Thursday, November 29, 2012

“ተዋስኦ ይሁዳ” ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ኣቡነ ሼኑዳ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

Click Here To Read in PDF
ቀድም ኣቦታትና: “ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባ ጉምባሕ ዛግራ ይብልዋ” ብምባል ነቲ ዝደለኻዮ ወይውን ክትጥቐመሉ እትደሊ ዝኾነ ነገር: ኮሓሒሊካን ኣጸቢቕካን ዘይምልክዑ ብምምሳል: ወይውን ስሙን ግብሩን ብምቕያር ወይውን ዘይስሙን ዘይግብሩን ብምሃብ ናብ ረብሓኻ ንምቕያርን ድሌታትካ ንምፍጻምን ንዝቐርብ ናይ ምምስማስ ወይውን ናይ ምጽብባቕ ኣገባብ በዚ ምሳሌ እዚ ክገልጽዎ ይስምዑ ነይሮም። ሎሚ ድማ ዘመን ምስ ግብሩን ኣካይድኡን ተቐይሩ: እቲ ናይ ኣቦታት ምሳሌ ብኣንጻሩ “ክበልዕዋ ዝደለዩ ዛግራ ኣባ ጉምባሕ ይብልዋ” ብዝብል ተተኪኡ ንረኽቦ። ነዚ ዳኅራዋይ ግምጣል ምሳሌ ዝመስል ነገር ከኣ ማለት ከተጠፍኦ ዝደለኻዮ ሰናይ ነገር ብምጽላምን ብምስይጣንን ዘይመልክዑን ዘይስሙን ብምሃብ ዝግበር ኣገባብ ኢና እምበኣር ኣብ ደምበ ሓራጥቃውያን እነስተውዕል ዘሎና። ሓደ ካብቲ ነዚ መበሊና ምኽንያት ዝኾነና ድማ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ አቦና አቡነ ሼኑዳ ዝግበር ዘሎ ናይ ምጽላምን: ናይ ምኽፋእን ከምኡውን ብድሕሪኦም ምእንቲ ክኽሰበሉ ተጠጂኡ ዘሎ ፍሕሶ መናፍቓንን ኣሳሳይቶምን እዩ። እቲ ግዳይ ክኸውንን ክጥባሕ ካራሩ ዝቀራረበሉን ዝሰሓለሉን ዘሎ ድማ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ እዩ። 

ጉጅለ ገብረሚካኤል ዘኣትላንታ ንርእሱ ብወግዒ ካብ ሡርን ጕንድን ቤተ ክርስቲያን ምፍንጫሉ ካብ ዘፍለጠሉን: ዕላማታቱ ከምዝጐናደቦ ብምስትውዓል: ደጊም ከም ድሌቱ’ውን ከም ዘይከውን ብምርዳእ ኣብ ክንዲ ዘሐጕሶ: ከፊእዎ ካብ ዘንጸርጸሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ዕብየት መሪሕነት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብደረጃ መንበረ ጵጵስና ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። እምበኣር ብምምጻእ ብፁዕ አቦና ናብ ሃገረ ስብከትና ብጊሓቱ ዘይተሓጐሰ ጕጅለ መናፍቓን: ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ንነዊሕ ክፍሕሶን ክሰርሓሉን ዝጸንሐን: ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብዝኃየለ መገዲ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ መደብ: ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ኣቦናን መምህርናን አቡነ ሼኑዳ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ኣንጻሮም ቀኒዑ ዘሎ ጐስጓስ እዩ። ኣይሰለጦን እምበር ብእኦም ንዝምእከል ሃገረ ስብከትን: ሕዝበ ክርስቲያንን ንምኽፍፋልን: ንምድኻምን ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። እቲ ሎሚ ብዝያዳ ዘጐሳጕሶ ዘሎ ትንኩል ሓሳብ ድማ ሓድሽ ነገር ዘይኮነስ: ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝነቅል ፍሉጥ ዕላማ ዘለዎ እዩ። እቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያት ናይዚ ተዋስኦ ድማ እቶም ኣዕሩኽት ቀደምን (ናይ ገብረሚካኤል): ኣብ ኣሥመራ ኣብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ተኾይጡ ዘሎ ኣካልን እዮም። ኣላዪ ናይዚ ተዋስኦ ድማ ባዕሉ ገብረሚካኤል እዩ። 

