኒ ድማ ኰራኩር “ምምሕዳር” ኮይኖም ከገልግሉ ንዝኽእሉ ካብዚ መጺኦም ወይ እዚ ሞያ ኣለዎም ዘይብሃሉ “ሓደሽቲ ኣገልገልቲ” ክቍጸሩ ምርኣይ ልሙድ ነገር እዩ።

ናብ’ቲ ቀንዲ መበገሲ ጽሑፍና ክንምለስ ከሎና፤ ቀሺ በረኸት ምስቶም ቀንዲ ኣመሓደርቲ ዝብሃሉ ኣካላት ብዘለዎ ጥቡቕ ናይ ሥራሕን ረብሓን ዝምድና፤ ኣብቲ ቦታ ከስርሖ ወይውን ኣገዳሲ ዝኾነሉ ፍሉይ ሞያን ተሞክሮን ዘይብሉ ክነሱ፤ ኣብ ዝኾነ ዝተረኽበ ክፍሊ ኣትዩ እዩ ዝዋጢ። ሓንሳብ ከም ክፍሊ ርክበ ሕዝብ፤ ሓንሳብ ክፍሊ ስነዳ፤ ሓንሳብ ክፍሊ ዕድጊ፣ ሓንሳብ ክፍሊ . . . እናበለ ረብሕኡ ዘኻዕብት ዘሎ፤ ጕዳይ ውልቃዊ ረብሕኡ እምበር ረብሓ ቤተ ክርስቲያን ዘይግድሶ ሰብ እዩ። “ምምሕዳራዊ” ኣካል ኣብ ዝርከበሉ ዝኾነ ቦታ ድማ ከም ኣካል “ፕሮቶኮሎል” ኣስተናባርን ተወሳኺ ዕማም ዘሰላስል ዘሎ እዩ። እቲ ካልእ ዘይከሓድ ሥርሑ ድማ “እዝንን ዓይንን” ናይ ምምሕዳር’ውን ተባሂሉ ይእመነሉ እዩ።

እቶም ቀንዲ እኩይ መለለዪታቱ
ቀሺ በረኸት ቀንዲ ዝልለየሉ ሕማቕ ተግባራቱ መጠፋፍኢ ሃብትን ገንዘብን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ኣዝዩ ኣጸያፊ ተግባራት ተዋፊሩ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ እዩ። ካብኡ ናብኡ ከኣ ኣንጻር ክህነታዊ ሓላፍነቱ፤ ግዙእ ኣልኮላዊ መስተን፤ ፍሉጥ ዓሚል ዕሉላት ኣብያተ መስተን ኮይኑ፤ ምስ ኣመንዝራታት “ፍሉይ ርክብ” ዘለዎን፤ ፍሉይ “ፍቕርን” ውሉፍ ዓሚልን ለይታዊ ትልሂት ምዃኑን እዩ ዘሎና ጭቡጥ ሓበሬታ ዘረጋግጾ። ነዚ እነቕርቦ ዘሎና ሓውሲ ክሲ ዝኾነ ነጥብታት፤ ንርእሱ ኣሉ ዘይብለሉ፤ “ከይፍለጥ” ኢሉ ዝስከፈሉ እዋን ሓሊፉ፤ “እንተተፈለጥኩ’ውን” መን እንታይ ክገብር ብዝብል ብደዐ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ።

ንሕና ብተሓበበርትና ኣቢልና ኣብ ዝገበርናዮ ምጽራይ’ውን ብዙኅ ጊዜ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ ተመኺሩን ተማዒዱን ዘይሰምዐ ምዃኑን፤ ከም መጠን “ካህን” ኣብ ክንዲ ንዝተጋገዩ ዝመልስ፣ ባዕሉ ምስ ኣመንዘራታት ዝተዛመደ፤ ኣብ ክንዲ ንጸሎትን ምስጋናን ኣብ ማኅሌትን ሰዓታትን ዝቐውም፣ ኣብ ወጋሕ ትበል ለይቲ ዝገብሮ ምዝላል’ውን ስለ ጽድቂ ወይውን ወንጌል ኢሉ ከምዘይኮነ ብወገንና ዘረጋግጽናዮ ሓቂ ይኹን እምበር፤ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝተሠወረ ኣይኮነን። ኣድላዪ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን እምበር ናይ ሥእሊ መርትዖ’ውን ክቐርቦ ዝኽእል እዩ።

