Saturday, April 30, 2011

ቅዱስ ጊዮርጊስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ካልእ በደል ከይተረኽቦም፡ ሓቀይናን እሙናትን መሰኻኽር ወንጌል ብምዃኖም ጥራይ መሪር ግፍዒን ኣደራዕን ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝተፈጸመሎምን፡ ስለ ወንጌልን ሓቀኛ ኣምልኾተ እግዚአብሔርን ዓቢይ ገድሊ ካብ ዝፈጸሙን ብቃልን ግብርን ብርሃን ኮይኖም ካብ ዝሓለፉ ኣዕናቝ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ሊቀ ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ። ፳፫ ሚያዚያ ድማ ገድሉ ፈጺሙ፤ አክሊላተ ብርሃንን ቃል ኪዳንን ካብ እግዚአብሔር ተቐቢሉ ገና ብንእስነቱ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ ዕለት ስለዝኾነ በረኸቱ ክንሳተፍ ብምባል ኣሕጽር ኣቢልና ታሪኽ ገድሉ ክንድህስስ ኢና። 

ትውልዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ኣቦ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘሮንቶስ (ኣንስጣስዮስ) ኣዲኡ ድማ ቴዎብስታ ይበሃሉ። ዓዲ ኣቡኡ ቀጰዶቅይ እንዳ ኣዲኡ ኸኣ ልዳ ነበረ። ኣቡኡ ዘሮንቶስ ብፍቓድ እግዚአብሔር ካብ ቀጰዶቅያ ናብ ልዳ ከይዱ ክቕመጥ ምስ ጀመረ፡ ድኅሪ ዓመታት ምስ ቴዎብስታ ተመርዕዩ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ወለደ። ኣቦን ኣደን ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሃይማኖቶም ምስጉናት፡ ብሕገ እግዚአብሔር ተወሲኖም ዝነብሩ፤ ብናብርኦምን ጽግዋትን ሃብቲ ዝነበሮም ምንባሮም ታሪኽ ሕይወቶም የረድእ። እዚኦም ንእግዚአብሔር ዘፍቅሩ፤ ለጋሳት ስድራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰለ ውላድ እግዚአብሔር ስለዝሃቦም ባህ ኢልዎም ክነብሩ ከለዉ ዘሮንቶስ ናይታ ዝቕመጠላ ግዝኣት (ኣውራጃ) ገዛኢ ኮይኑ ተሾመ። እታ ናይ ኣቡኡ ግዝኣት ድማ ክርስትና ሃይማኖት ብሕግን ሥርዓት ዝካየደላ ትንበር ደኣ እምበር እቶም ላዕለዎት ነገሥትታት ግና ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዝመላለሱሉ ዘመን ነበረ። 
ኣተዓባብያ ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ወለዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሥጋ ይኹን ብመንፈስ ብጥንቃቐን ብክንክንን እዮም ንቅዱስ ጊዮርጊስ የዕብዮሞ። ኣብ መበል ፯ ዓመቱ ድማ መንፈሳዊ ይኹን ዓለማዊ ጥበብ ክመሃር ኣብ ቤት ትምህርቲ የእትዮሞ። ብኸምኡ ድማ ንክልቲኡ ኣዛሚዱ ይዓቢ ነበረ። 

ኣቦ ጊዮርጊስ ኣብዛ ሃገር (ሃገረ ልዳ) ገዛኢን ልዕል ዝበለ ወተሃደራዊ ሥልጣን ስለዝነበሮ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ኣሰር ኣቡኡ ተኸቲሉ ኣብቲ ዘመን ዝወሃብ ዝነበረ ከም ናይ ፈረስ ውግእ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ተዓሊም ቐሲሙ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ሥልጠና ድማ ትምህርተ ክርስትና ብዝግባእ እናተምሃረ ብሕግን ሥነ ሥርዓትን ኣብ ቤት ኣቡኡን ኣዲኡን ዓበየ። ይኹን ደኣ እምበር ገና ኣብ ጕብዝና ከይበጽሐ እንከሎ ኣቦኡ ካብዚ ዓለም ብሞት ስለዝተፈልየ ካልእ ገዛኢ ሃገር ተሾመ። እንተኾነ’ውን እዚ ሓድሽ ገዛኢ ሃገር ንቅዱስ ጊዮርጊስ ስለዝፈተዎ ንኣዲኡ ኣፍቒዱ ካብ ኣኃቱ ፈልዩ ምስኡ እናመሃሮ ኣዕበዮን ኣሰልጠኖን። 

