Friday, January 28, 2011

ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ዮናስን ገዳሞምን

ካልኣይ ክፋል
3.1 ስያመ 


ምሉእ ስም ናይዚ ገዳም’ዚ ደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ ዝበሃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ድኁኅ ማለት ድማ ዝተፋሕረ፡ ውቝር፡ ጽሩብ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ደብረ ድኁኃን ዝብል ስም ነቲ በዓትታት ዝርከቦ ብዓበይቲ ኣእማን ዝመልአ ቦታ ዳንጉላ የመልክት። ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ናይዚ ገዳም መሠረት ብዝገበረ ኣጸዋውዓን ካብቲ ላዕላይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካልኣይ ገዳሞም ደብረ ጽጌ ንምፍላይን እዚ ገዳም እዚ ብእንዳ ኣቡነ ዮናስ ታሕታይ ይፍለጥ። 

3.2 መልክዓ ምድሪ (ኣቀማምጣ) 

እዚ ገዳም እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይምነ ዝርከብ ኮይኑ ካብ ኣሥመራ ኣስታት ፻፶ ኪ.ሜ ይርሕቕ። ካብ ርእሲ ከተማ ናይዚ ንኡስ ዞባ ማይምነ ድማ ንደቡብ ምዕራብ ገጽ ኣዝዩ ቀረባን ካብ ፭ ኪ.ሜ ዘይርሕቕን (ግምታዊ) ዝኾነ ገዳም እዩ። ከባቢ እዚ ገዳም ብዓበይቲ ደንጉላ እምኒ ዓረ ዝተኸበ እዩ። 

3.3 ኣመሠራርታ 

ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ ካብ ዝመሥረትዎም ገዳማት ሓደ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ፲፬፻፳፰ ዓ.ም. ኣቢሉ ከምዝተገደመ ታሪኽ ናይቲ ገዳም ይገልጽ። 

Thursday, January 27, 2011

ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ዮናስን ገዳሞምን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤ አሜን።
ቀዳማይ ክፋል
መእተዊ
እዚ ገዳም’ዚ ካብቶም ዓበይቲ ሓዋርያዊን ገዳማዊን ተልእኾኦም እናፈጸሙን ነዊሕ መስገደል መሰናኽልን ተጻብኦን ብምሕላፍ ታሪኾምን ሥርዓቶምን ዓቂቦም ኣብዚ ወለዶ እዚ ካብ ዝበጽሑ ህልዋት ገዳማት ኤርትራ ሓደ እዩ። ኣብ ከባቢ ቀዳማይ ርብዒ ናይ ፲፭ ክፍለ ዘመን ዝተመሥረተን ፮፻ ዓመታት ከቝጽር ሒደት ዓሰርታት ዓመታት ተሪፍዎ ዝርከብ እዚ ገዳም እዚ በቶም ኣብ ሃገርና ብዙኅ መንፈሳዊ ተጋድሎን ሓዋርያዊ ስራሕ ብዝሰርሑ ጻድቕ ብኣቡነ ዮናስ እዩ ተገዲሙ።

ንካልእ ጊዜ ከም ፈቓደ ኣምላኽ ኣስፍሕ ኣቢልና ክሳዕ ነቕርቦ፦ ንሎሚ ኣሕጽር ኣቢልና ካብቲ ኣብ ክብረ በዓል ኣቡነ ዮናስ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ገዳምን እቶም ጻድቕን ካብ ዝተዘርገሐ ትምህርታዊ ጽሑፍን፤ ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ብመምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል ብዛዕባ እዚ ገዳም ካብ እተጻሕፈ ዓምዲ ብምቅንባር ነቕርብ ኣሎና ኣንበብቲ ከምዝጠቀሙሉ ብምእማን፡ በረኸትን ረድኤትን ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ዮናስ ምሳና ክኸውን ጸሎትና ነቕርብ።

Tuesday, January 25, 2011

አስተርእዮ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

“ኵለንታኪ ሠናይት እንተ ኀቤየ፡ አልብኪ ነውር ወኢምንትኒ ላዕሌኪ፡ ንዒ እምሊባኖስ መርዓት ንዒ” መኃ ፬፥፯።

ንዘክራ! 

