Saturday, April 30, 2011

ቅዱስ ጊዮርጊስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ካልእ በደል ከይተረኽቦም፡ ሓቀይናን እሙናትን መሰኻኽር ወንጌል ብምዃኖም ጥራይ መሪር ግፍዒን ኣደራዕን ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝተፈጸመሎምን፡ ስለ ወንጌልን ሓቀኛ ኣምልኾተ እግዚአብሔርን ዓቢይ ገድሊ ካብ ዝፈጸሙን ብቃልን ግብርን ብርሃን ኮይኖም ካብ ዝሓለፉ ኣዕናቝ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ሊቀ ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ። ፳፫ ሚያዚያ ድማ ገድሉ ፈጺሙ፤ አክሊላተ ብርሃንን ቃል ኪዳንን ካብ እግዚአብሔር ተቐቢሉ ገና ብንእስነቱ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ ዕለት ስለዝኾነ በረኸቱ ክንሳተፍ ብምባል ኣሕጽር ኣቢልና ታሪኽ ገድሉ ክንድህስስ ኢና። 

ትውልዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ኣቦ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘሮንቶስ (ኣንስጣስዮስ) ኣዲኡ ድማ ቴዎብስታ ይበሃሉ። ዓዲ ኣቡኡ ቀጰዶቅይ እንዳ ኣዲኡ ኸኣ ልዳ ነበረ። ኣቡኡ ዘሮንቶስ ብፍቓድ እግዚአብሔር ካብ ቀጰዶቅያ ናብ ልዳ ከይዱ ክቕመጥ ምስ ጀመረ፡ ድኅሪ ዓመታት ምስ ቴዎብስታ ተመርዕዩ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ወለደ። ኣቦን ኣደን ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሃይማኖቶም ምስጉናት፡ ብሕገ እግዚአብሔር ተወሲኖም ዝነብሩ፤ ብናብርኦምን ጽግዋትን ሃብቲ ዝነበሮም ምንባሮም ታሪኽ ሕይወቶም የረድእ። እዚኦም ንእግዚአብሔር ዘፍቅሩ፤ ለጋሳት ስድራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰለ ውላድ እግዚአብሔር ስለዝሃቦም ባህ ኢልዎም ክነብሩ ከለዉ ዘሮንቶስ ናይታ ዝቕመጠላ ግዝኣት (ኣውራጃ) ገዛኢ ኮይኑ ተሾመ። እታ ናይ ኣቡኡ ግዝኣት ድማ ክርስትና ሃይማኖት ብሕግን ሥርዓት ዝካየደላ ትንበር ደኣ እምበር እቶም ላዕለዎት ነገሥትታት ግና ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዝመላለሱሉ ዘመን ነበረ። 