ነቲ ኣንጻር ኣቦና ዝግበር ዘሎ ታራ ዘለፋን: ምጽላምን ንጐድኒ ገዲፍና: ኣቡነ ሼኑዳ ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘለዎም ዝምድና ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘየለን: ንቅዱስ ሲኖዶስ ከምዘይእዘዙን: ክምእከሉ’ውን ከምዘይደልዩ ኣምሲልካ: ንእኦም ንምቕያር ዝግበር ዘሎ ምጉብባዕ እቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ውዲት እዩ። ውሽጢ ውሽጢ ኮይኖም ነዚ ወረ ዘናፍሱን: ምስ ገብረሚካኤል ብዘለዎም ስቱር ርክብ ድማ ምኽሮም ፈጺሞም: ምስቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ “ምምሕዳራዊ ኣካል” ብቴሌፎንን: ክልተ ጊዜ ድማ ብኣካል ወኪል ብምልኣኽ እናተራኸቡ ከሳልጡ ዝፍትኑን ኣብ ውሽጢ እዚ ሃገረ ስብከት ዝርከቡ እሞ ንመንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከትና ብኣፎም እናኣመኑ ብልቦም ግና ዝኽሕዱ ናይ ዘመንና ይሁዳታት እዮም። ከምቲ ሸያጢ ጐይትኡ ዝኾነ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብኣፉ ምስ ጐይታ ኣሎኹ እናበለ ብውሽጡ ግና ኣንጻር ጐይታ ተለዒሎም ምስ ዝነበሩ ኣይሁድ ምኽሩ ይፍጽም ከምዝነበረ: እዚኦም’ውን ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣሎና እናበሉ ብልቦምን ብውሽጦምን ግና ምስቲ ኣንጻር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ቆይሙ ዘሎ ገብረሚካኤል ምኽርን ውዲት ዝፍሕሱ ዘለዉ እዮም። ወኪሎም ኣብ ኣሥመራ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተረኺቡ ምምላስን ምቕያርን ብፁዕ ኣቡነ ሼኑዳ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን ኣግሂዱ “ስለምንታይ ዘይመጹ: ዘይመጹሉ ምኽንያት የልቦን: ብዝቐልጠፈ ክንሰዶም ኢና” እናበለ ደጋጊሙ ወዳኢ ነገር ኮይኑ ይቐርብ ከምዝነበረ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። 

እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣሥመራ ዘሎ “ምምሕዳር” ዝብሃል ኣካል’ውን: ኣብ ዘይምልከቶ ሥልጣን ኣትዩ: ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ጥሒሱ ንኣቦታት ካብ መናብርቶም ክገማጥሎም ከምዝጸንሐ ይፍለጥ እዩ። ብቀንዱ’ውን በዚ ምቕይያር እዚ ኣመሳሚስካ ማለት ንኵሉ ከምዝምልከትን ኣብ ኵሉ ከምዝተተግበረን እናርኣኻ: ነቶም ብቀንዱ ግዳይ ክገብሮም ንዝሓሰበ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ኣህጉረ ስብከት ዘዳኽምን: ነቶም ንቤተ ክርስቲያን ከም ጕዚ ሥጋ ኣብ ምክፍፋል ንዘለዉ መናፍቓን ባይታ ዘስፍሕን ተግባራት ንምፍጻም ውዲት ሃንዲሱ ይሰርሕ ምህላዉ ይፍለጥ። እቶም ብፁዓን ኣቦታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክሳዕ ዘለዉ: ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ምቕይያር ብዙኅ ለውጢ ከምዘየመጽእ ርዱእ ብምዃኑ: ቀንዲ ክበልዕዎን ከብልዕዎን ዝሃንደስዎ መደብ ነቲ ኣብ ደገ ዘለዉ ኣህጉረ ስብከት እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ተወጢኑ ዝነበረ መደብ ድማ ብሃይማኖቶም ጽኑዓትን ኣብ ልዕሊ መናፍቓን ተሪር መርገጺ ንዘለዎም ኣቦታት ኣልዒልካ: ምስኣቶም ናይ ቀደም ርክብ ብዝጸንሖም ኣቦታት ናይ ምቕያሩ መደብ እዩ ነይሩ። ወይውን ድማ ነቲ ሃገረ ስብከት ብዘይ ጳጳስ ኣትሪፍካን ሓጓፋት ፈጢርካን፤ ነቶም ደለይቱ ባይታ ምንጻፍ እዩ። ኣብ ሃገረ ስብከት ኣውሮጳ ንዝነበሩ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ: ናብቲ ናይ ምቅይያር መሥርሕ ዝተዓወጀሉ ጉባኤ ክጽውዑ ከለዉ: ምእንቲ ከይተርፉን ከይቃወሙን ተባሂሉ: እቲ መጸውዒ ምኽንያት ከይተነግሮም ብሕጹጽ ኣብ ኣሥመራ ክርከቡ ዝተገብረሉ መስርሕ’ውን ሓደ ኣካል ናይቲ ውዲት እዩ ነይሩ። ድሮ እዞም ኣቦ ናብ ኣሥመራ ካብ ምምላሶም: ኣብ ኣውሮጳ ዝነጥፍ ጉጅለ ገብረሚካኤል ከመይ ዓይነት ፍናን ሒዙ ክሰርሕ ከምዝጀመረን: ቀደም ዘይነበሮ ትብዓት ኣጥርዩ ብድፍረት ነዞም ሕጂ ዘለዎ ኣቦን ሃገረ ስብከትን ይዳፈሮም ምህላዉ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝተሰወረ ኣይኮነን። ካልኦት ኣቦታት ከለዉ ንምንታይ እዞም ኣቦ ብፍሉይ ከም መተካእታ ተላኢኾም ንዝብል ሓታቲ’ውን፤ ኣብ ውሽጡ እናተጋህደ ዝመጽእ ተንኮል ከምዘለዎ እዮም ዝዛረቡ። 

እምበኣር ኣብ ኣውሮጳ ዝተፈተነ መስርሕ: ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ኣቡነ ሼኑዳ’ውን ብቀጻሊ ብዝተፈላለየ ኣገባብ እንተተፈተነ’ውን ክሳዕ ሕጂ ክሰልጥ ኣይከኣለን። ሓደ ካብቲ ዘጸንፁ ነገር ድማ: ከምቲ ክንገር ዝቐነየ’ውን ልዕሊ ፮ተ ጊዜ ናብ ኣሥመራ ንኽመጹ ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ መጸዋዕታ ይግበረሎም ምንባሩ እዩ። ሕጂ’ውን እቲ መጸዋዕታ ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ ምዃኑ እዩ ዝሕበር ዘሎ። እዚ ግና ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን: እኳ ደኣ እቲ ሓቂ “ምምሕዳር” ዝብሃል ዘሎ ኣካል: ነቲ ባዕሉ ክፍጽሞ ዝኸብዶ ነገር ብስም እቲ ቅዱስ ጉባኤ ኣቦታት ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ደብዳበ እናጸሓፈ ዝሰድድ ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ብዙኅ ኣጋጣሚታት ዝተከሸሐ እቲ ልሙድ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ናይዚ “ምምሕዳር” እዩ። ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ እናተጻሕፈ: እሞ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዘይፈልጥዎ ጕዳይ ኣዝዩ ብዙኅ ምዃኑ: ብሰንኩ ድማ ግዳይ ዝኾኑ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ እዩ። “ምምሕዳር” ዝብሃል ኣካል: ንቅዱስ ፓትርያርክ ንበይኖም ኣእሚኑ: ናብ ዝኾነ ቦታ ወይ ሃገር ገይሾም: ወይ ደብዳበ ጽሒፎም እንተለኣኹን እንተኣዘዙን ቅዱስ ሲኖዶስ ይፈልጦ እዩ: ኣብቲ ሓሳብን ግብርን ሠሚርዎ እዩ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ንሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን’ውን ዝጻረር ተግባር ከኣ እዩ። እዚ ዘይቅርዑይ ኣካይዳን ዘይሕጋዊ ተግባራትን “ምምሕዳራዊ” ኣካል ድማ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎን: ብዕሊ ክቓወምዎ ዝጀመሩሉ ጕዳይ ምዃኖም ይፍለጥ። ብኸምዚ ኣካይዳ ንነዊሕ ውልቃዊ ሓሳባቱ ክፍጽም ዝጸንሐ “ምምሕዳራዊ” ኣካል’ውን በቲ ዝገጠሞ ተቓውሞ ዓቕሉ ኣጽቢቡሉ ዘሎ ጕዳይ ምዃኑ ዘሎና ሓበሬታ ዘረጋግጾ እዩ። 

እምበኣር ንብፁዕ ኣቡነ ሼኑዳ’ውን ካብ መንበሮም ኣልዒልካ: ነቲ ንሶም ክሓንፅዎ ዝጸንሑ እሞ: ኣብ ብዙኅ መዳያቱን ክፋላት ሥርሑን ኣብ ጽቡቕ ደረጃታት ንዝርከብ ዕዮታት ናይዚ ሃገረ ስብከት ብምጕንዳብ: መንነቱ ዝያዳ እናተቓልዐ ንዝኸይድ ዘሎ ገብረሚካኤልን ጕጅለኡን ባይታ ንምኽፋት ዝግበር ምጉያይ: ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ ከምእተወሰነ ኣምሲልካ ዝዝርጋሕ ዘሎ ተዋስኦ ኵልና ክንነቕሓሉ ይግባእ። እቲ ነገር ናይ ኣቡነ ሼኑዳ ውልቃዊ ጕዳይ ኣይኮነን: ናይ ኵልና እምበር። ካባኡ ንላዕሊ’ውን ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጕዳይ እዩ። ንሶም ኣብዚ ሃገረ ስብከት ጸንሑ: ናብ ካልእ ኸዱ: ብዘይካ እቲ ልሙድ ጥሕሰት ሕገ ቤተ ክርስቲያን: ብውልቂ ዝጐድሎም ነገር የልቦን። እኳ ደኣ ብዘለዎም ትረት መርገጺ: ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ነቲ ዝበራበር ዘሎ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝያዳ ከምዘኀይልዎ እምነትና እዩ። ኮይኑ ግና ብድኅሪኦም ንዝፈሓስ ዘሎ ተንኮል ምስትውዓሉን: ካብቲ ብዙኅ ኣበርክቶኦምን ፍረ ሃገረ ስብከቶምን: ልዕሊ ኵሉ ነቲ ሓኒፆሞ ዘለዉ ዱልዱል ሓድነታዊ ኣካይዳ ብምድኻም: ንምትእትታው ዝሕሰብ ዘሎ ፍሕሶ ዕንወት ኣማዕዲኻ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክንብል ከሎና: ብፁዕ ኣቡነ ሼኑዳ: ብኵሉ ሥርሓት ፍጹም እዮም: ዝጕድሎም የልቦን: ገለ ክመሓየሽ ዝግብኦ ድኹም ኣሠራርሓ የብሎምን ማለትና ኣይኮነን። እንታይ ደኣ: ብዓቢኡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዓቂቦም: ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም: ሕዝቢ ብሃይማኖቱ ክጸንዕ ንዝገብርዎ ዘለዉ ኣባታዊ ኣሠራርሓ: ደኺሙኒ ከይበሉ ንኵሎም ምእመናንን ቤተ ክህነትን: ብፍላይ ድማ መንእሰያትን ኣሥሚሮምን ኣወሃሂዶምን ንዘበርከትዎ ዓቢይ ሥራሕ ምስትውዓሉ ጽቡቕ እዩ። 

እንተስ በቲ እንተስ ብኻልእ: ኵልና ንጽናዕ እምበር እዚ’ውን ከም ፈተና ክሓልፍ እዩ። ኣብ ምሕላፉ ግና ከይሕልፈና: ነቶም ኣብ ውሽጥና ዘለዉ መጋበርያን መማኽርትን ኣዕሩኽት ገብረሚካኤል ዝኾኑ ብክልተ ማንካ ዝብልዑ ውሑዳት ካህናት ዝርከብዎም ገለ ሽማግለታትን ብዕቱብ ክንከታተሎም ይግባእ። ሎሚ በዚ እንተዘይሰለጦም ጽባሕ ብኻልእ ክፍትኑ እዮም። ሕማም ውሽጢ እናቐንዘወ ልሙስ ይገብረካ እዩ እሞ: ነዞም ኣብ ውሽጥና ኮይኖም ሕማም ዝኾኑና ዘለዉ ንናይ ሎሚ ተዋስኦ ዘዋሃሃዱልና “ይሁዳታት” ኣግሂድና ብጌጋኦም ክእረሙ ንንስሓ ክንጽውዖም: ካብቲ ኣይንፍለጥን ዝብሉሉ መገዲ ክልተ ልቢ ግና እንተዘይተመልሱ: እቲ ግቡእ ናይ ምቕላዕ ስጉምቲ ከምዝውሰደሎም ምልባሙ ሰናይ ኮይኑ ይስምዓና። 

እንተ እቲ ምምሕዳራዊ ዝብሃል እሞ ሕገ ቤተ ክርስቲያን እናጠሓሰ: ንቤተ ክርስቲያን ዘልምስን ዝሕምስን ዘሎ ኣካል ግና ይውዓል ይሕደር ብእግዚአብሔር መዓልቱ ኣኺሉ ተዘንታዊ ታሪኽ ምዃኑ ኣይተርፎን ጥራይ ዘይኮነስ: እቲ ጊዜ ከምዝኣኸሎ ንርእሱ’ውን ብጭቕ እናበሎ ይዛረብ ከምዘሎ እዮም ናይ ቀረባ ሰባት ዝዛረቡ። እቶም ሓበሬታ ዘቕበሉና ሰባት ከምዝብልዎ: እዚ ኣብ “ምምሕዳር” ዘሎ ኣካል: በቲ ዘቐመጦ ላዕለዋይ ኣካል ዝተፈንፈነሉ: በቶም ዝተቐመጦም’ውን ኣቦታት ክናዕቕ ዝጀመረሉ: ንርእሱ’ውን ብዋሕዲ ጥዕናን ዕርጋን ዕድመን ዝሳቐየሉ: “…. (እዚአን እዚአን) መደባት ብስመይ ኣጀሚረን ተኺለን ክገድፎ” ኣብ ዝብል ባቢሎናዊ ሓሳብ ዝጠሓለሉን: በቲ ኵሉ ገይረዮ ዝብሎ እሞ ዝፈሸሎ መደባት ተስፋ ዝቖረጸሉን … እዋን ምብጽሑ እዩ። ስለዚ ጕዳይ ምቕያር ኣቡነ ሼኑዳ’ውን: ብፍታዉ ድዩ ብግዲ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ዘይግብኦ መንበር ምምሕዳር ቅድሚ ምትንሥኡ: ምስ ወረደ ምስቶም ክቕበልዎ ዝኽእሉ መሳርሕቲ ቀደሙ ዝኾኑ መናፍቓዊ ጉጅለታት ዳግማይ ክተዓራርኽን: ድሌታቶም ፈጺሙ ክወርድን ንዘለዎ ውሽጣዊ ውዕል “፴/30 ቅርሺ” ዘመልክት ምዃኑ ነዚ ጕዳይ ብቀረባ ዝኸታተሉ ዝዛረቡሉ ኣርእስቲ እዩ። 

