Friday, November 25, 2011

“ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡" ዮሐ ፰፥፶፮

ሎሚ ንጅመሮ ዘሎና ጾም፡ ጾመ ነቢያት ይብሃል። እዚ ጾም ድማ ነቢያት ኣቦታት፡ እግዚአብሔር ካብ ኣዳም ኣትሒዙ በብእዋኑ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ ነገርን ንዝገለጸሎም ትንቢትን ዝመሰለሎም ምሳሌን እናተዛረቡ፡ ንዝሃቦም ተስፋ እናጽንዑ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ንሕና ከኣ ኣብነቶም ወሲድና ካብ ሎሚ ኣትሒዝና፡ ክሳዕ ንዘመናት ዝተጸበይዎ ትንቢቶምን ትምኒቶምን ዝተፈጸመሉ ዕለተ ልደት ጐይታ ክንጾሞ ንርከብ ኣሎና። ነቢያት ብተስፋ ተሓጒሶም ንዝተነበዩሉን ክዝክርዎ ንዝነበሩን፤ ንሕና ግና ከም ሓዋርያት ተፈጺሙልና ሓጐስና ብሥምረት ክንገልጽ ንነብር ኣሎና። ብቃሉ ጸኒዕናን ፍቓዱ ፈጺምናን ብምሕረቱ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ክንወርስን ድማ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝግባእ ድማ ጾም ምጻም እዩ።  



ጾም ማለት

ጾም ማለት ሰብነትና ካብ ዝደልዮም ነገራት ንዝተወሰነ ጊዜ ብምዕቃብን ነፍስኻ ብምግታዕን፤ ዝያዳ ካልእ ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ምቕራብን ፍቓዱ ምፍጻምን እዩ። መሠረቱ ካብቶም ብሕጊ ዝተኣዘዙ መባልዕ ሥጋኻ ምኽልካል እኳ እንተኾነ፤ መልእኽቱ ግና ሥጋኻ ብምድካም ነፍስኻ ንቃልን ፍቓድን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። ብጾም ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት፡ በረኸት፡ ጸጋ፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ኃይሊ ይርከብ።

ጾም ብዙኅን ረቂቕን መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ስለዝኾነ ኣስፊሕና ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ጾም ምስ ኣምላኽ ካብ እንራኸበሉ ሓደ መገዲ ብምዃኑ፤ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ተባሂሉ ውሉድነት ሥላሴ ብጸጋ ዝረኸበ ኵሉ ክስዕቦን ክትግብሮን ዝግባእ እዩ። ኣቦታትና’ውን ነዚ ዓቢይ ጸጋ ዘውህብን መንፈሳዊ ዕጥቂ ዘድልድልን መገዲ ከምቲ ዝግባእ ስለዝተጠቕሙሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡራት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።

ሕገ ጾም ኣብ ዘመነ ብሉይን ሓዲስን

ሕገ ጾም፡ እግዚአብሔር ንአዳም ብኣርኣዩን ብምሳሌኡን ድኅሪ ምፍጣሩ እቲ ቀዳማይ ዝሃቦ ሕጊ እዩ። ንሱ ኸኣ ካብቲ ዕጸ በለስ ኣይትብላዕ ዝብል ነበረ። በዚ ኸኣ አዳም ንፈጣሪኡ ክገብሮ ዝግባእ ዝነበረ ምዕዙዝነት፤ ኣብ ኵሉ ይሸይም ደኣ እምበር ፍጡርን  ተቐባሊ ሕጊ ምዃኑን፡ ፈጻሚ ሕጊ እምበር ሠራዒ ሕጊ ዘይምዃኑንን ከስተውዕል ምእንቲ እዩ። በታ ዕጸ በለስ ኸኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ኣኽቢሩ ንዝገበረሉ ነገር እናዘከረ ክነብር፤ ፍቕሪ እግዚአብሔር ወትሩ ከስተውዕል እዩ ነይሩ። አዳም ግና ድኅሪ ዝተወሰነ ጊዜ ምኽሪ ሰይጣን ሰሚዑ ካብ ኣምላኹ ተፈልየ። ጸግኡ ተገፈ። ክብሩ ሰኣነ። ሞት ተኣወጀሉ። እግዚአብሔር ግና ብኸምኡ ክሓድጎ ስለዘይደለየ ጸውዖን መዓልቲ ቆጺሩ ድማ ተስፋ ሃቦን።