ካብ ወተሃደር ልዳ ናብ ወተሃደር ክርስቶስ - ካብ ሥጋዊ ክብሪ ናብ መንፈሳዊ ክብሪ 

ገና ኣብ ንእስነቱ እቲ ዘደሊ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ኣብ መበቆል ዓዱ ድኅሪ ምቕሳሙን፡ ንኡድ ዝኾነ ክእለትን ሞያን ድኅሪ ምጽንብራቑን ድማ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከገልግል ተወዘዐ። እቲ ገዛኢ ሃገር ድማ ንቕሓቱን ሞይኡን ርእዩ ክሽየምን ክሽለምን ወተሃደራቱ ኣሰንዩ ናብ ንጉሥ ለኣኾ። ንጉሥ ድማ ታሪኽ ሕይወትን ኣቃውማን ክእለትን ቅዱስ ጊዮርጊስ ተመልኪቱ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ኣዛዚ ክኸውንን፡ ብዘይካ ኣቡኡ ዝገደፈሉ ሃብቲ በብወርሑ ብርክት ዝበለ ወርቅንን ብሩርን ማሕያ ክወሰድ ኣዚዙን ሸሊሙን ብኽብሪ ናብ ሃገሩ መለሶ። እቲ ዘዕበዮ መስፍን ሃገር ድማ ተሓጒሱ ናብቲ ዝተባህለ መደብ ስራሕን ሓላፍነትን ኣዋፈሮ። ነታ እንኮ ጓሉ ሰበይቱ ኽትኮኖ ድማ ኣሕጸዮ። ይኹን እምበር እቲ መስፍን ሃገር ድንገት ስለዝሓመመመን ክመውትውን ስለዝቐረበ ንኵሉ ሃብቱ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ከውርስዎን ንጓሉ ከመርዕውዎን ተላበወ። ድኅሪ ለበውኡውን ከይጸንሐ ሞተ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዕድሚኡ ጌና ኣብ ፈለማ ፳ታት እዩ ነይሩ። 

ብደረጃ እቲ ሃጸይነት ከኣ ኣብ ሞንጎ ነገሥታት ሮማን (ጋሪስን ጋላስን) ንጉሥ ፋርስ ዱድያኖስ ውግእ ተኻይዱ ዱድያኖስ ስለዝሠዓረ ኣብ ብዙኅ ግዝኣታት ግፍዒን ናይ ጭከና ተግባራትን ይፍጽም ጀመረ። ከም ናቡከደነጾር ድማ ኣጵሎስ ዝበሃል ጣዖት ኣቝሙ ይሰግድን የስግድን ከኣ ነበረ። መንእሰይ ጊዮርጊስ ኣብ ኣገልግሎት ሃገሩ እንከሎ እቶም ገዛእቲ ነገሥታት ሮም ተሣዒሮም፡ ንጉሥ ፋርስ ዝነበረ ዱድያኖስ፡ ብእግዚአብሔር ዘይኣምንን መመለኪ ጣዖት ስለዝነበረ ብክርስቶስ ንዝኣምኑ ክርስቲያናት ብዝተፈላለየ መከራ ከሳቕዮም ጀሚሩ ከኣ ነበረ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ነቲ ዝነበረ ኵነታትን ምዕባለታትን ብዕቱብ ይከታተሎን ይምርምሮን ነበረ። በዚ ምኽንያት ድማ ስለቲ ኣብ ዓውደ ውግኣት ስለ ሃገሩ ብዝረኣዮ ዝነበረ ጅግንነትን ዝፍጸሞም ቅያታትን ኣብ ቅድሚ ኣረማዊን ጨካንን ንጉሥ ቀሪቡ ሽልማትን ክብርን ካብ ምርካብ ድማ ምስቶም ስለ እምነቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ክርስቲያናት መከራ ክጸግብ መረጸ። በዚ መሠረት ድማ ንዝተሓጸያ ጓል መስፍን ከይተመርዓወ ብድንግልንኡን ንጽሕንኡን፤ ንብረቱን ሃብቱን ንኣዲኡን ኣኃቱን ከፋፊሉ ከምኡውን ንድኻታት መጽዊቱ፤ ንሠራዊቱ ተፋንዩ ጻዕዳ ፈረሱ ተወጢሑ ንክርስቶስ ትውክልቱ ገይሩ ነቲ ከሓዲ ንጉሥ ብቃል ወንጌል ክቃወም ተበገሰ። ማእቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ንናይ መንፈስ ወዱ ጢሞቴዎስ “ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።” (ካልኣይ ጢሞ ፪፥፫) ኢሉ ዝመዓዶ መንእሰይ ጊዮርጊስ’ውን ካብ ንጉሥ ልዳ፡ ወተሃደር ክርስቶስ ብምዃን ኣብ ምድረ ልዳን ፋርስን ንዝነበሩ ኵሎም መምህር ወንጌል ኮነ። ቀዳምይ ዝገበሮ ነገር ድማ ናብ ቤይሩት (ወሰናስን ኢያሪኮ) ከይዱ ነቲ ኣምልኾተ ፈጣሪኡ ገዲፉ ኣብ ድራጎን ዝበሃል ገበል ከምልኽ ንዝነበረ ሕዝቢ ናብ ክርስቶስ ምምላስ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ታራኣ በጺሑ በቲ ገበል ክትብላዕ ተወፍያ ተቐሪባ ንዝነበረት ጓል እቲ መስፍን ናይቲ ከባቢ (ቢሩታይት) ነቲ ገበል (ድራጎን) ብኃይሊ እግዚአብሔር ቀቲሉ ንዓዓ ኣድኂኑ ነቲ ሕዝቢ ኣእሚኑ ናብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ከምዝምለስ ገበሮ። ኣብኡ’ውን ነቲ ሕዝቢ ዝኸውን ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስሪሑ። በዚ ከየብቀዐ በብከባቢኡ እናተዛወረ ቃል ወንጌል ክዘርእ ጀመረ። ብዙኃን’ውን ትምህርተ ወንጌል ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰሚዖም ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ተመልሱ። ምምላኽ ጣዖትን ባዕድ ኣምልኾን እናገደፉ ድማ ንእግዚአብሔር ምምላኽ ጀመሩ። 

እዚ ኣካይዳ ቅዱስ ጊዮርጊስ ግና ዜናኡ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ምስ በጸሐ ንጉሥ ባህ ኣይበሎን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ክስገደሉ ዝግባእ ሓደ ፈጣሪ እምበር ሰብ ንዘቖሞ ጣዖት ምስጋድ ኣይግባእን እናበለ ብትብዓት ምስክርነቱ ቀጸለ። እቲ ንጉሥ ዋላ ብጅግንነትን ወተሃደራዊ ሞያን ጊዮርጊስ ይሕጐስ እኳ እንተነበረ ሰባት ብትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተሳሒቦም ካብ ምምላኽ ጣዖታት ምስሓቦምን ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ምጽንዖምን ከቆጥዖ ጀሚሩ። ሰይጣናዊ ቅንኣት ስለዝሓደሮ ድማ ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብዚ ተግባራቱ ክቑጠብ ብመጀመርታ ብጥበብ ገይሩ ክጥብሮ ፈተነ። ሓደ ካብ ፈተንኡ ሡር ኃጢኣትን ውድቀት ብዙኃትን ኮይኑ ንዝርከብ ገንዘብ ማለት ወርቅን ብሩርን ኣብዚኁ ከምዝህቦ ዝተመባጽዓሉ እዩ። ንጉሥ ዱድያኖስ በዚ ከይተወሰነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ትምህርተ ወንጌል እንተደኣ ገዲፉን ኣብ ኣምልኾት ጣዖት ኣሚኑን ኣብ ልዕሊ ሹመት ሹመት ከምዝውስኾን ክሳብ ፍርቂ መንግሥቱ እኳ ከምዝውፍየሉን ቃል ኣተወሉ። ጊዮርጊስ መንእሰይ እዩ እሞ ገንዘብን ሽመትን የታልልኦ ይኾና ዝብል ግምት እኳ እንተነበሮ፤ እቲ ፈተንኡ ነቲ ብፍቕሪ ክርስቶስ ንዝነደደ ቅዱስ ጊዮርጊስ ከሰንፎ ኣይከኣለን። መንእሰይ ጊዮርጊስ ሓርበኛ ወንጌል ብምንባሩ ንጥበራን መብጽዓታትን ንጉሥ ዘይረብሕን ዘይጠቅምን ብምባል ብኣሉታ መለሰሉ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ነቲ ንጉሥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕዝቡ ንዝፍጽሞ ግፍዕን ስራሕ ጭካነን ብምቅዋም፡ ነቲ ንጉሥ “ኣብ ልዕሊ ሕዝብኻ ቅኑዕ ፍርዲ ፍረድ ፍትሒ ድማ ግበር” እናበለ ብስም ክርስቶስ ነቲ ንጉሥ ለመኖ። ንጉሥ ግና ተደፈርኩ ብምባል ኣንጸርጸረ። ደጊሙ’ውን ነቲ ንሱ ዘቖሞ ጣዖት ምስ ዘይሰገድን፡ ዳግማይ ነቲ ዘረባ ምስ ዝደግሞን ከቢድ ዘይጽወር ስቓይ ኣብ ልዕሊኡ ከምዘውርድ ብምፍርራሕ፡ ካብ ኢዱ ዘድኅኖ ከምዘየለ ብምዝክኻር ድማ ኣጠንቀቖ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ግና ደጊሙ ነቲ ሓቂ ካብ ምዝራብ ከምዘይምለስ፤ ነቲ ጣዖት ከምዘይሰግድን ኣምላኹ ክርስቶስ ኃይልን ጽንዓትን ከምዝህቦ ብምትእምማን ነቲ ንጉሥ ብድፍረት መለሰሉ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስን ዝተቐበሎ መከራን 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ንሥጋ ብዝምስጥን ብዝማርኽን ኵሉ ጥበራታት ንጉሥ ከይተተዓሻሸወ ተጊሁን ነቒሑን ትምህርቱ ስለዝቐጸለ፡ ተግባራት ጊዮርጊስ ንንጉሥ ዘይጽወር ኮኖ። ስለዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ጊዮርጊስ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ዝተፈላለየ ዘሰቅቕን ኣዝዮም ከበድቲ ግፍዕታትን መከራታትን በብተራ ክፍጽም ጀመረ። ኮይኑ ግና ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ሃይማኖቱ ምንቕ ኣየበለን። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ወእፌንወክሙ አነ ማእከለ ተኵላት ከመ አባግዕ” (እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ) ንዝበሎ ቃል ብልቦንኡ ዝተረድኦ ስለዝነበረ፡ እቲ ኣሰካሒ ዝነበረ መከራ በብዓይነቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተተበራረየውን ነቲ ዝጀመሮ ወንጌል ብቃል ይኹን ብግብሪ ካብ ምምሃር ንድኅሪት ኣይተመልሰን። እኳ ደኣ እቲ መከራ እናበዘኀ ኣብ ዝኸደሉ ዝያዳ ሰባት ብጽንዓቱ ክግረሙን ብተኣምራቱ ክኣምኑን ስለዝኸኣሉ ንጽቡቕ እዩ ኮይኑሉ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተቐበሎም መከራ ብዓይነት ይኹን ብብዝኂ ተገሊጾም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ካብኣቶም ነቶም ውሑዳት ንምጥቓስ ዝኣክል ብሰንሰለት ተሞቝሑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ እንጨይቲ ተሰቕለ፤ ተገርፈ፤ ተሳቐየ፤ ናብ ሰማይ ከም ኵዕሶ ተቐልዐ፤ ብቍርበት ጠቕሊሎም ኣሠርዎን ገረፍዎን፤ መዓናጡ ዝበታትኽ ብርቱዕ ስሚ ኣስተይዎ፤ ኣብ ልዕሊ መሳምር ብእግሩ ከምዝኸይድ ገበርዎ፤ ኣካላቱ ኣብ ክልተ ክምተርን ክቃጸልን፡ ሓምዅሽቲ ምስ ኮነ ኣብ ደብረ ይድራስ ከምዝዝረው ገበርዎ፤ ብሰበይቲ ፈተንዎ፤ ኣብ ሓዊ ደርበይዎ፤ ሥግኡ ከም እምኒ ብመንኰርኰር ተጠሒኑ ከመ መግቢ እንስሳ ንብዕራይ ሃብዎ፤ ብኲናት ወግእዎ ብማሳ ቀጥቀጥዎ፤ ወዘተ ሰብ ክሰምዖ ዝኸብድ፡ ኣዕይንቲ ክርእይዎ ዘሰቅቕ መከራን ስቓይን ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ይኹን እምበር ንኵሉ ብኃይሊ ኣምላኽ ይስዕሮ ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ድማ ንሸውዓተ ዓመታት ወንጌል እናመሃረን መከራ እናተቐበለን ተጋደለ። በዚ ተጋድሎኡ ድማ ብዙኃን ኣሚኖም ጽዋዕ ሰማእትነት ከኣ ኣልዒሎም እዮም። ካብኣቶም ሓንቲ ሰበይቲ እቲ ንጉሥ ዝነበረት እለ እስክንድርያ ንግሥት ትርከቦም እያ። 

ተኣምራት ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ገድሉ ይፍጽም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዝዮም ብዙኃት ተኣምራት የሰንዮ ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ፈጣሪኡ ካብ ሞት ኣተንሥኢዎ እዩ። ኣካሉ ብሓዊ ተቓጺሉ ሓሙኽሽቲ ድኅሪ ምቕያሩ ፲፰ ጥሪ ኣብ ደብረ ይድራስ ብነፋስ ድኅሪ ምዝራዉን ምብታኑን እንደገና ብኃይሊ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቖጽሊ ጊዮርጊስ ጊዮርጊስ እናበለ ተረኺቡ እዩ። ነቲ ንጉሥ’ውን ኣርዒዱ እዩ። ኣብ ዝተኣሥረሉ ቤት ድንቂ ሰማያዊ ብርሃን ኣብሪሁ እዩ። 

ተኣሢሩሉ ዝነበረሉ ዝነቐጸ ዓንዲ ጕንዲ’ውን ኣለምሊሙ እዩ። ነቲ መሬት ረጊጹ’ውን ብተኣምር ማይ ኣፈልፊሉ እዩ። ኣእዛኑን ኣፉን እግሩን ድውይ (ስንኩል) ንዝነበረ ኣሕውዩ እዩ። ዝሞተ ኣተንሢኡ እዩ። ንብርቱዕ ስሚ ናብ ዘይጓዳእ መስተ ቐይርዎ እዩ። ወዘተ 

ኣኽሊልን ዕረፍትን ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓቀኛ ምስክር ወንጌል ኮይኑ ኣዝዩ መሪር ዝኾነ መከራ ተዓጊሱ ብምቕባል ንሸውዓተ ዓመት ድኅሪ ምጽናሕ፡ አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይኣኽለካ ስለዝበሎ ሰዓት ተስዓቱ ፳፫ ሚያዚያ ብኢድ እቶም ኣሕዛብ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ብሰማእትነት ዓሪፉ። 

ብኵሉ ግብርታቱ ንንጉሥ ዱድያኖስ ስለዝተቓወመ እቶም ፸ ነገሥታት ንንጉሥ ዱድያኖስ ክሳዱ ሰይፍካ ኣጥፍኣዮ ኢሎም ምኽሪ ብምሃቦም ናይ መወዳእታ ዕረፍቱ ብሰይፊ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ቅድሚ ምስያፉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ዝተሰየፈላ ቦታ ደው ኢሉ ከምዚ ኢሉ ናብ ፈጣሪ ለመነ “ኦ ኣምላኸይ ክርስቶስ ከም ነቢይ ኤልያስ ምስዚ ከሓዲ ንጉሥ ዝተኣከቡ ነገሥታትን ንጉሡ ዱድያኖስን ጣዖቱ ኣጵሎስን ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኣ ክትበልዖም ኣዝዝ።” በለ ከምቲ ዝለመኖ ድማ ፸ ነገሥታት ብሓዊ ተበልዑ። 

ክሳዱ ኣብ ዝተሰየፈሉ እዋን ድማ ደምን ጸባን ማይን ተሓዋዊሶም ካብ ክሳዱ ፈሲሶም እዮም። ስለዚ እዩ ድማ “ቅዱስ ጊዮርጊስ ሶበ ተከለለ ደም ወማይ ወሐሊብ እምነ ክሳዱ ፈልፈለ” ተባሂሉ እተጻሕፈሉ። ገድሉ ፈጺሙ ኣብ ዝዓረፈሉ ብጠቕላላ ክንዲ እቲ ዝተጋደለሎም ሸውዓተ ዓመታት ወዲ ሰብ ዘይሰርሖም ሰማያውያን ኣኽሊላት ብርሃን ካብ እግዚአብሔር ከም ዝተዋህብዎ ኣብ ገድሉ ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ። ስለቲ ልዕል ዝበለ ክብሩን ገድሉን ካብ ሰማይ ድማ ፯ አክሊላተ ብርሃን ተቐበለ። ድኅሪ ምስያፉ ድማ መላእክተ ብርሃን መጺኦም ብኽብሪ ነፍሱ ኣዕሪጎማ። ዝተፈላለየ ተኣምራት ድማ ተፈጺሞም። ሰዓብቱ ድማ ኣስከሬኑ ሒዞም ተሸኪሞም ኣብ ዝኸዱሉ ልዳ ኣብ ዝተባህለት ሃገሩ ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሖም ቅዳሴ ቤቱ ፯ ሕዳር ኣኽበሩ። ኣጽሙ ድማ ብኽብሪ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣንበርዎ። ክሳብ ሎሚውን ኣብ መቓብሩ ንሱ ኣብ ዝረገጾም ቦታታት ተኣምራት ክፍጸም ይነብር ኣሎ። ፈወስቲ ማየ ጸሎታት ድማ ብስሙ ፈልፊሎም እዮም። 