ኣበየናይ ኣብያተ መስተ ምስ ዕሉላት . . . ከምዝሰትን፤ ብቅሉዕ ጭዋ እኳ ዘይደፍሮ ኣጸያፊ ተግባራት ምስ’ቶም መዛምድቱ ከምዝፍጽምን፤ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን እምበር፣ ባራት ቸንትሮ ግና መሳኻኽርና እየን። ዳግማዊ መካነ ሰብአ ትካት ኮይነን ዘለዋ በዓል ኣጓዱ ሰምበል፣ ሞሎቨርን ዋርሳይን ኣፍ ኣውጺአን ዝምስክርኦ ሓቂ ከኣ እዩ። ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ካብቶም “ገበርትን ሓደግትን” ተባሂሎም ዝእመነሎም፤ እሞ ብፍሉይ እቲ ቀንዲ “ምምሕዳር” ከም “ኣገደስቲ ኣገልገልቲ” ቤተ ክርስቲያን ሓለፋ ካብ ዝገብረሎም ካህናት እቲ ሓደ ብኸምዚ መገዲ ክርከብ ከሎ፤ ክንደይ ነገር ክንጥርጥርን፤ ክንደይ ነገር ድማ ከነረጋግጽን መገዲ ዝኸፍት እዩ። ግና ከም ድሌቱ ክዕንድረሉ ዝኽእል ገንዘብ ብኸመይ መገዲ እዩ ዝረኽቦ፧ “ካብ’ቲ ሃብታም ሓምኡ እዩ ዝኸውን” ኢሉ ዝዕሾ ሰብ ዘሎ ኣይመስለናን። ግደ ሓቂ ግና ውልቃዊ መካይኑ ክሳዕ ምቅይያር ዘብጽሖ ዘሎ ሃብቲ ሰሪሑ ዘጥረዮ ኣይኮነን። “ቀዋሚ” ሥርሑ ደኣ እታ እንፈልጣ ቤት ጽሕፈትን፤ ካብ 1000.00 ናቕፋ ቍሩብ ሕልፊ ዘለዋ ደሞዙን እያ። ግና ክንዲ’ዚ ዝኣክል ምሸት ምሸት ዝብተን ምልኣት ገንዘቡ ካበይ ይመጽእ ኣሎ፧

ቀሺ በረኸት ካብ ቅድም ኣትሒዙ፤ ንንብረት ቤተ ክርስቲያን ናብ ውልቃዊ ረብሕኡ ከውዕል ከሎ ዝቈጻጸሮ ኣካል ኣይነበረን። ብዝደቀቐ ምሳሌ፤ ኣብ ኢዱ ንዝርከብ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት (ካሜራታት፤ ኮምፒተራት፤ ፕሪንተራት . . .) ንውልቃዊ ንግዱ ክጥቀመሉን፤ ኣብኡ እናኅተመ ገንዘብ ክእክብ ከሎ ግደፍ ዝብሎ ኣካል ኣይነበረን። ምኽንያቱ ካብቲ ረብሓታቱ ዝመቕሎምን ዘጥዕሞምን ኣያታት ስለዘለዉዎ፤ ንብረት ቤተ ክርስቲያን የባኽን ኣሎኹ ኢሉ ዝግድሶ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ሓደ ፍቓድ ንግዲ ዘይብሉ ትካል ንግዲ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ከፊቱ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። እናገበለን ዝያዳ እናተበላሸወን በቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ናይዚ ቤት ጽሕፈት ድማ እናተኣምነን ምስ መጸ፤ ብፍሉይ ኣብቲ መሓውራት ዓንኬል “ምምሕዳር” ከምዝኣቱ ተገይሩ። ኣብዚ ድማ ዝተፈላለየ “ረብሓታት” ክሓፍስ ጀሚሩ።