ቅድሚ ምግጋዩ ይኹን ድኅሪ ምግጋዩ ብአዳም ዝጀመረ ጾም ድማ ኣብ ዘመነ ነቢያት ኣብ አምልኮተ እግዚአብሔር ልዕል ዝበለ ቦታ ዝነበሮ እዩ። ነቢያተ እግዚአብሔር ካብ ሕዝቢ ተፈልዮም ምስ እግዚአብሔር ብጸሎት ኣብ ዝራኸቡሉ ዝነበሩ እዋን ናብ ኣፎም እኸለ ማይ ኣይቀርብን ነበረ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ፡ ነቢይ ኤልያስ፡ ቅዱስ ዳዊት፡ ነቢይ ዳንኤል፡ ሠለስቱ ደቂቅ፡ ዕዝራ፡ ከምኡውን ካልኦት ነቢያት ተጠቐስቲ እዮም። ብሰንኪ ኃጢአት ሕዝቢ ቍጥዐ እግዚአብሔር ኣብ ዝነደሉ፤ ርሑቀ መዓት እግዚአብሔር ካብ ቍጥዕኡ ንኽምለስ ነቢያቱን እቶም ሕዝብን እናጾሙ ይልምንዎን ምስ እግዚአብሔር ይዕረቑን ምንባሮም ድማ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብንጹር ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኻት እዩ። ንሕዝበ እስራኤል ንሕዝበ ነነዌ ከም አብነት ምጥቓስ ዝከኣል ድማ እዩ።


ጾም ኣብ ብሉይ ዝነበረ ሕጊ ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብዝያዳ ጸኒዑ ዝርከብ ምዃኑ ባዕሉ ሠራዒ ሕጊ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃረና እዩ። ጾም ፍቓድ ጥራይ ዘይኮነሲ ሕጊ’ውን ምዃኑ ከረድኣና ከሎ “ክትጾሙ ከሎኹም …” ብምባል ቃል ብቃል ኣዚዙና ኣሎ። ብናይ መርዓዊን ዓርኪ መርዓዊን ምሳሌ ገይሩ’ውን ድኅሪ ዕርገቱ ደቀ መዛሙርቱ ዝጾሙ ምዃኖም ክነግር ከሎ “ … ሽዑ ከኣ ይጾሙ” ብምባል ኣረድኣና። ሓዋርያት’ውን ጐይታ ብግብሪ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ብምጻም ንዘርኣዮም፡ ብቃሉ’ውን ንዝኣዘዞም፡ ብምሳሌ’ውን ንዘረድኦም መሠረት ገይሮም ሥርዓት ኣውጺኦም ይጾሙ ነበሩ። ጾም ንዝህቦ ጸጋን በረኸትን ድማ ይረኽቡ ነይሮም። ንሕና’ውን ጾይምና ንእንረኽቦ በረኸትን መንፈሳዊ ኃይሊን፤ ከምኡውን ጸጋ ፈሊጥና ክንጸውም ኣስፊሖምን ኣምሊኦምን ኣቦታትና ብቃለ እግዚአብሔር ኣነጺሮም ነጊሮምና ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ክንጾሞ ብኣዋጅ ካብ ዝተኣዘዝናዮ ሾብዓተ ኣጽዋማት እቲ ሎሚ ዝኣቱ ዘሎ ጾመ ነቢያት እዩ።

ጾመ ነቢያት

እዚ ጾም መምስ ምኽንያቱ ጾመ ነቢያት፥ ጾመ ልደት፥ ጾመ ኣዳም፥ ጾመ ስብከት፥ ጾመ ታኅሣስ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ሓሓንሳብ’ውን ጾመ ማርያም ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ጾም ካብ መንፈቀ ኅዳር (፲፭/15) ክሳብ ፳፰/28 ታኅሣስ ዘሎ መዓልቲ ዓመት መጸ ዝጽወም እዩ።ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ሕዳር ወፋሲካሁ በዓለ ልደት” (መጀመርትኡ ፍርቂ ሕዳር እዩ፡ ዝፍሰገሉ ፍጻሜ ድማ በዓለ ልደት እዩ) ዕለታቱ ዘይቀያየሩን ክብን ለጠቕን ዘይብል ጾም ድማ እዩ። ታኅሣስ ፳፱/29 ድማ በዓለ ልደቱ ብምብዓል ይፍሰግ። ይኹን እምበር ልደት ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ታኅሣስ ፳፰/28 ኣብ ዝበዓለሉ ጊዜ እቲ ጾም ክሳብ ዕለት ፳፯/27 ይኸውን ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዘመነ ሉቃስ ጳጒሜን ካብ ፭/5 ናብ ፮/6 ክብ ስለዝብል ማለት እዩ።


