Thursday, January 27, 2011

ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ዮናስን ገዳሞምን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤ አሜን።
ቀዳማይ ክፋል
መእተዊ
እዚ ገዳም’ዚ ካብቶም ዓበይቲ ሓዋርያዊን ገዳማዊን ተልእኾኦም እናፈጸሙን ነዊሕ መስገደል መሰናኽልን ተጻብኦን ብምሕላፍ ታሪኾምን ሥርዓቶምን ዓቂቦም ኣብዚ ወለዶ እዚ ካብ ዝበጽሑ ህልዋት ገዳማት ኤርትራ ሓደ እዩ። ኣብ ከባቢ ቀዳማይ ርብዒ ናይ ፲፭ ክፍለ ዘመን ዝተመሥረተን ፮፻ ዓመታት ከቝጽር ሒደት ዓሰርታት ዓመታት ተሪፍዎ ዝርከብ እዚ ገዳም እዚ በቶም ኣብ ሃገርና ብዙኅ መንፈሳዊ ተጋድሎን ሓዋርያዊ ስራሕ ብዝሰርሑ ጻድቕ ብኣቡነ ዮናስ እዩ ተገዲሙ።

ንካልእ ጊዜ ከም ፈቓደ ኣምላኽ ኣስፍሕ ኣቢልና ክሳዕ ነቕርቦ፦ ንሎሚ ኣሕጽር ኣቢልና ካብቲ ኣብ ክብረ በዓል ኣቡነ ዮናስ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ገዳምን እቶም ጻድቕን ካብ ዝተዘርገሐ ትምህርታዊ ጽሑፍን፤ ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ብመምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል ብዛዕባ እዚ ገዳም ካብ እተጻሕፈ ዓምዲ ብምቅንባር ነቕርብ ኣሎና ኣንበብቲ ከምዝጠቀሙሉ ብምእማን፡ በረኸትን ረድኤትን ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ዮናስ ምሳና ክኸውን ጸሎትና ነቕርብ።



2. ታሪኽ ኣቡነ ዮናስ

2.1 ትውልዶም

ኣቡነ ዮናስ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ወርዳ ስርኹሶ ኣብ እትርከብ ሃገረ ቡር ወይውን ሃገረ መስቀል ኣብ ትብሃል ዓዲ ዕለት ፲፯ ኅዳር ፲፫፻፶፯ ዓ.ም. እዮም ተወሊዶም፤ ኣቦኦም ድማ ንዋየ እግዚእ ኣዲኦም ድማ ኂሩተ ማርያም ይበሃሉ። እዞም ሰብ ጽኑዕ ቃል ኪዳን ዝኾኑ ወለዶም ብሕጊ እግዚአብሔር ዝመላለሱ ኣዝዮም መንፈሳውያን ከምዝነበሩ ታሪኾም የረድእ። ካብ ወይኒ ወይኒ ይፈሪ ከም ዝብሃል ድማ ኣቡነ ዮናስ ካብዞም ጽኑዕ ሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ካብ ዘለዎም ወለዲ እዮም ተረኺቦም።

2.2 ኣተዓባብዪኦም

ኣቡነ ዮናስ ጌና ህጻን ከለዉ ከም ዝኾነ ናይ ጥንትን ገጠራዊን ኣተዓባብያ ዕድሚኦም ንጕስነት ምስኣኸለ ኣብ ጕስነት ኣባጊዕ ስድርኦም ተዋፈሩ። ይኹን ደኣ እምበር ካብ ህጻንነቶም ኣትሒዞም ፈታዊ ጸሎት ስለዝነበሩ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምኻዶም መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሎም መዝሙረ ዳዊትን ካልኦት ቅዱሳት መጻሕፍትን የንብቡ ነበሩ። ከምዚ ኢሎም ድማ ብህጻንነቶም ናብ መንፈሳዊ ሕይወት ኣድህቦ ስለዝገበሩ ናይ ምናኔ መንፈስ ሓደሮም።