ከም ዕድጊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ “ዝዓየየሉ” ድማ ርኁው ማዕጾ ስለዝተኸፍተሉ፤ ምስቶም ዝዕድገሎም ትካላት ብምስምማዕ፤ ክንደይ ምድንጋራት ይፍጽም ከምዝነበረ ተዓዘብቲ ዝገልጽዎ እዩ። ኣድማስ ረብሕኡ ዘስፈሐ ቀሺ በረኸት፤ ኣብ ሓደ ማእከል ከተማ ኣሥመራ ኣብ ዝርከብ መሸጣ ትካል ኣብያተ ጽሕፈት (ስሙ ምጥቃስ ኣይተደልየን)፤ ዝፈጸሞ ናይ ፕሪንተራት ምድንጋር ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ተቐማጣይ ኣሥመራ ብምጡን ቀረብ ጋዝ ብቍጠባ ኣብ ዝናበረሉ ዘሎ እዋን፤ ናይቲ ብስም ቤት ጽሕፈት ተመዝጊቡ ተተመሊኡ ዝወጽእ እሞ ኣብ ውልቃዊ መዓላ ናይቲ ቀሺ በረኸት ዘማእክሎ ረብሓ “ዓንኬል ምምሕዳር” ዝውዕል ልዕሊ ፳/20 ባምቡላ ጋዛት ክንዛረብ’ዶ ክንገድፎ፧! ቅድሚ ፬ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ተኸዚኑ ዝነበረ እሞ ንግዳያትን ሕሙማትን ኤች ኣይ ቪ ሓገዝ ክወሃብ ተባሂሉ ዝተዳለወ ንብረት፤ ሽታ ማይ ኮይኑ ንኽጠፍእን ንኽስረቕን ዝለዓለ ኢድ ነይርዎም ተባሂሉ ተጠርጢሮም፤ ጕዳዮም ተድበስቢሱ ንኽሓልፍ ብ “ምምሕዳር” ሽፋን ካብ ዝተገብረሎም እቲ ብቀዳምነት ኣብዚ ስርቂ’ዚ ዝተጠርጠረ ቀሺ በረኸት እዩ ነይሩ። “ዓንኬል ምምሕዳር” ንበዓል ቀሺ በረኸት ሕጋዊ ከውሊ ድኅሪ ምሃብ፤ ግዳይ ንክኸውን ንዝደለይዎ ዲያቆን ዘርእሰናይ ጸጋይ ዝተባህለ ካብ ሥራሕ ከምዝሰጐግዎን፤ ብፖሊስ ኣትሒዞም ናይቲ ብስሙ ዝተመዝገበ ንብረት ክኸፍል ተሓታቲ ከምዝገብርዎን ከምዘኽፈልዎን ኵሉ ዝፈልጦ እዩ።

