Tuesday, January 25, 2011

አስተርእዮ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

“ኵለንታኪ ሠናይት እንተ ኀቤየ፡ አልብኪ ነውር ወኢምንትኒ ላዕሌኪ፡ ንዒ እምሊባኖስ መርዓት ንዒ” መኃ ፬፥፯።

ንዘክራ! 

ንኣምላኽ ዝወለደት ክብርትን ብክልተ ወገን ድንግል ዝኾነትን ቅድስት ድንግል ማርያም ዓለም ከይተፈጥረ ኣቐዲማ ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንድኅነት ደቂ ሰባት መሠረተ ሕይወት ክትከውን ዝመደባን ዝኃረያን ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ክገብሮ ንዝሓሰቦን ዝመደቦን ነገራት ሰብ ክርድኦን ክፈልጦን ብዝግባእ መጠን እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ነቢያት፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጽሒፎምን ብብዙኅ ምሳሌን ትንቢትን ገሊጾሞ ነይሮም። ነቢያት ንዝደኸሙሉ ዓውዲ ግራት፡ ሓዋርያት ኣብ ዝኣከቡሉ ድማ ብስብከቶምን ብጽሑፋቶምን ነቲ ብነቢያት ዝተነገረ ኵሉ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም ኣለዉ። ቀዳሞት ይኹኑ ዳኅረዎት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያና’'ውን ነዚ እሙን ቃል በብዝተፈላለየ ርቀት ብዘለዎ ኣገባብ እናመሥጠሩ ኣምሊኦምን ኣስፊሖምን ገሊጾም ኣለዉ።

ኣምላኽ ስሌና ክብል ካብ ሰማያት ሰማያት ወሪዱ ብፍጹም ትሕትና ብተዋሕዶ ሰብ ምዃኑ ኣብ ነስተንትነሉ እዋን፡ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ክትጸውር ንዝተኃርየት ኣደ ምዝካር ግድነት ይኸውን። ኣምላኽ ሰብ ኮነ ንዝብል ዓሚቕ ምሥጢረ ሃይማኖት ክንዛረብ ከሎና ብኸመይን ካብ መንን ዝብል ሕቶ ክስዕብ ድማ ግድነት ይኸውን። ስለዚ እዩ ድማ ነቢያት ሓዋርያት ኣብ ዘዘመኖም፦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሰብ ከምዝኸውንን ከምዝኾነን ጥራይ ኣይኮነን ዝገልጹ ዝነበሩ እንታይ ደኣ ብኸመይን ካብ መንን ምዃኑ ኣተሓሒዞም እዮም መሲሎምን ኣመሥጢሮን ገሊጾሞ። እዚ ድማ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክንገር ዝጸንሐ፡ ንኵሉ ደቂ ሰባት ሓጐስ ፍስሓ ዝኸውን ንሰማዒ'ውን ባህ ዘብል ዕፁብ ነገር እዩ። 

ክብርን ገድልን ቅዱሳን ብዝግባእ ምፍላጥ ክብሪ ጐይታ ዝያዳ ክንፈልጥ ዝሕግዘናን በረኸት ዘለዎን ምዃኑ ዘይስተውዕሉ ሰባት ንኽብርን ዝኽርን ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝግበሩ ነገራት ከስተናዕቕዎ ይረኣዩ እዮም ንኸምዚኦም ዝኣመስሉ ሰባት ድማ ንወላዲት ኣምላኽ ከምቲ ዝግባእ ዘይምዝካርን ዘይምኽባርን ዕሽነት ምዃኑ ኣግሂድና ንነግሮም፤ ናብ ልቦም ክምለሱ ድማ ንምዕዶም። መሠረትና'ውን ነቢያትን ሓዋርያትን ከምዝኾኑ ነፍልጦም።