መሠረት እዚ ጾም’ዚ ድማ ነቢያት እዮም። ከመይሲ ነቢያት በብዘመኖም ብዛዕባ ምምጻእ ክርስቶስን ነገረ ሥጋዌኡን፡ ድኅነት ደቂ ኣዳምን በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ትንቢት እናተነበዩ፡ ምሳሌ እናመሰሉ ይጾሙን ይጽልዩን ብምንባሮም እዩ ብትውፊት ከምዝንገር’ውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ንኣቦታታ መሠረት ብምግባር ብትሕትና ጾይማቶ እያ። አምላክ ወልደ አምላክ ዝኾነ ጐይታ ካብ ቅድስት ድንግል ተወሊዱ ዝርእዪሉን ዝሰምዑሉን ሰዓት ክትመጽእ ነቢያት ብዓቢይ ሓንቀውታ ይጽበዩን ይምነዩን ነበሩ። ንሎሚ ርእሲ ጽሑፍና ገይርና ዘሎና አብርሃም ኣቦና’ውን ነዛ ዕለት’ዚኣ ክርኢ እዩ ዝተመነየን፤ እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ባሕረ ዮርዳኖስ ሰጊሩ ምሳሌኡ ንዝገበሮ መልከጼዴቅ ክርእይ ዝገበሮን። ብዙኃት አበው ነቢያት ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ጊዜኦም ክትኮነሎም ደልዮም ግና ኣይኮነሎምን። ኣማዕድዮም ግና ብተስፋ ይርእይዋ ነበሩ። ንሕናውን ከምቲ ናቶም ክወርድ ክውለድ ኢልና ዘይኮነስ ብልደቱ ዝሃበና እናዘከርናን፡ ነፍስና እናመርምርናን ነቲ ናቶም ኣብነት ስዒብና ቀቅድሚ በዓል ልደት ጐይታ ንዘለዉ መዓልትታት ክንጸውም ቤተ ክርስቲያን ኣዚዛትና ኣላ። 

መልእኽተ ጾም


መብልዕ ዘይኮነሲ ጾም እዩ ናብ እግዚአብሔር ዘቕርብ። ጽባሕ ክንመውት ሎሚ ንብላዕ ንስተ ካብ ዝብለና ፈቓደ ሥጋና ኣትሒዝና ነዚ ክፉእ ምኽሪ ንዝመኽሩና ጸማም ዕዝኒ ክንህቦም ይግባእ። እዚኦም ከምዚ ዚኣመሰሉ መኸርቲ ክፉእ ግብሪ፡ ንሰብ ካብ እግዚአብሔር ዘርሕቑ እምበር ዘቕርቡ ኣይኮኑን። ንሰብ ናብ ናብራ ኃጢኣትን ጸልማትን ዘእትዉ እምበር ናብ ጽድቅን ብርሃንን ዝመልሱ ኣይኮኑን። ሰብ ካብ ምፍጣሩ ኣትሒዙ ብሕግን ብሥርዓትን ከምኡውን ብመጠን ክነብር እዩ ተሠሪዑሉ እምበር ቀይዲ በተኽ ክኸውን ኣይተፈቕደሉን። ምኽንያቱ ኣብዚ ምድሪ ዘለዎ ናብራ ጊዜያዊ እምበር ዘለዓለማዊ ኣይኮነን። ዘለዓለማዊ ርስትን ተስፋን ዝጽበዮ ስለዝኾነ ንእኡ ከቋምትን ብመገዲ እግዚአብሔር ክመላለስን እዩ ዝተነግሮ።


ኵሉ ሰብ ብሓፈሻ ኣገልገልትን ልኡካነ ወንጌልን ድማ ብፍላይ ካብ ፈተና ርሒቕና ንእግዚአብሔር ከነሥምር እንተደኣ ኮይኑ፤ ብጾም ዝተቀጽዐ፡ ንጸሎት ዝተግህ፡ ንሰናይ ተግባር ዘይስልኪ ሰብነት ክህልወና ኣለዎ። ኸምኡ ምስ ዚኸውን ድማ እግዚአብሔር ኣብ ቤቱ ፍቓዱ ክንፍጽምን ከነግልግልን ይእዝዘና፡ ኣገልግሎትና ድማ ሥሙርን ውኩፍን ኮይኑ ክርከብ ድማ ይኽእል። ነዚ ብዘይ ምፍጻም ግና ብኸምኡ ጥራይ ብዘሎና ማዕርገ ክህነት ተመኪሕና ብዘይ ንጹሕ ኣእምሮን፡ ሰናይ ተግባርን ትሩፋትን ከነገልግል ንፍትን ኮይንና፡ መዕነውትን መዕንቅፍን ከይንኸውን ዘየፍርህ ኣይኮነን። እዚ ድማ እቲ ዘሎናዮ ንንበረሉን ዘመን ዝምስክሮን ዘርእየና ዘሎን መሪር ሓቂ እዩ።


