Monday, February 7, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍአን) ገዳሞምን

ቀዳማይ ክፋል
መእተዊ 

ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ዝርከብን ኣብ ኣዝዩ ልጉስ ቦታ ዝተደኰነን ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ፲፫ ክፍለዘመን ዝተገደመ ጥንታዊ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም በቲ ካብ ርሑቕ ዝልለየሉ ጫፍ ጭማራ ዝቕርጹ በሊሕን ጸዳፍን እምባ ዝተማእከለ ኮይኑ እቲ ቤተ ክርስቲያንን ፈዋሲ ማየ ጸሎቱን ድማ ኣብ ውሽጢ በዓቲ እዚ ጎቦ ይርከብ። መሥራቲኡ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ እዮም። ክብረ በዓል ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ባሕቲ የካቲት ብድምቀት ይኽበር።
ኣሕጽር ኣቢልና ታሪኽ ሕይወትን ተጋድሎን ኣቡነ እንድርያስን ገዳሞምን ብዝምልከት ካብ ገድሎምን ካልኦት ጽሑፋትን ዘቀናበርናዮ ንበረኸትን ትምህርትን ክኾነና ኣስዒብና ከነቕርብ ከሎና ጸሎትን በረኸትን ኣቦና ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ክኸውን ብምምኅጻን እዩ።


ታሪኽ ሕይወት ኣቡነ እንድርያስ 

2.1 ትውልዶም 

ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ኣቡኦም ዘአማኑኤል (ብዓል ጋዳ) ኣዲኦም ድማ ዓመተ መንፈስ ቅዱስ ይበሃሉ። ስፍራ ልደቶም ድማ ኣብ እንደርታ ደርገ ዐጀን እዩ። ወለዶም ሃብታማት ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ለጋሳት ድማ እዮም ነይሮም፤ ኣብዚኆም ድማ ንነዳያን ምምጽዋት ይፈትዉን የዘውትሩን ነበሩ፤ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝእዝዞ ድማ ምቕባል ጋሻ ዘፍቅሩ እዮም ነይሮም። እንተኾነ ውላድ ስለዘይነበሮም ይጕህዩን ንእግዚአብሔር ዘሥምር ውላድ ክህቦም ድማ ብኃባር ዕለት ዕለት ለይትን መዓልትን ንሥሉስ ቅዱስ እናሰገዱ ይምህለሉ ከኣ ነበሩ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዶም ድማ መብጽዕኦም ንቅዱስ እግዚአብሔርን ንቅድስት ድንግልን የውፍዩ ነበሩ። 

ሓደ ለይቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ኣዝዩ መሪር ንብዓት እናፍሰሱን ኣብ ቅድሚ ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ጠጠው ኢሎም እናጸለዩን ከለዉ እግዝእትነ ማርያም ብዓቢይ ብርሃን ተኸቢባ፤ ብየማንን ጸጋምን ብቅዱስ ሚካኤል ወገብርኤል ተዓጂባ መጸት እሞ ኅሩይ ዝኾነ ውላድ ከምዝረኽቡ ባዕላ ኣበሰረቶም፤ ባረኸቶም ድማ። ከምቲ ዘበሰረቶም ድማ ልክዕ ኣብቲ ናታ በዓለ ልደት ባሕቲ ግንቦት ፲፪፻፲፭ ዓ.ም. ተወልዱ። ኣብቲ መዓልቲ ልደቶም ድማ ዓቢ ብርሃን ተራእየ። እዚ ተኣምራታዊ ብርሃን ከኣ ነታ ዝተወልዱላ ቤት መልኦ። ኵለን ኣብኡ ተኣኪበን ዝነበራ ኣዋለድቲ ድማ ኣዝየን ተደነቓ። ኵሎም ኣብቲ ቤት ዝነበሩ ድማ ብኃይሊ ነጸብራቕ ናይቲ ብርሃን ናብ መሬት ወደቑ፤ እቶም ወለዲ ድማ ነዚ ምስ ረኣዩ ፍግም ኢሎም ንእግዚአብሔር ብምስጋድ ኣመስገኑ። ኣብቲ ቤት ድማ ፍጹም ሓጐስ ኮነ። ስለቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ጸጋን ጸሎቶም ምስምዑን ድማ ንድኻታት ምጽዋት ሃቡ። ወለዶም ድማ ነዚ ብብስራት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝተወልደ ህጻን መሓረነ እግዚእ ኢሎም ሰመይዎ። 

2.2 ኣተዓባብዪኦም 

እዚ መንፈስ ቅዱስ ዝባረኾን ዝገለጸሉን ህጻን ድማ ጌና ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ከሎ ንእግዚአብሔር ባህ ብዘብል መዝሙር የመስግን ነበረ። እዚ ብኸምዚ ኣገባብ ዝተወልደን ዝዓዀዀን ህጻን ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዝመልእ ኣብ ቤት ኣቡኡ ተቐሚጡ ዝተፈላለየ ዘደንቕ ተኣምራት ይገብር ነበረ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮነ ወለዱ ናብቲ ዘጥመቖ ኤጲስ ቆጶስ ክምህረሎም ወሰድዎ። እቲ ኤጲስ ቆጶስ ድማ ነቲ ህጻን ምስ ረኣዮ መንፈስ ቅዱስ ዝዓሰሎ ምዃኑ ኣስተውዓለን ሠለስተ ሳዕ ባረኾን መረቖን ድማ። ብኡ ንብኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ እናገለጸሉ ጸሎታትን ኵሎም መጻሕፍተ ቅዱሳት ብሉያት ሓዲሳትን መዝሙራትን ንባባቶምን ትርጓሜያቶምን ተማህረን ፈለጠን። ብኸምዚ መንፈሳዊ ኣገባብ ድማ ኣብ ትሕቲ ወለዱ ዓበየ። 

2.3 ምንኵስንኦም 

መሐረነ እግዚእ ዕድሚኡ ፲፪ ዓመት ምስ ኮነ “ክብረት ኣቦይን ንብረት እዚ ኃላፊ ዓለምን ንምዃኑ እንታይ ክዓብሰለይ እዩ፧! ከይደ መስቀል ሞተይ ክጸውርን ንኣምላኸይ ድማ ምስዓብ ይሕሸኒ” ብምባል ቤት ኣቡኡ ሓዲጉ ጭኽ (ትግራይ) ናብ ዝብሃል ዱር ዝኾነ ቦታ ከይዱ መነነ። ኣብኡ ድማ ብጾምን ጸሎትን ብስግደትን ብትሕርትምን ዓቢ ገድሊ ይፍጽም ነበረ። ሽዑ እታ መካነ ጸሎቱ ዝነበረት ስፍራ ፈውሲ ዘለዋ ማይ ፈልፈለት፤ ክሳዕ ሎሚውን ማየ ጸሎት ኮይና እናፈልፈለት ብስም ኣቡነ እንድርያስ ትጽዋዕ ኣላ። 

ካብኡ ድማ ናብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዝርከብ እምባ ላኻ ዝብሃል ቦታ መጺኡ ንኃያሎ ዓመታት ብጸሎት ተወሲኑ ምስ ኣምላኹ እናተራኸበ ከሎ ኣብቲ ቦታ ማይ ፈልፈለ እሞ ሕሙማት እናመጹ ካብቲ ማየ ጸሎት እናተሓጽቡን እናሰተዩን ዝሓውዩ ኮኑ። እዚ ተኣምራታዊ ፍጻመ ግና ውዳሴ ከንቱ ከየስዕበሉ ብምፍራህ ነቲ ቦታ ለቂቑ ክኸይድ ምኽንያት ኮኖ። ስለዚ ድማ ኣርሒቑ ብምኻድ ኣብ ትግራይ ጥቓ ዓድዋ ናብ እትርከብ ገዳም ሰሎዳ ኣባ ገብረክርስቶስ ኣተወ። መሐረነ እግዚእ ኣብቲ ገዳምውን ምስ ኣተወ ከምቲ ልማዱ ጾምን ጸሎትን ስግደትን እናበዝኀ ብትሕትና ናይ ርድእና ስራሕ ይሰርሕ ነበረ። እቲ እግዚአብሔር ዝሃቦ ጸጋ ልዑል ስለዝነበረ ድማ ኣብቲ ገዳምውን ማየ ጸሎት ኣፈልፊለ። መሐረነ እግዚእ ወዲ ፴ ዓመት ምስ ኮነ: ነዚን ካልእን ልዑል ዝኾነ ጸግኡን ክብሩን ዘስተውዓሉ ኣቡነ ገብረክርስቶስ ድማ ብመጀመርታ ዲቁና ኣስዒቡ ምንኵስና ቀጺሉ ድማ ቅስና ክቕበል ግድን በልዎ፤ ከምኡ ድማ ኮነ። ስሙ ድማ ኣቡነ እንድርያስ ኢሎም ሰመይዎ። ኣቡነ ገብረክርስቶስ ድማ ስለቲ መሓረነ እግዚእ ዘርእዮ ዝነበረ ሰናይ ግብርን ቃልን ባረኾን ሰዓሞን። ስለዚ ድማ ምንኵስና ኣቡነ እንድርያስ ካብ ኣብነ ገብረክርስቶስ ምዃኑ ይፍለጥ። ናይ ኣቡነ ገብረክርስቶስ ሓረገ ምንኵስና ድማ ጳኵሚስ ኢሉ ኣረጋዊ ካብ ዝብል ጨንፈር ሓረገ ምንኵስና ምዃኑ ይፍለጥ። ርእሲ ኵሎም ሓረገ መነኮሳት ግና ኣቡነ እንጦንስ እዮም። 

