በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ቀሺ በረከት ኪዳነን ግብርታቱን
ስሙ ቀሺ በረኸት ኪዳነ ይብሃል። ትውልዱን ዕብየቱን ኣብ ከባቢ ሰበኻ
ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ኣሥመራ ኮይኑ፤ ብዲቁና ኣብ’ዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ከገልግል ድኅሪ ምጽናሕ፣ ቅድሚ ፲ ዓመት ከም
ታራ ሠራሕተኛ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ።
ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፤ ከም ርእሲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን
ሃገርና መጠን ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት ክምደቡን፤ ክቝጸሩን ናይ ዘለዎም ኣገልገልቲ ብቝዕ መምዘንን ቕጥዕን ዘይብሉን ኣብ ፍታውን ውልቃዊ
ሚዛንን ኣመሓደርቱ ዝተምርኮሰን ብምዃኑ፤ ንኻልእ ዘየድሊ ምትእትታዋት ቅሉዕ ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ፤ ንኸምዚኦም ዓይነት ክፉእ
ዝግብሮም ሰባት ጥጡሕ ባይታ ከፊቱ ይርከብ። ከምኡ እንተዘይከውን፤ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ከም መጠን ወካሊን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን
ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኤርትራ፤ ይትረፍ ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ክሰርሑ፤ ጥቕኡ
እኳ ክቐርቡ ዘይግብኦም ሰባት ከም ቀንዲን ተዋሳእትን ኮይኖም ክዋስኡሉ ኣይምተረኽቡን ነይሮም። ብዙኃን ምኩራትን ቅንኣት ሃይማኖት
ዘለዎምን ሊቃውንቲ ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ልቦም ኣብ ልቦም ገይሮም ርእሶም ኣድኒኖም ብዘይ ሥራሕ ኣብ ዝመላለሱሉ ጊዜ፣
እዚ ዓቢዪ ቤት ጽሕፈት’ዚ፤ እቶም ከም ሠመረ ኣብ ዝኣመሰሉ ብመናፍቅነቶም ዝፍለጡ፤ ከም ቀሺ በረከት ዝኣመሰሉ ብኻልእ ብልሹውን
ኣዝዩ ኣጸያፍን ተግባራቶም ዝልለዩ ሰባት ርእሶም ኣቕኒዖምን ምርኡያት ዋናታት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ክረኣዩ ኣይምተረኽቡን ነይሮም።
ስቕታ ተመሪጹ እምበር፤ ጸሓፊት ተሳኢና’ሲ፤ ካቶሊካዊት እመቤት ኣብ’ቲ
ከም “መቅደስ” ዝቝጸር ቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ከም ዋና ጸሓፊት ኮይና ልዕሊ ፴/30 ዓመት ክትጸንሕ ኣይምኸኣለትን።
እርኑብን ውርዙይን ኣከዳድና ዘይውንና ጎራዙ ኣዋልድ ኣብዚ መንፈሳዊ ቤት ጽሕፈት’ዚ ንየው ነጀው፤ ላዕልን ታሕትን ክብላ ኣይምተራእያን።
ባሕታውያን ዝርከብዎም ኣቦታት ኣብ ኣፍ ደገ ደው ክሳዕ ዝብሉ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክኣቱ ዝፍቀደሉን ዘይፍቐደሉን ያኢ ኣርኣያ ክህነት
ተሳኢኑስ ኣብ ኢድ “ገጽ ኣንስቲ” እምበይወደቑን ነይሮም። ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሰራሕተኛ እቲ ቤት ጽሕፈት ዘየለዉ ሰባት፤ ንቤተ
ክርስቲያን ኣብ ዘይምለከት ሥራሕ ብስም ኮንትራት ወርኃዊ ደሞዞም መመጺኦም ክወስዱ ክሳብ ዝግበር ኣይምተረኽበን ነይሩ። . .
. ዝርዝሩ ብዙኅ እዩ።!