2.3 ምንኵስናዊ ሕይወቶም
ነነዊሕ እዋን ብጸሎትን ሱባኤን ንኣምላኽ ከመልክቱ ድኅሪ ምጽናሕ ነቲ ኵሉ ናይ ዓለም ነገር ንድኅሪት ገዲፎም ካብ’ቲ ዝተወልዱሉ ሃገር እውን ርሒቖም ናብ ሃገርና መጹ። መጀመርታውን ናብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ዓረዛ ምድሪ ውዲ ሰበራ ኣብ እትርከብ ደብረ ሲና ኣብ እተባህለት ገዳም ኣተዉ። ኣብዛ ሕጂ ናብ ዓዲ ዝተለወጠት ጥንታዊት ገዳም ብሥጋ ኣኰኦም ንዝኾንዎም ኣቡነ ድምያኖስ ዝተባህሉ ዓቢ ባሕታዊ ረኸቡ። ብሓደ ውዒሎም ምስ ሓደሩ ድማ ምርጭኦም ንምናኔ ምዃኑ ኣቡነ ድምያኖስ ምስ ተረድኡ፡ ሓደ ንዓለም መኒኑ ዝምንኵስ መነኰስ ክመሃሮምን ክፈልጦምን ዝግብኦ ኵሉ ሥርዓተ ምንኵስና መሃርዎም፤ እዚ ማለት ድማ ብሉያትን ሓዲሳትን፥ መጽሓፈ መነኮሳት (አረጋዊ መንፈሳዊ፡ ማር ይስሓቅ፡ ፊልክስዩስ) ዝኣመሰሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ማለት እዩ።

ነዚ ዝተጠቕሰ ትምህርቲ ድማ ብዝግባእ ኣጽኒዖም ምስ ወድኡን ኣሞክሮኦም ምስ ፈጸሙን ኣብ መበል ፲፬ ዓመት ዕድሚኦም ኣብ ፲፫፻፸፩ ዓ.ም. ካብ ኢድ ኣቡነ ድምያኖስ መዓርገ ምንኵስና ተቐበሉ፤ ዮናስ ዝብል ስም ከኣ ተዋህቡ።

ብድኅሪ እዚ ሕጊ ምንኵስና ብፍጽምና እናሰዓቡ ካብቲ ቅድም ዝገብርዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ገድልን ትሕርምትን ብምዝያድ ለይቲ ለይቲ ጠራቒት ኣብ ዝተባህለ ቀላይ እናኸዱ ክጽልዩ ይሓድሩ ነበሩ፤ መዓልቲ መዓልቲ ከኣ ኣብ ጾምን ጸሎትን ስግደት ይውዕሉ ምንባሮም መጽሓፈ ገድሎም ይነግር። ተጋድሎ ብሕትውናኦም ድማ ንነዊሕ ዓመታት ከምዚ ኢሉ ቀጸለ። መጽሓፈ ገድሎም ከምዝሕብሮ ድማ ኣብ ሕይወቶም ብቕዓት ስለዝተራእየ ናይ ኣእዳዎም ኣጻብዕ ልክዕ ከም ጥዋፍ (ሽምዓ) ክሳብ ዝበርህ ኮነ። ኣብ ሰሰሙን ብኢዱ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ኅብስተ ኣኰቴት ጽዋዕ በረከት ካብ ሰማይ ይወርደሎም ከኣ ነበረ። ብኻልኦት ዕለታት ግን ሓሙሽተ ፍረ ዳዕሮ ወይ ድማ ሓሙሽተ ፍረ ዓየ እንተዘይኮይኑ ካልእ መግቢ ኣይበልዑን ነበሩ።

