በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤ አሜን።
ቀዳማይ ክፋልመእተዊ
እዚ ገዳም’ዚ ካብቶም ዓበይቲ ሓዋርያዊን ገዳማዊን ተልእኾኦም እናፈጸሙን ነዊሕ መስገደል መሰናኽልን ተጻብኦን ብምሕላፍ ታሪኾምን ሥርዓቶምን ዓቂቦም ኣብዚ ወለዶ እዚ ካብ ዝበጽሑ ህልዋት ገዳማት ኤርትራ ሓደ እዩ። ኣብ ከባቢ ቀዳማይ ርብዒ ናይ ፲፭ ክፍለ ዘመን ዝተመሥረተን ፮፻ ዓመታት ከቝጽር ሒደት ዓሰርታት ዓመታት ተሪፍዎ ዝርከብ እዚ ገዳም እዚ በቶም ኣብ ሃገርና ብዙኅ መንፈሳዊ ተጋድሎን ሓዋርያዊ ስራሕ ብዝሰርሑ ጻድቕ ብኣቡነ ዮናስ እዩ ተገዲሙ። ንካልእ ጊዜ ከም ፈቓደ ኣምላኽ ኣስፍሕ ኣቢልና ክሳዕ ነቕርቦ፦ ንሎሚ ኣሕጽር ኣቢልና ካብቲ ኣብ ክብረ በዓል ኣቡነ ዮናስ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ገዳምን እቶም ጻድቕን ካብ ዝተዘርገሐ ትምህርታዊ ጽሑፍን፤ ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ብመምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል ብዛዕባ እዚ ገዳም ካብ እተጻሕፈ ዓምዲ ብምቅንባር ነቕርብ ኣሎና ኣንበብቲ ከምዝጠቀሙሉ ብምእማን፡ በረኸትን ረድኤትን ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ዮናስ ምሳና ክኸውን ጸሎትና ነቕርብ።


