Friday, January 11, 2013

ፍሹል ጥበራታት “ምምሕዳር”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ውግዘት ሠመረአብ ተኸቲሉ ሒደት ዘይኮኑ ግና ኣገደስቲ፤ ተስፋ ውሉደ ክህነትን ኣገልገልትን ዘለምልሙ፤ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ዘበጋግሱ ኵነታትን ምንቅቓሕን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ይክስቱ ከምዘለዉ ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ብፍላይ ድማ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝበጻሕና ሓበሬታታት ይእንፍተና ኣሎ። ይኹን እምበር መንፈሳዊ ጸጋ ብዘይ ፈተና ስለዘይስነይ፤ ድሮ እኳ እቶም ከም ቍርዲድ ንቤተ ክርስቲያንና ዝመጽዋ ዘለዉ ኣካላት “ምምሕዳር” ነዚ ዝረአ ዘሎ ምብርባራትን ምንቅቓሕ ተስፋ ቤተ ክህነትን ኣንፈቱ ንምጥዋይ፤ ናይ ምፍልላይን ካልእ ተንኮላትን ይፍሕሱን፤ ንምዕንቃፉ ድማ መጻወድያታት የዋድዱ ከምዘለዉ ግዱሳት ምንጪታትና ይሕብሩና ኣለዉ።

ገዳማውያን ኣቦታት ዘበጋገስዎ ሕቶታትን ዝወሰድዎ ስጉምታትን ነቲ ሃንደበት ዝኾኖ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን፤ ምሒር ኣሰንቢድዎ ከምዘሎን፤ ከም ኃያል ውሑጅ ንዝርእዮ ዘሎ ጽንዓትን ምረትን ኣቦታት ከይለከሞ ከሎ ብኣጋ ንምእላዩን ንምዝሓሉን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ዓንኬል “ምምሕዳር” ምስ ዝጥርነፉ እሙናት ዝብሎም ወገናቱ ብቀጻሊ ብዝገብሮ ምኽርን ሸበድበድን ንርእሱ የቃልዕ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሎ ኣሎ። ኣብዚ ምኽሪ’ዚውን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝኾኑ እሞ ንነዊሕ እዋን ምስቲ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣሉታዊ ተራ ዝጸንሖም ካልኦት ኣካላት’ውን ይዋስኡ ከምዘለዉ ምንጪታትና ሓቢሮምና ኣለዉ።
በዚ መሠረት ከኣ ነቲ ብገዳማውያን ኣቦታት ተበጊሱ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ሠሚርዎ ፍጻሜ ንዝረኸበ ጕዳይ ምእራም ኣፈጻጽማ ቃል ኪዳን መርዓውቲ፤ ባዕሎም ሓሲቦም ዝገበርዎ ምዃኖም ንምርዳእን፤ ልቢ ምእመናንን ቤተ ክህነትን ንዘርስረሰ ጽልዋን ተቐባልነትን ገዳማውያን ብተዘዋዋሪ ንምድኻሙ ምሉእ ውሉደ ክህነትን ኣባላት ሰባኻ ጉባኤታትን ኣሥመራ ዝተጸውዓሉ ጉባኤ ብዕለት ፩ ጥሪ ፳፻ወ፭ (10/01/2013) ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ፍኖተ ብርሃን ተወጢኑ ከምዝተኻየደ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። ኣብዚ ኣኼባ’ውን ነቲ ዓለም ዝፈለጦ ጕዳይ ክጠዋውዩ ፈቲኖም እዮም። ነቲ ጽቡቕ ውጽኢትን ሥምረትን ኣቦታት ኣብ ክንዲ ምምጓስን፤ ንቀጻሊ ሥራሕን ሓድነታዊ ፍረን ኣብ ክንዲ ምእማት፤ ካልእ ዘየድሊ ጣቋ ዘረባ ኣገዳሲ ከምዘይነበረ ብዙኃን ኣባላት ቤተ ክህነት ይዛረቡሉ ኣለዉ።