Tuesday, April 26, 2011

ቀዳማይ ሰሙን ትንሣኤ


ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሳኤ
ስያመ መዓልትታት ቀዳማይ ሰሙን

ትንሣኤ ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ኮይኑ፡ ካብ ዝኾነ ካልኦት በዓላት ጐይታ ምስቲ ዘለዎ ዓቢ ትርጉም ልዕሊ ካልኦት በዓላት ጸብለል ኢሉ ዝኽበርን ዝረአን እዩ። ከመይሲ ትንሣኤ ጐይታ ንሱ ንሞት ስዒሩ በዅር ትንሣኤ ኮይኑ ንዓና ካብ ኃሳርን ውርደትን ናብ ክብሪ፡ ካብ ባርነት ናብ ዘለዓለማዊ ናጽነት፡ ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲስ ሕይወት፡ ካብ መርገም ናብ በረኸት፡ ካብ ርደተ ሲኦል ናብ ገነት ወዘተ ዘሰጋገረሉ ስለዝኾነ እዩ። ትንሣኤ ጐይታ እንተዘይህሉ እምነትና’ውን ከንቱ ምኾነ!
ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ንዝፈጸሞ ኵሉ ብዓቢዩ ሞቱን ትንሣኤኡን እናዘከርና ወትሩ ኣብ መገዲ ንሱ ዝገደፈልና ቃልን ትእዛዝን ጸኒዕና ክንነብር ከኣ ኣሎና። ምኽንያቱ ደቂ ሰባት ሞይትና በስቢስና እንተርፍ ዘይኮናስ ንሕናውን ኵልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው እንብለሉ ትንሣኤ ዘጉባኤ ከምዘሎና’ውን ምስትውዓል የድልየና እዩ። እግዚአብሔር ዘዳለወልና ክብርን መንግሥትን ድማ ኣብ ቕድሜና ስለዘሎ፤ ኣብታ ወሳኒትን ናይ መወዳእታ ናይ ፍርዲ ሰዓት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ከይንሓፍር፡ ኣብዚ ምድሪ እግዚአብሔር ኣብ ዝሃበና መዋዕል ትንሣኤ ኅሊና (ተዘክሮተ እግዚአብሔር) ከምኡ’ውን ትንሣኤ ልቦና ክህልወና ይግባእ። እዚ ድማ ከምቲ ጐይታ “ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፤ ብቃለ እግዚአብሔር እምበር” ዝበሎ ወትሩ ቃለ እግዚአብሔር እናተመገብና ብንስሓ እናተሓጸብና ሰናይ ፍረ ምግባር እናሰራሕና ንፍኖተ ኣምላኽና ስንቂ ቋጺርና እንጽበየሉ እዩ። ትንሣኤ ጐይታ ደጊም ኣብዚ ምድሪ እግዚአብሔር ዝኣዘዞን ዝሠምሮን ሓድሽ ሕይወት ክህልወና ዘለቡ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሕይወት ኣብዚ ምድሪ ክህልወና ክኢሉ ድማ ኣብታ ዳኅረወይቲ ትንሣኤ ድማ ብምሕረቱ ካብ ፀሓይ ሸውዓተ ዕጽፊ ደሚቕና ብኽብሪ ክንቀውም ኢና፤ ኣይኮነን ግና ካብ ኳኽ ሸውዓተ ዕጽፊ ጸሊምና ብዘይምለስ ጣዕሳ ክንሓዝንን ሕሰረትናውን ዝኸፈአን ዘለዓለማዊን ክኸውን እዩ።

Monday, April 25, 2011

ድኅሪ ትንሣኤ ክርስቶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ንመን ተራእየ? 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ንብዙኃን ሰባት ሓንሳብ ብውልቂ ሓንሳብ ድማ ብጥርኑፍ ንዝነበሩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ከምዝተራእየ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና እዩ። ኣብ ዝተገልጸሉ’ውን ምሥጢር ዝገለጸሉን ትምህርቲ ዝሃበሉ ጊዜ’ውን ኣሎ። እኳ ደኣ ካብ መጽሓፈ ሓዲሳት ሓደ ዝኾነ መጽሓፈ ኪዳን ንሓዋርያት ዝመሃረሉ ጊዜ ድኅሪ ትንሣኤ ቅድሚ ዕርገቱ እናተገልጸ ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። “ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ሕያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ።” (ግብ ሓዋ ፩፥፫) 

Sunday, April 24, 2011

ትንሣኤ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

“ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን
በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን
አሠሮ ለሰይጣን
አግአዞ ለአዳም
ሰላም
እምይእዜሰ
ኮነ 
ፍሥሐ ወሰላም።”


ተምሳል
ቀደም ዘመን እስራኤላውያን አብ ትሕቲ ኣርዑት ግብጻውያን (ፈርኦን) ይግዝኡ አብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቲ ስቅያቶምን ጸበባኦምን ብሰሪ መጨነቕቶም ዘእውይዎ ኣውያትን እግዚአብሔር አምላኽ ሰምዐ'ሞ እቲ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘይርስዕ አምላኽ ነኣቦታትና አብርሃም፡ ይስሐቅ፡ ያዕቆብ ዝኣተወሎም ኪዳን ዘከረ። ስለዚ ካብ ኢድ ግብጻውያን ከድኅኖም ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ (ከንኣን) ክእትዎም ፈቐደ። እግዚአብሔር ድማ ንነቢይ ሙሴን ካህን አሮንን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ከውጽእዎም አተንሥኣሎም። ነቢይ ሙሴን ካህን አሮንን አብ ቅድሚ ፈርኦን ቀሪቦም እግዚአብሔር ንሕዝቢ እስራኤል ኅደጎም ይብለካ አሎ እናበሉ ዝተፈላለየ ተኣምራት ገበሩ፡ እንተኾነ ግና ፈርኦን ልቡ ስለ ዘትረረ እስራኤላውያን ንእግዚአብሔር ከገልግሉ አይኃደጎምን።

