Monday, December 27, 2010

ጦማረ ማዕዶት

ጥንተ ማዕዶት ኣብ ብሉይ ኪዳን
እስራኤላውያን ኣብ ዘመነ ብሉይ ካብቶም ዘኽብርውም በዓላት ሓደ ማዕዶት እዩ ነይሩ። እኹል ምኽንያትን መበገስን ድማ ነበሮም። ኣቕድም ኣቢሉ አበ ብዙኃን ዝተባህለ ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ከቢድ ድቃስ ውዲቑ ከሎ እግዚአብሔር ብራእይ ከምዚ ኢልዎ ነበረ። ንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኰይኖም ከም ዝገዝእዎም ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዜጨንቕዎም ኣርጊጽካ ፍለጥ። ነቲ ዝግዝእዎ ሕዝቢ ድማ ኣነ ኽፈርዶ እየ። ዘፍጥ ፲፭፥፲፫-፲፭ (1513-15) በዚ መሠረት ድማ ዘይገብሮ ዘይዛረብ ነቲ እተዛረቦ ድማ ዘየትርፍ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምልኣት ጊዜ ምስ ኮነ ከም ቃሉ ኣብ ከነዓን ኃያል ጥሜት ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ ብምኽንያት ጥሜት ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ግብጺ ተሰዱ። ኣብ ከቢድን ዘስካሕክሕን ኣርዑት መግዛእቲ ግብጻውያን ድማ ተቖርኑ። እስራኤላውያን ድማ ኣእውያቶምን ጭንቆምን ናብ እግዚአብሔር ከመልክቱ ድኅሪ ምጽናሕ መሓሪ ኣምላኽ እግዚአብሔር ጸሎቶም ተቐቢሉ ኣእውያቶም ሰሚዑ ብዘድንቕ ትእምርትን ተኣምራትን ካብ ኢድ ፈርዖን ሓራ ኣውጺኡ ባሕረ ኤርትራ ኣስገሮም። ስለዚ ነዚ ብምስጋር ባሕረ ኤርትራን ስጥመተ ፈርዖንን ዝተዛዘመ ባርነትን ዝተረኽበ ናጽነትን ዓመት መጸ ማዕዶት እናበሉ ውዕለትን መንክራትን እግዚአብሔር እናዘከሩ የብዕልዎ ነበሩ። እሥራኤል ዘሥጋ ማዕዶት ኢሎም ዘኽብርዎ ዝነበሩ ሥጋዊ ናጽነት ስለዝረኸቡ ይኹን ደኣ እምበር ምሳሌነቱስ ነቲ ክመጽእ ዝነበሮ መንፈሳዊ ናጽነት ኮይኑ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ ዝወልደሉ ዘመነ ሓዲስ ድማ ክኽበር ጸኒሑ እዩ።


ማዕዶት ኣብ ዘመነ ሓዲስ
መድኅን ዓለም ክርስቶስ ከምቲ ኣቐዲሙ፥ ዝተነግረሉ ትንቢትን ዝተቖጽረሉ ሱባኤን ብፍጹም ተዋሕዶ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብዚ ምድሪ ክመላለስን ብትምህርቱን ብተኣምራቱን ንዝተበተኑ ኣባጊዑ ክምህርን ክእክብን ድሕሪ ምጽናሕ ገይሩ ግበሩ እናበለ ኣርኣያ ኮይኑና፤ ንዝመጸሉ ቤዛ ዓለም ናይ ምዃን ስራሕ ክፍጽም ድማ ብፍቓዱ ብኢድ ኣይሁድ ተታሒዙን ጸዋተወ መከራ ተቐቢሉን ምእንታና ብዕለተ ዓርቢ ኣብ ማእክለ ምድር ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። ኣብ መስቀል ከሎውን ካብ አብ ዕሪና ከይተፈልየ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ 5 ሺሕ 500 ዘመን ኣብ ሲኦል ንዝነበሩ ነፍሳት እለ ውስተ ሲዖል ጻኡ ወእለ ውስተ ጽልመት ተከስቱ - ኣብ ሲኦል ዘለኹም ውጹ ኣብ ጸልማት ዘሎኹም ድማ ተገለጹ ክብል ናጽነት ሰበኸሎም። ባርነቶም ቀንጠጢ ናጽነቶም ኣዊጁ ድማ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ ሲኦል ናብ ገነት ኣሰጋገሮም። በዚ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ብቃል ነቢያት ዘዛረቦ ትንቢታትን ዝመሰሎ ምሳሌታትን ፍጻመ ረኸበ። ቀደም እስራኤል ዘሥጋ ባሕሪ ተኸፊልሎም ብሲኦል ካብ ትምሰል ግብጺ ናብ ተስፋ ዝተዋህቦም ምድሪ ከምዝሰገሩ ኣብ ዘመነ ሓዲስውን ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ነፍሳት ካብ ባሕረ ሲኦል ናብ ገነት ዝተሰጋገሩሉ እናዘከርናን ምኽንያት ገይርናን ማዕዶት ኢልና ነኽብሮ።

