Friday, January 28, 2011

ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ዮናስን ገዳሞምን

ካልኣይ ክፋል
3.1 ስያመ 


ምሉእ ስም ናይዚ ገዳም’ዚ ደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ ዝበሃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ድኁኅ ማለት ድማ ዝተፋሕረ፡ ውቝር፡ ጽሩብ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ደብረ ድኁኃን ዝብል ስም ነቲ በዓትታት ዝርከቦ ብዓበይቲ ኣእማን ዝመልአ ቦታ ዳንጉላ የመልክት። ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ናይዚ ገዳም መሠረት ብዝገበረ ኣጸዋውዓን ካብቲ ላዕላይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካልኣይ ገዳሞም ደብረ ጽጌ ንምፍላይን እዚ ገዳም እዚ ብእንዳ ኣቡነ ዮናስ ታሕታይ ይፍለጥ። 

3.2 መልክዓ ምድሪ (ኣቀማምጣ) 

እዚ ገዳም እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይምነ ዝርከብ ኮይኑ ካብ ኣሥመራ ኣስታት ፻፶ ኪ.ሜ ይርሕቕ። ካብ ርእሲ ከተማ ናይዚ ንኡስ ዞባ ማይምነ ድማ ንደቡብ ምዕራብ ገጽ ኣዝዩ ቀረባን ካብ ፭ ኪ.ሜ ዘይርሕቕን (ግምታዊ) ዝኾነ ገዳም እዩ። ከባቢ እዚ ገዳም ብዓበይቲ ደንጉላ እምኒ ዓረ ዝተኸበ እዩ። 

3.3 ኣመሠራርታ 

ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ ካብ ዝመሥረትዎም ገዳማት ሓደ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ፲፬፻፳፰ ዓ.ም. ኣቢሉ ከምዝተገደመ ታሪኽ ናይቲ ገዳም ይገልጽ። 


3.4 ኣበርክቶ (ፍረ) ገዳም 

እዚ ገዳም እዚ ካብ ፲፬ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብምፍጻም ዝልለን ገዳም ኮይኑ ብዙኃት መንፈሳውያን ኣቦታት ዘፍረየ ጥንታዊ ገዳም ምዃኑ ይፍለጥ። 

እዚ ገዳም እዚ ኣቀማምጣ ቦትኡ ጽኑዕ ብምዃኑን ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ደናጉላታት ብቀሊሉ ዘይድህሰስ ናይ ዓረ በዓቲ ዝርከብዎ ስለዝኾነ ብወረርቲ ከይጥቃዕ ብዙኅ ዘፍርሕ ኣይነበረን። እዚ ጽንዓት እዚ ስለዘለዎ ከኣ ብዙኃት ብኽብሪ ዝጥመቱ ናይ ሃይማኖት፥ ታሪኽ፥ ፍልስፍና መጻሕፍቲ ዝዓቀበን ናብዚ ወለዶ እዚ ዘሰጋገረን ገዳም እዩ። 

3.5 ተመሳሰልቲ ገዳማት 

ኣቡነ ዮናስ ዝጽልዩሉ ዝነበሩ በዓቲ ኣብ ውሽጡ ስፍሕ ዝበለ ኮይኑ መቅደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ቤተልሔምን መቐመጢ ንዋየ ቅዱሳትን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ኣቡነ ዮናስ ብዙኃት ገዳማት ከም ዝመሥረቱ ይፍለጥ። ንኣብነት ዝኣክል፦ 
  1. ደብረ ድኁኃን ቆሓይን 
  2. ደብረ ጽጌ ትምዛእ 
  3. ደብረ ጽዮን ዓዲ ውስኽ 
  4. ደብረ ጸሪቅ ትግራይ ተምቤን 
  5. ደብረ ሣህል ኣብ ከባቢ ምድሪ ሰበራ ዝነበረ ገዳም ምዃኑ ይዝንቶ። ብናይ ሓዊ ሓደጋ ስለ ዝነደደ ግና ሕጂ ናብ ዓዲ ገጹ ዘምርሐ ገዳም ምዃኑ ይንገር። 
3.6 ክብጻሕን ክስተወዓልን ዘለዎ ታሪኽ እዚ ገዳም 

ቀጺልና ዝኾነ ናብዚ ክቡር ገዳም ክነግድ ዝነቅል ሰብ፡ በረኸት ክረክብን ታሪኽ ክፈልጥን ክርእዮምን ክፈልጦምን ካብ ዝግብኡ ገለ ውሑዳት ጸጋ ናይዚ ገዳም ካብ ዝኾኑ ክንጠቅስ፦ 

  • ኣቡነ ዮናስ ብኢዶም ዝሕዝዎ ዝነበሩ መቖምያ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ትእምርተ መስቀል ዝዓይነቱ ክሳዕ ሎሚ ኣብዚ ገዳም ተዓቂቡ ይርከብ ኣሎ። ብእኡ ገይሩ ማለት ብሕጻብ ናይቲ መቖምያኦም ዝተሓጽበ ካብ ዝነበሮ ሕማም ይፍወስ። 
  • ጻድቕ ኣቦና ዝቕመጡላ ዝነበረት መንበር ኣብዚ ገዳም ኣሎ። 
  • ኣብ ኢዶም ዝሕዝዎ ዝነበሩ ሓጺን መስቀል ኣሎ። ሓድሽ መምህር ኣብ ዝሽየመሉ ጊዜ ነቲ መስቀል ኣብ ኢዱ ይሕዞ ካብ መምህር ናብ መምህር እናተመሓላለፈ ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣሎ። 
  • ኣብ ክልተ ቦታታት ከኣ ኣሠር እግሮም ኣብ ከውሒ ምልክት ኮይኑ ይርአ። 
  • ብፁዕ ኣቡነ ዮናስ ዝጽልዩሉ ዝነበሩ በዓቲ ኣፍ ደጊኡ ሓደ እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጡ ግን ምሉእ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ማለት ቤተ መቅደስ፥ ቅድስት፥ ቤተ ልሔም ፥ እንዳመጻሕፍቲ ካልኦት ንብረትን በብክፍሉ ዝሓዘ ኣሎ። 
  • ካብ መቓብሮም ናይቲ ዝፍልፍል ዝነበረ ዘይቲ ኣሰር ምልክት ኣሎ። ናይቲ ዘይቲ መቕድሒ ዓቢ ገንኢ ምስ መቕድሒኡ ኣሎ። ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ ፲፪ ዝኸውን ናይቲ ዘይቲ መብርሂ ዝነበረ ድማ ክሳብ ሎሚ ኣሎ። 
  • ንኣቡነ ዮናስ ዝመሃሩን ዘመንኰሱን ኣቡነ ድምያኖስ መቓብሮም ኣብዚ ገዳም እዚ እዩ ዝርከብ። ዝናብ ኣብ ዝጸንዓሉ እዋን ነቲ ኣስከሬን ኣቡነ ድምያኖስ ዝሓዘ ሳጹን ብምውጻእ ምህለላ ይግበር እሞ በቲ ኣምላኾም ዝሃቦም ቃል ኪዳን መሠረት ዝናብ ይዘንብ። ነዚ ምስክሩ ድማ እቲ ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ እዩ። ምኽንያቱ ክንደይ ጊዜ ካብዚ ጸጋ ቅዱሳን ተሳታፋይ ስለዝኾነን ብኣዒንቱ ዝረኣዮን ስለዝኾነን እዩ። 
  • እዚ ገዳም እዚ ኣብ ካልኦት ገዳማት ብብዝኂ ዘይርከቡ ጥንታውያን ብራናዊ መጻሕፍቲ ሒዙ ኣሎ። ገለ ውሑዳት ንምጥቃስ ገድለ ቅዱሳን ዝሓዘ ገድለ ዮሓንስ፥ ዜና ኣርድእት፥ ውዳሴ አምላክ፥ ብሉያትን ሓዲሳትን ዘጠቓለለ ፹፩ዱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሓባርን ብንጹልን፥ መጽሓፈ ቀሌምንጦስ፥ ገድለ ሰማእታት፥ ገድለ ኣዳም፥ ገድለ ዮናስ፥ ገድለ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ፥ ገድለ ኣቡነ ኣብሳዲ፥ ገድለ ኣቡነ ሙሴ፥ ሃይማኖተ አበው፥ ስንክሳር ወዘተ 
  • ጽሑፋዊ ሕጊ እንዳ ኣባ ካብ ዝኾነ ሓደ ሕጊ ኣድከመ ምልጋዕ እቲ ቀዳማይን ጥንታዊን ቅዳሕ ኣብዚ ገዳም እዚ ብኽብሪ ይቕመጥ ከምዝነበረን ኣጽራር ታሪኽ ዝኾኑ ግና ከምዘጥፍእዎ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይገልጹ። 


3.7 መደምደምታ 

እዚ ገዳም እዚ ብዙኅ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሃብቲ ሃገርን ሓቝፉ ዝርከብ ከም ምዃኑ፤ ኣብ ዕብየት ሓዋርያዊ ስራሕ ቤተ ክርስቲያንውን ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮን ብዙኃት ተምሃሮን መምህራንን ዘፍረየ ገዳም ከም ምንባሩ መጠን ሕጂውን ስለቲ ክህልዎ ዝግባእ ዝያዳ ኣበርክቶን ካብቲ ድኻሙ ንምንጋፉን ብዙኅ ጻዕሪ ዘድልዮ ገዳም ምዃኑ ርዱእ ነገር እዩ። 

እቲ በብዘመኑ ዝገጠሞ ተጻብኦ ጥራይ ዘይኮነስ ሕጂውን ካብቶም “መንፈሳውያን መራሕቱ” ዝተፈላለየ ጸገምን ተጻብኦን ዘይተፈልዮ ስለዝኾነ ስለ ሓድነት እቲ ገዳምን ዕብየቱን ኵሎም ደቂ ተዋሕዶ ነቒሖም ክሕልውዎ ይግባእ። 

3.8 ለበዋ 

ካልኣይቲ ገዳም ኣቡነ ዮናስ ደብረጽጌ ትምዛእ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብዝተነበዩላ መሠረት ስለዝተገደመት ኵሎም ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክብሪ ኣቡኦም ንምግላጽ ዝኣክልን ደብረ ጽጌ ድማ ማእከላይ ቦታ ስለዝኾነትን ክሳብ እዚ ቅሩብ እዋን ዕለት ፲፰ መስከረም በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብዛ ገዳም እዚኣ እናተኣከቡ የብዕልዎ ምንባሮም ይዝንቶ። እቲ መሪሕ ቃል ድማ “ ዮም ውሉዱ ኵልክሙ በፍስሓ ኃቢረክሙ ለኤዎስጣቴዎስ አቡክሙ ግበሩ ተዝካሮ እንዘ ትብሉ ውዳሴሁ አማን ፍጹም ምንኵስናሁ” (ሎሚ ኩልኹም ደቁ ብሓባር ተሓጕስኩም ነቦኹም ኤዎስጣቴዎስ ምንኵስናኡ ፍጹም እዩ እናበልኩም ወድስዎ፤ ዝኸበረ በዓሉ ከኣ ግበሩ) ዝብል ነበረ። ብዘይካ እቲ ዝነበሮ በረኸት እዚ ሰናይን ንሓድነትን ሓዋርያዊ ዕዮን ቤተ ክርስቲያን ልዑል ሓገዝ ዝነበሮ ጉባኤ ቅድሚ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ተቋሪጹ ይርከብ። ሎሚ ከ ስለምንታይ ክጅመር ቤተ ክርስቲያንን ሥምረት ገዳማትን ተበግሶ ዘይወሰዱ፧ 

ገዳማትን ገዳማዊ ኣቦታትን ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ዓመት መጸ ቃል ኣቡኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምኽባሮምን ስለ ዝተፈላለየ ጕዳያትን ሕግታትን ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን እዋናዊ ኵነታቶምን ምምካሮምን ክንደይ ረብሓ ከምዝነበሮ ዝስሕቶ ሰብ የልቦን። ኣገዳስነቱ ተራእዩ ስለ ምንታይ ከ ሎሚ ዳግማይ ዝበራበረሉ ኣገባብ ዘይናደ ኢልና ክንሓትት ዝቕስበና እዋናዊ ጕዳያት ቤተ ክርስቲያን ከምዘሎ’ውን ኣዒንትና ዝርእዮን ልብና ዝምስክሮን ሓቂ እዩ። እሞ ኸ ሎሚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብብዙኅ ማእዝን ኣብ ፈተናን ነውጽን ኣብ እትርከበሉ ግዜ ንዓለም መኒኖም ብጸሎት ጽሙዳት ዝኾኑ ኣቦታት ክመኽሩን ስለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝሓሸ ኣገባብን ሓሳባትን ከቕርቡ ዝያዳ ካልእ ግዜ ሎሚ እቲ ግዚኡ ኮይኑ ክስምዓናውን ግድነት እዩ። ስለ ሓዊረ ፍኖት ቤተ ክርስቲያን ገዳማውያን ኣቦታትና እንተዘይመኺሮምን ከምቶም ዝቐደሙ ኣቦታቶም ንዝተጋገየ እንተዘይመሊሶም፤ ኣይምለስን ንዝበለ ድማ እንተዘይፈልዮም፤ ብሥጋ ንዝጥጆ ምኽሪ ዲያብሎስ ካብ ምኽርን ሕግን ሥርዓትን ሓዋርያት ፈልዮምን ኣነጺሮምን ብትብዓት እንተዘይነጊሮም፡ ንቤተ ክርስቲያን ካብቲ ናይዚ ዘመን ተዃሉ እንተዘየናጊፎም፡ እወ ንሳቶም እንተዘይመኺሮም ደኣ መን ክመክር?! ንሳቶም ተዛሪቦም እንተዘየስሚዖም መን ክዛረብ እሞ ንመን ከስምዕ፧! ንሳቶም እንተዘይተሰሚዖም ከ መን ደኣ ክስማዕ፧ ንሕና ካብ ቅድስቲ ሃገርና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብራ ርሒቕና ኣብ ስደት እንርከብ ደቅኹም ብትሕትና ለበዋና ከነቕርበልኩም ንፈቱ። ሥምረትኩም ዘይደልዩን ከፈላልዪኹም ድቃስ ለይቲ ዘይብሎም ከምዘለዉ ልብኹም ይፈልጦ። ናትኩም ድኻም ናይ ቤተ ክርስቲያን ድኻም ምዃኑውን ከም ፀሓይ ቀትሪ ዝተዀልዐ ሓቂ እዩ። ስለዚ ኣባጊዕን ጓሶትን ቤተ ክርስቲያን መሲሎም ገዳማትና ከፋፊሎም ከዳኽሙ ንዝፍትኑ ኵሎም ጸማም እዝኒ እናሃብኩም ብጸሎትኩምን ብምኽርኹምን ነዛ ቤተ ክርስቲያንን ደቃን ከምቶም ቀዳሞት ኣብነት ክትኮንዋ ሓደራ ንብል። 

በረኸትን ረድኤትን ኣቡነ ዮናስ ምስ ኵላትና ይኹን፤ 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ 

ነስተውዕል፦ ዝተፈላለዩ ጸሓፍቲ ብዛዕባ ዘመን ልደትን ተዛመድቲ ታሪኽን ኣቡነ ዮናስ ዝጋነን ኣይኮነን ደኣ እምበር ዝተፈላለየ ፍቕዲ ዘመን ከምዘቕምጡ ርዱእ ኮይኑ ኣብዚ ጽሑፍ ግና ብመሠረት ማሕበር ገዳም ደብረ ድኁኃን ዝዘርገሖ ጽሑፍ ተመሪሕና ነተን ዓመታት ከምዘቐመጥናዮ ከነብርህ ንፈቱ። ነቲ ፍልልያት ዓመታት ግና ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ንዝፍትሹ ዝያዳ ክጽሕፉሉ ንገድፎ። 


No comments:

Post a Comment