Thursday, December 27, 2012

እንቋዕ ናብ ካልኣይ ዓመት ምጅማር ጦማረ ማዕዶት ኣብጸሓና።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ክቡራትን ክቡራንን ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት፦

መልእኽትና ‘ማዕዶት’ ኢልና ብዝሰመናያ ጦማርና ኣቢልና ምምሕልላፍ ካብ እንጅምር ድሮ ክልተ ዓመት ኣቝጺርና ኣሎና። ቅድምን ልዕልን ኵሉ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ኅሊናና ኣንቑሑ ንዘጀመረና፤ ኣብ ድኻምና ኃይሊ ኣብ ስንፍናና ጥበብ ንዝሃበና፤ ብዛዕባ ቃሉን ቤቱን ክንዛረብ ልሳነ ኢድና ንዝኸፈተልና እግዚአብሔር ኣምላኽ ስብሐት ይኹኖ ንብል። አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሳና እንተዘይከውን ነይሩ፤ ጸሎት ቅዱሳን እንተዘይድግፈና ነይሩ፤ ዋላ ይውሓድ ብርግጽ ኣብዚ ዘሎናዮ ክንበጽሕ ይትረፍ፤ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ክነሳጉም’ውን ንኽእል ከምዘይነበርና እምነትና እዩ። ሕጂ’ውን ተስፋና ንሱ ሓደ እግዚአብሔር እዩ።

ኣብዘን ዝኃለፋ ክልተ ዓመታት ኣገደስቲ ዝበልናዮምን ቀዳምነት ክወሃቦም ንዘለዎም ጕዳያት ቤተ ክርስቲያን ትንክፍክፍ ከነብል ጸኒሕና ኢና። ምስቲ ዘሎና ብዙኅ መዳያዊ ሕጽረታት፤ ዓቕምና ውሱን፤ ዝርገሐና ድሩት ብምዃኑ ከምቲ ክንኮኖ እንደልዪን፤ ክንኮኖ ዝግባእን ንኸውንን ንገብርን ከምዘየለና እቲ ዝዓበየ ስክፍታና እዩ። ምስቲ ዝውጥጠና ካልእ ብዙኅ ነገራት፤ ካብ ትም ምባል ነቲ ዘሎና ውሑድ ምብርካት ይሓይሽ እናበልና ብኃይሊ ኣምላኽ ንቕጽል ኣሎና። ስለዚ እዩ ድማ ናታትኩም ሱታፌ ብቀጻሊ ክንሓትት ዝጸናሕና።
ኣብቲ ቀዳማይ ዓመት ብዝያዳ ኣብቲ ትምህርታዊ ጐድኒን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርናን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስቲ ኣተኵርና ጽሒፍና ምንባርና ይዝከር። ጽሑፍ ነባሪ ስለዝኾነ፤ ቃሉ ድማ ዘይልወጥን ዘይበልን ስለዝኾነ ብቀጻሊ ክንጥቐመሉን ክንውከሰሉን ንርከብ ኣሎና። ኣብቲ ካልኣይ ዓመት ድማ ብዝያዳ ኣሰካፊ ኮይኑ ንዝተራእየ ጕዳይ መናፍቕነትን ምንቅስቓሱን ብውሑድ መጠን ኣቓልቦ ሂብና ክንጽሕፈሉ ፈቲንና ኢና። እግረ መገድና’ውን ቤተ ክርስቲያንና ካብዚ ሕጂ ተሞቝሓቶ ዘላ ድኽመት፤ ብኸመይ መገዲ ትንሣኤኣ ክረኣ ከምዝከኣል ዘሎና ሓሳባት ምስ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ብምዝማድ ምሳኹም ክንካፈሎ ዘቕረብናዮም መደባት’ውን ነይሮም። ካብ ኣንበብትናን ግዱሳትን ንእንረኽቦ ሓበሬታ ድኅሪ ምውህላልን ምጥላልን ኣቀናቢርና ናባኹም ከነመሓላልፎ ዝጸናሕና ዜናታት’ውን ኣካል መደባትና እዮም ነይሮም። ብሕጂ’ውን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እዞም መደባት እዚኦም ከምዝጸንሕዎ ክቕጽሉ ተስፋና እዩ።

