Thursday, January 31, 2013

ዕዉት ጉባኤ ንትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን!


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤

እቲ ብዕለት ፳፭ ታኅሣሥ ፳፻፭ ዓ.ም ንዕቤት ቤተ ክርስቲያን ኣገደስቲ ውሳኔታት ዘኅለፈ ሥሙር ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስን ገዳማትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና፣ ረቡዕ ዕለት ፲፭ ጥሪ ፳፻፭ ዓ.ም (23/01/2013 ዓ.ም.ፈ) ንሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፣ ሰበኽቲ ወንጌልን መንእሰያት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ወሲኹ ዕዉት ጉባኤ ከም ዘካየደ ምንጭታትና ሓቢሮም። እዚ ኣቐዲሙ ንዕለት ፲፬ ተቘጺሩ ዝነበረ እሞ፣ ብሰንኪ ሓደ ሓደ ጸገማት ሓደ መዓልቲ ዝተሰጋገረ ብዓይነቱ ፍሉይን ዓቢይን ጉባኤ ከም ዝኾን ብዙኃን ሰባት ይዛረቡ።

እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተሰግሲጎም ኣትዮም እኩይ ውጥን ለኣኽቶም ንዘተግብሩ ዘለዉ መናፍቃን ዘመንና (ተሓድሶ) ኣጽኒዓ እተጽሪ ካብ ኵሉ ኣካላት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ማለት ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ካብ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፣ ካብ ካህናትን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ዝተዋፅአት ፲፫ ዝኣባላታ ኮሚቴ ከም ዘቖመ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣባላት እዛ ኮሚቴ እዚኣ ብትምህርተ ሃይማኖት ዝበሰሉ፣ መንፈሳዊ ቅንኣት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎምን ብዛዕባ ጉዳይ መናፍቓን ዓሚቝ ኣፍልጦን ናይ ነዊኅ ተመኵሮን ዘለዎምን ምዃኖም ድማ ይስማዕ ኣሎ።

ብሓቂ ከም’ቲ ሓደ ሰባኺ ወንጌል ኣብ’ቲ ጉባኤ፣ “ማርታ ኃውቲ ኣልኣዛር ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ‘ንስኻ ኣብ’ዚ እንተትነብር ነይርካ፣ ኃወይ ኣይምሞተን ነይሩ!’ ዝበለቶ፣ እዚ ናይ ኃባር ጉባኤ እዚ እንተዝነብር ነይሩ፣ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ከም’ዚ ደረጃ ኣይምበጽሐትን ነይራ” ኢሎም ዝተባህለ፣ ናይ ሎሚ “ኣመሓደርቲ” ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ተኣኪብካ ብሓደ ናይ ምምካርን ምዝታይን ባህሊ ስለዘጥፍእዎ፣ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጉባኤ እነሆ ኣብ ዓሠርተ ዓመቱ ርእዩ።

እዚ ንብዙኃን ሓቀኛታት ኣገልገልትን ቡሩካን ምእመናንን ቤተ ክርስቲያን ዘሕጐሰ፣ ንምስሉያት “ኣገልገልት”ን ተረፈ መናፍቃንን ግና ዓቢይ ራዕዲ ዝፈጠረ ሥሙር ጉባኤ እዚ፣ ነታ ኮሚቴ ንጉዳይ መናፍቕ ጥራይ ዘይኮነትስ፣ ንጉዳይ መናፍቓን ብሰፊሑ ኣብ ኵለን አጉረ ስብከታት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከተጻሪ ሥልጣን ከም ዝሃባ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ዝተፈላለዩ ምንጭታትና ከም ዝሓበሩና ኣብ’ዛ ኮሚቴ እዚኣ ከም እኒ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዝኣመሰሉ ቅድሚ ዓሠርተ ሓደ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ምጽራይ መናፍቕነት መምህራንን ኣባላትን ቤት ትምህርቲ ሰንበት መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ሆስፒታል ብትግሃት ዕዉት ሥራሕ ዝሠርሑ፤ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ርእሰ ምንቅስቓስ ተሐድሶ ምዃኑ ዝእመነሉ ሠመረአብ መርትዖታት ኣኪቦም ድኅሪ ብዙኅ ማዕዳ ዘውገዙ አበ ምኔት ገዳም ደብረ ቢዘን ዝርከቡዎም ተባዓት መነኮሳት፣ ከም እኒ መምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ ዝኣመሰሉ ስሙያትን ርቱዓትን ኦርቶዶክሳውያን መምህራን ቅዱሳት መጻሕፍት ዝበሉ ሊቃውንትን ትጉሃትን ተባዓትን ካህናትን መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ብኣባልነት ከም ዝርከቡ ፈሊጥና ኣሎና።