ንኣምላኽ ዝወለደት ክብርትን ብክልተ ወገን ድንግል ዝኾነትን ቅድስት ድንግል ማርያም ዓለም ከይተፈጥረ ኣቐዲማ ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንድኅነት ደቂ ሰባት መሠረተ ሕይወት ክትከውን ዝመደባን ዝኃረያን ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ክገብሮ ንዝሓሰቦን ዝመደቦን ነገራት ሰብ ክርድኦን ክፈልጦን ብዝግባእ መጠን እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ነቢያት፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጽሒፎምን ብብዙኅ ምሳሌን ትንቢትን ገሊጾሞ ነይሮም። ነቢያት ንዝደኸሙሉ ዓውዲ ግራት፡ ሓዋርያት ኣብ ዝኣከቡሉ ድማ ብስብከቶምን ብጽሑፋቶምን ነቲ ብነቢያት ዝተነገረ ኵሉ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም ኣለዉ። ቀዳሞት ይኹኑ ዳኅረዎት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያና’'ውን ነዚ እሙን ቃል በብዝተፈላለየ ርቀት ብዘለዎ ኣገባብ እናመሥጠሩ ኣምሊኦምን ኣስፊሖምን ገሊጾም ኣለዉ።

ኣምላኽ ስሌና ክብል ካብ ሰማያት ሰማያት ወሪዱ ብፍጹም ትሕትና ብተዋሕዶ ሰብ ምዃኑ ኣብ ነስተንትነሉ እዋን፡ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ክትጸውር ንዝተኃርየት ኣደ ምዝካር ግድነት ይኸውን። ኣምላኽ ሰብ ኮነ ንዝብል ዓሚቕ ምሥጢረ ሃይማኖት ክንዛረብ ከሎና ብኸመይን ካብ መንን ዝብል ሕቶ ክስዕብ ድማ ግድነት ይኸውን። ስለዚ እዩ ድማ ነቢያት ሓዋርያት ኣብ ዘዘመኖም፦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሰብ ከምዝኸውንን ከምዝኾነን ጥራይ ኣይኮነን ዝገልጹ ዝነበሩ እንታይ ደኣ ብኸመይን ካብ መንን ምዃኑ ኣተሓሒዞም እዮም መሲሎምን ኣመሥጢሮን ገሊጾሞ። እዚ ድማ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክንገር ዝጸንሐ፡ ንኵሉ ደቂ ሰባት ሓጐስ ፍስሓ ዝኸውን ንሰማዒ'ውን ባህ ዘብል ዕፁብ ነገር እዩ። 

ክብርን ገድልን ቅዱሳን ብዝግባእ ምፍላጥ ክብሪ ጐይታ ዝያዳ ክንፈልጥ ዝሕግዘናን በረኸት ዘለዎን ምዃኑ ዘይስተውዕሉ ሰባት ንኽብርን ዝኽርን ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝግበሩ ነገራት ከስተናዕቕዎ ይረኣዩ እዮም ንኸምዚኦም ዝኣመስሉ ሰባት ድማ ንወላዲት ኣምላኽ ከምቲ ዝግባእ ዘይምዝካርን ዘይምኽባርን ዕሽነት ምዃኑ ኣግሂድና ንነግሮም፤ ናብ ልቦም ክምለሱ ድማ ንምዕዶም። መሠረትና'ውን ነቢያትን ሓዋርያትን ከምዝኾኑ ነፍልጦም።

Monday, January 17, 2011

በዓለ ጥምቀት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣሕሊፉ ንበዓለ ጥምቀቱ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽና ዝተመስገነ ይኹን። በዓልና ድማ በዓለ ፍስሓ ወሓሴት፥ በዓለ ጸጋ ወምሕረት፥ በዓለ በረከት ወጽድቅ ክገብረልና እናተማኅጸንና ናብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ጥምቀት ክንሰግር። 

ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር እቲ ንኣዳም ዘተስፈዎ ዘመን ምስ ኣኸለ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ብምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ። ንህላዌኡ ዘመን ዘይቝጸረሉ ወልደ እግዚአብሔር ብተዋሕዶ ዘመን ስለዝተቖጽረሉ ድማ ፴ ዓመት ምስ መልኦ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። ኣብቲ እዋን እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዙርያ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ትምህርቲ እናመሃረ ናይ ንስሓ ጥምቀት’ውን የጥምቕ ነበረ እሞ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቓዱ ክጥመቕ ናብ ዮሓንስ ቀረበ። (ገላ ፬፥፭) 

ብኣቆጻጽራ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንና ድማ ዘመኑ ዘመነ ሉቃስ ዕለቱ ዕለተ ሠሉስ ጥሪ ፲፩ ልክዕ ሰዓት ፲ ናይ ለይቲ ኣብ መበል ፴ ዓመቱ እዩ ነይሩ። (ሉቃ 3፥23 ፍትሓ ነገ 19 ድስቅ 29 ተረፈ ቄርሎስ ተመልከት) 

ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ጋሻ ውሕጅ ሃንደበት ዝመጸን ዝተፈጸመን ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ኣ ምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ኣብ መዋዕለ ሥጋዌኡ ካብቲ ክፍጽሞ ዝሓሰበን ብነቢያት ዘዛረቦን ምሳሌውን ክምስለሉ ዝጸነሐ እዩ። እቲ ዝፈጸሞ ትንቢት ከ እንታይ ዝብል ነበረ፧ 

Saturday, January 15, 2011

ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ


ካልኣይ ክፋል
ዝርከበሉ ቦታን ኣገዳድምኡን 

ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከባ ጥንታውነት ዘለወንን ታሪኽን ቅርሳ ቅርስን ዝዓቀባ ገዳማት ኣብ ቀዳምነት ዝስራዕ እዩ። መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጥኡ ኣዝዩ ሰሓቢ ኣብ ኣጻድፍ ዝተገደመ ኮይኑ ምሉእ ስሙ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ተባሂሉ ይፍለጥ። ዝርከበሉ ቦታውን አብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብወገን ደቡብ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ካብ ኣሥመራ ኣብ ኣስታት 150 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ብ523 ዓ.ም አቡነ ሊባኖስ ከምዝመሥረትዎ ይእመን።


መሥራቲ ገዳም 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መሥራቲ እዚ ገዳም ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ እዮም። ንሶም ኣብዚ ገዳምን ከባቢኡን ንብዙኅ ዓመታት ብተባሕትዎ ከምእተቐመጡን ብዙኅ ዘድንቕ ተኣምራትን ይፍጽሙ ከምዝነበሩን ዝተፈልጠ እዩ። ከምኡ ድማ ከምቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎምን ለበውኦምን ድማ እቲ ዝፈትውዎን ዝፈትዎምን ናይ መንፈስ ወዶም ድራር (ገብረ ክርስቶስ) ድኅሪ ዕረፍቶም ሥግኦም ናብዚ ደብረ ወርቅ ተሰኪሙ ከምዝመጸን ከምዝቐበሮምን ናይ ዘለዓለም መዕረፊት መካኖም እዛ ገዳም ምዃና ትፍለጥ። 

ካብ ዝማሞቐን ጽግዋትን ስድራ ይወለዱ ደኣ እምበር ቅዱስ ኣቦና ቤት ሥጋዊ ኣቦኦም ገዲፎም ቤት ሰማያዊ ኣቦኦም ከናድዩን ክሃንጹን ካብ ቍስጥንጥንያ ተበጊሶም መጀመርታ ናብ ግብጺ ዳኅራይ ድማ ናብ ሃገርና ቀጺሉ ድማ ክሳብ ማእከል ኢትዮጵያ ብሓዋርያዊ ጉዕዞን ተጋድሎን ነዊሕ ዑደት እኳ እንተገበሩ መዕረፊት ሥግኦምን ኣዕጽምቶምን ክትከውን ዝመረጽዋ ስፍራ ግና ደብረ ወርቅ ገዳሞም እያ እሞ ሃገርና ረኺባቶ ዘላ ኅርየትን ክብርን በረኸትን ምስትውዓል ይግባእ።


Monday, January 10, 2011

ኣቡነ ሊባኖስን ገዳሞምን

ቀዳማይ ክፋል 

መእተዊ 

ሎሚ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር ጥሪ ፫ ዓመት መጸ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስን ዝመሥረትዎ ገዳምን ዝምልከት ጽሑፍ ብውሑድ መጠን ካብቲ በረኸቶም ምእንቲ ክንሳተፍ ንኣንበብቲ ቀሪብና ኣሎና። እግዚአብሔር ምስ ፈቐደ ድማ ነዚ ጽሑፍ ብዝያዳ እናዓሞቐን ብዛዕባ እዚ ገዳም ይኹን ካልኦት ገዳማትናን መካነ ቅዱሳትን ዘሎና ኣፍልጦ እናወሰኸን ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታትና እናዘክርናን እናተመሃርናን ክንከይድ ብድሩት ፍልጠትና ነዳሉ ኣሎና እሞ በብወገንኩም ንምእመናን ይጠቅምን ንእትብልዎ ጽሑፋት ብምብርካት ነዚ ጽሑፋትና ከተሀብትምዎ ጻውዒትና ነቕርብ። 
ሰናይ ንባብ፦ 
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ሊባኖስ 

Tuesday, January 4, 2011

ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢ ብስራት!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፣

ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ቅድሚ 2003 ዓመት ቅድሚኡ ዘይተራእየ ብሕጂውን ክረአን ክድገምውን ዘይከኣል ኣዝዩ ዘደንቕ ነገር ኣብ ልዕሊ እዛ ንነብረላ ዘሎና ምድሪ ተገልጸ፣ እዚ ንዝዛረቦ ይኹን ንሰማዒኡ ዕጹብ ዝኾነ ፍጻመ፣ ነገሥታት ኣብ ዝረከቡሉ ኣብያተ መንግሥቲ ወይ ሕልፍኝ ወይ ህዝቢ ኣብ ዝመላለሰሉ ኣደባባይ ወይውን ሰባት ክረኣዩሉን ክርከቡሉን ኣብ ዝብህግዎም ስፍራታት ኣይኮነን ተፈጺሙ፣ ሓታታይን መላሳይን ሰብ ኣብ ዘይርከበሉ ሰብውን ከመላለሰሉን ክጸንሓሉን ኣብ ዘይብህጎ ኣብ መብልዕ ማል እምበር፣

እቲ ነቢይ እግዚአብሔር ዝተነበየላ ቤተልሔም ከተማ ድንቂ ነገር ኣብ ከርሳ ተፈጸመ። ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ቃል ብስራትን ድምፂ ምስጋናን ዝማሬ ሰማያውያን ተሰምዓላ፣ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእዩሉ ኣገባብ ምድራውያንን ሰማያውያንን ተጋብኡላ፣ ትንቢት ነቢያትን ተስፋ አበውን ትጽቢት ኣዳምን ደቁን ኣብዛ ከተማ ተፈጸመ፣ እወ ኣምላከ ኣማልክት ወእግዚአ ኣጋእዝት ወንጉሠ ነገሥት ዝኾነ ጐይታ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዛ ከተማ ተወልደ፣

ፈጣሬ ዓለማት ናይ ነገሥታት ንጉሥ ብሥጋ ማርያም ተገሊጹ ብግእዘ ህጻናት ክዛረብ ከሎ ተራእየን ተሰምዐን፣ ነታ ዝወለደቶ ድንግል ኣደ ዝበጽሕዋውን ቅድሚ ኵሉ ምድራውያን ሰባትውን ኣይነበሩን፣ እልፍ ኣእላፋት ወትእልፊት ዝብዝኆም ሠራዊት እግዚአብሔር ዝኾኑ ቅዱሳን መላእኽቲ እምበር፣ ንሳቶምውን ነዚ ድንቂ ነገር ነቶም ኅሩያት እግዚአብሔር ከበስሩ ናብቲ ዓለም ክቡራት እትብሎም ነገሥታትን ዓበይቲ ዓድን ኣይኮነን እተላእኩ፣ ናብ መን ደኣ መን እዮም ደኣ እዚኦም ነዚ ዓቢ ብስራት ቅድሚ ኵሉ ክሰምዑ ዝተኃርዩ 


ጾመ ገሃድ

ክቡራትን ክቡራንን ምእመናን!
ጾመ ገሃድ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብኣዋጅ ክጽወሙ ካብ ዝሰርዓቶም ሸውዓተ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። እዋን ናይዚ ጾም ድማ ኣብ ድሮ ልደትን ጥምቀትን ኮይኑ ንሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝጽወም ጾም እዩ። በዓለ ልደትን ጥምቀትን ኣብ መዓልትታት ጾም ማለት ረቡዕን ዓርብን ክውዕሉ ከለዉ ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብለይቲ እዩ ዝቕደስን ድሕሪኡ ድማ ክብላዕ ዝፍቀድን (ወጾመ ድራረ ልደት ወጾመ ድራረ ጥምቀት)። በዚ መሠረት ድማ እቲ ብመንፈሳዊ ፍስሓን ሓጐስን ክበዓል ዝግብኦ ክቡር በዓል ጐይታ ጾም ብምጽዋም ከይነሕልፎ ብማለት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲኡ ብድሮ ሓሙስን ሠሉስን ክጽወም ብኣዋጅ ሰሪዓቶ ትርከብ። (ፍት. መን ኣን 15) እዚ ጾም’ዚ በብዓመቱ ክጽውም ኣብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከምዝተወሰነ ድማ ከነስተብህሎ ይግባእ።

ናብቲ ትርጉም ናይቲ ቃል ክንምለስ ከሎና ገሃድ ማለት ለውጢ ብካልእውን ምግላጽ ማለት እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ትርጉም ወሲንና ክንርእዮ ከሎና ኣብ ክንዲ እቲ በዓል ንድሮ ናይቲ ዕለት ክጽወም ለውጢ ኮይኑ ስለዝተሰርዐ ከምኡ ዝብል ትርጉም ሒዙ ይርከብ።