Monday, January 10, 2011

ኣቡነ ሊባኖስን ገዳሞምን

ቀዳማይ ክፋል 

መእተዊ 

ሎሚ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር ጥሪ ፫ ዓመት መጸ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስን ዝመሥረትዎ ገዳምን ዝምልከት ጽሑፍ ብውሑድ መጠን ካብቲ በረኸቶም ምእንቲ ክንሳተፍ ንኣንበብቲ ቀሪብና ኣሎና። እግዚአብሔር ምስ ፈቐደ ድማ ነዚ ጽሑፍ ብዝያዳ እናዓሞቐን ብዛዕባ እዚ ገዳም ይኹን ካልኦት ገዳማትናን መካነ ቅዱሳትን ዘሎና ኣፍልጦ እናወሰኸን ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታትና እናዘክርናን እናተመሃርናን ክንከይድ ብድሩት ፍልጠትና ነዳሉ ኣሎና እሞ በብወገንኩም ንምእመናን ይጠቅምን ንእትብልዎ ጽሑፋት ብምብርካት ነዚ ጽሑፋትና ከተሀብትምዎ ጻውዒትና ነቕርብ። 
ሰናይ ንባብ፦ 
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ሊባኖስ 

ትውልዶምን ኣተዓባብዪኦምን

ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ ካብ አቦኦም አብርሃምን ኣዲኦም ንግሥት ማርያም (ባዚሊሳ) ኣብ መጀመርታ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ትውልዲ ዓዶም ቊስጥንጥንያ (ኮንስታንቲኖፖል) ተወልዱ። ኣብቲ ዘመን እቲ እዛ ምዕብልቲ ዝነበረት ግዝኣት ዋና ከተምኣ ቍስጥንጥንያ ብዝብል ትፈለጥ እምበር ቀዳማይ ስማ ሮም ብዝብል ትጽዋዕ ከምዝነበረት ታሪኽ ይገልጽ። መሥራቲኣ ድማ እቲ ብዙኅ ታሪኽ ዘለዎን መፍቀሬ ሃይማኖት ተባሂሉ ዝግለጽን ኣቦታትና ንኣርዮስ ዘውገዙላ ቀዳመይቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣብ ኒቂያ (325 ዓ.ም.) ንክግበር መድረኽ ዘጣጠሐ ንጉሥ ቍስጠንጢኖስ እዩ ነይሩ። 


ስድራ ኣቡነ ሊባኖስ አብዛ ዝተጠቕሰት ከተማ ካብ ዘርኢ መኳንንቲ ርኹባት ብሃብቲውን ጽጉዋት ምንባሮምን ንወዶም ሊባኖስ ድማ ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ማለት መንፈሳዊን ሥጋዊን ትምህርቲ እናቕሰሙ ከምዝዓበይዎም ታሪኽ ሕይወቶም ይገልጽ። አካለ መጠን ምስ በጽሑ ከአ ስድርኦም ንጓል ንጉሥ ቊስጥንጥንያ ከምርዕዉዎም ከምዝወድኡን እንተኾነ ግና ናይ መንፈስ ቅዱስ መጸዋዕታ ኮይኑ ንመርዓ ዓለም ንድኅሪት ገዲፎም መርዓዊ ሰማያዊ ክኾኑ በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ግብጺ ግኑንን ኣብ ምስፍሕፋሕን ምሥራዕን ገዳማት ዓቢ ኣበርክቶ ናብ ዝነበሮ ባሕታዊ አባ ጳኩሚስ ከዱ’ሞ ብብሕትውና ተጸምዱ። ኣብዛ ደብረ ዘይት እትብሃል ግብጻዊት ገዳም ብኣሞክሮ ድኅሪ ምጽናሕ ድማ ኣርዑት ምንኩስናን አስኬማን ካብ አባ ጳኲሚስ ተቐቢሎም ብርቱዕ ተጋዳሊ ኮኑ። 