ምስትውዓሉ ይሃበና እሞ ካብቲ ብዙኅ ሓንቲ ኣብነት ክንጠቅስ፦ ደቂ ኣዳም ኵሎም ብሰንኪ ኃጢኣት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ጽድቆም ከም ብላይ ጨርቂ ኮይኑ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፡ ፈጣሪ ዓለማት እግዚአብሔር ዓለም ክድኅነሉ ንዘዳለዎ መርከብ ክርሳዕ ዘይከኣል እዩ፡ ከመይ ገይርና'ኸ ክንርስዕ ንኽእል፧! ብሰንኪ ኃጢኣት ወዲ ሰብ፡ ጥፍኣት ዓለምን ምድኃን ኖኅን ኣብ ንዝክረሉ እዋን ወትሩ ኣብ ኣእምሮና እትሥዓል፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኖኅን ስድርኡን ካብቲ ማየ ኣይኅ ንክድኅኑ ኣቐዲሙ ከዳልዋ ንዝነገሮ መርከብ እያ እሞ'ኸ ደኣ ነዛ ተምሳል ዝኾነት መርከብ ወትሩ ካብ ዘከርና ነታ ዓለም ክድኅነላ ኣቐዲሙ ንዘዳለዋ ኣማናዊት ሓመረ ኖኅ ክንደይ ኣብሊጽና ዘይንዝክራ፧! ብካልእ ኣብነት ድማ ፍቕራ ክትገልጽን ምሕረቱ ደልያን፡ ጐይታ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን ከሎ ኣትያ ርእሱ ብክቡር ቅዱስ ቅብኢ ቅድሚ ምማቱ ንዝቐብዓቶ ማርያም እንተ እፍረት ባዕሉ ጐይታ ብዘይሕሶ ቃሉ “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” ማቴ ፳፮፥፲፫ ብምባል ቃል ኣትዩላ እዩ፣ ጐይታ ብኸምዚ መገዲ ፍቕራ ንዝገለጸት ኣብ ምሉእ ዓለም ክትዝከር ቃል ካብ ዝኣተወላ፤ ሕመረትን ትንቢት ነቢያትን ስብከት ሓዋርያትን ንዝኾነ መድኅን ዓለም ክርስቶስ ንዝወለደትልና ኣዲኡ ብኽብሪ ክንዝክራ ግቡእና እዩ ዋላ ንእሽቶይ ትኹን ዝኾነ ሰብ ብቅንዕና ንዝገበረልና ሰናይ ነገር ብጽቡቕ ክንዝክሮን ከነመስግኖን ከምዝግባእ ዘይንስሕቶ ካብ ኮንና፡ ነቲ ብእመ ብርሃን ዝተገበረልና ዓቢ መንፈሳዊን ሰማያዊን ነገር ደኣ ክንደይ ኣብሊጽና ዘይንዝክሮን ዘይነመስግነሉን ደኣ። ድምፂ ኣዴና ምስ ተሰምዐ እኮ ንከም ኤልሳቤጥ ዝኣመሰሉ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ባህ ኣቢልዎም እዩ፡ ንዮሓንስ እሞ ጌና ኣብ ማኅጸን ኣዲኡ ከሎ ዘሰራሰሮ ድምፂ እዩ። ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝባረኾን ጸግኡ ዝዕደለሉ ርቱዕ ሃይማኖት ዘሎና ድማ ከም ኤልሳቤጥን ዮሓንስን ውዳሴኣን ቅዳሴኣን፤ ተኣምራን መዋዕል ሕይወታን ክንገረና ከሎ ደስ ክብለና ናይ ግድን እዩ። ናይ መን ደኣ ክንወርስ፧! ደረት ኣቦታትና ኣይነፍርስ። በመኑ በአምሳሉ መኑ ናስተማስለኪ ኢሎም መሲሎም ምጽጋቡ ንዝሰኣኑ ኣቦታት ኣብነቶም ወሲድና ንሕናውን ከምቲ ዝግባእ ነኽብራን ንዘክራን። 

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ድማ ነቲ ክቡርን ዕፁብን ዝኾነ ዕረፍታ ክንዝክር ኢና፣ ጸሎታን በረኸታን ምሳና ይኹን 

ክልተ ጫፋት - ሓጐስን ሓዘንን ኣብ መዋዕል ኣዴና 

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እግዚአብሔር ቃል ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ካብኣ ሰብ ኮይኑ ካብ ዝተጸንሰሉን ዝተወልደሉን ኣትሒዙ ክሳብ ዝዓረገሉ ብድኅሪኡ'ውን ንሳ ካብዚ ዓለም ክሳብ ዝተፈለየትሉ ብዙኅ ሓጐስ ተገይሩላ እዩ ይኹን እምበር ብኡ መጠን ድማ ብዙኅ መከራን ሓዘንን ኣብ ልዕሊኣ በጺሑ እዩ ኣብቲ ዘመነ ፍዳ ካብ ኣንስቲ ኵለን ተፈልያ ብርኽትን ቅድስትን ምዃናን ምልእተ ጸጋ ኮይና ወላዲተ ኣምላኽ ክትከውን ምብቅዓ እዚ ንካልእ ንማንም ዘይተዋህበን ዘይወሃብን ፍሉይ ጸጋ እዩ 

ጌና ኣብ ጊዜ ህጻንነታ ኣትሒዙ፡ ቅድሚ ምጽናሳ ከምኡ'ውን ጐይታ ኣብ ማኅጸና ከሎ ብስራት መላእኽቲ፡ ምስጋና መላእኽቲ እናሰምዐት ከምዝነበረት ዜናኣ ዝነግሩ ቅዱሳት መጻሕፍትና ብሰፊሑ ዝገልጽዎ እዩ ብኅቱም ድንግልና ተጸኒሱ ብኅቱም ድንግልና ንኽትወልዶ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈጸመ ዕፁብ ድንቂ ዘይምርመር ምሥጢር፡ ዳኅራይ'ውን ኣብ ልደቱ ኖሎት መላእኽቲ ከመስግንዎ ሰብዓ ሰገል ክግብሩሉ ምርኣያውን፡ በብቕሩብ ኣብ ዝዓበየሉ፡ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርሕን ወንጌል ኣብ ዝመሃረሉ ዘመን ኵሉ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ብኵሉ ብእዝንና ዝሰምዓቶ በኣዒንታ ዝረኣየቶ ብልባ ዘዋህለለቶን ዝተረድኣቶን ግሩም ድንቂ ዝኾነ ኃይሉ፡ ባህርይኡ፡ ግብሩ፡ ፈቓዱ ወዘተ ዳኃራይ'ውን ብትንሣኤኡን ዕርገቱን ኣዝያ ዝተሓጐሰት እንተኾነት'ውን፡ ሄሮድስ ንክቐትሎ ከሳጉጎ ከሎ፡ ስምዖን ኣረጋዊ ኣይሁድ ከምዝቐትልዎን ትንቢት ኣብ ዝተናገረሉ እዋን፡ ኣብ ስደታ ዘሕለፈቶ ሽግር፡ ንዓዓውን ጽኑዕ ሓዘን መከራ ከምዝረኽባ ኣብ ዝነገረሉ፡ ንበዓል ወጺኦም ከይተመልሰ ብምትራፉ ዝተሰምዓ ስንባደ፡ ኣይሁድ ወትሩ ንተንኮልን ጽልእን ክዳለዉ ከለዉ ምርኣያ፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ሕማሙን ስቕለቱን ብምርኣያ ዝበጽሓ መከራን ሓዘንን መግለጺ ዘይርከቦ እንበለ መጠን ከቢድ እዩ ነይሩ 

እቲ ዝተኃረየትሉን ትርእዮን ትረኽቦን ዝነበረት ሓጐስ ሰማያዊ፡ ንዝኾነ ወዲ ሰብ ዘይተዋህበ ልዑልን ምሉእን ጸጋ እኳ እንተነበረ፡ ብኣንጻሩ ድማ ወዳ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነት ዓለም ንዝገበሮ ስራሕን ጉዕዞን ቅድሚ ኵሉ ሰብ ዝረኣየቶን ዝተኻፈለቶን ስለዝኾነት ስለ ወዳ ክትብል ዝረኸባ ሓዘንን መከራን ብኡኡ መጠን ድማ ከቢድ እዩ ነይሩ 