ማዕዶት ብዙኅ ምሳሌታት ኣለዋ። ኣዴና ጽዮን ማርያም ባዕላ ማዕዶት ትበሃል። ንሳ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ብኅሊና ኣምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት፤ ዓለም ንከድኅን ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ክወሓሓድ ዝሓረያ ቅድስቲ ኣደን ድንግልን እያ። እኳ ደኣ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ኣባ ሕርያቆስ ነዚ ኣመልኪቱ “ኦ ማዕዶት ዘበኀቤኪ እደው አበው ቀደምት እሞት ውስተ ሕይወት ወብኪ ተሐደሰ ቀዳሜ ኵሉ ፍጥረት” እቶም ዝቐደሙ ኣቦታት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሰጋገሩልኪ ድልድል ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ እተብጽሒ መሳልል፣ ቀዳማይ ኵሉ ፍጥረት ኣዳም ብኣኺ ተሓዲሱ” ቢሉ ኣሎ። ቅዳ ማር ቍ. (30) እቲ ሊቅ ከምዝበሎ ኣቦና ኣዳም ካብ ብልየት ናብ ሓዲስ ተፈጥሮ ዝተሰጋገረሉ ብምኽንያት ጌግኡ “ኣዳም ገብሩ ለዲያብሎስ” ዝብል ኣብ ሲኦል ዝነበረ ደብዳቤ ዕድኡ ዝተደምሰሰሉ ዕለት እዩ። ብሓቂ ድማ እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም መሠረተ ሕይወት ኣዳምን ደቁን እያ።

ማዕዶትን ቤተ ክርስቲያንን
ዝተሰረዘ በደልን ዝተሰረየ ኃጢኣትን ናይ ኣዳም ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ዓርቢ ዝነበሩ ነፍሳት ኵሎም እዩ። ስለዚ ማዕዶት ኢልና ምኽባርና ደቂ ሰባት ካብ ሲኦል ናብ ገነት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሰጋገርናሉ ዕለት ብምዃኑ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ክቡር በዓል ሰኑይ ጽባሕ ትንሣኤ ተኽብሮ። ነቶም ደቃ ነዚ መልእኽቲ ትንሣኤ ንዘለዎ ዓቢ ዕለት ከኽብሩን ክዝክሩን መልእኽተ ትምህርቱ ድማ ወትሩ ከስተውዕልዎ ተዘካኽር። ዋና እዚ ዕለትን መልእኽቱን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብቅድስና ምስኣ ክንነብር ቅድሚ ኵሉ ድማ ትንሣኤ ልቦና ክህልወና ትምዕደና። ነዚ ንምርድኡውን ኣቐዲምና ኣብ ዘመነ ሓዲስ ንእንርከብ ደቂ ኣዳም ኵልና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንኵሉ ጸጋታት እግዚአብሔር እተማእክል ዓውዲ ማዕዶትና ምዃና ከነስተውዕለላ ይግባእ። ማዕዶት ሕይወት ዝስበኸላን ዝርከባላን ዋናኣ ባዕሉ እግዚአብሔር ዝኾነ ቤት እግዚአብሔር ስለዝኾነት። ነዚ መልእኽቲ ትንሣኤ ዝሓዘለ ማዕዶት ሒዝና ክንጉዓዝን ክንነብርን ዝግብኣና ድማ ንሕና ደቃ ኢና። ምእመናን ካብ ገቢረ ሓጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ካብ ናይ ሞት ግብሪ ናብቲ ሰማያዊ ግብሪ ክንሰግር ካብ ጸጋም ናብ የማን ክንምለስ ብቃልን ሕግን እግዚአብሔር ተመሪሕና ሃይማኖትና ኣጽኒዕና ብሰናይ ግብሪ ኣጊጽና ኣሰር ኣቦታትና ከነጽንዕ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ማዕዶታዊ መልእኽታ እዩ።

ንሕና ብናይ ትንሣኤ ሕይወት ክንመላለስ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉዳት ዝተሰመናን ብኣርባዓን ሰማንያን መዓልቲ ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ዝተወለድና ኵልና እታ ንናፍቓን ንትስፈዋን ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ተምሳላ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ማዕዶታዊ መልእኽታን ተልእኾኣን ክትጸንዕ ድማ ናይ ደቃ ጽኑዕ መንፈሳዊ ሕይወትን ኣበርክቶን ድማ እምብዛ የገድሳ እዩ። ንሕና ደቃን ኣዴና ቤተ ክርስቲያንን ድማ ሰሚርናን ሓቢርና ክንጉዓዝ እንተደኣ ክኢልና እግዚአብሔር ዘተስፈወና ክብሪ ብምሕረቱ ከምንረክብ እምንቶና ጽኑዕ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ኣቦታትና ኣዴታትናን ብብዙሕ መንፈሳዊ ገድሊ ነዚ ሓድነት እዚ በብዘመኑን ወለዶታትን ዓቂቦሞ ከምዝነበሩ ሎሚ ኣብዚ ወለዶ እዚ ከምቀደሙ ብወገን ስዩማት ኣገልገልቲ ይኹን ምእመናን ከምዝነበሮ ተዓቂቡ ኣሎ ማለት ንሓቂ ምዅናን እዩ ዝኸውን። ሓቂ እዩ ደቃ እትሓቝፍ ኖላዊነ ኄር ዝኾነ ክርስቶስ ንዝገደፈላ ትምህርትን ኣብነትን ኣጽኒዓ እትኸይድ ዝነበረት ማዕዶታዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመንና ብብዙኅ መገዲ ብናይ ፈተና ማዕበል ትናወጽ ከምዘላ ካብ ኵሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ምስቲ ዘመንን ወለዶን ገጢማ ግቡእ ሓዋርያዊ ዕዮኣ ክትዓይይ ከቢድዋን ጸጊምዋን ኣብ ወሰን ግራት ከም ዝበቖለት ሸዊት ካብ ትኸውን ዓመታት ኣቝጺራ ኣላ። ወዮ ኣይተኻእሎምን ደኣ እምበር በብዘመኑ ንምቕባራ ክንደይ ዓሚቕ ጕድጓድ ዘይተፋሕረክንደይ ሳዕ ከ መናገዲ ምድራውን ሓራጥቃዊ ዕላማታቶም ክገብርዋ ዘይፈተኑ? ክንደይ ሳዕ ከ ክንደይ “ይሁዳውያን” ዘይረኣየት? እዚ ኵሉ ግና ክሳብ መኣስ

መልእኽተ ማዕዶትን ንሕናን
ክንዲ ዝኾነ ድማ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ብዝኾነት ሃይማኖት ኣቦታትና ቅንኢ ኣሎና ንብል ግዴና እንታይ ይኹን

ኵልና ከምንርድኦ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ንዝተወሰኑ ኣካላት ጥራይ ዝግደፍን ነቲ ካልእ ድማ ብተዓዛብነት ዝውስኖን ዘይምልከቶን ኣይኮነን፤ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን በብደረጅኡ ዝተሰየሙ ኣካላት ብደረጃ ተሓታትነት ኃላፍነት ይሃልዎም እምበር ዋንነት ግና የብሎምን። ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንውን ንዝተወሰኑ ክፍልታት ወይውን ኣቦታት ጥራይ ዝተሓዘአ ኣይኮነን። ቤተ ክርስቲያን ከም ግራት ንጉሥ ደቃ ዘበሉ ኵሎም ከም ዓቕሞምን ጸግኦምን ዝተወሃቦም ሥልጣንን ዝወፍሩላ ስለዝኾነት፤ ዋናኣ እግዚአብሔር ዓያይታ ድማ ኵሎም ደቃ እዮም። ኣማን ብኣማን ቤተ ክርስቲያን ሰማያዊ ፍረ ዝእከበላ ሰማያዊት ግራት ኣብ ምድሪ እያ። ምእመናን በብደረጅኦም በብጸግኦምን ሰብ ማዕርግ ቤተ ክህነት ድማ ከምኡ ነናቶም ኣብዛ ግራት ከገልግሉ እዮም ተጸዊዖም፤ ዓስቦም ድማ ኣብ መዓልቱ ዝህብ ሰማያዊ ንጉሥን መጋቢን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። ፈጺሙ ክሰሓት ዘይብሉውን ኣሉ በሃሊውን ዘይርከቦ እሙን ነገር ቤተ ክርስቲያን ናይ እግዚአብሔር ቤት ምዃና እዩ። 
 
ኮይኑ ድማ ንሕና ደቃ ስለቲ ቅኑዕ ምስግጋር ዘድልዮ ዕብየታን ግቡእ ስርሓን ጕስነታን ክንሓስብ ዘሎናዮ ዘመንን መድረኽን ኣጥቢቑ ይሓተና ኣሎ። በዚ መንጽር ድማ ዕላማ መጽሔተ ማዕዶት ንጹር እዩ። ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ዘሎና ደቂ ተዋሕዶ ንኵለንተናዊ ትንሣኤን ዕብየትን ቤተ ክርስቲያንና ብሓድነት ንሰርሓሉ መላዘቢ ባይታ ምፍጣር እዩ። ብመንጹርውን ንቤተ ክርስቲያንና ብዝተፈላለየ ኑፋቄያዊ ትምህርቶምን ይሁዳዊ መጋብሮምን ከዳኽምዋ ዝፍትኑን ንኣባጊዓ ዘባርሩን ኵሎም ምቅላዕን ንምእመናን ድማ ምንቃሕን እዩ።

ብምዃኑውን ንኵለንተናዊ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ኵልና ሰብ ትንሣኤ ኮይንና ክንርከብን ብሓደ ልቢ ብሓደ ምኽሪ ስራሕ ትንሣኤውን ክንሰርሕ ክንመክርን ክንላዘብን ነሕድሕድናውን ክንናቃቃሕን ማዕዶት ልሳን ተዋሕዶና ክትኮነልና ኣሓዱ ኢልና ንጅምር ኣሎና። ኵልና ድማ ብጸሎትን ይጠቅም ብእንብሎ ኵሉ ዓይነት መንፈሳዊ ኣበርክቶን ጭውነትን ከነዕብያን ዕላማኣ ከተሰላስልን ከም ኣቦታትና “ኦ ማርያም ሓግዝና” እናበልና ናብዚ ወፍሪ ወንጌል ንኣቱ ኣሎና። ከቢድን ገድላዊን መንፈሳዊ ዕማም ከምዝጽበየና ርዱእ ኮይኑ ናትና እምነትን ንዝሓቱናውን ምላሽና ግና ሓደን ሓደ በይኑን እዩ። “ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ኽንዓዪ - ኣምላኽ ሰማይ ድማ ኬቕንዓልና እዩ” ነህ ፪፥፳ (220)።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

No comments:

Post a Comment