Monday, April 25, 2011

ድኅሪ ትንሣኤ ክርስቶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ንመን ተራእየ? 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ንብዙኃን ሰባት ሓንሳብ ብውልቂ ሓንሳብ ድማ ብጥርኑፍ ንዝነበሩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ከምዝተራእየ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና እዩ። ኣብ ዝተገልጸሉ’ውን ምሥጢር ዝገለጸሉን ትምህርቲ ዝሃበሉ ጊዜ’ውን ኣሎ። እኳ ደኣ ካብ መጽሓፈ ሓዲሳት ሓደ ዝኾነ መጽሓፈ ኪዳን ንሓዋርያት ዝመሃረሉ ጊዜ ድኅሪ ትንሣኤ ቅድሚ ዕርገቱ እናተገልጸ ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። “ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ሕያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ።” (ግብ ሓዋ ፩፥፫) 
እምበኣር ኣስዕብ ኣቢልና ጐይታ ብግልጺ ንዝተራእየሎም ጊዜያት ፈሊና ክንጥቅስ ኢና። እዚኦም ኸኣ ፲፩ እዮም። 

፩. ንማርያም መግደላዊት ኣብ ኢየሩሳሌም (ማር ፲፮፥፱ ዮሓ ፳፥፲፭-፲፮) 
፪. መቓብሩ ርእዮም ንዝተመልሱ ቅዱሳት ኣንስት ኣብ ኢየሩሳሌም (ማቴ ፳፰፥፱-፲) 
፫. ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኤማሁስ ይኸዱ ንዝነበሩ ክልተ ደቀ መዛሙርት (ደቂቀ ኤማሁስ) ኣብ መንገዲ ከለዉ ተገልጸሎም (ሉቃ ፳፬፥፲፫) 
፬. ንጴጥሮስ በይኑ ኣብ ኢየሩሳሌም (ሉቃ ፳፬፥፴፬) 
፭. ቶማስ ሓዋርያ ኣብ ዘይነበረሉ ንዓሰርቲኦም ሓዋርያት ጥራይ ኣብ ኢየሩሳሌም ተራእየ። (ዮሓ ፳፥፲፱) 
፮. ዳግማይ’ውን ቶማስ ኣብ ዝነበረሉ ድኅሪ ሰሙን ንዓሰርተ ሓደ ሓዋርያት ተገሊጹ። (ዮሓ ፳፥፳፮) 
፯. ኣብ ባሕረ ገሊላ ጥቓ ጥብርያዶስ ንሸውዓተ ደቀ መዛሙርቱ ተገሊጹሎም። (ዮሓ ፳፩፥፩-፪) 
፰. ኣብ ደብረ ገሊላ ንኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ተገሊጹ። (ማቴ ፳፰፥፲፮) 
፱. ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝጠቐሶ ን፭፻ ኣኅዋት ተገሊጹ እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፮) 
፲. ንያዕቆብ ሓንሳብ ጥራይ ኣብ ኢየሩሳሌም ተገልጸሉ። (ቀዳማይ ፲፭፥፯) 
፲፩. ኣብ መበል ፵ መዓልቲ ትንሣኤኡ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን ንኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቢታንያ ተገሊጹሎም እዩ። (ማር ፲፮፥፲፱-፳ ሉቃ ፳፬፥፶-፶፫) 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዚኦም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጊዜያት ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝተገልጸሉ ብዙኅ ትምህርቲ ምሂሩ እዩ። ተኣምራት’ውን ገይሩ ኣሎ። ምስ ደቀ መዛሙርት’ውን ተመጊቡ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከምዝልእኸሎም ንዘለዓለም ምስኦም ከምዝነበር ተስፋ ሂብዎም እዩ። እዚ ኸኣ ብርግጽ ንሞት ሥዒሩ ከምዝተንሠዐ መረጋገጺ እዩ። ሰባት ይኹኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ክርስቶስ ከምዝተንሠአ መስኪሮም ኣለዉ። ምስክርነቶም ድማ ሓቂ እዩ። ደቀ መዛሙርቲ ስለቲ ሓቀኛ ምስክርነቶም ድማ ብዙኅ ጸዋተወ መከራ ተቐቢሎም እዮም። ምፍርራህን ምርዓድን ኵሉ እቲ መከራ’ውን ነዚ ሓቂ ካብ ምምስካር ኣይዓገቶምን። ክርስቶስ ኣምላኾም ከምዝተንሠአ ኣዕይንቶም ስለዝረኣያን፡ ጸጋ ስለዝተቐበሉን ሓንሳብ ነቲ ዕርፊ ወንጌል ምስ ሓዙ ንድኅሪት ግልጽ ኣይበሉን። 

ጨው ኮይኖም ድማ ነዛ ኣልጫ ዝነበረት ዓለም ኣመቀርዋ። ብርሃን ኮይኖም ድማ ጸልማታ ከርሕቑ ናብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ፋሕ በሉ። ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ሓቂ ምዃኑ ንዓለም ነገሩን፤ ድኅነትን ሕይወትን ብኡኡ ዝርከብ ምዃኑ ድማ ኣበሰሩን። 

በረኸት ትንሣኤኡ ምሳና ጸኒዑ ይንበር።

No comments:

Post a Comment