ብሓቂ እዛ ኮሚቴ እዚኣ እተን ብጉቦን ዓሌትን ዝተቐማጥዓ ነዋሕቲ ኣእዳው ኣካላት “ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን” እንተዘይዓናቒጸናኣስ፣ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ዝእውጅ ዓበይቲ ሥራሓት ክትሠርሕ ትኽእል እያ። እንተኾነ ግና ኣብ’ዘን ተንኮል ካብ ምሥራሕ ዘየዕርፋ ኣእዳው እዚኣተን ዓቢይ ስኽፍታ ኣሎና። ምኽንያቱ ንብዙኅ ዓመታት ነዚኣ ዝመስላ ኮሚቴታት ኣብ ምፍራስን ምድስካልን ዓቢይ ተመኵሮ ዝደለባ ኣእዳው ስለዝኾና።

በዚ ኮነ በቲ ግና ተወፋይነትን ትብዓትን እቶም ተመሪጾም ዘለዉ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፣ እቲ ዕዮ ሥሙርን ዕዉትክ ክኸውን ግና ናይ ዝተረፍና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ጸሎትን ሞራልን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ለበዋናን ምሕፅንታናን ንኣቦታትና ጳጳሳት ኣባላ ቅዱስ ሲኖዶስን ገዳማውያንን
ክቡራን ኣቦታትና ትወስዱዎ ዘለኹም ሥሙር ስጉምታት ንዓና ድኹማት ደቅኹም ዓቢይ ፍናንን ተስፋን እዩ እሞ፣ ቀጽልዎ ንብል። ብተወሳኺ ድማ ነዛ ኮሚቴ እዚኣ ዘድልያ ኵሉ እናኣማላእኩምን ብዅሉ ነገር እናደገፍኩምን ከተሥርሑዋ እንተኽኢልኩም ንቤተ ክርስቲያን ዘዕብ ዘስፍሕን፤ ንዓኻትኩምውን ዓቢይ ስምን ክብርን ዘውህብ ሥራሕ ክትሠርሕ እያ ዝብል እምነት ኣሎና። ብፍላይ ድማ ሎሚ ኣብ ኣሥመራ ጥራይ ዘይኮነት’ሲ ኣብ መላእ ሃገር እናተዘዋወረት ግቡእ ሥርሓ እንተተካይድ፤ ካብኡ ኃሊፋ’ውን ኣብ’ዚ ንሕና ዘሎናዮ ተሓድሶ ኣስናኖም ገይጾም ተሃንዲዶም ዝጓየዩሉ ዘለዉ ዓዲ ወፃኢ መጺኣ መጽናዕትታታን መርመራኣን እንተተካይድ ክንደይ ዝበለጸ ምኾነ ነይሩ።! ነዚ ንኽገብሩ ኸኣ ኵሎም ኣባላታ ከካብ ሥራሓቶም (ዋላውን ኣብ መንግሥታዊ ሥራሓት ዘለዉ) ነዚ ዓቢይን ፍሉይን ሥራሕ ተባሂሉ ፍቓድ እንተዝሕተተሎምን ብዅሉ ዘድልዮም ነገራት ቤተ ክርስቲያን እንተትኅግዞምን ዝያዳ ኣድማዒ ሥራሕ ምሠርሑ ነይሮም። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዘሸግር ከም ዘይኮነ ንዅልና ርዱእ እዩ።

ብዝተረፈ፣ ነዛ ኮሚቴ ዓወትን ኣሳልጦ ሥራሕን ንምነየላ። ልዑል እግዚአብሔር ቤቱ ክትጸሪ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

1 comment:

  1. ትሓጒሰ ደስ ኢሉኒ ፤ ሰያብ ኣይትጸውዕ እንታይ ድኣ ለባም ጸውዕ እዩ ነገሩ፤
    ኣጆኩም ተዋህዶና ብተኻሉ ከይትጠፍዕ ነቂሕኩም ኣንቅሑ፤
    ንሕና ከኣ ኣብ ጎንኩም ኣለና፤

    ReplyDelete