ቀሺ በረኸት ሥራሕ ቤተ ክርስቲያን “የሳልጥ” እዩ እናተባህለ ብወገን “ምምሕዳር” ብዝተፈቕደሉ ነዳዲ፤ ናይ ውልቁ መኪና ካብ ነዳዲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ እናመልአ፤ ውልቃዊ ጕዳዩን ቢዝነሱን የካይድ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊ ምቍጽጻር መካይንን ነዳድን ዝነበረ ዲያቆን ይትባረክ መብራህቱ፤ ነዚ ጕዳይ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከየብጽሕ ተባሂሉ ስለዝተፈርሀ ጥራይ ብዘይገበሮ ነገር ተመኻንዩ ካብ ሥራሕ ክስጐግን፤  ዘይምልከቶ “ውግዘት” ኣብ ልዕሊኡ ከምዝዓለበን ዓለም ብዓለሙ ዝዛረበሉ ጕድ “ምምሕዳር” እዚ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ እዩ። እቲ ዘደንፁ ድማ እዚ ዲያቆን’ዚ “ውግዘቱ” ከይተሓበሮን፤ እቲ ዘገልግለሉ ቤተ ክርስቲያን’ውን ነዚ ውግዘት ከይፈልጠን ከሎ፤ ኣብቲ ዘገልግለሉ ቤተ ክርስቲያን ክቅድስ ለቢሱ ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን፤ ኣብቲ ዕለት “ኣመሓዳሪ” መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቡ ስለዝነበረ፤ “ስለምንታይ ውጉዝ ክቕደስ ፈቒድኩሙሉ” ብምባል፤ ባዕሉ “ኣውጋዚ” ኮይኑ፤ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ብዝጥሕስ መገዲ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዝወጽእን፤ ካልእ ከምዝትክኦን ገይሩ እዩ። እምበኣር እዚ ኵሉ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ እዚ ብሕጊ ዝኸይድ ዲያቆን ክወረድ ዝኸኣለ፤ ብቀንዱ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ብቀሺ በረኸትን ኣሳሰዪቱን ንዝተገብረ ብልሽውና ነዳዲ ከየቃልዕ ተባሂሉ ምዃኑ ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፤ ብምኽንያት ዑደትን ስብከተ ወንጌልን ናብቲ ዝደለይዎ ክፋል ሃገረ ስብከቶም ከምቲ ዝመደብዎ ከይንቀሳቐሱ እገዳ ነዳድን መኪናን እናተገብረሎም፤ ከም ቀሺ በረኸት ዝኣመሰለ “ኣገልጋሊ” ግና “ዘሳልጦ” ነገር ኣሎ ብምባል ኣብ ዝምታ ነዳዲ ከምዝዋፈር ዝግበረሉ ቅዲ ስርቂ ካብ ዝኾነ ኣካል ሥዉር ኣይኮነን። ቀሺ በረኸት ቅድሚ ቍሩብ ዓመታት ክህነት ክቕበል ከሎ፤ ብሓቂ ከገልግለሉ ኢሉ ዘይኮነሲ፣ ካብቲ ሽዑ እዋን ንካህናት ዝንሕፍ ዝነበረ ወተሃደራዊ ተዓሊም ምእንቲ ክመልቝ ብ “ምምሕዳራዊ” ኣካል ዝተዋህቦ ምኽሪ እዩ ነይሩ። “ኵሉ” ኣብ ኢዱ ዘሎ “ምምሕዳር’ውን” ንኸሳልጠሉ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ኮይኑ ግና “ክህነት” ካብ ወተሃደራዊ ተዓሊም ዘየድኅነሉ ጊዜ ምስ መጸ ድማ ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሉ፤ ተዓሊም ኣብ ሕምብርቲ ምስ ተጀመረ፤ ፍሉይ ወረቐት ሒዙ ናብቲ ቦታ ተዓሊም ከምዝኸይድ ተገብረ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነሲ፤ እታ ንመንፈሳዊ ሥራሕ እትብቀቕ መኪና ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ’ውን ንተዓሊም ሕምብርቲ ዝኣተወት ክሳዕ ዝመስል፤ ምውዓላን ኣገልግሎታን ንሓለፍቲ እቲ መዓስከር ተዓሊም ተቐይራ ምንባራ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። እቲ ዘገርም ዝነበረ ተርእዮ’ውን፤ ቀሺ በረኸት ምስቶም ሓለፍቲ ተዓሊም ብዝመሥረቶ ፍሉይ “ዝምድና”ን፤ መተካእታ ከም ዘይብሉ ኣገዳሲ ኣባል ቤተ ክህነት ይውሰድ ብምንባሩ፤ ዳርጋ ነቲ ኣዋርሕ ዝወሰደ ተዓሊም ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ብናይ ርሑቕ ተዓሊም (ኮረስፖንደስ) ክውድኦ ከሎ፤ ካብኡ ናብኡ እታ ንእኡ ዝተመደበት መኪና ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ግና ብኣካል ኣብቲ መስከር “ግቡኣ” ፈጺማ እያ። እምበኣር እዚ ብልሽውና’ዚ ዘይዛርበና እንታይ ከዛርበና እዩ፧! ንመመረቕታ ጥራይ ተባሂሉ ብዝግለጽ ኣገባብ፤ ዝተመረቐ ቀሺ በረኸት፤ ካብቶም ንኸምዚ ተዓሊም ዝወረዱ ኣማኢት ካህናትን ዲያቆናትን ብፍሉይ ኣገደስቲ ተባሂሎም ኣብ ውሽጢ መዓልትታት ብህጹጽ ናብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተመልሱ ፬ ወይ ፭ “ኣገልገልቲ” ከምዝነበረ ይፍለጥ። ክንደይ ሊቃውንትን ካህናትን ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝስሕቦም ስኢኖም፤ ጥርዓኖም ጸማም እዝኒ ኣብ ዝወሃበሉ ጊዜ፤ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ፍሉይ “ጕድ” ዘለዎም ከይተዓለሙ ዝምረቑ ኣገደስቲ ሰባት ግና፤ ድኅሪ “ተዓሊም” ኣብ ውሽጢ መዓልትታት ካብ ገዝኦም ናብ ቤት ጽሕፈት ከምዝምለሱ ክግበር ከሎ፤ እቲ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ንመን ይውክል ከምዘሎ ንዅሉ ዘጠራጥር እዩ።