Saturday, April 23, 2011

ሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 


ቀዳም
ቀዳም ሥዑር፦ በዚኣ ዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከርሰ መቓብር ዝወዓለላ መዓልቲ ብምዃና ምእመናን ካብ እኽለ ማይ ርሒቖም ጸይሞም ይውዕሉ። እዚ ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምንን ቅዱሳን ሓዋርያትን ተስፍ ዝገበሩሉ ኣምላኾም ብኣይሁድ ካብ ዝተታሕዘሉ ዕለተ ሓሙስ ክሳብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ዝርእዩ ንሞቱ ብምዝካር፡ ንትንሣኤኡ እናናፈቑ ብጾም ከምዘኅልፍዎ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዘረድእና እዩ። ምእመናን’ውን ነዚ ኣብነት ወሲዶም ዝኽእሉ ካብ ዕለተ ኃሙስ ዘይኽእሉ ድማ ካብ ዕለተ ዓርቢ ኣትሒዞም ክሳብ ሰንበት ትንሣኤ ይጾሙ። በዚ መሠረት ከኣ ጐይታ ኣብ መቓብር ስለዝወዓለ ቀዳም ሰንበት ክነሳ (ሰንበት ብሕጊ ኣይጽወምን እዩ) ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ስለእትጸውም “ሥዑር” ተባሂላ ትጽዋዕ። ብኻልእ ድማ ዲያብሎስ ብመስቀሉ እተሣዕረሉን ነፍሳት ካብ ሲዖል ዝተበርበሩሉን ዕለት ስለዝዝከረሉ ሥዑር ተባሂላ ትጽዋዕ።

Friday, April 22, 2011

ሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 
 ዓርቢ 

ብድሮ ዓርቢ፡ ኃሙስ ምሸት ጐይታ ምስተተሓዘ ኣብ ጉባኤ ኣይሁድ ዝቐረበሉን ክሕተትን ክባጨወሉን ዝሓደሩሉ እዩ ነይሩ። ብጽባሒቱ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ጐይታ ካብ ገሊላ ምዃኑ ምስ ተረደአ ናብ ሄሮዶስ ልኢኽዋ ነበረ። ሄሮድስ ድማ ኣባጭዩ ከምኡ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ። ጸሓፍት ፈሪሳውያን ኵሎም ካህናተ ኣይሁድ ብብዙኅ ናይ ሓሶት ምስክር እኳ እንተኸሰስዎ፡ ጲላጦስ’ውን ደጊሙ እንተመርመሮ ዝኾነ በደል ኣይረኸበሉን። እኳ ደኣ ሓጺር ዝደነቐሉን መልሲ እዩ ረኺቡ። ስለቲ ዘቕርቡሉ ክሲ ግና ከምቲ ኢሳይያስ ተተንቢዎ ዝነበረ ኣፉ ኣይከፈተን። 

Thursday, April 21, 2011

ሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ኃሙስ 

ኣብዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት ብዙኃት እዮም። ብጥቕልሉ ኣብዚኣ ዕለት እግሪ ሓዋርያቱ ብትሕትና ዝሓጸበሉ፡ ምድላው ፋሲካ ዝተገብረሉ፡ ድኅሪ ፋሲካ ድማ ሥርዓተ ቁርባን ዝተሰርዓሉ፡ ኣብ ጌተሰማኔን ካልእን ጸሎት ዝጸለየሉ፡ ይሁዳ ንጐይታ ብምስዓም ኣኅሊፉ ዝሃበሉን ጐይታ ድማ ብኢድ ኣይሁድ ዝተተሕዘሉን፡ ነዊሕ ናይ መጠቓለሊን መሰናበትን ትምህርቲ ዝሃበሉ ወዘተ እዩ። ነቲ ግብሪ ጐይታ መሠረት ብምግባር ኸኣ መምህራን ነዛ ሓሙስ ዝተፈላለዩ ስያመታትይ ሂቦማ ይርከቡ ኣለዉ።