በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ብሰይፈ ውግዘት ኣቦታት ደብረ ቢዘን ዝተመትረ ሠመረአብ ቀሺ ወልደገብርኤል፤ ነቲ መንም
ክድፍሮ ዘይከኣል መንፈሳዊን ሰማያዊን ሥልጣን ገዳማውያን ኣቦታት ኣቃሊሉን ረጊጹን ትምህርቱን ስብከቱን ኣብቶም ዓውድታቶም ዝፈቐደሉ
ውሑዳት ኣብያተ ክርስቲያናት ተሓጺሩ ክቕጽል ከምዝጸንሐ ክጥቐስ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኸኣ ኣሳሰዪኡ ካብ ዝኾነ “ኣመሓዳሪ”ን ውሽጣዊ
ደገፍቱ ካብ ዝኾኑ ሓደ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝረኸቦ ደገፍ ተተባቢዑን፤ ብዓቢኡ ድማ ለኣኽቱ ዝኾኑ “ዓባይ ኦም” ብዝውዳቤኦም
ተረፍ መረፍ ናይ ዝቐደሙ መናፍቓን ብዝሃብዎ መምርህን ምኽርን ምዃኑ ምንጪታትና ከረጋግጹልና ጸኒሖም ኣለዉ። ኮይኑ ግና እቲ ዝሓሰቦን
ዝወጠኖን ኵሉ ፈሺልዎ፤ ምድሪ ኣንጻሩ ተላዒላ ዘላ ሠመረኣብ እቲ ዝንዓቖ መንፈሳዊ ውግዘት ድሮ ካልእ መዘዝ የስዕበሉ ከምዘሎን
በቲ ዝረድእዎን ጸገዐይ ብዝበሎም ኣካላት ይመጾ ከምዘሎ ይስዕቦ ከምዘሎ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።
ብገለ ውሑዳት ደገፍቱ ኣቢሉ ተቓውሞ ናይ ምልዕዓልን፤ ኣለዉኒ ብዝብሎም “ሰብ ሥልጣን”
ኣቢሉ “ኣንጻረይ ዓጢቖም እዮም” ኣብ ዝብሎም መነኮሳትን ካህናትን መሪጌታታትን ዲያቆናትን ጀሚርዎ ዝነበረ ናይ ምጽላምን፤ ካልእ
ፓለቲካዊ ዕላማ ከምዘለዎም ኣምሲልካ ብምቕራብ ግዳይ ምፍርራህን ማእሰርትን ንምግባርን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣቦታት ክዘርኦ ዝጸንሐ
ናይ ምክፍፋል ውዲቱ ከምዝፈሸለ ካብ ናይ ቀረባ ምንጪታቱ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። እኳ ደኣ ንሱ ነቲ ክብርን ሥልጣንን ገዳማውያን
ኣቦታት ንዒቑ፤ ነቲ ዝተወግዘሉ ጕዳይ ብዕሊ ክቕጽሎ እኳ እንተጸንሐ፤ ብዘይሓሰቦ መገዲ ደጋፊኡ ብዝኾነ “ኣመሓዳሪ” ኣብ ዝተጸወዐን
ንረብሕኡ ኣብ ዝተወደበን ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተሪር ተቓውሞ ከም ዝገጠሞ እዩ በብወገኑ ዝግለጽ ዘሎ።