ዕረፍታ መኣስ እዩ ነይሩ፧

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ እዚ ፫ ዓመት ኣብ ቤት ኣቦኣን ኣዴኣን ድኅሪ ምጽናሓ ጓል መብጽዓ ስለዝኾነት ናብ ቤተ መቕደስ ወሰድዋ፡ ኣብ ቤት መቅደስ ድማ ፲፪ ዓመት ወርቅን ሜላትን ኣሰማሚዓ እናፈተለትን ብዝተፈላለየ ኣገልግሎት ቤተ መቅደስ እናተሳተፈትን ብቅድስና ጸንሐት። ኣብ መበል ፲፭ ዓመታ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ምስ ሰምዐትን ድኅሪ “መሬት ብዘይ ዘርኢ፡ ሰበይቲ ከኣ ብዘይ ሰብኣይ ” ከመይ ኢሉ ይኸውን ዝብል ሕቶ ምቕራባን “ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን” ዝብል ምላሽ ምርካባ ድማ “ከም ቃልካ ይኹነኒ” ኢላ ምቕባላን ኣምላኽ ካብ ሥጋ ሥጋ ካብ ነፍሳ ድማ ነፍሲ ወሲዱ ኣብ ማኅጸና ናይ ዕለት ጽንሲ ኮይኑ ተጸንሰ። ንማኅጸና ከተማ ገይሩ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ጸኒሑ ድኅሪ ምውላዱ ድማ ንጐይታ ከም ቆልዓ እናጥበወት፡ እናሓቈፈት፡ እናሓዘለት ኣዕብያቶ። ብሓፈሻ ፴፫ ዓመትን ፫ ወርሕን ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከይተፈልየት ካብ ልደት ኣብ ቤተ ልሔም ክሳብ ስቕለት ኣብ ቀራንዮ ከርተት ኢላ እያ 

ብዘይካ እዚ'ውን ድኅሪ ዕርገት ጐይታ ፲፭ ዓመት እቲ ብዕለተ ዓርቢ ብዝረኣየቶ ስቕለቱ ሓዘና ካብ ልባ ከይወጸ ክትሓዝን ክትትክዝ ፲፭ ዓመት ኣብ ቤት ዮሓንስ ወልደ ዘብዴዎስ ተቐሚጣ እያ እዚ ሓዘን ግና ካብ ርኅራኀ ኣደነታ ዝመንጨወ እምበር ተስፋ ካብ ምቑራጽ ዝመጸ ከም ዘይኮነ ምርዳእ የድሊ፣ ብኸምዚ መገዲ ኣብዚ ዓለም ፷፫ ዓመት ድኅሪ ምንባራ ኣብ መበል ፷፬ ዓመታ ጥሪ ፳፩ ጥሪ ኣብ ከባቢ ፵፱-፶ ዓ.ም. ዓረፈት። 

ዕረፍታ ከመይ ይመስል ነበረ፧

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መዓልቲ ዕረፍታ ካብ ወዳን ፈጣሪኣን ፍሉይ ጸጋ ተገይሩላ እዩ። ብመጀመርታ ሓቢሮማ ዝነበሩ ደቃ ቅዱሳን ሓዋርያት ብሥጋ ዘለዉ ካብ በብሃገረ ስብከቶም ተጋቢኦም፡ ካብዚ ዓለም ብሥጋ ዝተፈልዩ ድማ ብኣካለ ነፍስ ተረኺቦም ጊዜ ዕረፍታ እናተጸበዩ ከለዉ ኣዴና “ማዕጠንት ኣምጽኡ ብጸሎት ድማ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸውዕዎ” በለቶም። ንሳቶም ድማ ትእዛዛ ተቐቢሎም እናጸለዩ ከለዉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣኸቲሉ ብኽብሪ ብጐይትነቱ ተገልጸ፡ ነዲኡውን “ኦ ዝተፈቶኺ ኣደይ ሎሚ ድኻምን ሕማምን ናብ ዘይብሉ ናብ ዘለዓለማዊ መንግሥቲ ከዕርገኺ መጺአ ኣሎኹ ናባይ ንዒ” እናበለን እናዘራረባን ቅድስት ነፍሳ ካብቲ ክቡር ሥግኣ ብሥልጣን ወዳ ተፈልየት፡ ወዳውን ብኽብሪ ተቐበላ። ከምቲ ኣብ መኃልይ ዝተጠቕሰ “ኃፍተይ መርዓት ካብ ሊባኖስ ናባይ ምጺ” ዝብል ትንቢታዊ ቃል ተፈጻሚት ረኺቡ እዩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ዳዊት “ወትቀውም ንግሥት በየማንከ በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት” እናበለ የመስግና ነበረ። ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ጻድቃን፡ ሰማእታት ኣብቲ ቦታ ከቢቦም ቆይሞም “ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ ደስ ይበልኪ” እናበሉ የመስግንዋ ነበሩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነፍሳ ተቐቢሉ እልፍ ኣእላፍ መላእኽቲ ብየማነ ጸጋም ቅድሚትን ድኅሪትን ኮይኖም እናመስገኑ ናብ መንግሥተ ሰማይ ኣዕሪጎማ እዮም። ሥጋኣ ድማ ቅዱሳን ሓዋርያት ንግዚኡ ጌተሰማኔ ኣብ ዝተባህለ ስፍራ ኣዕሪፎሞ። ዕረፍቲ ኣዴና ብመጠኑ ንምግላጽ እምበር ጐይታ ኣብ ዝዓረገሉን ኣዴና ወላዲተ ኣምላክ ኣብ ዝዓረፈትሉን እተፈጸመ ነገር ዕፁብ ብማለት ጥራይ ዝሕለፍ እምበር ዝምርመርን ዝብጻሕን ኣይኮነን። “ሞት ጥሪ ነሓሴ ቀብሪ” ከምዝበሃል ብዛዕባ ፍልሰተ ሥጋኣ ናብ ትሕቲ ገነት ዕፀ ሕይወት ብዝምልከት ግና ኣብ ናይ ፍልሰታ ትምህርቲ (ነሓሰ 1-16) ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግዚኡ በሰፊሑ ክንምለሰሉ ኢና። 

ተኣምራት ኣብ ዕረፍታ 

ኣብ ዕለተ ዕረፍታ ብዙኃት ተኣምራት ተገይሮም ኣለዉ። ንድውያን ፈውሲ ተዓዲሉ፡ ንኵሎም ስማ ዝጽውዑ ፍጹም በረኸት ተዋሂቡ እዩ፤ ጸጋ ፈውስን ምሕረትን ካብቶም ዝበጽሖም ሓደ ታውፋንያ ወይውን ሶፎንያስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ እዩ። 

ቅዱሳን ሓዋርያት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስከሬን ናብ መቃብር ጌተሰማኔ ኣብ ዝወስዱሉ ዝነበረ እዋን ኣስከሬና ከቓጽሉ ዝተዓጥቁን ዝተሰለፉን ናይ ወዳን ናታን ጸላእቲ ነበሩ። “ቅድም ወዳ ሞይቱ ተቐቢሩ እንከሎ ተንሢኡ ኢሎም ንሕዝቢ ኣኾብሊሎሞ፡ ሕጂ ድማ ንኣዲኡ ሞይታ ተንሢኣ እናበሉ ከይህውኹና ሥግኣ ነቓጽሎ” ተባሃሂሎም ሓደ ታውፋንያ ብዝብሃል ብኃይሉ ምኩሕ ብዝነበረ መራሒኦም እናተመርሑ ናብ ሓዋርያት መጹ። ታውፋንያ ድማ ብድፍረት ነቲ ሥጋኣ ዝነበረሉ ዓራት ንምድርባይ ተጓይዩ ወሰን ናይቲ ዓራት ምስ ጨበጠ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣብቲ ክልተ መንኵብ ኢዱ ብሰይፊ ቆረጾ። ክልተ ኣእዳዉ ድማ ኣብ ልዕሊ ወሰን ናይቲ ዓራት ተንጠልጢሎም ተረፉ። በዚ ተኣምራታዊ መቕጻዕቲ ኣዝዩ ስለዝሰንበደን ምኽርን ተግሳጽን ስለዝኾኖ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተጣዒሱ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ፡ ንዓዓ ድማ ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና ኣሚኑ ብወዳ መድኃኒትነት ብናታ ኣማላድነት ተማኅጺኑ ምሕረት ስለዝለመነ፡ ብጸሎት ቅዱሳን ሓዋርያት ብኣማላድነት ኣዴና ኣእዳዉ ናብ ቦትኦም ተመልሱ። ንኣብነት ታሪኽ ታውፋንያ ጠቐስና እምበር ኣብቲ ዕለተ ዕረፍታ ዝተገብሩ ተኣምራት ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ብሰፊሑ ተጻሒፎም ስለዘለዉ ንኣኣቶም ምምልካት ጽቡቕ እዩ። 

ኣስተርእዮ ስለምንታይ ተባህለ 

ካብ ልደት ፳፱ ታኅሳስ ክሳብ መእተዊ ዓቢይ ጾም ዘሎ እዋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘመነ አስተርእዮ (ዘመን ምግላጽ) ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣምላኽ ብሥጋ ዝተገልጸሉን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ዝተወልደሉን ንዓለም ዝተጋህደሉን ልደቱ፡ ብትሕትና ክብሩ ዝገለጸሉን ሓድነት ሠለስትነት ሥላሴ ዝተጋህደሉን ጥምቀቱ፤ እናዘከርና ኣብዚ ምድሪ ብጸቢብ ደረት ብሓጺር ቁመት ተወሲኑ ንዝተመላለሰሉን፡ ብትምህርቱን ተኣምራቱን ንደቂ ሰባት ዝመሃረሉን ዘርኣየሉን፡ መንነቱ ድማ ዘግሃደሉን መንክር ግብርታቱ ስለእንዝክር ኣስተርእዮ ንብሎ። ቅዱስ ዳዊትን ነዚ ምግላጽ ኣቐዲሙ ብትንቢቱ ክገልጽ ከሎ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ” ኢሉ ነይሩ መዝ. ፻፲፯፥፳፯ 

ካብቲ ኣብዚ እዋን ዝርከቡ በዓላት ሓደ ድማ ኣስተርእዮ እናበልና እነኽብሮ ኣስተርእዮ ማርያም እዩ። እዚ ዘሎናዮ እዋን ኣስተርእዮ ምባሉ ስለ ክልተ ነገር እዩ። እቲ ቀዳማይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እቲ ወርሓት ማለት ጥሪ ብልደቱ ዝጀመሮ ምግላጽ፡ ብጥምቀቱ ምሥጢረ ሥላሴ ምስኡ ድማ ኣምላኽነቱ ንዓለም ዝተገልጸሉ ብምዃኑ፡ ካልኣይ ድማ ወላዲተ አምላክ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምላኽ ብዝወለደትሉ ስብሐተ መላእኽቲ ብዝሰምዓትሉን ብዝረኣየትሉን ወርሓት ልደት፡ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላያን ናብ ሰማይ ክትድይብ ከላ ኣብ ሰማይን ምድርን ኣብ ቅድሚ ሰብን መላእኽትን ካብ ወዳ፡ ናይ ባህርይ ኣቡኡ እግዚአብሔር አብ፡ ካብ ባህርይ ሕይወቱ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንዝተዋህባ ጸጋን ክብርን ምግላጹ የርእይና። ኣስተርእዮ ማለት ምርኣይ ምግላጽ ስለዝኾነ። 

ቅዱስ ያሬድ አምላኽ ብሥጋ ካብ ድንግል ምውላዱን ንዓለም ምግላጹን አስተርእዮ ኢሉ ክዛረብ ከሎ እቲ ጥዑም ዝኾነ ማኅሌተ ጽጌ ዝደረሰ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ጽጌ ድንግል (ጽጌ ብርሃን) ድማ “እግዚአብሔር ጽጌ ትንቢት ለቢሶ ሥጋኪ ሥጋ ዚአነ ከመ አስተርአየ በምድር ወተአምረ ለነ፡ ንዌድሰኪ እንዘ ንብል ምክሐ ዘመድነ፡ ዮም በፍስሓ ለማርያም እምነ፡ አስተርእዮ በሰማይ ኮነ” (ትርጉም እምባባ ትንቢት እግዚአብሔር ናትና ሥጋ ንዝኾነ ሥጋኺ ለቢሱ ኣብ ምድሪ ከምዝተገልጸን ንዓናውን ከምዝተፈልጠ ኦ ድንግል መመክሒ ወገናትና ሎሚ ንኣዴና ማርያም ኣብ ሰማይ ብፍጹም ሓጐስ ምግላጽ ኮነ እናበልና ከነመስግነኪ” ኢሉ ኣሎ) 

በዓለ ዕረፍታ 

ዕረፍቲ ኣዴና ዝገርም እዩ። “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፡ ሞታ ለማርያም የዐጽብ ለኵሉ” ትርጉም “ሞትስ ንመዋቲ ይግብኦ እዩ፡ ሞት ማርያም ግና ንኵሉ ዘድንቕ እዩ” (ነግሥ ዚቅ፡ ናይ ጥር ፳፩ አርኬ) ሞት ንኵሉ ወዲ ሰብ ዘይተርፎ እንተኾነ'ውን ሞተ ሥጋ ኣዲኡ ከትርፍ ዝከኣሎ፡ ኵሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ ጐይታ ክነሱ ዘይምትራፉ ናይ ፈጣሪ ፈታሒነቱ (ርቱዕ ፈራድነቱ) የርእይ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ ያሬድ ኣዴና ኣደ ኣምላኽ ክነሳ ዕረፍታ ዕጹብ ምዃኑ ክነግር ኢሉ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃል ዝዘመረ። 

እዚ በዓል ኣዴና ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝተሰጋገረትሉ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን መዘከርታ ዕረፍታ ዓመት መጸ ፳፩ ጥሪ ብኽብሪ ተብዕሎ እያ። እዚ በዓል ዕረፍቲ እዚ ካብተን ፴፫ በዓላት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓደ ኮይኑ ብድምቀት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣድባራትን ይኽበር። ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ንዘለዎ ቦታን ክብርን ፍሉጥ ስለዝኾነ ዓሚቕ ምሥጢርን ምትሕሓዝን ድማ ስለዘለዎ ከነኽብሮ ግቡእና እዩ። ሃገርና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ በረኸት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘይተፈለያ ሃገር ስለ ዝኾነት ኵል ጊዜ ኣብ ቅዳሴና፡ ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና፡ ኣብ መዝሙርና፡ ኣብ ሥርዓትና፡ ኣብ ትውፊትናን ኣብ መዓልታዊ ናብርናን ነገረ ማርያም ንነግርን ንሰምዕን። ቅድስናኣን ክብራን ድማ ንገልጽ። 

ቤተ ክርስቲያን'ውን ምስቲ ዕለት ብዝሰማማዕ ንባባትን መዝሙራትን ኣሰንያ ንዕረፍታ ተብዕሎ እያ። ብመጠን ናይቲ ኣብዚ ዓለም ዝነበረትሉ ፷፬ ዓመታት ድማ ዝተደርሱን ዝጽልዩ ጸሎታትን ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ድማ ኣቦታትና ብኸመይ ድንቂ ጥበብ ዕረፍታ ክንዝክሮ ከምዝግባእና ዝሰርዑልና ስለዝኾነ ከነስተውዕሎ ይግባእ። 

ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሰባት ከነስተውዕሎ ዝግባእና ካልእ ነገር ንቅድስት ድንግል ማርያም እንተኸብርናያን መዘከርትኣ እንተገበርናን ንውስኸላ ክብሪ ዘየልቦ ምዃኑ እዩ። መዘከሪ በዓል እንተዘይገበርና'ውን ነጕድለላ ነገር የልቦን። ሓንሳብ እግዚአብሔር ኣዲኡ ክትከውን መሪጹ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ኣልዕሊዋን ኣኽቢርዋን እዩ፤ ግና ከምቲ ዝግባእ እንተኽበርናያ ንሕና ንከብር። ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ምሃብ ከምዝግባእ ትእዛዝ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱሳዊን ቃል ስለዝኾነ መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ ንዝኾነት ኣደ እንተኽበርና ጸጋን በረኸትን ከምቲ ቃል ኪዳና ከምንረክብ ኣይንጠራጠርን ኢና። 

ቅዱስ መጽሓፍ'ውን ባዕሉ ከምዝነግረና “እንሆ ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም” ኢላ እሙን ቃል ተዛሪባ እያ እሞ ንሕናውን ካብዚ ኣዴና ዝጠቐሰቶ ወለዶ እትዋት ኮይንና ኣብ ክንዲ ኣቦታትና እናተተካእና ብጽእቲ እናበልና ከነመስግናን ክንውድሳን ይግባእና። ይትረፍሲ ዕረፍቲ ወላዲተ ኣምላኽ ናይ ካልኦት ጻድቃን ሞት እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡር እዩ እሞ ከምቲ ዝግባእ ገይርና ንዕረፍታ ነኽብሮን ንዘክሮን። መዝ ፻፲፭፥፮ 

በረኸትን ጸሎትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለያና።

No comments:

Post a Comment