ምንኵስንኦምን ምእታው ናብ ሃገርናን 
ድኅሪኡ ድማ ጸጋ ምንኵስና ናብ ሃገርና ክኣቱ ፈቓዱ ዝኾነ ልዑል እግዚአብሔር ንኣባ ጳኵሚስ ስለዝገለጸሎም ንኣቡነ ሊባኖስ ምኽርን ሓሳብን ብምሃብ ናብ ሃገርናን ከባቢናን ክኸዱ እሞ ሓዋርያዊ ስራሕ ክሰርሑ መኸርዎም። በዚ መሠረት ድማ ሥርዓት ናይ አበውን ንብረት ሐድነትን ቀሲሞም ብሓፈሻ ሥርዓተ ምንኵስና ኣጽኒዖም ብፍቓድ ናይ መንፈስ ቅዱስ ወላዲኦም ናብ ብሔረ ኣግአዚ ብመርሳ ተኽላይ ተሳጊሮም ኣብ ኤርትራ አተው። ካብኡ ንአስገደ ባቕላ ከይዶም አብ ፅኑዕ በዓቲ ብብሕትውና ተቐሚጦም አስታት 7 ዓመታት ገበሩ። እዚ ከባቢን ብሓፈሻ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዙኅ ታሪኽ ክርስትና ዝነበሮን መካነ ቅዱሳንን ሰፈር ባሕታውያንን ከምዝነበረ ብዙኃት ሊቃውንትን ዓበይቲ ዓዲን ዝምስክርዎ እዩ። ነዚ ቅድስና ዝሓዘለ ታሪኽ ሃገርና ንኣብነት ከም በዓል እኒ ሃገረ ናግራን ዝኣመሰሉ መካናት ኣብ ምፍታሽን ምጽናዕን ቤተ ክርስቲያንን ደቃን ብዙኅ ዕዮ ቤት ከምዝጽበዮም ድማ ምዝክኻር ዘየድልዮም ሓቂ እዩ። ከመይሲ “ሰዓቡኒ” ንዝብል ቃል ክርስቶስ ዘየእበሩን ኣሰር ክርስቶስ ንዝሰዓቡን ቅዱሳን ኣሰሮም ምድላይን ምስዓብን (ብእግሪ ይኹን ብግብሪ) ግደ እዚ ወለዶ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስስ ኣነ ንክርስቶስ ከምዝመስል ንዓይ ምሰሉ እንድዩ ኢሉ። ብሰንኪ መግዛእትን ኲናትን ተቐቢሩ ንዝነበረ ጥንታዊትነትን ሃብታምነትን ታሪኽ ሃገርና ምፍሓርን ምጕላሕን እዚ ሓድሽ ወለዶ’ውን ከምዝፈልጦን ከምዝግደሰሉን ምግባር ናይዚ ወለዶን ቤተ ክርስቲያንን ኣገዳሲ ዕማም እዩ። ብፍላይ ድማ ታሪኽ ዝፈልጡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያናን ለባማት ዓበይቲ ዓዲን ናብቲ ኵሉ ዘይተርፎ መገዲ ቅድሚ ምኻዶም እንተነርክቦም እሞ መዛግብ ታሪኽና እንተነሀብትሞ ሰናይ እዩ እሞ ምስ ጊዜ ምቅድዳም የድልየና ኣሎ። ዕረፍቲ መንግሥተ ሰማያት ይሃቦም እምበር ከይከሰብናሎም ዝቐደሙና ኣቦታትውን ውሑዳት ኣይኮኑን። 
ቃል ኪዳኖምን ገለ ካብ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞን ገድልን 
ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር እዩ እሞ ናብ ዝቐደመ ታሪኽ ኣቦና ንመለስ፣ ኅሩይ ኣቦና ሊባኖስ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ግሪክ ናብ ግእዝ ብምትርጓም ካብ ናይ ጥንቲ ቃላት ዓረብ መታ (መጣዕ) ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦም። ስለዚ ብክልተ ስም ሊባኖስ መጣዕ ይጽውዑ። ገሊኦም ብዘይ ምፍላጥን ታሪኽ ብምትሕውዋስን ካብቶም ድኅሪኦም ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ስደት ተዋሕዶ ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ክዕቖቡ ናብ ከባቢና ምስ ዝመጹ ተሰዓቱ ቅዱሳን ብምትእስሳር ኣቡነ ሊባኖስ መጣዕ ማለት ኣባ ይምዓታ እዮም ክብሉ ይስምዑ እዚ ግና መወከሲ ዘይርከቦ ሓቅነትውን ዘይብሉ ፍጹም ጌጋ እዩ። አቡነ ሊባኖስ አብ ሃገርና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብዙኅ ቦታታት ኢትዮጵያውን ብሓዋርያዊ ተልእኾን ብብሕትውናን ተዛዊሮም እዮም፤ ብዝተዋህቦም ፍሉይ ቃል ኪዳን ድማ አብ ዝረገጽዎን ብመቖሚኦም ኣብ ዝወግኡሉን ቦታ ማይ ይፍልፍል ስለዝነበረ ክሳብ ሕጂ ብዙኃት ድውያን እናፈወሰ ይነብር ከምዘሎ ሕያው ምስክር ዝርከቦ እዩ። ንኹሎም ቅዱሳን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ህያብን ጸጋን ይወሃቦም ኢዩ፣ ናይ ኣቦና ድማ ፍልይ ብዝበለ ኣብ ዝረገጽዎ ባይታ ዋላ ከውሒ ይኹን ማይ ይነትዕ። ንኣብነት ደብረ ወርቅ ገዳሞም ፍጹም ከውሒ እዩ ካብኡ ዝፍልፍል ማይ ግና ተአምራታዊ ኢዩ። 

ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ ድኅሪ ናይ ሸውዓተ ዓመት ብሕትውና ኣብ ኣስገደ ባቕላ ናብ ወረዳ ጉሕጨዓ ንላቔን ክሳድ ዳዕሮ ብምኻድ ብወገን ምብራቕ ዓበይቲ በዓቲ ዝርከብ እንዳ መጣዕ ብዝብል ስም ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ን70 ዓመታት ብተባሕትዎ ነበሩ፤ ዓመት ዓመት ከአ ብ24 ሕዳር ብሕዝቢ ወረዳ ጉሕጨዓ ብዓቢይ ድምቀት ይኽበር። እዚ ብእንዳ ኣባ መጣዕ ዝፍለጥ ቦታ ከምኡ ዘደንቕ ተኣምራትን ፈውስን ዘለዎ ማይ ዝፍልፍለሉን ዝነጥበሉን ቦታ እዩ፤ ካብኡ ድማ ብዙኃት ክሕጸቡን ክሰትዩን እሞ መድኃኒት ክኾኖም ናብቲ ቦታ ይውሕዙ እዮም ፈውስውን ይረኽቡሉ እዮም። እቲ ዘገርም ዝኣምኑ ክርስቲያናት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ እምነት ክርስትና ዘየለዉ ኣኅዋትናውን ካብዚ በረኸት ተሳተፍቲ እዮም። 