2.4 ተጋድሎኦምን ተኣምራቶምን 

እዞም ቅዱስ ኣቦ እዚኦም ኣብቲ ዝመንኰሱሉ ገዳም ከለዉ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ዝነበሩ ብዝያዳ ጽንኩርን ዓቢይን ገድሊ ይፍጽሙ ነበሩ። ብትሕትና ንኵሉ ዓብይ ይኹን ንእሽቶይ ከይበሉ እናገልገሉን እናተለኣኹን ድማ በረኸት ይቕበሉ ነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ዘለዎም ትሩፋትን ጸጋ ተኣምራትን እናተጋህደ ኵሉ ምስ ፈለጦም ሕጂውን ውዳሴ ከንቱ ፈሪሆም ካብ ገዳም ሰሎዳ ሃዲሞም ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ደብረ ሲና ኣብ ዝብሃል ዓዲ ፍሉይ ስሙ ማይ ጉርጉንዲ ናብ ዝብሃል ቦታ ኣተዉ። 

ኣብዚ ሓድሽ ቦትኦምውን እቲ ጸጋኦም ምስኦም ስለዝነበረ ብዙኅ ዕፁብ መንክር ዝኾነ ተኣምራት እናገበሩ ማየ ጸሎት ኣፈልፈሉ። ከምቲ ዝንገርውን ክሳብ ሎሚ እዋን: እዚ ማየ ጸሎት ብዙኃት ድውያንን ሕሙማትን ይፈውሰሉ ኣለዉ። 

2.4.1 ምግዓዝ ጎቦ 

ካብኡ እንደገና ተላዒሎም ናብ ሃገርና ብምእታው ሓበላ ጕበር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዴዳ ተቐመጡ። ኣብኡ ድማ ብጸሎትን ስግደትን ትሕርምትን ምስ ጸንሑ ድንግል ማርያም ተገሊጻ “እንድርያስ ፍቁርየ ወፍቁረ ወልድየ: ተንሥእ ታቍርብ ቍርባነ ወትባርክ መርጡልየ በከመ ይቤ መጽሐፍ ብእሲ ንጹሕ ያነጽሐ ለቤተ ክርስቲያን” በለቶም። ንሶምውን ነዚ ምስ ሰምዑ ፍግም ኢሎም ሰገዱላ። በቲ ዝበለቶም ድማ ክቕድሱ ናብ ኣሥመራ ክመጹ ከለዉ ዓጽፎምን መጻሕፍቶምን ዝጽዕንዎ ገብርሔር ዝተሰምየ ኣድጊ ነበሮም። ኣብ ከባቢ ኣሥመራ (ብዙኃት ፈላጣት ታሪኽ ዝብልዎ ከባቢ ቍሸት- ጻዕዳ እምባ ዝነበረ) ድማ ነቲ ኣድጊ ምሕላፍ ዘሸገሮ ዓቢ ጸድፊ ጸንሖም። ሽዑ ጸሎት ኣብጺሖም ነቲ ጸድፊ ብትእምርተ መስቀል ባሪኾም ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኢሎም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብዚ ገዓዝ ኢሎም ነቲ ጸድፊ ክግዕዝ ኣዘዝዎ። እቲ ጸድፊ ዓነው ኢሉ ናብዚ ሎሚ ኣብ መንገዲ ኣሥመራ ነፋሲት ዝርከብ ዓርበ ረቡዕ ዝበሃል ኣጻድፍ ዝበዝኆ ዓዲ ገዓዘ። ኣቦና ነቲ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ንዝርከብ ቃል ጐይታ ዝፈጸሙ እዮም፤ እዚውን ክንዲ ፍረ ኣድረ ትኣክል ሃይማኖት እንተደኣ ኣልያትኩም ነዚ ጎቦ ካብዚ ናብቲ ገዓዝ እንተበልክምዎ ይግዕዝ ዝበሎ ቃል እዩ ተፈጺሙ። እዚውን ኣብ ሃገርና ክንደይ ዝኣክል ዓበይቲ ቅዱሳን ከምዝነበሩ ዘረጋግጽ እዩ። ማቴ ፲፯፥፳ 

ነዚ ድንቂ ተኣምራት ዝረኣዩ ኵሎም ንኣምላኽ ኣመስገኑ፤ በቲ ድንቂ ነገርውን ኣዝዮም ኣስተንከሩ። ምስኦም ዝነበሩ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስውን ብትሕትና “ንሕነሰ መሰልከነ ሰብዓ ዘከማነ እንዘ ብከ ሃይማኖተ ዘያፈልስ ኣድባረ” በልዎም። ብኅብረት ድማ ንእግዚአብሔር እናመስገኑ ናብቲ ታቦት ቅድስት ድንግል ዘለዎ ቦታ ኣሥመራ በጺሖም። ብኸምዚ ድማ ነዚ ዝተኣዘዝዎ እናፈጸሙ ንኃያሎ ዓመታት ይመላለሱ ከምዝነበሩ መጽሓፈ ገድሎም የረድእ። 

2.4.2 ማየ ዮርዳኖስን ማና ሰማይን 

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓደ እዋን ነቲ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንዝተወልደሉ ቤተ ልሔም ዝዓበየሉ ናዝሬት ዝተጠመቐሉ ዮርዳኖስ ጸዋተወ መከራ ዝተቐበለሉን ዝተሰቕለሉን ቀራንዮ ክርእይ ዝብል ሕሊና መጾም እሞ ናብ ኢየሩሳሌም ንምንቃል ሓሰቡ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ተገሊጹ ክንዲ ቤተ ልሔም በዓቶም መቕደስ ከምዝገብራ፥ ክንዲ ዮርዳኖስ ድማ ማዮም ከምዝቕድሳ፥ ክንዲ ኢየሩሳሌም ድማ ነታ መቓብሮም ከምዝባርኻ ቃል ኣትዩሎም ተሰወረ። በዚ ድማ ኣብ መንገዲ ምምላሶም ኣብ ቦጎስ ዝተባህለ ከባቢ ስብከተ ወንጌል እናመሃሩ ሃይማኖት ከምዘስፍሑ ገድሎም ይነግር። 

ድኅሪ ነዊሕ ዓመታት ኣቦና ናብዚ ሕጂ ገዳም ኮይኑሉ ዘሎ ምስ መጹን ነቲ ገዳም ምስ መሠረትዎን ናይ ኣንድነት ሥርዓት ምስ ገበሩሉን ኣዝዮም ብዙኃት መናንያን ክሰሓቡን ክፈርዩን ክኢሎም። እቲ ዝርካቡ ቆጽሊ ገዳምውን ንብምሉኦም መናንያን ስለዘይኸኣለ እቲ ገዳም ብጥምየት ክፍተን ግድን ኮነ። ነዚ ጸገም ዝረኣዩ ኣቦናውን ናብ እግዚአብሔር ኣመልኪቶም፤ ብተኣምር ድማ ማይ ናብ ወይኒ ለዊጦም ኣስተይዎም፤ ካብ ሰማይ ድማ ማና ኣዝኒሞም መገብዎም። “ኢትትሕለፉ እምዛቲ መስፈርት” ኢሎም ኸኣ ነዛ ክሳዕ ሎሚ ሕያው ምስክር ኮይና ዘላ ጎሞር ገበሩሎም። እዚ ከኣ ናይ ሎሚ ኣንድነት ምስክሩ ንሱ እዩ። በዚ ድማ ፲፬ ዓመት መገብዎም። ንሱ ምስ ኣቋረጸ ድማ ከም ብሓድሽ ወርቂ እናዝነሙ ንኡኡ እናለወጡ ንነዊሕ ዓመታት ተቐመጡ። 

ኣብ ላዕሊ ኣኅጽር ኣቢልና ኣብነት ክኾነና ክልተ ተኣምራቶም ጠቐስና እምበር ገድሊ ኣቡነ እንድርያስ ኣዝዩ ብዙኅን መስተንክራዊን እዩ፤ ንሶምውን በጺሖሞ ዝነበሩ መንፈሳዊ ደረጃ ኣዝዩ ልዑል እዩ ነይሩ። ብዝያዳ ድማ ነቲ ገድሎም ምስማዕን ምንባብን እቲ ዝበለጸ እዩ። 