በቲ ዘሎ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ልቡ ቅሒሩ ንዘሎ ሕዱር ውሉደ ክህነት’ውን ብቀሊሉ ንምጥባር፤ ኣብ ድሮ በዓለ ልደት ብኣልማማን ብዘይተጸንዐን ኣገባብ ብሃታ ሃታ ወሰኽ ደሞዝ ከምዝተገብረ ዝበጻሕና ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ። እቲ ዝተገብረ ወሰኽ ደሞዝ ካብ 200-300 ናቕፋ ኮይኑ፤ ቅድሚ ሕጂ ብቀጻሊ ቕጥዒ ገምጋም ኣገልገልቲ ክምልኣሉን ክምዘነሉን እኳ እንተጸንሐ፤ ነቲ ኵሉ ክግበር ዝጸንሐ ገምጋም ኣገልገልቲ ንጐኒ ብምግዳፍን ዘይቅኑዕ ገይርካ ብምውሳድን፤ ነዛ እዋን ሸቀልቀል ምእንቲ ከገልግል ተባሂሉ “ምምሕዳር” ነዚ ስጉምቲ’ዚ ክወስድን ነቲ ጊዜ ክኸስበሉን ከምዝፈተነ ተፈሊጡ ኣሎ። ብደገ ብዝውረን በቲ ዘሎ ኵነታትን ተጸልዩ “ምምሕዳር” ወሰኽ ደሞዝ ይገብር ከምዘየለ ባዕሎም ነዚ ምኽሪ ኣብ ምቕማር ኢድ ዝነበሮም በዚ ጕዳይ’ዚ ዝተጨነቑ ኣባላት ዓንኬል “ምምሕዳር” ከይተሓቱ ክምልሱ፤ ከይተጠወቑ ክለፋለፉ ከምዝተሰመዐ’ውን ምንጪታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ገሊጾምልና ኣለዉ። እዚ ኵሉ ዝግበር ዘሎ እምበኣር “ንዓኹም ንኃልዪ ኢና፤ ብዛዕባኹም ክንሓስብ ድቃስ ሲኢንና ኢና ንሓድር ዘሎና” ብዘመስል ኣቃጫጭ፤ ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሥነ ልቦና ቤተ ክህነት ዝግበር ዘሎ ጸዋታ ምዃኑ ክንርዳእ ክኢልና ኣሎና። ገሊኦም ተዛረብቲ፤ "ገዳማውያን ኣቦታት ኣብቲ ዝሓለፈ ኣኼባኦም ንምምሕዳር ደሞዝ ወስኹሎም ኢሎሞም ተዛሪቦሞም ዲዮም?” ኢሎም ክዋዘዩ ከምዝተሰመዐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

በዚ ይኹን በቲ፤ እቲ ብምምሕዳር ዝግበር ዘሎ ኣኼባ ኣዝዩ ጽዑቕ ኮይኑ ይርከብ። ገሊኡ ብ“ጸብጻባዊ” ሥራሕ ክመኻነ ይፈተን እምበር፤ ምስ ሓለፍቲ ክፍልታት እቲ ቤት ጽሕፈት’ውን ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ተቖጺሩ ብዛዕባ ዘሎ ሓፈሻዊ ኣኼባ፤ ምምክኻር ከምዝተገብረ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። ድሮ ብወገን “ምምሕዳር” ነቲ ዝመጽእ ኣኼባ ይኾኑኒ፤ በቲ ዝደለኽዎ መገዲ የማእዝኑለይ እዮም ዝብሎም ሰባት ኣብ ምዕዳምን ምምኻርን ምውዳብን ተጸሚዱ ከምዘሎ ካብ ካልእ ምንጪ ዝተረኽበ ሓበሬታውን የረጋግጽ። እዚ ኣካይዳ ናይዚ ዘሎ “ምምሕዳር” መንነቱ ከይቃላዕ፤ ቍጥዓ ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝነድድ ዘሎ ውሉደ ክህነትን ኣገልገልትን ከይግንፍል ብምስጋእ ዝገብሮ ዘሎ ምዃኑ እዮም ምንጪታትና ዝገልጹልና ዘለዉ።

እዚ ዘሎ “ምምሕዳራዊ”’ዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ምድኻም፤ ኣብ ኵሉ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዘሎ ሕዝብናን ቤተ ክርስቲያናን ኣብ ምኽፍፋል፤ ሓድነታ ኣብ ምዝራግ፤ ንደቃ ግዳይ መናፍቃን ኣብ ምግባር፤ ንመናፍቃን ናይ ሥራሕ ባይታ ኣብ ምሃብ፤ ንክብርን ሃይማኖትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምግሃስ … ብዛዕባ ዝተጻወቶ ታራ ክሕተት ይግብኦ እዩ። እዚ ሕቶ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፎ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ድማ እዩ ናይ ዓቕሊ ጽበት፤ ኣቦታት ነንሕድሕዶም ከናቝት፤ ነቲ ዝለዓል ሕቶ ክደብይ ወቦ ዘተርፈ ነዊሕ ጊዜ ክጽዕር ዝጸነሐ። ኮይኑ ግና ሎሚ ብኸምዚ መገዲ ክሰግሮ እዩ ዝብል ግምት ከምዘይብሎም እዮም ብዙኃት ኣባላት ቤተ ክህነት ዝዛረቡ ዘለዉ።

በቲ ዘሎና ሓበሬታ’ውን፤ ከምቲ ልሙድ ሒዝዎ ዘሎ ነቲ ቅኑዕ ሕቶ ገዳማውያን ኣቦታት ኣንፈቱ ናይ ምጥዋይ ምሕዞታትን ካልእ ተንኮላትን ብዙኅ ከኺዶ ዝኽእል ኣይመስልናን። ሎሚ ኵሉ ነቒሑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፤ ክልተ ጊዜ ክታለል ዝኽእል ኣባል ቤተ ክህነት ክህሉ ዝኽእል ኣይኮነን። ገዳማውያን ኣቦታትና’ውን በቲ ጀሚሮሞ ዘለዉ መገዲ ሕቶኦም እንተቐጺሎም፤ ነንዝፍሓሰሎም ተንኮላት ብጸሎትን ብምኽርን እንተደኣ ኣፍሺሎሞ፤ ኵሉ እቲ ሓቂ ክገሃድ ምዃኑ ንኣምን ኢና። ነቲ እንብህጎ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና’ውን ብኃይሊ ኣምላኽ ክንርኢ ተስፋ ንገብር ኣሎና።  

ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ እዚ ምብርባር’ዚ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ከውሕስ ብዝኽእል ኣገባብ ድርኵዂት ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ከርግጸና ተስፋን ጸሎትን ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን እዩ ኢልና ንኣምን። ስለዝኾነ ድማ በቲ ቅኑዕ መገዱ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ክንርኢ እንደሊ ደቃ፤ ብትምኒትን ተስፋን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ብጸሎትን መንፈሳዊ ተግባራትን ትሩፋትን ክንተግህ ከምዝግባእ ምዝክኻሩ ኣገዳሲ እዩ። "እዚ ተባህለ እዚ ተገብረ፤ ክስቶ ከምዚ በለ … ክስቶ ከምቲ በለ ጥራይ ኢልና ኣድመቕቲ ፍጻሜታትን ክውን ተግባራትን ኮይና ከይንተርፍ፤ ኵልና ኣብዘዘለናዮ ኵርናዕ ዓለም ስለ ዕብየት ቤተ ክርስቲያንና፤ ማሕንቖ ዕብየታ ኮይኖማ ብዛዕባ ዘለዉ ነገራት ብመንፈሳዊ መገዲ ክንመክርን ክንላዘብን፤ ስለቲ መፍትሒታቶም ድማ ዘዝግባእና እጃም ከነበርክት ይግባእ።

እንተ እቶም ሕጂ’ውን ዓቕሎም ጸቢብዎም ተንኮል ዝፍሕስ ዘለዉ ግና ብሰብ ዘይኮነስ ብኣምላኽ ክፍደዩ ምዃኖም ዝጠራጠር ዘሎ ኣማኒ የልቦን። ምኽንያቱ ቦ ጊዜ ለኵሉ (ኵሉ ገገዚኡ ኣለዎ)!!!

ኣምላከ ቅዱሳን ሃገርናን ማኅደርናን ይባርኽ

1 comment:

  1. በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤!!!
    Agenae Madotawiyan AMLAK YIBARIKKUM

    ReplyDelete