አቦና ብድሕሪ’ዚ አብዚ ቦታ ምንባሮም ምስ ተሰምዐ በቲ ጊዜ እቲ ምዕብልትን ስልጥንትን ዝነበረት ኣኽሱም ጽዮን ኣመሓዳሪኣ ዝነበሩ አባ ኤልያስ መልእኽቲ ለኣኹሎም’ሞ ካብ ጉሕጨዓ ናብ አኽሱም ከዱ። ይኺዱ ደኣ እምበር ኣብ መንጽር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝነበረ ዓቢይ ዱር ሓደኳ ከይፈለጦም ይነብሩ ነበሩ፣ ብሕቡእ ከአ ብዙኅ ተኣምራትን መንክራትን ይፍጽሙ ኔሮም። ይኹን ደኣ እምበር ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ንአቦና ሊባኖስ ኣዝዩ ከቖጥዖም ዝኽእል ነገራት ረኣዩ። እዚውን እቶም መራሕቲ ዝነበሩ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ካብ ቆሞሳት ካህናት ዲያቆናት በብደረጅኡ ግጻ (ጉቦ) ክቕበሉ ምርኣዮም እዩ። እቶም ጳጳሳት እናተጋገዩ ርእዮም እንታይ ገደሰኒ ከይበሉ ስለቲ ክፉእ ግብሮም ኣትሪሮም ወቐሱን ነታ ዓዲ ድማ ረገምዋ። ሓቂ ምዝራባን ምስምዓን ምስዓባን ዝፈትው እቲ ለባምን ናይ ኣምላኽ ሰብን እዩ እምበር እቲ ዝበዘኀ ግና ውሽጡ ኅሊንኡ እናመስከረሉ ብሓሶትን ውዳሴ ከንቱን ምንባር እዩ ዝመርጽ። እዚ ግና መገዲ እግዚአብሔር ኣይኮነን። እቶም ከም ኣቡነ ሊባኖስ ዝኣመሰሉ ክርስቶሳውያን እሞ ኣሰር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ዝሰዓቡ ግና ገጽ ሰብ ከይሓፈሩን ከይፈርሑን ስለቲ ሓቂ ብሓቂ ይዛረቡ ነበሩ። ናይ እግዚአብሔር ቅዱሳን መለልዪኦም ድማ ሓቀኛታት ምዃኖምን ስለሓቂ መከራ ዝጸግቡ ምንባሮም እዩ። ከምቲ ቃል ክርስቶስ እታ ሓቂ ሓራ ተውጽኦም ድማ ነበረት። ሎሚውን ከም ኣቦና ሊባኖስ ዝኣመሰሉ ንዝተጋገዩ ዝግስጹ ጸግኦም እግዚአብሔር ዝኾነ ቅዱሳን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣይመድልዩናን ዶ፧ ክህልዉናስ ኣይንብህግን ዶ፧ ስለዚ ነገር ከ ንጽሊ ዶ፧ 

ኣቦና ኣባ ሊባኖስ ካብ ሕግን ሥርዓትም ወጻኢ ዝኾነ ተግባር ንዝፍጽሙ ጳጳሳት ምስ ገሰጽዎም በዚ ነገር’ዚ ገበዝ አኽሱም ተቖጢዖሞ ካብቲ ቦታ’ውን አባረርዎም። ደረቓ አብ ዝተባህለ ጸምጸም በረኻ ከይዶም አብ ውሽጢ በዓቲ ንሠለስተ ዓመታት ተቐመጡ፣ ካብ ናይ በረኻ አግራብ ቋርፍ እናተመገቡ ብኸምዚ ዓይነት አብ በዓቲ መንፈሳዊ ተግባር ብምፍጻም ብጸጋ እግዚአብሔር ተቐመጡ። ኣክሱማውያን ግና በቲ ግፍዒ አብ ልዕሊ አቡነ ሊባኖስ ዝፈጸምዎ ንሠለስተ ዓመት ዝኣክል ዝናብ ከይወረደ ስለ ዝተዓግተ ተሸገሩ ነንሕድሕዶም ከአ እንታይ ክንከውን ኢና ተበሃሃሉ። ንአባ አድኃኒ ከተዓርቕዎም ከአ ለመንዎም አባ አድኃኒ ድማ ከይዶም ሰአንዎም’ሞ ን፯(7) መዓልቲ ሱባኤ ገበሩ፣ ብሻብዓይ መዓልቲ ከኣ ደው ኢሎም ክጽልዩ ረኸብዎም በልዎም ድማ፣ አቦና ንስኹም ስለ ዝሓዘንኩምን ስለ ዝተቖጣዕኩምን ስለ ዝተቐየምኩምን ምድሪ ጠፊኣ ሕጂ ግና ከም ኣምላኽ መሓሪ ኩኑ ዝናብ ክዘንብ ከአ ጸልዩ በልዎም። ኣቡነ ሊባኖስ ከአ በልዎም ንስኹም ክትዓርቁና ትደልዩ እንተኾንኩም ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ንጉሥን ካብ ካህናት ጉቦ አይቀበሉ፣ ብፍቓድ እግዚአብሔርን ሓዋርያት ብዝሠርዕዎ ሥርዓትን እንተኸይዶም ይቅሬታ ክገብረሎም። ንሳቶም ድማ ሕራይ ኵሉ ዝአዘዝኩምና ንገብር በሉ። ንዕለቱ ከአ ዘነበ ቅዱስ አቡነ ሊባኖስ ከኣ ብኸምዚ ግሁድ ተአምራት ንሕዝቢ አኽሱም ካብ ጌግኡን ስሕተቱን ይምህርዎን ይእርምዎን ነበሩ። 

ቅዱስ መጽሓፍ ብፁዓንሰ ገባርያነ ሰላም ከምዝብል ኣባ ዮሓኒ ስለቲ ዝገብርዎ ናይ ዕርቂ ስራሕ “ብእሴ ሰላም” ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦም። ክሳብ ዕረፍቲ ኣባ ኣድኃኒ ድማ ብሓንሳብ ክቕመጡ ጀመሩ። ንእንዳ መስቀል ድማ ብሓባር ከምዝሠረቱዎ ይንገር። ድኅሪ ሓደ ዓመት ዕረፍቲ ኣባ ኣድኃኒ ድማ ንኣደ ኣባ ኣድኃኒ ኣመንኰስወን። ብድኅሪ’ዚ አቡነ ሊባኖስ ንነዊሕ ዓመታት ብገድልን ትምህርትን አብ ታሪኻዊት በዓቶም ካብ ናይ ጻዕርን ድኻምን ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ቅድሚ ምሟቶም ግና ንደቂ መዛሙርቶም ኃይልነ አብን ሜጦ መስቀልን ዝተባህሉ መራሕቲ ገደፉሎም። 

ለበዋን ዕረፍትን አቡነ ሊባኖስ 
አቡነ ሊባኖስ ኣብ አጋ ሞቶም ድራር (ገብረ ክርስቶስ) ንዝተባህለ ናይ መንፈስ ውሉዶም ንስኻ ኢኻ እትቐብረኒ ዝቕበረሉ ቦታ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ክትረኽቦ ኢኻ፣ ኢሎም ምስ ተላበውዎ አብ ምድሪ ሓራሳት ከኣ ዓረፉ። ምድሪ ሓራሳት አብ ጥቓ ዓዲ ግራት እትርከብ ዓዲ ኢያ። ቅዱስ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብዚ ቦታ’ዚ ምስ ዓረፉ ማንም ሰብ ኣይረኣዮምን ነበረ ብተኣምራት ግና ዝተገልጹሎም ሰባት ስለዝነበሩን ድኅሪ’ዚ ድማ ነቲ ዝተላበውዎ ገብረ ክርስቶስ (ድራር) ብርሑቕ ቀስተ ደመና ስለዝተራእዮ ብቕልጡፍ ናብቲ ቦታ ትእምርቲ ዝረኣየሉ ምስከደ ኣቡነ ሊባኖስ ከኣ ኣብኡ ሞይቶም ጸንሕዎ። ከምቲ ለበዎኦም ድማ ካብ ምድሪ ሓራሳት ተሰኪሙ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ገዳሞም ደብረ ወርቅ አምጺኡ ቀበሮም። ምድሪ ሓራሳት ካብ ደብረ ሊባኖስ ናይ ምሉእ መዓልቲ መገዲ ኢዩ። 

                                                                                                                                    ይቕጽል... 





1 comment: