Friday, October 21, 2011

ኡ…ይ ነፍሲ ጠፍአት ስንቅኹም ቋጽሩ፡ ፈቓድ ሥጋኹም ጥራይ ኣይትግበሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ...
ኣንቱም እተንብቡ ኵልኹም ኣኅዋትና
ክንህበኩም ደሞ ምኽሪ ትሰምዑና
እስኪ ስንቂ ንቍጸረላ ንነፍስና
ከይጻወተላ ‘ቲሰይጣን ጸላኢና
ጽግዕ እናበለ ምስ ገዛእ ሥጋና
ምስ ደመ ነፍስ’ውን እታ ሃዋኺትና
ክንበልዕ ክንሰቲ ጥራይ እተገድደና
ኣፍርስዎ እናበለት ንሕጊ ንቐኖና
ዘይክንጸድቕ ኢና ጽባሕ ተነሢሕና
መንደ’ሎ እዩ ርእዩ ዝመጸና
ክሉ ግዳ ንብላዕ ንስተ ጊዜ ከይኃልፈና
እዚ ዅሉ ንመን ተፈጢሩ ዘይንዓና
እምበኣር እዝስ ከንቱ እዩ ሥራሕ ዕብድና
ተሎ ቢልና ንርድኣያ ንነፍስና
ብገዛእ ነፍስናስ ኣምሲልናያ ጓና
ፈቓድ ሥጋ ምምላእ እንታይ ይዓብሰልና
ረሲዓቶ እያ ዘላ ረኺባ ጥዕና
ኣዋህሊሉ ምስ ዝኅዛ ግና
ድኅሪ ብዙኅ ጊዜ ምፍራሳ ቀኖና
ብጻዕረ ሞት ምስ እትፍለ ካብ ሥጋና
ብየማን ጸጋም ምስ ከበብዋ ሠራዊተ-ሳጥና
ኣጋንንቲ ናይ ዲያብሎስ ዱጓና
ትፈልጠሎም ዘይብላ ጥራይ ጋውና
ምስቲ ክፉእ መልክዖም ምስቲ ክፉእ ጨና
ሽዑ ይርዳእ ‘ቲናይ ቀደም ዕብዳና
ፍጹም ብኽያት ይኸውን ዛሕዛሕ ይብል ዓይና
ጥቕሚ ዘይብሉ ብኽያት ጸላኢና
ሽዑ እዩ ዚዝከር ቃል ካህናትና
እኒ ድንጋጽ ኣልቦ ምስ ኃዙና
ኣብዚ ዓለም ምኽሮም ዝኣበና
ኣብ ሰማይ ዝጸንሑ ከም ደመና
በጃኻትኩም ‘ባ ነዳሉ ሰስንቅና
ኣንቱም ኣኅዋትና ተሰምዑ’ዶ ኣሎኹም
ቶሎ ተላለዩ ምስ ፈጣሪኹም
ብሕይወት ከሎኹም ቋጽሩ ስንቅኹም
ብኸንቱ ኣይተኅልፉ ዘይምለስ ዕድሜኹም
ዓዲ ሕፀ እዩ እዚ ዘሎ ምሳኹም
ዝቕመጦ የልቦን ብድኅሬኹም
ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ እቲ ቀንዲ ዓድኹም
ኣምላኽ ዘዳለዎ ምእንታኹም (ማቴ ፳፭)
ኣብኡ ንምእታው የብቅዓና የብቅዕኹም
አሜን ወአሜን በሉ ብኵልኹም።
ኣንቲ ነፍሲ ለብሚ ኣእምሮ ግበሪ
ብናይ ሥጋ ተግባር ጥራይ ኣይትጠበሪ
ባኖታት ገይረ ቢልኪ ኣይትጀሃሪ
ብኪዳንኪ ግዳ ጽንዒ ዝሙት ኣይተፍቅሪ
በርገደሊ ኣለዉ ኣጋፈርቲ በሪ
ምስ ዚኹሪ ዚልእኮም ፈጣሪ
ብሓንሳእ ዜዕርብዋ ንምድሪ
ኣብ ልዕሊ ቀዳሞት ዝተገብረ መርምሪ
እንሆ ብዛዕባኣቶም ነቢይ ምስካሪ (ኢሳ ፴፯)
ምሕረት የብሎምን ብቓል ኮነ ብግብሪ
ኣዒንቶም ዚመስል ሓቂ ጓህሪ
ጭካኔ እዩ ናታቶም መሣረሪ
ዕረፍቲ የብሎምን ንኽፍኣት ግብሪ
ርኅሩኅ የብሎምን ወይከዓ መሓሪ
ነፍሲ የጨንቑ ኣብቲ ጸቢብ በሪ
ነፍሲ ግደፊ ንዒ ተማኸሪ
ሓለቓ ምግባራት ኃዚ ፍቕሪ
ንሱ እዩ ናይ ጽድቂ መሣረሪ
ንሱ እዩ ናይ ሰማይ ኣጋፋሪ
ናይ ምግባራት ኵሎም ተሓዚ ጠማሪ
፲ ናይ ኦሪት ፮ ናይ ወንጌል’ዮም ትእዛዛት ፈጣሪ
እሞ ኵሎም ፈጺምኪ ፍቕሪ ምስ ዚቐሪ
ብቱን ማእዶ እዩ ዘይብሉ መእሠሪ
ፍቕሪ ድኣ ኃዚ ፍቕሪ እዩ ጠማሪ
ፍቕሪ እንድኅሪ ተታኂዙ መን ከይቐሪ
                                                                                ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment