Tuesday, April 26, 2011

ቀዳማይ ሰሙን ትንሣኤ


ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሳኤ
ስያመ መዓልትታት ቀዳማይ ሰሙን

ትንሣኤ ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ኮይኑ፡ ካብ ዝኾነ ካልኦት በዓላት ጐይታ ምስቲ ዘለዎ ዓቢ ትርጉም ልዕሊ ካልኦት በዓላት ጸብለል ኢሉ ዝኽበርን ዝረአን እዩ። ከመይሲ ትንሣኤ ጐይታ ንሱ ንሞት ስዒሩ በዅር ትንሣኤ ኮይኑ ንዓና ካብ ኃሳርን ውርደትን ናብ ክብሪ፡ ካብ ባርነት ናብ ዘለዓለማዊ ናጽነት፡ ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲስ ሕይወት፡ ካብ መርገም ናብ በረኸት፡ ካብ ርደተ ሲኦል ናብ ገነት ወዘተ ዘሰጋገረሉ ስለዝኾነ እዩ። ትንሣኤ ጐይታ እንተዘይህሉ እምነትና’ውን ከንቱ ምኾነ!
ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ንዝፈጸሞ ኵሉ ብዓቢዩ ሞቱን ትንሣኤኡን እናዘከርና ወትሩ ኣብ መገዲ ንሱ ዝገደፈልና ቃልን ትእዛዝን ጸኒዕና ክንነብር ከኣ ኣሎና። ምኽንያቱ ደቂ ሰባት ሞይትና በስቢስና እንተርፍ ዘይኮናስ ንሕናውን ኵልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው እንብለሉ ትንሣኤ ዘጉባኤ ከምዘሎና’ውን ምስትውዓል የድልየና እዩ። እግዚአብሔር ዘዳለወልና ክብርን መንግሥትን ድማ ኣብ ቕድሜና ስለዘሎ፤ ኣብታ ወሳኒትን ናይ መወዳእታ ናይ ፍርዲ ሰዓት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ከይንሓፍር፡ ኣብዚ ምድሪ እግዚአብሔር ኣብ ዝሃበና መዋዕል ትንሣኤ ኅሊና (ተዘክሮተ እግዚአብሔር) ከምኡ’ውን ትንሣኤ ልቦና ክህልወና ይግባእ። እዚ ድማ ከምቲ ጐይታ “ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፤ ብቃለ እግዚአብሔር እምበር” ዝበሎ ወትሩ ቃለ እግዚአብሔር እናተመገብና ብንስሓ እናተሓጸብና ሰናይ ፍረ ምግባር እናሰራሕና ንፍኖተ ኣምላኽና ስንቂ ቋጺርና እንጽበየሉ እዩ። ትንሣኤ ጐይታ ደጊም ኣብዚ ምድሪ እግዚአብሔር ዝኣዘዞን ዝሠምሮን ሓድሽ ሕይወት ክህልወና ዘለቡ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሕይወት ኣብዚ ምድሪ ክህልወና ክኢሉ ድማ ኣብታ ዳኅረወይቲ ትንሣኤ ድማ ብምሕረቱ ካብ ፀሓይ ሸውዓተ ዕጽፊ ደሚቕና ብኽብሪ ክንቀውም ኢና፤ ኣይኮነን ግና ካብ ኳኽ ሸውዓተ ዕጽፊ ጸሊምና ብዘይምለስ ጣዕሳ ክንሓዝንን ሕሰረትናውን ዝኸፈአን ዘለዓለማዊን ክኸውን እዩ።
ትንሣኤ ጐይታ፡ ንዕለት ዝሓልፍ በዓል ዘይኮነስ ሰባት ብመልእኽቲ ትንሣኤ ወትሩ ክነብሩ ቤተ ክርስቲያን ንደቂ ኣዳም ብሓፈሻ ንምእመናን ከኣ ብፍላይ እትነግረሉ እተተሓሳስበሉ እዩ። እወ፡ ጐይታና ንሞት ስዒሩ ከምዝተንሠዐ፤ ንሕና ደቂ ሰባት’ውን ክንትንሥእ ኢና እሞ ትንሣኤያዊ ሕይወት ይሃልወና። ኣብ ናይ ጸልማት ሕይወት ብሰንሰለት ኃጢኣት ዝተኣሰርና ኵልና ናብቲ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ኣምላኽና ንውጻእ። ንሱ ፀሐየ ጽድቅ እዩ እሞ ከብርሃልና እዩ። ኣብ ምውት ግብሪ ዘሎና’ውን ናብቲ ህያው ቃል ንምጻእ፤ ቃሉ ብርሃን እዩ እሞ ሓራ ክገብረና እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያና’ውን ስብከት ትንሥኤኣ ንሱ እዩ። ናብኣ ክንምለስ ናይቲ ሕያው ኣምላኽ ክርስቶስ ብርሃኑ ክትዕድል ደቃ ብደወላ ትጽውዕ ኣላ እሞ ንስምዓያ።

ትንሣኤ መልእኽቱ ዓቢይን ዓሚቕን ብምዃኑ ትንሣኤ ክርስቶስ ዘይስበኸሉን ዘይንገረሉን ጊዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን የልቦን። ኵሉ እቲ ዝተረኽበ ጸጋ’ውን ብትንሣኤ ክርስቶስ ስለዝኾነ መሠረት ክርስትናና ንሱ እዩ። ብፍሉይ ድማ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ኣትሒዙ እቶም ዝቕጽሉ ዕለታትን ሰሞናትን ክሳብ በዓለ ኃምሳ (ጰራቅሊጦስ) ነገረ ትንሣኤኡ ብሰፊሑ ይንገር፤ ይስብኽ፤ ይዝመር። እዘን እዋናት ድማ ብትንሣኤ ክርስቶስ ናይ ዝረኸብናዮ ጸጋን ክብርን ንዝክረሉ ስለዝኾነ ድማ ናይ ሓጐስ ፍስሓን መዓልትታት እየን።

ካብ ሰኑይ ጽባሕ ትንሣኤ ሰንበት ክሳብ ዳግማይ ትንሣኤ ሰንበት ዘለዋ መዓልትታት መልእኽተን መልእኽቲ ትንሣኤ ይኹን ደኣ እምበር ነናተን ፍሉይ መጸውዒ ስም ተዋሂብወን ይርከብ።

ሰኑይ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፲፱፥፲፰ ሮሜ ፭፥፲-፲፯) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሣኤኡን ነፍሳት ካብ ሲኦል ኣውጺኡ (ፀአተ ሲኦል) ናብ ገነት ምስግጋሩ ንምዝካር ማዕዶት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። ማዕዶት ማለት ምስግጋር ማለት ከም ምዃኑ ነፍሳት ብዕለተ ዓርቢ ስቅለት፡ ጐይታ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ናጽነት እንተሰበኸሎምን ሓራ እንተውጽኦምን እኳ፡ እዚኣ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሰኑይ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ግብሪ ተዘክርን ተስተንትንን።

ሠሉስ ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፳፥፳፬-) ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ሰንበት ምሸት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሓዋርያት ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ክግለጸሎም ከሎ ኣብ ሞንጎኦም ቶማስ ሓዋርያ ኣይነበረን። ጸኒሑ ካብ ዝነበረሉ ምስ ተመልሰ፡ ካልኦት ሓዋርያት ትንሣኤ ጐይታ ምስ ነገርዎ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ፡ ኣብ ሰሙኑ ጐይታ ዳግማይ ቶማስ ኣብ ዝተረኽበሉ ስለዝተገልጸን “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉ ንሱ ምዃኑ ስለዘረጋገጸሉ፡ ነዚ መዘከርታ ክኽውን ተባሂሉ እዚኣ ዕለት ብቶማስ ተጸዊዓ ኣላ።

ረቡዕ ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፲፩፥፴፰-፵፮) ፈታዊ ክርስቶስ ዝነበረ ኣልኣዛር፡ ኣርባዕተ መዓልቲ ድኅሪ ምማቱን ምቕባሩን ካብ መቓብር ጸዊዑ ጐይታ ስለዘተንሥኦን፡ ብዙኃን’ውን ነዚ ተኣምር ርእዮምን ሰሚዖምን ብጐይታ ስለዝኣመኑን፤ ኣብታ ዕለት ድማ ጐይታ “ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፤ እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ” ብምባል ብግልጺ ስለዝመሃረን ስለዘርኣየን፡ እዚኣ መዓልቲ ነዚ ዓቢይ ግብሪ ትንሣኤ ንምዝካር ኣልኣዛር ተባሂላ ትጸዊዓ ኣላ።