እምበኣር ኣብ ኸምዚ ጽኑዕን ጽንዓት ዝሓትትን እዋን “ዕርፊ ምጽናዕ” ንኵልና ከገድሰና እዩ። እቲ ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል “ዕርፊ ምጽናዕ” ግቡእ ክርስቲያናዊ መገዲ እዩ። ዕርፊ ድማ ብጾም: ብጸሎት: ብቃለ እግዚአብሔር: ብሰናይ ተግባራትን ትሩፍትን ከምዝጸንዕ ዝስሕቶ እኳ እንተዘየለ ኣብ ውሽጡ ምንባር ግና ግድነት እዩ። እቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ አቡነ ሼኑዳ ክረአ ተዳልዩ ዘሎ ተዋስኦ: ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ከብቕዕ እዩ። እቲ መጋረጃ’ውን ክዕጾ እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያንና ጕዳይ ግና ነባሪ መፍትሒ ክረክብ: ኣብ ውሽጥና ተሰግሲጎም: በብእዋኑ ተዋስኦ እናደረሱ መጋበርያ ካልኦት ንዝኾኑ ኣብ ምጽራይ ኵልና ክንተግህ ይግባእና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ብምሕረቱ ቤቱ ይሓልወልና። 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

10 comments:

  1. Egziabher Amlak NBesue Abona yehalewelna. nay bhaki dekime keybelu kab adi nab adi hanti semun erefti zeybelom Abo eyom nesom mes metsu n America asetat 40 betekristiyanant zetemesret heji Anetsarom kelealu......
    Egziabher Amlak Neza betekristiyan yehalewa

    ReplyDelete
  2. selam egziabher msakum ykun abotatyn yehwatn adalewti maidot kemey alekum egziabher tsegan tinnan adilu agelgletkum kbark senay fkadu ykun eti mntay egziabher bakum geyru yayi slezelo ajokum bertau ezatom nbetekrstyan zkefaflun menafkann dma satom kereba eyu entay gdkum bertau bertau bertau endbelku neti klu zkil medhane alem dma tsnat khbekum tseloteyn lmanoyn eyu




    ReplyDelete
  3. ቃለ ህይወት የስመዓልና ማእዶታውያን። ንዓኹምን ንኹሉ ደላይ ሰናይ ዘበለ ኣብ ርትዕቲ ሃይማኖት ጸኒዑ ንዝኸይድን ድማ እግዚኣብሔር ሓይሉን ጥበቡን ይዓድለና!!!

    ReplyDelete
  4. maedotawyan egziabhier amlak n hagernan haymanotnan kab teqarani yhalwelna!!!

    ReplyDelete
  5. BESEM AB WWELD WMENFES KUDUS HAD AMELAK AMEN. MAEADOT ONLY THE TRUTH ORTHODOX TEWAHEDO WEB SITE .SO MAY GOD BLESS ALL.LONG LIVE TO ABUNA SHENODA AMEN.

    ReplyDelete
  6. thanks maedot!! EGZIABHER YIHABELNA NIHABERETAKUM!!!

    ReplyDelete
  7. በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን ፡፡ ናይ ብሓቂ ሕማቕ ታሪኽን ሽግርን ቤተክርስትያና ሕጂ ግዚኡ ከብክዕ ዝደለየ ይመስል ፡፡ ናይ ሓደ ነገር ሳዕቤኑ ክትፈለጥን ክትፈትሕን ጠንቒ ምፍላጡ ኣገዳኢ ባእታ እትዩ ፡፡ ኣብ ሕሙም ሰብ ብደገ ንዝርኣዩ ናይ ቆርበት ለውጢ (ተርእዮ)ሕማም ዘይኮኑ ናይቲ ብውሽጢ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደ መበገሲ ሕማም እዩ ፡፡ ስለዚ እቲ ኣብ መንበረ ፓትሪያሪክ ኣብ ምምሕዳር ዝሰርሕ ዘሎ ኣካል ብዘይ ምእኩል ኣገባብ ማለት ብጹእ ኣቦናን ሊቃነ ጳጳሳት ብዘይ ፈልጥዎ ኩነተት ከም ፈጻሚ ኣካል ኮይኑ ነዝደለዮም ( ኣብ ናቱ ሓሳብ ንዝሰምሩ )ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ምምዳብን ናይቲ ረብሓ ተኻፈልትን ከም ዝኾኑ ይገብር ፡ነቶም ኣብ እምነቶም ጽኑዓትን ሓወርያዊ ኣካይዳ ዘልዎም ኣቦታት ድማ ናይ ቦታ ምቅይያራትን ውግዘትን እናገበርካ መሰረተ እምነት ምዕናው፡ነታ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪስካ ናብ መናፍቓዊ ጉዕዞ ምቕያር እዩ ፡፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብ ግዜ ንእስነትና ኣብ ቤተክርትያን ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም ኣስመራ ብግርህነቶም ንዕብየት ቤተክርስትያን ብምባል ቤተ ት/ስንበት ብምቛም መንእሰያት ንኽምልመሉ ኣብ ኣዳራሽ ፍኖተ ብርሃን ምስ ኣፍቀዱ ሰንኩፍ ኣተሓሕዛ ስለ ዝነበረ ፡ ብብዓል ፍጹም ገብረንጉስ ሕጂ ዶክተር መናፍቕነት ኣብታ ንሳቶም ዝኽሓድዋ ኣብ ውሽጢ ቀጽራ ኮይኖም ኣንጻራ( ጸረ ማርያም ) ዝስብኩ መናፍቓን ሓቝፋ ዳርጋ ሓያለ ኬዳ እያ ፡፡ ድሓር ግን ብንቑሓት ኣቦታት ካብ ቐጽራ ዝተሰጉ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ`ዚ ቀረባ ጊዜ ኣብያተ ክርስትያናትና ብውሽጢ ወራር ኣካይዶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ ፡፡ ሕጂውን ከምቲ ዝብኢ ንኣድጊ ከውድቓ ከሎ ብኽሳዳ ሒዙ ክሳብ ትመውት ተጽብዩ ፡ ዝተረፈ ህርፋኑ ዝፍጽም ፡ ኣብ ዓንዲ ወይ መሳልል ኴንካ ምድኻም እንት ስርሐይ ኢሉ ተታሓሒዙዎ ዘሎ ፡ ስለዚ ኣብ እምነት ጽኑዓትን እሙናትን ኴና ክንርከብ እግዚኣብሐር ይጽበየና ኣሎ ፡፡ ገብሪኤል መልኣኽ ኣብ ኣኣብ ዘለናዮ ንቑም ከም ዝበለ ኣኣብ ዘለናዮ ንቑም ፡፡ ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ፡ ይትኣኮት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚኣብሔር ኣምላክነ ወትረ በኩሉ ግዜ ወበኩሉ ሰዓት ለዓለም ዓለም ኣሜን፡፡ እግዚኣብሔር ሃገርናን ህዝብና ይባርክ፡፡

    ReplyDelete
  8. edmen tenan tsneaten nbtsuean megebte bietekrstiyan abotatna!!! maedotawyan dma sle ezi etgebrwo zelekum bteami ena enemesgn

    ReplyDelete
  9. God bless you guys.

    ReplyDelete
  10. በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ።
    መጀመርያ ከምዚ ጌርኩም ስለ እታ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን እትገብርዎ ጻዕርን ተወፋይነትን እግዚኣብሔር ካብቲ ዘይውዳእ ሰናይ ዉህበቱ ጸጋ በዲበ ጸጋ የሃብኩም፣
    ሓንቲ ሕቶ ኣላትኒ፣ ብጹዕ ኣቦና እንተ ደኣ ዓዲ ከይዶም ቅያሮም ክመጹና ድዮም?
    ቅያሮም እንተ ዝመጹ ኮይኖም'ከ ስለምንታይ ዘይምለሱ ምክንያቱ ንሶም ኣብዚ ዘለውዎ ስፍራ ዘሎ መናፍቃዊ ኣካይዳ ጽቡቅ ጌሮም ስለ ዝፈልጥዎ ኣብ ዓዲ ኮይኖም'ውን ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ምገበሩ ......ዝብል ርእቶ ኣለኒ. መልስኹም ይጽበ ...... @ zewgeabew@hotmail.com

    ReplyDelete