ካብ ኣንበብትና እንረኽቦ መልሲ ዕንጋለ ዘተባብዕ እኳ እንተኾነ፤ ከምቲ ዝድለ እዩ ማለትና ግና ኣይኮነን። ጸሎትን እጃማዊ ኣበርክቶን እምበር ምስጋናን ናዕዳን ምስ ምትብባዕ ኣይንጽብጽቦን ኢና። ብርግጽ ሱታፌኹምን ሓናጺ ርእይቶኹምን ነቐፌታኹምን እምብዛ የግድሰና እዩ። ሓደ ፍሉጥ ወገን ዝመንቀሊኡ፤ ዘይብሱል ዘለፋን ጸርፍን፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምፍርራህ ዝመልእኽቱ ተግባራት ግና ንሥራሕና ዘጐናድቦ ኣይኮነን። ኣጸቢቖም ኣብ ዘይፈልጥዎ ጕዳይ፤ እሞ ድማ ብወገን መናፍቓን ኣቐዲሙ ንዝተነግሮም ድርሰት ሰሚዖም ጥራይ ጽሑፋትና ብገሊኡ ክፋል ክነቕፉ ንዝደልዩ ግዳይ ተዃሉ ዘመንና ንዝኾኑ ኣኅዋትና እግዚአብሔር ብርሃን ሓቁ የብርሃሎም ንብል። ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ ሽግር ጠንቁ ከም ማይ ንግሆ ምጽራዩ ስለዘይተርፍ፤ ካብ ግብታዊነትን ስምኢታዊነትን ተዓቂብኩም ኣብ ቃለ ወንጌል ንዘሎ ርትዕቲ መገዲ ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣቦታት ጥራይ እናጽናዕኹም እንተኸድኩም፤ እቲ ሓቂ ክበርሃልኩም እዩ ክንብሎም ንደሊ።

ሕጂ’ውን ናታትኩም ጻዕሪ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ኣድማስ ሸፈነና፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ቤተ ክህነትን ኣባላት ትምህርቲ ሰንበትን ይበጽሕ ምህላዉ ከም ጽቡቕ ውጽኢት እንግምግሞ እዩ። ብእኡ መጠን ድማ ተቐባልነት እዛ ጦማር ይሰፍሕ ምህላዉ ዘይከሓድ እዩ። ብእንፍንዎ ኣሉ ዘይብሃለሉ ሓቀኛ ሓበሬታ፤ ብዙኅ እናፈለጥና ስለ ክብሪ ቤተ ክርስቲያንን ጊዜ ንስሓ ገበርቲ እከይን ክንብል ግና ምስ ኵሉ ዕቃቤታትና ብውሱን መጠን ከነቃልዖ ብእንፍትን ዘሎና ጕልቡብ ሸርሕታት፤ እቲ ንነዊሕ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ልሳን ቤተ ክርስቲያን ዓቢጥካ ዕላማኻ ናይ ምስዋር ኣሰራርሓ ብውሱን መጠኑ’ውን ምስባሩ ዘይተርፍ ብምዃኑ፤ ብዙኅ ሥራሕ ኣብ ቅድሜና ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ካብኡ ብዝተረፈ ሎሚ ብብዝኂ ዝረአ ሽግራት ብፍላይ ኸኣ ኣብዚ ወጻኢ ኣብ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ከፊኡ ካብ ዘሎ እቲ ሓደ ፓለቲካን ሃይማኖትን ምትሕውዋስን ምዝናቕን እዩ። ንጦማርና’ውን ምስ ገሊኡ ኣጸጊዕኻን ወጊንካን ከም እትጽላእ ናይ ምግባር ወፍሪ መናፍቃን መቀጸልታ ናይዚ ሕማም’ዚ እዩ። ንሕና ግና ልሳንና ልሳነ ተዋሕዶ ዘኤርትራ ኢዩ እምበር ልሳን ካልእ ዓለማዊ ኣካል ኣይኮነን። ከምኡ ኢሎም ከጸልሙና ዝደልዩ’ውን ብርግጽ ልሳን ካልኦት ዓለማውያን ምዃኖም ዘይንስሕቶ ብምዃንና ብዙኅ ኣይገርመናን እዩ፤ ኣይነቕልበሎም ድማ። ንኸምዚኣቶም ግና ክንብሎ ክንደሊ ሓደ ነገር ኣሎ። ንቤተ ክርስቲያን መሳርሒ ዕላማ ፓለቲካኦም ክገብርዋ ንዝደልዩን ንዝጽዕቱን ኣብ ኵሉ ጫፋት ኣድማስ ዝርከቡ ዓለማውያን ኃይልታት፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መርዓት ሰማያዊ ንጉሥ ክርስቶስ እያ እሞ ኢድኩም ካብ ርእሳ ኣልዕሉ። ቤተ ክርስቲያን ዋናኣ ክርስቶስ እምበር ካልእ ኣይኮነን እሞ ዋኒንኩምን መጋበርያኹምን ክትገብርዋ ኣይተፈትኑ። ሃይማኖት ኣብ ኵለንተናዊ ሕይወት ናይ ሓደ ሃገር ዘለዎ ዓቢይን እወታዊን ግደ ከይዘንጋዕና፤ ፓለቲካን ሃይማኖትን ግና መገዱ በበይኑ ምዃኑ ደጊምና እንተነጸርናሎም ዝግባእ ይመስለናን። ኵሉ መመድረኹን ዓዓውዱን ኣለዎ። ፍኖተ ጽድቅን ሕይወትን፤ እንኮ ኆኅተ መንግሥተ ሰማያትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ንዝኾነት ቤተ እግዚአብሔር፤ ናብ ዓውዲ ሰባት ክትቕይራ ምፍታን፤ ኣብ ዘይመንጠቢትካ ኢድካ ምእታው ስለዝኾነ፤ ነቲ ብቤቱ ቀናእ ዝኾነ ኣምላኽ የቖጥዖ እዩ። ዕጉሥ ዝኾነ ኣምላኽና ንምሕረት ቀረባ ንመዓት ከኣ ርሑቕ ብምዃኑ ንንስሓ ጊዜ ስለዝህብ፤ ንጊዜኡ ይመስለናን የዘንግዕናን ኣሎ ደኣ እምበር፤ እቲ ጊዜ ኣኺሉ መስፈሪ ምስ መልአ፤ ነቶም ንዓውደ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን፤ ናብ ካልእ ዓውዲ ክቕይሩ ባይታ ዝኾኑ ‘ኣገልገልቲ’ ብርግጽ ጽቡቕ ኣይረኽቡን እዮም። ስለዚ ፓለቲካውያን ጎግ ማጎግ ንቤተ ክርስቲያን ንንስሓ ተጠቐሙላ እምበር ካልእ መደባትኩምሲ ኣብቲ ዓውድኹም ግበርዎ ክንብሎም ንደሊ።  

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ፤ ጦማርና ክትህብትምን እተበገሰትሉ ዕላማ ክትበጽሕን እትኽእል ናትኩም ደገፍን ተሳትፎን ምስ ዝወሰኾ ምዃኑ ንኣምን ኢና። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ደጊምና፤ ሱታፌኹም ከተኅይሉ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጻውዒትና ነቕርብ። ከምቲ ገለ ኣኅዋት ኣበጊሶሞን ዘበግስዎን ዘለዉ፤ ተመሳሳሊን ተዛማዲ ዕላማታት ዘለዎም ልሳናት ተዋሕዶ ሃይማኖትና ኮይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ መርበብ ሓበሬታትን ጦማራትን ብወገንኩም በብከባቢኡ ከተስፍሑን፤ ብልሳናት መከልአን ንዝጋገየን ዝደናገርን ዘሎ ውለደ ተዋሕዶ ካብዚ ናይ ዘመንና ማዕበልን ነፋሳትን ኣብ ምብጃውን ምልባምን ግዴኹም ከተበርክቱ ንላበወኩም። ብወገንና’ውን ካባና እትደልይዎ ሓገዝ እንተሎ ከነውፈየልኩም ቃል ንኣቱ። 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ። 
  

2 comments:

  1. wel come back more than a month .no post no nothing.MAY GOD BLESS MAEADOT AMEN.

    ReplyDelete
  2. ርሑስ በዓለ ልደት ማዕዶት መጋቢትና!!!

    ReplyDelete