እምበኣር ጕዳም ዝኾነ “ኣገልግሎት” ቀሺ በረኸት ተዘርዚሩ ኣይውዳእን እዩ። ቅሩብ ሥዕሊ ክህበና ጥራይ ኢና ንገለ ንተናኽፍ ዘሎና እምበር፤ ኣብ ውሽጡ ዘሎ “ኃጢኣት” ውኁድ ኣይኮነን። እምበኣር እዚ ብ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ከም “ኣገዳሲ” ግና ፍሉይ ኣበርክቶን ሞያን ዘይብሉ ቀሺ እዚ ንሕና ብእንፈልጦን ዘይንፈልጦን ናይ ብልሽውና ገንዘብ ስዲ ክኸይድ ከሎ፤ ዘተባብዖ እምበር ዝቈጻጸሮ ኣካል “ምምሕዳር” የልቦን። እኳ ደኣ ክንደይ ዝግብኦም ስሙያት ካህናትን ሊቃውንትን፤ ዓመት መጸ ኣብ ዝግበር ንግደት ኢየሩሳሌም ብዋኅዲ ዓቕሚ ገንዘብ ይኹን ሓሓንሳብ’ውን ፍቓድ እናተኸልኡ ክተርፉ ከለዉ፤ ቀሺ በረኸት ግና ሕጂ’ውን ከም ኣገዳሲ ኣባል “ምምሕዳር” ብወጻኢታት ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ብዝእመነሉ ገንዘብ፤ ነቲ “ትሕተ ዕድመ” ተባሂሉ ንዝወጸ ቀያዲ ሕጊ ሰጊሩ ኣብዚ ንግደት’ዚ ከም ዝሳተፍ ይግበር እዩ። ኣብዚ ንግደት’ዚ ድማ እግረ መገዱ “ንግዳዊ” ሥራሕ የሳልጥ ከምዝነበረ ኵሉ ዝፈልጦ እዩ። እምበኣር በዚን ብኻልእ ኣገባብን “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያንና፤ ነቶም እሙናቱን ውፉያት ኣገልገልቱን ከተባብዕ ይርከብ ኣሎ።

ሳላ’ዚ ምትብባዕ ድማ ቀሺ በረኸት ልዕል ኢልና ኣብ ዝጠቐስናዮ ብዙኅ ኣጸያፊ ተግባራት ክዋፈር፤ ብኣልኮላዊ መስተ ተሰኒፉ ኣብ ኣብያተ መስተ ክርብሽን፤ ክወድቕን ምስተን “ዓማዊሉ” ድማ . . . ብዓይንና ዝተዓዘብናሉ ጊዜውን` ነይሩ። “ብላዕ በሐፈ ገጽከ/ ብርሃጽካ ብላዕ” ንዝብል ሕገ እግዚአብሔር ጥሒሱ ስለዝኸደ፣ ከይደኸመ ዝውኅዘሉ ማል ስለዘለዎ፤ ብዛዕባ ገንዘብ ዝግደሰሉ’ውን ኣይኮነን። ኮይኑ ድማ ኣብቲ ብማኅድሮ ዘገልግለሉ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ፤ ነቒሑ ተንሢኡ ንኣገልግሎት ክቐውም ኣይርከብን እዩ። ምስ ወግሐ መጺኡ፣ ኣብ ቤተ ልሔም ደቂሱ እንከሎ እዩ “እትዉ በሰላም” ተባሂሉ ሰርሖተ ሕዝብ ዝፍጸም። ብሰንኪ እዚ ሕምቀቱ ድማ ብቐጻሊ ተቆሪጹ ተቖራሪጹ ነቲ ደሞዙ እኳ ርእይዎ ኣይፈልጥን። ንሱ’ውን ነቲ ስም እምበር ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ዝግደስ ኣይኮነን።

ካልእ’ከ፧
ቀሺ በረኸት ብኸምዚ ናይ ብልሽውና ገንዘቡ ኣቢሉ፤ መጸግዒ እምባ ዝኾንዎ ሰባት’ውን ይዕድግ ከምዘሎ ርዱእ ነገር እዩ። መሳትይቱ ድማ ንሳቶም እዮም። ኣብ ዝኾነ ጊዜ ከም መፈራርህን መድሃልን ኣንጻሩ ዝኾኑ ሰባት ከምዝጥቐመሎም ድማ መቕርቡ ይዛረቡ እዮም። ኣብ ዝኾነ ውልቃዊ ጉዳዩ ከኣ ብቐሊሉ ከስልጡሉ ዝኽእሉ ካልኦት ዝተዓስቡ ሰባት ከምዘለዉዎ ይፍለጥ። እዞም ሰባት እዚኦም ዓለማውያን ክነሶም፤ ኣንጻሩ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣንጻር እቲ ጐዝጓዝ ኮይኑዎ ዘሎ “ምምሕዳራዊ ዓንኬል” ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንዝለዓሉ ኣሰከፍቲ ጉዳያትን ጥርዓናትን ኣብ ምድቃስ ከምዝጥቀመሎም ይዝረብ እዩ። ብሓፈሻ እዚ ጉዳይ እዚ ሰፊሕ ኣርእስቲ ዘለዓዕልን ንብዙኅ ጉዳያት ዝትንክፍን ስለዝኾነ፣ ኣብ’ዚ ክንገድፎ መሪጽና ኣሎና።
ብዓቢኡ ግና ጉዳይ ቀሺ በረኸት ክንዛረብ ከሎና ብዛዕባ ንእኡ ጸግዕን ኣብ ኵሉ ነዋር ተግባሩ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዓንዲ ሕቖ ዝኾኖ ብዛዕባ ዘሎ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ንዛረብ ከምዘሎና ክንጽር ይግብኦ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብስም ክህነት ዝሽቕጡን፤ ምስሊ ክቡር ክህነት ዘድውኑን ሰባት ኣብ’ቲ ምንጪን መምህርን ተግባራት ቅድስና ዝኾነ መንበር ተጸጊዖም፤ ነቲ ዝበዝኀን ምልኣት ዘለዎን ክቡር ቤተ ክህነት ብእኩይ ተግባራቶም ስሙ እናጸለሙ ክነብሩ ምጽዋሩ ከቢድ ነገር እዩ። እምበኣር መናፍቓን ባይታ ረኺቦም ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈት ይነጥፉ እዮም ኢሎም ንነዊኅ እዋን ኣቦታት ይኹኑ ግዱሳት ምእመናን ክጠርዑ ከለዉ፤ መናፍቃን ክሳዕ ክንደይ ብቐሊሉ ክምዝምዝዎ ዝኽእሉ ድኹም ጐኒ ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈት ከምዘሎ ክንርዳእ ንኽእል።
ብዓንደ ነገሩ እቲ “ምምሕዳር” ዝብሃል ኣካል ግና ንርእሱ ጥዑይ ድዩ፧ ምስኡ ኣሰሊፍዎም ዘለዉ ኣካላት በብናቶም ዝሕመዩሉ ጥራይ ዘይኮነስ ብርግጽ ብዝውዕልዎ ዘለዉ ብልሽውናን ሕማቕ ተግባራትን ክንደይ ክሲ ዝተኸሱን፤ ዝተቐየዱሉን ምዃኖም መን እሞ ዘይፈልጥ፧! ብገንዘብ ትምዩን (ፎርጅድ) ወረቐት መሰኻኽር ዘዳልዉ፤ ናይ ሓሶት ታሴራ ክህነት ዝዕድሉ ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈት ኣይነበሩን ድዮም፧ ሕጂ’ኸ የለዉን ድዮም፧ እቲ ኣመሓዳሪ ንርእሱ ነቶም ቅዩዳት ኣባላቱ፣ “ብዘይ ብኣኣቶም ክሠርሕ ኣይክእልን እየ” ኢሉ ክሳዕ ላዕለዋይ ኣካል መንግሥቲ ጠሪዑን ለሚኑን ዘፍትሖም የለዉን ድዮም፧ ምስ ሃብታማት ነጋዶ ብምምሥጣር “ንመሐደስን መሕነጽን ኣብያተ ክርስቲያናትን ሓገዝ ገዳማትን” ብዝብል ምኽኒት ንዝኣቱ ሚልዮናት ዝዋግኡ ንብረት፤ ብዝረቀቐን ብዘየሕትትን ኣገባብ መሰነይታ ደብዳበ እናጸሓፍካ፤ ኣብ’ቲ ተሸይጡ ዝኣቱ እቶት ተማቐልቲ ዝኾኑ ኣካላት ምምሕዳር የለዉናን ድዮም፧

ኣብ’ዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፤ ከም’ዚ ዓይነት ጕድ ዘለዎም ሰባት ይርከብዎ ኢልና ክንዛረብ ከሎና፤ ብዝኾነ መንገዲ ነቲ ኣፉ ተዓቢሱ፤ ከምዘይጠቅምን ዓቕሚ ከምዘይብሉን ብወገን “ምምሕዳር” ዝረአ እሞ እቲ ኣብ ውሽጡ ሓሚሙ ስለ ሃይማኖቱ ዝቕንዞ ዘሎ ኣባል ቤተ ክህነትን ሊቃውንትን ዘይውክል ምዃኑ ክንጸር ይግብኦ። እቲ ኣብ “ዓንኬል ምምሕዳር” ኣትዩ፤ ረብሕኡ ዝግሕጥ ዘሎ ኣካል፤ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም “ኣገልጋሊ” ተባሂሉ እናተመደበ፤ ኣብ’ዚ ደገ ንዘሎ ሕዝቢ ሓድነቱ ዝዘርግ፤ ምስ መናፍቃን’ውን ኅዱር ሥምረት ዘለዎ ምዃኑ’ውን ክንስሕቶ ኣይንኽእልን።

ብዝኾነ፣ እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮ ዘሎና ነጥቢ ካብ’ቲ ባሕሪ ኵነኔ ብጭልፋ ምዃኑ ንዅሉ ክንጸር ይግብኦ። ቅዱስ ጳውሎስ፣ “ሓቂ ስለዝነገርኩኹም’ዶ ጸላኢ ኮይነኩም እየ፧!” (ገላ. ፬፥፮/4፥6) ከም ዝበሎ፤ በቲ ንጠቕሶ ዘሎና ነጥቢ ቀጨውጨው ዝብሎም ኣካላት ክህልዉ ከምዝኽእሉ፤ ነቶም ብቐጥታ ዝተተንከፉ’ውን ከምዘሰንብዶም ኣይንስሕቶን ኢና።  እቲ ሓቂ ግና ንሱ እዩ። ስለ ሓቂ እምበር ኣብ ልዕሊ ሓቂ ዋላ ሓደ ክንገብር ከምዘይንኽእል እሙን ነገር እዩ። ሎሚ’ውን ስምና ከፊኡ ኢልኩም ከተዕገርግሩ ዘይኮይንኩም፤ ናብ’ቲ ቅኑዕ መንገዲ እግዚአብሔር፤ ናብ ጣዕሳን ናብ ንስሓን ክትምለሱ ጻውዒትናን ትምኒትናን እዩ። ንሕና ነቲ መንገዲ ሓሶትን ክፍኣትን ክንቃወም ግቡእና ምዃኑ ንኣምን ኢና። ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ፣ “ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሃሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላብጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ።” (ቲቶ ፩፥፲፩/1፥11) ንዝበሎ ክንስዕቦ ግድነት እዩ።

ንቤተ ክርስቲያንና ኣብ ኵሉ ኵርናዕ ዓለም ብመናፍቃንን ካልእ ድርብ ዕላማ ብዘለዎም ሃይማኖታዊ ፖለቲከኛታትን ክትውረርን ክትህወኽን ዝገብሩ ዘለዉ፤ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ’ቲ ርእሲ ዝጸንሖም ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እምበኣር ቅዱስ ጳውሎስ ንኸምዚኦም እዩ ናይ ግብሪ መናፍቓን ዝበሎም (ቲቶ ፩፥፲፮/1፥16)።

ስለዚ ኣብ ዘዘለናዮ ዓለም፤ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተሰግሲጎም፤ ናታ መሲሎም ምስሊ ቤተ ክርስቲያንና ንዝጽይቑ “ካህናት” ኢና በሃልቲ ዝእረሙሉን፤ ዝግሠፁሉን መንገዲ ክንሓስብ ይግባእና። ኣብ ውሽጢ ዓዲ እትርከቡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ነዞም ምሳኹም እናወዓሉ፤ ኣብ’ታ ክትጓስዪዋ ዝተመዘዝኩሙላ ቤተ እግዚአብሔር ዘሽካዕልሉ ክርዳዳትን ኣብ መኣዲ ዝኣትዉ ጸያቒቶን ዝጸርዪሉ መንገዲ ክትሓስቡሉ ይግባእ። እንተ ጕድ እቶም ካልኦት ኣካላት “ምምሕዳር”፤ ክንዛረበሉ ንቕሰበሉ ጊዜ ከምዘሎ’ውን ኣይጠፍኣናን፤ ግና እቲ ዕላማና ምእራም እምበር፣ ምክፋእ ስለዘይኮነ፣ ንጊዜኡ ክንቍጠበሉ ኢና። እቲ ኣካይዳ ምስዘይእረም ግና፣ ካብ’ዚ ዝገደደ ጕድ ከነውጽእ ምዃንና ክትስሕትዎ የብልኩምን።
ኣብ ዕለተ ሆሣዕና ንቤቱ ዘጽረያ ጐይታ፤ ሎሚ’ውን ንቤቱ ከጽረያ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር 
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር።

3 comments:

  1. ወልደ ፊልጶስFebruary 5, 2013 at 5:30 AM

    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤!!!
    ኣንቱም ሰባት! እዚ ዝተባህለ ብዛዕባ ቀሺ በረኸት ኵሉ እኳ ሓቂ እንተኾነ፣ እዚ ምስኪን ሰብ እዚ ግና ናብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ዘብጸሖ መን እዩ፧ ኣነ ንቐሺ በረኸት ቀደም እየ ዝፈልጦ። ኣብ ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ምሉእ ጾመ ኣርብዓ ከየቋረጸ ኪቕድስ ከሎ፤ ትጉህን ተለኣኽን ከሎ። ሳላ ትሕትናኡን ትጉህ ኣገልግሎቱን ድማ ጓል ርኹባት ተመርዕዩ፣ ኣብ ርቡሕ ቦታ ተቐሚጡ ኣሎ።
    ነዚ ኵሉ ሕማቕ ተግባራቱ ምንጪ ዝኾነ ግን እቲ ቀደመ ብበዓል (ዘውገ ምሁራን) ይትባረክ በርሀ ዝምራሕ ዝነበረን ሕጂ ብበዓል ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዮፍታሔ ድሜጥሮስን ዝምራሕ ዘሎ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ እዩ። ናይ መስተ፣ ለይታዊ ትልሂት፣ ምጥፍፋእን ስርቅን መምህሩን መለማመዲኡን ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ካብ ኮነ ድማ፣ ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ።
    ኣንታ ምስኪን፣ ወዲ ድኻ፣ ቀሺ በረኸት ድማ በዚ ወጺኡ ዘሎ ሕማቕ ታሪኽካ ተጣዒስካ ልቢ ፈርዖን ካብ ውሽጥኻ ደርቢኻ፣ ብእግዚአብሔር ከይተፈረድካ ከለኻ ናብ ልብኻ ተመለስ፤ ተነሳሕ፤ ካብ ጌጋ መንገድኻ ድማ ተመለስ።

    ReplyDelete
  2. በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤!!!
    Tsiret betekirtiyana mijimaru abi sigumti eyu . nezi websiet etdaluwi dima ezi senay zikone zena nabana ketbtsihu mikialkum kemesigenku edeli . ajokum AMLAK yihagizkum
    YITBAREK AMLAK ABEWINE :

    ReplyDelete
  3. amlake kidusan neza mer'atu zkonet betekrsttiyan selamu yihaba... Ajokum abotatna!!!.......ajokum maedot!!!

    ReplyDelete