Wednesday, November 2, 2011

ኡ…ይ ነፍሲ ጠፍአት ስንቅኹም ቋጽሩ፡ ፈቓድ ሥጋኹም ጥራይ ኣይትግበሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ...
ሻላ ምስ እትርእይዮ ነዚ ኵሉ ምኽሪ
ሞት ኣሎ ናይ ኵሉ መስካሪ
ንሹመኛ ዘይብል ንወፋሪ
ንንጉሥ ኣይብል ንፊታውራሪ
ዝገበርካ እንተገበርካስ ዘይተርፍ ግብሪ
መን ርኢኻ ካብ ሞት ዝቐሪ
ይትረፍ ፍጡር ሞይቱ’ኳ ፈጣሪ
ኣየ’ወ እዚ ስቡሕ ሥጋስ ክጽምበር ምስ ፀብሪ
ሓመድ ክኽደን እዚ ተቓራሪ
ተኸዳን ባኖ ከይተረፈ ተኸዳን ሃሪ
መቓብር ኣሎ ዘይተርፍ ነባሪ
ምስ ኃዘ ዘይሰድድ ጽኑዕ ኣጋፋሪ
ድኻ ኣይፍንፍን ንንጉሥ ኣይሓፋሪ
ትኽድን ምስ ነበርካ እልፊ ሃረ-መሪ
ሓውኻ ወገንካ እናተገርፈ ብሓለንጊ ቍሪ
ከተጋይጽ ኔርካ ኣብ ኃላፊ ምድሪ
እንታይ ኢኻ እትገብሮ ኣምላኽ ምስ ዚዅሪ
ቅሩብ’ዩ ጥቕሙ ናይ ሥጋ ፍቕሪ
እዋይ! ኃላፊዶ ትመርጽ ካብ ነባሪ
መጀመርታኡ መርዓ መፈጸምታኡ ቐብሪ
ኣጽኒዕኻ ግዳ ኃዛ ትእዛዝ ናይ ፈጣሪ
ኣይኹን ልብኻ ኣታዊ ወፋሪ
ሰማዒ ጥራይ ኣይትኹን እንታይ ድኣ ገባሪ
ኦ ነፍሲ እዚ ዝብለኪ በጃኺ መርምሪ
ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ከይትሓፍሪ
ኣይጥበርን’ዩ ንሱ ምስ ዝኹሪ
ሓሶትን ወቕርን ግደፊ ዘይረብሕ ግብሪ
ደኃር ዝመጸኪ ጥራይ ሕሰቢ ዘክሪ
ስንቂ ናይ ሰማይ ተሎ ቢልኪ ቋጽሪ
በደላት ዝድምስስ ዘንጽሕ ካብ ነውሪ
ኃሊፉ ዚጸንሕ ዘይረኽቦ ኸታሪ
ነቐዝ ዘይረኽቦ ዘለዓለም ነባሪ
ምስ ላዕለዋይ ጐይታ መፋቐሪ
ስንቂ ሰማይ ዝበልናዮ ጽቡቕ ግብሪ
፮ ናይ ወንጌል ፲ ናይ ኦሪ(ት)
ሃይማኖት ኣጽንዒ ምስ ግብሪ
ጥሙይ ምስ እትርዪ ኣምስሒ ኣድርሪ
ክዳን ሃብዮ ንዝኃዞ ቍሪ
ኣምላኽ ከልብሰኪ ናይ ሰማያት ሃሪ
መንገደኛ ኣብ ገበላኺ ኣኅድሪ
ምስ ቅዱሳን ኣብ ገነት ክተሰፍሪ
ማይ ኣስትዪ ንዜብሉ ኢደ እግሪ
ዝሓመመ ብጽሒ ብእግሪ ብግብሪ (ምሃብ)
ኣስተውዒልኪ ለበዋ ፈጣሪ (ማቴ ፳፭፥፴፭)
ነዚ ትእዛዝ’ዚ ምስ እትገብሪ
ሃይማኖት እንተጽኒዕኪ እንተ’ሎ ፍቕሪ
ብሓቂ ብሓቂ እብለኪ ገነት ከም እትሰፍሪ
ፍሬ ምስ ዘይብሎም ኣይትኅበሪ
የጣዕስኪ ዝቐደመ ግብሪ
እንሆ ሂበኪ ምዕዶታት መሐበሪ
ካብ ሎሚ ንንየው ግና ኃደራ ኣእምሮ ግበሪ
ባዕሉ ይሓግዝኪ ይርዳእኪ ፈጣሪ።

                 (ምንጪ፦ቀሺ ገብረማርያም ገብረሥላሴ (አባርዳእ))

No comments:

Post a Comment