ኣቦና እዚ ኵሉ ገድሊ ክፍጽሙ ከለዉ ሱር ዒቃ እንተዘይኮይኑ ምድራዊ እኽለ ማይ ከምዘይጠዓሙ መጽሓፈ ገድሎም ይምስክር። 

2.5 ዝተዋህቦም ቃል ኪዳንን 

ድኅሪ ብዙኅ መንፈሳዊ ተጋድሎ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ካብዚ ድኻም ዝበዝኆ ዓለም ናብቲ ዝተተስፈውዋ ዘለኣለማዊት ቤቶም ዝኸዱላ ጊዜ ምስ ቀረበ ጐይታ ባዕሉ ብዓቢይ ግርማ ተገሊጹ ዕለተ ዕረፍትኻ ቀሪቡ እዩ ኢሉ ከምቲ ንቅዱሳን ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም ዝህቦ ቃል ኪዳን ንኣቦናውን ኪዳን ኣተወሎም። 

ካብቲ ዝተኣትወሎም ቃል ኪዳን ንምጥቃስ ድማ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎ። 
  • ብእምነት ስምካ ዝጸወዐ፥ ዝክርኻ ዝገበረ፥ መጽሓፈ ገድልኻ ዝጸሓፈ ዘጽሓፈ ዘንበበን ዝሰምዐን ኣብ መጽሓፈ ሕይወት ክጽሕፎ እየ። 
  • ነዚ ደብሪ እዚ ከኣ ከምቲ ምውራድ ቃል ደብረ ሲናን ከምታ ዝተወለድኩላ ቤተ ልሔምን ገይረዮ ኣሎኹ። ኣብዚ ደብሪ እዚ ዝጸለየን ዝተማኅጸነን ዝለመነን ኣብ ምሳሕ ደብረ ጽዮን ምሳይ ክረፍቅ እዩ። ኣብኣ ዝነገደ ድማ ዓስብኻ ኽቕበል እዩ። 
  • ነዛ መቃብርካ ከኣ ከም ጎልጎልታ መቃብረይ ገይረያ ኣሎኹ። ኣብኣ ዝተቐብረ ድማ ንድኅነት ክጽሕፈሉ እየ። 
  • ነዚ ኣብ ውሽጢ በዓቲ ዘሎ ማይ ከኣ ከምቲ ዝተጠመቕኩሉ ማየ ዮርዳኖስ ገይረዮ ኣሎኹ። ኻብኡ ብእምነት ዝሕጸብ ኵሉ ካብ ሕማሙ ክፍውሶ እየ። መባእን ኵሉ ህያባትን ዝህብ ድማ ዓስቡ ዕጽፊ ኽቕበል እዩ። 
2.6 ዕረፍቶም 

ቅዱስ ኣቦናውን ቃል ጐይታ ሰሚዖም ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ፤ ጐይታ ድማ ዕለተ ዕረፍቶም ነገሮም። ኣቦና ድማ ደወል ደዊሎም ንኣርድእቶም ኣኪቦም፤ ኵሉ ለበዋኦምን ምኅጽንትኦምን ከምኡውን ካብ ጐይታ ዝተቐበልዎ ቃል ኪዳን ድኅሪ ምንጋሮም ብትእዛዝ ጐይታን ማኅሌት መላእኽትን ብዝማሬ ዳዊትን ብእልልታ ሰማያውያንን ነፍሶም ካብ ሥጋኦም ኣብ መበል ፻፳፮ ዓመቶም ብ፲፫፻፵፩ ዓ.ም. ተፈልየት። ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵላትና ይኹን። 

2.7 ክብረ በዓል 

ክብረ በዓል ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ዓመት መጸ ባሕቲ (፩) የካቲት በቶም ገዳማውያን ክብ ብዝበለን ካብ ርሑቕን ቀረባን ነዚ ክብረ በዓል ክሳተፉን በረኸት ክቋደሱን ብዝመጹ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ከምኡውን ካልኦት ኣጋይሽን ተሓጸብቲ ማየ ጸሎቶምን ብዝደመቀ ኣገባብ ማዕሪጉን ይውዕልን ይሓድርን። ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ምእመናን ሰፍኣ: ጽልማ: ሊባን: ሓበላን ካልእን ካብ ንግደቱ ዘየቋርጹን ብዝግባእ ዘኽብርዎን እዮም።
ይቕጽል...

1 comment:

  1. kale hiwet yesmalna ene kemziom kdusan zelwu aymslenn neyre ab eritrea egbtsn ethiopian entezey koynu , emo haderakum etfeltwos alalyuna please!!!!!

    ReplyDelete