ብኸምዚ መንፈሳዊ ተጋድሎን ትሕርምትን ብጽንዓት ተወሲኖም ድኅሪ ምጽንሖም ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ቀላይ ኮይኖም እናጸለዩ ከለዉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደመና መጺኡ “ኦ ዮናስ ፈታውየይ ጸሎትካን ልማኖኻን ሰሚዐካ ኣሎኹ፤ ደጊም ክፍልኻ ተጋድሎ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ሓዋርያዊ ተልእኾ ቃል ወንጌል ምምሃር እዩ” በሎም። ንሶምውን “ወይኩን ፈቃድከ” ኢሎም ብትሕትና ትእዛዙ ተቐቢሎም ናብ ስብከተ ወንጌል ክዋፈሩ ነፍሶም ኣዳለዉ። ድኅሪ እዚ ብዙኃት ኣሕዛብ ናብ ዘለውዎ ቦታ እናተዘዋወሩ ብምስባኽ ካብ ግብሪ ኃጢኣት ናብ ግብሪ ጽድቂ፤ ካብ ኣምልኮ ጣኦት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር መለስዎም። ብዙኃት ድማ ኣሚኖም ይጥመቑ ነበሩ፤ ብዙኅ ተኣምራት ድማ ይገብሩ ነበሩ። ትሩፋቶምን ስብከቶምን ብምርኣይን ብምስማዕን ቍጽሪ ዘይብሎም ምእመናን ፈርዩን፤ ብሃይማኖቶምን ሰናይ ግብሪን ድማ ጸንዑን። ካብኣቶም ድማ ብዙኃት ናብራ ምናኔ ስለዝመረጹ ብኢድ ኣቡነ ዮናስ መንኰሱ። እቶም ዝመንኰሱ በብክፍሎም ገዳማት መሥሪቶም ብሓድነት ብሥርዓተ ጳኵሚስ ክነብሩ ምእንቲ ድማ ኣቦና ሥርዓት ገበሩሎም።

2.4 ዝተዋህቦም ጸጋን ቃል ኪዳንን
ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ዮናስ ካብ ፈጣሪኦም ብዝተውህቦም ጸጋ ሕሙማት ይፍውሱ ዕዉራት የብርሁ ምውታት የተንሥኡ ነበሩ። ከምኡ’ውን ብደመና ኢየሩሳሌም ከይዶም ኣብኡ ቀዲሶም ይምለሱ ነበሩ። እቲ ብሕይወት ሥጋ ከለዉ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መስቀል ናይ ኢዶም ሎሚ እውን ኣብ ውሽጢ ገዳም ደብረ ድኁኃን ተረኺቡ ብዙኃት ሕሙማት ይፍውስ ኣሎ። ክሓውዩ ዘይተፈቕደሎም እንተኾይኖም ድማ ሽዑ ንሽዑ ከም ዝዓርፉ መጽሓፈ ገድሎም ይሕብር፤ ሎሚውን ብመስቀሎም ዝተጠምዐ ማየ ጸሎት እናተሓጽቡ እናሰተዩ ካብ ዝነበሮም ሕማም ዝፍወሱ ቍጽሪ የብሎምን።

ኣቡነ ዮናስ ከምዚ ኢሎም ንኣምላኾም እናገልገሉ ድኅሪ ምጽናሕ ከምቲ ኵላቶም ቅዱሳን ኣብ ኣጋ ዕረፍቶም ካብ ኣምላኾም ዝወሃቦም ቃል ኪዳን ንሶምውን ተዋህቦም። “ኦ ፍቁርየ ዮናስ ኵሉ ዘጸውዐ ስምከ ወዘገብረ ተዝካረከ ወዘተማኅፀነ በጸሎትከ እሠሪ ሎቱ ኃጢኣቶ” (ኦ ፍቁረይ ዮናስ ኵሉ ብእምነት ስምካ ዝጸወዐ ዝኽርካ ዝገበረ ብጸሎትካ ዝተማኅጸነ ኃጢኣቱ ክስርየሉ እየ።) በሎም መዝ ፹፱፥፴፬ ማቴ ፲፥፵-፵፬ ዕብ ፮፥፲። በዚ ኣምላኽ ዝኣተወሎም ቃል ኪዳን ድማ ድኅሪኦም ዝተሥኡ ኵሎም ክሳብ ሕጂ ብዙኃት በረኸት ጸጋን ረኺቦሙሉን ተጠቒሞሙሉን እዮም።

አምላከ ሕያዋን እግዚአብሔር ምሉእ ቃል ኪዳን ኣትዩሎም ከብቅዕን ድኅሪ ዕረፍቶም ካብ መቓብሮም ዘይቲ ፈልፈለ። እቲ ዘይቲ ንዝሓመሙ ፈውሲ ዝህብ ኮይኑ ነቶም ደቆም ድማ ዘይቲ መብራህቲ ኮይኑ የገልግሎም ከምዝነበረ ይንገር። እቲ ኣብ መቓብሮም ዝነበረ ናይ ዘይቲ ምልክት ላህላህታ ድማ ክሳዕ ሕጂ ይረአ ኣሎ። ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ እውን መጽሓፈ ሰዓታት ኣብ ዝብል ድንቂ ናይ ጸሎት ድርሰቶም “ሰአል ለነ ዮናስ አቡነ ማኅቶተ ገዳም ዘታፈለፍል ዘይተ ከመ ሰሌሆም እምከርሠ መቃብር ኅቱም” ኢሎም ነዚ ፍሉይ ትእምርቲ ዘይቲ ጠቒሶሞ ይርከቡ።

2.5. ዕረፍቶም

ኣቡነ ዮናስ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ድኅሪ ምቕባሎም ፲፯ መጋቢት ፲፬፻፶፩ ዓ.ም. ኣብ መበል ፺፭ ዓመት ዕድሚኦም ነፍሶም ካብ ሥጋኦም ብኢድ መላእኽቲ ናብ ናይ ዘለዓለም ማኅደራ ከደት። ኣብዛ ሕጂ ደብረ ድኁኃን ተባሂላ ዘላ ገዳሞም ከኣ ብኽብሪ ተቐብሩ።

ኣቡነ ዮናስ ኣቦ ካልኦት ህልዋትን ዝበረሱን ገዳማት ኤርትራ ይኹኑ ደኣ እምበር መካነ መቓብሮም ግና ኣብዚ ገዳም ደብረ ድኁኃን ምዃኑ ካብተን ካልኦት ንሶም ዝገደምወን ተመሳሳልቲ ገዳማት ፍሉይ ይገብሮ።

2.6 በዓለ ተዝካሮም

በዓል ኣቡነ ዮናስ ዕለት ፳፩ ጥሪ ምስ በዓለ ዕረፍታ ለማርያም ብሓንሳብ ክኸውን ዝገበሮ ምኽንያት ኣቦና ኣብ ለበውኦም ንደቆም “ግበሩ ተዝካርየ ምስለ ማርያም እምየ” ስለ ዝበሉ እዩ እምበር ዝዓረፉሉስ ፲፯ መጋቢት እዩ። በዚ መሠረት በዓል ኣቡነ ዮናስ ኣዝዩ ደስ በዘብል ሥርዓት ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ብዝውሕዙ ነገዳያንን ብፍላይ ድማ ብሕዝቢ ቆሓይን ክብ ብዝበለ ድምቀት ዓመት መጸ ይኽበር።

ብዙኃት ቅዱሳን ኣቦታትና ንቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘለዎም ሓቀኛ ፍቕሪ ዝተበገሰ ዕረፍቶም ኣብ በዓለ ማርያም ወይውን ንሳ ኣብ እትዝከረሉ እዋን ክኸውን ንኣምላኾም ይልምኑ እዮም፤ ብኸምዚ ድማ ዕረፍቶም ምስቲ ናታ ዕረፍቲ ወይውን ዕርገት ክሰማማዕ ዝርከበሉ ጊዜ ውሑድ ኣይኮነን።
                                                                                                       
ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment