Tuesday, January 4, 2011

ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢ ብስራት!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፣

ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ቅድሚ 2003 ዓመት ቅድሚኡ ዘይተራእየ ብሕጂውን ክረአን ክድገምውን ዘይከኣል ኣዝዩ ዘደንቕ ነገር ኣብ ልዕሊ እዛ ንነብረላ ዘሎና ምድሪ ተገልጸ፣ እዚ ንዝዛረቦ ይኹን ንሰማዒኡ ዕጹብ ዝኾነ ፍጻመ፣ ነገሥታት ኣብ ዝረከቡሉ ኣብያተ መንግሥቲ ወይ ሕልፍኝ ወይ ህዝቢ ኣብ ዝመላለሰሉ ኣደባባይ ወይውን ሰባት ክረኣዩሉን ክርከቡሉን ኣብ ዝብህግዎም ስፍራታት ኣይኮነን ተፈጺሙ፣ ሓታታይን መላሳይን ሰብ ኣብ ዘይርከበሉ ሰብውን ከመላለሰሉን ክጸንሓሉን ኣብ ዘይብህጎ ኣብ መብልዕ ማል እምበር፣

እቲ ነቢይ እግዚአብሔር ዝተነበየላ ቤተልሔም ከተማ ድንቂ ነገር ኣብ ከርሳ ተፈጸመ። ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ቃል ብስራትን ድምፂ ምስጋናን ዝማሬ ሰማያውያን ተሰምዓላ፣ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእዩሉ ኣገባብ ምድራውያንን ሰማያውያንን ተጋብኡላ፣ ትንቢት ነቢያትን ተስፋ አበውን ትጽቢት ኣዳምን ደቁን ኣብዛ ከተማ ተፈጸመ፣ እወ ኣምላከ ኣማልክት ወእግዚአ ኣጋእዝት ወንጉሠ ነገሥት ዝኾነ ጐይታ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዛ ከተማ ተወልደ፣

ፈጣሬ ዓለማት ናይ ነገሥታት ንጉሥ ብሥጋ ማርያም ተገሊጹ ብግእዘ ህጻናት ክዛረብ ከሎ ተራእየን ተሰምዐን፣ ነታ ዝወለደቶ ድንግል ኣደ ዝበጽሕዋውን ቅድሚ ኵሉ ምድራውያን ሰባትውን ኣይነበሩን፣ እልፍ ኣእላፋት ወትእልፊት ዝብዝኆም ሠራዊት እግዚአብሔር ዝኾኑ ቅዱሳን መላእኽቲ እምበር፣ ንሳቶምውን ነዚ ድንቂ ነገር ነቶም ኅሩያት እግዚአብሔር ከበስሩ ናብቲ ዓለም ክቡራት እትብሎም ነገሥታትን ዓበይቲ ዓድን ኣይኮነን እተላእኩ፣ ናብ መን ደኣ መን እዮም ደኣ እዚኦም ነዚ ዓቢ ብስራት ቅድሚ ኵሉ ክሰምዑ ዝተኃርዩ 



ምስ መላእኽቲ ዝዝመሩ ጓሶት
እዞም ቅዱሳን መላእኽቲ ነዚ ዓቢ ብስራት ሒዞም ብዘገርም ኅርያ ናብቶም ምሉእ ለይቲ ማሎም ክሕልዉ ኣብ በረኻ ዝሓደሩ ጓሶት እዮም ከይዶም፣ ነዛ ብስራት ክሰምዑን ክርእዩን ኣዳምን ደቁን ን፭ሺ፭፻ ሚእቲ ዓመታት ደገ ጸኒዖም፤ በብዘመኖም ሱባኤ ቖጺሮም፤ ትንቢት ድማ በብዓይነቱን ሕብሩን ኣምሳሉን ተዛሪቦም እዮም፤ ስለታ መዓልቲ ክውን ምዃን ባህጎምን ድሌቶምን ብንብዓት ብኣስተንትኖን ንኣምላኽ ለሚኖም እዮም፣ ነዚ ግና ክሰምዑ ቅድሚ ኵሉ እቶም ንቑሓት ጓሶት እዮም ተበሲሮም፣

ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ዘለዉሉ ክብሪ እግዚአብሔር ይግለጽ እዩ እሞ ኣብ ዙርይኦም ብርሃን በርሀ፣ እንታይ እዩ ነገሩ! እንታይ ተኣምረ ብርሃን እዩ ኣብዚ ለይቲ ኢሎም ፈርሁ፣ እቲ መልኣኽ ግና እንሆ ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ ተወሊዱልኩም… ” በሎም ምስቶም ኣብ ዙርይኦም ነዚ ሓጐስ ክጽንብሉ ዝመጹ መላእኽቲ ድማ ብሓንሳብ ዘመሩ ኣመስገኑ፣ እግዚአብሔር ነዞም ጓሶት ዝሃበ ጸጋ ክንደይ ዓቢ እዩ፤ እዞም ጓሶት ነዚ ነገር ካብ ኣፍ መላእኽቲ ምስዖም ክንደይ ተሓጒሶም ይኾኑ ነዞም ጓሶት ካብ ካልእ ዓለም ፈልዩ ዘኽበረ ምርጫ እግዚአብሔር ፍሉይ እዩ፣ ምድራውያን ሰባት ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ ብሥምረት ዝዝመሩሉን ዘመስገኑሉን ጥበብን ጸጋን ከ ክንደይ ይረቅቕ

እቶም ለባማት ጓሶት ግና ነቲ ዝሰምዕዎ ብኣዒንቶም ክርእዩ ኣይተደናጐዩን፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝገልጽዎ ነገረ እግዚአብሔር እዩ እሞ ነቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ክርእዩ ተቀላጢፎም “ንዑናይ” ተባህሂሎም ናብ ቤተ ልሔም ገስገሱ፣ ሽዑ ድማ ብግእዘ ህጻናት ንጐይታ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግልን ዮሴፍን ረኸብዎ፣

ኦ ህዝበ ክርስቲያን ንሕናውን ነዚ ብስራት ካብ ሰማዕና ንኺድ ደኣ እወ ንኺድ ናብቲ ስሌና ክብል ንዝተገልጸ ጐይታ ምስ ኣዲኡን ቅዱሳኑንን ምእንቲ ክንረኽቦ፤ እወ ናብ ቅድስት ቤቱ ንኺድ!

ንጐይታ ግና ኣበይ ረኸብዎ
ኣብታ ቆራር እዋንን ለይትን ኣብቲ ክብርቲ ዘይትመስል ዝነበረት መብልዕ ማል ፀሓየ ጽድቅ ጐይታ ክውለድ ከሎ ቅድሚ ኵሉ ትንፋሶም ዝወፈዩን ዘማምቕዎን ፍጥረቱ ዝኾኑ ኣልሕምትን ኣእድጉን እዮም ነይሮም፣ ኣዲኡ ድማ ብጨርቂ ጠቕለለቶ፣ ሰባት ደቂሶም ንኵሉ ዓለም ብስራት ዝኸውን ነገር ኣብ ከባቢኦምን ኣብ ጥቕኦምን እናተፈጸመ ከይረኣዩ እንሰሳት ግና ናይዚ በረኸት ተሳተፍቲ ኮይኖም፣ ዘደንቕ እዩ፣ ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ መርግጽ እግሩ ዝኾነ ልዑል ኣምላኽ ነዛ ጸባብ ስፍራ ምምራጹ ከ ክንደይ የደንቕ፣ ውረደትና ክዋረድ፤ መከራና ክጸውር ጐይታ ነዛ ስፍራ ምምራጹ ብሓቂ የደንቕ እዩ፣ መድኃኒት ክኸውን ከምዝመጸ ዝፈለጡ ቅዱሳን መላእኽቲ ኸ ጐይትኦም ነዛ ስፍራ ምምራጹ ክንደይከ ኣስተንኪሮሙሉ ይኾኑ

እቲ ካልእ ዝገርም ነገር ነዚ ዓቢ ብስራት ቅድሚ ኵሉ ሰብ ብኣፍ ብስራታዊ መጋቤ ሓዲስ ቅዱስ ገብርኤል ዝሰምዐት ብጽዕትን ቅድስትን ምልእተ ጸጋን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንማኅጸና ከተማ ገይሩ ትሽዓተ ወርሒ ሓሙሽተ መዓልትን ንዝገበረ ጐይታ ጸይራ ምስ ጻድቕ ዮሴፍ መዓልታ ኣብ ዝኣኸለሉ ከምቲ ትእዛዝ ቄሳር ከም ሰባ ክትቍጸር ናብ ቤተ ልሔም ኣብ ዝኣተወትሉ ንእኣ ዝኸውን ስፍራ ዘይምርካቡ እዩ፣ ኵሉ እቲ ጸጽቡቑ ንካልእ ሕዙእ ስለዝነበረ ንኣደ ኣምላኽ ዝኸውንን ዝበቅዕን ስፍራ ሰባት ኣይነበሮምን፣ ዋናታት ቤት ኣብ ቤተልሔም ኣይተዓደሉን፣ ጥበብ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ንኡኡ ዝፋኑ መኅደሪኡ ንክትኮኖ ንዝመረጻ ኣደን ሓላዊኣ ዮሴፍን ዝኸውን ሰባት ነዚኦም ፍሉያት ኣጋይሽ ስፍራ ዘይምርካቦም የሕዝን ነበረ፣ ሎሚ ኸ ንሕና ደቂ ሰባት ነዚ ልዑል ጐይታን ክብርቲ ወላዲቱን ኣብ ልብና ኣብ ሕይወትና ስፍራ ኣሎና ዶ

እወ እዛ ፍልይቲ መብልዕ ማል ኣምሳል ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ፣ ጐይታ ምስ ወላዲቱ ዝርከበላ፤ ኅሩያት ኣምላኽ ዝኾኑ ጻድቃን ቅዱሳን ምስ ሰማያውያን መላእኽቲ ዝርከቡላ፤ ንኣሽቱ ጓሶት ዓበይቲ ሰብ ጥበብ ነገሥታት ካብ ርሑቕን ቀረባን መጺኦም ዝሰግዱላን ኣምኅኦም ዘቕርቡላን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ፣

ኅሩያት ሰባት ካብ ርሑቕ ይኹን ቀረባ “ንኺድ” ናብኣ እናበሉ ክግስግሱ ደቂ ዓለም ግና ኣብ ከባቢኦም ጥቕኦምን ዓቢ ሰማያዊ በረኸት እናፈሰሰን ምሥጢራት እናተገልጸን ዘለኣለማዊ ሕይወት እናተሓፍሰን ሰላምን ፍቕርን ብርሃንን ኣብዛ መብልዕ ማል እናተዓደለን ከስተውዕልዋ ኣይተረኽቡን፣ ንዝፈለጣስ እዛ ንዕቕቲ እትመስል ግና ክብርቲ ኣማናዊት መብልዕ ማል ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ፣ ኣማን ብኣማን ጸጋ እግዚአብሔር ሕይወት ንምርካብ ናብኣ ንኺድ፣ ጐይታ ኣብኣ ስለዝርከብ፣


ግና ኣምላኽ ስለምንታይ ክውለድ ሰብ ክኸውን ደለየ 
መሠረቱ ኣዳም ኣቦና እዩ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ልዕሊ ኵሉ ፍጥረቱ ኣኽቢሩን ኣልዒሉን ፈጢርዎ ከበቅዕ እቲ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም በቲ ዝተዋህቦ ቅድስናን ጸጋን ክጸንዕ ኣይከኣለን፣ ኣይትግበር ዝተባህሎ ስለዝገበረ ክትመውት ኢኻ ዝብል ፍርዲ ሰዓቦ እሞ ናይ ሞት ሞት ድማ ሞተ፣ ፍቕሪ ዝባህርይኡ ኣምላኽና ግና ብኸምኡ ጠፊኡ ክተርፍ ኣይሓደጐን፣ ጣዕስኡ ርእዩ ብኽያቱ ሰሚዑ ንስሕኡ ተቐቢሉሉ፣ ጽኑዕ ተስፋ ድማ ሃቦ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ካብ ጓል ጓሉ ተወሊዱ ከድኅኖ ፈቓዱ ኮይኑ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ፣

እወ ቅዱስን ርኅሩኅን ኣምላኽና! ብሞቱ ሞትና ክድምስስን ክብጀወናን ናቱ ክገብረናን፤ ነታ ኣቐዲሙ ዘተስፈወና መንግሥቱ ድማ ክንወርስ ብኸመይ መገዲ ክንነብር ከምዝግብኣና ክምህረናን ክንገብሮ ብዛዕባ ዘሎና ኵሉ ኣርኣያ ክኾነናን፤ ከምቲ ኣቐዲሙ ብኣፍ ነቢያት ገይሩ ዝዛረቦ ዝነበረ ዘይኮነስ ንሱ ባዕሉ ኣብ ሞንጎና ተረኺቡ ሕይወት ዝህብ ቃሉ ከስምዓናን ክቐርበናን ፈቓዱ ኮይኑ እዩ፣ ክንፈልጦ ዝግብኣና ኵሉ ምስጢራት ድማ ብቅዱሳን ሓዋርያቱ ኣቢሉ ገለጸልና፣

ሎሚ ኸ
ሎሚ እዚ ዓቢ ውዕለትን ግብሪ ኣምላኽን ብገሊኡ ክርሳዕን ክዝንጋዕን ከሎ ብዝበዘኀ ክፋል ዓለም ድማ ዓለማዊ መልክዕ ሒዙ ዘይትርጉሙ ለቢሱ ከም መዘናግዕን ስጋዊን ዓለማዊን ሓሳባት ጥራይ መፈጸሚ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፣ ልደት ጐይታ ከም መመቀሪ ዓለማዊ በዓላትን ባህልታትን እኳ ደኣ ባይታ ፍረ ሥጋ ኮይኑ ካብ ዝቕመርን መንፈሳዊ ትርጉሙን ቀንዲ መልእኽቱን ካብ ዝስሓትን ዓመታት ኣቝጺሩ፣

እግዚአብሔር ኣምላኽ ብኸምዚ ዘድንቕ ጥበቡ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ መከራ ጸጊቡ ከምቶም ዝቐደሙ ሞት ተፈሪድዎም ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቖም ኣብ እግሪ ኣጋንንቲ እናተቐጥቀጡ ዝነበሩ ከይንኸውን ካብቲ ዝረሓቕናሉ ክንምለሰሎም ዝግብኡና ነገራት ከምዘለዉ ብክቡር ልደቱ የዘካኽረና ኣሎ፣

ስለቲ ካብቲ ብኸንቱ ንደኽመሉን ንባኽነሉን ዘሎና ሕይወት ሓንሳብ ደው ኢልና ውሽጥና እንተንምርምር ነቲ ካብ ባርነት ዲያብሎስ ብመስቀሉ ሓራ ኣውጺኡና ከብቅዕ ፍቓዱ ክንምልእ ዝኣዘዘና ጐይታ ነሕዝነሉ ኣካይዳ እምብዛ በዚኁ ከምዝርከብ ነፍስና ምነገረና፣ ሎሚ ፍቓድን ትምኒትን ሥጋናን ዓለምን ጥራይ ክንስዕብ ዳግማይ ግዙኣት ዲያብሎስ ንኸውን ኣሎና፣ ካብ ደምበ ቅድስት ቤቱ እናረሓቕና ኃጢኣት ኣብ ዝነገሠሉ ኣብ ደምበ ዲያብሎስ ንእከብ ኣሎና፣ በዚውን ንኣምላኽና ነቆጥዖን እቲ ስሌና ዝኸፈሎ ብዋጋ ዘይሽነን ካሕሳ ድማ ከንቱ ንገብሮ ኣሎና፣ እቲ ስለ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ዝተቐበሎ ኵሉ መከራን ዝፈጸሞ ምሥጢርን ድማ ነሽካዕለሉ ኣሎና እሞ ነስተውዕለሉ፣ እወ ናብታ ኣምሳል ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ዝኾነት ቅድስት ቤቱ ንመለስ። ስለቲ ዝሓለፈ በደልና ንጠዓስ ንነሳሕ፣ ብዝኅን መጠንን በደልና ብዘየገድስ ኣምላኽ ይቕረ በሃላይ እዩ እሞ እንተተመለስና ንሱውን ክምለሰና እዩ፣ ሕጂውን እንተተመለስናዮን እንተቐረብናዮን ደቀይ ክብለና ብቃሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፣ ዳኅራይ ዝኾነ ምስ ኮነ ዋይታ ዝጠቕመና ኣይኮነን፣ ብክበብ ትስብእት ብሥጋ ማርያም ብእልፍ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእክቲ ተዓጂቡ እናተመስገነ ኣብ ዝመጸሉ ሽንካር ኢዱን ጎኑን እናረኣና ዘኪርና እንተበኸና ብኽያትናን ዋይታና ኣይጠቅምን እዩ፣ ብግዚኡ ድኣ ሎሚ ኣብቲ ኢዱ ንምሕረት ተዘርጊሓትሉ ኣብ ዘላ ግዜ እንተተመለስናን ኣብ ሕቝፉ እንተኣተናን እዩ ምሕረት ዝህበና፣

ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢ ብስራት” ተባሂሉ ዝተበሰረ ቃል ትርጉሙን ርዝነቱን ከነስተውዕሎ ልዕሊ ኵሉ ንዕዑ ዝኸውን ሕይወት ክህለወና ይግባእ፣ ሎሚ ነዚ ዓቢ ሓጐስ ደቂ ሰባት ዝኾነ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈለጥናን ትርጉሙን ክብሩን ዝተሰወጠና ነዚ ብርሃን ኣብ ውሽጥና ነብርህ፣ ናብ ኣማናዊት ቤተ ልሔም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንገስግስ፣ ነቲ ቅድሚ ኣሽሓት ዘመናት ዝተዘመረ ሰማያዊ መዝሙር ደጊምና ንዘምሮን ስለቲ ዘይንገር ውህብቱ ድማ ንኣምላኽ ነመስግኖ፣ እወ “ስብሓት ለእግዚአብሔር በሰማያት በሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ” ንበል፣ 

4 comments:

  1. መን ምዃንኩም እኳ እንተዘይፈልጥናኩም ብሓቂ ደስ ዘብል ትምህርተ ሃይማኖትን ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ሃይማኖትና ዝተኸተለ ኣጀማምራ እዩ እሞ ቀጽልዎ። ብኸምዚ ድማ ቃለ ህይወት ክትምግቡና ኣምላከ ቅዱሳን ጸግኡ የብዝሓልኩም። ምጅማር ዘይኮነስ ምፍጻም እዩ ፍረ ዝህብ እሞ በርትዑ።

    ReplyDelete
  2. Des kebel, egziabher yemesgen but I am concerned in terms of authorship. It is not clearly stated, It is very difficult to state only Eritrean Orthodox Church. This could give the opportunity for anonymous group to use the name of the church illegally and may be for "menfekena" purpose.

    It is great move and please keep it up

    egziabher hailu yehabkum

    ReplyDelete
  3. ኣሜን፣ ኩቡራት ኣቦታት ሊቃውንቲ ክርስትና
    ኩሉ ግዜ ምስ ኣምላክን ሃቅታቱን ህግታቱን ኮንኩም
    ንህዝብኹም ዳኣ ጓስዩ፣ ኣብ ዚ ሎሚ ዘመናት ከም
    እንርእዮ ዘሎና ብዙሓት ሰባት ይደናገሩ ብዙሓት መራህቲ
    ሃይማኖት ውን ብ መራሕቲ አዛ ኣለም ይሕበሉን ኣለዉ፣
    ኣለም ምስ ነጋውሳ ከም ኣውሊ ንግሆ ክሓልፉ እዮም እቲ
    ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ኣብ ፍርዲ ዘድሕነና ትእዛዛት
    ኣምላክ ድኣ ንሓሉ ህዝብና ንጓሲ ፣ ካም መናፍቓን ኮነ ካብ
    እዞም ተዃሉ መራሕቲ ኣለምን፣ እግዝኣቢሀር ኣይጥበርን አዩ
    ኣሜን።

    ReplyDelete