ኃሙስ ሓሙስ ኣዳም ተባሂላ ትጽዋዕ። (ሉቃ ፳፬፥፳፭-፵፱) እቲ ብጌጋኡ ዝወደቐን ሞት ዝተፈርዶን ቀዳማይ ሰብ ኣዳም እዩ። ስለዝተጣዕሰ ድማ ናብ ገነት ዳግማይ ከምዝምለስ፤ ኣምላኽ ካብ ጓል ጓሉ ተወሊዱ ድኅሪ ፭ መዓልትን ፈረቓን ከምዝደኅኖ ተስፋ ዝተዋህቦ ቅድሚ ኵሉ ድማ ባዕሉ ኣዳም ነበረ። ኣዳም ተስፍኡ ተፈጺሙሉ ምስ ደቁ ደቁ ናብቲ ዝቐደመ ኽብሩን፡ ስፍርኡ ገነትን ንምእታዉ መዘከርታ እዛ ሓሙሸይቲ መዓልቲ ሓሙስ ኣዳም ኃሙስ ተባሂላ ትጽዋዕ።

ዓርቢ ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። (ማቴ ፳፮፥፳፮-፳፱ ግብ ሓዋ ፳፥፳፰) ብክርስቶስ ደም ተዓዲጋ ኣብ ዝተመሥረተት ቤተ ክርስቲያን ዓባይ መዘከርታ ብምዃና ኣብ ሰሙነ ፋሲካ ዘላ ዓርቢ ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። ቤተ ክርስቲያን ማእከል ስብከት ስቕለትን ትንሣኤን፡ ኣካል ክርስቶስ፡ ቤተ እግዚአብሔር ምዃና ኵልና እንፈልጦ ሓቂ ድማ እዩ።
ቀዳም አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ። (ሉቃ ፰፥፪-፫ ሉቃ ፲፥፴፰-፵፪ ማቴ ፰፥፲፭ ዮሓ ፲ሉቃ ፳፫፥፳፯-፳፱ ሉቃ ፳፬፥፩-፲፪ ማቴ ፳፭፥፩-፲፪) ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ንጐይታን ሓዋርያትን ብገንዘበንን ብጉልበተንን ንዝገልገላን፡ ኣብ እዋን ስቕለቱ ድማ ዋይ ዋይ እናበላ ክሳብ ቀራንዮ ንዝሰዓባ፡ ከይወገሐ ከሎ ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ቅድሚ ሰበን ብለይቲ ናብ መቓብር ጐይታ ጨና ሒዘን ብምግስጋሰን ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ሰብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንዝተገልጸልን ቅዱሳት ኣንስት መዘከርታ ክኸውን ኣንስት ተባሂላ እዛ መዓልቲ ተጸዊዓ ኣላ።

ሰንበት ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፳፥፳፬-) እዚ ኸኣ ታሪኹ ምስ ቶማስ ሓዋርያ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ ኣብ ዕለተ ሠሉስ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቶማስ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰንበት ትንሣኤ ጐይታ ንሓዋርያት ክግለጽ ከሎ ስለዘይነበረ፤ ንትንሣኤ ጐይታ ብሰሚዕ ጥራይ ዘይኮነስ ዝረኣዮ ምእንቲ ክምስክር ደልዩ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ ጐይታ ናይ ልቡ ፈሊጡ ኣብ ሰሙኑ ዳግማይ ንሱ ኣብ ዝተረኸበሉ ተገልጸሎም እሞ ንቶማስ ሓዋርያ “ኣጻብዕኻ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉዎ። ንሱ’ውን ከምኡ ገበረ። ኣእዳዉ ግና እሳተ መለኮት ስለዝተንከፈ ቆሪየን ተሪፈን። ጐይታ ግና ምሒርዎ። ቶማስ ድማ መሊሱ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ በቲ ሓደ ኣምላኽነቱ በቲ ካልእ ድማ መሓርነቱን ጐይትነቱን መስከረ። ስለዚ እዚኣ መዓልቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ትንሣኤኡ ዘረጋገጸላን ምሥጢር ንሓዋርያት ዝገለጸላን ስለዝኾነት ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትፍለጥ።

እምበርኣርከስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በዚ ኣብ ላዕሊ ብውሑዱን ብሓጺሩን ብዝተገልጸ ምኽንያት ነዘን መዓልትታት ቀዳማይ ሰሙን ትንሣኤ ነናተን ስያመ ሂባ፡ ደቃ ምእመናን ብዝግባእ ኣገባብ ትንሣኤ ከኽብሩን ትርጉሙ ክርድኡን ትገብር።

በረኸት ትንሣኤኡ ኣይፈለየና።

1 comment:

  1. Enqa nebeal dagmaye tensaie abxehakum abxehana. bertu amlak mesakum yekun amen.

    ReplyDelete