ቃል ኪዳን ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምስንባቱ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ እዩ። ስሙ ጸዊዑ ዝምሕጸኖን፡ ብስሙ መከራ ንዝቕበልን ዝኽሩ ንዝዝክርን፤ ብስሙ ቤተ ክርስቲያን ንዝሃንጽን፡ ብስሙ ንድኻ ዝርኅርኅን ፈጣሪኡ ክርስቶስ ኣሥራተ ምሕረት ከምዝገብረሉ ብጸሎት ተራኺቡ ኣሥራት ከምዝተቐበለ ገድሉ ይገልጽ። 

ክብረ በዓላት ፍጡነ ረድኤት ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብገድሎም ካብቶም ብርሃን ዝኾንዋ ደቃ ሓደ እቲ ብሰማእትነት ዝሓለፈ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ እሞ ስለቲ ዝፈጸሞ ዓቢይ ገድሊ ወትሩ ዕረፍቱ ፳፫ ሚያዚያ ብዓቢ ድምቀት ከተኽብሮን ክብ ብዝበለ ሥነ ሥርዓትን ክትዝክሮ ትነብር ኣላ። ከምኡውን ኣጽሙ ዝተዘርወሉ ፲፰ ጥሪ፤ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያኑ ድማ ፯ ኅዳር ይኸብር። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ሰማእታት ኾኸብ፤ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ብርሃን እዩ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ስለቲ ቅኑዕ ነገር ካብ ሰብ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ከም ዝግባእ ከም ሓዋርያት ብግብሪ ዘመስከረ ኣቦ እዩ። ሓቀኛ ናይ ወንጌል መምህር ማለት ብቃል ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ምዃኑ’ውን ብሕይወቱ ኣብነት ዝኾነ ዓቢይ መምህር እዩ። ስለ ወንጌል ድማ መከራ ምጽጋብን ንኵሉ ጸዋተወ መከራ ምዕጋስን ከምዝግባእን፡ እቲ ብዝኂ ምረት ብዘየገድስ ኣብ ፍረን ሰማያዊ ክብርን ከምዘበጽሕ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሕይወቱ ዘመስከሮ ናይ ወንጌል ሓቂ እዩ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ብንእስነቱ ኣነ ሽመት ወይውን ማዕርግ ቤተ ክርስቲያን የብለይን እንታይ ኸ ገደሰኒ ከይበለ፤ ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኹ ገና ኣብ ንእስነቱ ስለ ሃይማኖቱ ዝተጋደለ ኣቦ እዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ብቃል ኪዳኑ ፍጡነ ረድኤት ኮይኑ ዝራዳእ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን እትኣምነሉን በረኸቱ ዘስተማቐሩ ድማ ዝያዳ ዝገልጽዎ እዩ። 

ሎሚ’ውን እንተኾነ ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ቤተ ክርስቲያን እምብዛ የድልያ እዩ። ሥጋዊ ፍቓዳቶምን ሓሳባቶምን ንጐኒ ገዲፎም፡ ምኽሪ ዲያብሎስ ከይሠዓሮም ስለ ሃይማኖቶም ብጽንዓት ዝቃለሱ መንእሰያት ብሓቂ ክህልዋ ቤተ ክርስቲያን ትድለየለሉ እቲ ቅኑዕ ጊዜ እዩ። 

በረኸትን ረድኤትን ፍጡነ ረድኤት ሊቀ ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ የሕድረልና። 

እግዚአብሔር አምላኽ ብምሕረቱ ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ንቤተ ክርስቲያን የተሥኣላ። 

2 comments:

  1. amlak yehagezekum qduse giorgis ayefelekum!

    ReplyDelete
  2. Tsega,bereketn amaladnetin nay Fitune Rediet Mekbibe Semait Kidus Giorgis mis kulatna yikun!!!

    ReplyDelete