ስለዚ ኣብዚ ክፉእ ዘመን’ዚ፡ ካብቲ ዝቐደመ እኳ ብዝያዳ ክንጽልየሉን ብጾም ክንተግሃሉን ዝግብኡና ብዙኅ ውልቃዊ ይኹን ቤተ ክርስቲያናዊ ጉዳያት ከምዘለዉና መስካሪ ዘየድልዮ እሙን ነገር እዩ። ብካልእ ሥጋዊ መገድን ጥበብን ጥራይ ተጠቒምናን ተባላሂትናን ክንፈትሖም ዘይንኽእሎም ጒዳያት ንውልቃዊ ሕይወትና ይኹን ንዓለም ዘዕለቕለቁላ እዋን ከኣ እዩ። ጾም ድማ ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉን፤ ካብቲ ልዑሉ ባህርይ ዝኾነ ኣምላኽና ምሕረቱን በረኸቱን እንረኽበሉን ብምዃኑ፡ ነቲ ንሱ ዝሓገጎ ጾም ከምቲ ንሱ ዝፈትዎ ገይርና እንተጸይምና ኣምላኽ ምላሹ ክህበና ኣዝዩ ቀረባ እዩ። እቲ ንዓና ደቁ ዝሃበና ተስፋ ድማ ርጉጽን ብዘይ ጥርጥር ከኣ እሙን እዩ። ግና ሓደ ነገር ምስትውዓል ከድልየና እዩ። ከይበልናዮ ድሌትናን ሽግርናን ዝፈልጥ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር፡ ክንኵሕክሖን ክንቀርቦን ይደሊ። ናብኡ ክንምለስ እሞ ኣብ ሕቝፉ ክንኣቱን፡ ብፍቕሩ ክንነብርን ይደሊ። ልብና እኳ እንተዓጸና ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ኳሕ ኳሕ ዘብለሉ ምኽንያት ድማ ምእንቲ ክንቐርቦን ከይንጠፍእን ክብል እዩ። ዝኸፍተሉ ምስ ዝረክብ ድማ ምሕጓሱ ዘይተርፍ ስለዝኾነ፤ ኣብዚ ዓቢይ መልእኽቲ ፍሥሓ ዘለዎ ጾመ ነቢያት ኵልና ናብኡ ንቕረብ።


“ብዙኃት ነቢያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።” ከምዝተባህለ ንሕና ኣብዚ ዘመነ ሓዲስ እንርከብ ብልደቱ ንዝረኸብናዮ ጸጋ ከነስተውዕል ምእንቲ ኣቦታትና ብርሑቕ ኣማዕድዮም ንዝረኣይዎ ተስፋ ከነቕልበሉ ይግባእ። ኣብቲ ሓጐሶም ብሓቂ ተሳተፍቲ ክንከውን ምእንቲ ድማ ካብ ልደቱ ጀሚሩ ስሌና ዝገበሮ ኵሉ ነገር ምስትንታን ከድልየና እዩ። ኣብቲ ንሶም ብተስፋ ንዝጾምዎ ጾም ምስታፍና፤ መሠረትና ነቢያትን ሓዋርያትን ምዃኖም ምምስካርና እዩ። ንሶም ብተስፍ፤ ንሕና ግና ብኣዒንቲ ሓዋርያት ንጐይታ ርኢናዮ፤ ብኣእዛኖም ቃሉ ሰሚዕናዮ፤ ብጽሑፋት ኢዶም ብስራቶምን ቃሎምን ኣንቢብናዮ። ስለዚ ባህ ክብለና ይግባእ። ሓጐስና ግና ፍጹም ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ፤ ነታ መዝገብ ሕይወት፤ መካነ ቅዱሳን ነቢያትን ሓዋርያትን ብሓፈሻ ኵሎም ቅዱሳን ኣብ እትኸውን ቅድስት ቤቱ ከምቶም ዝቐደሙ ኣቦታትና ብሃይማኖትን ብሥርዓትን ብሓድነትን ጸኒዕና ምስ እንርከብን ፍቓዱ ምስ እንፍጽምን እዩ።


አበ ብዙኃን አብርሃም ድማ ሓደ ካብቶም ኣማዕድዮም ብተስፋ ብዝረኣይዎ ነገር ብሓጐስ ዝተጸናንዑ ኣቦ እዩ። አብርሃም አቦና ቅሩበ እግዚአብሔር ብምንባሩ ንኃሙሽተ ነገሥታ ኮሎዶጎመር ሥዒሩ ኣብ ዝተመልሰሉ ተሓጐሰ እሞ ንኣምላኽ እቲ ንኣቦታቱ ዝሃቦ ተስፋ ከርእዮ ለመኖ። እግዚአብሔር ግና ኵሉ ኣብ ጊዜኡ ስለዝገብሮ፤ ልማኖኡ ተቐቢሉ ምሳሌኡ ኣብ መልከጼዴቅን ሥርዓቱን ከምዝርእይ ገበሮ። ብሓቂ ኣቦታትና ብመንፈስ ተመሪሖም ዝሠርዑልና ሥርዓት ክንደይ ዘድንቕ ሰማያዊ ሥርዓት ዘለዎ እዩ። እዚ ጾም እዚ እምበኣር ብመንፈስ ምስ ነቢያት ተጓዒዝና ኣብ ልደቱ ዘብጽሓና፡ ምስ ሐዋርያት ተረኺብና ድማ ሓጐስና ፍጹም ከምዝኸውን ዝገብር እዩ። ስለዚ ኵልና ነዚ ጾም'ዚ ብአንክሮ ክንጾሞ ዝግባእ እዩ። አብርሃም ኣቦና ነታ መዓልቲ ብሓጐስ ክርእያ ደልዩን ተመንዩን፤ ምሳሌኣ ብምርኣዩ ድማ ባህ በሎ። ንሕና’ውን ነታ ተስፋ ነቢያት ዝነበረት ዕለት ቅድሚ ምእታውና ብጾም ከምቶም ነቢያት ንዝክራ። ሓጐሶም ሓጐስና ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ዕለት ምስ በጻሕና ባህ ይብለና። ነቲ ኣምላኽ ብተዋሕዶ ሰብ ኮይኑ ንዝገበረለና ድማ እናስተንተንና ንሕጐስ። ስለዚ ጾም ናብቲ እግዚአብሔር ዘዳለዎ ባህታን ክብርን ቅድሚ ምብጻሕ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ ሕግ ወሥርዓት እግዚአብሔር እዩ። አብነትናን መሠረትናን ድማ ካብ እግዚአብሔር መምርሒ ዝተቐበሉ ሓዋርያትን ነቢያትን እዮም። 


እምበኣርከስ ጾም ናብ ቅድስና ዝመርሕ ቅዱስ ሕጊ ከም ምዃኑ ናብቲ እግዚአ አጋእዝት፡ ንጉሠ ነገሥት፡ አምላከ አማልክት ዝኾነ ጐይታ ዘቕርብን ዝወስድን፡ ካብቲ ክንመላለሰሉ እተኣዘዝናዮ ጸቢብ መገዲ እዩ እሞ ሃየ ንኺደሉ። ብዛዕባ ጾም ምፍላጥን ምዝራብን ዘይኮነሲ ክንነብሮ እዩ ዝንገረና ዘሎ እሞ ካብ ምስማዕ ጥራይ ጽድቂ ምግባር ንኣምላኽ ባህ ከምዘብሎ ንፍለጥ። ካብቲ በረኸቱ ክንሳተፍ ምእንቲ ከምቲ ኣምላኽና ዝፈትዎ ጾም ጾይምና፡ ኵልና ኣብታ ቅድስት ቤቱ ተጊህና እናተረኽብና፡ ኣቦታትና ንዘቖሙልና ደረት ዓቂብና ነቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ ንንበሮ። ከምኡ ክንገብር ድማ አምላከ ነቢያት ወሐዋርያት እግዚአብሔር አምላኽ ኃይሉን ጥበቡን ይዓድለና። ብሰላም ኣጀሚሩ ከፈጽምና፤ ኣፈጺሙ ድማ ኣብ ብርሃነ ልደቱ ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወላወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።





No comments:

Post a Comment